Friday, May 20, 2016

ስርዓት ህወሓት፡ ነቓዕ ብርለ ይዕረ ዶስ ይእለ?





ብዙሓት ተጋሩ ህወሓት ክትልወጥ እትኽእል ብውሽጣዊ ቃልሲ እዩ ዝብል ኣባሃህላ እንትደጋግሙ ይዕዘብ፡፡‹‹ዘላቒ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ህወሓት ኮይንኻ ብምቅላስ ጥራሕ እዩ›› ድማ ይብሉ፡፡
እዚ ኣባሃህላ እዝይ ካብ ሰለስተ መሰረታዊ መንቀሊታት ዝምንጭው እዩ፡፡

1. እንታይነት ህወሓት ነፂርኻ ካብ ዘይምፍላጥ

እንታይነት ህወሓት ነፂሮም ዘይፈልጡ ሰባት እታ ውድብ ውሽጣዊ ቃልሲታት ኣጋጢሞማ ዝፈልጡ ኣይመስሎምን፡፡ውሽጣዊ ቃልሲታት እንተነበሩ እውን እቶም ዝተሳዓሩ ሓይሊታት 100 ፐርሰንት ግጉያት ከም ዝነበሩ እዮም ዝኣምኑ፡፡ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ፤ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ብኻሊእ ኣባሃህላ እቲ ዝተስዓረ ሓይሊ ምኢቲ ምኢታዊ ግጉይ ክኾን ኣይኽእልን፤ እቲ ሰዓራይ እውን ኩሉሻዕ ልክዕ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እቲ ህወሓት ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኢላ ብሓይሊ ዘቅሀመቶ ውሽጣዊ ቃልሲ ከም ኣብነት ንውሰዶ፡፡ ገብሩ ኣስራት እቲ ሽዓኡ ዝነበረ ውሽጣዊ ቃልሲ ሕቶ ዲሞክራሲ እምበር ‹‹ኣውራጃዊነት›› ኣይነበረን ይብል፤ ‹‹ሉዓላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ›› ኣብ ዝብል መፅሓፉ፡፡ገብረ ገብረ ማርያም ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ደምፂ ኣሜሪካ መደብ ትግርኛ ነዝይ ኣመልኪቱ ነቦይ ስብሓት ነጋ ሓቲትዎም ነይሩ፡፡ገብሩ ኣብዚኣ ትኽክል እዩ ኢሎም ካብ ዝኣመኑለን እንኮ ታሪኻዊ ስሕተታት ‹‹ኣውራጃዊነት›› እዩ፡፡

እቲ ግደይ ዘርኣ ፅዮንን መለስን ዝገበርዎ ክትዕ እውን እንተኾነ ብናይ ሓሳብ ልዕልነት ተመፂእና ናይ ግደይ ዝበለፀ ከም ዝነበረ ኢና እንርዳእ፡፡ብኸመይ? መለስ ፀረ ፕራግማቲዝም ኮይኑ ምስ ግደይ ተከራኺሩ፡፡ ዳሕራይ ግን ንባዕሉ ፕራግማቲስት ኮይኑ ዓሪፉ፡፡
ናብ 1993 ዓ.ም እንተመፂእና ድማ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት እቶም ዝተስዓሩ ትክክል ከም ዝነበሩ እዩ ዘመልክት፡፡እቲ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ‹‹The end justifies the means›› ወይ ከዓ ዝኾነ ይኹን ሜላ ተጠቂምካ ውልቃዊ ረብሓኻ ምስኻዕ ብዝብል ኣምር እዩ ሰዓራይ ኮይኑ እምበር ዝሐሸ ኣተሓሳስባ ስለዝነበሮ ኣይኮነን፡፡

ህወሓት ናብ ክልተ ምስ ተገማምዐት እውን ‹‹ትሃድሶ›› ዝብሃል ሃልኪ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ፡፡ግን ኸ ህወሓት ተሓዲሳ ዶስ ሃሲሳ? እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ክንደያናይ ክፉእ ከም ዝኾነ ዘይርኣዮ ትግራዋይ ተሓዲሳ እምበር እዩ ክብል፡፡ልቢ ንዘለዎ ግን ናይ ሎሚ ህወሓት ሃሲሳ ጥራሕ ከይኮነትስ በሪሳ እውን እያ፡፡

