ወግዒ ኣቦይ ስብሓት፡ኣማዓልካቱም እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና
ቀደም ቀደምሲ ሓደ ንባዕሎም ጥራሕ ዘዳምፁ ሓረስታይ ነይሮም ይብሃል፡፡ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብዑሮም ፀሚዶም እናሓረሱ እናሃለው ሓደ ጎረባዮም ብጥቓኦም እንትሓልፍ፡
‹‹ከመይ ሓዲርኩም ኣቦይ ክስቶ›› ይብሎም፡፡
ንሶም፡ ‹‹እንጣጢዕ ይዘርእ ኣለኹ››
ንሱ፡‹‹ዳሕና ዶ ሓዲርኹም?››
ንሶም፡‹‹ ክቦቅል ዶ ኸ ኢልኽሞ ኢኹም››
በሉ ይብሃል፡፡ሐዚ ግን ‹‹ይብሃል›› ኣይኮንናን ክንብል፤ ምኽንያቱ ኣቦይ ስብሓት ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ብዕሊ ስለዝደገሙዎ፡፡
ገብረ ገብረመድህን ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝፃሓፍዎ መፅሓፍ ተደሪኹ ንኣቦይ ስብሓት ነጋ ቃለ መጠይቕ ገይርዎም ነይሩ፡፡እቲ ብሰለስተ ክፋላት ተኸታቲሉ ዝቐረበ ቃለ መሕትት ትሕዝቶ ‹‹ልዓላውነትን
ዲሞክራስን በኢትዮጵያ›› እንታይ ከም ዝኾነ ንክፈልጥ ኣኽኢሉኒ እዩ፡፡በቲ ሓደ ገፅ ብ1993 ዓ.ም ህወሓት ንምንታይ ኣብ
ክልተ ከም ዝተገምዐን መርገፅን ስብእናን እቶም ካብ ህወሓት ዝወፅኡ ነባራት ተጋደልቲ እንታይ ከም ዝመስል ተረዲአ፡፡ኣብ እኒ
ገብሩ፣ስየ፣ተወልድ፣ፃድቃን፣ኣበበ ወዘተ ዝነበረኒ ትሑት ኣመለኻኽት ብጣዕሚ ተቐይሩ፡፡
ብኣንፃሩ
ድማ ኣብ ኣቦይ ስብሓት፣መለስን፣ ስዩምን ዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ካብ ሱሩ ምሒው ብምድርባይ ናታቶም ተፃራሪ ስብእና ምስ ዘለዎም ካልኦት ሓለፍቲ ንክላለ ሓጊዝኒ እዩ፡፡ህወሓት ንምንታይ
ተቓሊሱ፣ ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ
ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ? እቲ ብፍሉይ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተኣተወ ቃል ንምንታይ እዩ ቃል ኮይኑ ተሪፉ?
መግላፂ እቲ ውድብ ኸ ንምንታይ እዩ ካብ ህዝባዊነት ናብ ፀረ ህዝባዊነት ተቐይሩ? ልዕልነት ሕጊ፣ማዕርነት ሰብኣውን ዲሞራሲያውን
መሰላት ንምታይ እዮም ንወረቓቕቲ መጋየፂ ኮይኖም ተሪፎም? ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን (ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ)
