ናይ ሎማዕንቲ ውዕሎይ ‹‹ጦር ሃይሎች›› ኣከባቢ ኣብ ዝርከብ ‹‹ጎልፍ ክለብ›› ተባሂሉ ኣብ
ዝፍለጥ መዘናገዒ እዩ ነይሩ፡፡እቲ ዋዕላ ብኢትዮቴሌኮም እዩ ተዳሊው - ብዓል 20 ጉንበት ምኽንያት ብምግባር ንህንፀት ግድብ
ህዳሰ ዝውዕል ‹‹ቦንድ›› ንዝገዝኡ ሰራሕተኛታት ‹‹ሰርቲፊኬት›› ንምዕዳል፡፡ብውልቀይ ግን ካሊእ ነገር ጠርጢረ፡፡ንኽቡራት መንበብቲ
ኣብቲ ዝሓለፈ እዋን ከም ዘውጋዕኹኩም ኣብ ‹‹አዲስ አበባ መስብያ አዳራሽ›› ዝነበረ ዋዕላ ዕይኑ፣ስኑ ዋላ እውን ኣፍንጫኡ ዘይፍለጥ
ዳዕማስ እዩ ነይሩ፡፡
እቲ ሽዓኡ ዝነበረ ሕሱር መደረን ድሓር ድማ ስዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ናይ ቀትሪ ምስኮነ ዝተገበረ እንግዶት ሻሂን
ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ሰራሕተኛታት ምሒር ተቖጢዖም ‹‹ሽጋራም 20 ጉንበት›› ኢሎም ክፃረፉ ገይርዎም ነይሩ፡፡ንዚ ንምክሕሓስ እዩ
መስለኒ እምብር እቲ ኣብ ‹‹ጎልፍ ክለብ›› ዝተገበረ ዋዕላ ኣዝዩ ዕምቡር ንክኸውን ዝተገበረ፡፡መስተን ብልዕን ክሳብ ጎረሮኻ እዩ
ነይሩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቶም ኣብ ሃገርና ኣለው ዝብሃሉ ፍሉጣት ደረፍቲ ነቲ ዋዕላ ንምዕምባር ተዓዲሞምስ ሲስ ከብሉና ውዒሎም፡፡
እቲ ዋዕላ ከምቲ ልሙድ ብመደረታት እዩ ተጀሚሩ፡፡ቀፂሉ ሽሉቃ( ሽሉቃ ሻምባ ህእ…ትኽክለኛ ስሙ ኣይፈልጦን) ዝብሃል ኮመድያን ነቲ ኣብ ሃገርና ኩሉሻዕ ዝኽሰት ዘሎ ናይ ማይ፣መብራህትን ኔትወርክን ምቁርራፅ ዝነቅፍ ትርጉም ዘለዎ ቀልዲ ቀሊዱ፡፡ሃገርና ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ከምዝትርከብ ዝገልፁ መደረታት( ንዓኡ ድማ ቀልዲታት) እውን ኣሲሚዑ እዩ፡፡እታ ቀልበይ ዝሳሓበትኒ ግን ከምዝስዕብ ትመስል፡፡
‹‹ ኣብ ገዛና ዝውለዱ ቆልዑ ኩሎም ልማዓታዊ ስም እዩ ዝወፀሎም›› ይብል እቲ ቀላዲ(ኮሟኪ) ወዲ
1. ብርሃኑ፡ መብራህቲ ክህሉ ከሎ
ዝፅዋዕ ልማዓታዊ ስም ዘለዎ
2. ምትኩ፡ ድማ መብራህቲ ክጠፍእ
ከሎ ዝልዓል ጀነሬተር
3. ምናሉሽ፡ ስልኪ ክቋረፅ ከሎ
ዝፍጠር ምድንጋር
4. ባህሩ፡ እቶም ኣብ ህንፀት ዘለው
ግድባት ዘመልክት ወዘተ.
