Saturday, July 12, 2014

ሓርያ የ ማርያ የ፡ ሓምለ ሓሙሽተ(ብዓል ሃወርያ)



ንጭጉራፍ መስረሒ  ዝኸውን ልሕፂ ስራው፣ ጭዓ፣ ባህርዛፍ፣ነጫ  ወዘተ ተላሒፁ፣ ኣብ ፅሓይ ደሪቑ ክፀንሕ ይግበር፡፡ድሕሪኡ ድማ ኣብ ማይ ትኣሊኹ ይቅኒ፤ ምእንታን ክትርክስ፡፡ እቲ ብማይ ንክትርክስ ዝተገበረ ልሕፂ ሽመል ተሸሚሉ እንቦ ሸሞንተ ክሳብ 12(ከከም ክእለትኻ) ብዝኸውን ተኣኒቡ ጭጉራፍ ንክስራሕ ይዳሎ፡፡ ብምቕፃል ድማ ሽሕቆ(ዒቃ) ተሻሒቑ ይሽመል እሞ ጥበብ ኣሰራርሓ ጭጉራፍ ብዕሊ ይጅመር፡፡

እቲ ጭጉራፍ ብቲ ዝተሽመለ ሽሕቖ ዝተወሰነ ልሕፂ ብምጥምጣም ይውጠን፡፡ቀፂሉ እቲ  ብሽመል ዝተጠምጠመ ልሕፂ ክቢ ወይ ከዓ ሙልል ዝበለ ቕርፂ ከምዝሕዝ ገይርኻ ይዕፀፍ እሞ እትን ዝተራኸባ ክልተ ጫፋት እውን ዝተወሰኑ ዙራት ኣስጢምኻ ብምጥምጣም ዓይኒ ጭጉራፍ ይስራሕ፡፡ ብድሕሪኡ ድማ እቲ ልሕፂ ኣብ 8 ተኸፋፊሉ እንትሽመል እቲ ጭጉራፍ እንቦ ኣርባዕተ ይኸውን፡፡ኣብ 16 ተኸፋፊሉ እንትሽመል ድማ እንቦ 8 ሸሞንተ ይኸውን፡፡ኣብ 24ን እንተ ተኸፋፊሉ ድማ እንቦ 12 ክልተ ይኸውን፡፡ ኣብ 48ን እንተተኸፋፊሉ እውን እንቦ 24ን ይኸውን( እዚ ብጣዕሚ ሕልኽልኽ ዝበለን ኩሉ ሰብ ዘይደፍሮን መድከሚ ኣሰራርሓ ጭጉራፍ እዩ)፡፡ 


እዚ ኣሰራርሓ እዚ እቲ ዝቐለለን ዳርጋ ኩሉ ዝኽእሎን እዩ፡፡ እቲ ጭጉራፍ ኣብ መትሐዚኡ ኣከባቢ ረጒድ እንትኸውን እና ቀጠነ እናቀጠነ ከይዱ ጫፍ ኢቲ ጭጉራፍ ነዃዒቶ(መርሒ) ይግበረሉ፤ ምእንታን ክኖቂ፡፡

እቲ ብጣዕሚ ፈታኒ ዝብሃል ኣሰራርሓ ጭጉራፍ ብእንቦ ኣርባዕተ ጀሚርኻ ዓይኒ ጭጉራፍ ይውጠን እሞ እታ እንቦ ኣርባዕተ ኣብ ክልተ ብምዕፃፍ ብእንቦ ሸሞንተ ንክትቕፅል ይግበር፡፡ብእንቦ 12 ንክስራሕ ዝተሓሰበ ጭጉራፍ ድማ ብእንቦ ሽዱሽተ እዩ ዝውጠን፡፡ በእንቦ 24ን ንክስራሕ ዝተደለየ እንተኾይኑ እውን ብእንቦ 12 ይውጠን፡፡እዚ ግን ከምቲ ቅድም ክብል ዝበልኩዎ ብጣዕሚ ከቢድን ውሑዳት ዓበይቲ ዓዲ ጥራሕ ዝኽእልዎን እዩ፡፡

