Showing posts with label ትግርኛ. Show all posts
Showing posts with label ትግርኛ. Show all posts

Sunday, June 19, 2016

ክሕደት፣ ክድምና ወይስ በዓል-ራኢነት?

 ብ ዘፅኣት ኣናንያ (ሴቭ ዓድና)


ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ብሓደ ወገን ብዙሕ ርእሲ ዘይዓደሎ ይመስል፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ንገለ ከደምቲ ኣዐርዩ ብዘሕሞም መልክዑ እቲ ናይ ክድምና ባህሮምን ተግባሮምን ፀሓይ ክወቕዖ ስለዝገበረ “የዒስ!” ኢለዮ፤

ደሴታት ሓኒሽ፤

መንግስቲ ሸዓብያ ሀ ኢሉ በትረ-ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ እቲ መንግስቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወታደራዊ ጎብለል፣ እታ ዓዲ ድማ ናይ ኣፍሪካ Singapore ክገብር እየ ኢሉ ክብህግ እንተሎ (ደሓርስኳ ናብ country of singers and poor ለዊጡዎዋ) ዝተኣማመኖ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኢንተርፕርነርሺፕ፣ ወይ ካሊእ ሃሊዩዎ ኣይነበረን፤ እንታይ ድኣ ክድምናን ዕሽነትን መራሕቲ ህ.ወ.ሐ.ት መዝሚዙ “ኤርትራ ንበይንና፣ ኢትዮጵያ ንኽልቴና” ዝብል ካብ ገለ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተውሃቦ ቃል ኣሸዲኑዎ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ናይ ሃገራት መስርሕ ከም ድላዩ ክጉሕጉሕ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኮርፖሬሽን ኢሉ ዘጣየሾ ናይ ንግዲ ትካሉ ንቲ ቡናን ሰሊጥን ሃገርና ብስም ኤርትራ ብሕታዊ ኤክስፖርተር ኮይኑ ድላዩ ክገብር፤ ደስ እንትብሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ድላዩ ክኣስር ድላዩ ክቐትል፣ ብወደባት ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ሃፍቲ ንዋትን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ድማ ደስ ክብሎ ክወርስ፣ ብቓላት ንምግላፅ ዘፀግሙ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ (ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ) ከብፅሕ ዝገበሮ፣ ቀስ እናበለ ሓይሊ እናተሰምዖ ምስከደ ድማ ናብቲ ኩሉ ምድማይ ክንኣቱ ዝተገደድና ኩሉ ብሕመቕ፣ ስትራቴጂ-ኣልባነት መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት እዩ፡፡

Friday, May 20, 2016

ስርዓት ህወሓት፡ ነቓዕ ብርለ ይዕረ ዶስ ይእለ?





ብዙሓት ተጋሩ ህወሓት ክትልወጥ እትኽእል ብውሽጣዊ ቃልሲ እዩ ዝብል ኣባሃህላ እንትደጋግሙ ይዕዘብ፡፡‹‹ዘላቒ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይንኻ ብምቅላስ ጥራሕ እዩ›› ድማ ይብሉ፡፡
እዚ ኣባሃህላ እዝይ ካብ ሰለስተ መሰረታዊ መንቀሊታት ዝምንጭው እዩ፡፡

1. እንታይነት ህወሓት ነፂርኻ ካብ ዘይምፍላጥ

እንታይነት ህወሓት ነፂሮም ዘይፈልጡ ሰባት እታ ውድብ ውሽጣዊ ቃልሲታት ኣጋጢሞማ ዝፈልጡ ኣይመስሎምን፡፡ውሽጣዊ ቃልሲታት እንተነበሩ እውን እቶም ዝተሳዓሩ ሓይሊታት 100 ፐርሰንት ግጉያት ከም ዝነበሩ እዮም ዝኣምኑ፡፡ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፤ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ብኻሊእ ኣባሃህላ እቲ ዝተስዓረ ሓይሊ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፤ እቲ ሰዓራይ እውን ኩሉሻዕ ልክዕ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እቲ ህወሓት ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኢላ ብሓይሊ ዘቅሀመቶ ውሽጣዊ ቃልሲ ከም ኣብነት ንውሰዶ፡፡ ገብሩ ኣስራት እቲ ሽዓኡ ዝነበረ ውሽጣዊ ቃልሲ ሕቶ ዲሞክራሲ እምበር ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኣይነበረን ይብል፤ ‹‹ሉዓላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ›› ኣብ ዝብል መፅሓፉ፡፡ገብረ ገብረ ማርያም ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ደምፂ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ነዝይ ኣመልኪቱ ነቦይ ስብሓት ነጋ ሓቲትዎም ነይሩ፡፡ገብሩ ኣብዚኣ ትኽክል እዩ ኢሎም ካብ ዝኣመኑለን እንኮ ታሪኻዊ ስሕተታት ‹‹ኣውራጃዊነት›› እዩ፡፡

እቲ ግደይ ዘርኣ ፅዮንን መለስን ዝገበርዎ ክትዕ እውን እንተኾነ ብናይ ሓሳብ ልዕልነት ተመፂእና ናይ ግደይ ዝበለፀ ከም ዝነበረ ኢና እንርዳእ፡፡ብኸመይ? መለስ ፀረ ፕራግማቲዝም ኮይኑ ምስ ግደይ ተከራኺሩ፡፡ ዳሕራይ ግን ንባዕሉ ፕራግማቲስት ኮይኑ ዓሪፉ፡፡
ናብ 1993 ዓ.ም እንተመፂእና ድማ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት እቶም ዝተስዓሩ ትክክል ከም ዝነበሩ እዩ ዘመልክት፡፡እቲ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ‹‹The end justifies the means›› ወይ ከዓ ዝኾነ ይኹን ሜላ ተጠቂምካ ውልቃዊ ረብሓኻ ምስኻዕ ብዝብል ኣምር እዩ ሰዓራይ ኮይኑ እምበር ዝሐሸ ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮ ኣይኮነን፡፡

ህወሓት ናብ ክልተ ምስ ተገማምዐት እውን ‹‹ትሃድሶ›› ዝብሃል ሃልኪ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ግን ኸ ህወሓት ተሓዲሳ ዶስ ሃሲሳ? እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክንደያናይ ክፉእ ከም ዝኾነ ዘይርኣዮ ትግራዋይ ተሓዲሳ እምበር እዩ ክብል፡፡ልቢ ንዘለዎ ግን ናይ ሎሚ ህወሓት ሃሲሳ ጥራሕ ከይኮነትስ በሪሳ እውን እያ፡፡

እዚ ጥቅልል ኣቢልካ እንትረአ ህወሓት ብውሽጣዊ ቃልሲ ክትዕሪ ከም ዘይትኽእል የመላኽት፡፡ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ከም ዝኽእል ግን ርዱእ እዩ፡፡

ህወሓት ንምንታይ እያ ኣብ ውሽጣ ኮይንኻ ብዝግበር ቃልሲ ክትዕረይ ዘይትኽእል?

