Sunday, November 9, 2014

ርኢቶ ነጋ ዘርኡ ኣብ ልዕሊ መፅሓፍ ገብሩ አስራት፡ ‹‹ሉዓላውነትን ዲሞክራስን በኢትዮጵያ››


ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ‹‹ቅድመ ግንባር›› ዘርእስታ መፅሓፍ  ፅሒፉ ንንባብ ዘብቀዐ ጋዜጠኛ ነጋ ዘርኡ ናይ ገብሩ ኣስራት መፅሓፍ( ‹‹ሉዓላውነትን ዲሞክራስን በኢትዮጵያ››) የንብባ ከምዘሎ ብምሕባር ብዛዕባ ትሕዝቶ እታ መፅሓፍ ዋላ ሓንቲ ከይተንፈስ፣ ኣርእስታ ጥራይ ‹‹መፅሓፈ ኑዛዘ ወይ መፅሓፈ ንስሃ ገብሩ አስራት›› ኢሉ ከም ዝሰየማ ተናዚዙ ብብዛዕባ እቲ ፅሓፊ ኣዝዩ ሓፂር ገምጋም ገይሩ፡፡ነጋ ንምንታይ እዩ ኣብ ትሕዝቶ እታ መፅሓፍ ዘየድሀበ? ንምንታይ ኣብ ናይ ገብሩ ስብእና ኣነፃፂሩ? መልሱ ንክቡራት መንበብቲ ክገድፎ እሞ ‹‹ኣሉታ ገብሩ›› ኢሉ ናብ ዝዘርዘረን ነጥብታት ክሓልፍ፡፡
1.     ኣብ ጓይላ ፖለቲካ 50 ዓመት ሳዕሲዑ ሕዚ ምብርባሩ 

ነጋ ሓወይ ‹‹እምኒ ዋላ ንዘልኣለም ኣብ ሩባ ይንበር እምበር ምሕማስ ኣይኽእልን›› ዝብሃል ምስላ ዶ ትፈልጥ? እብኣር ገብሩ ኣብ 50 ዓመቱ ምብርባሩ ከደንቐካ የብሉን፡፡ ንቶም ዕድመ ልክዖም ዘይተበራበሩን ሐዚ እውን ‹‹ኣብ ጓይላ ፖለቲካ›› ዝስዕስዑ ዘለውን ኸ እንታይ ኢኻ ክትብሎም?  እቶም ብድቅሶም እናሳዕሰዑ ሓደ ብሓደ ናብ ጉድጓድ ዝስጉሙ ዘለው ኸ ድኹም ጎድኖም እንታይ ኢኻ ክትብሎ? ገብሩ ይትረፍ 50 ዓመት ሳዕሲዑ ምብርባሩስ ድሕሪ 80 ዓመት እንተነቅሐ እውን ክምስገንን ክሙገስን ይግበኦ እምበር ክበሳብስ ይብሉን፡፡

ሓደ ወዲ ሰብ ኣእዳውን ኣእጋሩን አሳሲሩ ከፍ ክሳብ ዘይበለ ጌጋታት ምፍፃሙ ኣይተርፍን እሞ እቶም ዝሰርሖም ስሕተታት ንምእራም ምዝንጋዑ ብዙሕ ከደንቐና ዘለዎ ኣይመስለንን፡፡እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ክኾን ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ጌጋ ጌጋ ንዘይምፍፃም ዝገበሮ ፃዕሪ ኣሎ ዶ ይለን? ዝብል እዩ፡፡ገብሩ አስራት ቅድሚ 1990 ዓ.ም ኣቢሉ እዩ ተወሳኺ ታሪካዊ ስሕተት ንዘይምስራሕ ዝተቓለሰ፡፡ንስልጣኑን ንውልቀ ክብሩን ክብል ከምቶም ፀፀኒሖም ሃገሮም ዝከሓዱን ዝክሕዱ እውን ዘለውን ኣይከሓደናን፡፡እዛ ሃገር ሓቢርና ከም ድላይና ንግበራ ኢሎም ክሓብልዎ እንትፍትኑ ጠንጢንዎም እዩ፡፡

