ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዕድመ ልክዖም ንክብሪ ሃገሮም ተቓሊሶም፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት
ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ወረርቲ ሃገርና ንምብርካክ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ፈቲኖም፡፡በቢዝመፅእወን ሓመድ ደፈጫኦም ኣብሊዖም መሊሰሞም፡፡መርገፂ
ኣሉላ ባነጋ ‹‹ጣልያናውያን ንሰሓጢ ንክሕዙ ዝፈቕደሎም ኣነ ገዛኢ ሮማ ኮይነ ናብ ጣልያን ምስ ዝኸይድ ጥራሕ እዩ፡፡ሓደ ግዘ ስዒረዮም
እየ፤ ኣይዓርፍን እነተይሎም ደጊመ ሓይለይ ከርእዮም እየ!›› ዝብል ነይሩ፡፡ጣልያናውያን ግን ኣይዓረፉን፡፡ ኣብ ሰሓጢ ዝበፅሖም
ውርደትን ስዕረትን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ዶግዓሊ ነቊጦም፡፡ኣሉላ ባነጋ ከምታ ዝተሓነይዋ ቃሎም ኣይዓፀፉን፤ ደጊሞም ቅልፅሞም ኣርእዮሞም፡፡
ዳሕራይ ግን ዘመን ክሒድዎም፡፡ድሕሪ መስዋእቲ ሃፀይ ዮሃንስ ዝነገሱ ሃፀይ ምንሊክ ንታ ንመዋእሎም
ዝተቓለሱላ ባሕሪ ነጋሲ(ሓማሰየን) ብውዕሊ ውጫሌ ንጣልያን ኣረኪቦማ፡፡ኣታ ሻዓኡስ እንኳዕ ኣሉላ ኣባነጋ ዘይኾንኩ! ኣሕ! ታይ
ኾን ተሰሚዕዎም ይኾን? ሃፀይ ምንሊክ መዓዝ በዚ ተመሊሶም? ኣሉላ ኣባነጋ ዝተበታተነ ወታደሮም ኣኻኺቦም ናብ ዓድዋ ዘሚቶም፤ ንሳልሳይ
ግዘ ንጣልያን ዶኲዖማ! ግን ታይ ይዓብስ፡፡ሃፀይ ምንሊክ ሐዚ እውን ብሓይሊ ንዘይኾነሉ ጣልያን ወጊኖም፤ ብውዕሊ ኣዲስ ኣበባ ካብ
መረብ ምላሽ ንንየው ዘሎ ምድሪ ሓበሻ ንጣልያን ሰሊዖም ብምሃብ ካልኣይ ታሪካዊ ክሕደት ፈፂሞም፡፡ንሶምስ ድሓን፤ ዓላማኦም ንሓበሻ(ብፍላይ
ኣንፃር ስልጣኖም መሲሎም ንዝተራኣዩዎም ተጋሩ) ኸፋፊልካ ምድኻም ስለዝነበረ እዮም ከምኡ ገይሮም፡፡
እቲ
ብጣዕሚ ዘገረመለይ ግን እቶም ካብ ክፋል ህዝቢ ትግራይ ዝተረኸቡ ኣቦይ ስብሓት ዕላማ ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ዑና ብምግባር ሕድሪ ምንሊክን ጣልያንን ንምዕቃብ ‹‹ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ እዩ፤ መፍተሒኡ ድማ ነፃነት እዩ››
ብምባል ነቲ ሕሉፍ ታሪኻዊ ክሕደት ምድጋሞም እዩ፡፡‹‹እቲ መግዛእቲ ድዩ መግዛእቲ ኣይኮንን አነ ዓብዪ ፖለቲካዊ ሕቶ ኣይመስለንን፡፡›› ድማ ይብሉ፡፡ኣይሓፍሩን
እኮ! ብዘይ ሓንቲ መርትዖ ሃገር ዝኣክል ከም ጨርቂ ሰሊዖም ደርብዮም ከብቅዑስ ‹‹ዓብዪ ፖሊቲካዊ ሕቶ ኣይመስለንን››? እዚ ዓብዪ እንተዘይነይሩ ድኣ እንታይ እዩ ዓብዪ
ዝብልዎ? ስልጣን?