Friday, March 25, 2016

ዳኛታተይ ስውኣት ብፆተይ እዮም (2)


ሰላም፣ ጥዕና ሃበለይ ክቡራት ተኸታተልቲ መርበብ ሓበረይታ ኣራዳ ፎሮም፡፡ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ነባር ተጋዳላይ ስዩም ካሳየ ካብ ዝገብርኹዎ ቃለ መጠይቕ ነቲ ቓደማይ ክፋል ኣቕሪበልኹም ምንባረይ ዝዝከር እዩ፡፡ሐዚ ድማ፣ ነቲ ናይ መወዳእታ ኻልኣይ ክፋል ሒዘልኹም ቀሪበ ኣለኹ፡፡ነዚ ቃለ መጠይቕ ኣሰናዲአ ብምቕራብ ንኽተዳምፁለይ ብኽብሪ ዝዕድመኩም ኣስፋው ገዳሙ እየ፤ ሰናይ ፃንሕት፡፡


ኹሉ ግዜ ኲናት ጠላዕ እዩ፤ሰብ ትቐትል ሰብ እዩ ልቓትለልኻ፡፡
ኣድያቦ እነይ ኢለ እየ ልፅውዓ፡፡
ናቕደም፣ ነቲ ድኹም ጎድኒ ትወቅዖ፤ ነቲ ጥንካረ ትዕቅቦ፤ ንሱ እዩ ዘዐወተና፡፡
ናሎሚ ድሃላይ እምበር ሃናፃይ ኣይኾነይ፡፡
ናቕደም ወታደር ተግነያ ቅርሺ ናብ መራሒኡ እዩ ልድርብያ፡፡ሎሚ ወታደር ሃምኡ ዶ ከቕምጥ መስለካ?
ኣብቲ ኣኽባሪ ሰላም ምኸድኹ፣ ምደለኹ ነይረ፤ ግን መንክሰደኒ፡፡

ኣባይ ነብሶ ታይ ድዩ? ታይ ኾይኑ እዩ ለይሕብረና?




Sunday, March 20, 2016

ዳኛታተይ ስውኣት ብፆተይ እዮም (1)


ተጋዳላይ ስዩም ካሳየ (ወዲ ራያ)
ስዩም ካሳየ ይብሃል፡፡ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ፣ ናይ ቀደም ወረዳ ስለዋ፣ ድርከራ ኣብ ዝተብሃለት ፍሉይቲ ቦታ ብ1956 ዓ.ም ተወሊዱ፡፡ወረዳ ስለዋ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ወረዳ እምባ ኣላጀ ካብ ዝተጠርነፉ ንኡስ ወረዳታት ሓደ እዩ፡፡ብ1978 ዓ.ም ተጋዲሉ፤ ክሳብ 1985 ዓ.ም ድማ ኣብ ቃልሲ ፀኒሑ፡፡ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፣ ሓደ ዓይኑን ሓደ ኢዱን ስኢኑ እዩ፡፡

ተጋዳላይ ስዩም፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሓንቲ ዓይኑ እናጠመተ፣ ብሓንቲ ኢዱ ዕርፊ ጨቢጡ እናሓረሰ ሽዱሽተ ደቁ የዕብይሎ፡፡ይኹን እምበር፣ ምስቲ ኣካላዊ መጉደልትን ዕድመ ምድፋእን ተደማሚሩ ዝተጎሳቆለ ናብራ ይመርሕ ከም ዘሎ የዛረብ፡፡ብምዃኑ ድማ፣ ንዓኡን ከምኡ ንዝበሉ ጉድኣት ኣካልን ውድብ ህወሓት ንክትሕብሮም ይላቦ፡፡

ብዝኾነ ምስ ተጋዳላይ ስዩም ካሳየ ስፍሕ ዝበለ ቃለ መጠይቕ ገይርና ኣለና፡፡እቲ ቃለ መጠይቕ፣ ብኽልተ ክፍሊታት ተሰናድዩ ዝቐረበ እንትኾን ነቲ ቀዳማይ ክፋል ንክተዳምፁላይ ብኽብሪ ይዕድም፤ ሰናይ ፃንሒት፡፡

 




ሓደ ኢደይ ሓደ ዓይነይ ኾይነ ለኹ፤ እዚ ተወቒዐ ኢለ እውን ኣይምበርከኹይ፡፡
ወታደር ይኹን ተጋዳላይ ክርእይ ተለኹ ሰለስተሻዕ ተቀይሮም እዮም፡፡
ልፈልጡኻ ወታደር ለ ለይፈልጡኻ ይመስሉ፡፡
ኣካለይ ምስተጎዳእኹ ድየ ለይሕበር ልብል ቅርሕንቲ ኣለኒ፡፡
ኣንሕና ኻፊእና ተሞይትና እቲ እንሆ ወለዶ ኸ ክወሓጠሉዶ ክኾን?
ኣማዓልኻ ልብሎ የብሉይ እዚ ጉዱእ ኣካል፡፡ልሰፍትኔት እኽሊ ሓገዝ እኳስ ልኻበሮም ብፆት ኣለው፡፡

