Thursday, July 24, 2014

ገብሩ ዋሕናን ሓዳስ ቃርሒትን



ገብሩ ቀጢን ነዊሕ እዩ፡፡ነዊሕ ጥራሕ ግን ሙሉእ ብሙሉእ ኣይገልፆን፤ ብጣዕሚ ነዊሕ እውን እንተኾነ እኹል ኣይኮነን፡፡ ታድኣ ክንብሎ? ሰማይ ዳሱ፡፡ እቲ ብጣዕሚ ዝነውሐ ኣካሉ ግን ክሳዱ እዩ፡፡ርእሱ ዝተጨበጠ ኢድ እያ ዝትመስል፡፡ኣብ መንጎ ኣዒንቱ፣አፍንጫኡን ኣፉን ዘሎ ርሕቐት ዳርጋ ዘሎ መሲሉ ስለዘይርኣየካ ገፁ ገበጣ እዩ ዝመስል፡፡ብምዃኑ ድማ ገለ ገሊኦም ሹማ ይብልዎ፤ሓርኢ እኽሊ በሊዕዎ ፀሊም ጠቐር ኮይኑ ዝቐረየ ሹማ ማሽላ፡፡


እቲ ኻሊእ ብጣዕሚ ዝነውሐ ኣካሉ ድማ ኣብ ምሓውሩ ይርከብ፡፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ናይ ሰብ ከይኮነስ ናይ በራሕለ ግመል እዮም ዝመስሉ፡፡ካብ ፅኩ ንላዕሊ ክሳብ ማእገሩ ዘሎ ኣካሉ ግን ልክዕ ከም ገፁ ብጣዕሚ ዝተቐራረበ ስለዝኾነ ኣየናይ ከብዱ ኣየናይከ ደረቱ ምዃኑ ንምፍላይ ኣፀጋሚ እዩ፡፡ብምዃኑ ድማ ኣብ ማእኸሉ ተለቊሙ ዝተንጠልጠለ መፅዓን እዩ ዝመስል፡፡ምናልባት ድማ ሰጎን ይመስል ክንብሎ ንኽእል፤ መንኮራፍዕቲ ዘይብሉ ስለዝኾነ እምበር፡፡

እቲ ብመስአ እምብር ብመሰንተር ክስንተር ዘይኽእልኻንታት ፀጉሩን ትኹሪር ሕብሩን ዝረኣዩ ሰባት ድማ ፅላሎት ሰይጣን ይብልዎ፡፡ምኽንያቶም እንተብራሕርሁ እውን ክጉዓዝ ከሎ ሸምበብ ሸምበብ ዝብል ፅላሎት ኣጋ ምሸት መሲሉ ስለዝረኣየና ይብሉ፡፡እቲ ኻሊእ መኽንያቶም ድማ ገብሩ ዋሕናን ክመፅአካን ክፍለየካን እንከሎ ስለዘይርአን ድምፂ ስለዘየስምዕን እዩ፡፡ኣሎ እናበልኻዮ የለን፤ የለን እናበልኻዮ እውን ምሳኻ ከፍ ኢሉ ትርእዮ፡፡

ስራሑ እንታይ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ነገር የለን፡፡ገብሩ ዋሕናን ኣይሓርስ ኣይዓፅድ፣ ኣይፅህይይ ኣይኹስኩስ፡፡ደርጋ መብዛሕቲኦም ደቂ ሰባት ስለዘግለልዎ መዛቲይቲ፣መባልዕትን መሳቲትን የብሉን፡፡ምስ ገብሩ ዋሕናን ክዛተ ዝኽእል ሰብ ከም እዮብ ዓቅላም ክኸውን ኣለዎ፤ ዘረባ እንተጀሚሩ ክሳብ ዝውድእ ሰለዘየቋርፅ፡፡ገለ ትብል እንተድኣ ኣቋሪፅካዮ ኣብ ምንታይ ከምዝነበረ ስልዝርስዖ ከም ብሓዲሽ እዩ ካብ ፈለማ ዝጅምር፡፡ዝመፅአ ይምፃእ ግን ዘረባኡ ከይወደአ ካብ ከፍ ዝበሎ አይትስእን፤ ዋላ ገዲፍካዮ ተኸድካ እውን ንበይኑ ይቕፅል፡፡

