እቲ ስብኣይ ክሸርብ ርኢኹም ኣይትፈልጡን፡፡እንድሕር ዘይሸሪቡ ፀፀኒሑ ኣፉ ይኸፍት፤ ስራሕ የለን ዘረባ የለን - ማይ ክፈሶ ዝኻረመ ባዓቲ መሲሉ ሃህ ይብል፡፡ክልተ ጉምጫኡ ብጫት ሸጉሺጉ ኩዓሳሱ ዝጎረሰ እንተዘይ መሲሉ እማ ካብ ማይ ዝወፅአ ዓሳ በልዎ፡፡ኣብ ሰውነቱ ዝተሰወሩ ኣጋንእ ከም ዝህልውዎ ርግፀኛ እየ፡፡እንተዘይኾይኑ ድኣ እዝኹሉ ቖፅሊ እናጠጠመ፣ እዚኹሉ መስተ እናሸረበ ከመይ ገይሩ ይሽከሞ? ኣብ ምንታዩ የእትዎ?
ኣኮኡ ሃፍታም እዮም፡፡‹‹መንደር ንመንደር እናውደልደለ፣ ኣጓላት እናለኸፈ፣ ሓላፍ ዘላፍ እናተዛረበ ሰባት ካብዘቐይምን ዝብድልን ርእሱ ይኽኣል›› ኢሎም ማንጃ ፍቓድ ንከውፅእ ኣሻሓት ኸፊሎሙሉ፡፡ብክንደይ መንከራ ነታ ማንጃ ፈቓድ ምስተረከበ ድማ ዶልፊን ዝዓይነታ ታክሲ ገዚኦሙሉ፡፡‹‹ዘለለው፣ ነዳዲኣን መለዋወጢ ኣቕሑኣን ኽኢልኻ ከም ናይ ባዕልኻ ገይርኻ ግንሐያ፤ ካብቲ ዝረኻብኻዮ ወርሓዊ ኣታዊ 30 ምኢታዊ ንዓይ፣ 70 ምኢታዊ ድማ ንባዕልኻ ፈቒደ ኣለኹ - ብህድኣት ግንሐያ፡፡ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልኻ እንተሰሪሕኻ፣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናይ ባዕልኻ መኪና ክትገዝእ ኢኻ፡፡ ሻቡ መኪናይ ክትምልሰለይ ኣለካ›› ክብሉ ምዒዶሞን ኣተባቢዖሞን፡፡
ዘለለው ቀሊል ሰብ ኣይኾነን፡፡እታ ታክሲ ካብ ዝትውድኦ ነዳዲን መለዋወጢ ኣቁሑን ባዕሉ ዝሸርቦ መስተን ንሰሙን ሙሉእ 24 ሰዓታት ከየቋረፀ ዘመስኩዖ ጫትን ብዕፅፊ በሊፁ፡፡ነቶም ኣኮኡ ድማ ይትረፍ 30 ምኢታዊ ወርሓዊ ኣታዊኡ ክኸፍሎምስ ብልቓሕ መልክዕ እናወሰደ ብኣሻሓት ኣክሲሩዎም፡፡ንሶም እውን ከም ዘይምልሰሎም እናፈለጡ ስቑ ኢሎም ይህብዎ - እንተዘይኾይኑ ሓደገኛ ዱርየ ምዃኑ ከም ዘይተርፍ ስለዝፈልጡ፡፡ክህብዎ ከለው ‹‹ኣንታ ሓሰማ! ድሓን ጥራይ ንስኻ ሰብ ኹን እምበር ብዛዕባ ገንዘብ ኣይትፀገም›› ይብልዎ፡፡ዘለለው ግን ሰብ ማለት ክልተ ጉምጫኡ ቖፅሊ ወቲፉ ዘመስኩዕ፣ ከም ውቕያኖስ ዝመፅአ ነገር ኹሉ ኣፉ ኸፊቱ ዝቕበል ጥራሕ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን፡፡
ንዘለለው ‹‹ጠጥቶ ማሽከርከር በህግ ያስቀጣል›› ዝብሃል ትእዛዝ ኣይስቆሮን፡፡ እቲ ንዕኡ ዘኽዶ፣ ብኣንፃሩ እናሸረበን ቖፅላመፅሊ እናመስኮዐን እንተዘይኾይኑ ይትረፍ መኪና ክገንሕ ኢደ እግሩ እውን ከንቀሳቅስ ኣይኽእልን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ክልተ ሰለስተ ሕቑፊ ጫትን ክልተ ሊትሮ ብዝሕዙ ናይ ‹‹ሃይላንድ›› መዐሸጊታት ድማ ዝተፈላለዩ ዓይነት መስተታትን እንተዘይፅዒኑ ሞተር