Sunday, January 18, 2015

ቀፃሊ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ናበይ የምርሕ?




ህዝቢ ትግራይ ብውድብ ህወሓት ካብ ዝምራሕ 40 ዓመታት ተቖፂሮም ኣለው፡፡ደርጊ ብዘይካ ከተማታትን ከባቢአንን መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ንምምሕዳር ዕድል ኣይነበሮን፡፡ብስሩ እውን እቲ ጉጅለ(ኮሚቴ) ብዛዕባ እንታይነት ህዝባዊ ምምሕዳር ዘይተሰቖሮ ስለዝነበረ ኣፍካ መሊእኻ መንግስታዊ ምምሕዳር መስሪቱ ነይሩ ንክትብል ዘፀግም እዩ፡፡
ህወሓት ግን ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረት እያ ህዝቢ ክተመሓዳደር ዝጀመረት፡፡እዚ ክብሃል ከሎ ግን እቲ ህዝቢ ሓንጎፋይ ኢሉ እዩ ተቐቢልዋ ማለት ኣይኮነን፡፡ኣብቲ ሻዓኡ እዋን ዝነበሩ ምሁራትን ንኡሳን መሳፍንትን ይቃወሙዋ ከም ዝነበሩን እታ ውድብ ድማ ብዘይንሕስያ ከም ዝቐፅዐቶምን ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡ብፍላይ ግን፣ እቶም እናዓፈነት ናብ 06 ዝወሰደቶም ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ኣበይ ከም ዝነጠቡ ኣይፍለጥን፡፡

ዝኾነ ኾይኑ ግን፣ መብዛሕቲኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ህወሓት ከም ዝነበረን ሐዚ እውን ከም ዘሎን ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን፡፡እቲ ወድዓዊ ጉዳይ እዚ ካብ ኾነ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን፣ እንተውሓደ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክልዓሉን ግቡእ መልሲ ክረኽቡን ኣለዎም ዝብል መርገፂ ኣለኒ፡፡
1.  ቅድሚ አርባዓ ዓመታት መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይመስል ነይሩ?
2.  ሐዚ ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት  ይርከብ?
3.  ኣንፈት ቀፃሊ ጉዕዞኡ ኸ ናበይ የምርሕ?

ውድብ ህወሓት ነቲ ዝመፅእ ዘሎ መበል 40 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብድምቀት ንምኽባር ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ፡፡ይኹን እምበር፣ እቲ ብዓል ካብቶም ዝሓለፉ ብዓላት ብምንታይ ከም ዝፍለ ዝተፈለጠ ነገር የለን፡፡ወይከዓ ብውልቀይ ዝፈልጦ የብለይን፡፡እዚ ክብል ከለኹ ግን ንህወሓት ዝህልዎ ረብሓ ጠፊእኒ ከይኮነስ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ዘምፅኦ ርኡይ ለውጢ እንታይ እዩ? ንባል እየ ደልየ፡፡

እቲ ወግሐ ፀብሐ ብሬድዮን ተለቪዥንን እናተጋነነ ዝጋዋሕ ዘሎ ስርሒት ፕሮፓጋንዳ ኣብ መሬት ከም ዘይርከብ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ናብቲ ክልል ኣምሪሖም ዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ከየንትን በቢገፆም ኣቃሊዖሞ እዮም፡፡ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ዝኾኑ ፕረዚደንት ኣባይ ወልዱ እውን ንምስክርነት እቶም ጋዜጠኛታትን ከየንትን ዘጠናኽር ርእይቶ እዮም ዝሃቡ፡፡እቲ ‹‹ገባር ትግራይ 100 ምኢታዊ ሞዴል›› ከም ዝኾነ ብጠቅላይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ዝተአወጀ ኣዋጅ ሻዕኡ ናበይ ከም ዝሃፈፈ ግን እንድዒ፡፡


