Saturday, June 28, 2014

ሰካራሙ ፖሊስ


 የሰው ህይወትና ንብረት መጠበቅ፣ ሰላምና ፀጥታ ማስፈን፣ ህግና ስርዓት ማስከበር ጥቂቶቹ የፖሊስ ግዳጆች ናቸው፡፡ሰላምና ፀጥታ፣ህግና ስርዓት ለማስከበር ሲባልም ከሰላም ወዳዱ ህዝብ ጋር እጅና ጓንት ሆኖ ይሰራል፡፡ህግ ተላልፏል ተብለው የተጠረጠሩ ሰዎችን ተከታትሎና በተጨባጭ ማስረጃዎችን አስደግፎ በህግ ፊት ያቀርባል፡፡ ፎሬንሲክ ሳይንስና ፎሬንሲክ ሳይኮሎጂ ተጠቅሞ ወንጀሎችን ይመረምራል፣ ከበጎች መኃል የሸሸጉ ተኩላዎችን በመለየት በህግ ያስዳኛል፡፡

በመሆኑም ፖሊስ ከሰላማዊው ህዝብ ጋር እጅና ጓንት ሲሆን ከወንጀለኞች ጋር ግን አይጥና ድመት ነው፡፡ፖሊስ ባለበት ህግ ይከበራል፣ሰላምና ፀጥታ ይሰፍናል፣ በሰላም ወጥቶ የፈለጉትን አከናውኖ በሰላም መግባት ይቻላል፡፡አልፎ አልፎ ችግሮች ቢያጋጥሙም ፖሊሶችን ያለምንም ስጋት በማማከርና እንደ መከታ በመጠቀም ከተለያዩ ዓይነት ስጋቶች ነፃ መሆን አይከብድም፡፡ በተለይ በበለፀጉ አገሮች ፖሊስ ከአባትና እናት በላይ ይታመናል፣ ይከበራል፡፡

Sunday, June 15, 2014

‹‹በርባን ተፈትቶ እየሱስ ይሰቀል››


በርባን በግፍ በገደላቸው ንፅኋን ደም እስከ አንገቱ ድረስ የተነከረ፣ ሃገር ያሸበረ ምሕረት የለሽ ሽፍታ ነበር፡፡አይሁዳውያን ህንን እውነታ ጠንቅቀው ቢያውቁም ‹‹በርባንን ፍታው፣ አየሱስን ስቀለው›› እያሉ በአንድ ድምፅ ጨኹ፡፡በርባን በነፃ ተሰናብቶ እየሱስ ተሰቀለ፤ የአይሁዶች ፍርደ ገምድል ጭኾት እውን ሆነ፡፡እያለ የሚያስነብበን ‹‹መፅሐፍ ቅዱስ›› ነው፡፡ይሄ ብዙ ክፍለ ዘመናት ያስቆጠረ ታሪክ ነው፡፡ ሆኖም ግን ዛሬም እንደዚህ ዓይነት ፍርደ ገምድሎች  ውሳኔዎች በመተላለፍ ላይ ናቸው፡፡የዓለማችን ፍርድ ዛሬም ለበርባኖች ታዳላለች፡፡በርባኖች ይዘመርላቸዋል፣ብዙዎችን ያሰግዳሉ እየሱሶች ደሞ ዛሬም የአካልና የህሊና ስቅያቶች ይደርሱባቸዋል፡፡ ይሰቀላሉ ይገደላሉ፡፡
እራሱን ዶክትር ኢንጂኔር ብሎ በመሰየም ብዙዎችን ሲያጃጅል የኖረው ሳሙኤል ዘሚካኤል ባለፈው ዓርብ(ሰኔ 6/2006 ዓ.ም) ጉዱ ሲጋለጥ ብዙዎች እውነታው አይንህን ላፈር ብለውታል፡፡ ሌሎች ደሞ በአታላይ ምግባሮቹ የብዙዎችን አፍ አስከፍቶ ስለተፀዳዳባቸው እንኳን! ወንድ ደግ አደረገ! በማለት እያመኳሹት ይገኛሉ፡፡ይህንን አጭበርባሪ ወሮ በላ ‹‹የገባው ነው፣ የጨሰ አራዳ ነው›› እያሉ ሲያደንቁት ታዝበናል፡፡ጉቦ የማይሰጡ ወይም የማይቀበሉ፣ ንሯቸውን በቅንነት የሚገፉ ደሞ ‹‹ገገማ፣ ያልገባው ፋራ›› ይባላሉ፡፡

