ኣባል መስረቲ ህወሓትን ነባር ላዕለዋይ መራሒን ኣቦይ ስብሓት ምስ ሬድዮ ፋና ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ዓይጋ ፎረም ረኺበዮስ ኣድሚፀልኹም።ኣቦይ ስብሓት እቲ ናይ በረኻ ሓቅነት ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ዘይረስዑ ሓርበኛታት ህወሓት ሓደ እዮም።ናይ ስልጣን ግዕዝይናን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን እርምቲ ተዘይተገይሩሎም ናይ ሃገርና ድሕንነት ናብ ሓደጋ ከምርሕዋ ይኽእሉ እዮም ዝብል መትከል ካብ ዘልዎም ቀዳሞት መርሕቲ ብቅድሚት ይስረዑ።ንሓቂ ዝተቓለስ ሓቂ ስለዘይክሕድ ዶ ይመስልኩም?
እቲ ሓደጋ ግን ይብሉ ኣቦይ ስብሓት፤ ‹‹ዘምቢሉ እምበር ኣይፈሰሰን›› ኣብ ዝብሃል ደርጃ እዩ ዘሎ።ኣቦይ ስብሓት ረዚን ኣባሃህላ እዮም ተጠቒሞም።ስርዓት ህወሓት ብሓፈሻ ድማ ኢህአዴግ ከም ዝዘምበለ ዝምስክሩ ቡዙሓት ምልክታት ይረኣዩ ኣለው።መረሕቲ ህወሓት ናይ ህዝቢ ፍቕሪ የብሎምን።ብሓይሊ እምበር ብመኽንያት ከእምኑ ኣይድልዩን።ስሕተቶም ንከመሓይሹ ብመርትዖ ድጊፉ ዝነግሮም ሰብ ከም ፀላኢ እዮም ዝቖፅርዎ።ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝብፅሑ ዘለው ግፍዕታት እናራኣየ ከም ዘይረኣ ዝሓልፍን ፍፁማት እንዲኹም፣እንታይ ክወፅአኩም እናበል ዝንእዶም ድማ ዋላ ምንም ክእለት ኣይሃልዎ ዝሐሾ ስልጣን ይህቡዎ።
ልዕሊ ኹሉ ድማ ፅሬት ወይ ድማ ነቐፈይታን ዓረሰ ነቐፈይታን ዝበልዎ ናይ ህወሓት ፍቱን ታሪካዊ መድሓኒት ከም ፀላኢኦም እዮም ዝቖፅርዎ።እዚ ድማ እዩ ካብ ርስሓት ናብ ጭቃ፣ካብ ጭቃ ድማ ክወፅእዎ ናብ ዘይኽእሉ ረግረግ ዘእትዎም ዘሎ።እወ ሓደ ግዜ ናብ ዋልኻ ረግረግ እንትድኣ ሰሚጦም ኣብኣ እናትለወዩ ክንበሩ እምበር መውፀኢ ኣይረኽቡን።
ኣቦይ ስብሓት ከም ዝበልዎ ፍረ ቓልስና ዘምቢሉ እዩ ዘሎ። ዝዘምበለ ነገር ድማ ሕለፍ ክሓልፍ ንኽእ ተበልኻዮ ድዋዕ ኢሉ ከም ዝፍርስ ኩላትና ንፈለጦ ሓቂ እዩ።ንክፈርስ ሓያል ማዕበልን ሽሾን ኣይድልዮን፤ንእሽተይ ድፍእ ምባል እዩ ዘድልዮ።ስሩ ተበሊዑ ዝዘምበለ ዓብዪ ኦም ንፋስ ፅድያ ምሒው ከም ዝድርብዮ ዝጠራጥር ኣይኮንን።ሃገርና ኢትዮጵያ ይትረፍዶ ዝምቢላ 90 ድግሪ ተተኺላ እውን ኣብ ዘታኣማምን ኩንታት ኣላ ምባል ኣይክኣልን።
ሕብረተሰብና ድማ ገና ኣይንቕሓን ዘሎ።ናብ ዝድለኻዮ ንምጉታት ኣብ ዘይፀግመሉ ድረጃ እዩ ዘሎ።ካሊእ ይትረፍ ንሂወቱ እውን ቡዙሕ ዘይግደስ ወገን እዩ ዘልና።ኣብ ዓዲ ዓረብን ኣውሮፓን ገንዝብ ይሕፈስሎ ክብሃል ስለዝሰምዐ እንድዩ ምድረ በዳታት ሳሃራን ዓፋርን ንምቁራፅ እንትፍትን በረኻ ወዲቑ ዝተርፍ ዘሎ።ቀይሕ ባሕርን ምዲትራንያንን ብጅልባታት ንምሽጋር እንትሙክር እንድዩ ቀለብ ዓሳ ነባሪ ኾይኑ ዝተርፍ ዘሎ።እምኸ ዝደለኻዮ ገንዘብ ክንህበካስ ብረት ኣቅኒዕኻ ኣንፃር ህዝብኻን ሃገርኻን ተኩስ ተተባሂሉ እምቢ ዝብልዶ ይመስልኩም?