እዚ ጥቅልል ኣቢልካ እንትረአ ህወሓት ብውሽጣዊ ቃልሲ ክትዕሪ ከም ዘይትኽእል የመላኽት፡፡ንምንታይ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ከም ዝኽእል ግን ርዱእ እዩ፡፡

ህወሓት ንምንታይ እያ ኣብ ውሽጣ ኮይንኻ ብዝግበር ቃልሲ ክትዕረይ ዘይትኽእል?


ነዚ ሕቶ እዝይ ቅድሚ ምምላስና እንታይነት ህወሓት ክንፈልጥ ኣለና፡፡እንታይነት ህወሓት ንምፍላጥ ታሪኽን ህልዊ ኩነታትን ህወሓት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡በመንፅር ታሪኽ እንተመፂእና ‹‹ህወሓት ካብ ስሕተታ እንተማሃረት ዝመፅአት ውድብ እያ›› ዝብልዎ ወግዒ ሓሰት ከም ዝነበረ ከም ዝኾነን እቶም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ኣብነታት ብምርኣይ ምርግጋፅ ይክኣል፡፡ብተወሳኺ ግን ሓደ ማንም ዘይክሕዶ ሓቂ ኣሎ፡፡

ዝኾነ ይኹን ለውጢ ካብ ኣገደስቲ ሕቶታት ይብገስ፡፡እንተንኣሰ ከመይ ነይርና፣ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣለና፣ ቀፃሊ ጉዕዞና ኸ ከመይ ይመስል ዝብሉ ሕቶታት ምሕታት፣ብዘይንሕስያ ምክታዕን ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ምዕሳልን ውሕስና ንዘለዎ ለውጢ ወሰንቲ እዮም፡፡ ሕቶ ብዝብሃል ፍቱን መሳረሒ ተጠቒምካ ታሪኽ ፈቲሽኻ፣ ህልዊ ኩነታት ኣፅኒዕኻን መፃኢ ዕድልኻ ምትንባይ ናይ ምሁራት ቀንዲ ውራይ እዩ፡፡ከምዝይ ዓይነት ኣገባብ ጭቡጥ መረዳእታ ብምዕታር ርትዓውን ወድዓውን ሓቂታት ንክተለለይ ይሕግዝ፡፡ምሁራት ካብዝይ ተላዒሎም እዮም ዝውስኑ፡፡

ስለዝይ ካብ ስሕተቱ ክምሃር ዝኽእል ውድብ ዝተምሃረ ሰብ ኣይፀልእን፡፡ ህወሓት ግን ይትረፍ ክትምሃርስ ‹‹ምሁር ተወላዋላይ›› ብዝብል ግቱርን ድንዙዝን መርገፂ እያ ኣብ ልዕሊ ምሁራን ዘለዋ ፅእልኣት ዝተንፀባርቕ፡፡ምሁር ተዋላዋላይ ማለት ምሽጥር ኣይኮነን፡፡ብዓይኒ ምሁራን ኩሉ ሰብ ሓንቲ ዓይነት መነፅር ክገብር ኣይኽእልን፤ ማዕረ ቁፅሪ ጫማ ክዓጥቕ ኣይኽእልን፤ መራሒ እንትሕንክስ ኩሉ ተመራሓይ ክሕንክስ የብሉን፡፡ ምሁራን መራሒ እንትሕንክስ ንምንታይ ኢኻ ትሕንክስ ዘለኻ? ኢሎም ስለ ዝሓቱ እዮም ‹‹ተወላወልቲ›› ተባሂሎም ዝተወቅዑን ዝውቀዑ ዘለውን፡፡