Friday, June 13, 2014

ሰበር ዜና፡ ለራሱ የ‹‹ዶክተር ኢንጅኔር››ነት መዓረግ የሰጠው ሳሙኤል ዘሚካኤል ፎርጅድ መሆኑን ተረጋገጠ


ዶክተር እንጅነር ሳሙኤል ዘሚካኤል
ሬድዮ ፋናቢሲ በዛሬው ዕለት የጥዋት የ90 ደቂቃ ዝግጅቱ እጅግ በጣም አስገራሚ ዜና አስደምጦናል፡፡ እራሱን ዶክትረ እንጅነር እያለ የሚጠራውና በድህነት ማቅቆ ቢያድግም ‹‹በጥረትና እልህ አስጨራሽ›› ስራ የብዙ ድርጅቶች ባለቤት እንደበቃ በኩራት የሚናገረው ሳሙኤል ዘሚካኤል አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ እንደማያውቀው ተረጋግጧል፡፡በመሆኑም ከአዲስ አበባ አራት ኪሎ ግቢ በስቪል እንጂኔሪንግ በመጀመርያ ድግሪ ያልተመረቀ መሆኑን አዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ አስታውቋል፡፡
‹‹ዶ/ / ሳሙኤል ዘሚካኤል በሙያው መሃንዲስ ነው፡፡ 1995 . ከአዲስ አበባ ዩኒቨርሲቲ ከቴክኖሎጂ ፋኩልቲ የትምህርት ክፍል የመጀመሪያ ዲግሪውን በሲቪል ኢንጂነሪንግ አገኘ፡፡ ሁለተኛ ዲግሪውን በኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂ ማኔጅመንት 2000 . ከአውስትራሊያ ካምቢራ ዩኒቨርሲቲ፣ ሦስተኛ (ዶክትሬት) ዲግሪውን ደግሞ በአርባን ፕላኒንግ በቅርቡ ከአሜሪካ ሀርቫርድ ዩኒቨርሲቲ መቀበሉንና ከባህር ዳር ዩኒቨርሲቲ ደግሞ የተባባሪ ፕሮፌሰርነት ማዕረግ እንደተሰጠው ተናግሯል፡፡››

Monday, June 9, 2014

ዓውደ ሰብ


እቲ ስብኣይ ክሸርብ ርኢኹም ኣይትፈልጡን፡፡እንድሕር ዘይሸሪቡ ፀፀኒሑ ኣፉ ይኸፍት፤ ስራሕ የለን ዘረባ የለን - ማይ ክፈሶ ዝኻረመ ባዓቲ መሲሉ ሃህ ይብል፡፡ክልተ ጉምጫኡ ብጫት ሸጉሺጉ ኩዓሳሱ ዝጎረሰ እንተዘይ መሲሉ እማ ካብ ማይ ዝወፅአ ዓሳ በልዎ፡፡ኣብ ሰውነቱ ዝተሰወሩ ኣጋንእ ከም ዝህልውዎ ርግፀኛ እየ፡፡እንተዘይኾይኑ ድኣ እዝኹሉ ቖፅሊ እናጠጠመ፣ እዚኹሉ መስተ እናሸረበ ከመይ ገይሩ ይሽከሞ? ኣብ ምንታዩ የእትዎ?
ኣኮኡ ሃፍታም እዮም፡፡‹‹መንደር ንመንደር እናውደልደለ፣ ኣጓላት እናለኸፈ፣ ሓላፍ ዘላፍ እናተዛረበ ሰባት ካብዘቐይምን ዝብድልን ርእሱ ይኽኣል›› ኢሎም ማንጃ ፍቓድ ንከውፅእ ኣሻሓት ኸፊሎሙሉ፡፡ብክንደይ መንከራ ነታ ማንጃ ፈቓድ ምስተረከበ ድማ ዶልፊን ዝዓይነታ ታክሲ ገዚኦሙሉ፡፡‹‹ዘለለው፣ ነዳዲኣን መለዋወጢ ኣቕሑኣን ኽኢልኻ ከም ናይ ባዕልኻ ገይርኻ ግንሐያ፤ ካብቲ ዝረኻብኻዮ ወርሓዊ ኣታዊ 30 ምኢታዊ ንዓይ፣ 70 ምኢታዊ ድማ ንባዕልኻ ፈቒደ ኣለኹ - ብህድኣት ግንሐያ፡፡ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልኻ እንተሰሪሕኻ፣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናይ ባዕልኻ መኪና ክትገዝእ ኢኻ፡፡ ሻቡ መኪናይ ክትምልሰለይ ኣለካ›› ክብሉ ምዒዶሞን ኣተባቢዖሞን፡፡

