ኣብየት እንአኻ ፅሓይ! ኣብየት እንኻ ነዳድ! ዋእ! ብእግረይ ነዳድ፣ ብርእሰይ ነዳድ፣ ብፅሓይ
ፆመርብዓ ተቓፂለ፡፡ኣብ ዝረሰነ መቁሎ ሓፂን ከም ዝወደቐት ጠስሚ ፋሕ ፋሕ ኢለ ክመክኽ ንእሽተይ ምስቀረየኒ ድሕሪ ቡዙሕ ገልታዕታዕ
ስነይ ነኺሰ ኣብታ ብርሑቕ ዝጥምታ ዝነበርኹ ጎቦ በፂሐ፡፡ኣብታ ጎቦ ኮይነ ርሑቕ ጠሚተ፡፡ብወርወርታን ጠቃን ዝደብዘዘ ሰጥ ዝበለ
መይዳ ኣብ ቅድሚተይ ተዘርጊሑ ይረአየንሎ፤ብሓይሊ ንፋስ ዝምብልበል ዘሎ ፃዕዳ ጀዲድ ይመስል፡፡ዓው ኢልካ ፀዊዕካ ሰማዒ ኣይትረክብን፤ማይ
ዘይብሉ ኦም ዘይብሉ፤ ጭርር ዝበለ ፀማም በረኻ እዩ፡፡
ወዲ ኣዳም ናበይ ከይዱ?እንስሳት ዘቤትን ዘገዳምንከ ናበይ ሃዲመን?ሂወት ዘለዎ ነገር ሕልዊይ
ናብ ዘይብለሉ ደረቕ ምድረ በዳ መዓዝ መፂአ? መን ኣምፂእኒ? መልሲ ብዘይረኽበሎም ሕቶታት ርእሰይ ፍንፅሕ ክብል ነቒለ፤ዋይ
እንአኻ ምፅኣት፡፡እታ ፅሓይ በቴስዓ ድግሪ ኣብ ርእሰይ ተተኺላ ብዘንጊ ሓፂን ብስብስተይ ክተንኹለኒ ዝደለይት እያ ዝትመስል፡፡ናበይ
ኣንፈት ይጉዓዝ ከም ዘለኹ ክፈልጦ ኣይክኣልኩን፡፡ ይኹን እምበር ኣእጋረይን ኣእዳወይን ዓፃፂፈ ክቕመጥ ኣይደለኹን፡፡ተዝደልይኸ
መላእ ኣካልካ ኣብዘቃፅል ቦታ ከመይ ገይረ ከፍ ክብል? ኣብ ዝበፃሕኩ ንብፃሕ ንቕድሚት ክስጉም ኣለኒ፤ እና ወደቕኩ፣ እናተሳእኩ፡፡‹‹ኣይሃብካ››
ይብሉ ወለዲ፤ ከምዚ ዝዓይነቱ ግምፃት ሃንደበት ክውርደካ ከሎ ምኻኣል እምበር ካሊእ ኣማራፂ የለን፡፡
ጎሮሮኻ ብማይ ፃምእ ደሪቑ፣ መዓንጣኻ ብጥሜት ተሓሊጉ ዓቐብ ምውፃእ፣ ቁልቁለት ማራድ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ፡፡ዓቐብ
ንምድያብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ መዓንጣኻ ንድሕሪት ይጎተካ፤ ኣእጋርኻ ሻቡ ዝተገጠሙ ተጎተቲ ዲሞርኮታት መሲሎም ይስመዑኻ፡፡ሙሉእ ኣካላትካ
ሸኽሚ ይኾነካ፤ ከም ርሑስ ጉንዲ ይኸብደካ፡፡ቁልቁል እንትወርድ ድማ ስጉምትኻ ምቁፅፃር ይኣብየካ፤ልብኻ ሸለል፣ዓይንኻ ሕውልውል
