ታሪካዊ ኣመፃፅኣ
መብዛሕቲኡ ታሪኻውን
ባህላውን ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ዕብለላ ከም ዝነበረ ቅሉዕ ሓቂ እዩ፡፡ሃይማኖት ባህላዊ ያታን ታሪኽን ጥራሕ ዘይኾነስ ነቲ
ፖለቲካ እውን ይሕምብቦ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ፡፡ማሕበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን ፅዕንቶ ሃይማኖት ካብ ውድቐት ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ
ሃፀይ ሃይለስላሰ ንነዘ ብውሕዱ እኳ እናቀነሰ ይምፃእ እምበር ሐዚ እውን እንተኾነ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘይብሎም ብዓላትን ፅው ፅዋያትን
ምርካብ ዝክኣል ኣይመስለንን፡፡
ካብቶም ብሃይማኖታዊ ትሕዝቶ
ዝተቐነዩ ባህላዊ ብዓላትና ሓደ ኣሸንዳ እዩ፡፡ኣሸንዳ፣ ናብ ሃገርና ቅድሚ ምትእትታው ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል በቢዓመቱ የዘውትርኦ
ከም ዝነበራ መፅሓፍ ቅዱስ ይሕብር፡፡ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣብ ትሕቲ መፅሓፈ መሳፍንቲ፣ ምዕራፍ 11 ካብ ቁፅሪ ሓደ ክሳብ 40 ዘሎ
ታሪክ ኣዋልድ ጥንታዊት እስራኤል ብኸመይ ከም ዝጀመርኦ ይሕብር፡፡
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዮፍታሄ
ዝብሃል ወዲ ንጉስ ገልኣድ ነይሩ፡፡ንጉስ ገልዓድ ንዮፍታሄ ዝወለዶ ካብ ዘይሕጋዊት ሰበይቱ(መፅሓፉ ‹‹ጋለሞታ›› ይብላ) ስለዝነበረ
እቶም ካብ ሕጋዊት ሰበይቱ ዝተወለዱ ኣሕዋቱ ናይ ኣቦኦም ንግስነት ክወርስ ከምዘይብሉ ነጊሮም ካብ ግዝኣቶም ይባርሩዎ፡፡ዳሕራይ፣
ኣሞናውያን ዝብሃሉ ፀላእቲ እስራኤል ይልዓሉ እሞ ንደቂ ንጉስ ገልኣድ ይስዕሩዎም፡፡ እዝሕሱም ስዕረት ዘጋጠሞም ሽማግለታት ጥንታዊት
እስራኤል፣ ሓቢሮም ድሕሪ ምምኻር ካብ ወራር ኣሞናውያን ዘድሕኖም እቲ ብጅግንነቱን ወታደራዊ ክእለቱን ዝፍለጥ ዮፍታሄ ጥራሕ ከምዝኾነ
ይስማዕመዑ እሞ ብተወከልቶም ኣቢሎም መፂኡ ንከድሕኖም ይምሕፀኑዎ፡፡እዚ ዝሰምዐ ዮፍታሄ፣ ቅደም ካብ ግዝኣትኹም ኣባሪርኹምኒ ኢኹም
ኣይመፅእን፤ናይ ግድን ክመፅእ እንድሕር ደሊኹምኒ ግን ንኣሞናውያን ምስ ስዓርኩዎም፣ መስፍንኹም ገይርኹም ንክትሾሙኒ ቃል እተውለይ