ዘለለው ቀሊል ሰብ ኣይኾነን፡፡እታ ታክሲ ካብ ዝትውድኦ ነዳዲን መለዋወጢ ኣቁሑን ባዕሉ ዝሸርቦ መስተን ንሰሙን ሙሉእ 24 ሰዓታት ከየቋረፀ ዘመስኩዖ ጫትን ብዕፅፊ በሊፁ፡፡ነቶም ኣኮኡ ድማ ይትረፍ 30 ምኢታዊ ወርሓዊ ኣታዊኡ ክኸፍሎምስ ብልቓሕ መልክዕ እናወሰደ ብኣሻሓት ኣክሲሩዎም፡፡ንሶም እውን ከም ዘይምልሰሎም እናፈለጡ ስቑ ኢሎም ይህብዎ - እንተዘይኾይኑ ሓደገኛ ዱርየ ምዃኑ ከም ዘይተርፍ ስለዝፈልጡ፡፡ክህብዎ ከለው ‹‹ኣንታ ሓሰማ! ድሓን ጥራይ ንስኻ ሰብ ኹን እምበር ብዛዕባ ገንዘብ ኣይትፀገም›› ይብልዎ፡፡ዘለለው ግን ሰብ ማለት ክልተ ጉምጫኡ ቖፅሊ ወቲፉ ዘመስኩዕ፣ ከም ውቕያኖስ ዝመፅአ ነገር ኹሉ ኣፉ ኸፊቱ ዝቕበል ጥራሕ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን፡፡
ንዘለለው ‹‹ጠጥቶ ማሽከርከር በህግ ያስቀጣል›› ዝብሃል ትእዛዝ ኣይስቆሮን፡፡ እቲ ንዕኡ ዘኽዶ፣ ብኣንፃሩ እናሸረበን ቖፅላመፅሊ እናመስኮዐን እንተዘይኾይኑ ይትረፍ መኪና ክገንሕ ኢደ እግሩ እውን ከንቀሳቅስ ኣይኽእልን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ክልተ ሰለስተ ሕቑፊ ጫትን ክልተ ሊትሮ ብዝሕዙ ናይ ‹‹ሃይላንድ›› መዐሸጊታት ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነት መስተታትን እንተዘይፅዒኑ ሞተር መኪናኡ ኣየንቀሳቅስን፡፡ክልተ ጉምጫኡ መሊኡ ጫት ይመስኩዕ፣ ብኣረቂን ጉደርን ድማ የወራርዶ፡፡ኣፉ ክሉሻዕ ሳባ ዝመልአ ባሕሪ እዩ ዝመስል፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሓበጡን ተጎልጒሎም ኣብ ግንባሩ ዝተሰቐሉ ዝመስሉን ኣዒንቱ ዝበሰለ ጎሚደረ እዮም ዝመስሉ፡፡ገፁ ቀዳማይ ክፍሊ እናሃለኹ ዝረአኹዎም ናይ ኤዲስ ሕሙማት ፎቶ የስታውሰኒ፡፡ዝርኢ ዘሎ ግን ኣይመስልን፡፡

