Saturday, February 8, 2014

ሳጓታት ተጋደልቲ ትግራይ





ተስፋይ ብርሃነ ዝብሃል ናይ ፌስቡክ መሓዛይ እዞም ዝስዕቡ ሳጓታት ተጋደልቲ ብምዝርዛር ንሕና እውን ዘስታወስናዮም ንክዝርዝር ‹‹እስኪ ናታትኩም ወስኹ›› ብምባል ዓዲሙና፡፡
 ቆሚጥ፣ ሰቦቓ፣ ሰውሰቀል፣ ላፍላፍ፣ ቖቋሕ፣ ሃንጀማይ፣ ቸንቶ፣ ሸሪፎ፣ አይዕዘር፣ ዋዕሮ፣ ዳያን፣ ሳንቲም፣ ኩቺ፣ ጅቡቲ፣ ሰርገንቲ፣ ጋኖ፣ አርማቱራ፣ ዝንጉሪር፣ ልጄ፣ ጆቤ፣ ኢንች፣ አባ ትልቁ፣ እምብብ፣ ነቕንቕ፣ ወዲ ኮበል፣ ወዲ ሰዉቂ፣ ከፈር፣ ኪነት፣ አሰክሕ፣ ድልዊ፣ ደፍተራ፣ ድንኩል፣ ፓትሪስ፣ ዓማር፣ ሽላ

ኣነ ድማ ንዚኦም ዘኪረ፡- ማንደላይ፣ኣሞራ፣ገበል፣ጉማ ፣ ሻምላ፣ ቐሺ ትካቦ፣ሳዕብያ፣ቀጭሕርሙ  
ካብዚኦም ንገሊኦም ብኣካል ይፈልጦም እየ፡፡ኣብቲ ተወሊደ ዝዓበኹሉ ከባቢ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ኣብ ገዛና ይነብሩ ነይሮም… ብፍላይ ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት…

….ሽላ፣ ሻምላ፣ገበል፣ቀጭሕርሙ፣ቐሺ ትካቦን ጉማን ብዓይነይ ርእየዮም እየ፡፡ምስ ተጋደሊቲ ትግራይ ብዙሕ ተዘክሮ ኣለኒ፡፡ስብእናይ ኣብ ምቕራፅ እውን ካብ ወለደይን መምህራነይን ብዘይንእስ መልክዑ ዓብዪ ግደ ዝተፃወቱ ይመስለኒ፡፡ሐዚ ሐዚ ግን ውልቃዊነት ዘጥቅዐኒ ዘሎ ይመስለኒ፡፡ብምዃኑ ድማ ንቶም ተባዓት ተጋደልቲ ትግራይ ምስ ዝዝክር ሰውነተይ ኽምትት ይብለኒ እሞ ይስከፍ፡፡እቶም ሐዚ እውን ካብ ኣእምሮይ ዘይጠፍኡ ተጋደልቲ ከም ዝስዕብ ይዝክሮም…

ሽላ፡- ቀጢን ነዊሕ እንትኸውን ጎይዩ ዝስዕቦን ዝቕድሞን ከምዘይነበረ እዮም ዝነግሩኒ ነይሮም፡፡ተኲሱ ከምዘይስሕት እውን ብፆቱ ይምስክሩሉ፡፡ኩሉ ግዜ ስሓቕ ዘይፍለዮ ምቕሉልን ተፃዋታይን፡፡ጉተናኡ ፍሉይ እዩ ነይሩ ብጣዕሚ ነዊሕን ዝተሰንተረን፤ ጉተና ሂድሞ!!!ሽላስ ብሂወት ዶኾን ትህሉ ወይስ እዛ ውሒጣ ዝተፅቅጥ መሬት በሊዓትካ?

ገበል፡- ድማ ነዊሕን ድዱል ሰውነት ዝተዓደለ ሰልዐም ጎበዝ እዩ ነይሩ፡፡ ብሬን ምስ ዙርያ ጥምጥም ጠያይቱ ከም ሽጉጥ እዩ ኣንጠልጢሉ ዓቐብን ቁልቁልን ዝሕንብጥ ይብሉዋቶ፡፡ፀጉሪ ርእሱ ልሕስ ኢሉ ዝተላፀየ እዩ፤ ከሞቶም ናይ ሎሚ ‹‹ራፐራት››፡፡ኣብየት መንእሰይ!!!ንሱ ኣብዝተሳተፎ ዓውደ ውግእ ፀላኢ ተዋሒጡ ከምዝተርፍ ይዛረቡ ነይሮም ብፆቱ፡፡ብሓቂ እውን ገበል እዩ ዝመስል ነይሩ፡፡ ገበል ትኽክለኛ ስሙ ሲሳይ ከም ዝኾነ ነጊሩኒ ነይሩ… ኣዴኡ ሲሳይ እናበላ እየን ኣዕብየንኦ፡፡ ኣበይ ኾን ትህሉ???

