1. መእተዊ
ህወሓትን ኮምኒስት ፓርቲ ቻይናን ድሕሪ ሞት ኣቦ ወንበራቶም፡ ታሪክ ኮምኒስት ቻይና ኣብ ሃገርና ዶ ይድገም ይኾን?
ሳልሰይቲ ብዓልቲ ቤት ኣቦወምበር ማኦ ዜዱንግ ዝነበረት ጂያንግ ኲንግ(Jiang Qing) ቅድሚ 1965 ዓ.ም.ፈ ብዙሕ ተፈላጥነት ኣይነበራን፤ ኣብ ማእኸላይ ደረጃ እትርከብ ብዓልቲ ስልጣን ስለ ዝነበረት፡፡ ዳሕራይ ግን፣ ነቲ ህይወት ልዕሊ 30 ሚሊዮን ዝኾኑ ቻይናውያን ከም ዘፅነተ ዝፍለጥ ናይ ባህሊ ወያነ( 1966-1976 ዓ.ም.ፈ) ካብ ዝመርሑን ‹‹ኣርባዕተ ማፍያታት (Gang of Four)›› እናተብሃሉ ዝፅወዑን ላዕለዎት መራሕቲ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይና ሓንቲ ኮይና፡፡ እዞም ‹‹ኣርባዕተ ማፍያታት›› ናይ ኣቦ ወምበር ማኦ ሙሉእ ድጋፍ ዝነበሮምን ‹‹ራእይ›› ኣቦ ወምበር ማኦ ከይተሸራረፈ ክፍፀም ኣለዎ ዝብል ደረቕ ቅዋም ዘሰጉሙን እዮም ነይሮም፤ ኣኽረርቲ ፀጋማውያን (Leftist hardliners)፡፡
እምበይተይ ጂያንግ ምስ እኒ ዋንግ ሆንገዌን(Wang Hongwen) ፣ ዣንግ ሹንጒያኦን (Zhang Chunqiao) ያኦ ዌንዩዋ (Yao Wenyuan) ብኣቦ ወምበር ማኦ እናተሓገዙ ነቶም ዝለስለሰ ቅዋም(rightist reformists-- ከለስቲ የማናውያን) ዝነበሮምን ብልዩ ሻውኪን (Liu Shaoqi) ደንግ ዢያኦፒንግን (Deng Xiaoping) ዝምረሑ ኣበሳኦም የርእዩዎም ነይሮም፡፡ ነቶም ምሕረት ዘይነበሮም ቀየሕቲ ዋርድያታት (Red Guards) ዝብሃሉ ዕጡቃት መናእሰይ፣ ንመራኸቢ ሓፋሽ፣ ክልሰ ሓሳብ ኮምኒስት ፓርቲን ትምህርትን ይቆፃፀሩ ስለ ዝነበሩ ነቲ ፓርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፂረሞ ከም ዝነበሩ ይንገር፡፡ ንዘይደልዩዎ ሽሙ ኣፀሊሞም የጥፍኡዎ፤ ንዝደልዩዎ ድማ ኩሒሎም ስኢሎም ናብ ስልጣን የምፅኡዎ ነይሮም፡፡
ደንግ ዢያኦፒንግ ካብ ግዳያት ‹‹ኣርባዕቲኦም ማፍያታት›› ሓደ ነይሩ፡፡ ኣብ እዋን ወያነ ባህሊ ቻይና ክልተ ግዜ ካብ ስልጣን ትኣልዩ፤ ተራ ናይ ፋብሪካ ሰራሕተኛ ንክኾን ተገይሩ፤ እሱር ገዛ ኮይኑ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ከላሳይ የማናዊ ተባሂሉ ስለ ዝሕመ ኣንፃር ስነ ሓሳባት ኣቦ ወምበር ማኦ እዩ ኣብ ዝብል ተመዲቡ፡፡ ድሓር እቶም ‹‹ኣርባዕተ ማፍያታት›› ብዝብሃል ሳጓ ዝፍለጡ ኣብ 9 መስከረም 1976 ዓ.ም.ፈ ዘይተሳኸዐ ዕልዋ መንግስቲ ፈቲኖም ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡ ካብ 1980 -1981 ዓ.ም.ፈ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምፅናሕ እምበይተይ ጂያንግ ሞት(ዳሕራይ ናብ ዕድመ ልክዕ እስራት ተቀይሩለን)፣ ዋንግ ብዕድመ ልክዕ ያኦ ድማ ብ20 ዓመት መእሰርቲ ንክቅፀዑ ተፈሪዱዎም፡፡