ገለገለ ቀያዕቲ ገብሩ ዋሕናን እኽለማይ ጥዒሙ ኣይፈልጥን ይብሉዋቶ፡፡ታይ ድኣ? ዘረባ ይበልዕ፤ ዘረባ ክዓ ይሓርእ፡፡ውዕል መዓልቲ ኣእዛኑ ድሽ ኣምሲሉ ዘረባ እናመልአ ይውዕል እሞ ምሸት ንምሸቱ ንሓለቕቶቱ የሽርቦም፡፡ንሱ ዘረባ እንተጀሚሩ ከይወደአ ከምዘየቋርፅ ስለዝፈልጡ ድማ ቴፕ ሪከርድር ኣሰናዲዎም ገዲፎምሉ ናብዝሐሾም ይኸዱ፤ ዳሕራይ ተመሊሶም ነቲ ቴፕ ኣፃዊቶም ድማ የዳምፅዎ፡፡

ንበዝሒ እምበር ንፅርይትን ሓቅነትን ዘይግደሱ ሓለቕቶቱ ‹‹ውድብና ኣብ ዓለም ብዓይነቱ ፍልዩ ዝኾነ መቕረፀ ድምፂ ዝወነነት ብሕታዊ ውድብ እያ›› እናበሉ ይምከሕሉ፡፡ገብሩ ዋሕናን ዓይንን እዝንን ኮይኑ መን ፍቕሪ ውድብ ከምዘለዎ፣ መን ከ ፅልኣት ከም ዘሕደረን መምረሒታት ውድብ ከም ዝነፅግን መምዩ ተዘየቕረበልና ነይሩ ዛጊድ ሓፋሽ ምሒው ምደርበየና፡፡እናበሉ ንሱ ዘበርከቶ እጃም ይንእዱ፡፡ይኹን እምበር ዝተዛበዑ ሓበሬታታት ስለዝህቦም ዝተዛበዑ ስጉምቲታት ይወስዱ ከምዘለው ኣይፈልጡን እዮም፡፡እቶም ዝፈልጡ እውን ኣይንታዮምን፡፡


ገብሩ ዋሕናን ዋላ እኳ ንውድብ ወሳኒ ይኹን እምበር ንህዝቢ ግን ሕሱም ፀላኢኡ እዩ፡፡ብምዃኑ እውን ኣብቲ ከባቢኡ ኦፊርኻ እቶ ዝብሎ ሰብ የለን፡፡ኣራዮ ዕንፀይትን ጓሶትን እቲ ከባቢ ከም ዝስዕብ እናበሉ ይደርፍሉ፡፡ደርፊ ይኹን ፀርፊ ግን እቲ ህዝቢ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ፡፡
ገብሩ ዋሕናን ኣንታ ሻሕናን
ደመኛኻ ስሓቕን ፃወታን
ኣባያኻ ሕማምን ፀበባን
ንክትነብር ዶ ኣይተንብረናን
ገብሩ ገብሩ ክፉእ መጋብሩ

ከይቀተልካስ ብደው ምቕባሩ፡፡

ሰበይቲ ገብሩ ዋሕናን ሓዳስ ቃርሒት ትብሃል፡፡ኮፍ ኢላን ጠጠው ኢላን ማዕረቁመት ዘለዋ ፍልይቲ ፍጥረት እያ፡፡መብዛሕቲኡ ግዜ ሰብኣይን ሰበይቲን ሓቢሮም ኣይጉዓዙን እዮም፡፡ሓሓሊፎም ሓቢሮም እንትጉዓዙ ግን ንሳ ቅድሚት ቅድሚት ንሱ ከዓ ድድሕሪኣ ይኽተላ፡፡ንምታይ ተተባሂሉ ‹‹መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንዘመናት ተረጊፁ ስለዘነበረ ንምክሕሓስ›› ይብል፡፡ይኹን እምበር ብቑመትን ቅርፂ ሰውነትን ሰለ ዘይመሳሰሉ ሓቢሮም ክጉዓዙ ከለው ኩዕሶ ዘንከባልል ዘሎ እምበር ምስ ብዓልቲ ገዛኡ ዝጉዓዝ ዘሎ ኣይመስልን፡፡

