![]() |
| ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን? |
ብወገነይ 11 ለካቲት ሐዚ እውን ‹‹ብርሃን ውፅዓት›› እያ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ፡፡ሽምዓ ለካቲት ካብ ትግራይ ሓሊፋ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ተኾሊዓ እያ፡፡ንቐፃሊ እውን ብዝበለፀ ንክትደምቕ እዩ ሙሉእ ትምኒተይ፡፡እዚ ዝኸውን ግን ‹‹ዓላማ ሽምዓ ለካቲት ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ውልቀ ሰባት ብዝሓሰቡዎን ብዝወጠኑዎን እዩ›› ዝብሃል ታሪካዊ መሰረት ዘይብሉ ጭርሖ ብምግዋሕ ኣይኮነን፡፡ሽምዓ ለካቲት ዓላማ ውልቀ ሰባት ኣይነበረን፣ዕላማ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ እምበር፡፡ዕላማ ሽምዓ ለካቲት ዲሞክራስያዊትን ምዕብልትን ኢትዮጵያ ንምፍጣር እምበር ሽም ገለ ውልቀ ሰባት ብሃገር ደረጃ ንክገንን ከም ታቦት ንክምለኹን ኣይነበረን፡፡
‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን››
ተጋዳላይን ቀዳማይ ምኒስተር ሃገርናን መለስ ዘይናዊ ብ2004ን ዓ.ም ካብዛ ዓለም እንትፍለየና ከም መጠን ትግራዋይን ሰብኣዊ ፍጡርን ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፡፡ብፋላይ ድማ ካብቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ህወሓት ብዕድመ እት ዝንኣሰ ስለዝነበረ ሃንደበታዊ መስዋእቱ ብጣዕሚ መደንገፂ እዩ ነይሩ፡፡ዘይደንገፀን ምሒር ዘይሓዘነን ትግራዋይ እውን ዝነበረ ኣይመስለንን፤ውልቃዊ ፀገም ካብ ዝነበሮም ወፃኢ፡፡
ብኣንፃሩ ድማ ሞት መለስ ንታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ መርዓ እዩ ኾይኑሎም፡፡ብምሒር ታሕጓስ ከም ዒሉን ኣጥዓን ዝሕምብጡ ብዙሓት ነይሮም፡፡ህዝቢ ብሕሱም ሓዘን ዝሕንዝሕ ይበኪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብታሕጓስ ፍንጭሕ ክብሉ ዝበሉን ዓለበኦም ቐዲዶም ክድርብዩ ቅሩብ ዝቐረዮምን ጨካናት ትዓዚብና ኢና፡፡
ብትሓደ ጫፍ ዝሓዝኑን ዝነብዑን ቡዙሓት ነይሮም፡፡ብትኻሊእ ጫፍ ድማ ዝዕልሉን ብታሕጓስ ቃጣዕ ክብሉ ዝነቐሉን ነይሮም፡፡ብትሓደ ፅንፊ ሞት መለሰ ካብ ሰማይ ከምዝወረደ ፀጋ ዝቖፅርዎን ንዐኡ ስዒቡ ድማ ብቀጥታ ሰበስልጣን ናይ ምዃን ዕድል ኣብኢዶም ከምዝኣተወት ገይሮም ዝቖፀርዎ ነይሮም፡፡እንዳ ህወሓት እውን ጠራዕራዕ ተቓወምቲ ሓቂ ግድእዩ መሲልዎምስ መለስ መለስ ክብሉ ይስመዑ ነይሮም፡፡
ንዕኡ ስዒቡ ድማ እዩ ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ዝብሃል ጭርሖ ኣብ ኩሎም ኩርናዓት ሃገርና ይልጠፍ ዝነበረን ብተለቪዥን፣ብጋዜጣን ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽን ሰሙን ሙሉእ ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ዝስበኽ ዝነበረ፡፡ኩሎም ካድረታትን ሓለፍትን ህወሓት ብዘይካ ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ዝትብሃል ጭርሖ ካሊእ ኣይነበሮምን ክብሃል ይክኣል፡፡ሐዚ እውን መጠኑ ከምቲ ዝሓለፈ ኣይኹን እምበር እቲ ጭርሖን ፍከራን መሊኡ ኣይተቋረፀን፡፡
ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ምግዋሕ እታ ጭርሖን ካልኦት ፈኸራታትን ከም እዋናውን ወድዓውን ገይረ እየ ዝወስዶም ነይረ፡፡ሐዚ ሐዚ ግን እናተሓሳሰበኒ መፂኡስ እዛ ፅሕፍቲ እዚኣ እውን ንከዳልዋ ተገዲደ፡፡ኣባላትን ኣመራርሓታትን ህወሓት ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› እናበሉ ምጭራሖም እንትቕፅሉሉ ኣነ ክዓ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክሓትት ጀሚረ፡፡
ሕድሪ ኣሉላ ኣባነጋኸ?
