ዓቐብ ምስ ቁልቁለት፣ ሞትን መቑስልትን፣
ጭንቂ ዕርብራቦ
ነብሲ ውፂኢ ነብሲ እተዊ፣ ሕሱም ሻቕሎት፣
መዳርግቲ ኣልቦ
ሕንጉጓይ ፀልማት ቀትሪ፣ ምሃሙቕ ገደል፣
ሓሊፉ ዓንተዎ
ትማሊ ሓሊፉ ‹‹ነበረ›› እናበልኹ
ፅባሕ ከዘንትዎ
ሕሉፍ ኣስተንቲነ፣ ሎሚ ተፈቲነ፣
ፅባሕ ክርከቦ፡፡
ትፅቢት ጋህዲ ክኾን፣ ፀልማት ተቐንጢጡ፣
ንጉሆ ፀሓይ በርቂ
እናሰሓቕኩ ይነብዕ፣እናነደድኩ ይተብዕ፣
ዓደይ ክትደምቂ
ብፆተይ ቀቢረዮም፣ኣካሎም በስቢሱ ከርስኺ ከደንፍዕ፣
ልምዓት ክትሰንቂ
ወግሐ ፀብሐ ይኹስኩሰኪ፣ ፀሚአ የስትየኪ፣
ተስፋይ ከይትደርቂ፡፡
ካብ ንላለ ሽዱሽተ ዓመታት ሓሊፎም፡፡ብቕንዕና ንዝቐርቡኒ መምህራን፣ወታደራትን ፖላዊስን ዘለኒ ኣኽብሮት ክገልፆ ካብዝኽእሎ
ንላዕሊ እዩ፡፡ብፍላይ ግን ንተጋደልቲ ነበር ህወሓት ዘለኒ ልባዊ ክብሪ ክሳብ ሕልፈተይ ዝሃስስ ኣይመሰለንን፡፡ ኣብ ቴሌ ዝሰርሕ
ሓደ ተጋዳላይ ነበር ሻለቃ ሽሕ ኣሎ፡፡እቲ ኣብ ሜዳ ትግራይ ምስ ስጋን ደሙን ዘዋሃሀዶ ቅንዕናን ስብኣዊ ፍቕርን ሐዚ እውን ሃፍትን
ስልጣንን ከህስሶ ኣይክኣለን፡፡ሓቂ ይዛረብ፤ ንሓቂ ድማ ይሰርሕ፡፡እዚ ኣካይዳኡ ግን ንስልጣን ይኹን ንሃፍቲ ከምዘይብቅዖ ኣንዳዕዲዑ
እዩ ዝፈልጦ፡፡
ብዙሕ ግዜ እንትዕዘቦ ከም ጭፈራን ሳዕሲዕትን ዘሐጉሶ ዘሎ ኣይመስልን፡፡ምትንፋስ ክሳብ ዝስኣኖ እዩ ዝስዕስዕ፡፡ርሃፅ
ብርሃፅ ኾይኑ ኣብራኩ ራዕ ራዕ ክሳብ ዝብላ ዕብድ ይብል፡፡ሓደ ፍሉይ ነበር ግን ኣብ ገፁ ተዓዚበ፡፡ፈላማይ ክርእዮ ከለኹ እቲ
ገፁ እንሓፀበ ዝወርድ ፈሳሲ ረሃፅ ይመስለኒ ነይሩ፡፡እቲ ፍሉይ ተጓንፎኡ ደጋጊመ ብፍሉይ ትኹረት ምስ ተዓዘብኩዎ ረሃፅ ከምዘይኾነ
ኣረጋጊፀ፡፡ብጣዕሚ እንትስዕስዕ ኪርኪር ኢሉ እናሰሓቐ ይነብዕ፡፡ውሕጅ ንባዕቱ ካብ ጁባኡ በዘይፈልያ መሃረም እናፀረገ ሲስ ይብል፡፡ብፍላይ
ተጎምፀፅ ንዝብሃል ሳዕሲዒት ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ከሞ ዝኾነ ተዓዚበ እየ - ከምኡ ኣፀቢቑ ዝኽእላ ዘሎ እውን ኣይመሰለንን፡፡