መረሕቲ ዕርቃኖም ናብ ህዝቢ እንትቀርቡ ምሁራን ‹‹ኣንታ ንምንታይ ኢኹም ኽዳን ዘይትገብሩ?›› ኢሎም ይሓቱ፡፡ዘይተምሃረ(ዘይነቅሐ) ግን መራሕቲ ዕርቃኖም ደልፈፅ እናበሉ ናብ ህዝቢ እንትቀርቡ እናራኣዩ የዕልሉ፤ እተን ዝሸምደድወን ጭርሖታት እናጨረሑ ከም መራሒኦም ጥራሕ ዝባኖም ደልፈፅ ይብሉ፡፡ናይቲ መራሒ ኣተሓናካክሳ ከም ዘላታ ንምቁባይ ይወዳደሩ፡፡ መራሒ ከብዱ ነፊሕዎ ፀፀኒሑ እንትጎስዕን እንትጠርጥን ‹‹ዓወት ንሓፋሽ›› ኢሎም ይጭርሑ እምበር እቲ መራሒ ናይ ሓኪም ምኽሪ ከም ዘድልዮ ኣይሕብሩን፡፡የግዳስ ኣብ ጥራይ ከብዶም ክጎስዑ ይፍትኑ፤ ብሓይሊ ዒሕሕሕ ኢሎም ይጠርጡ፡፡ መራሒኦም ገደል እንተኣተወ እውን ገደል ይኣትው፡፡ህወሓት ከምዚይ ዓይነት ተኸተልቲ ኣብ ምፍራይ ምኢቲ ብምኢቲ ተሳኺዕላ ኣሎ፡፡

ነዝይ እዩ ድማ ኣብ እንዳ ህወሓት ቀጢን ይኹን ረጒድ፣ ነዊሕ ይኹን ሓፂር ብዘያገድስ መነፀሩ ይኹን ቁፅሪ ጫማኡ፣ ኣከያይዳኡ ይኹን ኣዘራርባኡ፣ ኣኮላልሳኡ ይኹን ኣበላልዓኡ፣ ኣሰታትያኡ ይኹን ኣሸያይናኡ ኮታስ ኩለ ነገሩ ንመራሒኡ ዝመስል ካድረ ሃገር እንተጥፈአ እውን ዘይባረረሉ ምኽንያት፡፡ክንዲ ድላዩ ረጣጥ፣ ድንዙዝ፣ ዕቡይ፣ ብዓለገ፣ ፀረ ህዝቢ ይኹን እንተበዝሐ ናብ ካሊእ ከባቢ ወሲድኻ ይሽየም እምበር ኣይባረርን እዩ፡፡

እዙይ እንታይ ዓይነት ስርዓት ይወልድ? ቀፂልና እንርእዮ ይኸውን፡፡

2. እንታይነት ስርዓት ህወሓት ፈሊኻ ካብ ዘይምፍላጥ

ብዙሓት የዋሃት ተጋሩ ስርዓት ህወሓት ብቅኑዕን ህዝባዊን መስመር ዝምራሕ ፍትሓዊ፣ ርትዓዊን ካብ ስሕተታቱ እናተመሃረ ንቕድሚት ዝስጉም ዘመናዊ ስርዓት እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡፡እቲ ዝገርም ካብ ልቦም እዮም ከምኡ ዝብሉ፡፡ገሊኦም ‹‹ህወሓት ታቦት ክቅረፀሉ ዝግባእ ውድብ እዩ›› ኢሎም ይኣምኑ፡፡ ገሊኦም ድማ ከም ሃገሮም ኣብቲ ስርዓት ዘለዉ ፀገማት እናዘርዘሩ የንፀርፅሩ እሞ መሊሶም ከዓ ‹‹ህወሓት መዓረይ፣ እምበይተይ፣ ጎተይተይ፣ ታይ ዶ ኾነይ›› እናበሉ ነቲ ስርዓት ከም ሕንጣይ ከቀባጥርዎ ትዕዘብ፡፡

ሙስና (ብዕልግና) ዝፈጠረ ስርዓት ከመይ ገይሩ እዩ ኣንፃር ብዕልግና ጠጠው ክብል ዝኽእል? ብስሩኸ ይክኣል ዶ? ባዕሉ ንዝምክሐሉ ስርዓት ዘይግዛእ ስርዓት ከመይ ገይሩ እዩ ንጠለባት ህዝቢ ቅኑዕ መልሲ ክህብ ዝኽእል? ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቸቸ እናበለ ዝስዕስዕ ስርዓት ከመይ ገይሩ እዩ ብውሽጣዊ ቃልሲ ክዕረይ ዝኽእል?