ሕድሪ ማርታ፣ሙሴ፣ኣግኣዚ፣ብርሃነ መስቀል፣ስሑል ወዘተ ኸ ናበይ ተረሲዑ?
ሕድሪ ሓየሎም ኣርኣያን ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም እንትኳሸሑ ድራር ጥይት ዝኾኑ ተጋደልቲ ትግራይኸ ንምንታይ እዩ ከምዘይነበረ ዝቑፀር?
ሕድሪ ኣሞራን ቀሺ ገብሮን ብደርጊ ወታደራት ምስኦም ትቐጥቂጦምን ድሓር ድማ ብገመድ ትሓኒቖምን ዝሞቱ ደቂ ትግራይ ኸ?
ከም ፀብፃብ ህወሓት እንተድኣ ኮይኑ ኣብ 17 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ መናእሰይ ተሰዊኦምን ልዕሊ ምኢቲ ሽሕ ድማ ኣካሎም ጎዲሎምን እዮም፡፡ሕድሪ እዞም ተጋደልቲ እዚኦም ኸ ንምንታይ እዩ ተረሲዑ ‹‹ብሕድሪ መለስ›› ዝትካእ?
ብሓፈሻ እንትርአ ‹‹ሕድሪ ስውኣት ኣይዓብርን›› ዝብሃል ጭርሖ እንታይ ስለዝጎደሎ እዩ ብ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ዝትካእ?
መለስ ንብሒቱ ትቓሊሱ ድዩ ንኢድዩ፣ኢህአፓ፣ግገሓት፣ጀብሃ፣ጠርናፊትን ደርግን ዝደምሰሶም?
መለስ እኮ ግደኡ እዩ ዝፈፀመ እምበር ግደ ካልኦት ብፆቱ እውን ሸፊኑ ኣይተቓለሰን፡፡ኣብ እዋን ቃልሲ ይኹን ድኽሪ ስዕረት ደርጊ፡፡መለስ እኮ ፍሉይ መስዋእቲ ኣይተሰወአን፡፡መለስ እኮ ሓደራ ኢሉ ዝገደፎ ፍሉይ ሓደራ ኣይነበረን፡፡ሓደራ መለስ ካብ ሓደራ ስውኣት ብምንታይ እዩ ዝተፈለየ ክኸውን ዝኽኣለ?