ኣብፍቲ ቀውጢ ግዜ እነኻይ ውድብኻይ ኣሕሊፍኻ ላብ ልውሃብ ነገር የብሉይ፤ ብግልፂ ማለት እዩ፡፡ግን ልግዜኡ ይሓዝን ኣለኹ፡፡



Sunday, August 23, 2015

በዓል ኣሸንዳ ኣከባብራኡን ታሪኻዊ ኣመፃፅኣኡን



ታሪካዊ ኣመፃፅኣ

መብዛሕቲኡ ታሪኻውን ባህላውን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ዕብለላ ከም ዝነበረ ቅሉዕ ሓቂ እዩ፡፡ሃይማኖት ባህላዊ ያታን ታሪኽን ጥራሕ ዘይኾነስ ነቲ ፖለቲካ እውን ይሕምብቦ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ማሕበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፅዕንቶ ሃይማኖት ካብ ውድቐት ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ሃፀይ ሃይለስላሰ ንነዘ ብውሕዱ እኳ እናቀነሰ ይምፃእ እምበር ሐዚ እውን እንተኾነ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ብዓላትን ፅው ፅዋያትን ምርካብ ዝክኣል ኣይመስለንን፡፡
ካብቶም ብሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዝተቐነዩ ባህላዊ ብዓላትና ሓደ ኣሸንዳ እዩ፡፡ኣሸንዳ፣ ናብ ሃገርና ቅድሚ ምትእትታው ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል በቢዓመቱ የዘውትርኦ ከም ዝነበራ መፅሓፍ ቅዱስ ይሕብር፡፡ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ትሕቲ መፅሓፈ መሳፍንቲ፣ ምዕራፍ 11 ካብ ቁፅሪ ሓደ ክሳብ 40 ዘሎ ታሪክ ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል ብኸመይ ከም ዝጀመርኦ ይሕብር፡፡
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዮፍታሄ ዝብሃል ወዲ ንጉስ ገልኣድ ነይሩ፡፡ንጉስ ገልዓድ ንዮፍታሄ ዝወለዶ ካብ ዘይሕጋዊት ሰበይቱ(መፅሓፉ ‹‹ጋለሞታ›› ይብላ) ስለዝነበረ እቶም ካብ ሕጋዊት ሰበይቱ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኦም ንግስነት ክወርስ ከምዘይብሉ ነጊሮም ካብ ግዝኣቶም ይባርሩዎ፡፡ዳሕራይ፣ ኣሞናውያን ዝብሃሉ ፀላእቲ እስራኤል ይልዓሉ እሞ ንደቂ ንጉስ ገልኣድ ይስዕሩዎም፡፡ እዝሕሱም ስዕረት ዘጋጠሞም ሽማግለታት ጥንታዊት እስራኤል፣ ሓቢሮም ድሕሪ ምምኻር ካብ ወራር ኣሞናውያን ዘድሕኖም እቲ ብጅግንነቱን ወታደራዊ ክእለቱን ዝፍለጥ ዮፍታሄ ጥራሕ ከምዝኾነ ይስማዕመዑ እሞ ብተወከልቶም ኣቢሎም መፂኡ ንከድሕኖም ይምሕፀኑዎ፡፡እዚ ዝሰምዐ ዮፍታሄ፣ ቅደም ካብ ግዝኣትኹም ኣባሪርኹምኒ ኢኹም ኣይመፅእን፤ናይ ግድን ክመፅእ እንድሕር ደሊኹምኒ ግን ንኣሞናውያን ምስ ስዓርኩዎም፣ መስፍንኹም ገይርኹም ንክትሾሙኒ ቃል እተውለይ ይብሎም፡፡እቶም ሽማግለታት ድማ ነቲ ዝበሎ ንክፍፅሙሉ ድልዋት ምዃኖም ምሒሎም የረጋገፅሉ…ቃል ይኣትውሉ፡፡
የፍታሄ፣ በቲ ውዕሊ መሰረት ናብ ግዝኣት እስራኤላውያን ተመሊሱ ምስ ፀለየ፣ ‹‹ንኣሞናውያን ኣብ ኢደይ እንድሕር ኣውዲቕካዮም፣ ደምሲሰዮም ካብቲ ኲናት እንትምለስ እቲ ካብ ገዛ ቐዲሙ ብምውፃ ዝቕበለኒ እስራኤላዊ መስዋእቲ ክገብረልኻ እየ›› ኢሉ ንኣምላኸ እስራኤል ይመፃባዕ፡፡ኣምላኸ እስራኤል ድማ ንኣሞናውያን ኣብ ኢድ ዮፍታሄ የውድቖም እሞ እቲ ኲናት ብዓወት ዮፍታሄ ይጠናቐቕ፡፡ ዮፍታሄ ንኣሞናውያን ከም ዝስዓረ ቀዲማ ዝሰምዕት ብሕታዊት ጓሉ፣ ብታሕጓስ ሰኺራ ኸበሮ እናወቕዐት ብጉያ ናብ ኣቦኣ እናሃነነት ከይዳ ትሓቑፎ እንተብል፣ ብሕርቓን ክዳኑ ቐዲዱ ዝሕንዝሕ እናበኸየ ትረኽቦ፡፡ እታ ካብ ባዕሉ ኣብሊፁ ዝፈትዋ እንኮ ጓሉ ተደናጊፃ ‹‹ኣያይ ታይ ኾይንኻ ድኣ ብሕሱም ሕርቓን ትበኪ?›› ኢላ ትሓቶ፡፡የፍታሄ ድማ እቲ ንፈጣሪኡ ዝኣተዎ መፅብዓ ይነግራ እሞ ብሕታዊት ጓሉ ንፈጣሪኡ ንምስዋእ ቃል ምእታው ከምዘናሰሖን ዘጨነቖን ይገልፀላ፡፡
ንሳ ድማ ‹‹እቲ ንኣምላኸ እስራኤል ዝኣተውኻዮ ቃል ክትፍፅሞ ኣለካ፡፡ቅድሚኡ ግን፣ ንክልተ ኣዋርሕ ምስ ምሓዙተይ ኮይነ ኣብ ጎቦታት፣ጎልጎላትን ሜዳታትን እስራኤል እናዘርኩ ንድንግልናይ ንክበክይ ፍቐደለይ›› ትብሎ፡፡ዮፍታሄ ዕማማ ፈፂማ ንክትምለስ ይፈቕደላ፡፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ንታ ድንግል ዝነበረት እንኮ ጓሉ ንኣምላኹ ሰዊኡዋ፡፡(መስዋእቲ ገይሩዋ እንትብሃል ቀቲልዋ ማለት ከይኮነስ ድንግል ኮይና ብብሕትውና ንክትነብር ገይሩዋ ማለት እዩ ዝብሉ ሊቃውንቲ ኣለው፡፡) ድንግልና ኣዋልድ ኦሪታዊት እስራኤል ኣዝዩ ኽቡር ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡፡ጓል ዮፍታሄ ምስ ተሰወአት፣ ኣዋልድ እስራኤል ንዓኣ ንምዝካር ኣብ ዓመት ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ምዓልትታት ፈቖዶ ጎቦታትን መይዳታትን እናዘራ ምጭዋትን ምልቓስን ኣዘውቲረንኦ፡፡እቲ ጨዋታ ድማ ከም ልሙድ ባህሊ ኾይኑ ተሪፉ ይብለና…መፅሓፍ ቅዱስ፡፡

ነዚ ስዒቡ፣ እቲ ባህላዊ ጨዋታ ድኣ ናብ ኢትዮጵያ ከመይ ገይሩ ተኣታቲው? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፡፡ሊቃውንቲ ሃገርና መልሲ ኣለዎም፡፡ታቦተ ፅዮን ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅእ…ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን ናብ ኣክሱም መፂኦም ነይሮም ይብሉ፡፡ድሓር፣ እቶም ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ተምቤንን ከባቢኡን ንክሰፍሩ ተገበረ፡፡ንሳቶም እዮም እምብኣር ንኣውርስን ነቲ ሐዚ ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ ነሓሰ 21 ብተኸታታሊ ብዕሊ ዝኽበር ኣሸንዳን ዘተኣታተውዎ፡፡ እዚ ወቕቲ እዚይ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝኣረገትሉ እዩ ተባሂሉ እውን ይእመን፡፡ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ ከምዚ ካብ ኾነ ኣከባብራኡ ኸ ከመይ ይመስል? ዝብል ቀፂልና እንርእዮ ይኸውን፡፡