መጀመርያ ኣከባቢ ጫት እንተዘይሓይኹን መስተ እንዘይሰትዩን ጥራሕ እዩ ንባዕሉን ንመኪናኡን ክገንሕ ዘፀግመሉ ነይሩ፡፡ ዳሕራይ ግን ክንዲ ዝኣኽሎ ይሽረብ፣ ክንዲ ዝኣኽሎ ጫት ይሞስኩዕ ሰውነቱ ክእዝዝ ኣይኽኣለን፡፡ብደው ክታኸስ ጀሚሩ፡፡ይደቅስ ኣይደቅስ ዓምባዛት ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ፎቶ መሲሉ ይግተር፡፡መኪና እንትገንሕ ብቕድሚቱ ዘለዋ ኩለን መካይን ዝገጨወን ስለዝመስሎ ኣብ ርሑቕ እንሃለዋ ክላክስ የስምዐን፡፡ ብድሕሪት ንዝኽተልኦ እውን ናይ ድሕሪት መብራህቲ እናብረሀን ድምፂ እናስመዕን ሞኽ የብለን፡፡ብሓፈሻ ብሕልሙ ዝገንሕ ዘሎ እዩ ዝመስል፡፡ናይ ትራፊክ ሕግታት ምኽባር ስለዝተሳኣኖ ኩሉ ሻዕ ይቕፃዕን ማንጃፍቓዱ ይምንጠልን፡፡ይኹን እምበር ይትረፍ ከመሓይሽ እናባኣሶ ከይዱ፡፡
እዚ ዝተዓዘቡ ትራፊካት ማንጃ ፍቓዱ መንጢሎሞ፡፡ዝኽፈል ኸፊሉ ማንጃ ፍቓዱ ክምልስ ናብ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ተማሊሱ ይትረፍ መኪና ክገንሕስ ንባዕሉ እውን ገናሒ ከምዘድልዮ ነጊሮሞ፡፡ድሕሪኡ ኣዒንቱ ዝብኣሰ ኣፍጢጡ ዓማላት ኣስናኑ ገጢጡ ግትር! በቃ ግትር - ኣይናገር ኣይግገር፡፡ሓተላ ዝመልአ ኸፋት ገንኢ መሲሉ ሱቕ፡፡እዚ ዝተዓዘቡ መሓዙቱ ነታ ኣኮኡ ዝሃብዎ መኪና እናፈትሑ ኣካላታ ክሸጥዋ ጀሚሮም፡፡ ዘዝተረኸበ ገንዘብ ድማ ንጫትን መስተን ይብተን፡፡ሐደ…ክልተ…ሰለስተ እናበሉ ነታ መኪና ከም ደርሆ ኣብ ዓስርተ ክልተ ቖራሪፆም ኣይንዋጋ ኣይንዕዳጋ ኣትሪፎማ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ዘለለው ወዲ ናብ ጎደና ወፂኡ፡፡ሐዚ ኣብ እንዳ ጉሓፍ ዝረኸቦ ዝተቖራረፀ ጫትን ተረፍ መረፍ ነገራትን እናሃደነ እዩ ዝነብር፡፡ ኣብ ሓደ ቦታ ግትር ምስበለ ስለዘይንቀሳቀስ ድማ ዓውደ ሰብ ዝብሃል ሓዲስ ሳጓ ኣውፂኦምሉ፡፡ንዓይ ግን ክርእዮ ከለኹ ናይ ዓውደ ሰብ ፅላሎት እዩ ዝመስለኒ፡፡እቲ ዘይተመጣጠነ ገጂፍ ቁመናኡ ንፋስ ከም ዘወዛውዞ ናይ ብሃርዛፍ ፅላሎት እዩ ዘስታውሰኒ፡፡ንሰዓታት ተገሪዑ ይውዕል እሞ ክንቀሳቀስ ከሎ ድማ ዘ…ው…ዘ..ው…ዘውውው ይብል፡፡

