ታሪካዊ ኣመፃፅኣ
መብዛሕቲኡ ታሪኻውን
ባህላውን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ዕብለላ ከም ዝነበረ ቅሉዕ ሓቂ እዩ፡፡ሃይማኖት ባህላዊ ያታን ታሪኽን ጥራሕ ዘይኾነስ ነቲ
ፖለቲካ እውን ይሕምብቦ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ማሕበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፅዕንቶ ሃይማኖት ካብ ውድቐት ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ
ሃፀይ ሃይለስላሰ ንነዘ ብውሕዱ እኳ እናቀነሰ ይምፃእ እምበር ሐዚ እውን እንተኾነ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ብዓላትን ፅው ፅዋያትን
ምርካብ ዝክኣል ኣይመስለንን፡፡
ካብቶም ብሃይማኖታዊ ትሕዝቶ
ዝተቐነዩ ባህላዊ ብዓላትና ሓደ ኣሸንዳ እዩ፡፡ኣሸንዳ፣ ናብ ሃገርና ቅድሚ ምትእትታው ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል በቢዓመቱ የዘውትርኦ
ከም ዝነበራ መፅሓፍ ቅዱስ ይሕብር፡፡ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ትሕቲ መፅሓፈ መሳፍንቲ፣ ምዕራፍ 11 ካብ ቁፅሪ ሓደ ክሳብ 40 ዘሎ
ታሪክ ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል ብኸመይ ከም ዝጀመርኦ ይሕብር፡፡
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዮፍታሄ
ዝብሃል ወዲ ንጉስ ገልኣድ ነይሩ፡፡ንጉስ ገልዓድ ንዮፍታሄ ዝወለዶ ካብ ዘይሕጋዊት ሰበይቱ(መፅሓፉ ‹‹ጋለሞታ›› ይብላ) ስለዝነበረ
እቶም ካብ ሕጋዊት ሰበይቱ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኦም ንግስነት ክወርስ ከምዘይብሉ ነጊሮም ካብ ግዝኣቶም ይባርሩዎ፡፡ዳሕራይ፣
ኣሞናውያን ዝብሃሉ ፀላእቲ እስራኤል ይልዓሉ እሞ ንደቂ ንጉስ ገልኣድ ይስዕሩዎም፡፡ እዝሕሱም ስዕረት ዘጋጠሞም ሽማግለታት ጥንታዊት
እስራኤል፣ ሓቢሮም ድሕሪ ምምኻር ካብ ወራር ኣሞናውያን ዘድሕኖም እቲ ብጅግንነቱን ወታደራዊ ክእለቱን ዝፍለጥ ዮፍታሄ ጥራሕ ከምዝኾነ
ይስማዕመዑ እሞ ብተወከልቶም ኣቢሎም መፂኡ ንከድሕኖም ይምሕፀኑዎ፡፡እዚ ዝሰምዐ ዮፍታሄ፣ ቅደም ካብ ግዝኣትኹም ኣባሪርኹምኒ ኢኹም
ኣይመፅእን፤ናይ ግድን ክመፅእ እንድሕር ደሊኹምኒ ግን ንኣሞናውያን ምስ ስዓርኩዎም፣ መስፍንኹም ገይርኹም ንክትሾሙኒ ቃል እተውለይ
ይብሎም፡፡እቶም ሽማግለታት ድማ ነቲ ዝበሎ ንክፍፅሙሉ ድልዋት ምዃኖም ምሒሎም የረጋገፅሉ…ቃል ይኣትውሉ፡፡
የፍታሄ፣ በቲ ውዕሊ መሰረት
ናብ ግዝኣት እስራኤላውያን ተመሊሱ ምስ ፀለየ፣ ‹‹ንኣሞናውያን ኣብ ኢደይ እንድሕር ኣውዲቕካዮም፣ ደምሲሰዮም ካብቲ ኲናት እንትምለስ
እቲ ካብ ገዛ ቐዲሙ ብምውፃ ዝቕበለኒ እስራኤላዊ መስዋእቲ ክገብረልኻ እየ›› ኢሉ ንኣምላኸ እስራኤል ይመፃባዕ፡፡ኣምላኸ እስራኤል