ኣከባብራ ብዓል ኣሸንዳ


Friday, August 14, 2015

ቃለ መሕትት ኣይተ ዳዊት ‹‹ብድምፅ ወያነ እንተዝፍነው ሓረስታይ ትግራይ ንሳልሳይ ግዜ ወይኑ ምሓደረ››




‹‹ብዓል ግዘ ዘመስግኖ እምበር ዝነቕፎ ኣይፈትውን፡፡ምንግስቱ (ውድቡ) ዝፈትው እቲ ቅዱስ ቅዱስ ዝብሎ ዘይኮነስ እቲ ጥፍኣቱ ዝሕብረሉ እዩ»  
~›ነጋድራስ ገብረሂወት ባይከዳኝ

መእተዊ

ሓደ ቀሺ ነይሮም…እቲ ናይ ቅሽነት ምዓርግ ኣየዕገቦምን፡፡ ኣቦይ ቀሺ ክብሃሉ ድማ ኣይደልዩን…ኣቦይ ንኣረጊት እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡ፡፡ስለዚ፣ ልኡል ዝብል ተወሳኺ ምዓርግ ተሓንጊጦም ልኡል ቀሺ ተባሂሎም፡፡ልኡል ቀሺ ኣመሎም ኣዝዩ ቀጢን እዩ ነይሩ፡፡ተቐሪብካዮም ይወግኡኻ፣ ተራሓቕኻዮም ድማ ይቅየሙኻ፡፡ፀባየ ሕንሽሽ እዮም፡፡ካብ ሓቂ ሒዝካ ክትነቕፎም ሓሲኻ ክትንእዶም ይፈትው፡፡ብዘይካ መጎስ ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ንምቕባል ድልው ኣይነበሩን…ከም መባእ ኣባገሪማ እዩ ዘዕበድብዶም፡፡

ልኡል ቀሺ ኣብ መረባ ገዛኦም ሓደ ዓብዪ ዳዕሮ ነይርዎም፡፡ነዚ ዝትዓዘቡ ጎረባብቶም ልኡል ቀሺ ዳዕሮ እናበሉ ክፅውዑዎም ጀሚሮም፡፡እዞም ቀሺ ግን እታ ዳዕሮ ዝትብል ተወሳኺት ሳጓ ኣይፈተውዋን፡፡በቲ ኣብ መረባ ገዝኦም ዘሎ ዳዕሮ ምኽንያት ልኡል ቀሺ ዳዕሮ ከም ዝተብሃሉ ስለ ዝተዓዘቡ ግን ነቲ ዳዕሮ ብምቁራፅ ካብታ ሳጓ ከም ዝናገፉ ርግፀኛ ኮይኖም፡፡ነቲ ዳዕሮ ቆሪፆሞ…ጥራሕ ጉንዲ ተሪፉ፡፡እቶም ጎረባብቶም ከዓ ልኡል ቀሺ ዳዕሮ ምባል ገዲፎም ልኡል ቀሺ ጉንዲ ብዝብል ሳጓ ክፅውዑዎም ጀሚሮም፡፡ልኡል ቀሺ ዳዕሮ እዚ ከም ዝስዕብ መን ነገሮ?

ልኡል ቀሺ ጉንዲ ብሕርቃን ተኺኾም…‹‹ኦፍ›› ከይኖም፡፡እቲ ሳጓ ንክቕረፈሎም ንዓበይቲ ዓዲ ትማሕፂኖም ሰማዒ ስኢኖም፡፡ልኡል ቀሺ ጉንዲ ከም ምፍተሒ ዝወሰድዎ ኒተ ጉንዲ ዳዕሮ ካብ ስሩ ፍሒርካ ብምውፃእ ምድርባይ እዩ፡፡ነቲ ኣብ መረባ ገዛኦም ዝነበረ ጉንዲ ዳዕሮ ካብ ስሩ ብምፍሓር በንቂሮም ደርብዮሞ፡፡ይኹን እምበር፣ ነቲ ጉንዲ ካብ ስሩ ነቒሎም ንምድርባይ እቲ መረባኦም ፍሒሮም ሃህ ዝበለ ዓብዪ ጉድጓድ ስለዝገበርዎ እቶም ጎረባብቶም ልኡል ቀሺ ነዃል ዝብል ሓዲስ ሳጓ ኣውፂኦምሎም ይብሃል፡፡

ውድብ ህወሓት ቅድሚ መንበረ ስልጣን ምቁፅፃራ ሓንቲ ኣዝይያ ጥዕምቲ ደርፊ ነይራታ…ቅደም ዕሸል እንሃለኹ ዝሰማዕኹዋ፤ ግን ድማ ገለ ክፋል ጣዕሚ ዜማኣን ግጥማን ክሳብ ሐዚ ካብ ሕልናይ ዘይጠፍአት፡፡

Sunday, January 18, 2015

ቀፃሊ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ናበይ የምርሕ?




ህዝቢ ትግራይ ብውድብ ህወሓት ካብ ዝምራሕ 40 ዓመታት ተቖፂሮም ኣለው፡፡ደርጊ ብዘይካ ከተማታትን ከባቢአንን መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ንምምሕዳር ዕድል ኣይነበሮን፡፡ብስሩ እውን እቲ ጉጅለ(ኮሚቴ) ብዛዕባ እንታይነት ህዝባዊ ምምሕዳር ዘይተሰቖሮ ስለዝነበረ ኣፍካ መሊእኻ መንግስታዊ ምምሕዳር መስሪቱ ነይሩ ንክትብል ዘፀግም እዩ፡፡
ህወሓት ግን ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረት እያ ህዝቢ ክተመሓዳደር ዝጀመረት፡፡እዚ ክብሃል ከሎ ግን እቲ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ እዩ ተቐቢልዋ ማለት ኣይኮነን፡፡ኣብቲ ሻዓኡ እዋን ዝነበሩ ምሁራትን ንኡሳን መሳፍንትን ይቃወሙዋ ከም ዝነበሩን እታ ውድብ ድማ ብዘይንሕስያ ከም ዝቐፅዐቶምን ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ብፍላይ ግን፣ እቶም እናዓፈነት ናብ 06 ዝወሰደቶም ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ኣበይ ከም ዝነጠቡ ኣይፍለጥን፡፡

ዝኾነ ኾይኑ ግን፣ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ህወሓት ከም ዝነበረን ሐዚ እውን ከም ዘሎን ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡እቲ ወድዓዊ ጉዳይ እዚ ካብ ኾነ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን፣ እንተውሓደ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክልዓሉን ግቡእ መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም ዝብል መርገፂ ኣለኒ፡፡
1.  ቅድሚ አርባዓ ዓመታት መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይመስል ነይሩ?
2.  ሐዚ ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት  ይርከብ?
3.  ኣንፈት ቀፃሊ ጉዕዞኡ ኸ ናበይ የምርሕ?