ምስክርነት ከየንትን ጋዜጠኛታትን ሕሉፍ ጉዕዞ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ስርዓት ደርጊ ካብ ምውጋድ ሓሊፉ ዘምፀኦ ጭቡጥ ለውጢ ከምዘየለ ኣረጋጊፅለና ኣሎ፡፡ቀፃሊ ጉዕዞና ኸ ካብቶም ዝሓለፉ 40 ዓመታት ብምንታይ እዩ ክፈለ? ህወሓት ክሳብ መዓዝ እያ መንገዲ ትስሕቲለኺ ኢሎም እቲ ሓቂ ንዝነገርዋ እናባረረትን ተቓውሞታት እናዓፈነትን ክትቕፅል? እቲ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ጉዕዞ ህዝቢ ትግራይ ሂወቱን ንብረቱን ከም ዝኸፈለ ርጉፅ እንትኾን እኳ መረሕቲ ህወሓት ግን ይትረፍ ምስቲ ዝገበሮ መስዋእቲ ዝመጣጠን ካሕሳ ክክሕስዎስ ከም መጠን ህዝቢ እውን እቲ ዝግበኦ ክብሪ ኣይለገስዎን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ካብ ሽግርን ፀበባን ኣይተናገፈን፡፡ሎሚ እውን ከም ቀደሙ ድርዕቶ ተኸዲኑ፣ ርእሱ ኣድኒኑ ከብዱ እናሓኾኸ እዩ ዝነብር ዘሎ፡፡መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክሓልፈሎም ስለዘይኽኣለ እግሮም ናብ ዝመርሖም እዮም ጉዓዝ ዝብሉ ዘለው፡፡ናብ ዓረብ ሃገራት ዝስደት ዘሎ በዝሒ መንእሰይ ገዛኡ ይቑፀሮ፡፡ኣብ ኣዲስ አበባ መኾሰተርን መወልወልን ገዛ ተሸኪሞም፣ ብቁልቲ ኣንጠልጢሎም እግሮም ክሳብ ዝነቅዕ እናዘሩ ዝውዕሉ መናእሰያት ተጋሩ እዮም፡፡ክልተ ሰለስተ ህፃናት ቆልዑ ሒዘን ኣብ ጎደናታት ዝልምና ኣዴታትን እርጋን ዘዳኸሞም ሽማግለታትን ክትርኢ ከለኻ ልመና ንተጋሩ ዝተዓደለ መርገም እዩ ዝመስለካ፡፡

ብኣንፃሩ ድማ፣ መነባብሮ ውሑዳት መረሕቲ ህወሓትን ቤተሰቦምን ክትርኢ ከለኻ ገነት ንክትንዕቕ ይደፋፍአካ፡፡በቢግዜኡ እናቀያየሩ ዘሽከርክሩወን መካይን ዓይነተን ኣይፈለጥን፤ዘስርሕዎም ዘለው ህንፃታት ሃነን የብሉኻ፡፡ባጋጣሚ ስሕት ኢልኻ ኣዝዮም ክቡራት ናብ ዝብሃሉ መዛናገዒታት ቅልቅል እንትብል ልቦም ኣጥፊኦም ወኻዕኻዕ እናበሉ ምስ ስድራኦም (ቤተሰቦም) እንትዝናነዩ ትዕዘብ፡፡ብሓፂሩ፣ መነባብሮ ህዝቢ ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ሰማይን መሬትን ካብ ዝኸውን ብዓሰረተታት ዝቑፀሩ ዓማውቲ ኣሕሊፍና ኣለና፡፡እቲ ዘሕዝን ግን እቶም መራሕቲ ልቦም ክሳብ ዝጠፍእ እንትዓብዱ ህዝቢ ምርሳዖም እዩ፡፡
እዚ ድማ ኤሶፕ ብዛዕባ ኣንጭዋ፣ጭንቁራዕን ዓንጭን ዝፀሓፎ ነበረያ ነበረ ክንዝክር ይገብረና፡፡