ይብሎም፡፡እቶም ሽማግለታት ድማ ነቲ ዝበሎ ንክፍፅሙሉ ድልዋት ምዃኖም ምሒሎም የረጋገፅሉ…ቃል ይኣትውሉ፡፡
የፍታሄ፣ በቲ ውዕሊ መሰረት
ናብ ግዝኣት እስራኤላውያን ተመሊሱ ምስ ፀለየ፣ ‹‹ንኣሞናውያን ኣብ ኢደይ እንድሕር ኣውዲቕካዮም፣ ደምሲሰዮም ካብቲ ኲናት እንትምለስ
እቲ ካብ ገዛ ቐዲሙ ብምውፃ ዝቕበለኒ እስራኤላዊ መስዋእቲ ክገብረልኻ እየ›› ኢሉ ንኣምላኸ እስራኤል ይመፃባዕ፡፡ኣምላኸ እስራኤል
ድማ ንኣሞናውያን ኣብ ኢድ ዮፍታሄ የውድቖም እሞ እቲ ኲናት ብዓወት ዮፍታሄ ይጠናቐቕ፡፡ ዮፍታሄ ንኣሞናውያን ከም ዝስዓረ ቀዲማ
ዝሰምዕት ብሕታዊት ጓሉ፣ ብታሕጓስ ሰኺራ ኸበሮ እናወቕዐት ብጉያ ናብ ኣቦኣ እናሃነነት ከይዳ ትሓቑፎ እንተብል፣ ብሕርቓን ክዳኑ
ቐዲዱ ዝሕንዝሕ እናበኸየ ትረኽቦ፡፡ እታ ካብ ባዕሉ ኣብሊፁ ዝፈትዋ እንኮ ጓሉ ተደናጊፃ ‹‹ኣያይ ታይ ኾይንኻ ድኣ ብሕሱም ሕርቓን
ትበኪ?›› ኢላ ትሓቶ፡፡የፍታሄ ድማ እቲ ንፈጣሪኡ ዝኣተዎ መፅብዓ ይነግራ እሞ ብሕታዊት ጓሉ ንፈጣሪኡ ንምስዋእ ቃል ምእታው ከምዘናሰሖን
ዘጨነቖን ይገልፀላ፡፡
ንሳ ድማ ‹‹እቲ ንኣምላኸ
እስራኤል ዝኣተውኻዮ ቃል ክትፍፅሞ ኣለካ፡፡ቅድሚኡ ግን፣ ንክልተ ኣዋርሕ ምስ ምሓዙተይ ኮይነ ኣብ ጎቦታት፣ጎልጎላትን ሜዳታትን
እስራኤል እናዘርኩ ንድንግልናይ ንክበክይ ፍቐደለይ›› ትብሎ፡፡ዮፍታሄ ዕማማ ፈፂማ ንክትምለስ ይፈቕደላ፡፡ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ
ንታ ድንግል ዝነበረት እንኮ ጓሉ ንኣምላኹ ሰዊኡዋ፡፡(መስዋእቲ ገይሩዋ እንትብሃል ቀቲልዋ ማለት ከይኮነስ ድንግል ኮይና ብብሕትውና
ንክትነብር ገይሩዋ ማለት እዩ ዝብሉ ሊቃውንቲ ኣለው፡፡) ድንግልና ኣዋልድ ኦሪታዊት እስራኤል ኣዝዩ ኽቡር ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡፡ጓል
ዮፍታሄ ምስ ተሰወአት፣ ኣዋልድ እስራኤል ንዓኣ ንምዝካር ኣብ ዓመት ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ምዓልትታት ፈቖዶ ጎቦታትን መይዳታትን
እናዘራ ምጭዋትን ምልቓስን ኣዘውቲረንኦ፡፡እቲ ጨዋታ ድማ ከም ልሙድ ባህሊ ኾይኑ ተሪፉ ይብለና…መፅሓፍ ቅዱስ፡፡
ነዚ ስዒቡ፣ እቲ ባህላዊ
ጨዋታ ድኣ ናብ ኢትዮጵያ ከመይ ገይሩ ተኣታቲው? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፡፡ሊቃውንቲ ሃገርና መልሲ ኣለዎም፡፡ታቦተ ፅዮን
ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ እንትመፅእ…ዓሰርተ ክልተ ሽሕ ቤተ እስራኤላውያን ናብ ኣክሱም መፂኦም ነይሮም ይብሉ፡፡ድሓር፣ እቶም
ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ተምቤንን ከባቢኡን ንክሰፍሩ ተገበረ፡፡ንሳቶም እዮም እምብኣር ንኣውርስን ነቲ ሐዚ ካብ ነሓሰ 16 ክሳብ
ነሓሰ 21 ብተኸታታሊ ብዕሊ ዝኽበር ኣሸንዳን ዘተኣታተውዎ፡፡ እዚ ወቕቲ እዚይ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝኣረገትሉ እዩ ተባሂሉ
እውን ይእመን፡፡ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ኣሸንዳ ከምዚ ካብ ኾነ ኣከባብራኡ ኸ ከመይ ይመስል? ዝብል ቀፂልና እንርእዮ ይኸውን፡፡
ኣከባብራ ብዓል ኣሸንዳ
ብዓል ኣሸንዳ መበቆሉ ኣብ
ትግራይ፣ ብፍላይ ድማ ተምቤንን እንደርታን ኮይኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ከበሳታት ኤርትራ ክሳብ ወሰና ወሰን ክልል ኣምሓራ በድምቀት
እናተኸበረ ይርከብ፡፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሻደይ እናተብሃለ ዝይፅዋዕ እንትኾን ባህላዊ ትሕዝቶኡን ኣከባብራኡን ግን ኣፈላላይ የብሉን፡፡
በቲ ዝፀንሐ ባህሊ መሰረት
ኣብ ብዓል ኣሸንዳ ዝሳተፋ ኣዋልድ ደናግል እየን፡፡ እተን ኣዋልድ ጋመአንን ጭንጉዕተንን ይሰረሓ፡፡ጋመን ጭንጉዕትን መግለፂ ድንግልና
ስለዝኾነ፡፡ንምስላኡ እኳ ሓንቲ ጓል ጎባዕባዕ እናበለ ንዝብርጠጠላ ወዲ ‹‹ይጠንጥኖ እምበር፣ ጭንጉዕተይ ዶ ፈቲሐ እየ?›› እንተ
ድኣ ኢላ ‹‹ድንግልናይ ዶ ሰዲደ እየ›› ማለታ እያ፡፡ጓል ኣንእስተይቲ፣ ድንግል እንድሕር ኮይና ደላይ ኣይትስእንን እዩ ዝብሃል
እሞ፡፡
ቆልዓ ኣሸንዳ ብጣዕሚ ክቡርቲ
እያ…ልክዕ ከም ድንግል መርያም፡፡እተን ቆልዑ ብሓባር ደቂ ማርያም እየን ዝብሃላ፡፡ምሉእ ዘይጎደሎ ነፃነት ኣለወን፡፡ዕንፀይቲ እረይ፣
ማይ ኣምፅኢ፣ ብርሽን ፅፀይ፣ ፅብሒ ስርሒ፣ ማይ ኣሕፅቢ፣ድራር ኣቕርቢ ወዘተ. ኣይብሃለን፡፡ እቲ ኣብ እንግድዓአን ዝነበረ ሕትኹትኹ
ዕዮ ገዛ ገዲፈንኦ ናብ ኣሸንዳ ጨዋታ ጠንጢነንኦ ዕዝር ይብላ፡፡ኣበይ ውዒልኪ፣ ኣበይ ኣምሽኺ፣ ምስ መን እናበለ ዝጭቕጭቀን እውን
ኣይህልውን፡፡ካብ ቁፅፅርን ክትትልን ይናገፋ፡፡
ቆፅሊ ኣሸንዳ፣ ከከም ከባቢኡ
ዝተፈላለየ ክኾን ይኽእል፤ ኣብቲ ኣነ ዝዓበኹሉ ከባቢ ግን ክልተ
