Saturday, September 3, 2022

መንግሥተ ደብረ ጽዮን: ዘመነ ትንሳኤ ዶስ ዘመነ ምፀኣት?


ደብረ ጽዮን ማለት እንታይ ማለት እዩ? ፕሮፌሰር ጌታቸው ኃይለ ብዛዕባ ተጋድሎ ደቂቀ እስጢፋኖስ ኣብ ዘዘንተው መፅሓፎም ‹‹ደብረፅዮን ማለት እየሱስ ክርስቶስ ምስ ፃድቃናቱ ናብዛ ዓለም ተመሊሱ ንሓደ ሽሕ ዓመታት ዝገዝአሉ ዘመን ማለት እዩ።›› ይብሉ [1]፡፡ ብተወሳኺ ድማ ‹‹ምሳሕ ኣብ ደብረጽዮን፣ ናይ መርዓ ምሳሕ፣ ብልዒ ሓደ ሽሕ ዓመት፣ መኣዲ ሓደ ሽሕ ዓመት፣ መንግሥተ ደብረ ጽዮን›› ብዝብሉ ትርጉማት ከም ዝፍለጥ እውን ይሕብሩ፡፡


ሓፈሻዊ ትርጉሙ ግን ሻምናይ ሽሕ ወይ ምፀኣተ ዓለም ማለት እዩ፡፡ እዚይ ክኸውን ዝኽእል ምፀኣተ ዓለም ምስተፈፀመ፣ ኩሎም ምውታት ምስተሰኡ እዩ። ሽዓኡ እየሱስ ፍርዲ ክህብ እዩ። ንቶም ሃጥኣን ብፀጋሙ፣ ንቶም ፃድቃናት ከዓ ብየማኑ ጠጠው ንክብሉ ክእዝዝ እዩ። ብምቅፃል ድማ፣ "ኣቱም ፃድቃናት ንዑ ዘልኣለማዊ መንግስተይ ውረሱዎ፤ ኣቱም ሃጥኣን ድማ ናብ ዘልኣለማዊ ግሃንም ኪዱ" ዝብል ይግበኣኒ ዘይብሉ ቀጢን ፍርዱ ክህቦም እዩ ይብሉ ፍካሬ እየሱስን የሃንስ ርእይን።


እዙይ እቲ ሃይማኖታዊ ትርጉም ደብረፅዮን እዩ። ሐዚ፣ ህወሓትን ክልል ትግራይን በመንግሥተ ደብረ ጽዮን እናተመርሑ ይርከቡ፡፡ ስለዝይ፣ ፖለቲካዊ ትርጉሙ ካብ ክልቲአን መማረፂታት ዝተፈለየ ኣይኸውንን። ህወሓት ፖለቲካዊ ምፅኣተ ዓለም ኣጋጢምዋ ኣሎ። ዲያብሎስን እየሱስን ነናይባዕሎም ዝወስድሉ ግዘ በፂሑ ኣሎ። ዲያብሎስ ናቱ ሒዙ ናብ ግሃንም ከምርሕ ከሎ፣ እየሱስ ድማ ንፃድቃናቱ ናይ ገነት በሪ ከርሕወሎም እዩ።


እቲ ኣገዳሲ ሕቶ፣ ምክትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ደብረ ጽዮን ገብረሚካኤል(ዶ/ር)፣ ፈለማ ህወሓት ኣብ መሃሙቕ ሞት ወይ ሕውየት ከም ዘላ ይርድኦ ድዩ ዝብል እዩ፡፡ማለት፣ ህልዊ ኩነታት ሃገርና እንታይ ከም ዝመስልን ናበይ የምርሕ ከም ዘሎን ተሰቊሩዎ ድዩ? ብምቕፃል ድማ፣ ዲያብሎስ ድዩ ክኸውን ወይስ መልኣኽ ዝብል ይመስለኒ፡፡ ዲያብሎስ ተኾይኑ፣ ኦሮማይ! ኣብ ጥፍኣትና እዩ ዝነጥፍ ዘሎ፡፡ መልኣኽ ተኾይኑ ድማ ንትንሳኤና ተዓጢቑ ይቃለስ ኣሎ ምባል ይክኣል፡፡ ንትንሳኤ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ድዩ ክሰርሕስ ንምፀኣት? ንሞትናን ዕርበትናን ድዩ ዝነጥፍ ዘሎስ ንሕውየትና? ናብ ግሃንም ድዩ ዝመርሐና ዘሎስ ናብ ገነት?