ውድብ ህወሓት ነቲ ዝመፅእ ዘሎ መበል 40 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ፡፡ይኹን እምበር፣ እቲ ብዓል ካብቶም ዝሓለፉ ብዓላት ብምንታይ ከም ዝፍለ ዝተፈለጠ ነገር የለን፡፡ወይከዓ ብውልቀይ ዝፈልጦ የብለይን፡፡እዚ ክብል ከለኹ ግን ንህወሓት ዝህልዎ ረብሓ ጠፊእኒ ከይኮነስ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ዘምፅኦ ርኡይ ለውጢ እንታይ እዩ? ንባል እየ ደልየ፡፡

እቲ ወግሐ ፀብሐ ብሬድዮን ተለቪዥንን እናተጋነነ ዝጋዋሕ ዘሎ ስርሒት ፕሮፓጋንዳ ኣብ መሬት ከም ዘይርከብ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብቲ ክልል ኣምሪሖም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ከየንትን በቢገፆም ኣቃሊዖሞ እዮም፡፡ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ዝኾኑ ፕረዚደንት ኣባይ ወልዱ እውን ንምስክርነት እቶም ጋዜጠኛታትን ከየንትን ዘጠናኽር ርእይቶ እዮም ዝሃቡ፡፡እቲ ‹‹ገባር ትግራይ 100 ምኢታዊ ሞዴል›› ከም ዝኾነ ብጠቅላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ዝተአወጀ ኣዋጅ ሻዕኡ ናበይ ከም ዝሃፈፈ ግን እንድዒ፡፡

Thursday, December 4, 2014

ኣፈሙዝ ፕሮፓጋንዳ ህወሓት ንምንታይ ናብ ገብሩ ኣነፃፂሩ?



ገብሩ ኣስራት ንውድብ ህወሓት እናመርሑ ካብ በረኻ ደደቢት ናብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ካብ ዘብፀሑዋ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ቅድሚት ዝስራዕ ተባዕ ወዲ ህዝቢ እዩ፡፡ትብዓቱ ግን ወታደራዊ ጥራይ ኣይነበረን፤ብህዝባዊ ምምሕዳር እውን እንተኾነ ክሳብ ሐዚ መዳርግቲ ኣይተረኸቦን፡፡ኣብ ትግራይ ዝተሰርሓ ዓበይቲ ትካላት ሓወልቲ ህዝባዊነቱን ተባዕነቱን እየን፡፡

መብዛሕቲኦም መቃልስቱ ብስልጣንን ሃፍትን ልቦም ተደፊኑ ሞሳ ህዝቢ ትግራይን ሕድሪ ብፆቶምን ረሲዖም ናብ ውልቀ ረብሓኦም እንተጓይዩ ንሱ ግን ሐዚ እውን ኣብ መትከሉ ይርከብ፡፡ንውልቀ ረብሓኡ ኣይተቓለሰን እሞ ውልቀ ረብሓኡ ራሕሪሑ ንረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ምቅላስ ይርከብ፡፡ቅደም ነቲ ሽዓኡ ንሃገርና ከዊልዋ ዝነበረ ፀልማት ቀትሪ ከም ሽምዓ ነዲዱ ብርሃን ንኽውልዕ ብረት ኣልዒሉ ተቓሊሱ፡፡ሐዚ ድማ እቲ ብሂወት ደቂ ህዝቢ ዝተወለዐ ብርሃን ብካሕዳማት ከይቅህም ብሰላማዊ መንገዲ እናተቓለሰ ይርከብ፡፡

Tuesday, November 18, 2014

ህወሓት ንምንታይ ተቓሊሱ፣ ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ?(II)


ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዕድመ ልክዖም ንክብሪ ሃገሮም ተቓሊሶም፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ወረርቲ ሃገርና ንምብርካክ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ፈቲኖም፡፡በቢዝመፅእወን ሓመድ ደፈጫኦም ኣብሊዖም መሊሰሞም፡፡መርገፂ ኣሉላ ባነጋ ‹‹ጣልያናውያን ንሰሓጢ ንክሕዙ ዝፈቕደሎም ኣነ ገዛኢ ሮማ ኮይነ ናብ ጣልያን ምስ ዝኸይድ ጥራሕ እዩ፡፡ሓደ ግዘ ስዒረዮም እየ፤ ኣይዓርፍን እነተይሎም ደጊመ ሓይለይ ከርእዮም እየ!›› ዝብል ነይሩ፡፡ጣልያናውያን ግን ኣይዓረፉን፡፡ ኣብ ሰሓጢ ዝበፅሖም ውርደትን ስዕረትን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዶግዓሊ ነቊጦም፡፡ኣሉላ ባነጋ ከምታ ዝተሓነይዋ ቃሎም ኣይዓፀፉን፤ ደጊሞም ቅልፅሞም ኣርእዮሞም፡፡
ዳሕራይ ግን ዘመን ክሒድዎም፡፡ድሕሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝነገሱ ሃፀይ ምንሊክ ንታ ንመዋእሎም ዝተቓለሱላ ባሕሪ ነጋሲ(ሓማሰየን) ብውዕሊ ውጫሌ ንጣልያን ኣረኪቦማ፡፡ኣታ ሻዓኡስ እንኳዕ ኣሉላ ኣባነጋ ዘይኾንኩ! ኣሕ! ታይ ኾን ተሰሚዕዎም ይኾን? ሃፀይ ምንሊክ መዓዝ በዚ ተመሊሶም? ኣሉላ ኣባነጋ ዝተበታተነ ወታደሮም ኣኻኺቦም ናብ ዓድዋ ዘሚቶም፤ ንሳልሳይ ግዘ ንጣልያን ዶኲዖማ! ግን ታይ ይዓብስ፡፡ሃፀይ ምንሊክ ሐዚ እውን ብሓይሊ ንዘይኾነሉ ጣልያን ወጊኖም፤ ብውዕሊ ኣዲስ ኣበባ ካብ መረብ ምላሽ ንንየው ዘሎ ምድሪ ሓበሻ ንጣልያን ሰሊዖም ብምሃብ ካልኣይ ታሪካዊ ክሕደት ፈፂሞም፡፡ንሶምስ ድሓን፤ ዓላማኦም ንሓበሻ(ብፍላይ ኣንፃር ስልጣኖም መሲሎም ንዝተራኣዩዎም ተጋሩ) ኸፋፊልካ ምድኻም ስለዝነበረ እዮም ከምኡ ገይሮም፡፡
እቲ ብጣዕሚ ዘገረመለይ ግን እቶም ካብ ክፋል ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸቡ ኣቦይ ስብሓት ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ ‹‹ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ እዩ፤ መፍተሒኡ ድማ ነፃነት እዩ›› ብምባል ነቲ ሕሉፍ ታሪኻዊ ክሕደት ምድጋሞም እዩ፡፡‹‹እቲ መግዛእቲ ድዩ መግዛእቲ ኣይኮንን አነ ዓብዪ ፖለቲካዊ ሕቶ ኣይመስለንን፡፡›› ድማ ይብሉ፡፡ኣይሓፍሩን እኮ! ብዘይ ሓንቲ መርትዖ ሃገር ዝኣክል ከም ጨርቂ ሰሊዖም ደርብዮም ከብቅዑስ ‹‹ዓብዪ ፖሊቲካዊ ሕቶ ኣይመስለንን››? እዚ ዓብዪ እንተዘይነይሩ ድኣ እንታይ እዩ ዓብዪ ዝብልዎ? ስልጣን?
ነዚ ዝስዕብ ወግዖም ማንም ኣይክሕዶን፤ ዝክሓዶ እውን ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ስሕተት ከምዝነበረ ስለዝፈለጡ እዮም እውን ሃፀይ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ብፌደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወሱዋ፡፡