Sunday, June 8, 2014

ንብዓት ሓጎስን ጣዕሳን


ዓቐብ ምስ ቁልቁለት፣ ሞትን መቑስልትን፣
ጭንቂ ዕርብራቦ
ነብሲ ውፂ ነብሲ እተዊ፣ ሕሱም ሻቕሎት፣
 መዳርግቲ ኣልቦ
ሕንጉጓይ ፀልማት ቀትሪ፣ ምሃሙቕ ገደል፣
ሓሊፉ ዓንተዎ
ትማሊ ሓሊፉ ‹‹ነበረ›› እናበልኹ
ፅባሕ ከዘንትዎ
ሕሉፍ ኣስተንቲነ፣ ሎሚ ተፈቲነ፣
ፅባሕ ክርከቦ፡፡
ትፅቢት ጋህዲ ክኾን፣ ፀልማት ተቐንጢጡ፣
ንጉሆ ፀሓይ በርቂ
እናሰሓቕኩ ይነብዕ፣እናነደድኩ ይተብዕ፣
ዓደይ ክትደምቂ
ብፆተይ ቀቢረዮም፣ኣካሎም በስቢሱ ከርስኺ ከደንፍዕ፣
ልምዓት ክትሰንቂ
ወግሐ ፀብሐ ይኹስኩሰኪ፣ ፀሚአ የስትየኪ፣
ተስፋይ ከይትደርቂ፡፡

ካብ ንላለ ሽዱሽተ ዓመታት ሓሊፎም፡፡ብቕንዕና ንዝቐርቡኒ መምህራን፣ወታደራትን ፖላዊስን ዘለኒ ኣኽብሮት ክገልፆ ካብዝኽእሎ ንላዕሊ እዩ፡፡ብፍላይ ግን ንተጋደልቲ ነበር ህወሓት ዘለኒ ልባዊ ክብሪ ክሳብ ሕልፈተይ ዝሃስስ ኣይመሰለንን፡፡ ኣብ ቴሌ ዝሰርሕ ሓደ ተጋዳላይ ነበር ሻለቃ ሽሕ ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ሜዳ ትግራይ ምስ ስጋን ደሙን ዘዋሃሀዶ ቅንዕናን ስብኣዊ ፍቕርን ሐዚ እውን ሃፍትን ስልጣንን ከህስሶ ኣይክኣለን፡፡ሓቂ ይዛረብ፤ ንሓቂ ድማ ይሰርሕ፡፡እዚ ኣካይዳኡ ግን ንስልጣን ይኹን ንሃፍቲ ከምዘይብቅዖ ኣንዳዕዲዑ እዩ ዝፈልጦ፡፡

ብዙሕ ግዜ እንትዕዘቦ ከም ጭፈራን ሳዕሲዕትን ዘሐጉሶ ዘሎ ኣይመስልን፡፡ምትንፋስ ክሳብ ዝስኣኖ እዩ ዝስዕስዕ፡፡ርሃፅ ብርሃፅ ኾይኑ ኣብራኩ ራዕ ራዕ ክሳብ ዝብላ ዕብድ ይብል፡፡ሓደ ፍሉይ ነበር ግን ኣብ ገፁ ተዓዚበ፡፡ፈላማይ ክርእዮ ከለኹ እቲ ገፁ እንሓፀበ ዝወርድ ፈሳሲ ረሃፅ ይመስለኒ ነይሩ፡፡እቲ ፍሉይ ተጓንፎኡ ደጋጊመ ብፍሉይ ትኹረት ምስ ተዓዘብኩዎ ረሃፅ ከምዘይኾነ ኣረጋጊፀ፡፡ብጣዕሚ እንትስዕስዕ ኪርኪር ኢሉ እናሰሓቐ ይነብዕ፡፡ውሕጅ ንባዕቱ ካብ ጁባኡ በዘይፈልያ መሃረም እናፀረገ ሲስ ይብል፡፡ብፍላይ ተጎምፀፅ ንዝብሃል ሳዕሲዒት ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከሞ ዝኾነ ተዓዚበ እየ - ከምኡ ኣፀቢቑ ዝኽእላ ዘሎ እውን ኣይመሰለንን፡፡
እዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ሓለቃ ሽሕ ምስ ተዓዘብኩ ንምታይ እናሳዕሰዐ ከም ዝነብዕ ኩሉሻዕ እየ ዝሓስብ ነይረ፡፡ፅባሕ ሎሚ ክሓቶ እየ እናበልኹ ምስ ባዕለይ ይስማዕማዕ እሞ መሊሰ ድማ ይሓንኮ፡፡ክብል ክብል ግን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ደፊረ ክሓቶ ወሲነ - ሓቲተዮ ድማ፡፡ካብ ሳዕሲዒት ናብ ሽቃቕ እንተምርሕ ሓሊወ ‹‹ንምታይ ኢኻ እናሰሓቕካን እናሳዕሳዕካን ዝሕንዝሕ ትነብዕ?›› ኢለ ሓቲተዮ፡፡

