Sunday, June 19, 2016

ክሕደት፣ ክድምና ወይስ በዓል-ራኢነት?

 ብ ዘፅኣት ኣናንያ (ሴቭ ዓድና)


ኣምባሳደር በየነ ርእሶም ብሓደ ወገን ብዙሕ ርእሲ ዘይዓደሎ ይመስል፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ንገለ ከደምቲ ኣዐርዩ ብዘሕሞም መልክዑ እቲ ናይ ክድምና ባህሮምን ተግባሮምን ፀሓይ ክወቕዖ ስለዝገበረ “የዒስ!” ኢለዮ፤

ደሴታት ሓኒሽ፤

መንግስቲ ሸዓብያ ሀ ኢሉ በትረ-ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ እቲ መንግስቲ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወታደራዊ ጎብለል፣ እታ ዓዲ ድማ ናይ ኣፍሪካ Singapore ክገብር እየ ኢሉ ክብህግ እንተሎ (ደሓርስኳ ናብ country of singers and poor ለዊጡዎዋ) ዝተኣማመኖ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኢንተርፕርነርሺፕ፣ ወይ ካሊእ ሃሊዩዎ ኣይነበረን፤ እንታይ ድኣ ክድምናን ዕሽነትን መራሕቲ ህ.ወ.ሐ.ት መዝሚዙ “ኤርትራ ንበይንና፣ ኢትዮጵያ ንኽልቴና” ዝብል ካብ ገለ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ዝተውሃቦ ቃል ኣሸዲኑዎ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ናይ ሃገራት መስርሕ ከም ድላዩ ክጉሕጉሕ፣ ቀይሕ ባሕሪ ኮርፖሬሽን ኢሉ ዘጣየሾ ናይ ንግዲ ትካሉ ንቲ ቡናን ሰሊጥን ሃገርና ብስም ኤርትራ ብሕታዊ ኤክስፖርተር ኮይኑ ድላዩ ክገብር፤ ደስ እንትብሎ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ድላዩ ክኣስር ድላዩ ክቐትል፣ ብወደባት ኤርትራ ዝኣቱ ዝነበረ ሃፍቲ ንዋትን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ድማ ደስ ክብሎ ክወርስ፣ ብቓላት ንምግላፅ ዘፀግሙ በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ (ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ) ከብፅሕ ዝገበሮ፣ ቀስ እናበለ ሓይሊ እናተሰምዖ ምስከደ ድማ ናብቲ ኩሉ ምድማይ ክንኣቱ ዝተገደድና ኩሉ ብሕመቕ፣ ስትራቴጂ-ኣልባነት መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት እዩ፡፡


 ሃፍቲ ሃገርና ከም ድላዩ ጓሕጒሑ ምውሳዱ ከይኣክል፣ ካብ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ድማ ከባቢ 1 ቢልዮን ብር ብኢደ-ወነን ኣቶ መለስ ተዋሂቡዎ፤ ካብ ኩሎም ብሄራዊ ዕዳታት ኢትዮጵያ ድማ ነፃ ተገይሩ፤ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ መፃረዪ ድፍድፍ ዘይቲ ብነጻ ተዋሂቡ፤ ንየመን ክድብድብ ድማ ሙሉእ ናይ ኢትዮጵያ ሃፍቲ ተጠቒሙ፤ ገሊአን ንደብዳብ ዝኸዳ ሄሊኮፕተራትና ኣብ ኣስመራ ዓጊቱ ኣትሪፉወን፤ ብፍላይ ክሳብ 1989 ዓ.ም ኣብ ሞንጎ ሸዓብያን ህ.ወ.ሓ.ትን ዝነበረ ረኽቢ ናይ ባርያን ጎይታን ዓይነት እዩ ነይሩ፡፡

 ደሓር ብድፍኢት ገለ ኣባላት ኣመራርሓ (ብፍላይ ናይ ኢህወደግ ናይ ፖለቲካን ክፍሊ ኢኮኖሚን ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ተወልደ ወ/ማርያምን ካልኦትን) ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልተኣዊ ኢኮኖሚያዊ ረኽቢ መልክዕ ክሕዝ፣ ባጤራ ክልወጥ ወ.ዘ.ተ ምስተበረ ከም ቆልዓ ኣፈራሪሑ ሕጊ-ኣልቦ ኢኮኖሚያዊ ረብሑኡ ብሓይሊ ከሐሉ ክሰጥጥ ዝገበሮ እቲ ቕድም ኢሉ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ረኽቢን ክድምናዊ ባህሪ ገለ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ትን እዩ፡፡ በየነ ርእሶም ናይ ኤርትራ-የመን ኲናት ከም ኣብነት ገይሩ ወለንተኛ ከዳሚነት መራሕቲ ህ.ወ.ሐ.ት ኣርእዩና እዩ፡፡ እዚኦምስያ ሰብ ራኢ? እዚ ናይ ክድምናን ክሕደትን ሌጋሲ ክኹነን እምበር ክዝመረሉ ዝነበሮ ኣይኮነን፤ አረ ለባማት እንተንኸውንስ እዚስ ብኽሕደት ዳኣ መሕተተ ነይሩ፤