ስርዓት ህወሓት ባሕሪ እዩ፤ ዝበስበሰ፣ ዝጨነወ፣ ዝዓስወ ሮጉሮግ ባሕሪ፡፡መረሕትን ካድረታትን ህወሓት ኣብቲ ባሕሪ ጣንዮም ውፅኢ ነብሲ እተዊ ነብሲ እናዕገርገሩ ይርከቡ፡፡ሓመሳ ኣይኽእሉን እዮም፤ ምሕማስ ዝኽእል ሰብ ከዓ ከም ፀላኢኦም ይርእይዎ፡፡ንዐኦም ካብቲ ባሕሪ ከውፅኦም ዝኽእል፡

ፈለማ ንፉዕ ሓማሳይ ክኾን ኣለዎ፡፡ ቀፂሉ ድማ ኣብ ባሕሪ ዝጠለቐ ሰብ ቅድሚ ሙማቱ ክወስዶም ዝኽእል ደመ ነብሳዊ ስጉምቲታት ነፂሩ ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ፡፡ሓደ ዓብዪ ፀገም ግን ኣሎ፤ ስርዓት ህወሓት ባሕሪ ጥራይ ኣይኮነን…ከም ዋልካ ኣጣቢቑ ሒዙ ዘይሰድድ ሮጉሮግ እዩ፡፡ስለዝይ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ሓመሳ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ኣይኮነን፡፡ናብቲ ሮጉሮግ ዝኣተወ ኹሉ ኣቡ ተረግሪጉ እዩ ዝተርፍ፡፡ዝገበረ ገይሩ ካብቲ ሮግሮግ ዝወፅአ እውን እንተኾነ ክትርእዮ ንዓቐብ ዘብል፣ ኣፍንጫ ዝቖርፅ ጠምባው ጨና፣ ዝዓሰወን ዝበስበሰን ስብእና ሒዙ እዩ ዝወፅእ፡፡

ናብ ንውር ስብእና ክምልስ ዝኽል ፈለማ ኣብቲ መካይን ዝሕፀባሉ ወሲድኻ ክሕፀብ ኣለዎ፡፡ካብኡ መን ምዃኑ ምስ ፈለጥኻ ድማ ኣብ እንዳ ጎሚስታ ወሲድኻ ዝተንፈሰ ኣካሉ ይንፋሕ፣ ናብ ጋራዥ ወሲድካ ድማ ዝጎደሉን ዝጎበጡን ኣካላቱ ክዕርዩ ይግበር፡፡ድሕሪኡ እዩ ከም ሰብ ጠጠው ክብል ዝኽእል፡፡ብሓፈሻ እቲ ኣብ ስቪል ሰርቪስ ይኹን መወዳእታ ብዘይብሎም ኣኸባታት ናብ ድርዕቶ ዝተቀየረ ኣተሓሳስባኡ ደርብዩ ናብ ንውር ስብእና ክምለስ ይግበር ማለት እዩ፡፡

እምበኣር ከስ ናብ ህወሓት ኣቲወኻ ንህወሓት ምዕራይ ማለት ናብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ምእታው ማለት እዩ፡፡ከምዝይ ዓይነት መርገፂ ዘለዎም ሰባት ዝጨነው፣ ዝዓሰው፣ ብደዎም ዝበድበዱ ስለዝኾኑ ካብቲ ዘለውዎ ኩነታት ዝሐሸ ነገር ኣሎ ኢሎም ኣይኣምኑን፡፡ብስሩ እውን ብደዎም ከም ዝጨነው ዘይክፈልጡ ይኽእሉ፡፡ስለዝይ እቲ ፀገም ኣብኣቶም ከይኮነስ እቲ ህዝቢ እዩ ዘሎ ኢሎም ይኣምኑ ማለት እዩ፡፡ብምዃኑ ድማ ኩሉ ሰብ ንዐኦም ክመስል ኣለዎ፤ እንኮ መርገፂኦም እዩ፡፡
ግን ንምንታይ እዮም ከምኡ ዝብሉ ዘለው?