Friday, November 14, 2014

ህወሓት ንምንታይ ተቓሊሱ፣ ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ? (I)



ወግዒ ኣቦይ ስብሓት፡ኣማዓልካቱም እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና



ቀደም ቀደምሲ ሓደ ንባዕሎም ጥራሕ ዘዳምፁ ሓረስታይ ነይሮም ይብሃል፡፡ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብዑሮም ፀሚዶም እናሓረሱ እናሃለው ሓደ ጎረባዮም ብጥቓኦም እንትሓልፍ፡
‹‹
ከመይ ሓዲርኩም ኣቦይ ክስቶ›› ይብሎም፡፡
ንሶም፡ ‹‹እንጣጢዕ ይዘርእ ኣለኹ››
ንሱ፡‹‹ዳሕና ሓዲርኹም?››
ንሶም፡‹‹ ክቦቅል ኢልኽሞ ኢኹም›› 
በሉ ይብሃል፡፡ሐዚ ግን ‹‹ይብሃል›› ኣይኮንናን ክንብል፤ ምኽንያቱ ኣቦይ ስብሓት ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ብዕሊ ስለዝደገሙዎ፡፡
ገብረ ገብረመድህን ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝፃሓፍዎ መፅሓፍ ተደሪኹ ንኣቦይ ስብሓት ነጋ ቃለ መጠይቕ ገይርዎም ነይሩ፡፡እቲ ብሰለስተ ክፋላት ተኸታቲሉ ዝቐረበ ቃለ መሕትት ትሕዝቶ ‹‹ልዓላውነትን ዲሞክራስን በኢትዮጵያ›› እንታይ ከም ዝኾነ ንክፈልጥ ኣኽኢሉኒ እዩ፡፡በቲ ሓደ ገፅ ብ1993 ዓ.ም ህወሓት ንምንታይ ኣብ ክልተ ከም ዝተገምዐን መርገፅን ስብእናን እቶም ካብ ህወሓት ዝወፅኡ ነባራት ተጋደልቲ እንታይ ከም ዝመስል ተረዲአ፡፡ኣብ እኒ ገብሩ፣ስየ፣ተወልድ፣ፃድቃን፣ኣበበ ወዘተ ዝነበረኒ ትሑት ኣመለኻኽት ብጣዕሚ ተቐይሩ፡፡
ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ኣቦይ ስብሓት፣መለስን፣ ስዩምን ዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ካብ ሱሩ ምሒው ብምድርባይ ናታቶም ተፃራሪ ስብእና ምስ ዘለዎም ካልኦት ሓለፍቲ ንክላለ ሓጊዝኒ እዩ፡፡ህወሓት ንምንታይ ተቓሊሱ፣ ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ? እቲ ብፍሉይ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተኣተወ ቃል ንምንታይ እዩ ቃል ኮይኑ ተሪፉ? መግላፂ እቲ ውድብ ኸ ንምንታይ እዩ ካብ ህዝባዊነት ናብ ፀረ ህዝባዊነት ተቐይሩ? ልዕልነት ሕጊ፣ማዕርነት ሰብኣውን ዲሞራሲያውን መሰላት ንምታይ እዮም ንወረቓቕቲ መጋየፂ ኮይኖም ተሪፎም? ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን (ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ) ዘሎ ርክብ ንምንታይ እዩ ናብ ገዛእን ተገዛእን፣ኣምላኺን ተመላኽን፣ ገናሕን ተገናሕን፣ ጊላን ጎይታን ተቐይሩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒለ ምስ ባዕለይ ክካታዕ ተገዲደ፡፡
ናይ መብዛሕቲኦም ፀገማት መሰረታዊ መኽንያት ናይ ኣታሓሳስባ ልዕሊነት ትጨፍሊቑ ተምበርካኻይነት ስለዝነገሰ እዩ፡፡ርእስኻ ኽኢልካ ብነፃነት ምሕሳብን ምዝራብን ‹‹ብዕሱብነት›› ዘሕትትን ስዓብየኑ ድማ ኣዝዩ ክፉእን እዩ፡፡ፍትሕን ርትዕን ብምልኺ ተተኪኦም፡፡ህወሓት ተመሳሳሊ ድልየት ዘለዎም ሰባት ዝመስረትዋ ውድብ ምዃና ተሪፉ ‹‹ታወት ክቕረፀሉ ዝግባእ ቅዱስ ዉድብ›› ክትብሃል ጀሚራ፡፡እዚ ፅሑፍ እዚ ብፀጋይ ሓዲሽ ተፃሒፉ ኣብ ዓይጋ ፎሮም ዝተለጠፈ እንትኾን ህወሓት እውን ከምቲ እኒ ሃፀይ ሃይለስላሰ ጀማይካውያን(ራስ ተፋርያኒዝም) ታቦት ተቐሪፅሞ ዝሰግድሎም ዘለው ክስገደሉ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ እዩ፡፡ፀጋይ ፅሕፉ ከም ዝስዕብ እዩ ኣጠቓሊልዎ፡፡

‹‹ነዚ ንህዝብን ሃገርን ኣህጉርን ዓለምን ብዝረብሑ ሰናይ ኣተሓሳስባታት ዝተመልአ ውድብ ታወት ተቐሪፁሉን ቤተ-እምነት ተሃኒፁሉን ብሰዓብቱ እናተመለኸሉን እናተሰገደሉን ኣልፋ ወ -ኦሜጋ ክነብር ኣለዎ፡፡ምኽንያቱ ኣህዛብ እዛ ሃገር ካብ ህልቂት ናብ ምንባር ዘሸጋገረ ቅዱስ ውድብ እዩ ሞ››