እቶም ዕዱማት በዚኦምን ከሚዚኦምን ዝበሉ ቀልዲታት እናሰምዑ ወኻዕኻዕ እንትብሉ ኣነ ድማ ካሊእ መስሐቒ ነገር ትዓዚበ፡፡ኣብ
ቴሌ ሓደ ብጣዕሚ ነዊሕ ስብኣይ እንሄልኹም፡፡ንግዜኡ ሻንቆ ንበሎ - ልክዕ ክንዲ ሻንቆ እዩ ድማ፡፡እቲ ብዘተወጠረ ካንዳ ዝተሰርሐ
ዳስ ንሻንቆ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ እዩ እሞ ነቲ ዋዕላ ካብ ዘተሓባብሩ ሰባት ሓደ ስለዝነበረ ለየይ ላዚ ክፃፋዕ ከሎ ፀፀኒሑ እቲ
ዳስ ዝተኣሰረሉ ገመድ ክሳዱ ይሕዞ፡፡ሰኺሩ ከይብሃል ምንም ኣይጥዓመን፤ በገርሁ እዩ ከይብሃል ድማ ፀፀኒሑ ይዕንቀፍ - ብእግሩ
ከይኾነስ ብርእሱ፡፡ዋዚ ሰማይ ግራቱ!ብጣዕሚ ኣስሒቕኒ፡፡
መጀመርያ ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ብተኸታታሊ ቀሪቦም፡፡እቲ ዕዱም ምኒቕ ኣይበለን፤ ብዘይካ ብጣዕሚ ውሑዳት፡፡ ዳሓር
ማህለት ገብረገርጊስ መድርኽ ተረከበት እሞ ‹‹ሓነይታይ ጎብለል›› እናበለት እንተስቆንቁን ወናም ትግራዋይ ግልብጥ ኢሉ ናብ መድርኽ!
ምስዕሳዕ ይኽኣል ኣይኽኣል ብዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይ ሕምብጣጥ ክብል ጀሚሩ - ድርኽ ዓብለቕለቕ ኢላ፡፡ኣብ መንጎኡ ሶኬት ይንቀል
እሞ ‹‹ማይክራፎን›› ፀጥ! እቲ ኣብ እንግድዓኦም ተፃዒኑዋም ዝሓገየ ዋኒን(ቆለ) ንምብራር ዝንቅጥቀጡን ለየይ ላዚይ ውዒስክስ
ዝብሉን ዝነበሩ ተጋሩ ሓዊ ኾይኖም - ትናዲዶም፡፡
ወያ ቆለ ትግራዋይስ ለካ ሒዙ ኣይሰድን፡፡እቶም ተጋሩ ነቲ ጭፈራ ባዕሎም ተታሓሒዞሞ፣ ብሓባር ‹‹ክዛዝሞየ ባዕለይ
ክዛዝሞየ ባዕለይ ክዛዝሞ…›› እናበሉ ምድረ ሰማይ ቀውጢ ገይሮማ፡፡ገለ ቀናኣት ነታ ሶኬት ፈሊጦም ዝነቐልዋ ስለዝመሰሎም ብጣዕሚ
ሓሪኖም፡፡ክዕምብሩ ርኢኹም ኣይትፈልጡን - ከበሮን ጭራን ጥራሕ ጎዲልዎም፡፡እቲ ዝነበረ ጣቕዒት ግን ንቡር ጣቕዒት ኣይነበረን ዓንፆ
ንዓንፆ… ከምዝብሃል - ሂር፣ሂር፣ሂር…እናጣቀዑ እንትደርፉ ከበሮ፣ጭራ፣እምቢልታ ዝቐረየ ኣይመስልን ነይሩ፡፡ቀውጢ!
እቲ ሶኬት መስተዓረየ ማህለት ነቲ መድርኽ ተረኪባቶ፡፡‹‹ኣድጊ ዶ ቀላል ልብኻ ጣዕ ተብል›› ኢሎም ዓድና፤ ማህለት
ዶ ቀላል? ‹‹ሓነይታይ ጎብለል›› ተበለት፣ ‹‹እዞም ተጋሩ እዚኦምየ ሽኮርኣገዳ እዩ ዝጥዕም ላዝኦምየ…›› ተበለት፣ ‹‹ተጋሩ
ተጋሩየ መሰለሞ ይትሓሎ…›› ተበለት፣ ‹‹ተጋሩ ለይለይ ምሳኹም ምውዓለይ…›› ኣብኡ እናሃለየት ደርፍታት እናቀያየረት ሲስ ኣቢላቶም፡፡
ዋይ እንአኺ ወናም! ተጋሩ እንትሓብሩ ኩሉሻዕ ምስ ዓምበሩ፡፡
No comments:
Post a Comment