ዓይነት እዩ፡፡እቲ ሓደ ኣብ ጀቕጀቕ ዝቦቅልን ካብ ስሩ ፍሒርካ እንተውፅኦ ሽጉርቲ ዝመስልን(ሽንጉርቲ ዝብኢ ዝብሃል) ኣሸንዳ ዝብኢ
ይብሃል፡፡ ኣብ ከባቢና ቆሎዑ ኣሸንዳ
ኣይዓጥቅኦን፡፡
እቲ ቆሎዑ ኣሸንዳ ዝዓጥቅኦን
ካብ ስሩ ቦቂስካ ኣውፂእኻ ዝተጠቕለለ ስሩ እንትፈላለ ፃዕዳ ዝኸውን ግን ኣሸንዳ ስዬ ወይ ደማ ኣሸንዳ ማርያም ይብሃል፡፡ኣዝዩ ምዕሩግ፣ ኣብ ግድምታትን ጎቦታትን ዝቦቅል
ኮይኑ ዕንሽርሩ(ንዒ እሽርሩ) ዝብሃል ቀይሕ ዕምበባ የውፅእ፡፡ኣሸንዳ ዕምባቦ ዝብሃል ድማ ንሱ እዩ፡፡ ‹‹ውዕምባቦየ ኣሸንደ ዕምባቦ›› ማለት ኣቲ ውቅብቲ…መልክዐኛ
ከም ኣሸንዳ ዕምባቦ ንዒ( ውዕምባቦ…ንዒ ዕምባቦ) ማለት እዩ፡፡
ግጥምን ዜማን ኣሸንዳ መሰረቱ
ባህላዊ እዩ…ናይ ህዝቢ እዩ፤ ዝነበረ…ዘሎን ንቐፃሊ እውን ዝነብርን፡፡በዚ ኣጋጣሚ እቶም ገለ ገለ ደረፍቲ ‹‹ግጥምን ዜማን ወዲ
እከለ…ጓል እከለ›› እንትብሉ የግርሙለይ፡፡ህዝቢ ዝደረሶም ግጥምን ዜማታትን ከም ናይ ባዕልኻ ገይርኻ ምዝራብ ዘሕፍር ይመስለኒ፡፡ሕፍረት
ንዝፈልጡ፡፡
እቲ ባህላዊ በዓል ናይ ባዕሉ
ቅደም ሰዓብ ሓሊው ዝጉዓዝ ምዑዝ ጨዋታ እዩ፡፡ግጥምን ዜማኡን ግን ከከም ከባቢኡ ክፈላለ ይኽእል፡፡ዝኾነ ኾይኑ ግን፣ እቲ ጨዋታ
ኣጀማምራኡን መፈፀምታኡን ዝተፈላለየ እዩ፡፡ቆሎዑ ኣሸንዳ፣ እቲ ብዓል እንትቐርብ ፀጉረን ይስረሓ፣ ሳስላ ይኣትዋ፣ ዝተፈላለዩ መጋየፅታት
የዳልዋ ወይ እውን ይላበሳ፡፡ኣብ መዓልቲ ኣሸንዳ ድማ ተኳሒለን፣ ተጣሲመንን እቲ ኣለኒ ዝብልኦ ዝተመረፀ ኽዳንን ጫማን ይገብራ፡፡ፍሉይ
መልክዕን መዓርግን ይውንና፡፡ስለዝኾነ እዩ ድማ ‹‹ቆልዓ ኣሸንዳ ልትሓፀየ…ዓመት ትላፀየ›› ዝብሃል፡፡‹‹ቆልዓ ጥምቀት ልትሓፀየ…ዓመት
ትላፀየ›› እውን ይብሃል እዩ፡፡
ኣዋልድ ዓድና ከም ብዓል
ኣሸንዳ ዝፈትወኦን ብናፍቖት ዝፅበይኦን ባህላዊ ብዓል ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ኣብቲ ብዓል ዘስምዕኦ መወድስ ነዚ ሓቂ ዝገልፅ እዩ፡፡ኣብ
ንሓሰ 16 እተን ኣዋልድ ቤተ ክስርስትያን ስዒመን ምስተመለሳ…ንክተኣኻኸባን ሓቢረን ንክፃወታን ዘደፋፍኡ ግጥምታትን ዜማታትን የጋውሓ፡፡ወለደን
ንከጋይፅወን/ከመላኽዕወን ይምሕፀና...ኣሸንዳ ተመሊሳ ስለዝመፅአትለን ደስታአን ይገልፃ፡፡ምስተኣኻኸባ እታ መውፀኢት ‹‹የዓወስየይ ዶ የ›› እንትብል ‹‹የዓወስየ›› ኢለን ይቕበልኣ፡፡መሊሰን ድማ አተን ተቐበልቲ ‹‹ይዓወይስየይ ዶ የ›› ይብላ እሞ
እታ መውፀኢ ‹‹ይዓወይስየይ›› ኢላ ትቕበለን፡፡
ከምኡ እናበላ ድማ ይቕፅላ፡፡
የዓወስየይ ዶ የ…የዓወስየ