22ን ዓመታት እኮ ኣቑፂርና ኢና። እቲ ዝዘምበለ ስርዓት መዓዝዩ ክቀንዕ?
ህዝብናኽ ክሳብ መዓዝ እዩ ‹‹ብዝዘምበለ›› ስርዓትን ኣምራርሓን ክመሓዳደር ዝኽእል?ብስሩኸ ንርእሱ ምቅናዕ ዘይከኣለ ኣመራርሓ ንናይ ህዝብና ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ክህብ ዝኽእልዶ ይመስለኩም?
ኣሕዋት፤‹‹ሰብ ይትኣከብ ምኽሪ ክርከብ›› እንድዩ ዝብሃል።እስቲ ንመኻኸር፤እሂን ምሂን ንበል።
እማን እዩ…ግና ኣቦይ ስብሃት ምዝራቦም ጽቡቕ እናሃለወ ንምንታይ እ ናብ ተግባር ዘይሰጋገር…እርግጽ እዩ ኣባል ኣይኮኑን ግና ብኢደ ኣዙር ጽዕንቶ ምሕዳሮም ኣይተርፍን…ሓደ ሓደ እዋን ጸዋታ እውን ይመስለኒ ኣቦይ ዝጻወትዎ…ምኽንያቱ እቲ ፀጋም ንሶም እውን ኣብ ቦትኦም እንዳሃለወ ዝነበረ እዩ…ግና ዋላ ሓንቲ ለውጢ ንምምጻእ ክተግሁ ኣይርኣኹን…..በቲ በለ በዚ ግና ለውጢ የድሊ እዩ…ከምቲ ሓወይ ዝበልካዮ ግና ኣይመስለንን….እቲ መንእሰይ እኮ ብዓሳ ነባሪ ኣብ ባሕርታት ከምዝተርፉ እናፈለጡ ዝኸዱ….እንተተሳኺዑ ዝሓሸ ነገር ንምርካብ እዩ….ብናይ ሃገርና ፖለቲካ ግና ምንም ዕድል የብልካን….ሓንቲ ስጉምቲ ንለውጢ እንተሰጉምካ ሞት እዩ ዝጸንሐካ…ምት ምኻኑ ጥራሕ ኣይኮነን….ናይ ደውታ ሞት እዩ….ደው ኢልካ ምማት ካብ ሞይትኻ ምቕባር ዝበኣሰ ኽፉእ እዩ….ካብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምጥሓል….ኣነ ዝመስለኒ ነዚ ዝቕበል ትብዓት ዝሰነቐ ወለዶ….ብፍላይ ዝተምሃረ ወለዶ…የድልየና እዩ…ኣነ እዚ ኣሎ ኢለ ኣይግምትን….ክህ ምግባር ግና ናይ ኹላትና እጃም የድልዮ…..
ReplyDeleteአትሙ አሓት ከመይ ትኮኑታ?? ጽዋኩም ይጥዓም ጽቡቅ ጽቡቅ ነቀፌታታትን አስተያታትን ኢኩም ትህቡ ዘለኩም እም ቀጽልሉ ኢካትኩም ሠላም ሠላም ኩሉ ንዓኩም
ReplyDelete