ሽዓኡ፣ ኣዴታትና ‹‹ኤህ! እዝ ንፋስ እዚ ዶ! ድርግም የብሎዋ፤ድርግም እኮ ኣቢሉዋ!ኣታ እቲ ማዕፆ እስቲ ዕፀዎ፡፡››
ይብላና ነይረን፤ በቲ ሃንደበታዊ ፀልማት ምዓንጣአን ሕርር እናበለ፡፡ኣብ ገጠራት ትግራይ ዝነብራ ኣዴታትና፣ ገራሁ እንትሕረሱን
ባዝርእቲ እንትሽፈኑን ምባሮ ሒዘን ይባሩዋና ይጉልጉላን፡፡እቲ ዝትዘረአ እኽሊ ዓወል ውሒጥዎ ከይተርፍ ምስ ኣስኡነን ሓቢረን ይፅህይያ፡፡ኣብ
እዋን ቀውዒ ከዓ ኣብ ዓፅዳን ኮልሳስን መቀነተን ሸጥ ኣቢለን እናተፃፈዓ ይውዕላ፡፡ናይ ኣዴታት ገጠር ስራሕ ግን ፅሓይ ምስዓረበት
እውን ቐፃሊ እዩ፤ ኣብ ዝዋዓላ ውዒለን፣ ብዓል ገዘአንን ደቀን ንምዕንጋል ደፋእፋእ ይብላ፡፡ስለዝኾነ ድማ እየን ነታ ብርሃን ትልግስ
ዝነበረት ኩራዝ ወይከዓ ሽምዓ ንፋስ ከጥፋኣ ከሎ ‹‹ኤህ!›› ኢለን ክረግምኦ ዝግደዳ ዝነበራ፡፡
ንፋስ ብጣዕሚ ፈጣን ንዝኾነ ነገር ንምግላፅ ኢና ንጥቀመሉ ነይርና፡፡ ብፍጥነቱ ንዝፍለጥ ተሓሪሱ
ዘይፀግብ ብዕራይ ‹‹ጭለይ ብዕራይና እኮ ንፋስ እዩ፡፡›› ንብሎ፡፡ጎይዮም ዘይቅደሙ ወይ ከዓ ዘይስዓቡ ነገራት እውን ‹‹ንፋስ››
ዝብል ቅፅል ይውሃቦም፡፡ዕሸል እናሃለኹ ‹‹ ወዲ ንፋስ›› እናበለና እንፅውዖ ቆልዓ ከም ዝነበረ ይዝክር፡፡ወዲ ንፋስ ቀጢን ነዊሕ እንትኾን
‹‹ብጉያ ዝወዳደሮ ኣይነበረን›› ይብሃል፡፡
ዝብኢ ርኢኹም ዝትፈልጡ ሰባት ሓንቲ እግሩ ሓፃር ስለዝኾነት ‹‹ጎሰስ…ጎሰስ…ሾኽለል…ሾኽለል›› እናበለ ከም ዝኸይድ
ከይተዓዘብኹም ኣይትተርፉን፡፡እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ዝብኢ ‹‹ንንፋስ ክቕድሞ እየ›› ኢሉ ስለዝፈከረ ምስ ንፋስ እንተወዳደር እግሩ
ከም ዝተሰበረ ዝትሕብር ፅውፅዋይ ኣላ፡፡ህፃን እናሃለኹ፣ ጎይዩ ንንፋስ ዝቐድም ነገር ከም ዘየለ ይሰምዕ ነይረ፡፡
ንፋስ ብዘይካ ጉልበትን ፍጥነትን ጥበብ ከም ዘይብሉ ይንገር፡፡ቅደም…ቅደም…ቅደም… እምኒ ሕምባሻ እናሃለው ከይኾነ
ኣይተርፍን፣ ንፋስን ፅሓይን ትወራሪዶም ይብሉዋቶም፡፡ሓደ ሰልዐም መንእሰይ ኩታኡ ትጎፊኑ፣ በትሩ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ጣጣኡ
እንትጉዓዝ ዝተመልከቱ ንፋስን ፅሓይን ናይቲ ስብኣይ ኩታን ጃኬትን ብሓደ ግዜ ንምሕዳግ እዮም ትወራሪዶም፡፡
ንፋስ ብሃንደበት ዘሎን ዘየሎን ሓሉ ተጠቒሙ ብምንፋስ ንትስብኣይ ጥራሑ ከውፅኦ እንትሙክር፣ ስብኣይ መሬት ሒዙ ለጥ
