Sunday, June 19, 2016

ክሕደት፣ ክድምና ወይስ በዓል-ራኢነት?

 ብ ዘፅኣት ኣናንያ (ሴቭ ዓድና)


ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ብሓደ ወገን ብዙሕ ርእሲ ዘይዓደሎ ይመስል፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ንገለ ከደምቲ ኣዐርዩ ብዘሕሞም መልክዑ እቲ ናይ ክድምና ባህሮምን ተግባሮምን ፀሓይ ክወቕዖ ስለዝገበረ “የዒስ!” ኢለዮ፤

ደሴታት ሓኒሽ፤

መንግስቲ ሸዓብያ ሀ ኢሉ በትረ-ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ እቲ መንግስቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወታደራዊ ጎብለል፣ እታ ዓዲ ድማ ናይ ኣፍሪካ Singapore ክገብር እየ ኢሉ ክብህግ እንተሎ (ደሓርስኳ ናብ country of singers and poor ለዊጡዎዋ) ዝተኣማመኖ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኢንተርፕርነርሺፕ፣ ወይ ካሊእ ሃሊዩዎ ኣይነበረን፤ እንታይ ድኣ ክድምናን ዕሽነትን መራሕቲ ህ.ወ.ሐ.ት መዝሚዙ “ኤርትራ ንበይንና፣ ኢትዮጵያ ንኽልቴና” ዝብል ካብ ገለ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተውሃቦ ቃል ኣሸዲኑዎ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ናይ ሃገራት መስርሕ ከም ድላዩ ክጉሕጉሕ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኮርፖሬሽን ኢሉ ዘጣየሾ ናይ ንግዲ ትካሉ ንቲ ቡናን ሰሊጥን ሃገርና ብስም ኤርትራ ብሕታዊ ኤክስፖርተር ኮይኑ ድላዩ ክገብር፤ ደስ እንትብሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ድላዩ ክኣስር ድላዩ ክቐትል፣ ብወደባት ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ሃፍቲ ንዋትን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ድማ ደስ ክብሎ ክወርስ፣ ብቓላት ንምግላፅ ዘፀግሙ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ (ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ) ከብፅሕ ዝገበሮ፣ ቀስ እናበለ ሓይሊ እናተሰምዖ ምስከደ ድማ ናብቲ ኩሉ ምድማይ ክንኣቱ ዝተገደድና ኩሉ ብሕመቕ፣ ስትራቴጂ-ኣልባነት መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት እዩ፡፡