ይብለካ፤ርእስኻ ይዞረካ፡፡ኣብራክኻ ራዕራዕ ይብሉ፤ከም ናይ ኣረጊት ወይከዓ ፀመለኛ ፡፡
ሐዚ ካብእታ ንእሽተይ ጎቦ ወሪደ ኣብቲ ሰጣሕ ሜዳ በፂሐ ኣለኹ፡፡‹‹ፊፍ…ፊፍ…ፊፍ፣ሒሕ…ሒሕ…ሒሕ›› ካብ ዝብል ናይ
ባዕለይ ድምፂ ወፃኢ ካሊእ ዝስማዕ ነገር የለን፡፡ሓሓሊፉ ግን ተኻዲኑ
ከም ዝፀንሐ ፍሉሕ ማይ ገፅኻ ዝልቑምፅ ንፋስ ሃንፈፅ እንትብል ይስመዐኒ፡፡ታይ ዓይነት ከባቢ እዩ እዚ?ቅድሚ ሐዚ ርእየዮን ሰሚዐዮን
ኣይፈልጥን፡፡ መዓዝ መፂአ?ብፍፁም ክዝከረኒ ኣይከኣለን፡፡ ወይ ከዓ መን ኣምፂኡኒ? ዝኾነ ጉድኣት በፂሑኒዶ ዓርሰይ ስሒተ ወዲቐ
ይኸውን፤ንኽንደይ ስዓታት ወይ ከዓ መዓልትታት? ርእሰይ፣ገፀይ… ኣእዳወይ ክበፅሑዎ ዝኽእሉ መላእ ኣካለይ ብምድህሳስ ዝቖሰለ ነገር
ኣታኣላሊሸ ክረክብ ኣይክኣልኩን፡፡ምንም ዓይነት ናይ ቑስሊ ቓንዛ ስለዘይተሰመዐኒ ግን ንመቑሰልቲ ዘብፅሕ ጉድኣት ከም ዘይብለይ
ከረጋግፀለይ ኣይክኣለን፡፡ዝኾነ ዝትሓብአ ምሽጥር ኣሎ፤ክበፅሖ ዘይምኽኣለይ ድማ ምሒር እናተሓሳሰበኒ እዩ፡፡
ግን ኣበይ እየ ነይረ? ኣብዚ? ንምንታይ ድኣ ሙሉእ ብሙሉእ ረሲዐዮ? እቶም ምሳይ ዝነበሩ ምሓዙተይ፣መሳርሕተይ፣ኣሕዋተይን
ኣሓተይን፣መላእ ስድራቤተይ ናበይ ከይዶም? ንምታይ ገዲፎምኒ ከይዶም?ናይ ዓለም መወዳእታ ወይስ መጀመርያ?ዋይ እኒአኻ ዋዲቕ!እዞም
ሕቶታት እዚኦም ንመን እየ ዝሓቶ ዘለኹ? ሕቶ…ሕቶ…ሕቶ???... መልሲ ግን ወይከ! ‹‹ነብሲ! መልሲ ብዘይትረኽብሎም ሕቶታት ዓርስኺ
ኣይተጨንቒ›› በቃ! ኣይድልየንን፤ታይ ክዓብሰለይ? ምስባዕለይ እናትኸራኸርኩ፣ብማዕበል ሓሳብ እናተንገላታዕኩ ሰለይ ንቕድሚት፡፡
ተጋደልቲ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ፈተና ከጋጥሞም ከሎ ሕድሪ ስውኣት ብፆቶም እናዘከሩ ንቕድሚት ይምርሹ ምንባሮም ይዝንቶ፡፡ሕድሪ
ስውኣት እቲ ዝተጀመረ መሪር ቃልሲ ኣብ ሽቶኡ ምብፃሕ እዩ ነይሩ፤ድኻም፣ፃምእን ጥምየትን ንዐኦም ቀልንቲ ነገራት እዮም ነይሮም፡፡መቑሰልትን