‹‹ህንፍ›› ኢሉ ብነዊሑ ተንፈሰ እሞ ክት ኢሉ ጠመተኒ፡፡
‹‹ይነብዕ ከም ዘለኹ ከመይ ገይርኻ ፈሊጥኻ?›› መሊሱ ጠይቑኒ፡፡
ብሕዝ ከም ዝስተውዐልኩዎን ሎሚ ፅባሕ ክጥይቖ እናበልኹ ግን ብሕንከት ክሓቶ ከምዘይኽኣልኹ ነጊረዮ፡፡ ኣታሓሒዘ እውን ብፍሉይ ምልክታትን ወቕቲታትን ጠቒሰ ዝተዓዘብኹዎ ኹሉ ኣካፊለዮ፡፡
‹‹ታሪኹ ነዊሕ እዩ፤ ንዓኻ ድማ ብዙሕ ዘድልየካ ኣይመስለንን›› ኢሉኒ፡፡
‹‹ስለዘድልየኒ እማ ሰጋእ መጋእ እናበልኹ ሓቲተካ››
‹‹ሓቅኻ ኢኻ፤ እናሳሓቅኩን እናሳዕሳዕኹን ከም ዝነብዕ ኣነ እውን ይፈልጥ እየ፡፡ግን ይትረፍ ንስኻ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጎድነይ ተሰሊፎም እናተቓለሱ ዝተሰወኡ፣ መራሕተይ ኾይኖም ዘዋገኡንን ዘዋጋእኹዎምን ብፆተይ እውን ኣይፈልጡን ነይሮም፡፡ትኹረታኻ ኣግሪሙለይ፡፡ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝነገርኹካ ታሪኹ ብጣዕሚ ነዊሕ ስለዝኾነ ብሓፂሩ ከዘንትወልካ፡፡ኣብ ቃልሲ እናሃለውና፣ ናብ ኲናት ቅድሚ ምእታውናን ኣብ ኲናት ውዒልና ምስ ተመለስናን ጓይላ ንገብር ነይርና - ጓይላ እቲ ሓደ መስርሕ ቅልስና እዩ ነይሩ፡፡

ኲናት በላዒ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን እዩ፡፡ክትመውት ወይ ከዓ ክትቐትል ትብገስ ከም ዘለኻ እናፈለጥኻ ምስዕሳዕ ክንደያናይ መሪር ከም ዝኾነ ክነግረካ ኣይኽእልን፡፡ካብኡ ዝብኣሰ ድማ ነይሩ፤ እቲ ብጣዕሚ ዝትፈትዎ ብፃይኻ፣ካብ ባዕልኻ ኣብሊፅኻ ዝትጥንቀቐሉ ብፃይኻ ምሳኻ እናተዃሸሐ ከም ዝተሰወአን ዳግማይ ንዘይምለስ ከም ዝቐበርኻዮ እናፈለጥኻ፣ ንሱ ተሰዊኡ ሓመድ ከምዝተኸደነ እናፈለጥኻ፣ ንዕኡን ከምኡ ዝበሉ ተባዓትን ቐቢርኻ ምስ ተመለስካ እውን ክትስዕስዕ ነይሩካ፡፡ሻዓኡ ኣየኽእለንን ነይሩ፤ እናሳዕሳዕኹን እናሳሓቕኹን ክነብዕ ነይሩኒ፡፡ፈቲወ ከይኾነስ ካብ ቁፅፅረይ ወፃኢ ስለዝነኾነኒ፡፡ብፆተይ እውን እናፈለጡ ይኹን ኣይኹን እንድዒ ብዛዕባኡ ተዛሪቦምኒ ኣይፈልጡን፡፡