እቲ ጭጉራፍ ተሰሪሑ ምስ ተወደአ በትሪ ኢድ ይስርሕ እሞ እታ በትሪ ኢድ ጫፋ ብምንኳል ወይ ከዓ ብምኽርኻር ካብ ሽሕቆ ብዝተሰርሐ ሸመል( ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ካብ ካሻ ተመዚዙ ብዝተሸመለ ሽመል) ብምእሳር ኣብታ ዓይኒ ጭጉራፍ ሸቊርካ ብምእሳር ከም መትሐዚ ካይና ተገልግል፡፡

ጭጉራፍ ሓርያ ጓሶት እዮም ዝሕዝዎ፡፡እቶም ጓሶት ምዕጉር ዝበሉ እንተኾይኖም ባዕሎም እዮም ጭጉራፍ ዝሰርሑ፡፡ ገና ዕሸላት እንተድኣ ኾይኖም ግን ዓብዪ ሓዎም ወይ ድማ ኣቦኦም ይሰርሐሎም፡፡ ኣያ ወይ እውን ዓብዪ ሓው ዘይብሎም ግን መዓልቲ ሓርያ መዓልቲ ታሕጓስን ፅጋብን ምዃና ተሪፉ ኣብ ሂወቶም ዓብዪ በሰላ ገዲፋትሎም ትሓልፍ፡፡ሓርያ መዓልቲ ጭጉራፍ ዘይብሉ ቆልዓ ካብ ምሓዙቱ ብታሕቲ ከም ዝኾነ እዩ ዝስመዖ፡፡ምሓዙቱ ሕያይ ጭጉራፍ ሒዞም ሕንበሻ ሓርያኦም እናጎረመጩ
ሓርያ የ ማርያ የ
ገረብ ገረብ ፃልያ
ዃርያ ትእዊ ኣላየ
ሕምበሻ ሃብዋ የ
ተኣበየት
ብጭጉራፍ በልዋየ
ኡይይይ!!!

እናበሉ እንተንትጉን ብቅንኢ ምዓንጠኦም ሕንኩት ኢሎም ይውዕሉ፡፡ዓለም ንገሊኡ መርዓ ንገሊኡ ድማ ደርዓ እንድያ በዓል ሓርያ እውን ንገሊኦም ጓሶት ብሃንቀውታ ዝፅበይዋ ፍልፍል ታሕጓስን ፅጋብን፤ ንገሊኦም ድማ ‹‹እዛ ፀልማት መዓልቲ መፅአት ድማ፤ ሎሚ ኾን መን እዩ ጭጉራፍ ዝሰርሐለይ? ወይስ ሎሚ እውን ከም ዓሚ ብዘይ ጭጉራፍ እያ ከሕልፋ?›› እናበሉ ዕሸል ኣእሙሮኦም ዘጨንቑላ ኮይና ትሓለፍ፡፡
እቶም ፀሚኦም ዝሓገዩ ሽንጥሮታትን ሩባታትን ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ መሊኦም ውሒጅ የንገልጨሎ፡፡ጎቦታት፣ መይዳታትን ጎላጉልን ማይ ፀጊቦም ቅሚፅ ቅሚፅ ይብሉ፡፡

 ምድረ ሰማይ ብለምለም ሳዕርን ብዝተፈላለዩ ኣዝርእቲን ወቂቦም ምምፃእ ሓዲሽ ዓመትን ሰናይ ዘመንን የበስሩ፡፡ እቲ ሓምለ ሓሙሽተ ብኹሎም ኣንፈታት ዝስማዕ ዝተፈላለየ ዓይነት ድምፂ ጭጉራፍ ድማ ርችት ኦሎምፒክ መሲሉ የዐምሮ፡፡ እቲ ካብቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭጉራፋት ዝወፅእ ድምፂ ጎቦታት እናተቐባበሉ እቲ ብስራት ሰናይ ዘመን ንኹሉ ክባፃሕ ይገብሩዎ፡፡
ውን ይብለንሎ ኣነ
ውን ይብለንሎ ኣነ
ውን ይብለንሎ ኣነ ዕሸልነት ውን ይብለንሎ፡፡
ቁልዕነተይ ተዘኪሩኒ፤ ኩሉኹም መታዓቢተይ በቢ ዘለኹሞ ናፍቖት ዘይማይ ትቐበሉኒ፡ ብፍፁም ዮሃንስ፡፡

5 ሓምለ 2006 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ

No comments:

Post a Comment