![]() |
ተጋዳላይ ትግራይ ንዓዱ እንተማዓዱ
|
ወዲ ኣዳም ብተፈጥሮኡ ተበላሓቲ እዩ፡፡ብዛዕባ ባዕሉን ከባቢኡን የበላሓት፤ ኣነ መን እየ? ካብይ መፂአ? መዓዝ መፂአ? ቀፃሊ ጉዕዞይ ወይ ከዓ ዕፃይ(ዕጫይ) ኸ ታይ ክኾን ይኽእል?ነገራት ንምንታይ ከምዚ ኾይኖም? መዓዝከ ከምዚ ኾይኖም? መን ገይሩዎም? እናበለ ካብ ዝሓትት ቡዙሓት ክፍለ ዘመናት ኣቑፂሩ፡፡ይኹን እምበር ኣዕሚቕካ ብመሕሳብን ሕቶታት ብምሕታትን ጥራሕ ኣይተመለሰን፡፡
ወዲ ሰብ ኣዕሚቑ ምሕሳብን ምሕታትን ተጀሚሩ ድቃስ ኣይረኽብን፤ ይውጋሕ ይምሰ ዕርፍቲ ይስእን፡፡ወግሐ ፀብሐ የስተባህል፤
ይበላሓት፡፡ብልሓት ብልሓት ይወልድ፡፡ሓሳብን ሕቶን ኣብ ሕልና ተተኺሎም ብዘይምቁራፅ ዝድወሉ ተፈጥራዊ ደወላት እዮም፡፡ሕልና ድርብ
ወፅዓ በዚሕዎ ‹‹በጃኻ እባ ገለ ግበር›› እናበለ ይድውል፤ ለይቲ ምስ ቐትሪ - ዘየዳግም ፈውሲ ክሳብ ዝረክብ፡፡
ዝኾነ ይኹን መስተንክራዊ ፍፃመ ካብ ዕሙቕ ትዕዝብቲ ይብገስ፡፡ዕሙቕ ትዕዝብቲ ነገራት ንምንታይ ከም
ዝኾኑን ወይ ድማ ከም ዘይኾኑን ንክትሓትት ይዕድመካ፡፡ሕቶታት ድማ ዓሞቕትን ሰፈሕትን መፅናዕታትን ምርምራትን ብምክያድ ዘዕግብ መልሲ ናብ ምንዳይ
ይደፋፍኡኻ፡፡እዚ ኣካይዳ ዚ ሳይንሳዊ ብልሓት ይብሃል፡፡ካብ ሳይንሳዊ ብልሓት ዝተበገሰ መስተንክራዊ ተዋስኦ መወዳእታኡ ዓወት እዩ፤
ድርብ ዓወት፡፡
ቡዙሓት ቃልስታትን መስደመም ታሪኻትን ህዝቢ ትግራይ ስኣን ብልሓት ለሚሰምን ዓኒዎምን እዮም፡፡ንኣብነት
ምዕባለ ዳኣማታውያንን ኣክሱማውያንን ከምኡ እውን ቀዳማይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ምፅራሕ ይክኣል፡፡ብኣንፃሩ ድማ ኻልኣይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ
ሽቱኡ ወቒዑ? እንተተባሂሉ መልሱ በሳይንሳዊ ብልሓት ዝብል ይኸውን፡፡
ወርቅታት ደደቢት ምሒር ብልሓተኛታት እዮም ነይሮም - ብርቱዕን ድኹምን ጎኖም ነፂሮም ዝፈልጡ
ብልሓተኛታት፡፡ህልዊ ኩነታት ከባቢኦምን ኣንፈት ጉዕዞኦምን ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጡ ቅኑዕ መስመር ስንቆም፡፡መርገፂኦም ፅኑዕ፣ መትከሎም ተሪር
ነይሩ፡፡ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፉ ተመኩሮታት ንምምሃር ዝነበሮም ውፊይነት ብጣዕሚ እዩ ዘደንቐኒ፡፡
ዝባኖም ብስንኪ ስእነት ዕሩቕ ነይሩ፡፡ብቐትርን ለይትን ጉዕዞ፣ብጥምየትን ማይ ፃምእን ዝደኸመን ዝማሰነን ዝመስል
ኣካል፤ ቂፅን ቁማልን ዝመልአ ትሰንቲሩ ዘይፈልጥ ፀጉሪ፣ ጃዕፋር ገፂ፣ ጃዕፋፍ ርእሲ - ብርሑቕ ንዝጥምቶም፡፡ብቐረባ ንዝፈልጦም
ግን ከም ብረት ተረርተን ከም ስርናይ ሻሓን መእረ ዘይብሎምን ነይሮም፡፡ከም ማይ ንጉሆ ኩሕሊ ዝመስሉ ፅሩያት፡፡ሰብ ቅኑዕ መስመር
ንፁር መትከል፡፡ዘይድፈር ዕርዲ፣እናዋዘየ ዝሕምሽሽ ወያናይ መስመር፡፡
ፅሬት መነፀሪ ኣንፈት ጉዕዞኦም ነይሩ፤ ንድሕሪት፣ንቕድሚት፣ንየማንን ንፀጋምን ዝርእይሉ ኮምፓስ፡፡ኣመለኻኽታኦም ከይሰፍል፣
መስመሮም ከይስሕቱ፣ውሽጦም ከይረስሕ ነቐፈይታን ዓርሰ ነቐፈይታን ዝብሃል ፍቱን መድሓኒት ነይሩዎም፡፡ውድብ ናይ ውልቀ ሰባት ጥምረት
እንድዩ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ከም ውድብ ከይትረስሕ ምእንታን ንባዕላን ኣባላታን በብእዋኑ ክተፅሪ ግድን ነይሩ፡፡እዚ ቃልሲ ህዝቢ
ትግራይ ብዓወት ንክዛዘም ካብ ዘኽአሉ ብልሓታት ወርቅታት ደደቢት እቲ ሓደ እዩ፡፡
ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ በመሪሕ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ሽቶኡ ንክወቅዕ ዘኽአሉ ሮቕሓታት ነፂርኻ ንምፍላጥ ዕሙቕ ዝበሉ ምርምራት
ዘድልዮ ስለዝኾነ ንተመራመርቲ ክገድፎ እሞ ነዛ ሓፃር ፅሕፍቲ እዚኣ ንከሰናድእ ናብ ዘለዓዐሉኒ ሕቶታት ወርቅታት ደደቢት ከምርሕ፡፡
ለካቲት 11 መፃእኹ መፃእኹ ኣብ ዝትብለሉ እዋን ብዛዕባ ዛንታታት ጀጋኑና ምዕላል መተካእታ የብሉን፡፡ዘንታ ወርቅታት
ደደቢት ከም ወርቅን ዕቑር መዓርን እናሓደረ ዝጥዕም መስተንክራዊ ቅያ እዩ፡፡እቲ ሐዚ ክነዕልለሉ ዝሓረኹዎ ድማ ብዛዕባ ኪነት ተጋድሎ
ሓርነት ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡መበዛሕቲኦም ደርፍታት ተጋድሎ ትግራይ ብዕሙቕ ትዕዝብቲ፣ ሕቶታትን መሕላታትን ዘተመልኡ እዮም፡፡ገሊኦም
ድማ እቲ ቃልሲ ንምንታይ ከምዝተወለዐን ትጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ታይ ይምስል ከምዝነበረን ብሒደት መስመራት ግጥሚ የዘንትው፡፡
ኣብቲ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ለካቲት ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት መበል 39 ዓመታ ክተኽብር እያ፡፡ትግራይ ድማ ብህ.ወ.ሓ.ት
ካብት እትምራሕ 22 ዓመታት ኣቑፂራ ኣላ፡፡ስለዝኾነ ድማ እየ መበል 22 ዓመት መሪሕ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን
ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ሕቶታት ወርቅታት ደደቢት ደጊመ ንምሕታት ዝተልዓልኩ፡፡
ደሓንዶ ኣላ ትግራይ?...››
እዛ ደርፊ እዚኣ ፈለማ ዝደረፋ ጠርጣራው እዩ፡፡ ይኹን እምበር ጠርጣራው ታይ ክምዝብል ንምድማፅ ቁሩብ የሸግረለይ እዩ፡፡ደርጊ ምስተሳዓረ ሲራጅ ጃሃር ኣብ አሜሪካ ምስደረፋ ግን ብጣዕሚ ግልፂ ኾይናትለይ፡፡ጠራጣራውን ሲራጅን ኾን ሎሚ ኣበይ ይህልው??? እዛ ሕቶኦም ኸ ተመሊሳትሎም ዶ ትኾን? እዛ ኣዶ ጅግንነትና፣ እዛ ኲናት ዝሓሰያ ዓድናን ዓይንናን ትግራይና፤ ድሕሪ 20 ዓመታት ከመይ ኣላ? ብዛዕባ ትግራይ ዝሓስብ ትግራዋይ ኹሉ እዛ ሕቶ እዚኣ ክሓትትን ዘዕግብ መልሲ ክረክብን ናይ ግድን እዩ፡፡ትግራይ ዓድና ዳሕንዶ ኣላ?
ዳሕን እንተድኣ ኾይና ተመስገን ንበል፤ ብዝበለፀ ዳሕና ክትኾነልና በብዝወፈርናዮ ንበርትዕ፡፡ዳሕን እንተዘይኾይና
ግን ድሕንነታ ድሕንነትና ስለዝኾነ ከም ኣያታትና ቀላፅምና ኣጣሚርና ብሓባር ክንዓስል ናይ ግድን እዩ፡፡ድሕሪ እዝኹሉ ዓቐብ ውረድ
ደይብ ‹‹ትምኒትን ትፅቢትን ገድሊ ትግራይ ደሚቑ እንተዘይተራእዩን እንተዘይፈርዩን ሐዚ እውን ብደምናን ብዓፅምናን ክንሕልዋ››
ግድን እዩ፡፡እቲ ናይ ሐዚ ኩነታት ደምን ዓፅምን ዝሓትት ኣይመስለንን፤ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ድልዋት ክንኸውን ኣለና፡፡
ልዕሊ ኹሉ ድማ ትግራይና ክንርስዕ የብልናን፡፡ትግራይ ዘይርሰዑ መስተንክራዊ ታሪካት ዘታኣናገደት ዘይትርሳዕ ኣዶ
እያ፡፡ኣበበ ኣርኣያን ብፆቱን
ዝዓበኹልኪ መረበተይ …ይ
ክሳብ መወዳእታ ዕብየትኪ ክትርኢ በዓይነይ
ትግራይ ዓደይ ወርቂ ተሸለሚለይ… ››

No comments:
Post a Comment