መሪር መስዋእትን ንምኽፋል እውን ድልዋት ነይሮም፡፡ናብ ዓውደ ኲናት እንትጉዓዙ ከምዝስዕብ እናበሉ ይደርፉ ምንባሮም ይዝከር፡፡
ይምርሽ ኣለኹ ብውነ
ብወነ
ይምርሽ ኣለኹ ዕጥቀይ
ተሸኪመ
ክምልኦ ክዛዝሞ ነቲ
ዝተረፈ
ሕድሪ ኣለኒ ናይት ስውእ ጅግና ዝሓለፈ፡፡
ናተይ ወነ ድኣ ናበይ ጠፊኡ? ብሕታውነት ንመንቀቲሉ? ሐዚ መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ ንቕድሚት ክምርሽ ኣለኒ፤ዝመፅአ ይምፃእ
ጠጠው ዘብለኒ የለን፡፡ወለድና ንሽግርን ፀበባን፣ንግፍዓዊ ኣገዛዝኣን መሪር ጭቆናን ምቅላስ እንት ውስኑ ከምዚ ይብሉ ነይሮም፡-
ክንደይ ድየ ወሊደ
ክነብር ትዓብሊለ
ክቃለስ እየ እምበር
መዓንጣይ ሸጥ ኣቢለ፡፡
ሂወት ምንባር እዩ፤ምንባር ከዓ ቃልሲ እዩ፡፡ንኽነበር ክቃለስ ኣለኒ፤ስነይ ነኺሰ ንቕድሚት ክስጉም ግድን እዩ፡፡
ቅደም፣ ህፃን ቆልዓ እናሃለኹ ምሸት ምሽት ጎይላ(ኣብ ከባቢና ዛዕጎሎ ይብሃል) ይግበር ነይሩ፡፡ኣብቲ ጎይላ ኩሉሻዕ ይድረፉ ካብ
ዝነበሩ ደርፍታት ሓንቲ ‹‹ዋይ እዚ ጥዑም ምንባር›› እያ ነይራ፡፡
ዋይ'ዚ ጥዑም ምንባርየ
ዋይ'ዚ ጥዑም ምንባር
ቃሎ ተደሪርካ እማ ከተማ
ምዕንባር፡፡
ኣብ
መብዛሕቲኦም ገጠራት ትግራይ ወርሒ መስከረም ብጣዕሚ ፈታኒት እያ፡፡በቲ ሓደ ገፂ ፀሓይ መስከረም ኣይሃብካ እዩ ዘብል፤ብካሊእ መልክዑ
ድማ ጥምየት ኣሎ፡፡ ብዘይካ ውሑዳት ሰብ ሃፍቲ መብዛሕቲኡ ገባር ብሓምሊ እናተሓመለ ይኸርም እሞ መስከረም ምስ በሓተ ድማ ዝብላዕ
ይስእን፡፡ንቃሎ ዝኸውን ግን ኣይስኣንን፤ ወይ ብሸመታ ወይ ድማ ብልቃሕ ምርካብ ይክኣል፤ሓሓሊፉ ከዓ ሳዕስዓ ንራኽብ ይበፅሕ፡፡
በዚ
ምኽንያት ድማ እዩ ፡-
ሓምለ
ሓምለ
ክኣቱ
እናሕመልመለ
ክወፅእ
እናሓመለ፡፡
ንሓሰ
ንሓሰ
ክኣቱ
እናሓሰየ
ክወፅእ
እናሃሰየ፡፡
መስከረም
መስከረም
ክኣቱ
ኾስተሮም
ክወፅእ
ተስከሮም፡፡
ዝብሃል
ዘነበረ፡፡እዚኦምን ወዲ ዚኦምን እናሓሰብኩ ከይተፈለጠኒ ርሑቕ ተጓዒዘ፡፡ኣብቲ ንየ ፀግዒ፣ ሰማይን ምድርን ዝተራኸቡሉ ዝመስል ቦታ ሓንቲ ዓባይ ኦም ትረኣየንላ፡፡ሐዚ