ኣብ 93 ዓ.ም ህወሓት ንኽልተ እንትግማዕ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እንታይ ከም ዝነበረ ኣይትነገረናን፡፡ኣይነገርኹናን፡፡ ገብሩ ነቲ ተዓፊኑ ዝፀንሐ ሓቂ ይንትዖ ስለዘሎ ‹‹ዓሽኻ ኣንታ ጅግና ወዲ ህዝቢ!›› ንብሎ፡፡ንሓቂ፣ንማዕርነት፣ንርትዓውነትን ንሃገራውን ህዝባዊን ልዕልነት ዝተቓለሰ ህዝባዊ ተቓላሳይ ሓቂ እንትዕፈን ሱቕ ኣይብለን እዩ፡፡‹‹እንተሸፈንካያ ዘይትሽፈን ሓቀኛ እያ፣ እንተሓብአት እውን ተቐላዒት እያ››ተባሂሉ ዝተዜመላ ድኣ መን ድያ ነጋ? እቲ ወዮ ‹‹ዲሞክራሲያውን ሰብኣብኣውን መሰላት ህዝብና ተዓፊኑ›› ኢልኹም ዝተቓለስኩሞ ድኣ መልሱ ከምዚ ድዩ?
ጌጋኻ ንምእራም 50 ዓመት ኣዝዩ ዝጋነን ኣይኮንን፡፡እቲ ኩሉ ዘይኽእሎ ኣዝዩ ከቢድ ጉዳይ ስሕተት ምስራሕኻ ምእማንን ንቲ ስሕተት ንዘይምድጋም ምውሳንን እዩ፡፡ኣይተ መን እዩ ማንም ከየገደዶ ‹‹ታሪካዊ ስሕተት ሰሪሐ ኣለኹ እሞ ንዓይ ርኢኹም ተማሃሩ›› ንምባል ዝደፈረ? ገብሩ ኣስራት ጥራሕ እዩ ደፊርዋ!

2.    እታ ( ተጠርኒፈ እየ ዋላ ይበል) ኢዱ ሓሊፋ ስለዝፀንሓቶ ምኵራ
እዛ ኣባሃህላ እዚኣ ግልፂ ኣይኮነትለይን፤ ግልፂ ተትገብራ ደስ ምበለኒ፡፡ልዓላውነትን ዲሞክራሲን ሃገርና ኣብ ከውሒ ከም ዝፈሰሰ ማይ ተኒኖም ብምትራፎም እንተድኣኾይኑ ዝኾረዮ ክኹሪይን ፈረቓን፡፡‹‹ልዕሊ ኹሉ ዘሐጉሰኒ፣ በይዛ ህዝበይ በይዛ ዓለመይ…ክቡር እዩ እቲ ቀይሕ ደመይ›› እናበሉ ደሞም ዘፍሰሱን ኣካላቶም ዝኸስከሱን ብፆቱ ውን ስለዝበልዎ ምኹራዩስ ብኣሉታ ክጥቀስ ዝግበኦ ኣይመስለንን፡፡

ይትረፍ ንሱ ‹‹ስጋ ብፆት›› ኢሉ ዝምሓለ፣ ‹‹ዓወት ንሓፋሽ›› ኢሉ ዝጨረሐ ዳሕራይ ድማ ‹‹ትግራይ ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና›› ኢሉ ዝተመፃበዐ ንሕና እውን ምሒር ጉሂንን ሓዚንን ኢና፡፡እታ ርእያ ዘይትፀግቦም ቀየሕቲ ደቃ ዘወፈየት ኣዶ ትግራይስ እዚ ድዩ ዝግበኣ?እቲ ኣፉ ገዲፉ ቁራዑ ፀንቂቁ ፀባ ዘስተየኩም፣ ኣፉ ሓዲጉ ዝዓንገለኩም ህዝቢ ማይ ክትኸልእዎስ ግቡእ ድዩ? ናብራ ምሒር ከፊእዎ ኣደዳ ስደትን ልመናን እንትኾን ምርኣይ ዘየጉሀየ ድኣ እንታይ እዩ ከጉሂ? እቲ ን40 ዓመታት ብተኸታታሊ ዝኣተውኹምልና መፅዓ እዚ ድዩ ነይሩ?
ህዝቢ ትግራይ እኮ ከምቲ ብጋዜጣ ወይን፣ድምፂ ወያነን ቲቪ ትግራይን ካብ ድኽነትን ፀበባን ተናጊፉ ሕልፍን ትርፍን ንምውናን ከምዝበቅዐ ዝትዛረብዎ ኣይሓለፈሉን፡፡
እቶም ብሓቂ ዝሓለፈሎም ሰበ ስልጣናት ህወሓትን ቤተሰቦምን ጥራይ ምዃኖም እናፈለጥኩም ህዝቢ ትግራይ ከይበልዐ በሊዑ ከይሰተየ ሰትዩ እናበልኹም ደም ብልዓት ተብልዕዎ ኣለኹም፡፡ማስቃ ዘይትፈርሑ!