እምበይተይ ጂያንግ ኣብ ከይዲ እቲ ምርመራ ‹‹ ናይ ኣቦ ወምበር ማኦ ከልቢ እየ ነይረ - ንኸሲ ንዝበለኒ ኩሉ ነኺሰዮ እየ›› ክብላ ተለፋሊፈን ከም ዝነበራ ይንገር፡፡
‹‹ኣርባዕቲኦም ማፍያታት›› ምስ ትኣሰሩ ኋ ኩፈንግ ንደንግ ዢያኦፒንግ ናብ ስልጣኑ መሊሱዎ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣቦ ወምበር ማኦ ቅድሚ ምሟቱ ኣትሒዙ የሰጉሞም ዝነበሩ ለውጢታት ንከተኣታትው ዕድል ረኺቡ፡፡ እቲ ‹‹ ሓንቲ ድሙ ኣንጭዋ ትትሓዝ እምበር ፀላም ትኹን ፃዕዳ ኣየገድሰንን (It doesn't matter if a cat is black or white, so long as it catches mice.)›› ብዝብል ኣበሃህላኡ ዝፍለጥ ደንግ ለውጢ ፖሊሲታት ሕርሻን ንግድን ኣተኣታቲው፡፡ በዝሒ ህዝቢ ንምቁፅፃር ድማ ሓደ ስድራ ካብ ሓደ ህፃን ንላዕሊ ንከይወልድ ፖሊሲ ሓንፂፁ ተግባራዊ ገይሩ፡፡ ብውሽጣዊ ቅልውላዋት ትሕመስ ዝነበረት ሃገረ ቻይና ንሰላምን ምርግጋዕን ከቢድ መስዋእቲ ከፊላ፤ ኣውሒሳቶ ድማ፡፡ ካብ ዓለም ዝተገለለት፣ ኣዝያ ድኻን ዕፅውትን ዘነበረት ቻይና ንኢንቨስተራት በራ ከፊታ፤ መስተንክራዊ ዝብሃል ተኽታታላይ ዕብየት ኣመዝጊባ፡፡ ኣብ እዋን ኣቦ ወምበር ማኦ ግን ናይ ውልቀ ሕርሻን ንግድን ኣይፍቀድን ነይሩ፤ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኮምኒስት ፓርቲ ቻይና ነይሩ፡፡
ደንግ ‹‹ቻይናዊ ባህርያት ዝሓቖፈ ሶሻሊዝም (Socialism with Chinese Characteristics)›› ዝብል ጭርሖ ሒዙ ዝተልዓለ ሓንፃፅን ኮብራርን ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታት እዩ ነይሩ፡፡ ንልምዓትን ስልጣነን ቻይና ክሳብ ዝረብሐ ኣተሓሳስባታት ካፒታሊዝም ምስ ሶሻሊዝም ብምድቃል ዘይንሰርሐሉ መኽንያት የለን ዝብል ቅዋም ነይሩዎ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ልምዲን ህልዊ ኩነታትን ዝምሃር ፕራግማቲስት ከም ዝነበረ ይንገር፡፡ ደንግ ንመናእሰይ ቻይና ‹‹ሃገረይ ንምድሓን እየ ፍልጠትን ወድዓዊ ሓቅን ካብ ምዕራባውያን ተማሂረ፤ ንስኹም እውን ሃገርኹም ንምድሓን ትምሃሩ (To learn knowledge and truth from the West in order to save China.)›› ይብሎም ነይሩ፡፡ ‹‹መናእሰይ መሪሕ ካድረታት ቻይና ብሄሊኮፕተር ናብ ሰማይ ተሓምቢቦም እዮም፤ ብሓቂ እውን ደረጃ ብደረጃ ንላዕሊ ክሕምበቡ ኣለዎም (Young leading cadres have risen up by helicopter. They should really rise step by step.) ክብል ምዒዱዎም፡፡
እቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ግን ደንግ ዢያኦፒንግ ዕላዊ መራሒ ኮምኒስት ፓርቲ ቻይና ይኹን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣይነበረን፡፡ ዳርጋ ኩሉሻዕ ምኽትል ኮይኑ እዩ ባህጊታቱን ራእዩን ዘፈፅም ነይሩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ብድሕሪት ኮይንኻ ምምራሕ (Leading from behind) ዝብሃል ጥበብ ኣመራርሓ ካብ ዝተግበሩ ውሑዳት ሓደ ነይሩ ምባል ይክኣል፡፡ እዝይ ድማ ‹‹ርግዕ ዝበለ ኣእምሮን ርኣዩኒ ርኣዩኒ ዘይብል ስብእናን ይሃሉኻ፡፡ መሪሕነት ኣይትቀበል ግን ዓብዪ ሽቶ ዓሊምካ ስራሕ (Keep a cool head and maintain a low profile. Never take the lead - but aim to do something big.)›› ኣብ ዝብል ማዕዳኡ ንረኽቦ፡፡
ናብ ሃገርና እንትንመፅእ ጠቅላይ ምኒስተር መለስ በ2004 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ሃንደበት ምስ ተፈለየ ኣሎ ዝብሃል መዓርግ ክውሃቦ ጀሚሩ፡፡ ወታደራዊ ምሃንዲስ፣ ከውራርን ቀያስን ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ሃገርና፣ ሓንፃፂ ፖሊሲ ርክባት ወፃእን ድሕንነት ሃገርን… ኣቦ ዕብየትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ወዘተ. ወዘተ. ናቱ ኢድ ዘይብላ ስራሕ ኣይተሰርሐትን ዝብል ስብከት ብሰፊሑ ይጋዋሕ ነይሩ፤ ብዘይካ እቶም ሕመቓትን ሃገራዊ ውድቀታትን፡፡ ጠቅላይ ሚኒስቴር ሃይለማርያም ደሳለኝ እውን ዓላማይ ‹‹ ንቀፃልነት ራእይ መለስ ምስራሕ እዩ›› ክብሉ ቃል ኣትዮም፡፡ ናብ ህወሓት እንትንመፅእ፣ እቶም ‹‹ራእይ መለስ›› እናበሉ ዝፋፅዩ ኣኽረርቲ መራሕቲ ካብ ኣርባዕተ ከም ዘይበልፁ ብሰፊሑ ይንገር፡፡ ብዓልቲ ቤት ኣይተ መለስ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ኣቦ ወምበር ህወሓትን ኣይተ ኣባይ ወልዱ፣ ምኽትሎም ኣይተ በየነ በክሩን ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስን ኣባላት ‹‹ኣርባዕቲኦም ማፍያታት›› ከም ዝኾኑ ይንገር፡፡
ገሊኦም ድማ ክክንዲ ኣይተ ቴድሮስ ሓጎስ ኢታ ማዦር ሹም ሳሞራ ዮንሱ ከም መበል ራብዓይ ይቆፅርዎም፡፡ ገለ ፈለጥቲ ውሽጢ ድማ በየነ በክሩ ናይ ወይዘሮ ኣዜብ ተለኣኣኺ ከም ዝነበረ ይሕብሩ እሞ ኣባይ፣ ኣዜብ፣ ሳሞራን ቴድሮስን እዮም እቶም ኣርባዕተ ማፍያታት ክብሉ ይከራኸሩ፡፡ ብዝኾነ፣ ወይዘሮ ኣዜብ ኣብቲ ዝሓለፈ ‹‹መሪር›› ነቐፈይታን ዓርሰ ነቐፈይታን ካብ ኣባል ፈፃሚት ሰራሕን ማእኸላይ ኮምቴን ከምዝተገለላ፣ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ካብ ኣቦ ወምበርነት ህወሓትን ፈፃሚት ስራሕን ናብ ማእከላይ ኮምቴ፣ ኣይተ በየነ በክሩ ድማ ካብ ኣባልነት ስራሕ ፈፃሚት ናብ ማእኸላይ ኮምቴ ንክወርዱ ተወሲኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ወይዘሮ ኣዜብ ነቲ ነቐፈይታ ክፃወርኦ ስለ ዘይኽኣላ መድርኽ ረጊፀን ከም ዝወፅኣ፣ ድሕራይ ድማ ይቅርታ ሓቲተን ክኣትዋ ፈቲነን ከም ዘይትሳኽዐለን ሆርን ኣፌርስ ዝተብሃል መርበብ ሓበሬታ ፀብፂቡ እዩ፡፡ ጉዳይ ኢታ ማዦር ሹም ሳሞራ ዮኑስ ክሳብ ሐዚ ኣይተፈለጠን፡፡ ብዝኾነ ግን እዞም ኣርባዕተ መራሕቲ ሕሉፋት ትሓለቕቲ ‹‹ራእይ መለስ›› ከም ዝነበሩ ብሰፊሑ ይንገር፡፡ ብኻሊእ ኣገላልፃ እቶም ‹‹ፅቡቕ ኢና ዘለናሞ በዚ ንቀፅል›› በሃልቲ ተባሂሎም ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ እዮም፡፡ ብርግፅ ኣውራ ፀገምና ‹‹ሙስና እዩ፤ስለዝይ ኣንፃር ሙስና ንውፈር›› ዝብል ቅዋም ከም ዝነበሮም እዩ ዝንገር፡፡ ብተወሳኺ ድማ ‹‹ኣርባዕተ ማፍያታት›› ዝብል ቅፅል ይግበኦም ዶ ኣይግበኦምን ዝብል ሕቶ ኣከራኻሪ ክኾን ይኽእል፡፡
ንሐዚ ከም ዝኾኑ ንውሰዶም እሞ ድሕሪ እቶም ‹‹ኣርባዕተ ማፍያታት›› ኣብ ክልልና ይኹን ኣብ መላእ ሃገርና ክኽሰቱ ዝኽእሉ ስግኣታትን ሰናይ ዕድላትን እንታይ እዮም? ንዝብሉ ሕቶታት ቀፂልና ንርኣዮም፡፡
2. ሰናይ ዕድላት
ደንግ ዢያኦፒንግ ትግራይ ከ መን ይኾን? ዶክተር ደብረፅዮን ወይስ ኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ?
መሪሕ ውድብ ህወሓት ፍልፍል ኩሎም ጥፈኣታት ተባሂሉ እንትግምገምን ንጥፍኣቱ ኣሜን ኢሉ እንትቅበልን እቲ ናይ ሎሚ ፈላማይ ከይኮነ ኣይተርፍን፡፡ ዋላ ኳ ሚዛን እቲ ጥፍኣት ናብቲ ዝተስዓረ ጉጅለ የዘምብል እምበር ኣባላት ፖሊት ቢሮን ማእኸላይ ኮምቴን ፍልፍል ሕመቕ እዮም ተባሂሎም ኣይፈልጡን፡፡ ቅድሚ ሐዚ ‹‹እቶም ታሕተዎት እዮም እምበር እቶም ላዕለዎት ድኣ ታይ ገይሮም›› እዩ ዝብሃል ነይሩ፡፡ እቲ ከምኡ ዝኾነሉ መኽንያት እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ተተፈፂሙ ወዮ ተዘይተፈፂሙ ወዮ ዘብል መምረሒ ስለ ዘውርድ እዩ፡፡ ንኣብነት መዳበርያን ልቃሕ ማረትን ንክድዝይ ዝኣክል ገባር ኣእሚንኹም ሃቡ ዝብለ መምረሒ ይወርድ፡፡ እቶም ኣብታሕቲ ዝለው እምብይ ክብሉ ኣይኽእሉን፤ መምረሒ ስለ ዝኾነ፡፡ ንኹሉ ከእምኑ እውን ኣይኽእሉን፤ ኩሉ ልቃሕን መዳባርያን ክጠልብ ስለ ዘይኽእል፡፡ ስለ ዝይ ምስ ሓለፍቶምን ምስ ህዝቦምን ይፃለኡ፡፡ በዝይ መኽንያት ኣውራ ተጠየቕቲ ንሳቶም እዮም ነይሮም፡፡