ተስፋይ እናለምለመ ይመፅእ ኣሎ፤ንዝትወሰነ ግዜ ኣብ እግሪ እታ ኦም ዕርፍቲ ክወስድ እየ፡፡ተመስገን! ዋላ ንሓንቲ ደቂቃ ካብዚ
ሃሩር እዚ ምግልጋል ዓብዪ ዕድል እዩ፡፡እንታይከ ይፍለጥ፣ምናልባት ድማ ኣብታ እግሪ ፅላል ማይ ክህሉ ይኸውን፡፡ዓርሰ እምነት…ብሩህ
ተስፋ…ልባዊ ፍቕሪ ንዘይተሓለለ ፃዕሪ ይደፋፍኡኻ፡፡ ሽዕኡ፣ እቲ ርሑቕ ቀረባ፣እቲ ከቢድ ቀሊል፣እቲ ሕልሚ ግሃድ ይኸውን፡፡ናይ
ፀልማት መገረጃ ይቕደድ እሞ ብርሃን ይውላዕ፡፡ብድሕሪኡ ወዲ ኣዳም ንፈጣሪ ብምትካእ ሰራሒ መስተንክር ይኸውን፤ንሱ መድርኽ ተቖፃፂሩ
እንተዋሳእ መላእኽቲ ተመልከቲ ይኾኑ፡፡ምንኮራፍዕቶም ዕፅፍ ዝርግሕ እናበሉ ድማ ታሕጓሶም ይገልፁ፡፡
‹‹ወነይ ተላዓለ›› ድዩ ዝበለ
ደራፊ? ወነይ ተላዒሉ፡፡ብጥምየት ዝተሓለበ መዓንጣይ ብተስፋ ፀጊቡ፤ ብፃምእ ቃዕ ክብል ንቒሉ ዝነበረ ጎሮሮይ ተርኪሱ፡፡ኣዒንተይ
ቋሕ ኢሎም፡፡ንድሕሪት ይጎቱኒ ዝነበሩ ሽንጣር ኣእጋረይ ከም ስልኪ ጠንኪሮም፡፡ተመላጠጥ! ናብታ ዓባይ ኦም፡፡ዳዕሮ ድያ ሳግላ?
እወ! ዳዕሮ እያ፡፡ዓባይ ዳዕሮ! ሐዚ ኣዕዋፍ እንትዝምራ ይስመዐኒ ኣሎ፤ንዓይ ብኽብሪ ንምቕባል ድዩ እዝኹሉ ሕብረ ዘይማ?
እፍፍፍ! ዋይ ደስ ክበል ፅላል
ዳዕሮ፡፡ተመስገን ፈጣሪ! እታ ዳዕሮ ሕንዝውዝው ኢላ ፈርያ ኣላ፤ከም ዘለላ ወይኒ ንታሕቲ ሸለል ዝበሉ ፍረታት ኣዕዋፍ ኣብ ዝባኖም
እንትዓርፋ ናብ መሬት ቲዩብ ቲዩብ እናበሉ እንትወድቁ እናልዐልኩ ናብ ኣፈይ፡፡አሰይ! ክጥዕም እባ፡፡ፍረ ዳዕሮ በሊዐ ምስ ፀገብኩ
ፃምአይ ንምርዋይ ንቲ ጉንዲ ብፅንፂሕለ(ምንጭሕለ) ብምድማይ ኣብ ቆፅሊ ብምኹፋፍ(ብምዕጋል) ፅሓይ ኣውቃዕኹዎ፡፡ እቲ ፀባ ዝመስል
ናይ ዳዕሮ ደም ቁሩብ ምስደረቀ ቃንጫጭዖት(ከም ማስቲካ ዝውጠጥን ክትሓይኮ ከለኻ ድማ ፅቡቕ ጣዕሚ ዘለዎ) ይኸውን፡፡እስቲ ሐዚ
ድማ ቃንጫጭዖተይ እናሓየኽኩ ኣብቲ እግሪ ዳዕሮ ዝምብል ክብል፡፡ከመይ ዝበለ ዝተባረኸ ዳዕሮ እዩ በጃኹም? ኣብዝ ሃሩር'ዚ ከምዚ
ኢሉ ይልምልምን ይፈርይን?እንታይ ይኾን ምሽጥሩ?