ክስዕስዕ ከለኹ እቶም ኣብ በረኻ ዝተረፉ ብፆተይ ምሳይ ሓቢሮም ይስዕስዑ፡፡ እቲ ሻዓኡ እንቀላለዶ ዝነበርና ቀልዲታትን ፃወታን ይረኣየኒ፡፡እቲ ዝሓለፈ ወኻዕኻዕ ዕላልና ሐዚ ይኸውን ከም ዘሎ መሲሉ ይስመዓኒ፡፡ይኹን እምበር ዘይጭበጥ፣ዘይድህሰስ፣ ዳግማይ ዘይምለስ ቅሁም ነገር ምዃኑ ኣይስሕቶን፡፡ብምዃኑ ድማ ምሒር ይሓዝን - ንብዓተይ ካብ ቁፅፅረይ ወፃኢ ኾይኑ ከም ውሕጅ ይፈስስ፡፡እቲ ሐዚ ምሒር ዘንብዐኒ ዘሎ ግን እቲ መስዋእቶም ኣይኾነን፡፡ሎሚ እቲ ናይቕደም ብፃይነት የለን - ኩሉ ነኒፃሕሉ ከብስል እዩ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝጎይይ፡፡እንጀራኡ ንብሳል ውነኡ ኣጥፊኡ እንትጎይይ ንመን ረጊፁ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ኣየስተውዕልን፡፡ከም ዝበርገገ እንስሳ እዩ ረጋጊጹካ ዝሓልፍ፡፡እዚ ድማ ዝብኣሰ የሕርረካ፡፡

እዚኦምን ወዲ ዚኦምን እናሰላሰልኹ እየ እምብኣር ዝነብዕ ዘለኹ፡፡ምሒር ዝሓዝንን ዝነብዕን ግን ክስዕስዕ ከለኹ እዩ፡፡ከምቲ ቅድም ዝነገርኹካ እናሳዕሳዕኹ ክስሕቕ ከለኹ እቶም ዝተሰወኡ ብፆተይ እውን ምሳይ እናሳሓቑ ይስዕስዑ ዘለው ስለዝምስሊ፡፡ብፆተይ ስለዝረኣዩኒ ምሒር ይስመዐኒ፡፡›› በለኒ ንዓይ ናብዘይረኣየኒ ኣርሒቑ እናጠመተ፡፡እዚ ሓለቃ ሺሕ ኣቦ ቖልዑ እዩ፡፡ኣሽማት ደቁ ኹሎም ብሽም ብፆቱ እዮም ዝፅወዑ፡፡እኹል ኣታዊ ይኹን ስልጣን ስለዘይብሉ ግን ናብራ ምሒር ከም ዝሓሰዮ ሰውነቱ ርኢኻ ኣይትስሕቶን፡፡ኣዲስ ኣበባ ይትረፍ ብናይ ዘብዐኛ ምሃያ ብዙሕ ኣታዊ ሒዝካ እውን ብጣዕሚ ፈታኒት እያ፡፡