ከም ኣባሃህላ ኤሶፕ፣ ኣንጭዋን ጭንቁራዕን ስጡም ዕርክነት መስሪተን፡፡ከምቲ ዝፍለጥ፣ ኣንጭዋ ኣብ ማይ ክትነብር ኣይትኽእልን፤ ኣብ ደረቕ መሬት እምበር (‹‹ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ›› ከም ዝብሃል)፡፡ጭንቁራዕ ግን መሬትን ማይን ከም ድልየታ ንክትነብር ተፈጥሮ ስለ ዝዓደላ ኣብ ክልቲኡ ብዓልቲ ገዛ እያ፡፡እዘን ክልተ ኣዕሩኽ ኣብ መሬት ይኹን ኣብ ማይ ንከይፈላለያ ተመሓሒለን እየን፡፡
ኣብ ደረቕ መሬት ክሳብ ዝነበራ እውን ምንም ዓይነት ፀገም ኣጋጢምወን ኣይፈልጥን ነይሩ፡፡ሓደ መዓልቲ ግን እታ ጭንቁራዕ ንመናብርቲ ዓርካ ዝኾነት ኣንጭዋ ኣብ ውሽጢ ማይ ምንባር ኣዝዩ ምችው ከም ዝኾነ ትነግራ እሞ ንዝተወሰነ ግዘ ሓቢረን ኣብ ማይ ንክነብራ ተረዳዲአን፡፡እታ ኣንጭዋ ምሕማስ ስለዘይትኽእል ግን ኣብ ሑቐ እታ ጭንቁራዕ ተጣቢቓ ንክትእሰር ወሲነን፡፡
ድሕሪኡ፣ ጭንቁራዕ ዘሊላ ናብ ማይ ጉድጓድ ትኣትው እሞ ካብ መጠን ንላዕሊ ተደሲታ ቋቅቋቅቋቅ እናበለት ክሳብ ታሕቲ እናጠለቐት ትሕምስ፡፡እታ ጭንቁራዕ የመና ታሕጓስ ዕብድ ስለዝበለት ናይታ ኣንጭዋ ውፅኢ ነብሲ እተዊ ነብሲ ፃዕረ ሞት ኣየስተውዐለቶን፡፡ካብኡ፣ ወያ ኣንጭዋ ብኣፋን ብኣፍንጫኣን ማይ ሰትያ ሰትያ ሽዑ ንሽዑ ተነፊሓ ሞይታ፡፡

ከምቲ ዝፍለጥ፣ ኣብ ማይ ጠሊቑ ዝሞተ እንስሳ ንላዕሊ እዩ ዝንሳፈፍ እሞ እታ ዝሞተት ኣንጭዋ ንታ ጭንቁራዕ ተማላሊኣታ ናብ ላዕሊ ተንሳፊፋ፡፡
ሽዕኡ፣ ኣብቲ ከባቢ ሰማይ ሰማይ እናተንሳፈፈት ዝብላዕ ተናዲ ዝነበረት ዓንጪ ተወርዊራ ወሪዳ ነታ ኣንጭዋ ቅልው ተብላ፡፡እታ ጭንቁራዕ ንቲ ምስታ ኣንጭዋ ኣጣቢቑ ኣሲሩዋ ዝነበረ ልቋም ክትፈትሖ ኣይክኣለትን፡፡ብምዃኑ ድማ ክልቲአን ኣደዳ ዓንጪ ኮይነን፤ ክልቲአን ስሳይ በላዒ ኮይነን፡፡

ኣብዚ ክልዓል ዝግበኦ ቀንዲ ሕቶ፤ እዚ ነበረያ ነበረ እዚ ንታሪኻውን ወድዓዊን ኩነታት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ይገልፅ ድዩ? ዝብል እዩ ክኸውን፡፡እቲ ሕሉፍ ታሪኽና ዝምስክሮ ብዘይ ምንም ጌጋ ሓቂ ከም ዝኾነ እዩ፡፡
ኣብ እዋን ድርቂ 1977 ዓ.ም ህዝቢ ትግራይ ዝበልዖ ስኢኑ ይረግፍ ከም ዝነበረን ገሊኡ ናብ ሱዳን ገሊኡ ድማ ናብ ሰፈራ ከም ዝትሓፈሰን ይዝከር እዩ፡፡ እምብኣር ከስ፣ ኣብቲ ሽዓኡ እዋን ህወሓት ዝፈፀመቶ መሕፈሪ ተግባር ካብ መስረቲ ህወሓት ሓደ ዝኾኑን ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዝነበሩን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ከምዝስዕብ ይገልፅዎ፡፡ 
…ሻዓኡ፣ ብቲ ድርቂ ምኽንያት ካብ ዝተኣከበ ሓደ ምኢቲ ሚሊዮን ቅርሺ፣ እቲ 50 ምኢታዊ ንማሌሊት መጠናኸሪ፣ 45 ምኢታዊ ንህወሓት ሓገዝ፣ 5 ምኢታዊ ጥራሕ ግን ብቲ ድርቂ ንዝትጠቕዐ ህዝቢ ክውሃብ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ተወሲኑ፡፡እቲ በጀት፣ ብመብዛሕቲኡ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣኼባ ፀዲቑ፣ ብቃለ ጉባኤ ተታሒዙ፣ ብቴፕ ተቐሪፁን ኣብ ህወሓት ሰነድ ማእኸል ይርከብ፡፡
… ነባር ኣምባሳደር ኣውዓሎም ወልዱ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣድማስ ጋዜጣ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም ኣብ ገፂ 21 ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ፣ ‹35 ምኢታዊ ንህዝቢ፣65 ምኢታዊ ድማ ንህወሓት ተኸፋፊሉ› ይብል፡፡(ትርጉም ናይ ባዕለይ)