መኪናኡ ኣየንቀሳቅስን፡፡ክልተ ጉምጫኡ መሊኡ ጫት ይመስኩዕ፣ ብኣረቂን ጉደርን ድማ የወራርዶ፡፡ኣፉ ክሉሻዕ ሳባ ዝመልአ ባሕሪ እዩ ዝመስል፣ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝሓበጡን ተጎልጒሎም ኣብ ግንባሩ ዝተሰቐሉ ዝመስሉን ኣዒንቱ ዝበሰለ ጎሚደረ እዮም ዝመስሉ፡፡ገፁ ቀዳማይ ክፍሊ እናሃለኹ ዝረአኹዎም ናይ ኤዲስ ሕሙማት ፎቶ የስታውሰኒ፡፡ዝርኢ ዘሎ ግን ኣይመስልን፡፡
መጀመርያ ኣከባቢ ጫት እንተዘይሓይኹን መስተ እንዘይሰትዩን ጥራሕ እዩ ንባዕሉን ንመኪናኡን ክገንሕ ዘፀግመሉ ነይሩ፡፡ ዳሕራይ ግን ክንዲ ዝኣኽሎ ይሽረብ፣ ክንዲ ዝኣኽሎ ጫት ይሞስኩዕ ሰውነቱ ክእዝዝ ኣይኽኣለን፡፡ብደው ክታኸስ ጀሚሩ፡፡ይደቅስ ኣይደቅስ ዓምባዛት ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ፎቶ መሲሉ ይግተር፡፡መኪና እንትገንሕ ብቕድሚቱ ዘለዋ ኩለን መካይን ዝገጨወን ስለዝመስሎ ኣብ ርሑቕ እንሃለዋ ክላክስ የስምዐን፡፡ ብድሕሪት ንዝኽተልኦ እውን ናይ ድሕሪት መብራህቲ እናብረሀን ድምፂ እናስመዕን ሞኽ የብለን፡፡ብሓፈሻ ብሕልሙ ዝገንሕ ዘሎ እዩ ዝመስል፡፡ናይ ትራፊክ ሕግታት ምኽባር ስለዝተሳኣኖ ኩሉ ሻዕ ይቕፃዕን ማንጃፍቓዱ ይምንጠልን፡፡ይኹን እምበር ይትረፍ ከመሓይሽ እናባኣሶ ከይዱ፡፡
እዚ ዝተዓዘቡ ትራፊካት ማንጃ ፍቓዱ መንጢሎሞ፡፡ዝኽፈል ኸፊሉ ማንጃ ፍቓዱ ክምልስ ናብ ብዓል መዚ መጓዓዝያ ተማሊሱ ይትረፍ መኪና ክገንሕስ ንባዕሉ እውን ገናሒ ከምዘድልዮ ነጊሮሞ፡፡ድሕሪኡ ኣዒንቱ ዝብኣሰ ኣፍጢጡ ዓማላት ኣስናኑ ገጢጡ ግትር! በቃ ግትር - ኣይናገር ኣይግገር፡፡ሓተላ ዝመልአ ኸፋት ገንኢ መሲሉ ሱቕ፡፡እዚ ዝተዓዘቡ መሓዙቱ ነታ ኣኮኡ ዝሃብዎ መኪና እናፈትሑ ኣካላታ ክሸጥዋ ጀሚሮም፡፡ ዘዝተረኸበ ገንዘብ ድማ ንጫትን መስተን ይብተን፡፡ሐደ…ክልተ…ሰለስተ እናበሉ ነታ መኪና ከም ደርሆ ኣብ ዓስርተ ክልተ ቖራሪፆም ኣይንዋጋ ኣይንዕዳጋ ኣትሪፎማ፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ዘለለው ወዲ ናብ ጎደና ወፂኡ፡፡ሐዚ ኣብ እንዳ ጉሓፍ ዝረኸቦ ዝተቖራረፀ ጫትን ተረፍ መረፍ ነገራትን እናሃደነ እዩ ዝነብር፡፡ ኣብ ሓደ ቦታ ግትር ምስበለ ስለዘይንቀሳቀስ ድማ ዓውደ ሰብ ዝብሃል ሓዲስ ሳጓ ኣውፂኦምሉ፡፡ንዓይ ግን ክርእዮ ከለኹ ናይ ዓውደ ሰብ ፅላሎት እዩ ዝመስለኒ፡፡እቲ ዘይተመጣጠነ ገጂፍ ቁመናኡ ንፋስ ከም ዘወዛውዞ ናይ ብሃርዛፍ ፅላሎት እዩ ዘስታውሰኒ፡፡ንሰዓታት ተገሪዑ ይውዕል እሞ ክንቀሳቀስ ከሎ ድማ ዘ…ው…ዘ..ው…ዘውውው ይብል፡፡
የውሸት መጨረሻው ይሀው ነው.
ReplyDeleteእውነት ትመነምናለች እንጂ አትበጠስም!!