ነዚ ዝስዕብ ወግዖም ማንም ኣይክሕዶን፤ ዝክሓዶ እውን ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ስሕተት ከምዝነበረ
ስለዝፈለጡ እዮም እውን ሃፀይ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ብፌደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ ዝሓወሱዋ፡፡
‹‹ቅደም ወደብ ነይሩና፡፡ወደብ ዘይብልና ኾይንና ግን ክንደይ ዓመት ተቐሚጥና? ውጫሌ እንታይ ኣምፂእልና? እናለመንና እኮ ሸይጥናዮ፡፡ኣበይ በፂሕኹም እናተባሃሉ እኮ እዮም ጣልያን፣
መኮነን እኮ ካብ ሮማ ናብ ኢትዮጵያ ኽመፅኡ
‹‹ክሳዕ ኣበይ እየ ክኸይድ›› ይብል ጣልያን፡፡
ክሳዕ ዝኻኣልኩሞ፡፡
እሞ ናይ በርሊን ኮንፈረስ ክንጥይቅ፤ ምኽንያቱ ንኣፍሪካ ክንማቐላ እናተስማዕማዕና ኢና፡፡
ስምምዕ ኣየድልየኩምን፡፡
ናይ በርሊን ኮንፈረንስ ጥሒሶም፣ ለሚኖም እኮ እዮም ሂቦሞ፡፡ኣበይ እዩ ኢትዮጵያ ወደብ ነይርዋ ዝብሃል? አነ ብኳንቲቲ ዓሰብ ወደብና የነበረን፣ማሳዋ ወደብና የነበረን፣ ጁብቲ ወደብና ነይሩ…ልዕሊ ሰማንያ ፐርሰንት ኢምፖርትና ኤክስፖርትና (ኣታዊን ወፃእን) ንግድና፡፡ናይ ውጫለ ውዕሊ ዘየንበበ እንተኾይኑ ኸዓ ገብሩ፡፡ሶሪ፡፡ናይ ጅቡቲ ዘይፈልጦ እንተኾይኑ፡፡ሶሪ፡፡ቅደም ዝተሓነቀት! ብልመናን ብውዕልን? ለሚንኻ ወደብ የለሽ ትኸውን?
ኣቦይ ስብሓት ኸ ነዚ ታሪኻዊ ስሕተት እዚ ካብ ምድጋም ሓሊፎም ዝገበርዎ ፃዕሪ እንታይ እዩ?
እቲ ጣልያንን ምንሊክን ኾነ ኢሎም ዝፍሓስዎ ሸርሒ ደገምዎ እምበር ኣየናይ ለውጢ ከምፅኡ ርኢና? ከምታ ምንሊክ ንስልጣኖም ክብሉ
ሓማስየን ንጣልያን ኣሕሊፎም ዘረከብዎ( ከም ኣቦይ ስብሓት ኣባሃህላ እናለመኑ) ኣቦይ ስብሓት እውን ንሻዕብያ ኣሕሊፎም ሂቦምዋ፡፡እሞ
ድማ ‹‹እቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝጠረርዎ ዶብ›› ከም መርትዖ ተጠቒሞም፡፡እቲ ‹‹ካብ ሻዕብያ ንላዕሊ ንሕና ንሕለቐሉ›› ዝብልዎ
ህዝቢ ኤርትራ እውን ዕፃኡ እንተይ ከም ዝኾነ ዓለም ዝምስክረሉ ምድራዊ ግሃንም እዩ፡፡ፈለማ ካብ ሃፀይ ምንሊክ ዳሕራይ ድማ ካብ
ሃፀይ ሃይለስላሴ ተማሂሮም ድኣ ዝሓሸ ወሳነ ዘይምወሰኑ? ካልኦት ካብ ዝፈፀምዎም ታሪኻዊ ስሕተታት ንምምሃር እውን ዘይደለዩ ካብ
ስሕተቶም ተማሂሮም እውን ንምእራም ዘይፈተኑ እናሃለውስ በ19 ክፍለ ዘመን ንዝነበሩ ነገስታት ክወቕሱ ኣፎም ይኸፍቱ? እሞ ድማ
ደረጊፆም ‹‹ኣየናስሐናን እዩ›› እናበሉ፡፡
ሐዚ
ድማ ንሻዕብያ ወጊኖም ከም ዝስዕብ ንምባል ምድፋሮም እዩ፣ እቲ ኻሊእ መስደመም፡፡
‹‹ንዲፕሎማሲ ዕድል ኣይሃብናን፣ብስሩ ዘይተጀመረ ኮ እዩ፡፡ ንዲፕሎማሲ ዕድል ብዘይምሃብ ሃገረሰብ ኮኢና ኾይንና፡፡ከም ወለድና ሰብ ጉተና ሰብ ገምባለ ኮይንና፡፡ካብ ወለድናስ ምንም ኣይንፍለይን፤ ሰብ ገምባለ ኮይንና፡፡››
ሻዕብያ
ንዲፕሎማስያዊ ኣታኣላልያ ጎንፂ ዝሃቦ መርገፂ እንታይ ዝብል ድዩ ነይሩ? ‹‹ካብ ባድመ ምውፃእ ማለት፣ ኮይንዋ ፀሓይ ዓሪባ ማለት እዩ››
እንድዩ ዝበለ? ከመይ ገይርም ትማሊ ዝተፈፀመ ታሪኽ ይኽሕዱ? ሃገር ወሪሩ እናሃለወ ከም ፈጣሪ ዝልመን ዝነበረ ኣይሻዕብያን እንድዩ?