ቀጭሕርሙ፡-ሓፂርን ድልዱል ቁመና ዝነበሮ ቀይሕ መልከዐኛ እዩ ነይሩ፡፡ክዛረብ ከሎ ክቕልጥፍ ርኢኹም ኣይትፈልጡን፤ማሽን እምበር ሰብ ከምኡ ብፍጥነት ክዛረብ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን፡፡ብስሩ እውን ታይ ከምዝብል ፈልየ ኣይፈልጦን ነይረ፡፡ከንቀሳቀስ ከሎ እውን ሸለው፣ሸለው እናበለ እዩ ዝኸይድ ነይሩ፡፡ኩሉ ነገሩ ጥርንፍንፍ ዝበለ ጥዩ ተጋዳላይ ነይሩ፡፡ተኽላይ ገብረዝጊሄር ዝብሃል ካብ ኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህረቲ ክሳብ ዩኒቨርስቲ ሓቢርና ዝተመሃርና ብጣዕሚ ዝፈትዎ ዓርከይ ንቀጭሕርሙ የዘክረኒ፡፡ብቂሖም ጥራሕ ይፈላለዩ፤ ተኽላይ ፀሊም እዩ፡፡ተኽላይ ኣንታ ቀጭሕርሙንምንታይ ኢኻ ጠፊእኻ ሎምስ?


ቐሺ ትካቦ፡-( ብትካቦ ጥረምረ ስለዝነበሩ ይመስለኒ ቀሺ ትካቦ ዝበሉዎም) ብጣዕሚ ቐጢን እዮም ነይሮም፤ፅማልያ ነገር፡፡ምግቢ ኣይበልዑን ነይሮም፤ ኩሉሻዕ ዓተርን ሽምብራን እንትቑርጥሙ ይዕዘቦም ነይረ፡፡ናደሕጎይ እውን ጥራይ ሽምብራን ዓተርን ንክትህቦም ይላበውዋ ነይሮም ‹‹ኣደይ፣ ዓተር ዶ የለን?›› ይብሉዋ፡፡ብፆቶም ራሕባ ከቢቦም እንትበልዑ ንሶም ኣይሳተፉን ነይሮም፤ብሽኩትን ጥረምረን በሊዖም ከመይ ኢሎም ይነብሩ ከምዝነበሩ ሐዚ እንትሓስቦ ምሒር ይድንፅወኒ፡፡ሓደ እዋን ግን ከምቲ ኣነ ዝፈልጦም ቀጢን ፅማልያ ከምዘይነበሩ ናደሑገይ እንተፃውትዋ ሰሚዐ ነይረ፤ከብዶም ኣከባቢ በሕሱም ተወጊኦም ብመጥባሕቲ ከም ዝተሰፈዩ ነጊሮማ፡፡

ሻምላ፡- ካብኩሎም ዝነውሕ ምልምል እዩ ነይሩ፡፡ሻንቆ ነበለት በልዎ፤ብዕድመ እውን ዝበልፆም ይመስለኒ፡፡ሻዑ ታይክብሉ ከምዝደለዩ ኣየርድኣንን ነይሩ እምበር ተኽላይ፣ጓል ሮባ፣ጓል ዓይነታ ዝብሃሉ ተጋደልቲ ‹‹ እስኪ ሻምላ …ሻምላ …ሻምላ በል›› ይብሉኒ እሞ ከምኡ ክብል ከለኹ ስሓቕ ብስሓቕ ይኾኑ ነይሮም፡፡ ሻምላ ድማ የባርሮም፡፡ናባይ መፂኡ ፀጉረይ ብፍቕሪ እናደራረዘ ድማ ‹‹ማንጁሱ ከምኡ ኣይብሃልን፣ ሕራይዶ?›› ኣነ ድማ ሕራይ ይብሎ፡፡ካብኡ ብኽልተ ኣእዳው ክልተ ኩርጉዕተይ ሒዙ ንላዕሊ ይሰቕለኒ እሞ ኣብኡ ምስ ኣብፀሐኒ ከይሰደኒ ስለዝፈርሕ ትንፋሰይ ሕፅር ሕፅር ይብለኒ፡፡ሻምላ ቁምጣ ገይሩ ርእየዮ ኣይፈልጥን፤ ኩሉሻዕ ቦላለየ እዩ ዝገብር፡፡