መራሕቲ ህወሓት ደርጊ ተሳዒሩ ንቤተ መንግስቲ ሃፀይ ምንሊኽ ምስ ተቖፃፀሩ ነቲ ን17 ዓመታት ዝደመየ ተጋዳላይ ትግራይ ዝግበኦ ዓስቢ ከይከፈሉ ነናብ ዓዱ በታቲኖሞ፡፡ሃገር ሓፁር ኣብ ዘይብሉ መይዳ ተሪፋ፡፡

ሻዕብያ ግን፣ ይትረፍ ነቲ ነባር ተጋዳላዩ ክብትንስ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑፀሩ መናእሰያት ናብ ሳዋ ወሲዱ ኣሰልጢኑዎም፤ፆታ ከይፈለየ፡፡ድሕሪኡ፣ ህዝቢ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል መስዋእቲ ከም ዝኸፈለ ምዝራቡ ንቀባሪ ምርዳእ እዩ ክኽውን፡፡ካሊእ ተሪፉስ፣ ህወሓት ከተማ መቐለ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ሻዕብያ ዝትከላኸለሉ ብቕዓትን ወነን ኣይነበራን፡፡እሞ ድማ፣ ኣብቲ ሻዓኡ እዋን ነቲ ክልል ዘመሓድሩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሎም ሻዕብያ ክወረና ከም ዝኽእል ፈሊጦም ዘድሊ ምድላዋት ንክግበር እናተማሕፀኑ፡፡

ካብዚ ተላዒልና ኢና እምብኣር እቲ መፃኢ ጉዕዞና ናበይ ከም ዘምርሕ ሓቲትና ክነፈልጥ ዝግበኣና፡፡ዋላ እኳ መራሕቲ ህወሓት ኩሉ ኣማን ኢሎም ይደቅሱ እምበር ምሁራት ትግራይ ኣበይ ነይርና፣ ከመይ ኣለና፣ መፃኢ ዕድልና ኸ እንታይ ክመስል ይኽእል ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ዝምልሱ መፃናዕቲታት ክነካይድ ኣለና፡፡


1 comment:

  1. ናብራ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ኣርብዓ ዓመትን ሎምን ኣፈላላይ የብሉን ምባል ይክኣል እዩ፣ናብራ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ አርብዓ ዓመት ኣብ ኩናት ኔሩ።እቲ ኩናት ድማ ምስ ደርጊ ኔሩ፣ትግራይ ናይ ዓውደ ውግእ ቦታ ኔራ፣ጦርነት እምበር ልምዓት ዘይት ሃስብ መሬት ኔራ፣ሎሚውን ትግራይ ናይ ዓውደ ውግእ ቦታ እያ፣ብድምርይ ትግራይ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ሃይለ ስላሴ ክሳብ ሎሚን ጽባሕን ናይ ዓውደ ኩናት ቦታ ኮይና ትርከብ። ብግዜ ደርጊ ልምዓት ኣብ ትግራይ ኣይሕሰብን ኔሩ፣ምኽንያቱ ድማ ህውሃት ምስ ደርጊ ይዋጋእ ስለ ዝነበር፣ሎሚ ሕውሃት ምስ ሻዕብያ ኣብ መሬት ትግራይ ይዋጋእ ኣሎ፣ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፣ስለዚ ኣብ ትግራይ ልምዓት ኣይክህሉን እዩ.ሎሚ ትግራይ ከም ቀደም መዋፈሪ ወታደራዊ ኣጽዋርን ወታደራትን ኮይና ኣላ፣ልምዓት ዘይሕሰብ፣ብግዜ ደርጊ ትግራይ ኣብ ኩናት ከላ ካለኦት ክልልላት ድማ ኣብ ልምዓት ኔረን፣ሎሚ ድማ ብተመሳሳልን ብዓቢ ኣፈላላይን ትግራይ ንታሕቲ ካልኦት ክልልላት ንላዕሊ ይውንጨፋ ኣለዋ፣ን ኣብነት ከተማ ኣዋሳ ናዝሬት ወዘተን፣መራሕቲ ህውሃት ዕብያት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሐጉሶም፣ትግራይ ማዕበለት ኣይማዕበለት ኣይንታዮምን እዩ።ብ አጠቃላሊ ክረ አ ከሎ፣ትግራይ ሎሚ ውን ኣብ ጽላል ኩናት ትርከብ፣እቲ ዘሐዝን ግን ትግራይ ደጀን ጌሮም ኣብ ኣራት ኪሎ ዘለዊ ደቃ ከም መኻን ቆጺሮም ኣብ ድኽነትን ኩናትን ክትነብር ምፍራዶም እዩ።


    ሓንቲ መአረምታ፣ተጋደልቲ ህውሓት ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊ ተጣይሶም እዮም እዚ ሓቂ እዩ፣ኣብ ሻዕብያ ውን ኔሩ እዩ፣ንምሳሌ ደርጊ ካብ ኤርትራ ምስተደምሰሰ ተጋደልቲ ተሰናቢቶም እዮም፣ብናይ ሻዕብያ ኣጸዋውዓ ድማ ናይ ቴስዓ ተጋደልቲ ይብሃሉ።ኣባና ወይ ኣብ ህውሃት ናይ ኣቃብሩና ተጋደልቲ ይብሃሉ ከም /ነጋ ዘርኡ/ ዓይነት ተጋደልቲ ማለት እዩ፣ውድብ ኣምቦ ምስ በጸሐት ዝተጋደሉ ካብ ኮተቤ ዝተመልሱ፣ስለዝኾነ ድማ ሻዕብያ ተማሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ፣ምኽንያቱ ድማ ኣብቀጻላይ ስግ ኣት ክኾንዎ ስለ ዝኽእሉ፣ነገር ግን ሻዕብያ ሓደስቲ ወታደራት ደቂ ሳዋ የሰልጥን ኔሩ እዩ፣ነቶም ዘፋነዎም ናይ ቴስዓ ተጋደልቲ ውን ናብ ሃገራት ዓረብ ብምስዳ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩሎም እዩ፣ኣፈላላዩ እዚ ይመስለኒ፣


    ኣንፈት ቀጻሊ ጉዕዞ ትግራይ ዝምልከት ሓደ ነገር ኣሎ፣ሎሚ ደቂ መራሕቲ ሕውሃት ኣብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ቻይናን እናተማህሩ ይርከቡ፣ብገንዘብን ብፍልጠትን ድማ እናሓየሉ ይመጹ ኣለዉ፣ኣብ ትግራይ ዘሎ ተምሃራይ ከም ዝድንቁር እናገበሩ ናይ ሎሚ እምበር ናይ ጽባሕ ንኸይሓስብ ብምግባር ቀጻልነት ስልጣኖም ናብ ደቆም ናብ ደቂ ደቆምን ንምት ሕልላፍ ይቃለሱ ኣለዉ፣ብሓፈሽኡ ዘበነ ሃጸይነት ንምንጋስ ላዕልን ታሕትን ይብሉ።ኤርትራ ናብ ትግራይ ብምጽምባር ወደብ ኣየድልየናንን ዝብል ኣጀንዳ ቀይሮም ዓሰብን ባጽዕን ብምሕዋስ ትግራይ ትግርኚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ዝ ሕለም ዘሎ ይመስል፣ንጽሑፍካ የመስግን

    ReplyDelete