ዘሎ ርክብ ንምንታይ እዩ ናብ ገዛእን ተገዛእን፣ኣምላኺን ተመላኽን፣ ገናሕን ተገናሕን፣ ጊላን ጎይታን ተቐይሩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒለ
ምስ ባዕለይ ክካታዕ ተገዲደ፡፡
ናይ መብዛሕቲኦም ፀገማት መሰረታዊ መኽንያት ናይ ኣታሓሳስባ
ልዕሊነት ትጨፍሊቑ ተምበርካኻይነት ስለዝነገሰ እዩ፡፡ርእስኻ ኽኢልካ ብነፃነት ምሕሳብን ምዝራብን ‹‹ብዕሱብነት›› ዘሕትትን ስዓብየኑ
ድማ ኣዝዩ ክፉእን እዩ፡፡ፍትሕን ርትዕን ብምልኺ ተተኪኦም፡፡ህወሓት ተመሳሳሊ ድልየት ዘለዎም ሰባት ዝመስረትዋ ውድብ ምዃና ተሪፉ
‹‹ታወት ክቕረፀሉ ዝግባእ ቅዱስ ዉድብ›› ክትብሃል ጀሚራ፡፡እዚ ፅሑፍ እዚ ብፀጋይ ሓዲሽ ተፃሒፉ ኣብ ዓይጋ ፎሮም ዝተለጠፈ እንትኾን
ህወሓት እውን ከምቲ እኒ ሃፀይ ሃይለስላሰ ጀማይካውያን(ራስ ተፋርያኒዝም) ታቦት ተቐሪፅሞ ዝሰግድሎም ዘለው ክስገደሉ ይግባእ ዝብል
መልእኽቲ ዘለዎ እዩ፡፡ፀጋይ ፅሕፉ ከም ዝስዕብ እዩ ኣጠቓሊልዎ፡፡
‹‹ነዚ ንህዝብን ሃገርን ኣህጉርን ዓለምን ብዝረብሑ
ሰናይ ኣተሓሳስባታት ዝተመልአ ውድብ ታወት ተቐሪፁሉን ቤተ-እምነት ተሃኒፁሉን ብሰዓብቱ እናተመለኸሉን እናተሰገደሉን ኣልፋ ወ
-ኦሜጋ ክነብር ኣለዎ፡፡ምኽንያቱ ኣህዛብ እዛ ሃገር ካብ ህልቂት ናብ ምንባር ዘሸጋገረ ቅዱስ ውድብ እዩ ሞ››
በቃ እዚ ምርገፂ እዚ ዳርጋ ናይ ኹሎም ኣባላት ህወሓት ተቐባልነት
ዘለዎ እምነት እዩ፡፡ነዚ እዩ ድማ ኣብ ትግራይና ንህወሓት ተኻቲዖም ክረትዑ ዝኽእሉ ኣታሓሳስባታት ከም ሓጥያት ተቖፂሮም ዘለው፡፡ካብ
ገብሩ ኣስራት ንላዕሊ ዝተቓለሰ ዶ ኣሎ እዩ ድኣ? ሐዚ ሓንቲ መፅሓፍ ፅሒፉስ ከም ቀንዲ ፀላኢኦም ገይሮም ‹‹ርኩስ ከመ ኣርዮስ››
ይብልዎ ኣለው፡፡
ይኹን እምበር፣ገብሩ መፃሓፍ ፅሒፉ ተዘየሐትም ነይሩ ቃለ መሕትት ኣይምተገበሮን፡፡ንሱ ተዘይሕተት ነይሩ ኣቦይ ስብሓት ብሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣይምትሓተቱን፡፡ንሶም ተዘይሕተቱ ነይሮም ድማ እቲ ንዓመታት ተኸዊልኒ ዝነበረ ሓቀኛ ስብእናኦም ካብ ኣንደበቶም ኣይምሰማዕኩዎን፡፡ስለዝኾነ ድማ እየ ‹‹ብዛዕባ እቲ መፅሓፍ ካብ ዝተገበረ ቃለ መጠይቕ ክንድዚ ዝኣክል ንምዕዛብ ዝኻኣልኩስ ንቲ መፅሓፍ ምስ ኣንበብኩ ድኣ ትዕዝብተይ ክንደይ ክዓሙቕ ይኾን?›› ክብል ንባዕለይ ዝሓተትኩ፡፡ንቶም