እስራኤል፣ 1963

ቅድሚ 1963 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ 7 ዓመታት ሰራዊት ግብፂ ኣብ ከባቢታት ስዊዝ ካናል ናይ ውግእ ልምምድ ይገብር ነይሩ፡፡ብ1963 ዓ.ም ሰራዊት ግብፂ ኣብቲ ኸባቢ እንትትኣኻኸብ ካብቶም ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝተፈለየ ኩነታት ክፍጠር እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ኣይነበረን፡፡ግብፃውያን ግን ብሰላሕታ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኲናት ንምእዋጅ እዮም ሰራዊቶም ዘተኣኻኽቡ ዝነበሩ፡፡ክፍሊ ስለላ እስራኤል ብዛዕባ እዚ ምንም ሓበሬታ ኣይነበሮን፡፡ሃንደበት ድማ ኲናት ዮም ኪፑር ተላዒሉ፡፡እስራኤል ህይወት 2500 ሰራዊታ ስኢና፡፡ ብወገን ግብፂ ድማ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰራዊት ጢፊኡ፡፡ እቲ ኲናት ብኣንፀባራቒ ዓወት እስራኤል ተዛዚሙ፡፡ ድሕሪ እቲ ዓወት ሓደ ዓብዪ መፃረዪ ኮሚሽን ድማ ተጣይሹ፡፡ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ እስራኤል ቀዳመይቲ ሚኒስቴር ዝነበራ ጎልዳሜየር እኹል ናይ ስለላ ስራሕቲ ዘይምስርሑ፣ ንሰን ድማ ንቲ ኲናት ቀዲመን ዘይምፍላጠን፣ እኹል ምድላው ዘይምግባሩ እስራኤል ኣድላዪ ዘይኮነ መስዋእቲ ምኽፋላ እቲ ኮሚሽን ወቒሱወን፡፡ ንሰን እታ እዋን ብነቀይ ነቀይ ሓሊፈንኣ፤ ብቐጥታ ተሓተቲ ዝኾኑ ሰባት ድማ ዋግኦም ረኺቦም፡፡

ባድመ፣ 1990፡

ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ዝነበሩ ኣቶ ኣውዓሎም ወልዱ፣ ናይታ መዳቡብቲ ኤርትራ ዝኾነት ትግራይ ፕሬዚዳንት ዝነበሩ ኣቶ ገብሩ ኣስራት፣ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ህ.ወ.ሐ.ት/ኢህወደግ ኣቶ ተወልዶ ወ.ዘ.ተ ኤርትራ ክትወረና ምድላው ትገብር ከምዘላ እኹል ሓበሬታ ኣለና፣ ኤርትራ ከምትወረና ጥርጥር የብልናን፣ እኹል ምድላው ክንገብር ኣለና እንትብሉ የፋል፣ ዓቢዶምዶ፣ ፈፂሞም ኣይገብሩዎን፣ትሓልሙ ኢኹም ዘለኹም ተባሂሎም፡፡ከይተዳለና፣ በርና ጋሕ ኣቢልና ሸዓብያ ረኺቡና፣ ህፃናትና ነዲዶም፣ከተማታትና ፈሪሶም፣ ምዕጋት ወይ ብ100፣ ብ200 ህይወት ክውዳእ ዝኽእል ዝነበረ ኲነት 70 ሽሕ መናእሰይ ደመ-ከልቢ ኮይኖም ተሪፎምሉ፣ እሞ ድማ ሰኣን ውሕሉል መሪሕነት እታ ዝተማወትናላ ባድመ እውን ንኤርትራ ተወሲና፡፡ እዚብ መሰረቱ ብኽሕደት ሃገር እንተዘየሕተተ እኳ ንዚ ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ ውግዘት፣ተመጣጣኒ መቕፃዕቲ ክረክብ ብዘይ ገለ ሰሓቦ ጉተቶ ድማ ካብ ስልጣኑ ክስጎግ ይግባእ ነይሩ፡፡ ኣብ ህዝባዊ መርስዕ (mass dementia) ዘሎ ህዝብና ግን ተመሊሱ ጅግና፣ ናይ ኲናት መሃንዲስ ክብሎ ክትሰምዕ ትግረም፣ትሓዝን፣ ትሓፍር፡፡እዚ ክብል እቲ ኲናት ከመይ ክዛዘ ምከምዝተገበረ፣ እቲ ኲናት ክተዓናቓቐፍ ዝግበር ዝነበረ ሻጥር፣ብ14 ኪ.ሜ ርሒቕናያ ካብ ዝነበርና ዓሰብ ከመይ ከነንሰሓሕብ ከምዝተገበርና፣ ኣብ ሞንጎ ዝተኸፈለ ሰብ ሰራሕ መስዋእቲ ወ.ዘ.ተ እንተየልዐልካ እዩ፡፡