ድማ ንኣሞናውያን ኣብ ኢድ ዮፍታሄ የውድቖም እሞ እቲ ኲናት ብዓወት ዮፍታሄ ይጠናቐቕ፡፡ ዮፍታሄ ንኣሞናውያን ከም ዝስዓረ ቀዲማ
ዝሰምዕት ብሕታዊት ጓሉ፣ ብታሕጓስ ሰኺራ ኸበሮ እናወቕዐት ብጉያ ናብ ኣቦኣ እናሃነነት ከይዳ ትሓቑፎ እንተብል፣ ብሕርቓን ክዳኑ
ቐዲዱ ዝሕንዝሕ እናበኸየ ትረኽቦ፡፡ እታ ካብ ባዕሉ ኣብሊፁ ዝፈትዋ እንኮ ጓሉ ተደናጊፃ ‹‹ኣያይ ታይ ኾይንኻ ድኣ ብሕሱም ሕርቓን
ትበኪ?›› ኢላ ትሓቶ፡፡የፍታሄ ድማ እቲ ንፈጣሪኡ ዝኣተዎ መፅብዓ ይነግራ እሞ ብሕታዊት ጓሉ ንፈጣሪኡ ንምስዋእ ቃል ምእታው ከምዘናሰሖን
ዘጨነቖን ይገልፀላ፡፡
ንሳ ድማ ‹‹እቲ ንኣምላኸ
እስራኤል ዝኣተውኻዮ ቃል ክትፍፅሞ ኣለካ፡፡ቅድሚኡ ግን፣ ንክልተ ኣዋርሕ ምስ ምሓዙተይ ኮይነ ኣብ ጎቦታት፣ጎልጎላትን ሜዳታትን
እስራኤል እናዘርኩ ንድንግልናይ ንክበክይ ፍቐደለይ›› ትብሎ፡፡ዮፍታሄ ዕማማ ፈፂማ ንክትምለስ ይፈቕደላ፡፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ
ንታ ድንግል ዝነበረት እንኮ ጓሉ ንኣምላኹ ሰዊኡዋ፡፡(መስዋእቲ ገይሩዋ እንትብሃል ቀቲልዋ ማለት ከይኮነስ ድንግል ኮይና ብብሕትውና
ንክትነብር ገይሩዋ ማለት እዩ ዝብሉ ሊቃውንቲ ኣለው፡፡) ድንግልና ኣዋልድ ኦሪታዊት እስራኤል ኣዝዩ ኽቡር ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡፡ጓል
ዮፍታሄ ምስ ተሰወአት፣ ኣዋልድ እስራኤል ንዓኣ ንምዝካር ኣብ ዓመት ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ምዓልትታት ፈቖዶ ጎቦታትን መይዳታትን
እናዘራ ምጭዋትን ምልቓስን ኣዘውቲረንኦ፡፡እቲ ጨዋታ ድማ ከም ልሙድ ባህሊ ኾይኑ ተሪፉ ይብለና…መፅሓፍ ቅዱስ፡፡
ነዚ ስዒቡ፣ እቲ ባህላዊ
ጨዋታ ድኣ ናብ ኢትዮጵያ ከመይ ገይሩ ተኣታቲው? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፡፡ሊቃውንቲ ሃገርና መልሲ ኣለዎም፡፡ታቦተ ፅዮን
ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅእ…ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን ናብ ኣክሱም መፂኦም ነይሮም ይብሉ፡፡ድሓር፣ እቶም
ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ተምቤንን ከባቢኡን ንክሰፍሩ ተገበረ፡፡ንሳቶም እዮም እምብኣር ንኣውርስን ነቲ ሐዚ ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ
ነሓሰ 21 ብተኸታታሊ ብዕሊ ዝኽበር ኣሸንዳን ዘተኣታተውዎ፡፡ እዚ ወቕቲ እዚይ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝኣረገትሉ እዩ ተባሂሉ
እውን ይእመን፡፡ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ ከምዚ ካብ ኾነ ኣከባብራኡ ኸ ከመይ ይመስል? ዝብል ቀፂልና እንርእዮ ይኸውን፡፡