የዓወስየይ ዶ የ የጓልይ
ድየ
የዓወስየይ ዶ የ…የዓወስየ
የዓወስየይ ዶ የ የቖልዓይ
ድየ
የዓወስየይ ዶ የ…የዓወስየ
የዓወስየይ ዶ የ…ክፃወት
እየ
እናበላ ንከይፃወታ ዘሸግርወን
ወደሊ እንተህልው ሓሳቦም ንክቕይሩ ይምሕፀንኦም…ምሓዙተን ንክሰዱለን ይለምንኦም፡፡ናብቲ ፀዋታ ዘይተሓወሳ ኣዋልድ እንተሃሊወን እውን
ንክመፅኣ የተባብዐአን፡፡ዘይተኳሓላ እንተሃልየን ንክኩሓላ፣ ዘይተጋየፃ
እንተልየን ንክጋየፃ…ዕምበባ ንክመስላ ንንባዕለን ይመዓዐዳ፡፡
ዕንበባይ ዶ የ ዕንበባይ
ዶ የ
ኣውላድየ
ዕምበባይ ዶ
ዕንበብ ንዒ ላባይ ክበኪ
ዓለባይ
ኣውላድየ
ዕምበባይ ዶ
ኣሸንዳዋይ መፅአትየ
ሓሸው እናበለተየ
ኣሸንዳ ናዓሚየ ናዓሚየ
ተጋኒና ሎሚየ
ንእሽተይኩሕሊ በለላ
ኣሸንደዋይ ወለላ
ኣውላድ ስንፀባየ….ዕምበባ
ምሳላየ…ዕምበባ
ኣውላድ ስንፀባየ….ዕምበባ
ምሳላየ…ዕምበባ
ኣበባየ ርበባ…ኣበባየ ርበባ
ብኸምዚ እናዋዘያ ምስ ተመኻኸራን
ንንባዕለን ምሰ ኣበራታትዓን ድሒራ ዝመፅአት እንተሃልያ ብዝስዕብ ግጥሚ ተፃውተን፡፡
‹‹ኣሸንዳዋይ ዶ መሲልኒ…ረሲዐያ
ነይረ ይረስዐኒ
ኣሸንዳዋይ ዶ መሲልኒ…ረሲዐያ
ነይረ ይረስዐኒ››
እቲ ጨዋታ ብኸምዝይ ርግዕ ኢሉ ይጅምር እሞ እናዓምበረ ይኸይድ፡፡እተን ኣዋልድ ነቲ ጓይላ ብጣዕሚ ዘዐምብርኦ ‹‹ሻድዮ››
ወይ ድማ ‹‹ኣክትቲ›› እናበላ እንት ዘላ እዩ፡፡ኣብታ እዋን ቲኣ ኣዚሩወን ክሳብ ዝወድቓ እየን ዕብድ ዝብላ፡፡ኣጋውዝ ዓዲ እውን
ኣብ ማእኸለን ኣቲዎም ኻበሮ ብምውቃዕ ይሕግዝወን፡፡
ሻድዮ ኣበባየ ሻድዮ
ሻድዮ ኣበባየ ሻድዮ
ኣደዋኒ…ሻድዮ
ኩሓልኒ…ሻድዮ
ጣስምኒ…ሻድዮ
ቆንኒ…ሻድዮ
መሓዙተይ…ሻድዮ
ከይፀርፋኒ…ሻድዮ
ብዓል በቕሊ…ሻድዮ
ክሓድገኒ…ሻድዮ
በዓል ፈረስ…ሻድዮ
ክወስደኒ…ሻድዮ
ሻድዮ ኣበባየ ሻድዮ...ሻድዮ
ኣበባየ ሻድዮ
እዚ ምስበላ ብጣዕሚ
እንተደኺምወን ልብኻ ብዝበልዕ መስቆንቆናይ ጥዑም ድምፀን ከም ዝስዕብ ይብላ፡፡
‹‹ዓወይ ወለላኻየ …ዓወይ
ወለላኻ
ዓወይ ወለላኻየ…ኣሸንዳ ብቆልዓኻ››
‹‹ሻድዮ›› ምስ በላ
ብጣዕሚ ተዘይደኺመን ግን ናብ ‹‹ኣክትቲ›› የምርሓ፡፡ብኽልተ ኣእዳወን ፈለማ ደረተን ቀፂለን ድማ ሸለፈን እናወቕዓ ይዘላ፡፡
ኣክትቲ…ትቲ
ኣክትቲ…ትቲ
ኣደዋኒ…ትቲ
ኩሓልኒ…ትቲ
ጣስምኒ…ትቲ
ቆንኒ…ትቲ
መሓዙተይ…ትቲ
ከይፀርፋኒ…ትቲ
ብዓል በቕሊ…ትቲ
ክሓድገኒ…ትቲ
በዓል ፈረስ…ትቲ
ክወስደኒ…ትቲ
‹‹ሻድዮ›› ወይ
‹‹ኣክትቲ›› እናበላ ዘሊለን ዘሊለን ዕብድ ምስበላ ገለገሊአን እንትደኽማ ገለገሊአን ድማ ዘይክዓግባ ይኽእላ፡፡ ሽዕኡ፣ እተን