እቲ ዘደንፁ፣ ንቀዳማይ ምኒስትርነት ተወዳዲሩስ ክልተ ድምፂ ከም ዝረኸበ ወረ ሰሚዕና። እታ ሓንቲ ናይ ባዕሉ ከም እትኸውን ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን፤ እታ ካልአይቲ ናይመን ትኸውን? ተዝምረፅ ነይሩኸ ቀዳማይ ምኒስትር ዶ ምኾነ? "ሰብ ሓፂር ቁመቱ፣ ፀሊም ርእሱ፣ ሕማቕ መልሓሱ፣ ሞት ትንእሶ" በለት ቡኻርያ፤ ድዩ ዝብሃል? ቀዳማይ ምኒስትር ደብረፅዮን ንክብሃሉ ትሃንጥዮም ነይሮም ማለት ድዩ? "ይብላዕያ እንተበልዎስ ጥሕሎ ምስ ሸናጥሩ" ዶ ኣይመሰለን። ለካ ኣብ ፖለቲካስ "ነቲ ዝሓዝኩዎ ይባርኸለይ" ኣይብሃልን? ብስሩኸ ነቲ ዝጀመሮ ወፍሪ ዓሚቕ ተሃድሶ ከይዛዘመ ናብ ፌደራል ክምለስ ይሓስብ ኣሎ ማለት ድዩ? ነዚኣ ብምዕዛብ ጥራሕ ዘለናዮ ኩነታት ብዝግባእ ተገንዚብዎ እዩ ንክትብል ኣየደፋፍረካን፡፡


ብዝኾነ፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ፣ እቶም ውሩይ ብዓል ሃፍቲ ኣይተ ዳዊት ገብረዚኣብሄር "ሎሚ ወይ ክብ ወይ ግብ እያ" ከም ዝብሉ ይዝከር። ኣብቲ ሽዓኡ እዋን ዝሰምዖም ኣይረኸቡን፡፡ ብኣርባዕተ ክፋላት ኣብ ዓይጋ ፎሮም ዝተለቐቐ ‹‹ኣማዓልካቱም እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና›› ዝዓይነቱ ፅሑፍ ስሞም ንምጥፋእ ብዙሕ ፈቲኑ፡፡ ብውልቀይ ድማ ነቲ ኣበሃህላኦም ደጊፈ ‹‹ቃለ መሕትት ኣይተ ዳዊት ገብረግዚኣቢሄር ብድምፂ ወያነ ተዝምሓላለፍ ነይሩ ህዝቢ ትግራይ ወይኑ ምሓደረ›› ዝብል ፅሑፍ ኣብ ውራይና ንክሕተም ገይረ ነይረ፡፡


ዋእ! ‹‹ፈትሊ ሓቂ ትምንምን እምበር ኣይትብጠስን›› ከም ዝብሃል፡፡ እቲ ሓቂ፣ ደፊኡ ወፂኡ፡፡ ሐዚ እውን ኣብኣ ኢና ዘለና፤ ወይ ክብ ወይ ግብ። እንተ ህዝቢ ትግራይ፣ ሓመድ መሲሉ ኣብታ ወለዱ ዘፅነሕሉ ሓመዱ እዩ ዝነብር ዘሎ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ሓርኡ እምበር ሓራ ኣየውፀእቶን። እቶም ንኹሉ ክሒዶም ንርእሶምን ስድራኦምን ሓራ ዘውፀኡ ዕስለ ካሕዳማት ምዓኮሮም ወቲፎም ዝሓድርሉ ወቕቲ ዝተግሃደ ይመስል። "ብስንኪ ንቑፅ ርሑስ ይነድድ" ከይኸውን እምበር ንሳቶምስ ናይ ኢዶም እዮም ረኺቦም።


ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ምምራፁ ክልተ ሓደጋታት ከስዕብ ይኽእል፡፡ እቲ ፈላማይ፣ ተተቓዊምካ፣ ተዓሚፅካ፣ ህይወትን ንብረትን እንተዕኒውካ ዝልዓለ ስልጣን ትሽለም ዝብል ትርጉም የመሓላለፍ፡፡ እዝይ ድማ ዓመፅን ሕገ አልቦነትን ከበረታትዕ ይኽእል፡፡ ኣብቲ ዓመፅ ይጋወሑ ካብ ዝነበሩ ሕቶታት ‹‹ ወያነ ይውረድ፣ ኣዲስ ኣበባ ናትና እያ›› ዝብሉን ካልኦትን ይርከብዎም፡፡ ሐዚ፣ ስልጣን ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡ ቀፂሉ፣ ኦሮምኛ ናይ ፈደራል ናይ ስራሕ ቋንቋ ንክኸውን፣ ኦሮምያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ፍሉይ ረብሓ ተግባራዊ ክኸውን ዝብሉ ዛዕባታት ክፍፀሙ እዮም፡፡ እቶም ሕቶታት ግን ጠጠው ኣይብሉን፡፡ ድሬዳዋ፣ ሃረር… ክሳብ ወሎ ዝተዘርገሐ ካርታ ክሳብ ዝሳኻዕ እቶም ሕቶታት ክቕፅሉ ይኽእሉ፡፡ እዝይ፣ ነቲ ዘሎ ዓመፅ ንከይቅህም ይገብሮ፡፡


እቲ ካልኣይ ምልክት እቲ ምፅኣት ኣብ ልዕሊ ትካላት ምክልኻል ሃገርን ድሕንነትን ብዝውሰዱ ስጉምቲታት እዩ ክግሃድ። እታ ፈላመይቲ ስጉምቲ መግለፂት ተኽታተልቲ ስጉምቲታት ኮይና ከም እተገልግል ክፍለጥ ይግባእ፡፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፣ ነቲ ሐዚ ዘሎ ካብኔ በቲኑ ብኻሊእ ናይ ምትካእ ስልጣን ኣለዎ፤ ኣብዚ ትኹረቱ ክኾን ዝኽእል ገንዘብ ሚኒስተር ይመስለኒ፡፡ መረሕቲ ድሕንነትን መከላኸሊ ሃገርን እውን ኣብ ትሕቲኡ እዮም፡፡ ስለዝይ፣ ንምፅኣት ህወሓት ዝዓጠቐ ተኾይኑ ውቅዒቱ ኣብ ልዕሊ እዘን ትካላት እዩ ከነፃፅር፡፡ ተቃውሞ ዘጋጥሞ ተኾይኑ፣ ክእዘዙኒ፣ ከስርሑኒ ኣይክኣሉን እናበለ ፅዕንቶ ውሽጣውን ግዳማውን ሓይሊታት ክጠልብ እዩ፡፡ ዝቃወሞ ተዘይረኺቡ ድማ ኣደዳኡ፡፡


መንግሥተ ደብረ ጽዮን ነዚኦምን ካልኦትን ንምብዳህ ድልው ድዩ? ምድረ ካድረ፣ ሽዓኡ እውን "ስቕ በሉ ከይተወድኡና" ከም እትብል ኣየማትእን። ዝርእይ ዓይኒ፣ዝሰምዕ እዝኒ፣ ርቱዕን ዕቱብን ኣንደበት ዝተዓደለ "እዛ ዘመንየ... ዛ ዘመንየ ጠላም ያ ዛ ዘመን ዘዕበኹዎ ድሙ ኳ ኣምፂኡለይ ተመን" ክብል ነታ ሓቂ ቶግ ኣቢሉዋ እዩ። እቲ ማዕተቡ ዘይበጠስ ብዓል ስረ ትግራዋይ ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ብብሕታዊነት ቆዚሙ። እቲ ቁዝምዝም ናይ ኩላትና ዶ ይኸውን ኣሎ ሓቀይ? "ኩሉ ንምርኣይ... ምቕናይ!" ጥዑም።


ፍልፍል መረዳእታ


[1]. ጌታቸው ኃይሌ፡፡ (1996 ዓ.ም) ፡፡ ደቂቀ እስጢፋኖስ፡ ‹‹በሕግ አምላክ››(ጌታቸው ኃይሌ፣ ትርጉም)፡፡ ኮሌጅቪል (ሚኒሶታ):: ገፅ፣31፡፡

No comments:

Post a Comment