ጉማ፡- እውን ከም ሽሙ ጉማ እዩ ነይሩ፤ብጣዕሚ ፀሊም፣ ኣዒንቱ ፍሩያትን ቀየሕትን፤ ፀጉሩ ጀብ ጀብ፡፡ ኣበየት ምሕኹልቱ! ቁምጣኡ ናብ ብፅኩ ዝተፀገዓን ሸለፉ ክነትዕ ዝበለ እዩ ዝመስል ነይሩ፡፡ ጉማ እውን ከም ገበል ኣቦ ብሬን እዩ ነይሩ፡፡ገበልን ጉማን ኩሉሻዕ ምስተደባደቡ እዮም ነይሮም፤ይኹን እምበር ንፀወታ እምበር ንፅልኢ ኣይነበረን፡፡ሓሓሊፉ ግን ብሓቂ ዝተባኣሱ እዮም ዝመስሉ ነይሮም፡፡ተኸላን መዳጎንን ከይተረፈ እናልዐሉ ክሳብ ምቅርሻም ዝበጽሑዎ እዋን ነይሩ፡፡ከም ደቂ ራያ ድማ ‹‹ብቅልሻ››(ኣብ ጫፉ ሕኩል ዝበለ ደቂ ራያ ዝሕዝዎ በትሪ) ይከላኸሉ (ምምካት? ይብልዎ ደቂ ራያ)፡፡ ሻዓኡ ተኽላይ ዝብሃል ነዊሕን ወይናይ መልክዐኛን  ተጋዳላይ እናሰሓቐ ይመፅእ እሞ ‹‹በቃ፣ ይኣክል በፆት…ይኣክል›› ክብሎም ተሎ ሸዓኡ ጠጠው የብልዎ፡፡

እዞም ተጋደልቲ ኮማንዶ ዝብሃሉ እንትኾኑ ኣብ ገዛና እዮም ዝነብሩ ነይሮም፡፡ኣብ ድራር ይኹን ኣብ ምሳሕ ገዲፎምኒ ኣይበልዑን፤ በፍላይ ቑርሲ! እቶም ተጋደልቲ ኣብ ታዕሊም ኣርፊዶም ክሳብ ዝመጽኡ ደቂሰ ስለዝርፍድ ቀስቂሶም ሻሂን ብሹኩትን ይህቡኒ ነይሮም፡፡እቲ ብሽኩት ወይከዓ ባኒ ካብ ስርናይ መንግስቲ(እንኮይ) ዝተሰርሐ እንትኸውን ብሽሃይ ክትበልዖ ከለኻ ፍሉይ ጣዕሚ እዩ ነይሩዎ፡፡እቶም ተበዓት ተጋደልቲ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ጥዑማት!!!

ዓብዪ፣ንእሽተን፣ ስብኣይ ሰበይቲ ዘይብሉ ብፍቕሪ የፃውቱ፡፡ኩሉ ግዘ ብናፍቖት ዓይኒ ይጥምቱኻ፤ ብዙሓት ምሽጥራት እውን የካፍሉኻ፡፡ንዓይ ድማ ‹‹ማንጁስ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ቓልሲ ንስኹም ኢኹም ንዓወት ዝተብቅዕዎ›› ይብሉኒ ነይሮም፡፡እቶም ተጋደልቲ እከለ ካብ ኢከለ ኢልኻ ንምፍላይ እኳ ኣዝዩ ዘፀገም እንተ ነበረ ጓል ዓይነታን ተኽላይን ግን ከም ኣባል ቤተሰብና እዮም ኾይኖም ነይሮም፡፡ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ናብካሊእ ኣከባቢ ከይዶም ብከባቢና እንትሓልፉ ኣግሊሶም ይጥይቑና ነይሮም፡፡

ኣብ ተጋደልቲ ትግራይ ዘለኒ ተዘክሮ ክሳብ ሕልፈተ ሞተይ ዘይርስዖን ብሸልነተይ ሰብኣዊነት እንታይ ከምዝመስል ብተግባር ዝተመሃርኩሉን እዩ፡፡ንዓይ ሰብ ማለት ተጋዳላይ እዩ፡፡ካሊእ ወዲ ኻሊእ ሰብ መሰል ሰብ እዬ ክብሎ ዝኽእል፡፡ንዓቶም ዘኪረ ብዛዕባ ስብእናይ ክሓስብ ከለኹ ኩሉሻዕ ሕፍረት ይስምዓኒ፡፡


ካብ ዝገርመኩም ኣብዚ ሐዚ እዋን፣ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንባር ካብ ዝጅምር ንነዘ ሰብ ሰብ መሲሉ ኣይረአየንን ዘሎ፡፡በቃ፣ ሂበይ ዶ ትፈልጥ?ስራሑ ኹሉ ህይበይ ነገር እዩ፡፡ተጋደልቲ ትግራይ ግን ላዕለዋይ ደረጃ መዐቀኒ ወዲ ሰብ እዮም ነይሮም፡፡ንምንታይሲ፣ ንሳቶም ጀጋኑ እዮም ነይሮ፤ ርህሩሃት ነይሮም(እቲ ንክቐትሎም ሓዝ ክትሕዝ ዝታኾሶም ዝነበረ ፤ካብ ሂወቶም ኣብሊፆም ዝፈትውዎ ብፃዮም ዝቐተለሎም ወታደር ደርጊ ኢዱ እንተድኣ ሂቡ ኣይነኽእዎን፤… ካብዚ ንላዕሊ ሰብኣዊነት ዘሎ ኣይመስለንን)፤ካብ መጠን ንላዕሊ ለጋሳት ነይሮም(ክቡር ሂወቶም በጃ ህዝቢ ንምስዋእ ዝቖረፁ ተባዓት)፤ጥንካረ እም፣ትረት ዓላማኦምን መስመሮምን…ታይ ክብለኩም?ጀጋኑ ማለት ተጋደልቲ ትግራይ… ሰብ ማለት ተጋደልቲ ትግራይ!!!


እወ! ተጋደልቲ ትግራይ ሽምዓ ህዝቢ ትግራይ እዮም፡፡ሽምዓ፣ፅሓይን ወርሕን ኣብ ድቕድቕ ፀልማት ገዲፈናኻ ምስተዓዘራ፣ ቅራርት ይኹን ፍልፍል ሓይሊ መብራህቲ ህልም ድርግም ኢለን እንትክሕዳኻ ንባዓላ እናነደደት ትቐልጥ እሞ ንዓኻ ብርሃን ትልግሰካ፡፡ተጋደልቲ ትግራይ እውን፣ ሰማይ ኾጢባ ኮውሒ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፣ህዝቢ ትግራይ ማይ ከይኮነስ ቁምቡላታት ነፈርቲ ደርጊ እንትዘንቦ፣ሂወቱ ንምድሓን ናይ ደርጊ ረዲኤት ንምርካብ ቡዙሕ ተጓዒዙ መቐለ ምስ በፅሐ ብሓይሊ ናብ ሰፈራ እንትጉሓፍ … ሰማይ ንሃሩር ፅሓይ ኣሕሊፋ እንትህቦ… ምድሪ ሓዊ ኮይና እንተንድዶ ተጋደልቲ ትግራይ በጃኻ ይንድደና ኢሎም በጃኡ ነዲዶምሉ፡፡ግዘ፣ ተፈጥሮን ወዲ ሰብን እንትጠልሙዎ ተጋደልቲ ኣለናልኻ ኢሎም ርእሱ ንከቕንዕ ገይሮሞ፡፡

ሽላ፣ሻምላ፣ገበል፣ቐሺ ትካቦ፣ጉማ፣ ቀጭሕርሙ፣ጓለ ዓይነታ፣ተኽላይ፣ፅሃየ፣ሻምበል ሮማን… ንስኹም እውን ዶ ተሰዊእኹም ሓመድ በሊዕኩም ይኾን? ቀኒዕኩም ብሂወት ዝተረፈኩም ኸ ሐዚ ኣበይ ትህልው? ኣሕሕሕሕ! ኣታ ክንደይ ኢና ኣሕሊፍና?ክንደይ መላምል ኢና ከፊልና?


ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና!!!





No comments:

Post a Comment