‹‹ምሽጥሩ ክትፈልጦ ትደሊ?››
ዝብል ናይ ዓባይ ሰበይቲ ድምፂ ሰሚዐ፤ ግን ርግፀኛ ኣይነበርኩን፡፡ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ሰብ የለን፡፡
‹‹ኣብቲ ዳዕሮ ዝደየበ ሰብዶ
ይህሉ ይኾን?››ንባዕለይ ሓተትኹ፡፡ኣብቲ እግሪ ዳዕሮ ዘወርወር እናበልኹ ጠመትኩ፤ ማንም የለን፡፡
‹‹ስማዕ! ፈቖዶኡ ቀንፈዞ ኣይትበል፡፡ተደሊኻ
እቲ ምኽንያት ክነግረካ››እታ ሰበይቲ ዘረባኣ ቀፀለት፡፡ሐዚ እውን ግን ክርእያ ኣይክኣልኩን፡፡
‹‹ይቅርታ፣ እንታይ ክብል ከምዘለኒ
ርግፀኛ ኣይኾንኩን፤ ኣቲ ዶ ክብል ኣትን?›› ዝብል ሕቶ ኣቕረብኩ፡፡ሰብዶ ወይስ ሰይጣን? ናተይ ነገር መወዳእታ የብሉን፡፡ፍርሒ
ክወረኒ ነቒሉ፡፡
‹‹ብዛዕባ ኽብሪ ወዲ ኽብሪ
ኣይጣጥወንን፡፡ድማ ሰብ የለን፤ ሰይጣን እውን የለን፤ ካባይ ዝትደልዮ ነገር ተሃሊዉ ግን ፂን ኢልካ ስምዐኒ›› ኣበይ ከምዘላ ዘይትርአ
ሰበይቲ ተማሕፀነትኒ፡፡
‹‹ይቅርታ፣ ቁሩብ ስለዝተረበሽኩ
እየ ዓጦቕ ጦቕ ዝብል ዘለኹ፤ ንምድማፅ ግን ድልው እየ››ኣታ ሞይተ፣ ክርህፅ ግዲ ነቒለ፡፡
‹‹ርግዕ እሞ በል፤ ኣብዝ ከባቢ
ምንም ዘጨንቅ ነገር የለን፡፡ዘዛርበካ ዘለኹ እውን ኣነ ባዕለይ እየ፤ ዳዕሮ ኢኹም ትብሉኒ ሓቀይ?››
‹‹ዳዕሮ? ዳዕሮ ዶ ድኣ ይዛረብ
እዩ?›› ሕቶ ንኣደይ ዳዕሮ፡፡
‹‹ኣነ ፍሉይ ናይ ተፈጥሮ ፀጋ
ኣለኒ፤ምስ እንስሳትን ደቂ ሰባትን ናይ ምዝርራብ ክእለት ኣለኒ›› ኣደይ ዳዕሮ ብጠባይ መለሳ፡፡
‹‹ብጣዕሚ ዝገርም እዩ፤ ንኽንደይ
ዓመታት ኣብዚ ነይረን ኣደይ ዳዕሮ?›› ሓተትኩወን፡፡
‹‹ንልዕሊ 600 ዓመታት››መልሲ
ዳዕሮ ብዝበለፀ ኣገሪሙለይ፤ዳዕሮ ፃድቃናት ክትኸውን ኣለዋ፡፡
‹‹እዝ ኸባቢ ግን ይትረፍዶ
600 ዓመታት ንሽዱሽተ ደቓይቕ እውን ዝኸብድ እዩ ዝመስል›› ንኸምዚ ኸማይ ብሓቂ እውን ፈተና እዩ፡፡
‹‹ምኽርታት ዓባይ ዳዕሮ ፂን
ኢልኻ ስማዕ፤ ንዘይሰምዑ ከዓ ኣስምዐዮም››
- ኩሉሻዕ ርእስኻ ኣቅኒዕኻ ጠጠው በል፤ብማንነትኻ ከዓ ክትሕበን ኣለካ፡-ንስኻ ኣብዝ ዓለም ካብ ዘለው ፍጥረታት ዝትፈለኻ ኢኻሞ ደስ ይበልካ፡፡ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ንዓኻ ዝትክእ ፍጥረት ቅደም ኣይነበረን፤ሐዚ የለን፤ ንቕድሚት እውን ኣይህልውን፡፡ኣብ ጥቓኻ ሰብ ይሃሉ ኣይሃሉ ኣይትትሃወኽ፤ ብሙሉእነትካ ዕገብ፡፡
