Friday, May 20, 2016

ስርዓት ህወሓት፡ ነቓዕ ብርለ ይዕረ ዶስ ይእለ?





ብዙሓት ተጋሩ ህወሓት ክትልወጥ እትኽእል ብውሽጣዊ ቃልሲ እዩ ዝብል ኣባሃህላ እንትደጋግሙ ይዕዘብ፡፡‹‹ዘላቒ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይንኻ ብምቅላስ ጥራሕ እዩ›› ድማ ይብሉ፡፡
እዚ ኣባሃህላ እዝይ ካብ ሰለስተ መሰረታዊ መንቀሊታት ዝምንጭው እዩ፡፡

1. እንታይነት ህወሓት ነፂርኻ ካብ ዘይምፍላጥ

እንታይነት ህወሓት ነፂሮም ዘይፈልጡ ሰባት እታ ውድብ ውሽጣዊ ቃልሲታት ኣጋጢሞማ ዝፈልጡ ኣይመስሎምን፡፡ውሽጣዊ ቃልሲታት እንተነበሩ እውን እቶም ዝተሳዓሩ ሓይሊታት 100 ፐርሰንት ግጉያት ከም ዝነበሩ እዮም ዝኣምኑ፡፡ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፤ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ብኻሊእ ኣባሃህላ እቲ ዝተስዓረ ሓይሊ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፤ እቲ ሰዓራይ እውን ኩሉሻዕ ልክዕ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እቲ ህወሓት ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኢላ ብሓይሊ ዘቅሀመቶ ውሽጣዊ ቃልሲ ከም ኣብነት ንውሰዶ፡፡ ገብሩ ኣስራት እቲ ሽዓኡ ዝነበረ ውሽጣዊ ቃልሲ ሕቶ ዲሞክራሲ እምበር ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኣይነበረን ይብል፤ ‹‹ሉዓላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ›› ኣብ ዝብል መፅሓፉ፡፡ገብረ ገብረ ማርያም ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ደምፂ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ነዝይ ኣመልኪቱ ነቦይ ስብሓት ነጋ ሓቲትዎም ነይሩ፡፡ገብሩ ኣብዚኣ ትኽክል እዩ ኢሎም ካብ ዝኣመኑለን እንኮ ታሪኻዊ ስሕተታት ‹‹ኣውራጃዊነት›› እዩ፡፡

እቲ ግደይ ዘርኣ ፅዮንን መለስን ዝገበርዎ ክትዕ እውን እንተኾነ ብናይ ሓሳብ ልዕልነት ተመፂእና ናይ ግደይ ዝበለፀ ከም ዝነበረ ኢና እንርዳእ፡፡ብኸመይ? መለስ ፀረ ፕራግማቲዝም ኮይኑ ምስ ግደይ ተከራኺሩ፡፡ ዳሕራይ ግን ንባዕሉ ፕራግማቲስት ኮይኑ ዓሪፉ፡፡
ናብ 1993 ዓ.ም እንተመፂእና ድማ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት እቶም ዝተስዓሩ ትክክል ከም ዝነበሩ እዩ ዘመልክት፡፡እቲ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ‹‹The end justifies the means›› ወይ ከዓ ዝኾነ ይኹን ሜላ ተጠቂምካ ውልቃዊ ረብሓኻ ምስኻዕ ብዝብል ኣምር እዩ ሰዓራይ ኮይኑ እምበር ዝሐሸ ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮ ኣይኮነን፡፡

ህወሓት ናብ ክልተ ምስ ተገማምዐት እውን ‹‹ትሃድሶ›› ዝብሃል ሃልኪ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ግን ኸ ህወሓት ተሓዲሳ ዶስ ሃሲሳ? እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክንደያናይ ክፉእ ከም ዝኾነ ዘይርኣዮ ትግራዋይ ተሓዲሳ እምበር እዩ ክብል፡፡ልቢ ንዘለዎ ግን ናይ ሎሚ ህወሓት ሃሲሳ ጥራሕ ከይኮነትስ በሪሳ እውን እያ፡፡

እዚ ጥቅልል ኣቢልካ እንትረአ ህወሓት ብውሽጣዊ ቃልሲ ክትዕሪ ከም ዘይትኽእል የመላኽት፡፡ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ከም ዝኽእል ግን ርዱእ እዩ፡፡

ህወሓት ንምንታይ እያ ኣብ ውሽጣ ኮይንኻ ብዝግበር ቃልሲ ክትዕረይ ዘይትኽእል?