ዘይዝዓገባ…ብሳዓራይነት መንፈስ…
‹‹ኣሸንዳ ኣበባየ ኹለን ድየን…ሃመይ ልቑነናየ ኣነ በይነይ
ኣሸንዳ ኣበባየ ኹለን ድየን…ሃመይ ልቑነናየ ኣነ በይነይ››
እናበላ ሕምባጠአን ይቕፅላ፡፡ብቑናኖ፣
ብገይፃገይፂ፣ ብኽዳን ወዘተ. ብጣዕሚ ዘጥዐመላ ጓል ድኻም ኣይስመዓን እዩ ዝብሃል፡፡እተን ዝደኸማ ከፍ ምባል እንድሕር ጀሚረን
ድማ ከም ዝስዕብ እናበላ የበራታትዐአን፡፡
‹‹ክዐማዶ ኢለየን ነይረ
ከም ኣውዕርየ
ክጫወታ መሲልኒ ከም ናንውርየ››
ብጣዕሚ ማዕሪገንን መልኪዐንን
እንሃለዋ እንተኾይነን ዘዕነይንያ ዘለዋ ድማ
‹‹አዋሊደይ ታደልኽንየ ሓሸው
እናበለ ዙርያ ጋማኽንየ
አዋሊደይ ታደልኽንየ ሓሸው
እናበለ ዙርያ ጋማኽንየ››
እናበላ የደዓዕሰአን፡፡
‹‹ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ…ላዕላይ ሰማይ ዶ ኣሎ መይዳ
ኣዋልደየ ሎሚ ዕበዳ…ላዕላይ
ሰማይ ዶ ኣሎ መይዳ››
እናበላ እውን እቲ ኣብ
ኢደን ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ንከየምልጠለን ንንባዕለን ይምዓዐዳ፡፡
ቆሎዑ ኣሸንዳ፣ ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ትፅውት ምስ ቐነያ፣ ኣብ መገዲ ካብ ዘዝረኸብኦ
ይኹን ዓዲ ንዓዲ እናዘራ ሳንቲም የዋፅኣ፡፡ናብ ገዛውቲ እንተምርሓ ዝስዕብ ደርፊ እናደረፋ በሪ ንክኽፈተለን፣ ኣብቲ ገዛ ኸልቢ
እንተሃሊዩ ድማ ንክእሰረለን ይሓታ፡፡
‹‹ጎይታይ ኣጋፋሪ…ኽፈትይ
በሪ…ኣነማ ከይኹሪ
እዞም ዓዲ ኣንበሳ ደለዎምየ…ጉዝም በለ ኣብ ድሕሪ ገዘኦምየ››
እዞም ዓዲ ኣንበሳ ደለዎምየ…ጉዝም በለ ኣብ ድሕሪ ገዘኦምየ››
በሪ ተኸፊትለን ምስ ኣተዋ ድማ
‹‹ኣቲ እምበይተይ ፀሓይ…መፂአለኹ እዛ መፅበዓይየ››
ኢለን ብምውዳስ ንባዓልቲ ገዛ የፍልጥኣ፡፡
‹‹ስባር ኻበሮየ…ንሳ ያ እያ ርእሲ ኹምባሮ
ፅሓይ ገፃ ወርቂ መውፃ…ይብላኺ ኣለዋየ››
እናበላ ድማ የወድስኣ፡፡እታ
ብዓልቲ ገዛ ዋላ ኣምስ ሳንቲም እንተሂባተን
‹‹ፈሰሰ…ሃም ማይ ነሓሰ
ፈሰሰ…ሃም ማይ ነሓሰ››
እናበላ ክዘላ ይፀንሓ እሞ
‹‹እሰነስ ለምለም እየን…ኣኸዛየ
ፈቲተን ዘብልዓኻ…ሃምብዋዛ
መኾምብያ ለይለይየ ክብረት
ይሃበለይ››
ኢለን ይሰናበትኣ…ቆልዑ
ኣሸንዳ ንኢስና ኢለን ኣይፃለኣን፡፡ ዝተውሃብኦ ተቐቢለን…ኣመስጊነን…ፅፅቡቑ ተመንየን ይኸዳ፡፡ሎሚ ሎሚ እኳ ገለ ገሊአን ሸቐጥ ይምስልኦ ኣለዋ ይብሃል፡፡ትሕቲ
ቕርሺ ኣይንቕበልን ዶ ታይዶ ዝብላ ከም ዘለዋ ይስማዕ፡፡