ይብል እሞ ወዮ ንፋስ ፈኪሩ ይተርፍ፡፡ፅሓይ ከዓ ‹‹በል ትመልከት›› ትብል እሞ ስራሓ ትጅምር፡፡እቲ ስብኣይ እንትጉዓዝ ንሳ አውን
ሙቐታ ኣበርተዐትሉ፡፡ስብኣይ ኣይክኣለን፤ ኩታኡ ዓፃፂፉ ኣብ ማእገሩ ብምግባር መንገዱ ይቕፅል፡፡ሐዚ እውን እታ ፅሓይ ሙቐታ ብምውሳኽ
ነቲ መንገደኛ ርሃፅ ብርሃፅ ስለዝገበረቶ ጃኬቱ ኣውፂኡ ኣብ ኩርናዑ ብምግባር ጉዕዞኡ ይቕፅል፡፡ብምዃኑ ድማ ፅሓይ ኣሸናፊት ትኸውን፡
ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ትደጋጊሞም ዝተጠቐሱ ኣርባዕተ ንፋሳት ኣብ ግዜ ምፅኣት ዝልኣኹ እዮም፡፡ንኣብነት፣ኣብ ትንቢተ
ዳኒኤል ምዕራፍ ሸውዓተ ካብ ቁፅሪ ሓደ ጀምሩ ዘሎ ራኢ ኣርባዕተ ንፋሳት ካብ ባሕሪ ብምንፋስ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ በላዕቲ ነፍሳት
ሒዞም እንትመፅኡ የንብበና፡፡እቶም በላዕቲ ነፍሳት ድማ ናይ ኣርባዕተ ውልቀ መለኽቲ ንጉሳት ምንጋስ ከም ዝትንብዩ ይነግረና፡፡
ንፋስ ቀውዒ ንሓረስታይ ወሳኒ ተፈጥራዊ ሓይሊ እዩ፡፡እኽሊ ካብ ሓሰር ንምፍላይ ኣዝዩ ጠቓሚ
እንትኸውን ‹‹ጎሪባ›› ተባሂሉ ይፅዋዕ፤ ምንእንታን ከይሕሰም ዝውሃቦ መፀወዒ እዩ፡፡
እቶም ኣብ ላዕላይ ዝገለፀኩዎም ባህርያታት ንፋስ ባህላዊ ኣታሓሳስባና ዝፈጠሮም ኣመላኻኽታታት
እንትኾኑ ናይ ሎሚ ዘበን ንፋስ ግን ንጥፍኣት
ጥራሕ ከይኾነስ ብዘመናዊ ኣሰራርሓ ኣብ ልምዓት ክውዕል ከም ዝኽእል ካብእቲ 120 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌትሪክ ናይ ምምንጫው ክእለት
ዘለዎ ልምዓት ኣሸጎዳ ምርዳእ ይክኣል፡፡እቲ ካብ ቀላቅል ዓፋር ዝውርወር ንፋስ ኣሸጎዳ ልቺ ተወሊዓ ንምርኣይ ምብፃሕና ኣዐርዩ
ዘሐብን እዩ፡፡
እወ፣ እቲ ቕደም ኩራዝ ወይ ድማ ሽምዓ ወሊዕና ድራር ኣብ እንበልዐሉ እዋን ሃንደበት ድርግም ኣቢሉ ብፀላም ለይቲ
ንክንውረር ዝገብረና ዝነበረ ንፋስ ሎሚ ን24 ሰዓታት ሓይሊ መብራህቲ ንምሃብ ተዳሊዉ ይርከብ፡፡ምዝዛም ልምዓት ንፋስ ኣሸጎዳ ነቲ
ብምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲ ዝሳቐ ዘነበረ ህዝብና ዓብይ ዓወት እዩ፡፡
Photo:fanabc.com
No comments:
Post a Comment