- ዓርስኻ ኽኢልካ ንበይንኻ ጠጠው ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ፍለጥ፡-ናይ ባዕልኻ ፍሉይ ግዜ መድብ፤ምስ ባዕልኻ ብፅሞና ዝትዛተየሉ እዋን ይሃልውኻ፡፡ዓረስ ነቐፈይታ ንምግባር ድፍረት ይሃልውኻ፤ ስሕተትኻ ኣሚንካ ንምምሃር ተዳሎ፡፡ንዓርስኻ ይቕረ በል፤ንኻልኦት እውን ኣይትቀየም፡፡ቒመኛ ሰብን መአከቢ ጉሓፍን ሓደ እዮም፤ ክልቲኦም ብርሑቕ ይሸቱ፡
- ሱር መሰረትካ ኣይትረስዕ፡-ስሩ ዝተበልዐ ኦም ጠጠው ክብል ኣይኽእልን፤ሓደሻብ እንተወዲቑ ድማ ጨናፍሩ ንዕንፀይቲ ኣራዮ ይኸውን፡፡ጉንዱ ድማ ንፈልፂ፣ንሞጉእ፣ንማዕፆ ወዘተ. ዘይሩ ዘይሩ ግን ድራር ሓዊ ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡ኣብ ዝደለኻዮ በፂሕኻ ንምምላስ እንተደሊኻ መበገሲኻ ክትዝንግዕ ይብልኻን፡፡እቲ ናይሐዚ ማንነትካ ትማሊ ዝተሃነፀ እዩ፤እቲ ሐዚ ዝትሃንፆ ዘለኻ ከዓ ፅባሕ ክትሕበነሉ ኢኻ፡፡
- ማይ ኣብዚሕኻ ስተ፡- ምስ ማይ ዘለካ ርክብ ስጡም እንተድኣ ኾይኑ ደኩተር ኣየድልየካን፡፡ማይ ፍሉይ ምግቢ እዩ፤መድሓኒት እዩ(መንጨሎት…ማይ ፀሎት)፤ማይ ፅሬትካ ይሕልው፤ንምጉዑዓዝ፣ንሓመሳ(ስፖርት)፣ ምግቢ ንምድላው ወዘተ. ይጠቅም፡፡ ካብ ማይ ቡዙሓት ነገራት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ፡፡ማይ ጨና፣ሕብሪ፣ቅርፂን ጣዕምን የብሉን፤ከም ከባቢኡ እዩ ዝኸውን፡፡
- ብተፈጥራዊ ፅባቐኻ ዕጉብ ኹን፡- ሕፀር ንዋሕ፣ ቕጠን ርጎድ፣ፀልም ቅያሕ ናትኻ ፅባቐ ዝተዓደለ የለን እሞ ትሕበነሉ ይግባእ፡፡
- እትዝላዓለ ተፈጥራዊ ህያብኻ ጥዕናኻ ትሓሊው ብሂወት ምፅናሕ እዩ፡፡ዓለም ብሓሙሽቲኦም ናይስምዒት ሕዋሳትካ ኣስተማቕራ፡፡ብንፁህ ሕሊና ኣስተባህላ፤ ኣስተማቕራ፡፡
‹‹እዞም መንገድታት እዚኦም
እዮም ኣብዝ በረኻ እዚ ንልዕሊ 600 ዓመታት በይነይ ክንብር ዝሓገዙኒ እሞ ትኸተሎም››
እዛ ዓባይ ዳዕሮ ፅላል ኾይናየ
ፅላል ኾይና
ኣጀኹም ወለዲ ክንምለስና፡፡
No comments:
Post a Comment