ንዘመናት ትዓፊኖም ዝነበሩ ወድዓዊ ሓቂታት ጋሊሃ ትኽክለኛ መንነቶም ንምርኣይ ዘብቀዐትኒ እያ ዝብል ተስፋ ስለዘለኒ ንታ መፅሓፍ
ንምንባብ ዘለኒ ድልየት ብጣዕሚ ዝልዓለ እዩ፡፡ንገብሩ ዘለኒ ኣኽብሮትን ናእዳን እውን ከምኡ፡፡
ድሕሪ ሐዚ፣ብዛዕባ እቶም ናይ ቀደም ኣቦይ ስብሓት ዝብሎ ነገር ኣይህልወንን፡፡ዝበልኹዎ እንተነበረ እውን ሐዚ ባዕሎም ፈሺሎሞ ኣለው፡፡ካብ ባዕሎም ንላዕሊ ብዛዕባኦም ዝፈልጥ ኣይህልውን እሞ፡፡ እዚ ካብ በልኩ፣ ብዛዕባ እቶም ጉልባቦም ዝቐልዑ ኣቦይ ስብሓት ነውግዕ፡፡
ኣቦይ ስብሓት ንኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣ ፅዮንን ብመፈንቅለ ስልጣን ካብታ ባዕሎም ዝመስረትዋ ውድብ ካብ ዘባርሩዎም ንነዘ ንህወሓት ብሓፈሻ እውን ንናይ ሃገርና ፖለቲካ ከም ኣፃብዕቲ ኢዶም እዮም ዝጭብጥዋ ዝዝርግሕዋ፡፡ናይ ሃገርና ፖለቲካ ኣፃብዕቲ ኢዶም ማለት እዩ፡፡ናይቲ ውድብ ምሓውርን መዋቕርን ተጠቒሞም ከም ድልየቶም ይጥሕኑ፣ የቃጥኑ፣ የብኹዑ፤ ሰንኪቶም ድማ የብስሉ ወይ የሕርሩ፡፡ባህ ካብ ዝበሎም ይቖርሱ፣ይፍትቱ፣ ይጎርሱ፤ ዝሐሾም ዓይነት ምስሊ የጥፍጥፉ መሊሶም ድማ የፍርሱ፡፡ ንሶም ዝተፍእዎ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተጎምቢሖም ይልሕስዎ፤ ከም ዳዊት ድማ ይደጋግምዎ፡፡
ንሶም እንተድኣ ተዛሪቦም፣ ተዛሪቦም፡፡በቃ ሓፍ ከፍ የለን፤ ዋለ ሓደ ወስቀስ ኣይብልን እዩ፡፡ኣብ ታሪኻዊን ወድዓዊን ሓቅታት ተደሪኹ ዝካተዖም ወይለየኡ! ሕሉፍን ህልዉን ኩነታት ኣፅኒዑ ንክረትዖም ዝፍትን ዕድመኡ ከሕፅር ዝደለየ ጥራሕ እዩ፤ እንተነኣሰ ንዓመታት ካብ ዝተቓለሰሉ ውድቡ ቦቂሶም ይድርብይዎ፡፡ስለዚ፣ ንሶም ከም መፍተል ኣብ ዝሕምብብዎ ውድብ ህወሓት ኮይንኻ ታሪኽ ኣፅኒዕኻ፤ ህልዊ ኩነታት ዳህሲስካን መፃኢ ትልምታት ተሊምካን ክትዓምም ኣይትኽእልን፡፡እንተወሓደ እቲ ሓሳብ ዘመንጨውዎ፣እቲ ፅንዓትን ምርምርን ዝተበላሐትዎ ንሶም ምዃኖም ክትዛረብ ኣለካ፡፡ካብዚ ወፃኢ ሓንቲ ስድሪ እውን ፍሒም ምባል ኣይክኣልን፡፡ፍሒም ዝበሉ እንታይ ከም ዝተቐበሉ ኩሉና እንፈልጦ ርትዓዊ ታሪክ ይመስለኒ፡፡ዝተቃወሙዎም ኩሉ ወይ ተሰዊኦም እዮም ወይድማ ካብቲ ውድብ ተባሪሮም፡፡እቶም ዝተሰወኡ ሓመድ ትግራይ ትቑፀሮም፤ እቶም ካብቲ ውድብ ዝተባረሩ ግን ኣረጋዊ በርሀን ግደይ ዘርኣፅዮንን በ1976 ዓ.ም፣ ጉጅለ ተወልደ ወልደማርያምን ገብሩ ኣስራትን ድማ በ1993 ዓ.ም ከም ኣብነት ምፅራሕ ይክኣል፡፡