እንተ ደንጉያተን ግን
‹‹ሃባናይዶ የ…ሃባናይዶ…ምሃብዶ ነውሪ እዩ›› ኢለን ይምሕፀንኣ፡፡
እታ ሰበይቲ ንካልኦት
ሂባ ንዐአን ድሕር ዘይሂባተን ድማ
‹‹ኩሉና ኣዋልድ ኢና…አሆ…ኣይተዳልዋና
ኩሉና ኣዋልድ ኢና…አሆ…ኣይተዳልዋና››
እናበላ ይምዕድኣ፡፡
እዝ ኹሉ ተባሂላ ኣይቕንጠብን(ኣይህብን)
ንዝበለት ሰበይቲ ንዓኣ ኣይግበርኻ እዩ ዘብል፤ጉዳ ክትወፅእ ዝደለየት ጥራሕ እያ፡፡ካብ ፅፍሪ እግራ ክሳብ ፀጉሪ ርእሳ እውርድ
የብልኣ፡፡
‹‹ወይዛ ገጣጢት ሽሮ…ረሲዓቶ
ድሮ
ወይዛ ገጣጢት ሽሮ…ረሲዓቶ
ድሮ
እንጣጢዕ ቡቕላ…ማይሰዋኣየ
እንጣጢዕ ቡቕላ…ማይሰዋኣየ
እፉፈየ…ትጨንላ ሂበይየ
እፉፍ በላ…ትጨንላ ዲባላ
ዓመት ዓቊራታየ…ኣምስ
ሓሪማታ
ዓመት ዓቊራታየ…ኣምስ
ሓሪማታ››
እቲ ውዳሰን ናእዳን
ንወዲ ተባዕታይ እውን ተመሳሳሊ እዩ፡፡ብልግስናኦም ዝፍለጡ ይውደሱ…ኣምስ ንዘይትነጥቦም ጠማዓት ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብፀርፊ
ልሕፅ የብልኦም፡፡
እተን ኣዋልድ ነቲ ወዲ
‹‹ሰለላ ቑመትየ ሰለላ
ቑመትየ…ሽሉም ውዒላቶ ኪዳምህረት
ወርቂ ሰዓቱ…ወርቂ ስዓቱ…ስየ
ቑመቱ
ፀሓይ ገፁ ወርቂ መውፁ
ይብላኻ ኣለዋየ
ቃቁሞ ገረብየ…ቃቁሞ ገረብ
ኣያጎይታይ መዓረይ…መዓር
ዘረብረብ›› እናበላ ከወድስኦ ይፀንሓ እሞ
ተሎ እንተሂብወን ይዕበይ ይንኣስ ብዘየገድስ
‹‹ፈሰሰ…ከም ማይ ነሓሰ
‹‹ፈሰሰ …ከም ማይ
ነሓሰ›› እናበላ ይዘላ፡፡ቀፂለን ድማ
‹‹ንሶምስ ሃቦ እዮም
ዝብሉ…ስጠው እዮም›› ኢለን የመስግንኦ፡፡እናዕነይነየ እንድሕር ኣይህብን ኢልወን ድማ፡-
‹‹ተለቀሐለይ እባ…ተለቀሐለይ
እባ
ካበይየ
ካብ ጁባ
ተለቀሐለይ እባ›› እናበላ
ይላበውኦ፡፡
ጥሒስወን ንክሓልፍ ንዝፍትን
ወዲ
‹‹ኣበባየ ኽበባ….ኣበባየ
ርበባ
ሓዛለይ ሓዛለየ…ከይትሰዳለይ››
እናበላ ምሕላፍ ይኻልእኦ፡፡
ሓሓሊፉ ክዋቓዕ ንዝፍትን
‹‹ኣሸንዳ ኣሸንዳ ዓደይ
ብወራውር ዶ…ተሰብረኒ
ኢደይ›› ኢለን ይደርፋሉ፡፡ብመሰረቱ ግን ንቖልዓ ኣሸንዳ ምውቓዕ ነውሪ እዩ፡፡
ክንድዘይ ዝኣክል ትወዲሱ፣ትሞጊሱን
ትለምኑን እምብይ ንዝበለ ግን ምሱ ፀርፊ እዩ፡፡ዘየዳግም ፀርፊ፡፡
‹‹ዓመት ዓቊራቶየ…ኣምስ
ሓሪማቶ
ካራ እግሩ…ሽተል መዓኮሩ
ኸደ ኸደ…ድሙ ሰሪሩ
እፉፍ በላ…ይጨንሎ ዲባላ
እፉፈየ… ይጨንሎ ሂበየ
እግሪ ቀራቅሮ ሳርባ ኩኩናይየ
ፀጉሪ ላንጭላንጮ ጉተና ሂበይየ
ኣይትረኣየኒ ዶ የብሎኹኳይየ››
ብዓል ኣሸንዳ እንተበዝሐ
ካብ ሓደ ሰሙን ንላዕሊ ኣይቕፅልን፡፡ጨዋታ ኣሸንዳ ምስ ተወደአ እተን