ባህላዊ ተመኩሮ ህወሓት
ብባህላዊ ተመኩሮ ህወሓት መሰረት ዝኾነ ይኹን ዓይነት ልዑል ኣበርክቶ ንውልቀ ሰባት መዘከርታ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ፡፡ዝኾነ ይኹን ውፅኢት ስነ ጥበብ እኮ ሽም ውልቀ ሰባት ኣይሕተምን ነይሩ፡፡ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነን ጋዜጣ ወይንን ዝፅሓፉ ይፃሓፉ፣ ዘዳለው ያዳልዉ ሽሞም ፀሪሑም ኣይፈልጡን ነይሮም፡፡
ኣብ እዋን ቃልሲ ቡዙሓት ትኣምረኛ ገጠምትን ደረስቲ ዘይማን ምንባሮም ዘየከራኽር ኮይኑ እንሃለወ እቲ ደርፊ ግን ብኢከለ ተደሪሱ፣ብኢከለ ድማ ተገጢሙ እናተበሃለ ኣይወዓወዐሉን ነይሩ፡፡ካልኦት መስደመምቲ ስርሒታት ጅግንነት ተፈፂሞም እውን ሽም ውልቀ ሰባት ኣይፅዋዕን ነይሩ፤ ሽም ውድብ ህወሓት እምበር፡፡
ንምንታይ እዩ ድኣ ሽም ተጋዳላይ መለስ ካብ ሃገራ ብላዕሊ ምሒር ነዊሓ ከምዝተወጠሐት ማሽላ ዝኾነ? ንምታይ እዩ ሕድሪ ብፆቱ ተረሲዑስ ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ክብሃል ዝኻኣለ?እቲ ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ዝብሃል ጭርሖ ኣብ ባንዴራ ትግራይ ከይተረፈ እዩ ተፃሒፉ፡፡ንምታይ ከምኡ ይኸውን?
መለስ ቡዙሓት ፅሑፋት ፅሒፉ ንውድቡ ከምዘበርከተ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ንመጀመርያ ግዜ ብሽሙ ዘውፃኣ ፅሕፍቲ ግን እታ ብ97 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያን ሄራልድ ጋዜጣ ዝልኣኻ ብእንግሊዘኛ ዝተፃሓፈት ደብዳበ እያ ነይራ፡፡ንሳ ድማ ንውሳነ ብፆቱን መማኽርቱን ንከማኽር ግዜ ከምዘይነበሮም ከምኡ ብምግባሩ ድማ ዘይንቡር ከምዘይነበረን ገሊፅዎ እዩ፡፡‹‹ኣብ ዕድመ ሙሉእ ፖለቲካዊ ሂወተይ እታ ብሽመይ ዝትሕተም ዘላ ፅሕፍቲ እዚኣ ፈላመይቲ ብምዃና ከይተደነቅኹም ኣይተርፉን›› ክብል እውን ፅሒፉ እዩ፡፡
ንምታይ እዩ ድኣ ሐዚ ‹‹ኣባይ ዝደፈረ ፈላማይ መራሒ›› ዝብሃል ዘሎ? ኩሎም ምምሕዳራዊ ውሳነታትን ሓደሽቲ እታወታትን ብሒቱ ይውስኖም ነይሩ ማለት ድዩ? እዚ ምዃኑ እኮ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ እዩ ዘመዝን፤ውልቀ መላኺ ከብሎ ስለዝኽእል፡፡
ዓወትን ዕንወትን መለስ ዓወትን ዕንወትን ብፆቱ እዩ፡፡ዓወትን ዕንወትን ብፆቱ እውን ከምኡ ዓወትን ዕንወትን መለስ እዩ፡፡ሕድሪ ሰማእታትና ኣይዓብርን እንትብሃል ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ማለት እዩ፡፡‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ማለት ግን ሕድሪ ስውኣት ኣይነዕብርን ማለት ኣይኮነን፡፡
ስለዚ እቶም ኣብ ምስሊ ባንዴራ ህዝቢ ትግራይ ትሓቲሞም ዝርከቡ ‹‹ሕድሪ መለስ ኣይነዕብርን›› ዝዓይነቶም ጭርሖታት ክእለዩ ኣለዎም፡፡እንተዘይኾይኑ ግን ህወሓት ናይ ውልቀ ሰባት ኮይና ኣላ ማለት እዩ፡፡እዚ ማለት ድማ ውልቀ ሰባት እንትስወኡ ህወሓት እውን ተስዋእ እያ ማለት እዩ፡፡ይኹን እምበር እዚ ክኸውን ኣለዎ ዝብሃል እምነት የብለይን፤ዋላ እኳ ኣባል ህወሓት ኣይንኹን እምበር፡፡

No comments:
Post a Comment