Wednesday, January 18, 2023

ኣከባብራ ብዓል ጥምቀት


ህፃን እናሃለኹ ብሃንቀውታ ካብ ዝፅበዮም ብዓላት ሓደ ጥምቀት እዩ ነይሩ። ብዓል ጥምቀት ክሳብ ዝመፅእ ሃረር ይብል።
 
ፅባሕ ጥምቀት እንተኾይኑ ሎሚ ምሸት ናብቲ ታቦት ዝሓድረሉ ቦታ ከይድና ንሓድር። ናይ ቅሻውሽቲን ዲያቆናትን መዝሙር፣ ወረብ፣ቅዳሴ… ናይ ደፋትር ቅኔ ዋላ ትርጉሙ ኣይንፍለጦ ኣፈይ ከፊተ ይከታተሎ ነይረ። 
 
ሓቂ ትሓይሽ እቱ ዘጥሹዎ ዕጣን ግን ኣይፈትዎን። ንዓቐብ እዩ ዝብለኒ። ብተወሳኺ ደማ ኣብ ውሓዝቲ ሩባታት ምስ መሓዙተይ ክዳንና ክሳብ ዝጥልቂ ከም ዘይተጋፀብና ናይ ጥምቀት ማይ እንትርጨይ ነብሰይ ሽምቅቕ ይብል። ስለ ዝኾነ ድማ ሰይጣን ይፈታተነኒ ከይነብር ይፈርሕ ነይረ። 
 
ብዓል ጥምቀት፣ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ፃወታታ ሓቢሮም ዝኽበርሉ ብዓል ነይሩ። ምሽት ዋጋሕ ትበል ለይቲ ይጉየል፤ ጉማየ ይብሃል። ብናጋኡ ድማ፣ ግርኒጋፎ እናተብሃለ፣ እናተዓለለ፣ እናተዘመረ ታቦት ናብ መንበሩ ይምለስ። መናእሰይ፣ እቱ ታቦት ቀስ ኢሉ ንክኸይድ ይገብሩ። ኣብ ቅፅሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ምስ ተበፅሐ፣ ብኸቦሮን ጥሩምባን ዝዓመረ ግርኒጋፎ ይብሃል።
ጥምቀት፣ ንፉዓት ጉማየ ብሃልትን ደረፍትን ዝፍለጥሉ ብዓል እዩ። 
 
ቀሻውሽቲ ቸብቻቦ እናወቅዑ፣ እናዘለሉ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ሰለስተ ግዘ ይዘሩዎ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ።
 
ድሓር፣ ብዓበይቲ ቀሻውሽቲ ቃለ እግዚአብሔር ይስበኽ። ምርቓት ይስዕብ። ወርቃዊ ምንፃፍ ተዘርጊሑ ቅርሺ ይወድቕ። ከከም መፅብዓኡ ስርናይ፣ ጤለ በጊዕ፣ ክፍቲ እናተገንሐ ይመፅእ። ገበዛት ይቆፅሩ።
ድሓር፣ መናእሰይ ብዓድታት(ጣብያ ወይ ቁሸት) ተኸፋፊሎም ናብ ቃርሳኦም ይኸዱ። ዓበይቲ ዓዲ፣ ነቲ ፃወታ ባሪኾም፣ ንደቆም ምዒዶምን ሰናይ ፃወታ ንክኾነሎም መሪቖምን የጀምሩዎ። ሎሚ ዓመት ኸ ነታ ቃርሳ እናወቅዑ ዝውስድዋ መናእሰይ እንዳ መን ይኾኑ? ይብሃል። ልክዕ "ደመራ(መጋላ) ናበይ ይወድቕ ይኾን?" ከም ዝብሃል ውፅኢቱ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ። ወይ ብፃወታ ኩዕሶ እግሪ እየነይቲ ክለብ ኮን ትስዕር? ከም ዝብሃል ማለት እዩ።
 
ኣብቲ ፃወታ ክሳተፉ ዘይኽእሉ ሰባት ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ እናኾኑ ይከታተሉ። ዕሸላት ኣወዳት ናይ ዓበይቲ ኣሕዋቶም ክዳን ሒዞም ይኽተሉ ወይ ንገዛኦም ይኸዱ። 
 
ኣብ ዓድና፣ ትብዓት መናእሰይ ብቃርሳ ኣቢልኻ ይልለ። መን እዩ ዘይቕደም ንፉዕ ጎያይ? መን እዩ ተደፊኡ ዘይወድቕ? መን እዩ ቃሪሱ ዘይስሕት? ኣርሒቑ ዝወቅዕ? ብእርይ ቁፅር ይፍለጥ። "ወዲ ኢከለ እኮ ክጎዪ ንፋስ እዩ፤ ባዕሉ ወቂዑ ባዕሉ እዩ ልሕዛ!" 😃 ይብሃል። ብዓድና፣ ልክዕ ከምኒ ሮናልዶታት፣ ሮናልዲንሆ፣ ዜዳን፣ ሜሲ፣ ሳላ ማለት እዩ። 😉 ብጣዕሚ ይፍተውን ይድነቑን። 
 
ንፈዓት ተፃወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘለወን ክለባት ኣውሮፓን ዓለምን ዋንጫ ይወስዳ። ንፈዓት መናእሰይ ዘለውዎ ዓዲ ድማ ኩልሻዕ ነታ ቃርሳ ናብ ዓዱ ይወስዳ። ብዓመቱ ኣዝመራኦም ከም ዝስስን ይእመን። ዝተስዓረ፣ ጥራይ ኢዱ ንዓዱ ይኸይድ። ልዓመታ ይራኽበና ተባሃሂሎም ይፈላለዩ።
ስለዚ፣ ጥምቀት መፍለይ ንፋዓት ኣጋውዝ፣ መፋቐርን መላለይን መናእሰይ እዩ ነይሩ። 
 
ኣብ ከባቢና ንፉዓት ተፃወትቲ ቃርሳ ካብ ዝብሃሉ እኒ ኣሰገደ ኣብርሃ፣ ሃይሉ ወልዱ፣ ገብረጨርቆስ ኣማረ፣ ማዩ እምባየ፣ ገብሩ ሰለሞን፣ ኪሮስ ተፈራ፣ ዓለም ኪሮስ፣ በርሀ ኣለሙ፣ ትክለ በርሀ፣ እያሱ ነጋሽ፣ ይዝክር። 
 
ሎሚ ኸ ከም ቀደም ዶ ቃርሳ ይፃወቱ ይኾኑ? ጓይላ ይዕምብር ዶ ይህሉ? 🙂
 
ሰናይ ብዓል ጥምቀት!