ብኣመሪካን ሩዋንዳን ኣቢልኻ ብዙሕ ኣይተለመንን ድዮም ዝብሉና ዘለው? ንትሻዓተ ኣዋርሕ እኮ እዩ ሻዕብያ ተለሚኑ? እቲ ‹‹ሃገረሰብ››
ዝብልዎ ኣባሃህላ ኸ ካብኦም ዶ ክወፅእ ምተገበኦ? ልዕሊ 85 ምኢታዊ ሃገረሰብ ኣብ ዝኾነላ ሃገር እናነበሩ፣ እሞ ድማ ወድባዊ
መምረሒኦም ንገጠር ከምዘቐድም ኣፎም መሊኦም እናተዛረቡስ ሃገረሰብ ናይ ዕሽነት መግለፂ ገይሮሞ ክዓርፉ? ኣብየት እንኤኻ ሕስረት!
ከም ወለድኻ ‹‹ሰብ ጉተና ሰብ ገምባለ›› ምዃን ኸ ካብ ምዓዝ ንነዘ እዩ ናይ ድሕረት መግለፂ ኾይኑ? ዳሓን እቲ ናይ
ቐደም፣ ናይ ሃፀይ ዮሃንስን
ኣሉላ ባነጋን ንግዘኡ ንግደፎ፡፡ ምናልባት ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንሶም
መራሒ ኾንኩ ኢሎም
ኣብ ባዓቲ ተደጒሎም ይውዕሉ ስለዝነበሩ ገምባለ ከይገበሩ ኣሕሊፎሞ ክኾኑ ይኽእሉ፤ እቶም ህዝቢ ትግራይ ብህዝባዊነቶም ብተግባር
ዝፈልጦምን ዝምስክረሎምን ተጋደልቲ ግን ሰብ ገምባለ ሰብ ጉተና እዮም ነይሮም፡፡ረሲዖሞ ወይ ካብ ልቦም ስለዘይነበረ ግዲ ኾይኑ
እምበር ንሶም እውን እኮ ሰብ ጉተና እዮም ነይሮም፡፡
እቲ ኻሊእስ ይተረፍ፤ እታ ዝትስዕብ ናይ ነብስሄር ብርሃነ ሓለፋይ(ጋኖ) ወርቃዊት ደርፊ ኸ
ከመይ ገይሮም ይርስዕዋ?
ዝገደፈለይ ገምባለ
ዝናሩ ገይረ ዝናረይ
ሒዘ ኣለኹ ንሓወረይ፡፡
ዝናሩ ገይረ ዝናረይ
ሒዘ ኣለኹ ንሓወረይ፡፡
ብዛ
ደርፊ እዚኣስ ክደይ ትግራዋይ እዩ እሞ ኣያታቱ ዝገደፉሉ ገምባለን ዝናርን ገምባለኡን ዝናሩን ገይሩ ኣብ መይዳ ትግራይ ዝሰፈረ?
ክንደይ መላምል መናእሰይ እዮም እሞ ዕጥቂ ወለዶም ዓጢቆም ንሓዋሩ ዝፈሩ? ሐዚያ ነቕ ዘይብል ስልጣን ሒዝና ተባሂሉስ ገምባለ፣ዝናርን
ጉተናን ናይ ድሕረት መለከዒ ኾይኖም? ብጣዕሚ የሕዝን፡፡ለካስ እቶም ናይ ቐደም ወለዲ ጥራይ ከይኮኑስ እቶም እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ
ስልጣን ንክመፅእ ሂወቶም ዝኸፈሉን ኣካሎም ዝጎደሉን እውን እዮም ትክሒዶም?