3. ህዝቢ ትግራይ ብዘይካ ህወሓት ክነብር ኣይኽእልን ካብ ዝብል ግጉይ ኣመለኻኽታ

ህወሓት መሓዛ ደርጊ፤ ምንኣስ ሻዕብያ እያ፡፡በዚ ምኽንያት እያ ክዓ ውድቀታ ይኹን ዓወታ ምስ ደርግን ሻዕብያን እናነፃፀረት ትነብር ዘላ፡፡ኣብ ስርዓት ደርጊ ክስቶ ወዲ ክስቶ ኣይነበረን…ሐዚ ግን ክስቶ ወዲ ክስቶ ኣሎ፤ ኣርባዕተ ነጥቢ፡፡ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ዘጋታቱ ከምዙይ ክንድዙይን ግፍዒታት ይፍፅም ኣሎ፤ ሕገ መንግስቲ የብሉን፣ መረፃ ኣይፈቅድን፣ ሰላማዊ ተቃውሞ ኣይፈቅድን ወዘተ. ወዘተ. ስለዚይ፣ መስመር ህወሓት ቅኑዕን ፍትሓውን እዩ፤ ጨብጨብጨብ፡፡

ድሕሪ እዙይ ከምቲ ወዲ ኣፎም ‹‹ካብ ባድመ ምውፃእ ማለት፣ ዝዓረበት ፅሓይ መሊሳ ኣይትበርቅን ማለት እዩ›› ዝበሎ ‹‹ሞትን ሕየትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቀፃልነት ህወሓት ዝተመስረተ እዩ›› ይብሉ፡፡እዚይ እንተኾይኑ ድማ ዋላ ሽሕ ዓመት ይውሰድ ንህወሓት ደሪዕኻ ደራሪዕኻ ካብ ምቕፃል ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የለን ማለት እዩ፡፡ልቢ ንዘለዎ፣ ካብ ሕለፉ ተመኩሮኡ ክምሃር ንዝኽእል ርብዒ ክፍለ ዘመን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ብዘይካ መንገዲ ህወሓት ኩሉ መንገዲ ጥፋእትን ዕንወትን እዩ ኢሉ ንዝኣምን ግን ይትረፍ 25 ዓመት 25 ክፍለ ዘመን እውን እኹል ኣይኮነን፡፡

እቲ ዘይክሓድ ሓቂ ግን፣ ንህወሓት ህዝቢ ትግራይ ወሊድዋ፣ ሓብሒቡ ኣዕቢዩዋ፣ ኣብ ንውር ኣብፂሑዋ፡፡ይኹን እምበር ፅቡቕ ኣይፈደየቶን፡፡ሕሉፍ ሓሊፋ ነቲ ህልውን ወድዓውን ሓቂ ገልቢጣ ወላዲኻ ኣነ፣ መዕበይኻ ኣነ፣ ዋሕስ ቀፃልነትኻ እውን ኣነ እየ እሞ ክተምልኸኒ ኣለካ እናበለት ትሰብኾላ፡፡እቶም ብሽም ህወሓት ምሒሎምን ጥሒሎምን ዝመነኑ ካድረታትን ደገፍትን ድማ ብሓንቲ ድምፂ ‹‹ሓሓሓሓቅኺኺኺኺ›› ይብልዋ፡፡

ኣምሓሩ እንትምስሉ ‹‹ብርሌ ከነቃ ኣይሆንም እቃ›› ይብሉ፡፡ሓቆም! ዝነቕዐ ብርለ ይእለ እምበር ኣይዕረይን፡፡

No comments:

Post a Comment