ካብዚ እንርድኦ እንተሃለወ፣ ኣብ ማዕርነትን ስምምዕነትን ዝተመስረተ ናይ ሓባር ረብሓ ንክህልው ዝግበር ጥበብ እንካ ሃባ(ሂብካ ምቕባል) ዘይፈልጡ ምዃኖም እዩ፡፡እቲ ንሶም ዝኽተልዎ ቀዳማይ ኣምር ተኽኢሎም ዝተፈላለዩ ስልቲታት ተጠቂሞም ውልቀ ረብሓኦም ምስኻዕ እንትኾን፣ እንተዘይኾይኑ ግን ህልውናኦም ንምዕቃብ ክብሉ ጥራይ ረብሓኦምን ረብሓ ህዝቦምን ኣሕሊፎም ንምሃብ ንድሕሪት ኣይብሉን፡፡ንኣብነት እታ ውድብ ገና ዕሸል እናሃለወት ‹‹ሕቶ ኤርትራ ሕቶ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ፤መፍተሒኡ ድማ ነፃነት እዩ›› አሎም ዝተቀበልሉ ምኽንያት ሻዕብያ ከም ዘተጥፍኦም ስለዝተረደኡ እንትኾን ዓባይ ትግራይ ንምምስራት ዓሊማ ትቃለስ ንዝነበረት ውድብ ግገሓት ግን ዝኣዘዝዎ ንምፍፃም ምድላዋ እናፈለጡ እውን ንስምምዕነት ዓዲሞም ከብቅዑ መረሕታ ብግፍዒ ብምጭፍጫፍ ኣጥፊኦማ፡፡ምስ ኢድዩን ኢህአፓን ዝነበሮም ቅርሕንቲ እውን ብምጥፍፋእ እዩ ተፈቲሑ፡፡ኣብ ጥበብ እንካ ሃባ ግን ሰዓራይን ተሳዓራይን የለን፡፡እቲ ሽዕኡ ዝሰፈሮም ናይ ምጥፍፋእ ፖለቲካ ግን
ሐዚ እውን እንትብእስ እምበር እንትምሓየሽ ኣይርኣይን፡፡
እቲ ካሊእ ዝተዓዘብኩዎ ነጥቢ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሉ ዝተዛረብዎ ጥራይ ዝደጋግሙ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ናይ ምምንጫው ተኽእሎኦም ዝተሓተ ምዃኑ እዩ፡፡ናተይ ዝብልዎ መርገፂ ከምዘይብሎም እውን ትዓዚበ፡፡ ‹‹ሰሚዐ፣ነጊሮምኒ፣ ሓዚና ኢሎምኒ፤ ስለዚ ኣነ እውን ሓዚነ›› እናበሉ የኾምስዑ(ይሞስኩዑ)፡፡ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ብሓሳብ ንዝዕብልልዎም ሰባት
ግስሩጣት ቃላት ተጠቒሞን ንምንሻው ከም ዝፍትኑ ኣስተውዒለ፡፡ንኣብነት
እቶም ትኣመንቶም ናይ
ገብሩ ኣስራት መፅሓፍ ኣንቢቦም ስለዘይትሓጎሱን ተናዲዶም ስለዝገደፍዋን ንሶም እውን ንዘይምንባብ ወሲኖም፡፡ካልኦት ዝኾነ መፅሓፍ ኣንቢቦም ስለዝተደሰቱ ዝድሰት፣ ካልኦት ስለዝሓዘኑ ድማ ዝሓዝንን ዝናደድን ሰብ ዓርሰ እምነቱ ዝተዳሃለ ጥራሕ እዩ፡፡ገብሩ ዝፀሓፋ
መፅሓፍ ንምባብ ድፍረት ምስኣኖም ድማ ኣብኦም ዝነበረኒ ክብሪ በኒኑ ንክጠፍእ ገይሩዎ፡፡
እቲ