Saturday, June 7, 2014

‹‹ባዕለይ ክዛዝሞ…››



ናይ ሎማዕንቲ ውዕሎይ ‹‹ጦር ሃይሎች›› ኣከባቢ ኣብ ዝርከብ ‹‹ጎልፍ ክለብ›› ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ መዘናገዒ እዩ ነይሩ፡፡እቲ ዋዕላ ብኢትዮቴሌኮም እዩ ተዳሊው - ብዓል 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ‹‹ቦንድ›› ንዝገዝኡ ሰራሕተኛታት ‹‹ሰርቲፊኬት›› ንምዕዳል፡፡ብውልቀይ ግን ካሊእ ነገር ጠርጢረ፡፡ንኽቡራት መንበብቲ ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ከም ዘውጋዕኹኩም ኣብ ‹‹አዲስ አበባ መስብያ አዳራሽ›› ዝነበረ ዋዕላ ዕይኑ፣ስኑ ዋላ እውን ኣፍንጫኡ ዘይፍለጥ ዳዕማስ እዩ ነይሩ፡፡
እቲ ሽዓኡ ዝነበረ ሕሱር መደረን ድሓር ድማ ስዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ናይ ቀትሪ ምስኮነ ዝተገበረ እንግዶት ሻሂን ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት ምሒር ተቖጢዖም ‹‹ሽጋራም 20 ጉንበት›› ኢሎም ክፃረፉ ገይርዎም ነይሩ፡፡ንዚ ንምክሕሓስ እዩ መስለኒ እምብር እቲ ኣብ ‹‹ጎልፍ ክለብ›› ዝተገበረ ዋዕላ ኣዝዩ ዕምቡር ንክኸውን ዝተገበረ፡፡መስተን ብልዕን ክሳብ ጎረሮኻ እዩ ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቶም ኣብ ሃገርና ኣለው ዝብሃሉ ፍሉጣት ደረፍቲ ነቲ ዋዕላ ንምዕምባር ተዓዲሞምስ ሲስ ከብሉና ውዒሎም፡፡

Sunday, June 1, 2014

‹‹በአንድ ሌሊት የወለድኳቸው ይመስል፤ በአንድ ሌሊት ፈጇቸው!!!››



የካቲት 28 ቀን 2002 ዓ.ም
ወ/ሮ ከበቡሽ አድማሱ
(አራት ልጆቻቸው የተገደሉባቸው)
ከደርግ ማህደር ገፅ 360
የወ/ሮ ከበቡሽ አድማሱ ልጆች፡-
 1.  ደምሴ ብርሀኑ ዕድሜ 18 ዓመት
 2.  ተፈራ ብርሀኑ ዕድሜ 16 ዓመት
 3.  ግርማ ብርሀኑ ዕድሜ 14 ዓመት
 4.  ሞገስ ብርሀኑ ዕድሜ 12 ዓመት
እንዲሁም የአክስታቸው ልጅ የሆነው ተስፋየ መኮነን(የ17 ዓመት ወጣት) በአሰቃቂ ሁኔታ በአንድ ሌሊት በፋሽስቶች ተፈጃችሁ እኔ ለዚህ ምስክር ነኝ፡፡እግዚአቢሔር ነፍሳችሁን በገነት ያኑረው፡፡ ሁሌ አስባችኋለሁ እወዳችኋለሁ፡፡
ከሞት/ከመረሸን ያመለጥኩ ጓደኛችሁ/ወንድማችሁ
ኤልያስ ተሾመ ወይም ገንፎ፤ 19/1/2005
ከደርግ ማህደር ገፅ 253ና 380

ከላይ የተጠቀሱት አሳዛኝና ሰቅጣጭ ፅሑፎች ከማህደር ደርግ ከተባለው መፅሐፍ ሲሆን አራት ለጋ ልጆቻቸውን በአንዲት ሌሊት ያጡ ወይዘሮ ከበቡሽ አድማሱና ሊገደሉ ተወስደው ከመለጡ አንዱ የሆነው አልስ ተሾመ በተጠቀሱት ቀንና አመተ ምህረቶች የቀይሽብር ሰማእታት ሀወልት ከጎበኙ በኋላ ካሰፈሩት አስተያየት የተወሰዱ ናቸው፡፡አራቴ ለዘጠኝ ወራት በሆዳቸው ተሸክመው፣ ለዓመታት አዝለውና አጥብተውና ተንከባክበው ያሳደጓቸው ልጆቻቸውን ደርጎች(ጭራቆች) በአንዲት ሌሊት የጥይት እራት ሲያደርጉባቸው ልባቸው ምንኛ ተጎድቶና ደምቶ ይሆን? የሰው ልጅ የማይችለውን የምታሸክም ዓለም ምንኛ ጨካኝ ነች!!