ሓዳስ ቃርሒት ደቂ ኣንስትዮ ዝተዛረብኦ ክትቀድሕ ዝተመደበት ኣንእስተይቲ መቕረፀ ድምፂ እያ፡፡ንሳን ብዓል ገዛኣን ማዕረ ባህሪ እዩ ዘለዎም፡፡ኣዘራርባኦም ድዩ፣ምስ ካልኦት ዘለዎም ርክብ ድዩ፣ ዋላ እውን ዝፅዎ ዓይነት እኽለ ማይ ሓደ ዓይነት፡፡ዕላሎም በቢተራን ነፃን ግልፅን እዩ፡፡ሓደ መሸት ንሳ እንተዕሊላ ንሱ ዘረባኣ ክሳብ ትውድእ ከዳምፃ የምሺ፡፡ንሱ ከዕልል ከሎ እውን ከምኡ፡፡ብምዃኑ ድማ ቪሲዲ፣ቴፕ፣ሬድዮ፣ቴለቪዥን ወዘተ ንከይገዝኡ ወሲኖም፡፡ሞባይል እንውን እንተኾነ ፈለማ ፋሽን ስለዝመሰሎም ገዚኦም ነይሮም፡፡ዝጀመርዎ ዘረባ ክሳብ ዝውድኡ ምኢቲ ቅርሺ ስለዘይትጠቕሞም ግን ዳሕራይ ብሞባይል ምዝርራብ ከም ዘየዋፅኦም ብሓንቲ ድምፂ ተስማዕሚዖም፡፡


እቲ ኣብመንጎ ስብኣይን ሰበይትን ዘሎ ምሒር ምምስሳል ዝተዓዘቡ ጓሶት ከምዚ እናበሉ ይደርፉሎም፡፡
ሎ ገብሩ ዋሕናንን ሎ ሓዳስ ቃርሒትን
ሎ ቃንጪ አመሎም ሎ ቁራፅ ሰያጥን

ሎ መዋስብቲ ዶ ሎ ሓውን ሓፍትን

ክልቲኦም ብውድብ ዘለዎም ተቐባልነት ዝልዓለ እዩ፡፡ኣብ ገለ ገለ ስብሰባታትን መደረታትን ከም መቕረፀ ድምፂ ኣብቕድሚ እቲ ሰብሳቢ ሓብሮም ዝቕመጥሉ እዋን ብዙሑ እዩ፡፡ካብ ስብ ሰራሕ ሪከርድር ንላዕሊ ታኣመንቲ ስለዝኾኑ፡፡ይኹን እምበር ክልቲኦም መኻናት ስለዝኾኑ ንሶም እንተተሰዊኦም ምን ክትክኦም ክምዝኽእል ንመራሕቲ ውድብ ኣብ ፀበባ ኣእቲውዎም ይርከብ፡፡ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ናይ ምትክካእ ፖሊሲ ክፍተት ስለዝፈጥር፡፡ብስልጠና መልክዕ ልምዶም ከየካፍሉ ንሳቶም ተዛሪቦም ክሳብ ዝውድኡ መን ክዕገሶም፡፡ከም ዳይነሶር ካብ ገፅ ምድሪ ከይጠፍኡ ዝሰግአት ህውሓት ናብ ወፃኢ ዓዲ ልኢኻ ብምደቓል ንክተራብሖም ወሲና፡፡


ሕክምና ምድቓል ዝርኢ ወዲ ሰብ ብጣዕሚ ክባር ምስ ምዃኑ ከፊላ ክተራብሖም ስለዘይኽኣለት ድማ ቻይና ንክትሕግዛ ምሕፅንታ ኣቕሪባትላ፡፡ቻይና ንውድብ ንዘይምሕፋር ክትብል ኣብ ነዊሕ ግዜ ብዝኽፈል ልቃሕ ተስማዕሚዓ ብዙሓት ገብሩ ዋሕናናትን ሓዳስ ቃራሒትን እናፍረየትላ ትርከብ፡፡ሐዚ ትግራይ ጥራሕ ከይኮነስ መላእ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪካን እውን በዋሕናናትን ቃራሒትን ክሳብ ጉሮሮአን ቕፅፅ ኢለን ይርከባ፡፡

No comments:

Post a Comment