3.    ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከሕጉስ ( ኣደዳ እሰይ እሰይ ክገብረና ) እናሓሰበ ምፅሓፉ ወዘተ
እዛ ኣባሃህላ እዚ ንብዙሓት ዓመታት ዝተደጋገመት ኣጉል ወግዒ እዩ፡፡ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ መን እዩ? ገብሩ ኣስራት ‹‹ልዓላውነትን ዲሞክራስን›› ሃገርና ቀሊጥና በሊዕናዮም ኢሉ ምብፅሓፉ ዝሕጎስ? ናይ ስብሓት ነጋ ዓጀው ጀው ዲኻ ትደጋግም ዘለኻስ ብመርትዖ ዝተደገፈ ናይ ባዕልኻ መርገፂ ኣለካ? መርትዖኻ ዘይተቕርብ? ብፅሑፍ ዝተኻተዐ ብፅሑፍ ምክታዕ ንቡር እዩ፡፡ንስኻ ከም ድልየትካ እናፀሓፍካን መፃሕፍትኻ ኣብ ዝሐሸካ እናሸጥኻን ካልኦት እንትፅሕፉ ‹‹ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ከሐጉስ›› እናበልኻ ምውጋዝን ዘይሽሞም ምሃብን ምዓንጣኻ ዘሕርር ግፍዒ እዩ፡፡

ነጋ ሓወይ ዓገብ ኢኻ ትፍፅም ዘለኻ፡፡ብሽም ህዝቢ ትግራይ ሓቂ ተዓፊኑ ንክተርፍ ዘለካ ድልየት ምስ ዝዕዘብ ብፅሑፍ ካብ ዘይገልፆ ንላዕሊ እየ ጉህየ፡፡ከምቲ ናትኻ መፅሓፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መቐለን( ሓውልቲ ሰማእታት ከይተረፈ) ዝተሸጠ ናይ ካልኦት ተጋሩ መፃሕፍቲ እውን ንመንበብቲ ክባፀሑን ትሕዝተኦም ባዕልና ክንግምግሞምን ዕድል ክውሃበና ይግባእ፡፡እንተዘይኾይኑ ግን ንባዕልኻ ርኣዩለይ ስምዑለይ እናበልኻ ካልኦት ጎሊሆም ንከይርኣዩ ከም ደፍተራታት ዝተፈላለየ ሸርሒታት ምእናብ ንትዕዝብቲ እዩ ኣሕሊፉ ክህበካ፡፡
ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ድዩ ነይሩ? ከማኻ ዝበሉ ‹‹ፍሉያት›› ጥራሕ ከም ድልየቶም ክዛረቡን ክፅሕፉን እቲ ኻሊእ ትግራዋይ ግን ‹‹ኣደዳ እሰይ እሰይ ክገብረና›› እናተበሃለ ክዕፈንን ዘይሽሙ እናሃብካ ክበሳበስን ኣለዎ? ንዓኻ ድኣ መን እዩ ትሓላቒ ህዝቢ ትግራይ ዝገበረካ? እቶም ናትኻን ከምናትኻን ዝበሉ መፃሕፍትን ናይ ገብሩ ኣስራት መፅሓፍን ሓቢሮም ዕዳጋ ይዘረገሑ እሞ እቲ ህዝቢ መሪፁ ንክገዝእ ዕድል ሃብዎ፡፡ከምቲ ቀደም‹‹ህዝቢ እዩ ሓይልና መስመር እዩ ሓይሊና›› እናበለኹም ትዝምርዎ ዝነበርኹም ሐዚ እውን ህዝቢ ሓይሊ እዩ፣ ቅኑዕ መስመር ሐዚ እውን ሓይሊ እዩ፤ ህዝቢ ባዕሉ ንክመመይ ፍቐድሉ፡፡ህዝቢ ዝፈተዎ ሓንጎፋይ ኢሉ ንክሓቁፍ፣ ዝፀልኦ ድማ ዓኽ ኢሉ ንክተፍእ ዕድል ሃብዎ፡፡