ኣልጀርስ፤

ውዕሊ ኣልጀርስ እቲ ኣብ ዓውዲ ኲናት ብሞት ዓሰርተታት ኣሽሓት መናእሰይ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብስዕረትናን ሕፍረትናን ክንክምብቶ ዝገበረ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትውልዲታት ዝሻገር በሰላ እውን ዝገደፈ እዩ፡፡ እቶም ተጋሩ ንምክፍፋል፣ ንምብትታን ብዙሕ ዝደኸሙ በዓል ሚኒሊክን ጣልያንን፣ በሪ ባሕሪ ዘይብላን ዝተኸፋፈለትን ትግራይ ንምርኣይ ካብ ዘለዎም ሕልሚ ዝተወዓዓሉዎም ናይ 1900፣02፣ 08 ቅስሚ ተጋሩ ዝሰበሩ፣በርታት ባሕርናን ክብርታትናን ክንስእን ዝገበሩ ውዕላት ፅቡቕ ዕድል ኮይኑ ጣልያን ብ1928 ዓ.ም ንኢትዮጵያ እንትወርር ፈሺሎም፣ ተሳዒሮም (null and void ኮይኖም) ነይሮም፡፡ ፈሺሎም፣ ውድቂ ኮይኖም፣ ብሓዱሽ ሕግታት ተለዊጦም፡፡

 በዓል ንጉስ ሃይለስላሰ እውን ኣብ ቅድሚ ዓለም ከምዝፈረሱ ዕላዊ ገይሮም፣ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዘለሉ ድማ ብሓዱሽ ውዕላትን ሕግታትን ተለዊጦም፣ ኢትዮጵያ መሰል ባሕሪ በራ ናብ ድርድር ዘይኣቱ ዛዕባ ምዃኑ ዓለም ኩሉ ኣዊጁ፣ ኤርትራ ድማ ናብ ኣዲኣ ተመሊሳ፡፡ ብርግፅ ደሓር ሃይለስላሰን ሰባቱን ዝገበሩዎም ጌጋታት፣ ኣብቲ ህዝቢ ዘብፅሑዎም በደላት ንህዝቢ ኤርትራ ዘኾረዩ፣ ናፅነቱ ከናዲ ዘገደዱን ነይሮም፡፡ ውዕሊ ኣልጀርስ ግን ንዚ ኩሉ ታሪኻዊ ሓቅታት ንየው ኢሉ፣ንቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ 60፣70 ዓመት ታሪኻዊ ፍፃመታት ሸለል ኢሉ…ንድሕሪት ናብ 1900፣ 05 ተመሊሱ ንቶም ብዕሊ ናብ መቓብር ዝኣተዉ ውዕልታት ካብ መቓብር ፍሒሩ ቀየድቲ ውዕላት፣ መጣረርቲ ዶባት ክገብር ክታሙ ዘንበረ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ኣብ ፀሊም መዝገብ ዝነብር በሰላ ገዲፉ ከይዱ፡፡ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሙሁራት፣ ፈላጣት እንኮለ ናብ ጎደናታት ወፂኦም እዝጊዮ! እንተበለ መን ክሰምዕ፡፡ ትዕቢትን ድንቁርናን ልዕሊ ታሪኽን ሓቂን ኣብ ዝኽበሩሉ ኩነታት መን ክሰምዕ?

-ኣብቲ እዋን ገድሊ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዝዝውሩዎም ንዝነበሩ ሸዓብያን ጀብሃን ንምሕጓስ ተባሂሉ መሰረት ዘይብሉ፣ ፈፂሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ንተጋድሎ ኣያታትና በዓል ራእሲ ኣሉላ ዘራኸሰን ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ ዝብል መርገፂ ህ.ወ.ሓ.ት እውን ካሊእ ህ.ወ.ሓ.ት ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ሰባት ክውቀሱሉ ዘለዎም እዩ፡፡ ኣብቲ ማኒፌስቶ ኣብ ምድላው ዝነጠፉ 4 ሰባት ድማ ካብቲ ወቐሳ እቲ ዝዓበየ ክፋል ክወስዱ ይግባእ፡፡