እዚ ሓቂ እዚ ኣብቲ ሓለቃ ሽሕ ምስ ተዓዘብኩ ንምታይ እናሳዕሰዐ ከም ዝነብዕ ኩሉሻዕ እየ ዝሓስብ ነይረ፡፡ፅባሕ
ሎሚ ክሓቶ እየ እናበልኹ ምስ ባዕለይ ይስማዕማዕ እሞ መሊሰ ድማ ይሓንኮ፡፡ክብል ክብል ግን ኣብዚ ቀረባ እዋናት ደፊረ ክሓቶ ወሲነ
- ሓቲተዮ ድማ፡፡ካብ ሳዕሲዒት ናብ ሽቃቕ እንተምርሕ ሓሊወ ‹‹ንምታይ ኢኻ እናሰሓቕካን እናሳዕሳዕካን ዝሕንዝሕ ትነብዕ?›› ኢለ
ሓቲተዮ፡፡
‹‹ህንፍ›› ኢሉ ብነዊሑ ተንፈሰ እሞ ክት ኢሉ ጠመተኒ፡፡
‹‹ይነብዕ ከም ዘለኹ ከመይ ገይርኻ ፈሊጥኻ?›› መሊሱ ጠይቑኒ፡፡
ብሕዝ ከም ዝስተውዐልኩዎን ሎሚ ፅባሕ ክጥይቖ እናበልኹ ግን ብሕንከት ክሓቶ ከምዘይኽኣልኹ ነጊረዮ፡፡ ኣታሓሒዘ እውን
ብፍሉይ ምልክታትን ወቕቲታትን ጠቒሰ ዝተዓዘብኹዎ ኹሉ ኣካፊለዮ፡፡
‹‹ታሪኹ ነዊሕ እዩ፤ ንዓኻ ድማ ብዙሕ ዘድልየካ ኣይመስለንን›› ኢሉኒ፡፡
‹‹ስለዘድልየኒ እማ ሰጋእ መጋእ እናበልኹ ሓቲተካ››
‹‹ሓቅኻ ኢኻ፤ እናሳሓቅኩን እናሳዕሳዕኹን ከም ዝነብዕ ኣነ እውን ይፈልጥ እየ፡፡ግን ይትረፍ ንስኻ እቶም ንሓያሎ
ዓመታት ኣብ ጎድነይ ተሰሊፎም እናተቓለሱ ዝተሰወኡ፣ መራሕተይ ኾይኖም ዘዋገኡንን ዘዋጋእኹዎምን ብፆተይ እውን ኣይፈልጡን ነይሮም፡፡ትኹረታኻ
ኣግሪሙለይ፡፡ ከምቲ ቅድም ኢለ ዝነገርኹካ ታሪኹ ብጣዕሚ ነዊሕ ስለዝኾነ ብሓፂሩ ከዘንትወልካ፡፡ኣብ ቃልሲ እናሃለውና፣ ናብ ኲናት
ቅድሚ ምእታውናን ኣብ ኲናት ውዒልና ምስ ተመለስናን ጓይላ ንገብር ነይርና - ጓይላ እቲ ሓደ መስርሕ ቅልስና እዩ ነይሩ፡፡
ኲናት በላዒ ሰብን ሃፍቲ ተፈጥሮን እዩ፡፡ክትመውት ወይ ከዓ ክትቐትል ትብገስ ከም ዘለኻ እናፈለጥኻ ምስዕሳዕ ክንደያናይ
መሪር ከም ዝኾነ ክነግረካ ኣይኽእልን፡፡ካብኡ ዝብኣሰ ድማ ነይሩ፤ እቲ ብጣዕሚ ዝትፈትዎ ብፃይኻ፣ካብ ባዕልኻ ኣብሊፅኻ ዝትጥንቀቐሉ
ብፃይኻ ምሳኻ እናተዃሸሐ ከም ዝተሰወአን ዳግማይ ንዘይምለስ ከም ዝቐበርኻዮ እናፈለጥኻ፣ ንሱ ተሰዊኡ ሓመድ ከምዝተኸደነ እናፈለጥኻ፣