"ደርፊ ዓሻ ኩሉሻዕ ላለይ ላልማየ"
ኣቦይ
ስብሓት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ቀለ መጠይቕ ኣብ ሃገርና ከም ለበዳ ሕማም ኣብ ምስፍሕፋሕ ንዝርከብ ግዕዝይና ትሓቲቶም እንትምልሱ፡
‹‹ምስ ካልኦት ኣፍሪካ ሃገራት እንትነወዳድሮ ኣብ ሃገርና ግዕዝይና ስሙ ኣይልዓልን፤ ዘምቢሉ እምብር ኣይፈሰስን›› ክብሉ ገሊፀሞ ነይሮም፡፡
ገብረ
ገብረመድህን ዝተብሃለ ጋዜጠኛ ረድዮ ድምፂ ኣመሪካ ድማ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ኣቕሪብሎምስ ምንም ከይወሰኹን ከይነከዩን ነታ መልሲ ደጊሞማ
‹‹ድርፍያ ዓሻስ…››
‹‹ኣቶ ገብሩ ኣብ ኢትዮጵያ ግዕዝይና እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ ይብልዎ ኣብቲ መፅሓፍ እሞ፤ እናገደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እንድያም ናይቲ መንግስቲ እውን መግላፂ እናኾነ፣ኣብ ትግራይ እውን ይብሉ ኣለው እሞ፣ ብፍላይ ንስኹም እውን ምስ ላዕለዎት መረሕት ናብ ትግራይ ዑዶት ገይርኹም ነይርኹም፣ ኩነታት ግዕዝይና ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እናኾነ እዩ ይብሉ ኣለው እሞ ርኢቶኹም እንታይ እዩ?
ኣቦይ
ስብሓት፡ ምስ ካልኦት መሰል ሃገራት ኣፍሪካ እንትረአ ኣብ ኢትዮጵያ ግዕዝይና የለን፡፡ብናይ ባዕልና መለከዒ ክንርእዮ ከለና ግን ግዕዝይና ኣሎ፡፡ውዓል ሕደር ከይበልካ ክእለይ ኣለዎ፡፡ ንእሽተን ቀንጠብጠብ እምበር ኣብ ትግራይ ግዕዝይና ኣሎ ዝብል ኣዐርዩ ዝተጋነነ እዩ፡፡
ዋእ!
ዝተጋነነ እንተኾይኑ ድኣ
እዚ ዝስዕብ ሰደቓ ኸ እንታይ ኢና ክንብሎ?እቲ ሰደቓ ትራንስፖረንሲ ኢንተርናሽናል በቢዓመቱ ካብ ዘውፅኦ ሪፖርት እየ ረኺበዮ፡፡እምብኣር
በቲ ሰደቃ መሰረትስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ግዕዝይና ‹‹ዳርጋ የለን››ዝብሃል ኣይኮንን፡፡ካብ ዓለም ኣብ ዳርጋ ናይ መወዳእታ ደረጃ
እያ ሒዛ ዘላ፡፡ካብ ኣፍሪካ እንተኾነ እውን ደረጃኣ ፅቡቕ ኣይኮነን ዘሎ፡፡ኣብ መበል ዒስራን ሳላሳን ደረጃ እኮ እያ ዘላ፡፡በየናይ
መዐቀኒ እዮም ድኣ ኣቦይ ስብሓት ‹‹ምስ ካልኦት መሰል ሃገራት ኣፍሪካ እንትረአ ኣብ ኢትዮጵያ ግዕዝይና የለን፡፡›› እናበሉ ላለይ ላልማየ ዝብሉ ዘለው?
ዓ.ም.ፈ
|
2002
|
2003
|
2004
|
2005
|
2006
|
2007
|
2008
|
2009
|
2010
|
2011
|
2012
|
2013
|
|
ደረጃ
|
ካብ ኣፍሪካ
|
8
|
14
|
26
|
31
|
30
|
34
|
31
|
30
|
21
|
22
|
24
|
22
|
ከብ ዓለም
|
59
|
92
|
114
|
137
|
130
|
138
|
126
|
120
|
116
|
120
|
113
|
111
|
|
በዝሒ ሃገራት
|
102
|
133
|
145
|
158
|
163
|
179
|
180
|
180
|
175
|
182
|
174
|
175
|
|
ምናልባት ግን እዚ ሰደቓ እዚ ናይ ‹‹ንዮ
ሊበራሊዝም›› ትሓላቒ ካብ ዝኾነ ገባሪ ሰናይ ትካል ዝተወሰደ ስለዝኾነ ኣቦይ ስብሓት ዘይክቕበልዎ ይኽእሉ፡፡ዝኾነ ኾይኑ ግን
እቲ መዐቀኒኦም እንታይ ከም ዝኾነ ትትነግሩና ምበለፀ፡፡
No comments:
Post a Comment