ድሕሪ ስዕረት ደርጊ ዝተኸተለ ጆቤ ድንቁርናን ትምክሕቲን (ignorance and arrogance) ዝወለዶ” ዝበሎ ቀጻሊ ጥቕምታትና ዘየማእኸለ ፍፁም ግጉይ ክያዶታትና ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና፣ ቀፃሊ ረብሓታትና ዘየኽበረ እዩ፣ ቀፃሊ ዋጋታት እውን የኽፍለና ኣሎ፤ እቲ “ኤርትራ ንበይንኹም ኢትዮጰያ ንኽልቴና” ዝዓይነቱ ኤርትራውያን ከም ድሌቶም ክሸኑልና ዝገበረ ዘየድሊ ጎምባሕባሕ ወይ ክድምና ገለ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት እውን ከምኡ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና እዩ፡፡ ንዚ ቀንዲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ኣካላት ኣብ ዝሰልጠነ ዓዲ እንተዝኸውን ብዙሕ ዋጋ ምኸፈሉሉ፡፡ ኣባና ግን ተገምጢሎም ንሳቶም በላሕቲ፣ ንሳቶም ሰብ ራኢ፡፡ወይ ጉድ! ደቀይ ሚልዮን ህዝቢ እውንዶ ብቕሉዕ ይዕሸ? ኣየ ህዝቢ፤ ለካስ ውሕጅ….

-ድሕሪ ናይ 1993 ክፍፍል ዝተፈፀመስ ክንደይ ኢልና ክንዝርዝሮ…. ‘

“እኒ ኣንጃ ዘጀመሩዎም ኩሎም ይፍሸሉ፤ ነዐዖምዘዘኻኽር ሓደ ትካል ከይህሉ” ካብ ዝብል ስምዒት ዝተልዓለ ዋላ እቶም ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ በፂሖም ዝነበሩ በዓል ፕሮጀክት መስኖ ጎልጎል ራያ ዝተቐበሩ ትቦታት እንተይተረፉ ተነቓቒሎም ተላዒሎም፤ ሳ.ር.ት ብዕሊ ፈሪሳ፣ ከባቢ 6.1. ቢልዮን ብር ኪሳራ ከምዘብፀሐ ብዝእመነሉ መስሐቒ ሸራፋት ዝገበረና ሆረየ ድማ ገንዘብና በሊዑ፣ መሬትና ቆራሚሙ፣ ኣደዳ ዓሶን መፅደፊ ህፃናትን ኮይኑ ዕንወት ብዕንወት ገይሩና ከይዱ፤ ሻላ ፌደራል መንግስቲ ፀኒሑ ዝተረከቦ እምበር ሆስፒታል ዓይደር እውን “ ፃዕዳ ሓርማዝ” ዝብል ሳጓ ኣውፂኦምሉ፤ “ናይ ረኣዩለይ ረኣዩለይ ዘየድሊ ህንፀት እዩ” ተባሂሉ ህንፀቱ ደው ክብል ተወሲኑሉ (ኣረ እንኳዕ ዘየፍረሱዎ)፤

– እሞ ደቀይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝኣክል ብሓቀኛ በላሕቲ ሰብ ራኢ ዝተጣየሸ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮይኑ ማእለያ ዘይብሎም ስራሕቲ ዝሰርሐ ፅላል ተጋሩ ዝነበረ ማሕበር ኣዳኺሙ፣ ጋሕ ኣቢሉ ከክንድኡ ብዓሰርተታት ኣናእሽተይ ስማዊ ማሕበራት ልምዓት ስለዝቐየረ፣ ተጋሩ ኣብ ሓደ ፅላል ኮፍ ኢሎም ስለዓዶምን ህዝቦምን ዝዘተዩሉ መድረኻት ብቑሸታውያን መድረኻት ክቕየር መንገዲ ክንዲ ዝፀረገ ድዩ “በዓል ራኢ፣ ፈታዊ ዓዱ” ገለመለ…? ወይ ግርም፡ ደቀይ ሰብስ ውሕጅ!፤ ድማ “ናይ ስልጣን ሓደጋ ካብ ህ.ወ.ሓ.ት እዩ ክመፅአኒ” ካብ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝኾነ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበረ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎን ዝበልሐን ትግራዋይን ኣንጃ ደገፈ ኣይደገፈ ቀፃሊ ስግኣት ከይፈጥር ተባሂሉ ብወረንጦ ተኣሊሹ ተዳዒኹ፣ ተሰጒጉ፤ ዓዲ ብዓዳ ብቕሉዕ ንዝለመሱ ብገፀ-በረከትነት ተዋሂባ፤ ናይቶም ዝሰዓቡ ናይ 14 ዓመታት ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ምኽንያቱ ንሱ እንዶ ኣይነበረን? ለካ ህዝቢስ ተዓሻዊ፣ ረሳዒ!

አረ ገሊኡስ ክንሓድጎ እምበር ሕማምዶ ክንወልድ……

No comments:

Post a Comment