ናይ መወዳእታን ኣዝዩ ኣገድስን ጉዳይ ኣቦይ ስብሓትን ተኸተልቶምን ኣታሓሳስባኦም ካብ ኣፍንጫኦም ስድሪ ርሕቐት ዘይብሉ፣ ሕልፉ
ታሪኽ መርሚርካ ምስ ህልዊ ኩነታት ኣዛሚድካ መፃኢ ሃገራዊ ዕፃ እዛ ሃገር ንምትንባይ ዘለዎም ድኽመት እዩ፡፡ይትረፍ
ብኣሻሓት ክፍለዘመናት ኣርሒቖም ክርእዩስ እታ ድሕሪ 20 ዓመት ዘለናያ ኢትዮጵያ እውን ምግማት ዘይምኽኣሎም ምሒር ኣገሪሙለይ፡፡ኤርትራ
ካብ ኢትዮጵያ እንትግንፀል ኢትዮጵያ
ናይ ባሕሪ በሪ ከም ዘድልያ ዘይትሰቖሮም መኽንያት እውን እዚ ከይኾነ ኣይተርፍን፡፡ እምበር እማ ኣፎም መሊኦም ‹‹ባሕሪ ንዓና ምዓርግ እዩ ነይሩ፣ዝወፅእ ዘይብልና ዝኣትው ዘይብልና›› ንምባል ኣይምደፈሩን፡፡ዝዛረቦ
ንዝፈልጥ ኣዝዩ መሕፈሪ ስለዝኾነ፡፡ ናይቲ ሐዚ ዘሎ ኣማራርሓ ቀንዲ ፀገም ድማ እዚ
ኣታሓሳስባ እዚይ እዩ፡፡
ሐዚ ናብቲ ገብረ ገብረመድህንን ኣቦይ ስብሓትን ዝገበርዎ ቃለ መጠየቕ ነምርሕ እሞ ‹‹እቲ ኣማዓልካቱም
እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና›› ዝዓይነቱ ወግዒ ነጠዓዕሞ፡፡ኣብ ሓደ ቃል ሰለስተን ካብኡ ንላዕልን ዝተደገሙ ፊደላት እቲ ቃል ኣንዊሖም ከም ዘድመፅዎ ዘመልክቱ እዮም፡፡ልብ በሉ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝፃሓፍዋ መፅሓፍ ደሪኹ እዩ ዝሓቶም ዘሎ፡፡
ገብረ፡ እታ መፅሓፍ ኣንቢብኩማ ዶ?
ኣቦይ ፡ ኣነ እታታታ መፅሓፍ ከም ዝተፃሓፈት ሰሚዐ፤ ዘንበቡቡቡ ነጊሮምኒ ነይሮም፤ ኣብ ስቪል ሰርቪስ ኣብ ህወሓት ዘለው፤ካብ ህወሓት ዝወፅኡ እውን ነጊሮምኒ፤ ዓብዪ ትምህርቲ ወሲድናናና፤ ተናዲድካ ምፅሓፍ ክሳዕ ክንደይ መዋረዲ ምዃኑ ተማሂርናናናና ኢሎምኒ፡፡ ብጣዕሚ ዓብዪ ትምህርቲ እዩ፡፡ኮነ ኢልካ፣ሓሲብካ፣ ረጊዕካ፣ ኣእምሮኻ ኣስኪንካ(ኣስቂንካ?) ዘይምፅሓፍካ ክንደይ መዋረዲ ምዃኑ፣ ክንደይ ጣጣ ከም ዘምፅእ ነጊሮምኒ፡፡ ገለ ገሊኦም ኣይወዳእናያን ገዲፍናያ ተናዲድናናና…
ገብረ፡እሞ ክተንብብዋ ዲኾም?
ኣቦይ፡ እሱ እቲ ትሕዝቶ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ይዛረቡ እንድዮም ግን ኢቭን እቶም ምስኡ ዝወፅኡ ገዲፍናዮ ኢሎም፡፡ስለዚዚዚ…
ረብረ፡ እሞ ንስኹም ኸ ተንብበዋ ዲኹም?
ኣቦይ፡ ኣይ ስቕ ኢለ ክርእያያያ እሞ፣ሕልፍ ሕልፍ ኢለ እስቲ ክርእያ እየ፤እምበር ኣየንብባን፡፡እቶም ዝነገሩኒ፣ እቶም ዝጀመሩ እውን ከም ዝነገሩኒ ዘንብባ ኣይመስለንን ምሉእ ብምሉእ፡፡
No comments:
Post a Comment