ሙሉእ ነፃነተን ዓቲረን ከም ድላየን ክዘላ ዝቐነያ ኣዋልድ ናብ ልሙድ ናብራአን ክምለሳ ግድን ይኸውን፡፡ነዚ ተፈጥራዊ ዑደት ንምቕባል
ዝሕርብተን ኣዋልድ ኣሸንዳ…ብዓል ኣሸንዳ ገዲፋተን ከይትኸይ ይልምንኣ፡፡
‹‹ኣቦይ ቀሺየ ዳንዩና…ዕምበብ
ከይዳ ዓዳ ስኣንዋና
ኣቦይ ቀሺየ ዳንዩና…ዕምበብ
ከይዳ ዓዳ ስኣንዋና››
እናበላ ድማ ገዲፋተን
ንከይትኸይድ ባቦይ ቀሺ ይማልድኣ፡፡ይኹን
እምበር፣ ተፈጥራዊ ዑደት እዩ እሞ ኣቦይ ቐሺ ዳንዮም ክዳንይወን ኣይኽእሉን፡፡
‹‹እዛ ዕምበብ ኸደትየ...ሓሸው
እናበለትየ…ከም ብዋዛ
እዛ ዕምበብ ኸደትየ...ሓሸው
እናበለትየ…ከም ብዋዛ›› እናበላ ናብ ዝኾነ ሩዋ የምርሓ እሞ ነቲ ሩባ ሓቢረን እናተሻገራ
‹‹ኣሸንዳዋይ ኸደትየ
ገረብ ተሻገረትየ››
ኢለን ይስንይኣ፡፡ሽዓኡ፣ ኣጋውዝ ዓዲ እንተመፂኦም ነቲ ዓጢቐንኦ ዝቐነያ ኣሸንዳ ንምንጫይ ድድሕሪአን እናስዓቡ የጓይዩወን፡፡ብኡ
ኣቢሎም እውን ኣብ ዓይኖም ንዝኣተወት ጓል ንምሽዃር(ምሕካይ) ይፍትኑ፡፡ ኣወዳት መፂኦም እንድሕር ነቲ ዝዓጠቕኦ ኣሸንዳ ዘይመንጭትዎ
ግን ንንባዕለን ይናጨያ፡፡‹‹ውዕርጊፍ ከም ማይ ርግፍ›› እናበላ የርግፍኦ፡፡(ህፃን እናሃለኹ ኣሸንዳ ዝኾነት መልክዐኛ…ከም ኣደ
ርህሩህቲን ትፈታዊትን ሰበይቲ ትመስለኒ ነይራ፡፡እተን ኣዋልድ ድምፀን ስቑንቑን ስለዝብል እታ ሰበይቲ ዝኾነ ሓደጋ ዝበፅሓ መሲሉ
ስለዝስመዓኒ ይበክይ ነይረ)
እታ ብሃንቀውታን ብልዑል
ደስታን ዝተቐብልኣ ኣሸንዳ፣ ይጥዓም ይምረር ክሳብ ዝቕፅል ዓመት ክሰናበትአ ኣለወን፡፡ንዓመታ፣ ዕድመ ልክዕን ተፀብየን ዝበፅሕኣ
ኣይመስለንን፡፡ኣዝዩ ይርሕቐን፡፡ ገለ ገሊአን ድማ ሕፁያትን ንዓቕመ ሂዋን ዝበፅሓን ስለዝኾና እታ ናይ ሎሚ ኣሸንዳ ናይ መወዳእታአን
ክትኾን ትኽእል…ኣብቲ ዝቕፅል ጥሪ ተመርዒወን ሓዳር ክገብራ ስለዝኽእላ፡፡ብኣውራኡ እውን ኣብ መንጎኡ ታይ ከም ዘጋጥም ኣይፍለጥ
እሞ ልበን ሕብትብት እናበለን…ብንብዓት እየን ዝፈለይኣ፡፡ሰናይ ትምኒተን ክገልፃ ግን ባህሪያዊ እዩ፡፡
‹‹ልዓመታ ኸ ትመፅኣዲኽን
እወ ንመፅኢና
ብሓጎስ የፅንሐና›› ኢለን
ተሓቋቊፈን እናተሰዓዐማ ብንብዓት ይፈላለያ፡፡ነቲ ዝኣከብኦ ቅርሺ ግን ንሓሰ 21 (ንጉሆ) እየን ነቲ ኣብ ቐረባአን ዘሎ ቤተ ክርስትያን
ዘረክብኦ፡፡ ቅደም ከምኡ እየን ዝገብራ ነይረን ሎሚ ግን እንድዒ፡፡
ሰናይ በዓል ኣሸንዳ…ሰናይ
ኽራማት!!!
Amusing, Thank You Asfaw
ReplyDeleteኮሪዐልካ ኣስፋው ሓወይ ከም ኩሉ ጊዜ። ይበል ፅሑፍ!
ReplyDelete