ሎሚ እውን ከም ቀደም ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣርዑት ጭቆና፣ዓፈና፣ፍትሕን ርትዕን ዝዛብዕ፣በላዒ ናይ እንዳማቱ ዝኾነ ግዕዙይ ስርዓት ጥራሕ እምበር ዝመሰሎ ዝፅሕፍን ሓጥያቱ ዝናዘዝን ኣይኮነን፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓዱ ከም ድልየቱ ከይፅሕፍን ከይዛረብን ዓፊኖም ዝሕዝዎ እዮም ኣውራ ፀላእቱ እምበር ኣብ ኣውሮፓን ኣመሪካን ኮይኖም ዝሕነይሉ እማ እንታይነቱ ኣፀቢቖም ይፈልጡ እዮም ደፊሮም ኣይትንክፍዎን፡፡
ንህዝቢ ትግራይ ምሒር ዘጥቅዕዎ ዝነበሩን ዘለውን እቶም ናትኻ፣ፈተውትኻ ኢና ብሃልቱ እዮም፡፡ብሓቂ እውን ከምቲ ቮልቴር ዝበሎ ልዕሊ ኹሉ ‹‹ልዑል ፈጣሪ ካብ ፈተውትና(ኣዕርኽትና) ሓልወና እምበር ንፀላእትናስ ባዕልና ኣለና››("Lord protect me from my friends, I can take care of my enemies") እናበልና ክንፅልይ ዘለና ንሕና ተጋሩ ኢና፡፡ንኣፎም በይዛኻ ቅድመኻ እናበሉ ቅድመኦም ዝደፍኡና ዘለው እቶም ንሓርነትኻ ተቓሊስና በሃልቲ እዮም፡፡ብስሩ እውን ደጋዊ ፃላእቲ ከጥቅዑና ዝኽሉ ውሽጣዊ ሓድነትና እንተማሕሚሑ ጥራሕ እዩ፡፡ውሽጣዊ ሓድነትና ንክሕርፍፍ ዝግብሩና ድማ ‹‹ንሕና ጥጥዕሙ ኣማሪፅና ክንበልዕን ክንሰትን፣ዝሓሸና ክንፅሕፍን ክንዛረብን ከምኡ እውን ሰብ ሃፍትን ገበርቲ ሓደግቲ ሃገርን እንትንኾን እናረኣኹም›› ትሓጎሱ ዝብሉ ዕሉላት ኣባሃህላታት እዮም፡፡ንዓና ተጋሩ ቀንዲ ፀላእቲና ፈተውቲና መሲሎም ከም ቁርዲድ ኣብ ዝባንና ተጣቢቖም ዝምዝምዙና ዘለው እዮም ብጣዕሚ ዘዳኽሙና ዘለው እምበር ንደጋዊ ፀላእትናስ ሰኒፍና ኣይንፈልጥን ኢና፡፡

ብሓፈሻ መሐጎሲ ፀላእቲ ከይንኾን እናበልኻ ሓቂ ምዕፋንን ኣብ ልዕሊ ስሕተት ስሕተት እናኾመርካ ብሓባር ናብ ምሃሙቕ ምእታውን ናይ ዓያሹ ስራሕ እዩ፡፡ስሕተትኻ ምእማንን ንቐፃሊ ንምስትኽኻል ምውሳንን ውሑዳት ቆራፃት ጥራሕ ዝደፍርዎ ጅግንነት እዩ እሞ ክነድንቖን ክንኽተሎን ይግባእ፡፡‹‹ሓቂ ሓዝ እሞ ኣብ መንገዲ ደቅስ›› እንድዩ ዝብሃል ሓቂ ሒዝና ንሟጎት፣ ሓቂ ንምዕጋት ሃርኮትኮት ኣይንበል፡፡‹‹ፀላእቲ ንከሐጉስ ፅሒፉ›› እንትንብል ዓፈንቲ ንከሐጉስ ፀሒፉ (‹‹ፎቲኽን ዶ ንንጉስ ትምርቓ››) ክንብሃል ከምእንኽእል እውን ኣይንረስዕ፡፡

  

1 comment: