፩. መእተዊ፡-
ኣቱም ሰብ፣ ትግራዋይ ኮይንኻ ተበዳሊ ኣይግበርኻ፡፡ ኣብ ርእሲ ምብዳልኻ ኩሉ የባጭወልኻ፣ ይምከሐልኻ፡፡ በደል በፂሕካስ ተእዊኻ ነቲ በደለኛ ሓዲጎም ንዓኻ ይሻመዩኻ፡፡ከምዙይ ዓይነት በደል ዝበፅሓ ሰበይቲ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡ ብዓል ገዛኣ ጎዞሞ ኣብ ውሽጢ ለቖታ ገይሩ ከም ገሾ ቕጥቅጥ ኣቢሉዋ፡፡ ኣውያ፤ ጎረባብቲ ረዲኦም ገልጊሎማ፡፡
ነቲ ብዓል ገዛኣ ብምንታይ ስለዝወቓዕኻ እዩ ክንድዝይ ኣምሪራ ዘእወየት? ክብሉ ሓቲቶሞ፡፡ዋእ፣ ሓንቂቃ እምበር ዘይነኻእኹዋ፤ ብዛ ሎቖታ እዚኣ እየ ቅሩብ ንኽእ ንኽእ ዘበልኹዋ ኢሉ ይምልስ፡፡ ድሓር፣ ብሎቖታ ተወቒዕኽስ እዚ ኹሉ ኣውያት ኢሎም ኣፋጢጦማ፡፡ምስክነይቲ ሰበይቲ ድማ ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ኢላ ይብሃል፡፡እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣደ ትግራወይቲ መሲላ ትርኣየኒ፡፡ህዝቢ ትግራይ እውን ‹‹ወይ እቲ ውሽጡ›› ዘብሉ ግዳማውን ውሽጣውን በደላት ይበፅሑዎ ኣለው፡፡ብውሽጢ ብውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ህወሓት ዝበፅሖ በደል ሰንሰን ክሳብ ዝብል ይርገፅ፣ ይጉዕፀፅ፣ይጉበጥ፡፡ከይፈተወ ዓዱ ገዲፉ ንክስደድ ይግበር፡፡ ብደገ ድማ ብቶም መባልዕትን መሳትይትን ህወሓት ኮነ ካልኦት ፀላኤ ሰብ ዘለዎም ወፃእተኛታት(ኣዕራብን ደቡብ ኣፍሪካን) ሓሳረ መከራኡ ይርእይ፡፡ህወሓት ይትረፍ ንምንታይ ኢላ ክትሓቶም ፀዊዓ ብዕሊ ትሽልሞም፡፡ንኣብነት ብአዴን፡፡
ትግራዋይ፣ከይበልዐ በሊዑ፣ከይሰተየ ሰትዩ፣ብዕሩቑ ኽዱን፣ ብስእኑ ርኹብ፣ ኸፊእዎ…ፋሕሽው እናሃለወ መችይዎ…ምልዖ መሲሉ ይብሃል፡፡ካሊእ ይትረፍ ነብሱ ኣሕሲሩ ንድራር ዕለት እንትልምንን መፅረግን መልወልን ንክሸይጥ እግሩ ክሳብ ዝነቅዕ ፈቖዶኡ ጉዓዝ ክብል እናርኣዩዎን እኳስ ሰላይ እዩ ድኣም በሉዎ፡፡ናብራ ትግራዋይ ጥብሲ ክልተ እቶን ኮይና፣ ብዘይካ እቶም ሰብ ዘመን፡፡ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ንትግራዋይ ካባና ንላዕሊ ዝሕለቕ የለን ዝብሉ ተጋሩ ኣለው፡፡ትግራዋይ ክንዲ ድላዩ ይበደል ካብታ ንሕና ዝፈቐድናሉ ንላዕሊ ዓው ኢሉ ከእውይ የብሉን ኢሎም ይኣምኑ፡፡ኣበይ ከም ዘሕመካን ከም ዘሳሕየካን ንሕና ኢና እንፈልጠልኻ ይብልዎ፡፡እግረይ ኣሳሕይኒ እንትብል፣ ኣይ ኢድካ እዩ ዘሳሕየካ ዘሎ ይብልዎ፡፡ኣብ ዘየሳሐዮ ኣካሉ ንክሓክኽ ፅዕንቶ ይገብሩሉ፡፡ባዕሎም መርመርቲ፣ ባዕሎም መድሓኒት ኣዘዝቲ ክኾኑ ይደልዩ፡፡ነቲ ዝኣዘዙዎ ኹሉ ተቐቢሉ ዝፍፅም ‹‹ፅሩይ ትግራዋይ…ወዲ ላሕምና›› ይብልዎ፡፡ካብ ትእዛዞም ወፃኢ ንዝኾነ ግን ተጎጂሎም ክሓዲ ዝብል ፀለሎ ይልጥፍሉ፡፡
እታ ጉጅለኦም ንመትከላት ህወሓት ከም ዝትቃወም ይገልፁ፤ይኹን እምበር ብዕላማ፣ብስትራተጂ ይኹን ብስልቲ(ታክቲክ) ካብቲ ናይ ህወሓት ዝተፈለየ መምረሒ የብሎምን፡፡እታ ጉጅለኦም፣ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ‹‹ሕድሪ ሙሴ›› ብዝብል ጭርሖ እዮም ጀሚሮምዋ፡፡ሕድሪ ሙሴ ቁሩብ ፈንተት ከይበለት ቅሂማ፡፡ብምቕፃል ‹‹ሳልሳይ ወያነ›› ክብሉ ጨሪሖም፡፡ንሽሙ ‹‹ዕላማና ካብ ስሕተታት ቀዳማይን ካልኣይን ወያነ ተማሂርና… ነቶም ምዕቡል ጎኒታት ዓቂብና ብምግስጋስ ቀዳማይን ካልኣይን ወያነታት ዘይሳኸዑዎም ዕላማታት ምዕዋት እዩ ›› ይብሉ፡፡ ኣብ ተግባር መፂእኻ ግን ይትረፍ ስሕተታት ክእርሙ ዘየድልዩ ስሕተታት እንትፍፅሙ ትዕዘብ፡፡ ሕድሪ ሙሴ ይኹን ትርጉም ወያነ(revolution) እንታይ እዩ? ንዝብል ሕቶ ግልፂ ዝኾነ መልሲ የብሎምን፡፡ዝተረደኦም ኣይመስሉን፡፡ምኽንያቱ ድማ ትንታነኦም ኣብ ወቕታዊ ዛዕባታት ዝተደረኸ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ኣብ ትግራይና ይኹን ኣብ ሃገርና ዝኽሰቱ ፀገማት ቀንዲ መንቀሊኦም እንታይ እዩ? እቲ ዘላቒ መፍተሒ ኸ? ካብ ዝብል ከይኮነስ ካብ ግዝያዊ ዋዕያት ስለዝልዓሉ እዩ፡፡ሳልሳይ ወያነ እውን ግን ድሕሪ ሕይደት ኣዋርሕ ቅሂማ እያ፡፡
ሐዚ ድማ ‹‹ኣግኣዝያን›› ዝብል ጭርሖ ሒዞም ተላዒሎም ኣለው፡፡ሰለስቲአን ምንቅስቃሳት ስሩዕን ሕጋዊ ኣፍልጦን የብለንን፡፡ብፍላይ ‹‹ሃገረ ኣግኣዝያን›› ኣብ ስደት ብዝነብሩ ውሑዳት ኤርትራውያን እያ ብሰፊሑ ተተንቲና እምበር ብተጋሩ ኣሕዋትናስ ዕላዊ ዝኾነ ብያነን ትንታንን ኣይተገበረላን፡፡ገሊኦም ኣባላት እዛ ጉጅለ ግን ከምቲ ልሙድ ኣንፃር ሕጋዊ ተቓወምቲ ውድባት እዮም ዘሚቶም፡፡ግን ንምንታይ ከምኡ ይገብሩ? እቶም ተነሓነሕቲ ውድባት እኮ በትረ ስልጣን ኣይጨበጡን፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ፖሊሲ፣ መትከል፣መስመር፣ ስትራተጅን ስልቲታትን እቶም ውድባት ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ክልልና ይኹን ሃገርና ዘብፅሖ ፅዕንቶ ኣዝዩ ድሩት እዩ፡፡ንህወሓት ገዲፍኩም ንምንታይ ኣብ ልዕሊ ተነሓነሕቲ ውድባት ትረባረቡ? ተበልኻዮም ተገልቢጦም ክውሕጡኻ ይብሉ፡፡ምኽንያቱ ድማ እቲ መነፅሮም ከም ናይ ህወሓት ብምርክሰ ለኒን ወ ማኦ ዝተቐነየ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡
ድሓር ግን ዕላማኦም ንተቃወምቲ ምቅዋም ከምዝኾነ ግልፂ እናኾነ መፂኡ፡፡ደቂ ኣዲስ ኣበባ ከምዚ ንዝበሉ ሰባት ኣየለ ጫሚሶ ይብልዎም፡፡ገለ ኣራዳታት ኣዲስ ኣበባ እንተውግዑ፣ ቅድሚ መረፃ 1997 ዓ.ም ቅንጅት ዝብሃል ውድብ ነይሩ ይብሉ፡፡ ገሊኦም ድማ ቅንጅት ትብሃል ጤል ነይራ፡፡ኣብ መረፃ 97 ዓ.ም ብዘርአየቶ ምንቅስቃስ ‹‹ፀረ ልምዓት›› ኮይና ተረኺባ ብዝብል ፖለቲካዊ ፍርዲ ተቖሪና፡፡ካብኡ ዘይትብላዕ ዘይት ስተኾይና፤የመና ፎርቊዓ፡፡ ድሓር፣ ኣይተ መለስ ንኣይተ ኣየለ ጫሚሶ ‹‹ከም ድልየትኻ ግበራ›› ኢሎም ሂቦምም፡፡እቶም ስብኣይ ድማ ቆርበታ ገፊፎም ሎቖታኣ ጥራሕ ሒዞም ተሪፎም ይብሃል፡፡ኣይተ ኣየለ መረፃ ብዝመፅአ ቁፅሪ ነታ ለቖታ ሒዞም ኣብ ተለቪዥን ይርኣዩ፡፡ንምንታይ? ንዝብል ድማ ዓውዲ ክሓፍሱ ይብልዋቶም፡፡ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዘ ፈሰሰ ዘብል ምህርቲ ሓፊሶም መሰስ ይብሉ፡፡ሐዚ ማ ካብ ልምዓታዊ ተቓዋሚ ናብ ልምዓታዊ ብዓል ሃፍቲ ያ ተሸጋጊሮም፡፡እቲ ተቓውሞ ፀጋታት(እሴታት) ወሲኾም ስለ ዝሸጡዎ እዮም ልምዓታዊ ተባሂሎም፡፡ብኣይተ መለስ ብዝተዋሃቦም መምረሕን ፖለቲካዊ ህንፀትን ኣካቢ ክራይ ዝኾነ ተቓውሞ ታሪክ ንምግባር ዓጢቖም ተላዒሎም ይብሃል፡፡
ነስተውዕል፣ እቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ውራይ ሓሜትን መፀለምታን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ኣይተ መለሰ ንኹሉ ነገር ብሽም ልምዓታዊ ኣመለኻኽታ እዮም ዝርእይዎ ነይሮም፡፡ድኻ ከብዲ እምበር ርእሲ ክህልዎ ኣይደልዩን፤ማለት እውን ካብ ከብዱ ንላዕሊ ክሓስብ የብሉን ዝብል ቅዋም ነይሩዎም፡፡ድኻ ከብዱ ተመሊኡ ኣኺሉ፡፡ልክዕ ከም ብዕራይ ከሽዐ እምበር ሕሊና ዝብሃል ክህልዎ ኣይፈቅዱን ነይሮም፡፡ኣብ ዲሞክራሲ ዝነበሮም ቅዋም ካብ ክልተ መማረፂታት ንላዕሊ ኣይሕሰብን፡፡ እቲ ፈላማይ መማረፂኦም ብኣምሳለ ኢህወዴግ ዝተቐረፀ ልምዓታዊ ‹‹ተነሓናሒ›› ውድብ ንክህልው ምፅዓር እዩ፤ ተዘይኮይኑ ግን ኢህወዴግ እንኮ ዓብላላይን ዝተረጋገዐን ውድብ ኮይኑ ንክቕፅል እዩ ዕላማኦም፡፡ዘይሩ ዘይሩ ፈለማ ቁጠባዊ ምዕባለ ብምቕፃል ድማ ማሕበራዊ ምዕባለ ክመፅእ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ነይሮም፡፡ኣሌክስ ደዋል ናይ ኣይተ መለስ እሙን ፈላጢ ውሽጢ ከም ዝነበረ ይዛራብ፡፡ስለ ዲሞክራሲ ዝነበሮም ቅዋም ከም ዝስዕብ ከም ዝነበረ እውን ይምስክር፡፡ ‹‹He said his preference was to have two competing parties, each of which stood for developmental values, but in their absence the option would be a stable dominant party or dominant coalition, such as Japan or Sweden enjoyed in post-war decades.››[1]
ብሓፈሻኡ እንትርአ ኣይተ መለስ ኢትዮጵያ ማእኸላይ ቁጠባዊ እቶት ክሳብ እትውንን ዲሞክራሲ ዝብሃል ኣምር ኣየድልያን ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ከም ዝነበሮም ኣሌክስ ደዋል ይሕብር፡፡ነዚይ እዩ ድማ ከም እኒ ኣየለ ጫሚሶ ዝበሉ ‹‹ልምዓታዊ ተቓወምቲ›› ንፖለቲካዊ መድርኽ ሃገርና ክብሕትዎ ዝተገበረሉ መኽንያት፡፡
ካብተን ዝልዓለ ተቐባልነት ዘለዎን ብያነታት ፖለቲክስ ቅድሚት ዝስራዕ፡- ፖለቲካ መን እንታይ ይረክብ፣ ብኸመይ፣ ንምንታይ፣ መዓዝ ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ዓሊሙ ዝካየድ ዓውደ ትምህርቲ እዩ እትብል እያ፡፡(Politics is the study of who gets what,why, how and when.) እዚ ስርዓቲ እዝይ ካብ ዝኽተሎም ናይ ስልጣን መናወሒ ሜላታት ሓደ እቲ መንእሰይ ወለዶ ፖለቲካ ንክፀልእን ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ንዓርሱ ንከርሕቕን ዝገብሮ ሜላ ቅድሚት ይስራዕ፡፡ካብ ስርዓተ ትምህርቱ ጀሚሩ ክሳብ ፖለቲኮ-ቁጠባዊ ከምዚ ዓይነት ፅዕፁዕ ወፍርን ጎስጓስን ካብ ዝገብር ሓያሎ ዓመታት ተቖፂሮም ኣለው፡፡እቲ ስነ ሓሳብ Economism ወይም De-politicization of politics ተባሂሉ ይፍለጥ፤ ብሓፂሩ ፖለቲካዊ ድንዛዘ ማለት እዩ፡፡ዕላማኡ ዜጋታት ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሃገሮም ተሳተፍትን ተረበሕትን ንከይኾኑ ምግባር እዩ፡፡እዚ ተሳኺዑ ማለት እቲ ኣምባገነናዊ ስርዓት ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን መሰረት እታ ሃገር ሙሉእ ብሙሉእ ብሒትዎ ንክቕፅል የኽእሎ፡፡ስለዝይ መን እንታይ ይግበኦ፣ ንምንታይ፣ ብኸመይ፣ መዓዝ እናበለ ዝሓትት ወለዶ ክህልው የብሉን፡፡ ተዘይኾይኑ ግን ኣብታ ሃገር ዘይፍትሓዊ ተረባሒነት ኣይህልውን፡፡እንተሃሊዩ እውን መሪር ተቓውሞ የጋጥሞ፡፡እሞስ መንእሰይ ሃገርና እውን ነዚይ ፈሊጡ ፖለቲካ ንከይፈርሕ፣ ንይፀልእን ካብ ፖቲካዊ ምንቅስቃሳት ንዓርሱ ንከየግልልን ዘይሕለል ፃዕሪ ክንገብር ኣለና፡፡ እንተንኣሰ ግን ንባዕልትና ክነንቅሕ ኣለና፡፡
እዚ ኣብ ፖለቲካዊ መድርኽ ውጥሕ ንዝበሉ ብምእሳርን ካብ ሃገር ብምብራርን፣ ንስኻ ንዝበልካዮ ጥራሕ ከም ዳዊት ንዝደጋግሙ ድማ ‹‹ልምዓታዊ›› ዝብል ካባ ለጢፍካ ምሽላምን መቐፀልታ እቲ ፖሊሲ እዩ፡፡
እዝይ ካብ በልኹ ናብ ጉዳይ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ንምፃእ፡፡ሓንቲ ተሃዊካ እትህውከካ ወጥዋጥ ጤል ነይራትልኹም፡፡ድሓር ዝብላዕን ዘይብላዕን ቆፅሊ ጠጢማስ፤ ሓሚማ፡፡ ኣብ ሞትን ሕየትን ትርከብ፡፡ካብኡ፣ገለ ተጋሩ ኣሕዋትና ‹‹እዛ ዋሕናን ጤል ተሞይታ…ኣይ ንስጋኣ ኣይንቖርበታ…በኺና ከይትተርፍ…ትገፈፍ እሞ… ለቖታኣ ይትረፍ›› ክብሉያ መኺሮም፡፡ሐዚ ኣረጊት ኣመል…ብለቖታ ጤል ሒዞም ቦኽ ጥልቕ ክብሉ ጀሚሮም ንብለኩም፡፡ ኣታ ለቖታ መጀመርያ ‹‹ሕድሪ ሙሴ›› ብዝብል ሽም ዕላዊ ኮይና፡፡ድሕሪኡ ሳልሳይ ወያነ(ሳወ) ተባሂላ፡፡ ሐዚ ድማ ‹‹ሃገረ ኣግኣዝያን›› ዝብል ኦሪታዊ ድሕረት መሊኦማ መፂኦም፡፡ ከንደይ ኾን ኣትሪፎም? እንፈልጦ ነገር የለን፡፡ይኹን እምበር፣ ልምዓታዊ ተቓውሞ(ኣጎዛ ዝተኸደኑ ዃሮት) ልክዕ ከም ኮንትሮባንድን ምዝውዋር ደቂ ሰባትን ኣዝዩ ኣትራፊ እዩ ይብሉ ፈለጥቲ ውሽጢ፡፡ ብዕላማ፣ ስትራተጅን ስልትታትን ንዝተዓዘቦም ግን ካብ ኣይተ ኣየለ ጫሚሶ ልምዲ ከም ዝቐሰሙ የመላኽት፡፡
ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ዋላ እኳ ስሩዕ ውዳብን ሕጋዊ ኣፍልጦን ኣይሃልዎም እምበር ካብ ካብ ማሌሊት ዝተፈለየ ዕላማን ተግባርን የብሎምን፡፡ሓቂ ይሓይሽ፣ ኣብ ትግራይ በዝሒ ኣየለ ጫሚሶታትን ተግባሮምን ኣዝዩ ዘደንፅው ኮይኑ ኣሎ፡፡‹‹ኣየለ ጫሚሶታት›› ክብል ተለኹ ናይ ተቓወምቲ ተቓወምቲ ማለትይ እየ፤‹‹ልምዓታዊ ተቓወምቲ›› እውን ይብሃሉ፡፡ኣየለ ጫሚሶታት፣ ሽርሒታቶምን መሕልፎ ዘረባኣቶምን ካብቶም ዝፈለጠሎም ፍሉያት ተረበሕቲ ስርዓት ህወሓት ይኸፍእ፡፡
ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሓልዩ፣ ንግፍዒታት ህወሓት ዝቃወሙ ይመስሉ፡፡እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኣይኮነን፡፡ዕላማኦም ኣንፈት ምስሓት እዩ፡፡ነቶም መሰረታውን ዓበይትን ዛዕባታት ገዲፎም ኣብ ዘይረብሑ ጉዳያት ሕቱኽቱኽ ይብሉ፡፡ኣውራ ስራሖም ምዝባዕ እዩ፡፡ ንፃባሕ ዘይብሃሉ ኩለመዳያዊ ዓፀባታት እንሃለው ኣብ ዘይረብሑ ዛዕባታት ግዘ ንምጥፋእ ሕርዲግ ይብሉ፡፡ ክሕተትን ክውቀስን ዘለዎ ኣካል ገዲፎም ኣብ መንገዲ ንዝረኸቡዎ ኣካል ይሻመዩዎ፡፡
እምብኣር ከስ ኣብዛ ፅሑፍቲ እዚኣ ህዝቢ ትግራይ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ? ንምንታይ? ቅዋም ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ከመይ ይመስል? ከም ተጋሩ ካብ ሰራውሮም ምሒውና ክነወግዶም ዘለና ጓዕፀፅቲ፣ጎበጥትን ገናሕትን ኣረኣእያታት ኣየኖት እዮም? ክንዕቅቦምን ክነማዕብሎምን ዘለና ፀጋታት ኸ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ክፍትን እየ፤ ሰናይ ንባብ፡፡
፪. ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይብል ኣሎ?
ህዝቢ ትግራይ ብስሩዕ ይኹን ብዘይስሩዕ መንገዲ መረረኡን መገፋዕታኡን ካብ ዘቕርብ ሓያሎ ዓመታት ተቖፂሮም እዮም፡፡ዓይነት ሐመድን ከባቢ ኣየርን ኣብ ግምት ዘየእተወን ምስ እቶት ሓረስታይ ዘይመጣጠን ዋጋ መዳበርያን ንክጠልብ ይግደድ፡፡ኣብ ልዒለኡ ናይ ማረት ዕዳ ወስኽ ይብሃል፡፡ ካብኡ ናብ ዕዳን ዕንድዳን ይኣትው፡፡ ዝኸፍሎ ምስ ዝስእን ወይ ዓዱ ሓዲጉ ይስደት ወይ ድማ ይእሰር፡፡ብጥርናፈ ሓደ ንሓሙሽተ ተቖሪኑ ይነብር፡፡ ፅሬት ትምህርቲ ትግራይ ኣዝዩ ትሑት እዩ፡፡ኢንቨስትመንት የለን፡፡ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ዝሰትዮ ማይ ኣይረክብን፡፡ኣብ ልዕሊ እዝይ ሕሱም ድኽነት ኣሎ፤ ስእነት ሸቕሊ ነጊሱ፡፡ፍትሒ የለን፡፡
ብ2008 ዓ.ም፣ ካብ ሽዱሽቲአን ዞባታት ትግራይ ዝተወከሉ 1500 ዝኾኑ ተጋሩ ኣብ መቐለ ኣደራሽ ሰማእታት ኣብ ‹‹ሰናይ ምምሕዳር›› ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኣካይዶም፡፡መፅሄት ውራይና[2] ኣብቲ ዋዕላ ዝተልዓሉ ነጥቢታት ብመልክዕ ቃለ ጉባእየ ዘርዚራ ኣቕሪባቶም እያ፡፡እቶም ኣብታ መፅሄት ዝተዘርዘሩ ሕቶታትን መረረታትን ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘላ ብግልፂ ዘመላኽቱ እዮም፡፡ካብቶም ዝተዘርዘሩ ዛዕባታት ውሑዳት ንምጥቓስ፣ ‹‹ንኣካላት ፍትሒ ወረዳ ይኹን ዞባ፣ ኮንትሮባንዲስት ደለልቲ እዮም ዝመርሕዎም ዘለው፡፡ፍትሒ ብሰብን ብገንዘብን ተወኒና እያ፡፡›› ዝብል መረረት ተወከልቲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ይርከብ፡፡ተወከልቲ ዘባ ደቡብ ድማ ‹‹ዳያኑ፣ፖሊስ፣ ዓቃብያን ሕጊ ብላዕ ዝለመዱ ኣለው፡፡ቅፅዓት እውን ኣይውሰደሎምን፤ ሰብ ድማ ተሸቑሪሩ፡፡እቲ ሓረስታይ ማዳበርያ ብ700 ቅርሺ ገዚኡ ብ200 ይሸጦ ምኳኑ ትፈልጡዶ?ኣይጥቀመሉን፡፡ማዳበርያ ህዝቢ ዘየእመንካ ውሓጣ ይብሃል፡፡›› ከም ዝበሉ ተሰኒዱ ኣሎ፡፡
ኣብ ዞባ ማእኸል፣ እቲ ብሰፊሑ ዝተልዓለ ጉዳይ ‹‹ወረዳና ይመለሰልና›› ዝብል ሕቶ ህዝቢ ነበለት እንትኾን ብተወሳኺ ድማ ‹‹መንእሰይ ትሃንፆ እምበር፣ መንእሰይ ተምህሮ እምበር፣ መድርኽ ተትሕዞ እምበር ምቕጥቃጥ ግቡእ ኣይኮነን፡፡ብስንኪ ምውቃዕ ንክሕከሙ ክሳብ ዓይደር ዝመፁ መናእሰይ ኣለውና፡፡እዚ ኣስተምህሮ ኣይኮነን፡፡ብበትሪ ወቂዕኻ ዝምሃርን ዝስተኻኸልን እንተዝከውን ነይሩ፣ ዋእ! ኣድጊ ትውቅዖ ይበዝሕ፡፡ኣድጊ ዶክተር ምኾነት፡፡›› ክብሉ ፖላዊስ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ዘብፅሑዎ መህሰይቲ ሓቢሮም፡፡ከምዝይ ዓይነት መረረ ምስማዕ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣዝዩ ዘሕፍርን መዓንጣኻ ዝበልዕን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት እዩ፡፡
ኣብ ዞባ ምዕራብ ብሰፊሑ ዝተልዓለ ዛዕባ ምስ ወልቃይትን ከባቢኡን ዝተተሓዘ ስእነት ሰላምን ምርግግዕን፣ፍትሓዊ ብዘይኮነ ካሕሳ ካብ መረበትካን ግራትኻን ምምዝባል፣ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣፅዋርን ደቂ ሰባትን ዝነግዱን ዘዘዋውሩን ደለልቲን ዘስዕብዎ ማሕበራዊ ቅልውላውን ወዘተ. እንትኾኑ ብተወሳኺ ድማ ‹‹ብሽም ውፅኢት ተኮር ዘይበቐዑ ተመሃሮ ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ ይሰጋገሩ እዮም፤ ንፅሬት ትምህርቲ ጠመተ የለን፡፡›› ዝብል ተጠቒሱ ኣሎ፡፡ኣብ ዞባ መቐለ ድማ ምስ ምኽባር ወሰን ከተማ ዝተተሓሐዙ ሕቶታት፣ ንኣብነት እግሪ ሓሪባ፣ ገጠራት እንደርታ ከምኡ እውን ምርግጋፅ ናይ መሬት ዋንነትን ስእነት ማይን ተላዒሎም፡፡ዞባ ምብራቕ እውን ‹‹ስፍሕ ዝበለ ዘይሕጋዊ ስደት ዝርአየሉ እዩ፡፡›› ተባሂሉ፡፡ ብሓፈሻ ግን ስእነት ፍትሒ፣ ስእነት ስራሕ፣ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዘይምርካ(ምጉታት)፣ ስደት፣ ኮንትሮባንድን ዝውውር ደቂ ሰባትን፣ ዘይሕጋውያን ደለለቲ፣ ተሓታትነት ዘይብሉ ስልጣን፣ ግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ከም ዘሎ…ብኣጠቓላሊ ልዕልነት ሕጊ ከምዘይለ ተሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሰስ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ዝተገበሩ ህዝባዊ ዋዕላታት ብተለቪዥን ትግራይ ይመሓላለፉ ነይሮም፡፡ዋላካ ተቖራሪፆም ዝቐረቡ እንተኾኑ እቲ ዝቐረበ ናይ ህዝቢ ሰምዒት እኹል እዩ፡፡ ኣብ ጣብያ ኣይናለም ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ‹‹ፍታሕ ፍፁም የለን›› ክብሉ ብግልፂ ተዛሪቦም፡፡ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ‹‹ክራይ ኣካቢነት ክራይ ኣካቢነት ትብለኹም፤ ክራይ ኣካቢ መንድዩ ባዕልኹም ኮ ኢኹም፡፡ቅርሺ ንዘለዎ ተሐጉስዎ፤ ቅርሺ ንዘይብሉ ተብክይዎ›› ብምባል ነታ ሓቂ ቶግ ኣቢላታ[3]፡፡
ምስ ህዝቢ ከተማ ሰቲት-ሑሞራ ኣብ ዝተገበረ ህዝባዊ ዋዕላ ድማ ‹‹ሐጂ እውን ተዛሪብና ፍታሕ ከም ዘይለ እየ ዝኣምን፤ ምናልባት ኣብ ኣየር ተውዒሉ ግን›› ብምባል ዘረባኡ ይጀምር እሞ፣ ብምቕፃል ድማ ‹‹ገዛ ኣይነፍርስን፤ መኪና ኣይነቃፅልን፤ ኣብ ስልጣን ንዘለኹም ግን ክንሻመየኩም ኢና፤ ናይ መጨረሻ፡፡ እዚኣ ተጠንቂቕኹም ክትጓዓዙ ኣለኩም››[4] ክብል ትዕግስቱ ከም ዝወደአ ተዛሪቡ፡፡
ኣብዚ ከይተጠቐሰ ክሓልፍ ዘይግበኦ ጉዳይ ኣብ ከባቢ ኣላማጣ ዘሎ ስራሕቲ መስኖ እዩ፡፡እቲ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝርከብ ሰፊሕ ጎልጎል ብመስኖ ምልማዕ ካብ ዝጅምር ልዕሊ 15 ዓመታት ሓሊፎም ኣለው፡፡125 ጎዳጉዲ ኩዒትኻ ካብ ከርሰ ምድሪ ማይ ብምውፃእ ነቲ ብትግራይ ገፅ ዘሎ ኣከባቢ ብመስኖ ንክለምዕ ፕሮጀክት ተሓንፂፁ ነይሩ፡፡ይኹን እምበር እተን 36 ጎዳጉዲ ጥራሕ እየን ኣብ ስራሕ ዝውዓላ፡፡እተን 89 ጎዳጉዲ(71.2 %) ሎሚ እውን ኣይተኸፈታን፡፡ምኽንያቱ ድማ ነቲ ማይ ዝስሕቡ ጀነረተራት ዘንቀሳቅስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምግዛእ 23 ሚሊዮን ቅርሺ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተኸፊሉ እንሃለወ እቲ ኤሌክትሪክ ክሳብ ሐዚ ስለዘይተለቐቐ እዩ ይብሉ ኣብቲ ኣከባቢ ዝርከቡ ሓለፍቲ ህወሓት፡፡
ብምዃኑ ድማ ብክልል ትግራይ ዝመሓደሩ ሓረስቶት ራያ ‹‹ኣብ ልዕሊ ማይ እናነበርና ንድርቂ ንጥቃዕ ኣለና፤ ካብቲ ዕለታዊ ሓገዝ እቶም ዝተኳዓቱ ጎዳጉዲ ይከፈቱልና፡›› ክብሉ ከም ዝተማሕፀኑ ሪፖርተር ብሰፊሑ ፀብፂቡዎ እዩ፡፡ፀብፃብ ሪፖርተር[5] ከም ዝስዕብ ይብል፣
‹‹ኣብ ዞባ ደቡባዊ ትግራይ ህንፀቶም ካብ ዝተዛዘመ 125 ጎዳጉዲ እቶም 36 ጥራሕ እዮም ኣብ ስራሕ ዝውዓሉ ይብሉ ሓለፍቲ ወረዳ ኣላማጣ፡፡እቶም ጎዳጉዲ ናብ ስራሕ ብዘይምእታዎም ድማ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ነቲ ብ2008 ዓ.ም ዝተኸሰተ ድርቂ ክፃወርዎ ኣይኽኣሉን፡፡ እቶም ጎዳጉዲ ተኸፊቶም ተዝኾኑ ነይሮም ግን እቲ ሎሚ ዝተኸሰተ ደርቂ ኣይመጥቀዐናን፤ ጉድጓድ ተኳዒቱ ማይ ናብ ሕርሻኦም ዝኣተወሎም ተረባሕቲ መስኖ ዝኾኑ ሓረስቶት በቲ ድርቂ ኣይተጠቕዑን፡፡ ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ሓረስቶት ግን እቶም ዝተኳዓቱ ጎዳጉዲ ተኸፊቶም ሕርሻኦም ከልምዑ ስለዘይኽኣሉ ንድርቂ ተቓሊዖም፤ ተፀበይቲ ረድኤት ኮይኖም፡፡ንሕና ዝዘራእናዮ እኽሊ ከይፈረየ ተሪፉ፤ ንሳቶም ግን በቲ መስኖ ስለዝተሓገዙ ድርቂ ከይነኽኦም ተሪፉ፡፡ እቶም ንመስኖ ተባሂሎም ዝተኳዓቱ ጎዳጉዲ ስለዘይተኸፈቱ ሰብ እናበልዐ ፆምና ንክንሓድር ተገዲድና፡፡››
እቶም ሓረስቶት እቶም ጎዳጉዲ ንክኽፈቱሎም ብዙሕ ግዘ ሓቲቶም መልሲ ከም ዘይረኸቡ ተሓቢሩ፡፡ ሓደ ጉድጓድ ተኸፊቱ ማለት ብኣማኢቲ ናይ ዝቑፀሩ ገባራት ናብራ ንሓዋሩ ምተምሓየሸ፣ረዲኤት ካብ ምፅባይ ምተምሓሩ፡፡ኣይተ መን እሞ እዩ ዝስቆሮ? እቲ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ስምዒት ከሕድር ከም ዝኽእል ግልፂ እዩ፤ መፍተሒኡ እውን ኣድላዪ ዘይኾነ ስምዒት ዘሕድሩ ምሕደራዊ ግስርጥና ምውጋድ እዩ፡፡
ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ናይ ፌስቡክ መሓዛይ ህዝቢ ወልቃይት ክንደያናይ ከም ዝግፋዕን ዝጭቆንን፣ መሬቱ ካብ ካሊእ ከባቢታት ትግራይ ንዝኸዱ (ብፍላይ ወታደራት ነበር) ስለዝውሃብ ከም ዝፈናቀል፣ ንዑኡ ብዝመስሉ ሰባት ከም ዘይመሓደር ወዘተ. ዘመላኽቱ መረረታት ከም ዘስምዕ ይሕብር፡፡
‹‹ነባር ወልቀታይ ተናዒቑ፣ በቶም ሓደሽቲ ነበርቲ (ተጋደልቲ ነበር ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈሩን፣ ብሰፈራ ካብ ካልእ ኸባቢ ትግራይ ዝኸዱን) ንምንታይ ንምሓደር`` ዝብል ኩሪያ ኣለዎም። ኣተዓዳድላ መሬት እዉን ከምኡ። ነባር ትሕዝቶና እናተመንጠልና ብሰፈራ ንዝመጹ ተዓዲሉ፣ እቶም ሰፈርቲ ከም ``ንቑሓት`` እናተቖጸረ ንሶም ወሰንትን ሓደግትን ኮይኖም ኣብ ``መገዛእ ዓድና `` ዝብል ልዑል ቅሬታ ከምዝነበሮም ይሰምዕ። ብፍላይ ከባቢ ዳንሻ፣ ሩዋሳ ፣ ወዘተ። ብጠቕላላ ምዕራብ ትግራይ እቲ ዝለዓለ ሰፈራ ዝኻየደሉ ቦታ እዩ። ካብ ገጠራት ማእከላይን ምብራቓዉን ዞባታት ትግራይ ብዙሕ ሰብ ኣብኡ ከይዱ ክሰፍር ተገይሩ እዩ።›› ድማ ይብል፡፡
ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ ‹‹ህወሓት ካብ መላእ ትግራይ ዝተኣኻኸቡ ሰራዊቱ ቅነሳ እንትገብር እዉን ዘስፈሮም ኣብዚ ኸባቢ እዙይ እዩ። ድሕሪ ኢትዮ-ኤርትራ ቦርድ ዝወጹ ዉሑዳት ኣባላት ምክልኻል ሃገር ዝኾኑ ተጋሩ እዉን ኣብዚ ኸባቢ ሰፊሮም እዮም። ካብ ሕጋዊ መንገዲ ወጻእ ንሸቕልን ካልእን ከይዱ ኣብቲ ኸባቢ ዝቕሪ ሰብ እዉን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ማይ ካድራን ዳንሻን ክልተ ክረምቲ ብስራሕ ከሪመ ነይረ -ከም ትዕዝብተይ እቲ ካብ ካልእ ኸባቢ ፈሊሱ ዝኸይድ ሰብ ነቶም ደቂ ዓዲ (ነባር) ብዉሽጦም ናይ ዘይምኽባር ጸገም ኣለዎም (‹‹ምንዕዓቕ››)፣ ኣነ ዓርሰይ ብጣዕሚ የናድደኒ ነይሩ፣ ለጋስን የዋህን ከም ዕሽነት ምቑጻር ዝንባለ ተዓዚበ እየ።›› ይብል፡፡ እቲ ወዲ ከምዙይ ዓይነት ስምዒት ምህላው ‹‹ንብዙሕ ግዘ ሓቢርካ ክትዉዕልን ክትሓድርን እንትለኻ ብቐሊሉ ትርድኦ ነገር እዩ።›› ይብል እሞ፣ ቀፂሉ ድማ ‹‹እዙይ ክወሃለል ከሎ፣ዝመጽእ ጸገም ሕሰቦ።›› ብምባል ስዓቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ይሕብር፡፡ እቲ መንግስቲ እዉን ማህበራዊ ስነ-ልቦና እቲ ከባቢ ኣጽኒዕኻ ንምምሕዳር ዝገብሮ ፃዕሪ የለን ድማ ይብል፡፡ የግዳስ ‹‹ዓይኑ ፍጥጥ ዝበለ ድርቅና እዩ ዝነበረን ዘሎን።›› ይብል፡፡ ብምቕፃል ‹‹ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝርከብ መሬት ትግራይ ንኹሉ ትግራዋይ ብማዕረ ዝብጽሖ እኳ እንተኾነ›› ብውሕሉል ኣገባብ ክትሓዝ ኣለዎ ክብል ይምዕድ፡፡
ኣብ መወዳእታ ድማ ‹‹ህዝቢ ብኣግባቡ ክተረዳኦን ክርድኣካን ኣለዎ። እሞ ድማ እቲ ኸባቢ ከም እትፈልጦ ብናይ ቀደም ኣበሃህላ ‹‹ዓቀይታይ››፣ ‹‹መስፍንነት›› ዘጥቅዖን ሃፍታምን ዝነበረ ከባቢ እዩ። ብስሩ እኮ ብዘበን ሃጸያት ንመንግስቲ ግብሪ ኣይንኸፍልን ዝብል ዝነበረ ማሕበርሰብ እዩ። ብናይ ባዕሉ ኣመሓደርቲ (ሓደ ሓደ ግዘ ሸፈቱ)ዝመሓደር ዝነበረ ከባቢ እዩ ፣ እቲ ናብ ኣምሓራ ክልል ከባቢ ዘሎ ሓዊስካ። መንግስቲ ግብሪ ክእክብ እንተኸዱ ከም ወራሪ ዝቖጽር ዝንበረ እዩ። ብሰፈራ ሰብ ናብቲ ከባቢ እንትኸዱ እንታይ ከምዝሓስብ ስነ-ልቦናዊ ምርምር ጌርካ ምሕደራዊ ምትእምማን ክትፈጥር ግድን እዩ። ነዚ ንምስባር ህወሓት እንታይ ገይሩ ከምዝኸዉን ኣብ ኣይዲኦሎጂያዊ ኣተሓሳስብኡ ተበጊስካ ምግማት ቀሊል እዩ። ብበትሪ (ጽልኢ) ዓቀይተኝነት ክትሰብር ግን ኣይትኽእልን፣ ብትምህርትን ቅርርብን እምበር። እምብኣር ሕጂ እዉን ኣተሓሕዛ ምሕደራ እንተዘይተስተኻኺሉ ስቕታ ይሰፍን እምበር እቲ ሕቶ ይምለስ ማለት ኣይኮነን።›› ክብል ሓሳቡ የጠቓልል፡፡
ከምዝይ ዓይነት ስምዒት ኣሎ ዶ የለን ዝብል ሕቶ ንምምላስ ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ምክያድ ብልህነት እዩ፡፡ከምዝይ ዓይነት ኣመለኻኽታን ስምዒትን ፈፂሙ የለን ምባል ግን ጥዕና የብሉን፡፡እቲ ወዲ ዝፅሓፎ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተወለድቲ ወልቃይት ኢና ብዝብሉ ኣብ ጎንደርን ከባቢኡን ዝጋዋሕ ዝነበረ ጭርሖታት ብምቅንጃው ነቲ መፅናዕቲ ከም መበገሲ ገይርኻ ምውሳድ ይክኣል፡፡ብሓፈሻ እንትርአ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ንልዕልነት ሕጊ ከም ዘይተዓደለ ንርዳእ፡፡
፫. ነበለት እንታይ በለት?
እዛ ሕቶ እዚኣ ርእሳ ኽኢላ ንክትቐርብ ዝገበርኩሉ መኽንያት ንስምዒት ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ትገልፅ ኮይና ስለ ዝረኸብኩዋ እዩ፡፡ ቅድሚ 20 ዓመት ወረዳታት ትግራይ 81 ከም ዝነበራ ይፍለጥ፤ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ገለ ከባቢታት ሓሙሽተ ዝነበራ ወረዳታት ናብ ሓንቲ ጨፍሊቆምን (ኣድያቦ?)፤ ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ሰለስተ ወረዳታት ናብ ሓንቲ ተጨፍሊቀን(እምባ ኣላጀ)፡፡
እተን 81 ዝነበራ ወረዳታት ትግራይ ናብ 33? ተጨፍሊቀን ይርከባ፡፡ እዙይ ድልየት ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ኣይነበረን ጥራሕ ከይኮነስ በሓይሊ መልጢ ህወሓት ዝተወሰነ ከም ዝኾነ ይፍለጥ፡፡ክሳብ ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ‹‹ወረዳና ይመለሰልና›› ዝብል ሕቶ ብዕቱብ እናልዐሎ ይርከብ፡፡ ንኣብነት፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ከተማ ዛና[6] ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ነበርቲ እታ ከተማ ‹‹ወረዳ ጨፍሊኩም ግልጋሎት ፍትሒ ኸምቲ ናይ ውድብ ዘይንረኽበሉ ኹነታት፣ ትካላት ዘይንረኽበሉ ኩነታት ኣጋጢሙ እዩ፡፡ስለዘይ ኣብ ከባቢና ክንመሓደር ኢልና ኢና መስዋእቲ ኸፊልና፤ንምንታይ እዩ ዘይትርእዩልና፡፡ እቲ ኣንፈት ልምዓት እውን ወረዳ ማእኽል ዝገበረ ኢኹም ትገብሩዎ ዘለኹም፤ ፀገም ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ኣይኮንን ዝካየድ ዘሎ፡፡ኣብ ማእኸል ወረዳን ንኡስ ወረዳን ዘሎ ሃፍቲ መንግስቲ ሰማይን መሬትን እዩ፡፡ንሕና ኣይንጥቀምን ዘለና፡፡›› ክብሉ መረረቶም ገሊፆም፡፡ብምቕፃል ድማ ‹‹ንሕና ወረዳ ዘይምዃና ብዙሕ ስዓቤን በፂሑና እዩ፤ ብዙሕ ጉድኣት በፂሑና እዩ፡፡20 ዓመት ድማ ተፀቢና ኢና፡፡ቅደም ውድብ በሉ ኣባላት ንዑ፤ወረዳ ክንሓዋውሶ ኢና፡፡ገንዘብ የለን ቅርሺ የለን፤ ኣይኸፍአኩምን ግን፡፡ኩሉ ኣሎ እዩ ኣብዝይ፡፡ ጥራይ ምምሕዳር ኢና ክነልቅቕ ኢሎምና፡፡ዋእ! ውድብ ተይላቶ እማ ኣይኸፍእን ዝኾን እንቂ ኢልና፡፡ 20 ዓመት ሙሉእ ግን ዘይጠቅም ምዃኑ፤ ዝጎድአና ምዃኑ ተገንዚብና፡፡›› ብምባል ብልግልፂ ተዛሪቦም፡፡ብተወሳኺ ድማ ‹‹ቅደም ምውቕ ከተማ ነይሩና ሐይ ጠምብይና ዝሒልና፤ ሕይ ክምችወና ዝግበኦ ሽዕኡ ይምችወና … ቅደም መለስ ምሳና፣ ኣቦይ ስብሓት ምሳና፣ ኣርከበ ምሳና ኩሎም መራሕቲ ምሳና ነይሮም…ሕጂ ግን ስልጣን ዘለዎ ሰብ ርእይና ኣይንፈልጥን፡፡›› ኢሎም፡፡
ብፍላይ ህዝቢ ነበለት፣‹‹ን20 ዓመት ዝሓተትናዮ ናይ ወረዳ ይመለሰልና ህዝባዊ ሕቶ ፀማም እዝኒ ረኺብና›› ይብል፡፡ሰላማዊ ሰልፊ ንክገብር ሓቲቱ እውን ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ “ ናብ ልመዓትኩም እተዉ። ካብዚ ወፃኢ ገለ ክፍትን እየ ዝበለ ግን ብህይወትካ ምፅዋት ስለዝኾነ ከይትሓስብዎ” ተባሂሉ፡፡እቲ ህዝቢ ግን ብ16 ሚያዝያ 2008 ዓ.ም ኣብ እምባ ስነይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ገይሩ፡፡እዚ ሕቶ እዝይ ንመብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ዝሓቁፍ ሕቶ እዩ፡፡ህወሓት ግን ሐዚ አውን ትብተኸኒ እያ ትብል ዘላ፤ ነቲ ህዝቢ እምባ ስነይቲ ዘልዐሎ ሕቶ ድማ ብተወከልታ ‹‹ትግራይ 81 ወረዳታትን 12 ኣውራጃታትን (ዞባታት?) ይኹና ካብ ዝብል ዝልዓል ስለዝኾነ ናይ ደርጊ ኣወዳድባ ምንፋቕ እዩ፡፡››[7] ኢላቶ፡፡
ህዝቢ እምባ ስነይቲ ብምፍርራሓት ሓለፍቲ ህወሓት ኣይተሓለለን፤ ‹‹ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶ ዘይምልስ ውድብን መንግስትን ካብ ወረዳ ክሳብ ፌደራል ውክልናና ነልዕል ኣለና››[8] ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ፡፡ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ነበለት ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ‹‹ወረደና ትመለሰልና ዝትብል ጉዳይስ ናይ ነበለት ጥራሕ ድያ? ናይ ነበለት ጥራይ ተትኸውንስ ፈቲሕናዮ ምዓረፍና፡፡እዚ ሽግር እዚ ናይ ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ትፈልጥዎ ኢኹም፡፡››[9] ክብሉ ነቲ ልዕሊ ኢሉ ዝተገለፀ ሓቂ ደርጒሖሞ፡፡ እሞ እቲ ወረዳና ይመለሰልና ዝብል ሕቶ ናይ ነበለት ጥራሕ ተዘይኾኑ፤ ከምቲ ኣይተ ኣባይ ዝበልዎ ‹‹ናይ ምሉእ ህዝቢ ትግራይ ሽግር›› ተኾይኑ ድኣ ንምንታይ ዘይምልስዎ? ሕቶ ህዝቢ ትግራይ እንድሕር ዘይምልሱ ኮይኖም ድኣ ንምንታይ ፕረዚደንት ትግራይ ኮይኖም? ዕላማኦም ‹‹ናይ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ሽግር›› ምፍታሕ ድዩስ ፍታሕ ከይረክብ ምዕጋት?ተፀዋዒነቶም ንህዝቢ ትግራይ ኣይኮንን ድዩ? ህዝቢ ትግራይ ክሳዕ መዓእ እዩ ‹‹ኣነ እየ ዝፈልጠልኻ›› ብዝብል ትዕቢት ዝግዛእ? መራሕቲ ህወሓት ግን ንምንታይ እዮም በቲ ህዝቢ ትግራይ ዝመረፆ መንገዲ ዘየመሓዳድርዎ? ንምንታይ እዮም ንሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ዘየኽብሩሉ? መልሱ ከም ዝስዕብ ቐሪቡሎ ሞ ንቐፅል፡፡
፬. ‹‹ብዘመነ ገበል፣ ዝሃቡኻ ተቐበል››
ብባህልና ንድኻ ዘነኣእሱ ኣበሃህላታትን ኣሰራርሓታትን ብዙሓት እዮም፡፡ ካብኣቶም ሓደ ‹‹ድኻ ተላህዩ ይወፅእ እምበር ኮሸም መን ኣልመዶ? ›› ዝብል ኣሎ፡፡ሃፋትም ከም ድላዮም ቁፅይፅይ እንትብሉ ዝድግፎም ብዙሕ እዩ፤ ተወድቑ ድማ ኩታኦም ኣንፂፎም ዝቕበልዎም ኣይስእኑን፡፡ ተጋዳላይ ሽሙየ ድማ ‹‹ድኻ ድኻ…ትደኽደኽ ኣደኻ…ፅራይ ሰትዮም ሓተላ ዝህቡኻ...እቲኳ እንተፈትዮምካ…ኣፅገብካዮም ሰረኛ ባዕልኻ›› ክብል ምድራፉ ይዝከር፡፡ብተወሳኺ ድማ ‹‹ድኻ ይሙት ይሙት…ናብኡ ይገተት፤ ሃፍታም ይሙት ይሙት ንበልዕ ፍቱት›› እውን ይብሃል፡፡ በቲ ሓደ ገፅ፣ ሞትን ሕየትን ድኻ ዋጋ ከምዘይብሉ ንምምልኻት፤ በቲ ካሊእ ገፅ ሃፍታም ይትረፍ ብሂወቱ ሞይቱ እውን ብተስካሩን ፍትሓቱን የፅግበካ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ፡፡
ባህልና ንሰበ ስልጣናትን ገዛእትን እውን ልዕሊ ሰብ ከም ዝኾኑ ገይሩ እዩ ዝስእሎም፡፡ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ‹‹ምስ ደገዝማቲ መን ተሟጋቲ›› ዝብሃል፤ ሹመኛታት ብኢደ ወነኖም ከም ዝነብሩን ብሕጊ ክርተዑ ከም ዘይኽእሉን ንምዝኽኻር፡፡ንገዛእቲ ድማ ‹‹ንጉስ ኣይሕረስ፣ ሰማይ ኣይኽሰስ›› ብምባል ልዕሊ ሰብን ልዕሊ ሕግን ከም ዝኾኑ ኣምሲሉ የቐምጦም፡፡መዓዝ እዝይ ጥራሕ ኮይኑ፣ ‹‹ዝበረቐት ፀሓይና፣ ዝነገሰ ንጉስና›› እውን ይብሃል እምበር፤ገዘእቲ ብህዝቢ ተመሪፆም ዝሽየሙ፤ ህዝቢ ተዘይፈቒዱ ድማ ካብ ስልጣኖም ዝወርዱ ከይኮኑስ ልክዕ ከም ፀሓይ ክልወጥ ብዘይኽእል ተፈጥራዊ ዑደት ከም ዝመፅኡን ዝኸዱን ንምግላፅ እዩ፡፡ወነኻ ዝድህሉን ተምበርካኻይነት ዘስፋሕፍሑን ኣባሃህላታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡፡እቲ ዘሕዝን ግን፣ እቶም ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ኢና ተቓሊስና ዝብሉ እውን ‹‹ብዘመነ ገበል፣ ዝሃቡኻ ተቐበል›› ብዝብል ፈሊጥ ይገዝኡና ምህላዎም እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ድኻ ስለ ዝኾነ ዲሞክራሲ ኣይግበኦን ኣብ ዝብል ቅዋም ተሸኺሎም ኣለው፡፡ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ክመሓደር ከም ዘለዎ እንፈልጥ ንሕና እምበር እቲ ህዝቢ ኣይኮነን ድማ ይብሉ፡፡ ኢትዮጵያ ማእኸላይ ቁጠባዊ ዕቤት ክሳብ እተመዝግብ ሕቶ ዲሞክራሲ ክምለስ ኣይኽእልን ይብሉ፡፡ሐዚ ዘድልዮ ቁጠባዊ ዕብየት እዩ፤ ድሓር ማሕበራዊ ዕብየት ይስዕብ ኣብ ዝብል ተካል መርገፂ ተረግሪጎም ይነብሩ፡፡መትከል ‹‹ልምዓታዊ መንግስቲ›› እምብኣር እዝይ እዩ፡፡
ራእይ ‹‹ህያው›› መራሒና ንሳ እያ፤ ዝውሰኽ ዝቕነስ ዘይብላ፡፡መርገፂ ኣይተ መለስ ክራይ ኣካቢነት ንምምብርካኽን ቁጠባዊ ዕበየት ንምቅፅፃልን ኢድ ኣእታዊነት መንግስቲ ኣድላይ እዩ፤ይብል ኣሌክስ ደዋል፡፡እዝይ ማለት ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ፣ልምዓት ፖለቲካዊ ከይዲ ብምቕዳም ቁጠባውን ማሕበራውን ለውጢ የስዕብ፡፡ ‹‹Development is a political process first and economic and social process later. It is the creation of a political set-up that is conducive to accelerated development that sets the ball of development rolling.››[10] ከም ርእይቶ ኣይተ መለስ፣ ለበዳ ክራይ ኣካብነት ዋላ መሰረቱ ነቕ ኣብ ዘይብል ደረጃ ንዝርከብ ጥርኑፍ መንግስቲ እውን ብቐሊሉ ሓሊኹ ከውድቖ ይኽእል እዩ ይብል፡፡ኣብ ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ኣድላይን ዝክኣልን ዓይነት ዴሞክራሲ ከመይ ዝበለ እዩ? ዝብል ሕቶ እውን የስዕብ፡፡
ረግረግ ምወላን ክራይ ኣካቢነትን ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ መፅራግ ስለዘይክኣል ልምዓታዊ መንግስቲ ዲሞክራሲያዊ ክኾን ኣይኽእልን፡፡ማለት ‹‹How can the developmental state clean up the mess of patronage and rent-seeking in the initial stages of its establishment by anything other than undemocratic means? ››[11] ንዝብል ሕቶ መልሱ ግልፂ እዩ፤ ብሓይለ መልጢ…ውልቀ መላኺነት፡፡ነዝይ እዩ ድማ ድሕሪ መረፃ 1997 ዓ.ም፣ ኣይተ መለስ ንዲሞክራሲያዊ ማዕቐባት በጣጢሶም ንባዕሎም ገባሪ ሓዳጊ ገይሮም ዝሸሙ…ከም ኣገላልፃ ኣሌክስ ደዋል፡፡እቲ ንትካላት ትእምትን ‹‹ልምዓታዊ ሰብሃፍትን›› ዝግበር ፍሉይ ሓገዝ፣ ብቀሊሉ ልቓሕ ንክረኽቡ፣ ኩንትራት ይኹን ጨረታ ብዘይውድድር ንከሸንፉን ኣብ ዝኾነ ስራሕ ቀዳምነት ተዋሂቡዎም ብዘይዕንቅፋት ንክሰርሑን ብኡ ኣቢሎም ድማ ከስቢ ንክረኽቡን ዝተዳለወ ኣሰራርሓ መንቀሊኡ ንሱ እዩ፡፡ንኣባላት ህወሓት/ኢህወዴግ እውን ስራሕ ንክቑፀሩን ቀልጢፎም ክዓብዩን መንገዲ የመቻቸወሎም፡፡
ብፖለቲካ ተመፂእኻ እውን ብናይ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝትንፍሱ ‹‹ተቓወምቲ›› ውድባት ከም ፍልሖ ክበዝሑ እቶም ተነሓነሕቲ ድማ ብዘተፈላለየ ሸርሒታት ንክቅህሙ ዝግበር ካብዚ እምነት ዝብገስ እዩ፡፡ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ እዝይ እውን ኣብ ድለየት ኣይተ መለስ ዝተደረኸ እዩ፡፡ኣይተ መለስ ድልየቶም ክሳብ ዝፍፅሙ ወይ ኢህወዴግ ከም ናይ ስዊድን ሶሻይል ዲሞክራሲ፣ ከም ናይ ጃፓን ሊበራል ዲሞክራሲ፣ ከም ናይ ካናዳ ሊበራል ዲሞክራሲ፣ ከም ናይ ሲንጋፖር PAP፣ ናይ ሜክሲኮ PRI፣ ናይ ዱቡብ ኣፍሪካ ANC ወዘተ. ዓርኻ ፖለቲካዊ ውድባት ኮይኑ ክቕፅል ወይ ከዓ ኢትዮጵያ ማእኸላይ ቁጠባዊ እቶት ክሳብ እትውንን ዲሞክራሲ መመላኸዒ ወረቀትን ዘረባን ኮይኑ ክፀንሕ ወሲኑ እዩ ይብል ምስክርነት ኣሌክስ ዳዋል፡፡ብኻሊእ ኣባሃህላ፣ ‹‹Meles's theory of democracy was, in the end, postponing it until Ethiopia had achieved middle-income status.››[12] ከም ማለት እዩ፡፡እዝይ እዩ ድማ ‹‹ብዘመነ ገበል፣ ዝሃቡኻ ተቐበል›› ዘብለኒ ዘሎ፤ እቶም ኣብ ሕገ መንግስትና ዝተዘርዘሩ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ድኻታት ኢኹም ብዝብል ቅያዐ ብዕሊ ንዘይተወሰኑ ዓመታት ተናዊሖም፡፡
ነዝ ኣባሃህላ እዝይ ብዘይምዕሩይ ፖሊሲ ኣይተ መለስ ተረባሕቲ ዝኾኑ ‹‹ልምዓታዊ›› ሰብ ሃፍትን ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይን እውን ብዘይ ኽንከት ክደጋግምዎ ምስትውዓል ልሙድ እዩ፡፡ ካብዚኦም ሓደ ኣይተ ተስፋኪፎስ ዝብሃል ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ‹‹ሙለር ሪል ስቴት›› ስለ ኣድላይነት ዲሞክራሲ ተሓቲቱ ከም ዝስዕብ ይብል፡-
“What’s democracy? The opposition needs support by the middle class. When we have a middle class, we will have a stronger democracy. Until then, we have a nanny for the democracy. Democracy is a matter of education and civilisation – 85% of our population is farmers; we don’t know how to read and write. When you have a middle class, you push for your rights.”[13](‹‹እንታይ እዩ ዲሞክራሲ ኸ? ዲሞክራሲ እኮ ጉዳይ ትምህርትን ስልጣነን እዩ፡፡ 85% ዝኸውን ህዝቢና ምንባብን ምፅሓፍን ዘይኽእል ሓረስታይ እዩ፡፡ተነሓነሕቲ ውድባት ድጋፍ ማእኸላይ መደብ (ማእኸላይ ቁጠባዊ እቶት ዝውንን ክፋል ሕብረተሰብ) የድልዮም፡፡ማእኸላይ መደብ ምስ ዝህልወና ድልዱል ዲሞክራሲ ክንውንን ኢና፡፡ክሳብ ሻዓኡ ግን፣ ክክንዲ ዲሞክራሲ ከም ህፃን ኮስኲሱ ዘዕብይ እዩ ዘድልየና፡፡ማእኸላይ መደብ ምስ ሓዝካ ኢኻ መሰልኻ ትሓትት፡፡››) ሓቂ ንምዝራብ፣ እዝ ኣካይዳ እዝይ ነቶም ሰብ ዘመነ ኣዝዩ መኽሰባይ እዩ፡፡ብሓንቲ ፀሓይ ሚሊየነር ከይኮነስ ቢልየነር ንክኾኑ የኽእሎም፤ ቁሳውን ሰብኣውን ሃፍቲ ሃገር ንዐኦም ንምህፍታም ስለ ዝወፍሩ፡፡ዝወዳደሮም ይኹን ዝቆፃፀሮም ስለ ዘይህሉ ወዘተ.
ይኹን እምበር ብዞም ስዕቡ መኽንያታት ተቐባልነት የብሉን፡- ቀድም ቀዳድም፣ ምስ መትከላት ሕገ መንግስቲ ሃገርና ኣይቃደውን፤ የግዳስ ይፃባእ እዩ፡፡ፀረ ማዕርነት፣ ፍትሒ፣መሰል ዋንነት፣ ሓርነት ወዘተ. ስለ ዝኾነ…ብሓፈሻ ነተም ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተዘርዘሩ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ስለ ዝግህስ፡፡ ኣባላትን ሰበ-ስልጣናትን ህወሓት/ኢህወዴግ ምስ ኣዝማዶም ከም ድላዮም ሃገር ክብሕትዋ፤ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ከም ሳእኒ ክረግፅዎ…ከም ዝማእመኦም ክጎብጥዎ…ክጉዕፅፅዎ ይገብር፡፡ ንሶም ጥዑምይ ልዑምይ ክበልዑ ክሰትዩ…ኣብ ደስ ዝበሎም ክነብሩ፣ደቆም ከምህሩ፣ ክሕከሙ…ብኣውሮፕላን ክሸራሸሩ…ቪ8ን ፕራዶን እናቀያየሩ ክገንሑ…ናይዛ ሃገር ሃፍተ ገነት ክውንኑ፡፡እቲ ኻሊእ ርሂፁ ንክበልዕ ኳ ዕድል ኣይረክብን…ክንዲ ድላዩ ብቑዕ ይኹን፡፡ ነጊዱ ከትርፍ ኣይኽእልን… ክንዲ ድላዩ መምረታይ ይኹን፡፡ብዘይ እኹል ካሕሳ ‹‹መረበትኻን ግራትኻን›› ንልምዓት ንደልዮ(ንሰብ ሃፍትን ሰበ-ስልጣናትን) ኢና ብዝብል ቀጢን ትእዛዝ ይመዛበል፤ ካብ ዓዱ ይንቀል፡፡እቲ ብዓል ዘመን ድማ ኣብ ዝመረፆ ከይዱ ይትከል፡፡ከምቲ ነባሪት ኣይናለም ‹‹ቅርሺ ንዘለዎ ተሐጉስዎ፤ ቅርሺ ንዘይብሉ ተብክይዎ›› ዝበለቶ እዩ፡፡ብዝኾነ ንብዓት ህዝቢ ሰትያ እትለምዕ ሃገር እንታይ ዓይነት ፍረ ከም እተፍሪ ንምርኣይ የብቅዐና ይብል፡፡
ሐዚ፣ ነቲ ‹‹ናብ ማእኸላይ መደብ ምስ ዓበኻ ኢኻ መሰልኻ እትሓትት›› ዝብል ሰብ ጓዕፃፃይ ከይኮነስ ተጓዕፃፃይ ኩን ተትብሎ ተገልቢጡ መሰለይ ዶ ታይ ዶ ምባሉ ኣይተርፍን፡፡ሕልናኡ ንዝዓወረ ሰብ ንደቂ ሰባት ከም መንፀፍ እናረገፅካ ምንባር ኣየሰክፎን፡፡የግዳስ ከም መሰሉ እዩ ዝቖፅሮ፡፡ንዓ መንፀፍ ኹን ተተባሂሉ ግን ቆፂርኻ ዘይውዳእ መኽንያትን መረረታትን ካብ ምህታፍ ንድሕሪት ኣይብልን፡፡ነዝይ እዩ ድማ እቶም ውልቀ መለኽቲ ዕድመ ልክዖም ኣብ ስልጣን ከሕልፍዎ ዝደልዩ፡፡ካብ ስልጣን ተወሪዶም መንፀፍ ከም ዝኾኑ ይፈልጥዋ እዮም ያ፡፡
ካልኣይ፣ ህዝቢና እንት ምስል ‹‹ካብ ልዓመታያ ደርሆስ ሎሚ እንቋቁሖ›› ይብል፡፡እቲ ሓቂ ግን ካብዙይ እውን ዝብኣሰ እዩ…ሎሚ እንቋቁሖ ክረክብ ዘይኽኣለ ህዝቢ ልዓመታ ደርሆ ክረክብዩ ማለት ዘበት እዩ፡፡ሎሚ መሰሉ ዝተገፈፈ ህዝቢ…ሎሚ ዋሕስ ድሕንነት፣ ዋንነት፣ ሓርነት፣ ፍትሒ፣ ማዕርነት ዘይብሉ ህዝቢ ፅባሕ ካበይ የምፅኦ? ብደው እንድዩ ዝውረር ዘሎ…ንሱ እንናተነቐለ ሰብ ዘመን ይትከሉ ኣለው፡፡እቲ ሎሚ ዝትከል ዘሎ እኮ ፅባሕ ገዊዱ ከሳፍሕ እዩ፡፡ናቱ ተገዛኣይ፣ ናቱ ሸቃላይ እዩ ዝገብረካ፡፡ከም ብቅዓትካን ንስኻ ብዝተስማዕኻዮን ከይኾነስ ንሱ ክድዝይ እየ ዝኸፍለካ ብዝበለካ ኢኻ ትሽቅል፡፡ንሱ እኳስ ብሂወት ተፀኒሕኻ እዩ፡፡እቲ ዘሕዝን ድማ ከምዝይ ዓይነት ድኽነት ዕንክሊል እናበለ ካብ ውልድ ናብ ውልድ ዝምሓላለፍ ምዃኑ እዩ፡፡
ኣብታ ሎሚ ብቑጠባዊ ዕበይት ትሕምበብ ዘላ ቻይና ማኦ ኣብ ልዕሊ ባህሊ ቻይና ብስንኪ ዘካየዶ ወያነ ካብ 35 ክሳብ 49 ሚልዮን ዝኾኑ ቻይናውያን ከም ቖፅሊ ከም ዝረገፉ ሰነዳት ይምስክሩ፡፡ራሽያዊ ሓራዲ ጎማዲ ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን እውን ልዕሊ 45 ሚልየን ህዝቢ ንክፀንት መኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ሐዚ ቻይናን ራሽያን ብዝልዓለ ቁጠባዊ ዕብየት ይርከባ፡፡ይኹን እምበር እቲ ዝፀነተ ህዝቢ ንዘይምለስ ተቐቢሩ እዩ፡፡ብስሩኸ ሓደ ውልቀ መላኺ ንደቂ ሰባት ብሂወት ንክፈርድ መን ፈቒድሉ? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን፡፡ድኻ ስለ ዝኾንካ እንጀራ እምበር ዲሞክራሲ ኣይግብአካን፤ ማእኸላይ እቶት ምስ ዝህልወካ ጥራሕ ኢኻ መሰልኻ ክትሓትት ትኽእል ኢሉ ንክውስን መን መዚዝዎ? እቲ ውልቀ መላኺ ፈለማ ማእኸላይ እቶት ንክትውንን ከም ዘኽእለካ ከመይ ገይርኻ ይረጋገፅ፤ ብምቕፃል ድማ ማእኸላይ እቶት ምውናንኻ ተጋሂዱ ንበል እሞ ዲሞክራሲ ከም ዘንግስ ታይ ዋሕስ ኣለካ? ንኣብነት ህዝቢ ቻይና ወናኒ ማእኸላይ እቶት ካብ ዝኸውን ዳርጋ ፀኒሑ እዩ…ጨና ዲሞክራሲ ግን የለን፡፡
እቲ ቀንዲ ሕቶ እቶም ናትና መራሕቲ ኸ ከም መራሕቲ ቻይና ዘይኾኑሉ ጭቡጥ መርትዖን መኽንያትን እንታይ ኣሎ? ዝብል እዩ፡፡መልሲ ማለሊታውያን ፍቶ ፅላእ፤ ብድልየትና ትግዛእ ዝብል እዩ፡፡ምኽንያቱ ድማ ይብሉ፣ ንሕና ንዓኻ ንድንዙዝ ሓፋሽ ብፍፁም ብልሓትን ርትዓዊነትን መሪሕና ናብ ግሃዳዊት ገነት ንምብፅሕ ዘመኑ ዝሓረየና መንፈሳውያን ልኡኻት ኢና፡፡መሰረታዊ ጥንቆላን መፅብዓታት እንጀራ ሕልምን ማርክሰ ለኒን ወ ማኦ እዝይ እዩ፡፡‹‹The party as the incarnation of historical rationality, with the revolutionary avant-garde elected to lead the otherwise lethargic masses into the Communist paradise was the hallmark of the Leninist intervention in the political praxis of the twentieth century.››[14] ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ዘለዎም ፍፁም ጭካነን ንዕቐትን ክንድዝይ ዝኣክል እዩ፡፡እቲ ሓፋሽ ኣዝዩ ድሑር፣ካብ ዝወደቖ ዘይልዓል ኢደ እግሪ ዘይብሉ ድንዙዝ፣ምሕሳብ ዝተስኣኖ ደንቆሮ፣ምርኣይ ዘይኽእል ዕውር ስለ ዝኾነ ከማና ዝበለ ፍፁም ብልሕን ርትዓዊነትን ዝተዓደለ ወያናይ መሪሕ ውድብ የድልዮ ካብ ዝብል እዮም ዝልዓሉ፡፡ንሕና ንዓኻ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ግሃንም ናብ ምድራዊ ገነት ንምውፃእ ዝተለኣኽና መሲሃት ኢና፡፡ ስለዝይ፣ ብዓይኒ ዕሙተይ ተኸተለና እዮም ዝብሉ ዘለው፡፡
ነዚ እዩ ድማ ‹‹ዋእ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ድኣ ቅዱሳት እንድዮም፤ እቶም ኣብ ታሕቲ ዘለው እዮም እበር›› ዝብሃለለይ ዘሎ፡፡ኣምባገነንነት ነጊሱ፤ ዲሞክራሲ ነጊሱ እንሃለወ ‹‹ስእነት ሰናይ ምምሕዳር እዩ›› ዝብሃል ኣሽካዕላል እውን መሰረቱ እዝይ እዩ፡፡ንብቕዓት ሓይሊ ሰብን እኹል ቁሳዊ ሃፍትን መሰረት ዘይገበሩ ፖሊሲታትን ትልሚታትን ከይተጀመሩ ወይ እውን ተሓንኲሮም እንትተርፉ ‹‹ናይ ኣፈፃፅማ ፀገም እዩ›› ዝብሃለሉ መኽንያት እውን እዝይ እዩ፡፡እቲ መሪሕ ውድብ (vanguard party) ፍፁም ስለ ዝኾነ ፓሊሲታቱን ትልምታቱን እውን ፍፁማት ክኾኑ ኣለዎም፤ እቲ ፀገም ኣብ ታሕተወት ኣካላት እዩ ዘሎ ከዓ ይብሃለለይ፡፡ኢህወዴግ ይኹን እተን ኣርባዕተ ውድባት እቲ ግምባር ‹‹ኣታሓሳስባታትን ተግባራትን ክራይ ኣካቢነት ነጊሱ፤ ስልጣን ንህዝቢ መገልገሊ ከይኮነስ ንውልቃዊ ረብሓ ነውዕል ኣለና፣ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተመሻጢሮም ፍትሒ ዘዛብዑ፣ዝሓርዱ ዝጎምዱ ደላላታት ነጊሶም…›› ከም ዝበሉ ስለ ዝረሰዕዎ ኣይኮነን ሐዚ ድማ ተገልቢጦም ‹‹ላዕለወት ሓለፍቲ ዘይሕተትሉ መኽንያት መርትዖ ስለ ዘይረኸበና እዩ›› ዝብሉ ዘለው፡፡ላዕለዎት ሓለፍቲ ‹‹ፍፁማት›› እንድዮም፤ ዝገበሩዎ ኹሉ ከም ፅላሎት ኣሰር ኣይርከቦን፡፡እምበር እማ፣ መትከል ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ ‹‹ተቖፂሩ ዝተወሃበካ፣ ቖፂርካ መልስ›› እንድያ ትብል፡፡እቶም ታሕተዎት ሓለፍቲ ካብ ትእዛዝ መሪሕ ውድብ ስድሪ እውን ፍሒት ኣይብሉን፡፡ዝተኣዘዝዎ ሰሪሖም፤ እቲ ኣዛዚ ክሕተት እናተገበኦ ንሳቶም ከም ደርሆ ኩሽ ይብሃሉ፡፡
ግን ፍፁም ሰብ ኣሎ ድዩ? ትሓታቲነትን ግልፅነትን ዘለዎ መንግስቲ ዘድልየሉ መኽንያት እንታይ እዩ?
ቅድምን ድሕርን ዘመነ ኣብርሆት ኣውሮፓ ዝተገበሩ ክትዓት ክተንብብ ከለኻ፣ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ከመይ ገይሮም እዮም ማእኸል ሓይሊ ስሕበትን ሕምብርቲ ስልጣነን ዓለም ኮይኖም? ዝብል ሕቶ መልሱ ከም ፅሓይ ፆመ ኣርብዓ ደሚቑ ይርኣየካ፡፡ድሕሪ ዕቱብን ርትዓዊን ክትዓትን ቶማስ ሆበስ፣ ጆን ሎክ፣ መንተስኲን ሩሶን ከምኡ እውን ንዓቶም ስዒቦም ኣብ ዓውደ ፍልጠት ታሪኽ ዓለምና ዝነገሱ ሊቃውንቲ ዝስማዕመዕሉ ነገር ተሃልዩ ወዲ ሰብ ክንዲ ድላዩ ምኽንያታውን ርትዓውን ይኹን እምበር ፍፁምነት ከም ዘይብሉ፤ንፅድቂ ከይኮነስ ንረብሓኡ ከም ዝነብር እዩ፡፡ ምናልባት ዓለም ንዒቑ ንሓዋሩ ዝመነነ ተዘይኾይኑ፡፡እምብኣር ከስ ወዲ ሰብ ፍፁም ሰለ ዘይኮነ እዩ ትሓታትነትን ግልፅነትን ዘለዎ መንግስትን ነዚ ዘረጋግፁ ትካላትን ዘድለይሉ መኽንያት፡፡ልምዓታዊ መንግስቲ ግን ኣንፃር ግልፅነትን ትሓታትነትን ጠጠው ዝበለ እዩ፡፡
ካብቶም አዝዮም ዘቕንኡኒ ክትዓት ‹‹The Federalist Papers›› ብዝብል ዝፍለጡ ፅሑፋት ኣሌክሳንደር ሃሚልተን፣ጆን ጄይን ጄምስ ማዲሰንን ይርከቡዎም፡፡ብፍላይ ጄምስ ማዲሰን ከምዝይ ይብል፡- ‹‹ሰብ መልኣኽ ተዝኾን ነይሩ፣መንግስቲ ኣይመድለየን፡፡ንህዝቢ ዘመሓዳድርዎ መላእኽቲ ተዝኾኑ ነይሮም፣ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ቁፅፅር ኣይመድለየን፡፡ንዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ ዘመሓዳድረሉ መንግስቲ ኣብ ምቕራፅ ዘጋጥመካ ዓብዪ ፈተና ነዚ ዝስዕብ ይመስል፡- ፈለማ መንግስቲ ህዝቢ ዝቆፃፀረሉ ብቕዓት ክተዕጥቖ ኣለካ፤ ብምቕፃል ድማ መንግስቲ ባዕሉ ንባዕሉ ንክቆፃፀር ድልው ክትገብሮ ኣለካ፡፡ኣብ ልዕሊ ሰብ እምነት ምሕዳር እቲ ቁፅሪ ሓደ መንግስቲ ዝተቆፃፀረሉ ሜላ ምዃኑ ናብ ሕቶ ዝኣትው እኳ እንተይኾነ፣ ተወሰኽቲ ሜላታት ቁፅፅር ከም ዘድልዩ ግን ወዲ ሰብ ካብ ልምዱ ተማሂሩ እዩ፡፡( If men were angels, no government would be necessary.If angels were to govern men, neither external nor internal controls on government would be necessary. In framing a government which is to be administered by men over men, the great difficulty lies in this: you must first enable the government to control the governed; and in the next place oblige it to control itself. A dependence on the people is, no doubt, the primary control on the government; but experience has taught mankind the necessity of auxiliary precautions. )›› ስልጣን መንግስቲ ኣብ ኢድ ቁፅፅር ውሑዳት እንትኣትው ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝኾነ፣ ግዕዙይን ገባሪ ሓዳጊን ስርዓት ንክነግስ በሪ ስለ ዝኸፍት ድልየት ውልቀ ሰባት ዝግደበሉ መንገዲ ክህልው ኣለዎ፡፡መሰል ዓረሰ ምክልኻል መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ንሓደጋታት ክምክት ብዝኽእለሉ ሜላ ክህነፅ ኣለዎ፡፡ መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ነፀብራቕ ስለ ዝኾነ ብዘይካ ናይ ስልጣን ቁፅፅርን ምምጥጣንን(check and balance) ስርዓት ከይጥሓስ ምግባር ኣይክኣልን፡፡ናይቲ ሓደ ዓቐን ዘይብሉ ህርፋን ብናይቲ ካሊእ ድልየት ኣደብ ንክትሕዝ ክግበር ኣለዎ፤ ‹‹Ambition must be made to counteract ambition.››[15]
ምሓውራት መንግስቲ ሕጊ መውፀእቲ፣ ሕጊ ፈፀምተን ሕጊ ተርጎምትን ተባሂሎም ኣብ ሰለስተ ክምቀሉን ንንባዕሎም ንክቆፃፀሩ ብምግባር መንግስታዊ ስልጣን ሚዛኑ ዝሓለወ ንክኾን ዘድለየሉ ቀንዲ መኽንያት እዝይ እዩ፡፡ኣብ ልዕሊ እዝይ ድማ ከም ዓይንን እዝንን ህዝቢ ኮይኖም ዘገልግሉ ነፃ መራኸብቲ ሓፋሽ የድልዩ፡፡ዝተፈላለየ ድልየትን ረብሓን ዘለዎን ውዳበታትን ስቪል ማሕበራትን ነፃ ኾይነን ንክንቀሳቀሳ ዝግበረሉ መኽንያት እውን እዝይ እዩ፡፡መንግስታዊ ስልጣን ብሓደ ሰብ ተተባሒቱ ውልቀ መላኺነት ይነግስ…እቲ ሰብ ከም ድላዩ ዝሓርድ ዝጎምድ ፋሉል ይኾን፡፡ካብ ምቕማጡ ምልዓል ክሳብ ዝስእን ቆሪንካ ተዳኺምካዮ ድማ ልዕልነት ሕጊ ንክኽበር፣ ሰላምን ምርግጋዕን ንክረጋገፅ ዝእሎ ስልጣን የብሉን ማለት እዩሞ ሐዚ እውን ፋሉልነት ይነግስ፡፡ስለዝይ እቲ ስልጣን ምጡን ክኾን ኣለዎ፡፡‹‹As too much power leads to despotism, too little leads to anarchy, and both eventually to the ruin of the people.››[16] ይብል ኣሌክሳንደር ሃሚልተን፤ገደብ ኣልቦ ስልጣን ይኹን ካብ ትዋጋኢት ላሕሚ ዘየድሕን ስልጣን ውዒሉ ሓዲሩ ንማሕበራዊ ዕንወት ከም ዝዳርግ ንምሕባር፡፡
ብፍልስፍና ወያናይ ዲሞክራሲ (ላዕለዩ ዘልዛል ከም ሞዳንግሊዝ) ግን እቲ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ዝተቐመጠ ሰብ ግልፅነቱን ተሓታቲነቱን ዜሮ እዩ፡፡ብመሰረት ኣወቓቕራ ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ(Democratic centralism) ስልጣን ካብ ካድረታት ተኣኪቡ ንማእኸላይ ኣመራርሓ ይውሃብ፤ ማእኸላይ ኣመራርሓ ንውድብ፣ ውድብ ንማእኸላይ ኮምቴ፣ ማእኸላይ ከምቴ ንፖሊት ቢሮ ፖሊት ቢሮ ድማ ነቲ ሊቀ መንበር የረክቦ፡፡እቲ ሊቀ መንበር ናይታ ውድብ ገባሪ ሓዳጊ ይኸውን፤ይሓትት፣ ይእዝዝ፣ ይቐፅዕ እምበር…ኣይሕተት፣ ኣይእዘዝ፣ ኣይቕፃዕ፡፡ ዓይኑ ዘፍጠጠ ፋሉልነት! ቭላድሚር ሌኒን ውድባዊ መዋቕርን ፖለቲካዊ ፍልስፍናን (ፕሮግራም) ቦልሸቪክ ዝፅሓፈ ሰብ እዩ፤ መሰረት ፅንሰ ሓሳብ ሌኒኒዝም፡፡ይኹን እምበር እቲ ፍልስፍናኡን ኣወቓቕራ ውድቡን ናበይ ከም ዘምርሕ ቀዲሞም ዝራኣዩዎ ሊቃውንቲ እቲ ዘመን ብዕቱብ ኮኒኖሞ ነይሮም፡፡ብፍላይ ሮዛ ሉግዝምበርግን ልዮቭ ትሮርስኪን ፍልስፍና ሌኒን ከም ጆሴፍ ስታሊን ዝበለ ሓራዲ ጎማዲ(ድያብሎስ) ነቲ ውድብ ክብሕቶ ከም ዝኽእል ተንቢዮም ነይሮም ማለት ይክኣል፡፡ትንቢታዊ ፅሑፍ ትሮትስኪ ከምዝስዕብ ይንበብ፣‹‹In the internal politics of the Party these methods lead to the Party Organization “Substituting” itself for the Party, the Central Commuttee substituting itself for the Party Organization, and finally the dictator substituting himself for the Central Committee.››[17]
ሮዛ ሉግዝምበርግ ድማ እቲ ኣብ ፖለቲካ ብንቅሓት ዝሳተፍ ማእኸላይ ኮምቴ ጥራሕ እዩ፤ እቲ ዝተረፈ ክፋል እቲ ውድብ ናይ መእኸላይ ኮምቴ ተለኣኣኽን መሳረሕን ጥራሕ እዩ ትብል፡፡ማእኸለዎትን ታሕተዎትን ካድረታት በመስርሕ ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ ንውሳነታትን ትእዛዛትን ማእኸላይ ኮምቴ ብዓይኒ ዕሙተይ ይኽተሉ፡፡ ምኽንያቱ ድማ እቲ ማእኸላይ ኮምቴ ጥራሕ እዩ ነቲ ዝተረፈ ዝሓስበሉን ዝውስነሉን፡፡ ብሓፂሩ ንኣወቓቕራ ዲሞክራሲያዊ ጥርናፈ ከም ዝስዕብ ትገልፆ፣‹‹ Zombie-like obedience [kadavergehorsam] … absolute power and authority of a negative kind … sterile spirit of the night watchman … strict despotic centralism… the straight-jacket of a bureaucratic centralism that reduces the militant workers to a docile instrument of a committee … an all-knowing and ubiquitous Central Committee.››[18]
ብተወሳኺ ድማ ‹‹እቲ ሌኒን ዝኽተሎ ዝነበረ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ፍፁም ጌጋ›› ከም ዝኾነ ትሕበር እሞ ብምቕፃል ድማ ‹‹ኣዋጅ፣ ቁፅፅርን ሓይለ መልጥን፣ ዓይኒ ንዘጥፈአ ዓይኑ ይጥፋእ ዝብል ኦሪታዊ ፍርድን ቅፅዓትን ብራዕዲ ምግዛእን ድኽመትካ ንምሕባእ ዝግበር ኣጉል ዕሽነት እዩ›› ትብል፡፡ ስለዝይ፣ እቲ ፍቱን ፈውሲ ብዘይገደብ ብምምያጥ፣ ዲሞክራሲ ብምስፍሕፋን ርእይቶታት ህዝቢ ብምቕባልን ህዝባዊ ተሳትፎ ሂወት ንክዘርእ ብምግባር ጥራሕ እዩ፡፡ህዝቢ ብምርዓድን ብምፍርራሕን ዝግበር መግዛእቲ ድሃላይ እምበር ሃናፃይ ኣይኮንን ትብል.[19]
እቲ ናይ ሸቃሎ ውልቀ መላኺነት ዝብል ሌኒናዊ ኣተሓሳስባ ኣውራ ሕመቑ ኣብ ልዕልነት ሕጊ ዘለዎ ዓቐን ዘይብሉ ንዕቐት እዩ፡፡ ንለኒን ወያናይ ውልቀ መላኺነት ሸቃሎ ማለት እቶም ሸቃሎ ንመስፍናዊ ስርዓት (ቡርዥዋ) ብጎንፂ ዘምበርክኽሉን ሕጋዊ ገደብ በዘይብሉ መንገዲ ስልጣኖም ዝዕቅብሉን እዩ፡፡እዝይ ፋሉልነት እዩ፡፡ ናይ ትርጉም ምዝባዕ ከየጋጥም ምእንታን ከም ዘሎ ክጠቕሶ ፣‹‹The main problem with Lenin's concept of the dictatorship of the proletariat was his contempt for the rule of law. For him, the revolutionary dictatorship of the proletariat “is power won and maintained by the violence of the proletariat against the bourgeoisie, power that is unrestricted by any laws.››[20]
መሪሕ ፍልስፍና ማሌሊት እዚኣ እያ፡፡እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ታሪኽ ዝሓረዮ፣ ፍፁም ርትዓውን መንፈሳዊ ልእኹን ስለ ዝኾነ ፈፂሙ ክሰሓሐት ኣይኽእልን ኢሎም ይኣምኑ፡፡እቲ ‹‹መለስ ንዝቕፅሉ 50 ዓመታት እንገዝአሉ መስርሕ ገዲፉልና እዩ›› ዝብሃል ግዜ፣ ኩነታትን ማሕራዊ መሰረትን ኣብ ግምት ዘየእተወ ጃህራ አውን መሰረቱ ካብቲ ፍልስፍና ይቕዳሕ፡፡ እቲ ክሰሓሐት ዝኽእል ታሕተዋይ ካድረ ጥራሕ እዩ፡፡ስለዝይ፣ ኣውራ ተሓታቲ እውን እቲ ታሕተዋይ ኣካል እዩ፡፡ እቲ ንቡርን ክኾን ዝነበሮን ግን ብግልባጡ እዩ፤ እቲ ኣብ ዝልዓለ ስልጣን ዝተቐመጠ ሰብ ልዕሊ ኹሉ ግልፅን ትሓታትን ክኾን ነይርዎ፡፡ትሓታትነትን ግልፅነትን ዘይብሉ ስልጣን ፋሉለነት እዩ፡፡ሎርድ ኣክተን ‹‹ገደብ ኣልቦ ስልጣን ብዘይ ገደብ ይግዕዝይ (Absolute power corrupts absolutely) ›› ይብል፡፡
ጆን አዳምስ ድማ ‹‹ስልጣን ንግዕዝይና ዝተቓለዐ ስለ ዝኾነ፣ወሳንነት እቲ ስልጣን ብዝወሰኸ ቁፅሪ እቲ ብዓል ስልጣን ብስነ ምግባር ይኹን ብፀባይ ዝበለፀ ክኾን ኣለዎ ዝብል ናይ ህዝቢ ሕቶ እውን ብኡ መጠን ይውስኽ (Because power corrupts, Society’s demands for moral authority and character increases as the importance of the position increases) ›› ይብለካ፡፡
ስለዝይ እቲ ሓራዲ ጎማዲ ከም ድላዩ ንክቐትል ዝኽእል ዕድል ተሃሊዩዎ ዲሞክራሲ ንኸነግስ ዘገድሶ ነገር ኣይህልውን፡፡ከም ድላይኻ ዝጉተትን ዝርገፅን ሓፋሽ ተሃልዩ ወይ ከምኡ ንምግባር ዘኽእለካ ቁጠባውን ፖለቲካዊን ብቕዓት ክሳብ ዘለካ ትረግፅ፣ ትሓርድ ትጎምድ፡፡ከምኡ ምግባር ተዘይኽኢልኻ ኸ? ህዝቢ ይዕምፅ፤ ሰላም ይዝረግ፤ ዓዲ ትሕመስ፡፡እዝይ ድማ ናብቲ ሐዚ ዘለናዮ ኹነታት ይምርሐካ፡፡መንግስቲ ብስሩዕ መንግስታዊ ምሓውር ከመሓድር ስለዘይኽእል ስልጣኑ ንኣባላት ፀጥታ ንከረክብ ይግደድ፡፡እዝይ ግን ግዝያዊ እምበር ዘላቒ መፍተሒ ኣይኮንን፡፡እታ እንኮ ዘላቒት ፍታሕ ንዘተ፣ምይይጥን ክትዕን ምድላውን ነተን ህዝቢ ዘልዐለን ሕቶታት ምምላስን እያ፡፡እዚኣ ግን ቅድሚ ናብዝ ኹሉ ዕንክሊልን ምንግልታዕን ምብፃሕኻ ተትገብራ እያ እታ ዝቐለለት፤ ንምስላኡ ኳ ‹‹ቆልዓ ብንእሱ፣ ቆርበት ብርሕሱ›› ዝብሃል፡፡ምኽንያቱ፣ ዝተሃነፀ ኣይፈርስን…ብቐሊሉ ዘይሓውይ በሰላ እውን ኣይገድፍን፡፡እቲ መንግስቲ እውን ካብ ስዕረት ይድሕን፡፡ምኽንያቱ ህፁፅ ኣዋጅ ናይ ስዕረት መግለፂ እዩ፡፡መጀር ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት(ጆቤ) ህፁፅ ግዘ ኣዋጅ ‹‹ንዓይ ስዕረት እዩ››[21] ይብል፡፡ብኸበሮያ ኣብየንስ ብሕምባጣ ከም ዝብሃል ህፁፅ ኣዋጅ ተገዲድኻ እምበር ብድልየታኻ ኣይእወጅን፡፡
እቲ ካሊእ ሕማም ድሓር ማሌሊትን ፖሊሲ ‹‹ልምዓታዊ›› ምንግስቲን ድማ ቁጠባዊ ግዕዝይና እዩ፡፡ብመሰረቱ፣ ቁጠባዊ ግዕዝይና ነፀብራቕ ፖለቲካዊ ግዕዝይና(ፋሉልነት) እዩ፡፡ግልፅነትን ተሓታትነትን ተዘይሃልዩ ሙስና ክነግስ ናይ ግድን እዩ፡፡ኣርባዕተ ኣበሃህላታት ኣይተ መለስ ነቲ ሐዚ ዘሎ ግዕዝይና ኣጋዲደንኦ እየን ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡
ሓደ፣‹‹ስርቂ ተዘይተታሒዝካ ስራሕ፣ ተተታሒዝካ ግን ገበን እዩ›› ይብል ከም ዝነበረ ይዝከር፡፡ ክልተ፣ ‹‹ትራፊክ ፖሊሳት ህጡራት ዝኾንሉ መኽንያት እንታይ እዩ?›› ዝብል ሕቶ ተሓቲቱ ‹‹ንሽፈራት ታክሲ ሕተትዎም›› ዝብል መልሲ ከም ዝሃበ የስታውስ፡፡
ሳልሳይ፣ ‹‹ኣብ ኢድካ ሓዘለይ ኢሉ ብሓደራ ንዝሃበካ መዓር ነቲ ብማእኸል ኣፃብዕትኻ ዝልሑኽ ናብ መሬት ካብ ዝወድቕ ምልሓስ ይክኣል›› ዝብል እዩ፡፡
ራብዓይ፣ ኣብ ሃገረ ታይዋን[22] ሕድሕድ ኮንትራክተር ካብቲ ግቡእ ዋጋ ብማእኸላይ 10 ምኢታዊ ብላዕ ይከፍል ነይሩ፡፡ሰራሕተኛታት ግምሩኽ እውን ናብ ሃገር ኣብ ዝኣትው ሃለቕቲ ኣቕሑ ብኢደ ወነኖም ብማእኸላ 12 ምኢታዊ ብላዕ የክፍሉ ከም ዝነበሩ ይሕብር፡፡ እዝይ ግን እቶም ሙሰኛታት ከም ገበነኛታት ዘቑፅሮም ከይኾንስ ኣምራት ልምዓታዊ መንግስቲ ዝተረደኦም ‹‹ልምዓታዊ›› ሰረቕቲ እውን ምስ ልምዓታዊ ፖሊሲታት መንግስቲ ስለዝሰመሩ ጥራይ ከም መርኣያ እዩ ወሲድዎም፡፡እዘን ልዕል ኢለን ዝተጠቐሳ ኣብነታትን ኣበሃህላታትን ኣብ ካሊእ ማሕበረ ሰብ ብዙሕ ለውጢ ንከይህልወን ይኽእል፤ ‹‹ሲሾም ያልበል፣ ሲሻር ይቆጨዋል›› እናተብሃለ ኣብ ዝዓበየ ሕብረተ ሰብ ግን ፅዕንቶአን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ብስሩ እውን ግን ካብ ሕድሕድ ኮንትራክተር 10 ምኢታዊ ብላዕ ምቕባል ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን፡፡ ካብ ሓደ ቢልዮን ቅርሺ ሓደ ምኢቲ ሚልዮን ቅርሺ ብላዕ ይወስድ ኣሎ ማለት እዩ፡፡
ሓደ ኣብ ትግራይ ብግብርና ተቖፂሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይ ቕደም መማህርተይ ዘውግዐኒ ታሪኽ ድማ ክነግረኩም፡፡ኣብታ ዝሰርሐላ ጣብያ ዝነበረ ዓመታዊ እቶት ኣጋኒኑ ስለዘየሕለፈ ካብ ወረዳኡ ዝትሕት ደረጃ ተዋሂብዎ፡፡ ዳሓር እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ሓቲቶሞ፡፡ ንሱ ድማ እቶም ክለምዑ ተባሂሎም ዝተሓሰቡ ትልሚታት ስለ ዘይተዛዘሙ እቲ ዝተረኸበ እቶት ከምኡ ስለዝኾነ እዩ ኢሉ ይምልስ፡፡እቶም ሓለፍቲ ድማ ‹‹እቲ ምህርቲ ንክስስን ምግባርስ ዋላ ኣይክኣል፤ ነቲ ቑፅሪ ኣሰሲንካ ምሕላፍ ከ እንታይ ዓጊትካ?›› ክብሉ ኣፋጢጦምሉ፡፡‹‹ብዓመቱ ግን›› ይብል እቲ መሓዛይ ፣‹‹ከምቲ ዝተኣዘዝኩዎን ከም ሃገረይን ቑፅሪ ጥራሕ ኣሰሰነ ስለ ዘመሓላለፍኩ ጥራሕ ካብ ወረዳ ሳልሳይ ወፂእኻ ተባሂለ ተሸሊመ›› ኢሉኒ፡፡እቲ ኣዝዩ ዝተጋነን ኣብ መሬት ዘየሎ ናይ ሓሰት ፀብፃባትን መኽንያቱ ንሱ ከም ዝኾነ እውን ኣረዲኡኒ፡፡ሐዚ ግን ስራሕ ቀይሩ ኣሎ፡፡
ኣይተ ስዩም መስፍን ምስ መፅሄት ውራይና ኣብ ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግዕዝይና፣ ‹‹…ሙስና እንተወሲድና እኮ ኣባና ክህሉ ዝኽእል ስቕ ኢልካ ጠልቆምቆም እዩ፤ኣብ ካሊእ ግን ብቢልዮናት እዩ ዝርከቦም፡፡ ስለዝይ ዝተጋነነ እውን ኣይኮንን፡፡››[23] ክብል ከም ክንቲት ኣቕሊሉ ከቕርቦ ፈቲኑ፡፡
ብ2003 ዓ.ም. ኣብ ዝተሳለጠ ፈላማይ ትልሚ ዝላ ዕብየት(GTP1) ዓብዪ ትኹረት ካብ ዝተዋሃቦም ዓበይቲ ትልሚታት(Maga projects) እቲ ሓደ ልምዓት ሽኮር እዩ ነይሩ፡፡እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ንልምዓት ሽኮር ዘተባብዕ ኩነታት ተጠቒምኻ 10 ዓበይቲ ፋብሪካታት ሽኮር ብምህናፅን ነቲ ዝተመረተ ሽኮር ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ብምልኣኽን ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ.ም. 1.2 ቢሊዮን ዶላር[24] ንምርካብ ተተሊሙ ነይሩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ 77 ቢልዮን ቅርሺ ዘንቀሳቅስ ኮርፖሬሽን ልምዓት ሽኮር ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ህንፀት ሓንቲ ፋብሪካ እውን ኣይወደአን፡፡ብምዃኑ ድማ ይትረፍ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ክረክብስ እቲ 77 ቢልዮን ቅርሺ እውን ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይተፈለጠን፡፡እዝይ ግን ንኣይተ ስዩም ‹‹ጠልቆምቆም›› እዩ፡፡እቲ ብልየን ኣብ ኢድ ውልቀ ሰባት ስለ ዘይተረኸበ ብቢልየናት ዝቑፀር ገንዘብ ግዳይ ግዕዝይና ኣይኾንሎን ምባል ኣይክኣልን፡፡
እቲ ኣብ ካሊእ ዓለም ዘሎ ልምዲ፣ ህንፀት ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ንምዝዛም ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣይወስድን፡፡ኮርፖሬሽን ልምዓት ሽኮር ኢትዮጵያ ግን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ህንፀት ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ንምዝዛም ተወዓዒሉ ድሕሪ 8 ዓመታት ሓንቲ ፋብሪካ ሃኒፁ ኣይወደአን፡፡
መፅሄት ውራይና መዝገበ ገብራይ ምስ ዝተበሃሉ ወያናይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ ብዘይ ብላዕ(ጉቦ) ጉዳይኻ ምፍፃም ከም ዘይክኣል ሓቢሩ ኣሎ፡፡ወያናይ መዝገበ ከም ዝስዕብ ይብሉ፣ ‹‹ሓንቲ ነገር ሓቲትካ… ኣንታ ግዜ ሰልጢኑ እዩ… ዝግበር እንዶ ግበር ናይ ዘረባ እኮ ኣይኮነን ይብለካ፡፡ሃበና ክንውድአልካ ማለት እዩ! ናይ ባዕሉ ኮዳት እኒሀዎ እቲ ብላዕ! እቲ ጉቦ … ጉቦ ከይሃብካ ክትጠርዕ እንተይልካ ይስሕቑኻ እዮም፡፡ ኣበይ እዩ ኣንታ ነይሩ እዙይ ክሳብ ሐዚ ዘይተረደኦ ድሑር ይብሉኻ፡፡እየየየ…ዓርከይ ይበላካ…በቃ ምምንጫት እዩ…ክንደይ ኢልካ ድማ ከምእትህብ…ኣብ ሆቴል እኮ ኢኻ ጉዳይካ ትውድእ…››[25]
ውፅኢት ኣልቦ ግልፅነትን ትሓታትነትን እዝይ እዩ፡፡ነቲ ዘይንቡር ቅቡል ንክኾን ይገብር፡፡ እቲ ኣውራ ከተሓሳስበና ዘለዎ ሓደ ሰብ ሓደ ቢልዮኝ ቅርሺ ብላዕ ምውሳዱ ኣይኮነን፡፡ብላዕ እናተለመደ ብዝኸደ ቁፅሪ እቶም ሕጊ ዘቐመጦም ገደባት ተበጣጢሶም ይወድቑ እሞ ሕጊ ምኽባር ከም ዕሽነት ይቑፀር፡፡ድሕሪኡ፣ እቲ ሕጊ ዘኽብር እውን ተስፋ ይቆርፅ፤‹‹እቲ ሕጊ ኣነ በይነይ ስለ ዘኽበርኩዎ ኣይኽበርን›› ዝብል መንፈስ ይነግስ፡፡ቀፂሉ ድማ፣ ‹‹ኩሉ ሰብ ብላዕ ሂቡ ጉዳዩ የፈፅምሎ፣ ኣነ ኸ?›› ምባል የምፅእ፡፡ኣብ ትግራይ ዘሎ ግዕዝይና ከምቲ ወያናይ መንበረ ዝበልዎ ዝኾነሉ መኽንያት እውን እዝይ ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡
፬. ቅዋም ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ፡ ከም ንፋሱ
ክሻብ ሐዚ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ? ኣብቲ ሐዚ ዘለዎ ኩነታት ንክወድቕ ዝገበሩዎ መኽንያታት ከ እንታይ እዮም? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ፈቲንና ኣለና፡፡ሐዚ ድማ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ኸ እንታይ ይብሉ? ንዝብል ሕቶ ንምርኣይ ንፍትን ኢና፡፡ብዓይኒ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ እቶም ህዝቢ ትግራይ ዘጋጥሙዎ ዘለው ኩለመዳይ ቁልውላዋት ምቅላሕ ዋጋ የብሉን፡፡መብዛሕቲኦም፣‹‹የማናይ ገፅኻ ንዝፀፍዐካ፣ፀጋማይ ገፅኻ ሃቦ›› ብዝብል ምኽሪ ከደዓዕሱኻ ይፍትኑ እምበር ፀገምካ ብግልፂ ንክተለልይ፣ ካብኡ ተበጊስካ ድማ መፍተሒታት ንክተናድይ ዕዱል ኣይህቡኻን፡፡
ንባዕሎም ከም ሸምባቆ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዘዘው ስለ ዝብሉ ንስኻ እውን ንዐኦም ተኸቲልካ ዘዘው ንክትብል ይፅበዩኻ፡፡ኣየለ ጫሚሶታት ብወቕታዊ ዋዕያትን ውልቃዊ ረብሓታትን ስለ ዝግነሑ ኣብ መንቀሊታት ከይኮነስ ኣብ ምልክታት እዮም ዘድህቡ፡፡ብህሪኦም ናብ ዝዓምበረ ዞኽዞኽ ንክብሉ ስለ ዘገድዶም ሐዚ ተቓወምቲ ነይሮም ዳሕራይ ደግፍቲ ኮይኖም ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡ብዝኾነ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ስለ በለስ ወጀራት እንታይ በሉ? ኢልኹም ሕተቱ፡፡ መልሱ ፈፂሞም ኣየልዕልዎን፤ ክልዓል እውን ኣይደለዩን፡፡ብዛዕባ ፃምእ ማይ ትግራይ( እታ ዓባይ ከተማ መቐለ ሓዊሱ) ዋላ ሓንቲ ክብሉ ኣይትዕዘብን፡፡ንህዝቢ ትግራይ ድኣ ካብዙይ ንላዕሊ ዝኸፍአ ሓሬት ገድሊ ዶ ኣሎ እዩ? ልዕሊ 10 ዓመታት ኣቑፂሩ ወይከ መፍትሒ፡፡ እኒ ኣየለ ጫሚሶ ግን ብዛዕባ እዚ ኣይግዶምን፡፡
ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይብል ኣሎ? ኢልኹም ሕተቱ፡፡ከምቲ ልዕል ኢልና ዝርኣናዮ ካብ ኣላማጣ ክሳብ ዛላምበሳ፣ ካብ ኣፅበ ደራ ክሳብ ወልቃይት ፍትሒ፣ ርትዒ፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ማዕርነት… ኮታስ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሳላተይ ተጋሂሰ፣ ናበይ ኣብየት ከም ዝብል ጨኒቑኒ እናበለ ይርከብ፡፡ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ግን እዝይን ወዲ እዝይን ኣይዕጅቦምን፡፡‹‹ቡኻርያስያ ፃድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር›› ከም ዝብሃል ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝይ ፅሓፈ ከምዙይ እባ በለ እናበሉ መሬት ቀውጢ ይገብርዋ፡፡
ኣብ ወሰና ወሰን ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ኣፈላላይ ምሕደራን ልምዓትን ታይ በሉ?
ህዝቢ ወልቃይት ኣብ ወሰና ወሰን ክልል ኣምሓራ ከም ዝርከብ ማንም ትግራዋይ መገዛ ዓዱ ከም ጓና ይቑፀር ከም ዘሎ ይዝረብ፡፡ ብደቂ ከባቢኡ ኣይመሓደርን ይብሃል፤ህወሓታውያን ስዘይኣምንዎ፡፡ብብኣዴን ዝመሓደሩ ጎረባብቱ ዝሐሸ ልምዓትን ምሕደራን እንትረክብ ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ንህወሓት ገዲፎም ንብኣዴን ይከሱ፤ ትግራዋይ ንምስዳዕ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ እናበሉ፡፡
ህወሓት ፆሙ ብዝሕደሮ ህዝቢ ከይኾነስ ብአዲን ብመስኖ ኣልሚዑ ህዝቢ ንክፀግብ ብምግባሩ ፀጉሮም ከነጭዩ ትዕዘብ፡፡ ብኣዲን ህዝቡ ዘፅግብ ዘሎስ ነቲ ብመራሕቲ ህወሓት ፆሙ ዝሓድር ህዝቢ ንምሽዳዕ እዩ እናበሉ ንብኣዲን ይሓምይዎ።ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብ ጥቓኡ ከም ዘሎ ህዝቢ ከለምዕ ኣለዎ ክንዲ ዝብሉ ንሱ ክሳብ ዝለምዕ እቲ ካሊእ ከባቢ እውን ክለምዕ የብሉን ይብሉ፡፡እዚ ድማ ክለምዕ ይኹን ልምዓት ክርእይ ኣይፍቀደሉን ማለት እዩ፤ እዝይ እንድዩ ድኣ እቲ ኣደናቊርኻ ምግዛእ ዝብሃል፡፡ ብመሰረቱ ብኣዴን ንህዝቢ ሓልዩ ከይኮነስ ነቶም ኣብ ወሰና ወሰን ክልል ኣምሓራ ዝነብሩ ተጋሩ ‹‹ኣምሓራ ተንኾን ይሐሸና›› ዝብል ድልየትን እምነትን ምእንታን ከሕድሩ እዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ይብሉ፡፡ ካብኡ ንገዱ ንሓምዮ ነይርና ኢሎም ይናዘዙ። ህወሓትስ ከምኡ ዘይትገብር መን ዶ ዓጊትዋ እዩ? ብኣዴን ብቕንዕና ከይኮነስ ህዝቢ ንምሽዳዕ ክብል ነቲ ኣብ ወሰና ወሰን ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ከባቢ ተልሚዑ፤ ህወሓት ኸ ነቲ ከባቢ ንከየልምዕ መን ኸልኪልዋ? ብመሰረቱ ‹‹ህዝባዊ›› እየ ዝብል ውድብ ህዝቢ መንነቱ ክሳብ ዝክሕድ ዝጎብጥን ዝጉዕፅፅን ተኾይኑ ኣውራ ተሓታቲ እቲ ውድብ እዩ፡፡ግዴታኡ ኣይተዋፀአን ያ፡፡
ብደቂ ከባቢኻ ስለ ምምሕዳር ተልዒልኻ ታይ ኢሎም ይከሱኻ?
ኣብ ልዕሊ ሓድነትና ዝተልዓልኻ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ኢኻ ይብሉኻ፡፡ማዕርነት፣ ፍትሒ፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ቁጠባዊ ተረባሒነት፣ ባዕልኻ ንባዕልኻ ናይ ምምሕዳር መሰል ወዘተ. ተዘይሃልዩ…ህዝቢ ወዲ ወሰንን ወዲ ማእኸልን ኢልኻ ምጉናይ ተዘይተሪፉ ሓድነት ከምዘይህሉ ኣይፈልጡን ከይኮነስ ኣብ ውልቀኦም ስለዘይበፅሖም ጥራሕ ተሸፋፊኑ ክቕፅል ይደልዩ፡፡ክስቶ ከምዝይ ኢሉ ፀሪፉኒ ተበልኻ እውን ነቲ ተፃራፋይ ገዲፎም ‹‹ካብያ ተዛራቢኡስ፣ ደጋሚኡ›› ብዝብል ብሂል ይዕፍኑኻ፡፡
እቲ ኩነታት ኣይሰላም ኣይኩናት ኢትዮ ኤርትራ መን ከም ዘምፀኦን ታይ ዓይነት ቅዋም ከም ዘለዎን ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ፡፡ ንሳቶም ግን ሓደ ግዘ ንፌደራል ይሓቱ ካሊእ ግዘ ድማ ምስ ፀረ ሃይማኖትን ብሄርን ብምምሽጣር ንምፍታሕ ሕቱኽቱኽ ይብሉ፡፡ሰላም ተሃልዩ ሻዕብያን ሃለዋት ሻዕብያ ኣኺሉ ማለት እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ሰላም ንክሰፍን ኣይደልይን፡፡ህወሓት እውን ሰላም ተነጊሱ ሕቶ ልምዓት ከልዕል ስለዝኽእል ነቲ ኩነታት ንክቕጽል እያ ትደልይ፡፡ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ግን ንዓርሶም እኳ ብዑቕባ ምስ ዝነብሩ ግን ድማ ኢትዮጵያዊነት ከም ሞት ዝፀልኡ ባህ ኣበሎማት ገናዕናዕ ይብሉ፡፡
ኣምሓሩ እንትትርቱ ሲ ‹‹አምባሻ እማ ቢገኝ ወተትም ቢኖር፤ እዛው እየነከርን እንበላ ነበር›› ይብሉ ይብሃል፡፡ ከምቲ ዘይድሕንያ ሕሙምስ ዶግ ሓጋይ ይርኣዮ ዝብሃል እኮ እዩ፡፡ እቲ ዓብዪ ሕቶ እቲ ሰላም ንምንታይ ስኢንናዮ?(ብፍላይ ዘላቕን ዘተኣማምንን) ሰላም ከመይ ገይሩ ይምፃእ? ዝብል እዩ እምበር ካብ ሰላም ክንርባሕ ከም እንኽእል እማ ዝጠፍኦ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡
እቲ ኣዝዩ ዘሕፍር ድማ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን(ንሶም ነቲ ኣብ ክልቲኡ መረብ ዘሎ ትግራዋይ ጥራሕ ይግደሱ) ኣሕዋት ምዃኖም ንምርግጋፅ ኣግኣዝያን ዝብሃል ናይ ዘመነ ኦሪት ስነ ሓሳብ ምምዛዞም እዩ፡፡ወዮ እቲ ህዝቢ እኮ ትማሊ ሓደ ህዝቢ እዩ ነይሩ፡፡ ንሶም ግን ናብ ዘመነ ኦሪት ዞኽዞኽ ይብሉ፡፡ እዚ ብምግባሮም ምሕዝነትን ሓድነትን እቲ ህዝቢ ብ3000 ዓመታት የርሕቕዎ ከም ዘለው ግን ከስተውዕሉ ኣይክኣሉን፡፡ቅድሚ 3000 ዓመታት እማ ምስኹሎም ኣፍሪካውያንን ኣዕራብን እውን እኮ ሓደ ዓይነት ህዝቢ ነይርና ንኾን ንኽእል፡፡እኒ ኣየለ ጫሚሶ ግን እዝይ እውን ኣይስቆሮምን፡፡
ብዩቲዩብን ፌስቡክን ኣቢሉ ቅዋም ኣግኣዝያን ዘዋዓውዕ ተስፋፅዮን ዝተብሃለ ኤርትራዊ፣‹‹ትግራይ ኣካል ቀይሕ ባሕሪ ተዘይኾይናን ብዓርሰ ውሳነ ካብ ኢትዮጵያ ተነፂላ ምስ ኤርትራ ተዘይተፀምቢራን ከምቲ ሐዚ ዘላቶ ዘይትብላዕ ዘይትስተ ኮይና እያ ትተርፍ›› ይብል፡፡ ከምኡ እውን ‹‹ኣግኣዝያን እየ ኢልኻ ኢትዮጵያዊ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ›› ይብል፡፡ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምናን ኣምሓሩን ዘተፍኦ ፅልኣትን ብዕሉግ ፀርፍን እኳ ኣብዝይ ክፅሕፎ ኣይደልን፡፡ብዝኾነ ግን፣ ከምኡ ብምባሉ ጥራሕ ንኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ብታሕጓስ ጨርቆም ከቕድዶም ንቒሉ ኣሎ፡፡
ኣብዛ ዓለም 100 ምኢታዊ ዝረብሕ ወይ አውን ዝጎድእ ነገር የለን፡፡እቲ ወሳኒ ነገር ዓውዲ እዩ፤ ማለት ውን ግዘ፣ ቦታ፣ ኩነታትን መጠንን፡፡ሓደ መድሓኒት ከፍውስ ወይ እውን ክቐትል ካብ ዝገብርዎ መኽንያታት ሓደ መጠኑ እዩ፡፡እንታይነት እቲ ሕሙምን እቲ ሕማምን አውን ወሳኒነት ኣለዎም፡፡ንኩሎም ሕማማትን ሕሙማትን ሓደ ዓይነት መድሓኒት ኣይውሃብን፡፡
ብሄራዊ ስምዒት እውን ካብዙይ ዝተፈለየ ኣይኸውንን፡፡ብሄራዊ ስምዒት ነይሩ፣ ኣሎ ንቀፃሊ እውን ይህሉ፡፡ከከም ኣጠቓቕማና ክረብሐና ወይ እውን ክጎድአና ይኽእል፡፡ብውሕሉል ኣገባብ ተተጠቒምናሉ ይረብሐና ከም ፅምብላሊዕ ጠጒግና እንተድኣ ኣቲናዮ ድማ ይልብልበና፡፡ማለት ኣንፃር ዘላቒ ረብሓና ክኾን ይኽእል፡፡ኳንቲልየን፣‹‹The sword is good in the soldier’s hand, but harmful in the robber’s›› ከም ዝበሎ ማለት እዩ፡፡
ንምንታይ እዩ ድኣ ኣብ ገለ እዋናት ዝወዓዋዕ ኣብ ገለ እዋናት ድማ ዝዝሕል ንዝብል ግን እቲ ዓውዲ እዩ ዝምልሶ፡፡
ንኣብነት እቲ ሐዚ ዘሎ ብሄራዊ ምውዕዋዕ መንቀሊኡ ሃገርና ዘላትሉ ኩነታት እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ጎንደርን ኣብ ገለ ከባቢታት ኦሮሚያን ዝተራኣዩ ኣብ ትግራዋይ ዘነፃፀሩ ስጉምቲታትን ሃልኪታት ፕሮፓጋንዳን ነቲ ኣብ ገለ ተጋሩ ንዘሎ ምብርባር ብሄራዊ ስምዒት ብዓብዪኡ ፀሊውዎ እዩ፡፡እዚ ማለት ናይ ምንባር ዘይምንባር ሕቶ ዘልዕል ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ከምዙይ ዓይነት ኩነታት እንትኽሰት ብሄራዊ ስምዒት ብነድሪ ይቀፃፀል፡፡ታሪኽ ብሰፊሑ ዝመዝገቦን ዘዘንትዎን እዩ፡፡ ተመራመርቲ ማሕበራዊ ይኹን ተፍጥራዊ ሳይንስ እውን ብዕቱብ ፅንዓትን ምርምርን ዘረጋገፅዎ ርትዓውን ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡
ኣብ ዓለም ዝተካየዱ ዓውደ ውግኣት ብሄራዊ ስምዒት ናይ ሙጉህሃር ሓይሎም ዝልዓለ ከም ዝነበረ መዛግብቲ ይሕብሩ፡፡ብሄራዊ ወፅዓ ይኹን ብሄራዊ ስዕረታት እውን ብሄራዊ ስምዒት ናይ ምብልዕላዕ ዓቕሞም ዝልዓለ እዩ፡፡ናይ ጣልያንን ጀርመንን ፋሺዝም መንቀሊኡ ኣብ ቃደማይ ኩናት ዓለም ዘጋጠሙ ስዕረታትን ነዚ ስዒቡ ዘጋጠመ ሕሱም ቁጠባዊ ሕስረትን እዮም፡፡ኮሚኒዝም እውን ካብዙይ ዝተፈለየ መንቀልን ታሪኽን ኣይነበሮን፤ኣብ ፈረንሳይን ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓን ዝተኻየዱ ወያነታት ከም ዝፀለውዎ ይዝንቶ፡፡
ልዕሊ ኹሉ ድማ ኣብሃገርና ዝተካየዱ መዕነውቲ ውግኣት ብሄራዊ ስምዒት ሃር ሃር ኢሉ ንክነድድ ናይ ምግባር ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝልዓለ ከም ዝነበር ይፍለጥ፡፡ርሑቕ ከይከድና እቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልስን ኲናት ኢትዮ ኤርትራን ምፅራሕ እኹል እዩ፡፡ኣብ ከምዙይ ዓይነት ኩነታት ብሄራዊ ስምዒት ይቀፃፀል ጥራሕ ከይኮነስ ብስሩ እውን ውሽጣዊ ቅርሕንቲታት ናብ ውሻጠ ይሓብኦም እዩ፡፡ውልቀ መለኽቲ እውን ነዚኣ ስለ ዝፈልጡ ይጥቀሙላ እዮም፡፡
እዙይ ግን እንስሳዊ ባህሪ ድኣ እዩ እምበር ምኽንያታውን ርትዓውን እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡ በቃ ልክዕ ከምቲ ዕድመ ልክዖም ተሳንዮም ዘይፈልጡ ኣኽላባት ዝብኢ ምስ ዝርእዩ ሓብሮም ዝነብሑ ማለት እዩ፡፡እቲ ዝብኢ ምስ ከደ ድማ ንንባዕሎም ይናኸሱ፡፡ስለዝይ ሓሰብቲ፣ ተንተንቲ፣ ተለምቲ፣ ዓለምትን ዓመምትን ኢና ክንኾን ዘለና እምበር ነባሕቲ ክንኾን የብልናን፡፡ዝኾነ ነገር ብዘተኸሰተ ቑፅሪ ከም ኣኽላባት ተኣኻኺብካ ምንባሕ ዘላቒ ፈውሲ ንከይተናዲ ይገብር፡፡ናብ ዘየድልይ ስምዒት እውን የእትው፡፡ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ምስ ኤርትራ ዘለና ጎንፂ ይፈታሕ፤ ዕርቀ ሰላም ይንገስ ምባሎም ዝንኣድ እዩ፡፡ ይኹን እምበር፣ ብሰሜን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ብደቡብ ገፅ ካሊእ ጎንፂ ክንፈጥር የብልናን፡፡ብሰሜን ዘሎ ሓዊ ንምጥፋእ ክንብል ብደቡብ ሸነኽ ካሊእ ሓዊ ክንልኩስ የብልናን፡፡
ሓደ ሓደ ካድሬታት ህወሓትን ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይን ብኣዴን ኣብ ወሰና ወስን ንዝነብር ትግራዋይ ንምሽዳዕ እዩ ዋጋ ማዳበርያ ይቕንስ፣ ብጥርናፈ ሓደ ንሓሙሽተ ህዝቢ ዘይቑርን፣ ናይ ጥረት ዕዳ ብግዲ ንክወስድ ዘይገብር ወዘተ. እናበሉ እንትወቕስዎ ምዕዛብ ልሙድ ኮይኑሎ፡፡ ሓደ ብኣዴን እዝይ ክገብር ተሎ ህወሓት ኸ ከምኡ ዘይገብረሉ መኽንያት እንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ክልዓል ኣለዎ፡፡ ብምቕፃል ድማ እቲ ክትዕ መሰረት ከም ዘይብሉ ምርኣይ ይክኣል፡፡እቲ 20 ሺሕ ሄክታር ከም ዝሽፍን ዝግመት ልምዓት መስኖ ጣና በለስን ከባቢኡን ኸ ህዝቢ ትግራይ ንምሽዳዕ ተባሂሉ ድዩ ዝተሰርሐ? ንህዝቢ ኣምሓራ ንምጥቓም እዩ ጎይታዋ፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ዓበይቲ ሩባታት ብምጥላፍን ግድባት ብምስራሕን ሰፊሕ ልምዓት መስኖ ይካየድ እዩ፡፡ብስሩ እውን ግን ብኣዴን ካብ ህወሓት በሊፁ ዝርኣየሉ ጭብጥታት ኣለው፡፡
ቀዳማይ፣ ፕሮጀክታት ብምቕራፅን ቀልጢፍካ ብምዝዛምን ብአዴን ካብ ህወሓት ይበልፅ፡፡ነቲ ካሊእ ገዲፍና ብህንፀት ስተድዮም ተርኢና ስተድዮም መቐለ ካብ ዝጅመር ዳርጋ 12 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ፤ ሐዚ እውን ኣይተዛዘመን፡፡ ስተድዮም ባሕር ዳር ግን ድሕሪኡ ተጀሚሩስ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡ሐዚ ድማ እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ስተድዮም ወልድያ እውን ተዛዚሙስ ተመሪቑ ኣሉ፡፡ብኣዴን ንህዝቢ ኣምሓራ ወናኒ ክልተ ደረጃኦም ዝሓለው ስታድዮማት ገይሩዎ ኣሎ፤ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት፡፡ከም ስታድዮም መቐለ ዝተወረየሉ ግን የለን፡፡ ብተወሳኺ ድማ ህንፀት ፅሩይ ዝስተ ማይ ጎንደርን መቐለን ምጥቃስ ይክኣል፡፡ ፀገም ማይ ከተማ ጎንደር ካብቲ ናይ መቐለ ዝኸፍእ ኣይነበረን፡፡ይኹን እምበር እቲ ናይ ጎንደር ፌደራል መንግስቲ ተቐቢልዎስ ዛዚምዎ እኳ፡፡ነቲ ናይ መቐለ ግን ሚልዮናት ሰሊዖም ከም ዝሃንፅዎ ድሕሪ ምእዋጅ መናዕ ኢሎም ኣይረኣይዎን፤ ክሳብ ሐዚ እውን ዓብዪ ቅልውላው ኮይኑ ይቕፅል ኣሎ፡፡ የግዳስ እቶም ኣብ መረፃ 2007 ዓ.ም ንህዝቢ ከተማ መቐለ ‹‹ወኪሎም›› ዝተወዳደሩን ‹‹ዘሸነፉን›› ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ ‹‹ሕፅረት ማይ መቐለ ካብቲ ኣብ ካሊእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝርአ ሕፅረት ዝተፈለየ ኣይኮንን›› ብዝብል እዮም ዝሓለፍዎ፡፡ክሳብ ዛጊድ እውን እቲ ሕፅረት ኣይተፈትሐን፡፡ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ ኣብዙይ ከድህቡ ነይርዎም፡፡
ካልኣይ፣ ብኣተሓሕዛ ኣባላትን ነባራት ተቓለስትን ብአዴን ካብ ህወሓት ብጣዕሚ ይሓይሽ፡፡ኣባላት ህወሓት ካብ ዝሰርሕዎ ዝእከቡዎን ዝዛረቡዎን ይበዝሕ፡፡ ወርሓዊ መዋጮ ዘይኽፍል ሰብ ኣባል ህወሓት ክኾን ኣይኽእልን፡፡ኣባል ህወሓት ዘይኾነ ትግራዋይ ከም ፀላኢ ስለዝቑፀር ካብ ማሕበራዊ መሰረቱ ንክንፀል ይግደድ፤ ብፍላይ ኣብ ትግራይ፡፡ብአዴን ግን ከምኡ ኣይገብርን፤ መዋጮ ዘይኸፍሉን ኣብ ኣኼባ ዘይርከቡን ኣባላት ከም ዘለውዎ እውን ይፈልጥ፡፡ብድልየቶም ይኹን ተደፊኦም ካብቲ ውድብ ዝወፅኡ ነባር ኣባላት ኣብ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዕዱማት ኮይኖም እንትቐርቡ ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡ኣብ እንዳ ህወሓት ግን ኣይሕሰብን፡፡እሞ እዝይ ኸ ሓድነት ተጋሩ ንክልሕልሕ ዶ ኣይገብርን?
ሳልሳይ፣ ካሊእ ብጣዕሚ ዘቕንአኒ ድማ ብኣማራ ቴሌቪዥን ዝቐርቡ ደረጃኦም ዝሓለው ምድላዋት እዮም፡፡ዘመናዊ ዝኾነ ስትድዮ ሰሪሖም፤ብክኢላታት ንክምራሕ ገይሮም፡፡እቲ ዘሐጉስ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ፕሮፓጋንዳ ዝሰርሕ ከይኮነስ መረረታት ህዝቢ ብቐጥታ ዘመሓላለፍ ሓቀኛ መራኸቢ ሓፋሽ ምዃኑ እዩ፡፡ናቶም ጋዜጠኛታት ሞያዊ ብቕዓት የቕንአካ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ብመነፅር ተመልከትቱ እንትርኣይ ካብ ኢቤሲ፣ አዲስ ቲቪ፣ ፋና፣ ድምፅ ወያነ፣ትግራይ ቴሌቪዥን፣ ኦሮምያ ቴሌቪዥን ወዘተ. ንላዕሊ ዝሐሸ ኮይኑ ትረኽቦ፡፡ብተወሳኺ ድማ፣ አማራ ቴሌቪዥን ምስ ባህር ዳር ዩኒቨርሲቲን ካልኦትን ብምትሕብባር መምሀርትን መዘናነይትን ምድላዋት የቕርብ፡፡ኣመል ዲቪዲ ትግራይ ግን ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ እዩ፡፡ሐዚ ሐዚ መረረታት ህዝቢ ክተቕርብ ጀሚራ ኣላ፤ የዝልቐላ፡፡
እዝይ ስቕ ኢሉ ዝመፅአ ኣይኮንን፡፡ፈለማ ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ እቲ ቴሌቭዥን ወሳኒ ግደ ኣለዎም፤ራእይን ነቲ ራእይ ዘተግብሩሎም ስትራተጂታትን ስልቲታትን ብምቕራፅን ብቕዓት ዘለዎ ኣመራርሓ ብምሻምን፡፡ብምቕፃል ድማ እቲ ጣብያ ዝመሓደረሉ ኦዲቶርያል ፖሊሲ ኣሎ፡፡እቲ ዝተሸመ ኣመራርሓ ድማ ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ቖፂሩ የስርሕ፡፡ስለዝይ እቶም ሰራሕተኛታት ንሞያዊ ክብሮምን ብቕዓቶምን እምበር ብዛዕባ ፖለቲካዊ ተኣማንነቶም ኣይግደሱን ማለት እዩ፡፡ንሱ እዩ ድማ ኣብ ፕሮፓጋንዳታት፣ ዘይተጣለሉ ፀብፃባትን ስምዒት ተመልከትቲ ዝጎድኡ መደባትን ንምቕራብ ደፋእፋእ ክብሉ ዘይርኣዩ፡፡
ኣየለ ጫሚሶታት ትግራይ፣ ስለ ዲሞክራሲ ዘለዎም ኣረዳድኣ ታይ ይመስል? ኢልኻ ሕተት፤ ኣዝዩ መሕፈርን መሰከፍን እዩ፡፡ክልተ ቡኻርያን ሓንቲ በጊዕን ታይ ከም ዝድረሩ ብኣብዝሓ ድምፂ ዝውስንሉ መስርሕ ይኽተሉ።በቃ ህልም ዝበሉ ዕሉላት ማጆሪታሪያን እዮም፡፡እቲ ቀዲሙ ዝርኣዮም ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ምሕደራ ከይኾነስ እቲ ‹‹ብዙኃን ይመውኡ›› ዝብልዎ መስርሕ ዘመነ እኒ እኒ እዩ፡፡ናይ ሎሚ ውሑዳት ናይ ፅባሕ ብዙሓት ከም ዝኾኑ መን ምስ ነገሮም? ለውጢ ብውሑዳት ተጠንሲሱ ንብዙሓት ከም ዘኸትል ኣበይ ይስቆሮም? እቲ ንዓቶም ዝርኣዮም ግን ሐዚ ብዙሓት ምዃኖም ጥራሕ እዩ፡፡ታይ ዓይነት ሓደጋ ከም ዘለዎ ይፍለጡ ኣይፍለጡ ዝፈልጦ ይብለይን፡፡
ጄምስ ማዲሰን ‹‹ቀንዲ ዕላማ መንግስቲ ፍትሒ ምንጋስ እዩ፤ ዕላማ ስቪል ማሕበራት እውን ከምኡ፡፡ እዚ ዕላማ እዝይ ዘነበረ፣ ዘሎን ንቐፃሊ እውን ዝነብርን እዩ፤ ሓርነት ክሳብ ዝረጋገፅ ወይ ከዓ ጨሪሱ ክሳብ ዝጠፍእ ›› ይብል እሞ ቀፂሉ ድማ ‹‹ ሓያላት ተወዲቦም ነቲ ዝደኸመ ከም ድላዮም ኣብ ዝጎብጥሉ ሕብረተ ሰብ፤ ዓመፅ ከነግስ ይኽእል፡፡ ከምቲ ኣብ ዘመነ ኣካሒዳን ሕንጉጓይን ዘጋጥም፣ እቶም ንባዕሎም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ ሰባት በቶም ዓርጣማት ይዕመፁ፡፡ይኹን እምበር፣ እቶም ሓያላት እውን ካብኦም ብዝበለፁ ሓያላት ክጥቀዑ ስለ ዝኽእሉ ውሕስነት ኣይስምዖምን፡፡ስለዘይ፣ ሓያልን ድኹምን ዋሕስ ድሕንነትን ዘላቒ ሰላምን ንክረኽቡ ዝገብር ኣካል ንምምስራት ይግደዱ፡፡እቲ ብማዕረ ዓይኒ ዘገልግሎም፣ መሰላት ምንባር፣ ዋንነትን ፍትሕን ዘረጋግፀሎም ኣካል መንግስቲ እዩ››[26] ይብል፡፡ስለዝይ፣ መሰል ውሑዳት ዝኽበረሉ መኽንያት መሰል ብዙሓት ምእንታን ክኽበር እዩ፡፡መሰል ውሑዳት ኣብ ዘየኽብር ሕበረተ ሰብ ሰላምን ድሕንነትን ብዙሓት እውን ዋሕስ ኣይህልዎን፡፡ዘላቒ ረብሓና ንምርግጋፅ ክንብል ኢና መሰል ውሑዳት ንምኽባር እንግደድ እምበር ንፅድቂ ኣይኮንን፡፡
ብስሩ እውን ንዘልኣለም ሓያል ኮይኑ ዝነብር የለን፡፡በዝሒ ይኹን ሓይሊ ብግዘ፣ ቦታን ኩነታትን ዝተደረተ ስለ ዝኾነ ዘላቕነት የብሉን፡፡በርትራንድ ሩሰል ዝብሃለ እንግሊዛዊ ሊቅ መርገፅትን ዕብለላን ብዙሓት ኣደብ እነድሕዘሉ መኽንያት ከም ዝስዕብ የቕምጦ፣ ‹‹The protection of minorities is vitally important; and even the most orthodox of us may find himself in a minority some day, so that we all have an interest in restraining the tyranny of majorities.››[27] ኣብዝይ ክነስተውዕሎ ዘለና ጉዳይ ውሑዳት( minority) ወይ ከዓ ብዙሓት (majority) ክብሃል ከሎ ዓብላላይነት ንምባል እዩ እምበር በዝሒ ንምግላፅ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ንጉስ ሃይለስላሰ ብዘመኖም ብዙሕ እዮም ነይሮም፤ ምስ ፈረሶም ግን ምሒር ውሒዶምስ ኩሉ ከበሳብሶም ጀሚሩ፡፡መፈፀምታኡ እውን ብወታደራቶም ተሓኒቖም፡፡ብዙሕ እናሃለው መሰል ውሑዳትን ብዙሓትን ብማዕረ ዓይኒ ዝርእይ ስርዓት ሃኒፆም ተዝኾኑ ነይሮም ግን ኣብ ኣጋ እርጋኖም ኣይምተዋረዱን፡፡ደርጊ እውን ንዐኦም ሓኒቑ ከብቅዕ ካብኦም ስለ ዘይተምሃረ እታ ናቶም ዕፃ በፂሓቶ፡፡ሐዚ እውን ተኾነ ልቢ ዘለዎ ተሃልዩ ፅሓይ ከይዓረበት ልቢ ይግበር፡፡
፭. እሞ ኸ ከም ተጋሩ እንታይ ንግበር?
ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ፣ ነቶም ዘለቕቲ ረብሓታትና ርትዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ንምርግጋፅ እቶም ዝስዕቡ ሜላታት ተንኽተል ዝሐሸ ተረባሕቲ ንኸውን ዝብል ርእይቶ ኣለኒ፡፡ሓደ ብሓደ ንርኣዮም፡፡
1. ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ንዘልኣለም ይንበር!፡- ምስ ኣሕዋትና ክንጃፋዕ ኣለና! ብምንታይ? ብሓሳብ። ቃላት፣ ሓረጋት፣ ሙሉእ ሓሳባትን ዓንቀፃትን ክፍንፅሕ ኢና። ርእሲ ሓውና ግን ሽሽ ኣይንብልን። ንወዲ ሰብ፣ ኣመለኻኽታኡን ኣተሓሳስባኡን ፈሊና ንፈልጥን ንወቅዕን። ብሓሳብ ንገጥም፤ ንስዓር ወይ ንስዕር።ብመርትዖን መኽኒያታዊነትን ንዝተሰነየ ክትዕ ድልዋት ኢና፡፡ እንኮ መሳረሒኡ ፕሮፓጋንዳ ንዝኾነ እውን ሜላታት ፕሮፓጋንዳ ተጠቒምና ክንምከት ኣለና፡፡ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ግን ወዲ ሰብ ዓርሱ ናይ ምግላፅ መሰሉ ክዕፈን የብሉን፡፡መሰላት ብነፃት ምሕሳብን ሓሳብኻ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ምግላፅን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት እዮም፡፡ንመንግስቲ ደጊፍካ ጥራሕ ምፅሓፍን ምዝራብን መሰል ከይኮነስ ሕሽክርና እዩ፡፡
ዶ/ር ያሬድ ለገሠ፣ ናይ ሕገ መንግስቲ ላዕለዋይ ክኢላን ጠበቓን እዮም፡፡እዞም ላዕለዋይ ብዓል ሞያ ሕጊ ምስ ሪፖርትር ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ንመሰል ዓርስኻ ምግላፅ(ፊደል ‹ግ› ላሕሊሓ ትነበብ) ከም ዝስዕብ ኣቐሚጠሞ፤‹‹ናይ ወድ ሰብ ቁጠባውን ናይ እንጀራ ሕቶን ብምምላስ ተቐባልነት ንምርካብ ምፍታን ኣግባብነት የብሉን፡፡ ኢህወዴግ፣ መሰለይ ተጋሂሱ ክትብሎ ከለኻ ብዛዕባ ልምዓት እዩ ዝዛረብ፡፡መሰላት ስቪልን ፖለቲካን እውን መግለፂታት ሰብኣዊነት እዮም፡፡ ናይ ምዝራብ ነፃነት እንትግሃስ ሰብኣዊ ክብሪ እዩ ዝግሃስ… ናይ ምዝራብ ነፃነት መራሒ ንምውዳስ ዝተቐመጠ ነፃነት ኣይኮንን፡፡ብመሰረቱ ናይ ምዝራብ ነፃነት ዘድለየሉ መኽንያት ንምቅዋምን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ንምቕራብን እምበር መንግስቲ ንዝድግፎምን ዝሕጎሰሎምን ድምፂታት ምግዋሕ ናይ ምዝራብ ነፃነት ኣይኮንን፡፡ከምኡ ተኾይኑ እማ ኣድላይ ዘይኮነ ምድግጋም እዩ፡፡ ሕገ መንግስቱ መንግስቲ ክገብሮምን ክገብሮም ዘይኽእልን ነገራት ዝሓዘ ሰነድ እዩ፡፡ሐዚ ግን፣ ዓንቀፅ 29 ከይዱ ከይዱ መንግስቲ ዝደልዮም ነገራት ጥራሕ ናይ ምዝራብ መሰል ናብ ዝብል ደረጃ ወሪዱ ኣሎ፡፡ ናይ መንግስቲ ኣሰራርሓ ንፖለቲካ ባህልና ሸርሺርዎ፡፡ ናይ ምዝራብ ነፃነት ኩሎም መሰላት ወዲ ሰብ ንምፍፃም ቁልፊ እዩ፡፡ይኹን እምበር ልዕሊ ኩሎም መሰላት ተበዲሉ ዘሎ ናይ ምዝራብ ነፃነት እዩ፡፡››[28] ሮዛ ሉግዝምበር እውን ‹‹በዝሖም ክንዲ ድላዩ ይኹን፣ ኣብ ደገፍትን ኣባላትን ሓደ ውድብ ጥራሕ ዝተደረተ ነፃነት ነፃነት ኣይብሃልን፡፡ኩሉ ግዘ፣ ኣድላይነት ነፃነት ዝተፈለየ ርእይቶ ንዘለዎም እዩ፡፡ (Freedom only for supports of the government, only for members of the single party, however numerous—this is not freedom. Freedom must always be for those who think differently.)››[29] ብምባል ንኣበሃህላ ዶክተር ያሬድ ተራጉዶ፡፡
2. ትግራዋይነት ዝዕድሉ ጣብያታት ኣይንደልን፡- ንዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ዘሎን ዘየሎን መፀለምታታት ንምልጣፍ ኣይንህንደድን፡፡ማሕለኻታት፣ ዓፀባታት፣ ኣዝዮም ፈተንቲ ፀገማት ምስ ዘጋጥሙና ኣውራ መንቀሊታቶም ብምልላይን ብምእላይን ዘላቒ መፍተሒ ነናድይ እምበር ብዓይኒ ዕሙተይ ምስ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ንምልጋብ ኣይንችኩልን፡፡ ብኣብነት ከረደእ ይፈቐደለይ፡- ኣይተ ሞላ ኣስገዶም ‹‹ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ዴሞክራሲን ልምዓትን ፀገም ኣሎ፣ እዚ ከዓ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ ኮይንካ ብፖለቲካዊ ቓልሲ ክፍታሕ ኣይኽእልን እዩ፤ እዚ ክፍታሕ እንተኾይኑ ብረት ኣልዒልካ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል››ካብ ዝብል ቅዋም ተበጊሶም ኣብ በረኻታት ኤርትራ ሰፊሮም ምንባሮም ይዝከር፡፡ምስ ሻዕብያ ኮይኖም ድማ ሃገርና ብፍላይ ድማ ንትግራይና ይድምዩዋ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።
መናእሰይ ትግራይ ተገዲዶም ይኹን ብፍቓዶም ናብ ኤርትራ የምርሑ ምንባሮም ኣይርሳዕን፡፡ ድሓር ግን ብ2008 ዓ.ም ልዕሊ 800 ኣባላት ደምሒት እናመሪሑ ናብ ሃገሮም ኢትዮጵያ ብሰላም እንትኣተው ክልተ ኢድና ዘርጊሕና ብታሕጓስ ተቐቢልናዮም፤ ናይ ጀግና ኣቀባብላ እውን ገይርናሎም፡፡ ሐዚ እውን እንተስ ብስሕተት እንተስ ካብ ሕርቐት ተላዒሎም ናብ ዘየድልይ መንገዲ ንዘምረሑ ኣሕዋትና ናብቲ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለሱ ንላበዎም እምበር መንነቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን ንምግፋፍ ኣይነፃደፍ፡፡ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ይኹን ኣተሓሳስባ ተሃልዩ ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ብምቕራብ ክሰተኻኸል ኣለዎ እምበር ሽም ብምጥፋእን ‹‹ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ›› እናበለኻ ብምፅላምን ክኾን የብሉን፡፡ገለ ኣየለ ጫሚሶታት ግን ከምዙይ ይብሉ፣‹‹ኣብ ቀፃላይ ስርዓት ዝቑልበጠሉ ዕድል ንምምችቻው ከም ዝሰለለ ከልቢ ብድሓር ዝሰልቡና ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈፀመ ዘረፋን ሞትን ተኸቲሉ ተጋሩ ናይ ኢድኩም ኢኩም ረኹብኩም ዝብል ናይኒ ክስቶን(ሽም ንዘይምፅራሕ) መሻርኽቱን ሰለብቲ ኣታሓሳስባታት እውን ናብ ዕዳጋ ይቐርቡ ኣለው፡፡›› መርትዖ ኣምፅኡ ተበልካዮም ግን ኣቕርቡን፡፡
3. ኣውራ ፃላኢና ፋሉልነት እዩ፡- ክደግሞ እየ፣ ኣውራ ፀላኢና ፋሉልነት እዩ፤ ቅደም ይኹን ሎሚ ከምኡ እውን ንቕድሚት፡፡መፍተሒኡ ድማ ልዕልነት ሕጊ ንክነግስ ምቅላስ እዩ፡፡ሓርነት ብልዕልነት ሕጊ ኣቢሉ ይረጋገፅ፡፡ብዘይ ሓርነት የለን ሓድነት! ከም ጭርሖ ይቆፀር፡፡ፋሉልነት ማለት ከምቲ ቶማስ ሆበስ ‹‹State of Nature›› ዝበሎ ኩነታት ኣልቦ ፍትሕን ርትዕን…ዘመነ ኣካሒዳ…ዘመነ ሕንጉጓይ…ዘመነ ተበላላዕ…ዘመነ ሕረዶ ጉመዶ ዘመላኽት እዩ፡፡ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት (2008 ዓ.ም) ኣብ ጎንደርን ገለ ክፋላት ክልል ኦሮምያን ብወሳናይ መልክዑ ተኸሲቱ እዩ፡፡ሰላም እንትዝረግ ዋሕስ ኦፊርካ ምእታው ይኹን ውዒልኻ ምሕዳር ኣይህልውን፡፡ሞትኻን ሕየትካን ዝተረጋግፀሉ መንገዲ ይጠፍእ፡፡ማሕበራዊ ውዕሊ ዘድልየሉ መኽንያት ከምዝይ ዓይነት ኩነታት ንከይፍጠር እዩ፤ ዋሕስ ድሕንነት፣ ዋንነትን ሓርነትን ንምርግጋፅ፡፡ልዕልነት ሕጊ ምስ ዝጥሓስ ድማ ስነ ስርዓት ንብል፡፡
3.1. ስነ ስርዓት!
ነዛ ሓረግ እዚኣ ዘይፈልጥ ትግራዋይ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ተሃልዩ ግን ብናይ ተጋሩ ባህሊ፣ ስርዓትን ወግዕን ዝዓበየ እዩ ምባል ከቢድ እዩ፡፡ወለድና ካብ ዕሸልነትና ጀሚሮም ‹‹ስነ ስርዓት›› እናበሉ ስርዓት ኣትሒዞም ኣዕብዮምና፡፡ዝኾነ ዘይልሙድን እቲ ማሕበረሰብ ዘወገዞን ነገር ክንፍፅም ምስ ዝዕዘቡ ‹‹ስነ ስርዓት›› ይብሉ፡፡እቲ ቅደም ቅደም ብህገ ኣምላክ እውን ይብሃል ነይሩ፡፡ህገ ኣምላክ ካብ ፍልፍላት ዘመናዊ ሕጊ እቲ ሓደ ከም ዝኾነ ሊቃውንቲ ስነ ሕጊ ይኣምኑ፡፡ብዝኾነ ግን፣ ስነ ስርዓት ይብሃል ዋላ እውን ብህገ ኣምላክ ኣውራ መልእኽቱ ‹‹ልዕልነት ሕጊ ይከበር›› ዝብል እዩ፡፡
ህዝቢና ሐዚ እውን በዘይ ይኣምን፡፡እቶም ተማሂርና በሃልቲ ግን ብዝይ ኣይኣምኑን፤ ምናልባች ንይጨላኡ ክደጋግምዎ ይኽእሉ፡፡ክትግብርዎ ክሳብ ዘይረኣና ግን ኣሚኖምሉ እዮም ዝዛረቡ ዘለው ክንብል ኣይንኽእልን፡፡ማርክስ ከምዙይ በለ፣ ሌኒን ድማ ከምዙይ ኢሉ ነይሩ፣ ብፃይ ማኦ ከምዙይ ኢሉ፣ ጀነራል ፓርክ ከምዙይ ዓይነት ስርዓት ይኽተል ነይሩ…ስለዝይ ንሕና እውን ከምኡ ክንብል ኣለና ኢሎም ይንየቱ፡፡እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ዝተፈለየ ማሕበረሰብ፣ ኣብ ዝተፈለየ እዋንን ቦታን ዝተፈላለዩ ነገራት ከም ዝተዛረቡ ኣይስቆሮሞን፡፡ዓውዲ ዝብሃል ነገር ፈፂሙ ኣይርደኦምን፡፡ንሕና ኣብ ዝተፈለየ ቦታን እዋንን ዝተፈለየ ባህልን ፀጋታትን ምስ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ኢና ንነብር ዘለና፤ ስለዚይ እቲ ክትከል ዘለዎ ስርዓት እውን ዝተፈለየ ክኾን ኣለዎ ኢሎም ኣይሓስቡን፡፡የግዳስ ንርእሶም ኣነ እየ ትኽክለኛ ማርክሲስት ሌኒንስት፣ ማኦይስት ወዘተ. እናበሉ ክንየቱ ትዕዘብ፡፡ብሓቂ የሕፍር!
ህዝቢና ስነ ስርዓት ይብል፤ ንሶም ግን ስነ ማርክሰ…ሌኒነ…ማኦ ይብሉ፡፡ህዝብና ብልዕልነት ሕጊ ይኣምንን ይምካሕን ንሶም ግን ብልዕልነት ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ይንየቱ፡፡ዓለም ብላሽ! ዕርያ ንሶም ታይ ገይሮም፤ እቲ የማነ ፀጋም ከይበሉ ዝገበሩዎ ፋሉል መነፅሮም እዩ ከምኡ ዝገብሮም ዘሎ፡፡ነቲ መነፀር(ወያናይ ዲሞክራሲ) ነኻኺእናዮ እንዲና ብሰላም ተቐንይና ካሊእ መዓልቲ ብሰፊሑ ክንርእዮ ኢና፡፡ንሐዚ ግን እቲ ዓብዪ ፀገም ንሱ ከም ዝኾነ ሓቢርና ንቐፀል፡፡ገብረ ስላሰ ዝብሃል ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ናይ ፌስቡክ መሓዛይ፣‹‹ናይ ሕጊ ልዕልና ዘይተረጋገጸሉ ሃገር ልምዓቱን ሰላሙን ዘላቕነት ኣይህሉዎን።›› ይብል፡፡ ገብረ ስላሰ ብወረቀት ተጠሪዙ ዝተቐመጠ ሕጊ ጥራይ ከይኮነስ ልዕልነት ሕጊ ብተግባር ኣብ ዝተመስከረሉ ሃገር ዝነብርን እዩ፡፡ካብቶም ልዕልነት ሕጊ ወይ ከዓ ልዕልነት ስርዓት ናይ ሓንቲ ሃገር ትርግታ ልቢ ከም ዝኾነ ዝተሰወጦም እዝዮም ውሑዳት እውን እዩ፡፡
መብዛሕቲኡ ሰብ(ብፍላይ እቲ ምሁር እየ ብሃላይ) ክስቆሮ ዘይኻኣለ ጉዳይ ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ልዕልነት ሕጊ ይከበር ዝብሉ መሰረታዊ ኣምራት እዮም፡፡ልዕልነት ሕጊ ወገሐ ፀብሐ ይጥሓስ፤ ብልዕልነት ሕጊ ከይኮነስ ብልዕልነት ዕሉላት እናተጀፋዕና ንርከብ፤ሓደ ትግራዋይ ካብ ስልጣን ስለ ዝወረደ ወይ እውን ገለ ተጋሩ ናብ ዝልዓለ ስልጣን ስለ ዝደየቡ ጥራሕ ትግራይ ዝሓልፈላ ዝመስሎ ብሃም ትግራዋይ ያሒት እዩ፡፡
ሞትን ሕየትን ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕልነት ሕጊ ዝተደረኸ እዩ፡፡ ውልቀ ሰባት ካብ ድላዮም ይምፀኡ ልዕሊ ሕጊ እንድሕር ድኣ ኮይኖም ሃገር ኣብ ኣፋን ዕርበታን ከም ዝበፅሐት ዘመላኽት ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ቀይሕ መብራህቲ ካብ ዝበርህ ሓያሎ ዘመናት ሓሊፎም፡፡ ሐዚ እውን ነቲ ቀይሕ መብራህቲ ናብ ብጫ ኢሉ እውን ናብ ቆፅላዋይ ሕብሪ ንምቕያር ዝተዳለወ ወይከ የለን፤ ተሃሊው እውን ብተግባር ንምርኣይ የብቅዐና፡፡
3.2. ተገፈዑልና
ህዝቢና ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ብዝባን ሕጊ…ልዕልነት ሕጊ ይከበር ካብ ዝብል ፀኒሑ፡፡ ዳሕራይ ድማ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ ተገፈዑልና ናብ ምባል ኣቲው፡፡ምሕፅንታ ተገፈዑልና ኣስሚዑ እውን እቲ ግህሰት ሕጊ ጠጠው ኣይበለን፡፡ህዝቢና መስተውዐሊ ስለዝኾነ መኪና፣ ፋብሪካ፣ ገዛውቲ ወዘተ. ኣየቃፀለን፣ መስታወት ኣይሰበረን…ህይወት ኣይጥፈአን…ግህሰት ሕጊ ብግህሰት ሕጊ ስለዘይእረም፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ከምኡ ተገይሩ፡፡ መንግስቲ እውን ኣድላይ ናብዘይኾነ ህዝባዊ ጎንፂ ኣቲው፡፡እቲ ስርዓት ሰላምን ምርግጋእን ብቲ ልሙድ መንገዲ ከረጋግፅ ስለዘይኸኣለ ህፁፅ ኣዋጅ ንክእውጅ ተገዲዱ፡፡ነቲ ብፍናኑ ዘፍረሶ ማሕበራዊ ውዕሊ (social contract…rule of law) መሊሱ ንምህናፅ ብዓሚቑ ክሕደስ እየ ይብል ኣሎ፡፡ይግበሮ! ህዝቢና ግን ናብዙይ ቅድሚ ምብፃሕና ነገራት ነስተኻኽል ካብ ዝብል ፀኒሑ፡፡
ገለ መሻረውቲ ነፋሒቶታት ‹‹ኣውራ ፀላኢና ድኽነት እዩ›› ክብሉ ይሰምዕ፡፡ነዞም መሻረውቲ ሕሊናኦም ሸይጦም ዝኽተሉ መፍለሳት ድማ መመሊሶም የጋውሕዎ፡፡ንዓይ ድኽነት ውፅኢት ፋሉለነት እምበር ካሊእ ኣይኮነን፡፡እዚ ግልፂ ዝኾነልና ‹‹ንምንታይ ደኽቲምና?›› ዝብል ሕቶ ምስ እንሓትት እዩ፡፡መንቀሊታት ድኽነትናን ድሕረትናን እንታይ እዮም? ኢልና እስኪ ንሕተት፡፡
እኹል ሃፍቲ ተፈጥሮ የብልናን ዝብሉ ኣይስኣኑን፡፡እዝይ ግን ምስ ወድዓዊ ሓቂታት ኣይቃደውን፡፡ሃፍቲ ተፈጥሮ እማ መሊእና እዩ፤ እቲ ዘለናስ መዓዝ ተጠቒምናሉ? ሰፊሕ ሃፍቲ ‹‹ትሪዚም›› ኣለና፤ ወርቂ ሓዊሱ ብዙሓት መዓድናት ኣለውና፣ ፖታሽን ነዳድን ኣለና፡፡ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ናብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘይልወጥ ነገር ዳርጋ የለን፤ እምኒ ስሚንቶ፣ጃህያ ወዘተ. ይኸውን፡፡ እቲ ሓመድ እውን ናብ ብረት ይልወጥ፡፡እዚኦምን ካልኦትን ኣለውና…ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ተዘይህልውና ነይሮም እውን ግን ቀንዲ መንቀሊ ድሕነትና ኣይኮኑን፡፡እስራኤል፣ ሲንጋፖር፣ ኖርወይ እናበልና ሃገራት ክንዝርዝር ኣይንውዕልን እምበር በቲ ናትና ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝሃርፉ ብዙሓት ስልጡናት ሃገራት ኣለው፡፡
ናይ ህዝቢና ድሕረት እውን መንቀሊ ድኽነትና ኣይኮነን፡፡ብሰሩ እውን ህዝቢና ድሑር ኣይኮነን ኢለ ይኣምን፡፡ኣዝዩ ግስሩጥን ድሑርን እማ እቲ ጥማር ወረቀታት ስለዝሓቖፈ ጥራሕ ተማሂረ ዝብል ወታፍ እዩ፡፡እምበር ህዝቢና እማ ዓቃል፣ፀዋር፣ ሃርኳት፣ ቅኑዕ…እዩ፡፡ነቶም ‹‹መሪሕ ውድብ›› ኢና ብሃልቲ ማለሊታውያን ብተዓፃፃፊ ከም ዝበልፆም ካብ ኣንደበቱን ተግባሩን የመስክር፡፡ንሶም እንትብዕልጉ፣ ሕግን ሰረትን እንትጥሕሱ ምስ ዝርእይ ስነ ስርዓት፣ ብህገ ኣምላክ፣ ልዕልነት ሕጊ ይከበር እናበለ ይርከብ፡፡
ስለዝይ ኣውራ ፀላእትና ፋሉላት ገዛእቲ እዮም፡፡እኒ ኣሳማጉሉ ሃገራት ንምንታይ ይፈርሳ(ይወድቃ…Why nations fail)[30] ዝብል ዓብዩ ሕቶ ተወኪሶም ብመጽናዕቲ ዝረኸብዎ ዘየማትእ መልሲ ልዕልነት ሕጊ ዘረጋግፁ ትካላት ስለዘይብለን ዝብል እዩ፡፡እቲ ፍሉጥ ህንዳዊ ኢኮነሚስት ኣማርትያሰን ቁጠባዊ ምዕባለ ንቁጠባዊ ድሕንነት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ገፃት ኣለውዎ ዝብል እንትኾን ስእነት ቁጠባዊ ድሕንነት ምስ ሓርነትን ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ቀጥታዊ ዝምድና ከም ዘለዎ እውን ይሕብር፡፡ስለዝይ፣ብዲሞክራሲ(ልዕልነት ሕጊ) ዝምርሓ ሃገራት ህዝበን ብሕሱም ርሓብ ተሃስዩ ኣይፈልጥን ይብል፤‹‹No famine has ever taken place in the history of the world in a functioning democracy››፡፡ ምኽንያቱ ትሓታትነትን ግልፅነትን ዘለዎ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ግቡኡ ተዘይተዋፂኡ ኣብቲ ቀፃሊ መረፃ ድምፂ ከም ዘይረክብ ስለ ዝፈልጥ እዩ፡፡ውልቀ መላኺ ስርዓት ግን ብሓይለ ምልጢ ስለ ዝገዝእን በቲ ርሓብ ስለ ዘይህሰን ብዙሕ ኣይግደስን፡፡ክስመረሉ ዘለዎ ግን፣ ፖለቲካዊ ሓርነትን ስቪላዊ ነፃነትን መሰረታዊ ስለዝኾኑ ኣብ ቁጠባ ብዘሕደርዎ ፅዕንቶ ክምዘኑ የብሎምን ዝብል እዩ፡፡‹‹But-most fundamentally-political liberty and civil freedoms are directly important on their own, and do not have to be justified indirectly in terms of their effects on the economy››[31] ይብል ካብቶም ንሽልማት ኖቤል ዘሸነፉ ውሑዳት ዝኾነ ኣማርትያ ሰን፡፡
ዊልያም ኢስተርሊ እውን ከምቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብሽም ልምዓት ፖለቲካን ስቪልን መሰላት ንዝግህስ ስርዓት ከም ዝስዕብ ይገልፆ፣ ‹‹ከምቲ ቅደም ንጉሳዊ ስልጣን መለኮታዊ መሰል እዩ ዝብሃል ዝነበረ ሎሚ ድማ ልምዓት መሰል ውልቀ መለኽቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ሎሚ፣ ብላዕለወት ክኢላታት ዝሕገዙ ውልቀ መለኽቲ ንልምዓት ከም ጉልባብ ይጥቀምሉ፡፡ (What used to be the divine right of kings has in our time become the development right of dictators. The implicit vision in development today is that of well-intentioned autocrats advised by technical experts.)››[32]
ስለዝይ፣ ኣውራ ፀላኢና ስርዓት ኣልቦነት እዩ፣ ስእነት ፍትሒ፣ ማዕርነትን ልዕልነት ሕግን ዝወለዶ ስእነት ሰላምን ምርግጋዕን እዩ፡፡ኣውራ ፀላኢና ፋሉልነት ስለ ዝኾን ብልዕልነት ሕጊ ክትካእ ኣለዎ፡፡እዚ ንክሳኻዕ ብስምረት ምቅላስ እንኮ መማረፂ እዩ፡፡
4. እንኮ ዋሕስና ልዕልነት ሕጊ እዩ፡- ሕገ መንግስቲ ሃገርና ፍልፍል ዘለቕቲ ረብሓታትናን ርትዓዊያን መርገፂታትናን እዩ፡፡ስለዝኾነ ድማ ሰበስልጣናት መንግስቲ ሓዊሱ ኩሉ ሰብ ንከኽብሮ ክንቃለስ ኣለና፡፡ሕገ መንግስቲ(ሰነድ ማሕበራዊ ውዕሊና) ተዘይተኸቢሩ ልዕልነት ሕጊ እውን ኣይኽበርን፡፡ልዕልነት ሕጊ ቅድሚት ዝስራዕ ሃገራዊ ጉዳይ እዩ፤ ቅጠባ፣ ፖለቲካን ባህልን እውን ልዕሊኡ ክኾኑ ኣይኽእሉን፡፡ምኽንያቱ ልዕልነት ሕጊ ኣብዘይብሉ ይትረፍ ዘይነበረና ቁጠባዊ ዕብየትን ምዕባለን ክነምፅእስ ነታ ዘላትና ጭባጦ እውን ክንዕቅባ ኣይንኽእልን፡፡ይትረፍ ኣለኒ እንብሎ ንብረት ክንዕቅብስ እታ እንኮ ህይወትና እውን ኣብ ሕቶ ምልክት እያ ትነብር፡፡ብኣውራኡ ድማ ልዕልነት ሕጊ የለን ማለት ሓርነት የለን ማለት እዩ፡፡ሓርነት ተዘይሃልዩ ድማ ሓቀኛን ዘላቕን ሓድነት ኣይህልውን፡፡ርትዓዊ ሓድነት ኣብ ዘላቒ ረብሓ ዝተመስረተ እዩ፡፡ብሃለዋትኻ፣ ሰብኣዊ ክብርኻን ዘላቒ ረብሓኻን ዝመፅእ ኩሉ ፋሉል እዩ፡፡ፋሉል ድማ ናይ ኣባጊዕ ዓይነት ሓድነት እምበር ዓርሶም ክኢሎም፣ ዘለቕቲ ረብሓኦም ለልዮም ብርትዓዊነት ናይ ዝትሓባበሩ ነፃ ደቂ ሰባት ሕብረት ኣይፈቅድን፡፡እዝይ ፀረ ዋሕስና እዩ፡፡
5. ሰላማዊ ቃልሲ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ፡- ልዕሊ ኹሉ ዘተሓሳስበና በሰላማዊ ቃልሲ መንግስቲ ክልወጥ ኣይኽእልን ዝብል ኣተሓሳስባ ዓብላላይ ክይኽውን እዩ። ምኽንያቱ እዝ ኣተሓሳስባ እዚ ዓብላላይ ተኾይኑ ኣብ ሃገርና ሰላምን ምርግጋዕን ኣይህልውን።ኩሉሻዕ ነታ ዝነበረትና እናፍረስና ካብ ባዶ ንምጅማር ንግደድ፡፡እዙይ ድማ ከምቲ ሌኒን ዝበሎ ሓደሻዕ ንቅድሚት ሰጒምና ብኣሻሓት ኪሎ ሜትሮታት ናብ ዝርሓቐ ምዓሙቕ ድኽነትን ድሕረትን ሸው ኢልና ንክንፀደፍ ይገብረና፡፡ስለዝይ፣ሕገ መንግስቲ ሃገርና ብዘቐመጦ መንገዲ ተቓሊስኻ ስልጣን ምድሓዝ ከም ነውሪ ክቁፀር የብሉን፡፡እቲ ገዛኢ ፓርቲ እውን እቲ ሕጋዊ መንገዲ ተኸቲሉ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ መሰሉ እዩ፡፡እቲ ክውገዝ ዘለዎ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ወይ ድማ ናብ ስልጣን ንምድያብ ዝግበር ፋሉልነት ጥራሕ እዩ፡፡
6. ኢትዮጵያ ሃገርናን ትግራይ ክልልናን ማዕረ ንሕለቐለን፡- ኢትዮጵያዊነት ትግራይ እውን ይሓውስ፤ ብዘይካ እታ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡፡እቶም ንኢትዮጵያ ከም ጃኬት ገይሮም ዝርእይዋ ግን ንትግራይ ዘለዎም ፍቕሪ እውን በዚሑ ተተብሃለ ከም ከናቲራኦም እዮም ዝርእይዋ፡፡ንዓይ ግን ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ደመይን ስጋይን እዩ፤ከም ክዳነይ ከይኮነስ ከም ኣካለይ እየ ዝርእዮ፡፡ኣብ ሃገርና ዝጎደለ ተሃልዩ ብቓልስና ንመልኦ፤ነቲ ዘሎ ድማ መስዋእቲ ከፊልና ንዕቅቦ፡፡
ገለ ተጋሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣየለ ጫሚሶታት ሓቀኛ ኢትዮጵያዊነት የለን፡፡ኢትዮጵያዊነት ዝብሃል ኣምር ነቲ ዝሓለፈ ጎባጢ ልዕልነት ሽዋን ኣምሓራን ንምምላስ ዝጥቀሙሉ ሸርሒ እዩ ክብሉ ይዕዘብ፡፡ስለዝኾነ ድማ ንሕና ዘገድሰና ትግራዋይነት እምበር ኢትዮጵያዊነት ኣይኮንን ዝብል ቅዋም ኣለዎም፡፡ ይኹን እምበር፣ኣብ ትግራይ መፂእኻ እውን ናይ ትግራዋይነት ደረጃ መደብቲ ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም፡፡ስለዝይ፣እቲ ዓላማኦም ፈለማ ብስም ትግራዋይነት(ትግራዋይነት ነቐድም ብዝብል ሽፋን) ኢትዮጵያዊነትኻ ይገፉኻ፤ ብምቕፃል ድማ ከማና ተዘይሓሲብካ፣ ከማና ተዘይሃሊልኻ፣ ንሕና ብዝፈሰስናዮ ተዘይፈሲስካ…ሓቀኛ ትግራዋይ ኣይኾንካን እናበሉ ትግራዋይነትኻ ብኢደ ወነኖም ከም ዝሰረዝዎ ይነግሩኻ፡፡ እዝይ ኣዝዩ ድሑር ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ስለዝኾነ ክስተኻኸል ኣለዎ፡፡
ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ብስምዒት ውልቀ ሰባት ዝውሰን ኣይኮነን፡፡ኢትዮጵያዊነት ይኹን ትግራዋይነት ብናይ ቀበሌ ካድሬታት ዝከፋፈል ሱኳር ኣይኮንን፡፡ጃኬት ኣይኮነን፤ እንትሞቐካ እተውፅኦ…እንትቆረካ እትድርቦ፡፡ኢትዮጵያዊነት መሪር መስዋእትነት ተኸፊልዎ፤ ደም ወገናትና ፊስሱዎ፤ ሬሳኦም ዝዓረፈሉ፤ ዕትብትና ዝተቐበረሉ፤ መንነትና ዝተሃነፀሉ፤ናይዛ ዓለም ዜጋታት ከም ዝኾንና እነረጋግፀሉ ክቡር መንነትና እዩ፡፡ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ዝበልዎ ክጠቅስ ‹‹ኣስተውዕል ወዲ ኢትዮጵያ፡፡ኢትዮጵያ ማለት፣ ፈለማ ኣደኻ፣ ካልኣይ ክብርኻ፣ሳልሳይ ኣሚንኻ፣ራብዓይ ውላድኻ፣ሓምሻይ መቓብርኻ እያ፡፡ስለዚይ፣ ናይ ኣዶ ፍቕሪ፣ ናይ ዘውዲ ክብሪ፣ ናይ ኣሚን ሕያዋይነት፣ናይ ውልድ ደስታ፣ ናይ መቓበር መፈፀምታ ከምዙይ ምዃኑ ፈሊጥኻ ተልዓል፡፡›› ኢሎም፡፡ኣቦና ኣፀይ ዮሃንስ ስለ ኢትዮጵያዊነት ተዛሪቦም ስቕ ኣይበሉን፤ የግዳስ ብተግባር እውን ክሳዶም ተሰይፎምላ እዮም፡፡ነታ ንሶምን መሰላቶም ዝተሰየፉላ ሃገረይ ኢትዮጵያን ክልለይ ትግራይን እየ ከም የማናይን ፀጋማይን ኣዒንተይ ዝርእየን፡፡
ብርግፅ ኣቦና ሃፀይ ዮሃንስ እቲ ዝግበኦም ክብሪ ኣይረኸቡን፡፡ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባ ነጋን እናሃለው ናይ ኤርትራ ተጋሩን ናይ ኢትዮጵያ ተጋሩን ዝብሃል ወግዒ ኣይነበረን፡፡ሩባ መረብ ከፋፊሉና ኣይፈልጥን፡፡ይትረፍ ንባሕሪ ነጋሽ ክሸጡስ ጁብትን ሶማሊላንድን(ወደብ ዘይላ) እውን ናትና ከም ዝኾና ይኣምኑ ነይሮም፡፡ተጋሩ ሎሚ ዘብን ግን ኢትዮጵያ ንዝበለ ትግራዋይ ኹሉ ብደቂቀ ምንሊክነት ይከስዎ፡፡ትግራዋይ ኣይኾንካን ይብልዎ፡፡ንምንታይ ከምኡ ከም ዝብሉ ግን ግልፂ እዩ፡፡
ሓደ፣ ኢትዮጵያዊነት ሃፀይ ዮሃንስን ኣሉላ ኣባነጋን ረሲዖም(ሰሪዞም) ንቃወሞ ኢና ብዝብልዎ ደቂቀ ምንሊክ ስለ ዝተከእዎ እዩ፡፡ኢትዮጵያዊነት ተተባሂሉ ናይ ሽዋ ፖለቲካ እዩ ዝርኣዮም፡፡ንምንታይ? ታሪኽ ሃገርና ካብ ቴድሮስ ይጅምርም ንዐኦም ዘሊሉ ወይ ድማ ሽሞም ኣጥፊኡ ናብ ሃፀይ ምንሊኽ ይሻገር፡፡እቲ ካሊእ ዝገብሮ ምኽንያቱ ግልፂ ስለ ዝኾነ ብዙሕ ኣየጉህየናን፡፡ ህወሓትን ናይ ህወሓት ሽልካ ኣንጠልጢሎም ዝዘሩ ተጋሩን ኣሰር ሃፀይ ዮሃንስ ሰሪዞም…ክሳዶም ሂቦም ዝዓቀቡዋ ሃገር ብምሉእ ልቦም ዘይምቕባሎም ግን ኣዝዩ የሕዝን፡፡ፈለማ ምንሊክን ጣልያንን ብዝቀየስዎ ፈለግ ፈሲሶም ኤርትራ ንክትግንፀል ምግባሮም፡፡ብምቕፃል ድማ ንትግራይ ብከባቢያዊነት፣ ንሃገርና ድማ ብብሄር ጎዛዝዮም ኢትዮጵያዊ ስምዒት ንክቅህም ብምግባር እቲ ጎዛዚኻ(ኸፋፊልካ) ምግዛእ ዝብል ናይ ባዕዳውያን ኣተሓሳስባ ኣብቲ ወለዶ ንክሰርፅ ምግባሮም ዓብዪ ክሕደት እዩ፡፡
ስለዝይ፣ ትግራይ ድኻ ስለ ዝኾነት ካብ ፍልፍል ሃፍቲ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ምእንታን ክንርባሕ ኢትዮጵያውያን ኮይንና ንቐፅል ዝብል ቅዋም ኣይነበረናን፤ የብልናን ንሓዋሩ እውን ኣይህልወናን።እዚ ኣመለኻኽታ እዝይ ናይ ሻዕብያን መሰላቱን እምበር ናትና ናይ ተጋሩ ኣይኮንን፡፡ትግራይ ድኻ ስለዝኾነት ከይኮነስ ኢትዮጵያ ኣደኻ፣ኣሚንኻ፣ውላድኻ፣ ሓፍትኻ፣ ክቡር መንነትኻ፣ መቓብርኻ ስለዝኾነት ኢና ብልዕልነት ሕጊ ዝምራሕ ኢትዮጵያዊነት ይንገስ ንብል ዘለና፡፡ዕርቃኖም ብዝወፅኡ ሸርሒታት ሽዋን ኣምለኽቲ ማለሊትን ማኦን ተቆሪንና ኣይኮንና ኢትዮጵያዊነት እንብል ዘለና፡፡
7. ‹‹ህወሓት ከመይ ኣላ ከይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ከመይ ኣሎ›› ዝብል ሕቶ ድቃስ ይኸልአና፡- ክንደይ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ህወሓት ሓለፍቲ ፌደራል ቤት ዕዮታት ኮይኖም ከይኮነስ ክንደይ ዝኣከል ብቕዓት ዘለዎ መንእሰይ ትግራይ ኣፍርዮም? ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጓዕፃፃይን ጎባጣይን ኣተሓሳስባታትን ኣሰራርሓታትን ብምንጋፍ ናይ ብሓቂ እንኮ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ገይሮሞ ዶ? ንውልቀ ረብሓኦምን ሽሞምን ገደምደም ምባል ከይኮነስ ኣብ ሃገርና ልዕልነት ሕጊ ንክሰፍን ዝገበርዎ ፃዕሪ ከመይ ይመስል? ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ህዝብና ብቃላት ከይኮነስ ብተግባር ንክኽበሩ ገይሮም ዶ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ነቐድም፡፡
8. ‹‹ዝብኢ ዓደይ ይብለዐኒ›› ዝብል ቅዋም ኢንቕበሎን፡- ዝብኢ ካብ ድላዩ ይምፃእ፣ ድላዩ ቋንቋ ይዛረብ፣ክንዲ ድላዩ ታሪኽ ይሃልዎ ዝብኢ እዩ፡፡እቲ ዝብኢ መን እዩ፣ ካበይ መፂኡ፣ ታይ ዓይነት ቋንቋ ይዛረብ፣ ታይ ዓይነት ባህልን ሃይማኖትን ይኽተል? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ድሕንነትና ዘምፅእዎ ለውጢ የለን፡፡እቲ ቁውም ነገር ዝብኢ ክበልዐና የብሉን እዩ፡፡ሕቶ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት እውን ካብዙይ ዝተፈለየ ኣይኸውንን፡፡ ውልቀ መለኺ ስርዓት ድላዩ ቋንቋ ይዛረብ ውልቀ መላኺ እዩ፡፡ትግርኛ ስለ ዝተዛረበ ንትግራዋይ ካብ ምጉዕፃፅን ምጉባጥን ንድሕሪት ከም ዘይብል ካብ ህልዊ ኩነታት ምስትውዓል ይክኣል፡፡
9. ምስ ኤርትራውያን ንምትዕራቕ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ምፅላእ ኣየድልየናን፡- ኣብ ጎንደርን መተማህን ዘይተፀበናዮ ዋዲቕ ወዲቕና እዩ፡፡ምዓንጣኻ ዝበልዕ በሰላ ገዲፉልና፡፡ እቲ ክኾን ዘለዎ መንቀሊኡ ፈሊጥኻ ዘላቒ ፍታሕ ምንዳይ ጥራሕ እዩ፡፡ይኹን እምበር፣ ብስንኪ ንቑፅ እቲ ርሑስ እውን ሓቢሩ ንክነድድ ኣይንፈቅድን፡፡እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ኩነታት ኣይሰላም ኣይኲናት ናብ ደቡብ ገፅ ንክሓለፍ ብምግባር ዝመፅእ ዘላቒ ሰላም ኣይህልውን፡፡ ይትረፍ ኣብ ኣፍንጫና ምስ ዘለው ወገናትና ክንፃላእስ ምስ ግብፂ ይኹን ምስ ካልኦት ሃገራት ዓለም ዘለና ዝምድናን ምሕዝነትን እውን ክበላሾ ኣይንደልን፡፡
10. ‹‹ሓባኢያ ቁስሉስ ሓባኢ ፈውሱ›› ኣይንኹን፡- እቲ ፈለማ ክንገብሮ ዘለና ሕበጥ ከይህሉ፣ሓቢጡ ከይፍንድእን ከይንቆስልን ምክልኻል እዩ፡፡ሕበጥ ይኹን ቁስሊ ተተራእዩና ግን ክንሓብኦን ክነነኣእሶን የብልናን፤ ናይ ግድን እቲ ቁስሊ ክፍወስ ኣለዎ፡፡ብኽኢላታት ብደምቢ ተሓፂቡ ብፋሻ ክእሰር ኣለዎ፡፡ተዘይኾይኑ ግን መውዐሊ ሃመማ ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡እዝይ ድማ ንውድቐት ይዕድም፤ ኣብ በረኻ ዝወደቐ ሰብ ይኹን እንስሳ ኣሞራን ዝብእን ይሻመዮ፤መፃወቲ ሃመማ ይኸውን፡፡ሽዓኡ፣ንሃመማ፣ዝብእን ኣሞራን ምርጋም ለውጢ ኣይህልዎን፡፡
በዚይ መኽንያት ኢና ተጋሩ ዝተጠቓዕናን ንጥቃዕ ዘለናን፡፡እቲ ኣፈላላያት ብሓዞ ስደዶ ንምፍታህ ዝግበር ፈተነታት ግዜኡ ዝሓለፎን ዘላቒነት ዘይብሉን ስለዝኾነ ብምርድዳእን እሂን ምሂን ብምባልን ተዝፍታሕ ይምርፅ፡፡ ናይ ሓባር ፀገማትና ብምይይጥን እንካ ሃባን ክንፈትሖም ተዘይኽኢልና ኣብ መንጎና ሕበጥ ይፍጠር፣ ቀስ እናበለ ይነትዕ፣ ንቖስል፡፡ ዝቖሰለ ድማ ኩሉ ይሻመዮ፡፡ ድሕሪኡ ብኣዴን እዮም ዝገበሩና፣ሓድነትና ስለ ዝተሸርሸረ ኢና ተደፊርና፣ ግብፂ እያ ገይራትና፣ ኣይ ሻዕብያ እዩ፣ ኣዕራብ እዮም፣እቶም ኣኽረርቲ ድያስፖራ እዮም ወዘተ. እናበልኻ ሕቑንቑን ምባል ዋጋ የብሉን፡፡እዝይ ወ ዳሕንኩም!
28 ለካቲት 2009 ዓ.ም
ምንጭታት ሓበሬታ
[1] Alex De Waal. 2015. The Real Politics of the Horn of Africa: Money, War and the Business of Power. p:160
[2] ውራይና፡፡ መበል 23 ሕታም ጥሪ 2008 ዓ.ም ፡ ገፅ 3 ክሳብ 7፡፡
[3] Feb 1, 2017::Tigrai Tv: መድረኽ ተሃድሶ ከተማ መቐለ ህዝቢ ጣብያ ኣይናለም፡ https://www.youtube.com/watch?v=Z8QZ3RjPWaU፡፡
[4]Jan 31, 2017::Tigrai Tv:ገምጋም/ተሃድሶ ህዝቢ ከተማ ሰቲት-ሑሞራ፡ https://www.youtube.com/watch?v=gwSMEhL0CL4፡፡
[5] 2015፡፡ሪፖርትረ ጋዜጣ፡፡ ውኃ ላይ ሆኖ በድርቅ መጠቃት::http://archiveamharic.ethiopianreporter.com/content/%E1%8B%8D%E1%8A%83-%E1%88%8B%E1%8B%AD-%E1%88%86%E1%8A%96-%E1%89%A0%E1%8B%B5%E1%88%AD%E1%89%85-%E1%88%98%E1%8C%A0%E1%89%83%E1%89%B5
[6] Mar 7, 2017. Tigrai Tv: ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ከተማ ዛና (ወረዳ መደባይ-ዛና)፡ https://www.youtube.com/watch?v=YlxqtAQDx6A
[7] ውራይና፡፡ መበል 23 ሕታም ጥሪ 2008 ዓ.ም፤ገፅ፡4፡፡
[8] Nega Zerue.25 April 2016. ሓፂር ሪፖርት እምባሰነይቲ: https://www.facebook.com/nega.zerue1/posts/778605675572608
[9] Feb 4, 2017፡፡Tigrai Tv: ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ምስ ህዝቢ ነበለት: https://www.youtube.com/watch?v=_9V1wOKp9H0
[10] Alex De Waal. 2015. The Real Politics of the Horn of Africa: Money, War and the Business of Power. p:159
[11] Ibid
[12] Ibid p:160
[13] David Smith. 22 October 2014. Ethiopia: 30 years after the famine: https://www.theguardian.com/world/2014/oct/22/-sp-ethiopia-30-years-famine-human-rights
[14] Vladimir Tismaneanu.2012. The Devil in History፡ Communism, Fascism, and Some Lessons of the Twentieth Century. UNIVERSITY OF CALIFORNIA PRESS, Berkeley, Los Angeles and London.p.28.
[15] George W. Carey & James McClellan.2001. The Federalist. No.51, p.168-169.
[16] Alexander Hamilton, “The Continentalist No. 1,” in the Papers of Alexander Hamilton (New York: Columbia University Press, April 18 and July 4, 1782. 651). Quoted on The Federalist p.XXi
[17] Leon Trotsky. 1903. Our political Tasks. Trostky’s rejoinder to Lenin’s What Is To Be Done and One Step Forwards, Two Steps Back.
[18] Vladimir Tismaneanu.2012. The Devil in History፡Communism, Fascism, and Some Lessons of the Twentieth Century. UNIVERSITY OF CALIFORNIA PRESS, Berkeley, Los Angeles and London.p.141.
[19] Luxemburg.1904.‹‹The Russian Revolution›› p. 391. (Quoted on Ibid p.93).
[20] Vladimir Tismaneanu.2012. The Devil in History፡Communism, Fascism, and Some Lessons of the Twentieth Century. UNIVERSITY OF CALIFORNIA PRESS, Berkeley, Los Angeles and London.p.93.
[21] ውራይና፡፡ሕታም 32፣ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም፣ ገፅ፡16፡፡
[22] ተመክሮ ልምዓታዊ መንግስቲ ሃገረ ታይዋን ኣብ ዝትንትን ፅሑፍ ዝሰፈረ፡፡
[23] ውራይና፡፡ሕታም 32፣ ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም፣ ገፅ፡5፡፡
[24] ሪፖርተር ጋዜጣ፡፡2016፡፡77 ቢሊዮን ብር የሚያንቀሳቅሰው ስኳር ኮርፖሬሽን የገጠመው ፈተና:http://archiveamharic.ethiopianreporter.com/content/77-%E1%89%A2%E1%88%8A%E1%8B%AE%E1%8A%95-%E1%89%A5%E1%88%AD-%E1%8B%A8%E1%88%9A%E1%8B%AB%E1%8A%95%E1%89%80%E1%88%B3%E1%89%85%E1%88%B0%E1%8B%8D-%E1%88%B5%E1%8A%B3%E1%88%AD-%E1%8A%AE%E1%88%AD%E1%8D%96%E1%88%AC%E1%88%BD%E1%8A%95-%E1%8B%A8%E1%8C%88%E1%8C%A0%E1%88%98%E1%8B%8D-%E1%8D%88%E1%89%B0%E1%8A%93
[25] ውራይና፡፡መበል 26 ሕታም ጉንበት 2008 ዓ.ም. ገፅ፡11፡፡
[26] George W. Carey & James McClellan.2001. The Federalist. No.51, P:271
[27] Bertrand Russel. Free Thought and Official Propaganda. P: 21. This essay, the Conway Memorial Lecture, delivered at South Place Institute on March 24, 1921, was issued in book form in 1922.
[28] Oct 22, 2016: ‹‹ከሁሉም መብቶች ይልቅ የተበደለው መብት የመናገር ነፃነት ነው››፡
[29] Vladimir Tismaneanu.2012. The Devil in History፡Communism, Fascism, and Some Lessons of the Twentieth Century. University Of California Press, Berkeley, Los Angeles and London.p.26.
[30] Daron Acemoglu and James A. Robinson. 2012. Why Nations Fail: The Origions of Power, Prospority and Poverty.
[31] Amartya Sen. 1999. Development as Freedom. New York. P፡16.
[32] William Easterly. 2013. The Tyranny of Experts: Economists, Dictators and the Forgotten Rights of the Poor. P፡13.
No comments:
Post a Comment