በቃ እዚ ምርገፂ እዚ ዳርጋ ናይ ኹሎም ኣባላት ህወሓት ተቐባልነት ዘለዎ እምነት እዩ፡፡ነዚ እዩ ድማ ኣብ ትግራይና ንህወሓት ተኻቲዖም ክረትዑ ዝኽእሉ ኣታሓሳስባታት ከም ሓጥያት ተቖፂሮም ዘለው፡፡ካብ ገብሩ ኣስራት ንላዕሊ ዝተቓለሰ ዶ ኣሎ እዩ ድኣ? ሐዚ ሓንቲ መፅሓፍ ፅሒፉስ ከም ቀንዲ ፀላኢኦም ገይሮም ‹‹ርኩስ ከመ ኣርዮስ›› ይብልዎ ኣለው፡፡
ይኹን እምበር፣ገብሩ መፃሓፍ ፅሒፉ ተዘየሐትም ነይሩ ቃለ መሕትት ኣይምተገበሮን፡፡ንሱ ተዘይሕተት ነይሩ ኣቦይ ስብሓት ብሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣይምትሓተቱን፡፡ንሶም ተዘይሕተቱ ነይሮም ድማ እቲ ንዓመታት ተኸዊልኒ ዝነበረ ሓቀኛ ስብእናኦም ካብ ኣንደበቶም ኣይምሰማዕኩዎን፡፡ስለዝኾነ ድማ እየ ‹‹ብዛዕባ እቲ መፅሓፍ ካብ ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ክንድዚ ዝኣክል ንምዕዛብ ዝኻኣልኩስ ንቲ መፅሓፍ ምስ ኣንበብኩ ድኣ ትዕዝብተይ ክንደይ ክዓሙቕ ይኾን?›› ክብል ንባዕለይ ዝሓተትኩ፡፡ንቶም ንዘመናት ትዓፊኖም ዝነበሩ ወድዓዊ ሓቂታት ጋሊሃ ትኽክለኛ መንነቶም ንምርኣይ ዘብቀዐትኒ እያ ዝብል ተስፋ ስለዘለኒ ንታ መፅሓፍ ንምንባብ ዘለኒ ድልየት ብጣዕሚ ዝልዓለ እዩ፡፡ንገብሩ ዘለኒ ኣኽብሮትን ናእዳን እውን ከምኡ፡፡
 ድሕሪ ሐዚ፣ብዛዕባ እቶም ናይ ቀደም ኣቦይ ስብሓት ዝብሎ ነገር ኣይህልወንን፡፡ዝበልኹዎ እንተነበረ እውን ሐዚ ባዕሎም ፈሺሎሞ ኣለው፡፡ካብ ባዕሎም ንላዕሊ ብዛዕባኦም ዝፈልጥ ኣይህልውን እሞ፡፡ እዚ ካብ በልኩ፣ ብዛዕባ እቶም ጉልባቦም ዝቐልዑ ኣቦይ ስብሓት ነውግዕ፡፡
ኣቦይ ስብሓት ንኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣ ፅዮንን ብመፈንቅለ ስልጣን ካብታ ባዕሎም ዝመስረትዋ ውድብ ካብ ዘባርሩዎም ንነዘ ንህወሓት ብሓፈሻ እውን ንናይ ሃገርና ፖለቲካ ከም ኣፃብዕቲ ኢዶም እዮም ዝጭብጥዋ ዝዝርግሕዋ፡፡ናይ ሃገርና ፖለቲካ ኣፃብዕቲ ኢዶም ማለት እዩ፡፡ናይቲ ውድብ ምሓውርን መዋቕርን ተጠቒሞም ከም ድልየቶም ይጥሕኑ፣ የቃጥኑ፣ የብኹዑ፤ ሰንኪቶም ድማ የብስሉ ወይ የሕርሩ፡፡ባህ ካብ ዝበሎም ይቖርሱ፣ይፍትቱ፣ ይጎርሱ፤ ዝሐሾም ዓይነት ምስሊ የጥፍጥፉ መሊሶም ድማ የፍርሱ፡፡ ንሶም ዝተፍእዎ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተጎምቢሖም ይልሕስዎ፤ ከም ዳዊት ድማ ይደጋግምዎ፡፡ 