ንዕኡን ከምኡ ዝበሉ ተባዓትን ቐቢርኻ ምስ ተመለስካ እውን ክትስዕስዕ ነይሩካ፡፡ሻዓኡ ኣየኽእለንን ነይሩ፤ እናሳዕሳዕኹን እናሳሓቕኹን
ክነብዕ ነይሩኒ፡፡ፈቲወ ከይኾነስ ካብ ቁፅፅረይ ወፃኢ ስለዝነኾነኒ፡፡ብፆተይ እውን እናፈለጡ ይኹን ኣይኹን እንድዒ ብዛዕባኡ ተዛሪቦምኒ
ኣይፈልጡን፡፡
ክስዕስዕ ከለኹ እቶም ኣብ በረኻ ዝተረፉ ብፆተይ ምሳይ ሓቢሮም ይስዕስዑ፡፡ እቲ ሻዓኡ እንቀላለዶ ዝነበርና ቀልዲታትን
ፃወታን ይረኣየኒ፡፡እቲ ዝሓለፈ ወኻዕኻዕ ዕላልና ሐዚ ይኸውን ከም ዘሎ መሲሉ ይስመዓኒ፡፡ይኹን እምበር ዘይጭበጥ፣ዘይድህሰስ፣ ዳግማይ
ዘይምለስ ቅሁም ነገር ምዃኑ ኣይስሕቶን፡፡ብምዃኑ ድማ ምሒር ይሓዝን - ንብዓተይ ካብ ቁፅፅረይ ወፃኢ ኾይኑ ከም ውሕጅ ይፈስስ፡፡እቲ
ሐዚ ምሒር ዘንብዐኒ ዘሎ ግን እቲ መስዋእቶም ኣይኾነን፡፡ሎሚ እቲ ናይቕደም ብፃይነት የለን - ኩሉ ነኒፃሕሉ ከብስል እዩ ዓይኒ
የብለይ ስኒ የብለይ ዝጎይይ፡፡እንጀራኡ ንብሳል ውነኡ ኣጥፊኡ እንትጎይይ ንመን ረጊፁ ይኸይድ ከም ዘሎ እውን ኣየስተውዕልን፡፡ከም
ዝበርገገ እንስሳ እዩ ረጋጊጹካ ዝሓልፍ፡፡እዚ ድማ ዝብኣሰ የሕርረካ፡፡
እዚኦምን ወዲ ዚኦምን እናሰላሰልኹ እየ እምብኣር ዝነብዕ ዘለኹ፡፡ምሒር ዝሓዝንን ዝነብዕን ግን ክስዕስዕ ከለኹ እዩ፡፡ከምቲ
ቅድም ዝነገርኹካ እናሳዕሳዕኹ ክስሕቕ ከለኹ እቶም ዝተሰወኡ ብፆተይ እውን ምሳይ እናሳሓቑ ይስዕስዑ ዘለው ስለዝምስሊ፡፡ብፆተይ
ስለዝረኣዩኒ ምሒር ይስመዐኒ፡፡›› በለኒ ንዓይ ናብዘይረኣየኒ ኣርሒቑ እናጠመተ፡፡እዚ ሓለቃ ሺሕ ኣቦ ቖልዑ እዩ፡፡ኣሽማት ደቁ
ኹሎም ብሽም ብፆቱ እዮም ዝፅወዑ፡፡እኹል ኣታዊ ይኹን ስልጣን ስለዘይብሉ ግን ናብራ ምሒር ከም ዝሓሰዮ ሰውነቱ ርኢኻ ኣይትስሕቶን፡፡ኣዲስ
ኣበባ ይትረፍ ብናይ ዘብዐኛ ምሃያ ብዙሕ ኣታዊ ሒዝካ እውን ብጣዕሚ ፈታኒት እያ፡፡
No comments:
Post a Comment