ንሶም እንተድኣ ተዛሪቦም፣ ተዛሪቦም፡፡በቃ ሓፍ ከፍ የለን፤ ዋለ ሓደ ወስቀስ ኣይብልን እዩ፡፡ኣብ ታሪኻዊን ወድዓዊን ሓቅታት ተደሪኹ ዝካተዖም ወይለየኡ! ሕሉፍን ህልዉን ኩነታት ኣፅኒዑ ንክረትዖም ዝፍትን ዕድመኡ ከሕፅር ዝደለየ ጥራሕ እዩ፤ እንተነኣሰ ንዓመታት ካብ ዝተቓለሰሉ ውድቡ ቦቂሶም ይድርብይዎ፡፡ስለዚ፣ ንሶም ከም መፍተል ኣብ ዝሕምብብዎ ውድብ ህወሓት ኮይንኻ ታሪኽ ኣፅኒዕኻ፤ ህልዊ ኩነታት ዳህሲስካን መፃኢ ትልምታት ተሊምካን ክትዓምም ኣይትኽእልን፡፡እንተወሓደ እቲ ሓሳብ ዘመንጨውዎ፣እቲ ፅንዓትን ምርምርን ዝተበላሐትዎ ንሶም ምዃኖም ክትዛረብ ኣለካ፡፡ካብዚ ወፃኢ ሓንቲ ስድሪ እውን ፍሒም ምባል ኣይክኣልን፡፡ፍሒም ዝበሉ እንታይ ከም ዝተቐበሉ ኩሉና እንፈልጦ ርትዓዊ ታሪክ ይመስለኒ፡፡ዝተቃወሙዎም ኩሉ ወይ ተሰዊኦም እዮም ወይድማ ካብቲ ውድብ ተባሪሮም፡፡እቶም ዝተሰወኡ ሓመድ ትግራይ ትቑፀሮም፤ እቶም ካብቲ ውድብ ዝተባረሩ ግን ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣፅዮንን 1976 .ም፣ ጉጅለ ተወልደ ወልደማርያምን ገብሩ ኣስራትን ድማ 1993 . ከም ኣብነት ምፅራሕ ይክኣል፡፡
ካብዚ እንርድኦ እንተሃለወ፣ ኣብ ማዕርነትን ስምምዕነትን ዝተመስረተ ናይ ሓባር ረብሓ ንክህልው ዝግበር ጥበብ እንካ ሃባ(ሂብካ ምቕባል) ዘይፈልጡ ምዃኖም እዩ፡፡እቲ ንሶም ዝኽተልዎ ቀዳማይ ኣምር ተኽኢሎም ዝተፈላለዩ ስልቲታት ተጠቂሞም ውልቀ ረብሓኦም ምስኻዕ እንትኾን፣ እንተዘይኾይኑ ግን ህልውናኦም ንምዕቃብ ክብሉ ጥራይ ረብሓኦምን ረብሓ ህዝቦምን ኣሕሊፎም ንምሃብ ንድሕሪት ኣይብሉን፡፡ንኣብነት እታ ውድብ ገና ዕሸል እናሃለወት ‹‹ሕቶ ኤርትራ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ፤መፍተሒኡ ድማ ነፃነት እዩ›› አሎም ዝተቀበልሉ ምኽንያት ሻዕብያ ከም ዘተጥፍኦም ስለዝተረደኡ እንትኾን ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዓሊማ ትቃለስዝነበረት ውድብ ግገሓት ግን ዝኣዘዝዎ ንምፍፃም ምድላዋ እናፈለጡ እውን ንስምምዕነት ዓዲሞም ከብቅዑ መረሕታ ብግፍዒ ብምጭፍጫፍ ኣጥፊኦማ፡፡ምስ ኢድዩን ኢህአፓን ዝነበሮም ቅርሕንቲ እውን ብምጥፍፋእ እዩ ተፈቲሑ፡፡ኣብ ጥበብ እንካ ሃባ ግን ሰዓራይን ተሳዓራይን የለን፡፡እቲ ሽዕኡ ዝሰፈሮም ናይ ምጥፍፋእ ፖለቲካ ግን ሐዚ እውን እንትብእስ እምበር እንትምሓየሽ ኣይርኣይን፡፡ 
እቲ ካሊእ ዝተዓዘብኩዎ ነጥቢ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሉ ዝተዛረብዎ ጥራይ ዝደጋግሙ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ናይ ምምንጫው ተኽእሎኦም ዝተሓተ ምዃኑ እዩ፡፡ናተይ ዝብልዎ መርገፂ ከምዘይብሎም እውን ትዓዚበ፡፡ ‹‹ሰሚዐ፣ነጊሮምኒ፣ ሓዚና ኢሎምኒ፤ ስለዚ ኣነ እውን ሓዚነ›› እናበሉ የኾምስዑ(ይሞስኩዑ)፡፡ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ብሓሳብ ንዝዕብልልዎም ሰባት ግስሩጣት ቃላት ተጠቒሞን ንምንሻው ከም ዝፍትኑ ኣስተውዒለ፡፡ንኣብነት እቶም ትኣመንቶም ናይ ገብሩ ኣስራት መፅሓፍ ኣንቢቦም ስለዘይትሓጎሱን ተናዲዶም ስለዝገደፍዋን ንሶም እውን ንዘይምንባብ ወሲኖም፡፡ካልኦት ዝኾነ መፅሓፍ ኣንቢቦም ስለዝተደሰቱ ዝድሰት፣ ካልኦት ስለዝሓዘኑ ድማ ዝሓዝንን ዝናደድን ሰብ ዓርሰ እምነቱ ዝተዳሃለ ጥራሕ እዩ፡፡ገብሩ ዝፀሓፋ መፅሓፍ ንምባብ ድፍረት ምስኣኖም ድማ ኣብኦም ዝነበረኒ ክብሪ በኒኑ ንክጠፍእ ገይሩዎ፡፡
እቲ ናይ መወዳእታን ኣዝዩ ኣገድስን ጉዳይ ኣቦይ ስብሓትን ተኸተልቶምን ኣታሓሳስባኦም ካብ ኣፍንጫኦም ስድሪ ርሕቐት ዘይብሉ፣ ሕልፉ ታሪኽ መርሚርካ ምስ ህልዊ ኩነታት ኣዛሚድካ መፃ ሃገራዊ ዕፃ እዛ ሃገር ንምትንባይ ዘለዎም ድኽመት እዩ፡፡ይትረፍ ብኣሻሓት ክፍለዘመናት ኣርሒቖም ክርእዩስ እታ ድሕሪ 20 ዓመት ዘለናያ ኢትዮጵያ እውን ምግማት ዘይምኽኣሎም ምሒር ኣገሪሙለይ፡፡ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እንትግንፀል ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ በሪ ከም ዘድልያ ዘይትሰቖሮም መኽንያት እውን እዚ ከይኾነ ኣይተርፍን፡፡ እምበር እማ ኣፎም መሊኦም ‹‹ባሕሪ ንዓና ምዓርግ እዩ ነይሩ፣ዝወፅእ ዘይብልና ዝኣትው ዘይብልና›› ንምባል ኣይምደፈሩን፡፡ዝዛረቦ ንዝፈልጥ ኣዝዩ መሕፈሪ ስለዝኾነ፡፡ናይቲ ሐዚ ዘሎ ኣማራርሓ ቀንዲ ፀገም ድማ እዚ ኣታሓሳስባ እዚይ እዩ፡፡
ሐዚ ናብቲ ገብረ ገብረመድህንን ኣቦይ ስብሓትን ዝገበርዎ ቃለ መጠየቕ ነምርሕ እሞ ‹‹እቲ ኣማዓልካቱም እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና›› ዝዓይነቱ ወግዒ ነጠዓዕሞ፡፡ኣብ ሓደ ቃል ሰለስተን ካብኡ ንላዕልን ዝተደገሙ ፊደላት እቲ ቃል ኣንዊሖም ከም ዘድመፅዎ ዘመልክቱ እዮም፡፡ልብ በሉ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝፃሓፍዋ መፅሓፍ ደሪኹ እዩ ዝሓቶም ዘሎ፡፡

ገብረ፡ እታ መፅሓፍ ኣንቢብኩማ ?

ኣቦይ ኣነ እታታታ መፅሓፍ ከም ዝተፃሓፈት ሰሚዐ፤ ዘንበቡቡቡ ነጊሮምኒ ነይሮም፤ ኣብ ስቪል ሰርቪስ ኣብ ህወሓት ዘለው፤ካብ ህወሓት ዝወፅኡ እውን ነጊሮምኒ፤ ዓብዪ ትምህርቲ ወሲድናናና፤ ተናዲድካ ምፅሓፍ ክሳዕ ክንደይ መዋረዲ ምዃኑ ተማሂርናናናና ኢሎምኒ፡፡ ብጣዕሚ ዓብዪ ትምህርቲ እዩ፡፡ኮነ ኢልካ፣ሓሲብካ፣ ረጊዕካ፣ ኣእምሮኻ ኣስኪንካ(ኣስቂንካ?) ዘይምፅሓፍካ ክንደይ መዋረዲ ምዃኑ፣ ክንደይ ጣጣ ከም ዘምፅእ ነጊሮምኒ፡፡ ገለ ገሊኦም ኣይወዳእናያን ገዲፍናያ ተናዲድናናና…

ገብረ፡እሞ ክተንብብዋ ዲኾም? 

ኣቦይ፡ እሱ እቲ ትሕዝቶ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ይዛረቡ እንድዮም ግን ኢቭን እቶም ምስኡ ዝወፅኡ ገዲፍናዮ ኢሎም፡፡ስለዚዚዚ…

ረብረ፡ እሞ ንስኹም ተንብበዋ ዲኹም? 

ኣቦይ፡ ኣይ ስቕ ኢለ ክርእያያያ እሞ፣ሕልፍ ሕልፍ ኢለ እስቲ ክርእያ እየ፤እምበር ኣየንብባን፡፡እቶም ዝነገሩኒ፣ እቶም ዝጀመሩ እውን ከም ዝነገሩኒ ዘንብባ ኣይመስለንን ምሉእ ብምሉእ፡፡