ሐዚ ግን ካብቲ ‹‹ንቡር›› ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ፍልፍል ኩሎም ፀገማትን ሕመቓትን እቲ ማእኸላይ ከምቴ ብፍላይ ድማ እቲ ስራሕ ፈፃሚ(ፖሊቲ ቢሮ) ከም ዝኾነ መግለፂ ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓት ኣብ ገፂ ሰለስተ ብግልፂ ኣቅሚጡዎ ኣሎ፡፡ ከምዝይ ይብል፣ ‹‹ብሓፈሻ ንዝተከሰቱ ፀገማት ትሓታቲ እቲ ማእኸላይ ኮምቴ እኳ እንተኾነ ኣውራ ትሓታቲ እቲ ፈፃሚ ስራሕ ከም ዝኾነ ተቐቢሉ ዓሚቕ ነቐፈይታን ዓረሰ ነቐፈይታን ኣካይዱ፡፡›› እዝይ ድማ ብዓይነቱ ፈላማይ ይገብሮ፡፡
እቶም ሐዚ ካብ ስልጣን ዝተኣለዩ ኮነ እቶም ኣብ ስልጣን ዝቐፀሉ መራሕቲ ብኹሎም መለከዒታት ዝወደቁ እዮም፡፡ እቲ መግለፂ እውን ከምኡ እዩ ዝብል፡፡ ይኹን እምበር፣ እቶም ‹‹ራእይ መለስ›› ካብ ምባል ወፃኢ ካሊእ ዘይፈልጡ ሰባት ምእላዮም ሓደ ፀጋ እዩ፡፡ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ጀንራል ኣበበ ሌቴናንት ጄነራል ፃድቃን ንዝፅሓፉዎ ‹‹መለስ ዘይምህላው ርእዮም፣ ዝተዳኸምና መሲሉዎም ከጥቅዑና ተላዒሎም›› ክብል ወቒሱዎም እዩ፡፡
ዶክተር ደብረፅዮን ግን ‹‹ፖለቲካዊ ስራሕ ናይ ኩሉ እዩ። ኣብ ኩነታት ዓዱ ዝምልከት ኩሉ በዓል ዋኒን እዩ ኢና ንብል፣ ከምኡ እዩ እውን።ዝኾነ ሰብ ተላዒሉ ሓሳቡ እንትገልፅ እኮ ናይ ባዕሉ ቅዋም እዩ ዘንፀባረቅ ዘሎ። ንምንታይ ተዛረብካ እኮ ኣይበሃልን። መሰል እውን ስለ ዝኾነ ንምንታይ ተዛረብካ ዝብልስ ክመፅእ እውን የብሉን። እዞም መሪሕነት ህወሓት ነበር ምዝራቦም እውን ታይ እዩ እሞ ሓጥያቱ። ኣብ ካሊእ እውን እኮ ኣመራርሓ ዝነበረ፤ ሽግራት እንትለዓሉ ምዝረቡ ልሙድ እዩ፤ ንምንታይ እዩ ዝሕድሽና ወይ ኣባና እንትኾን ፍሉይ ትርጉም ክወሃቦ ዝድለ።›› እዮም ዝበሉ፡፡እዚ ምባሎም ሓደ እቲ መኽንያታዊ ዝኾነ ነቐፈይታ ናይ ምቕባል ፀገም የብሎምን ዝብል ግምተይ ከጠናኽሮ ክኢሉ፡፡ ካልኣይ፣ እቲ ሐዚ ስዒሩ ዝወፅአ ጉጅለ(ንኣይተ ጌታቸው ኣሰፋ ሓዊሱ) ብመጠኑ እውን ተኾነ ለውጢ ናይ ምቕባል ዝምባለ ስለ ዘለዎን ነቲ መንእሰይ መሊእኻ ናይ ምንፃግ ግትርነት ስለ ዘይብሎምን ቁሩብ ምምሕያሻት ክገብሩ ይኾኑ ንክብል ገይሩኒ፡፡ ካብዝይ ብምብጋስ ምናልባት እቲ ሐዚ ዘሎ ዓፋናይ ኣካይዳ ዶ ኾን ከስተኻኽሉዎ ይኾኑ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩለይ፡፡
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን እቶም ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት ብናይ ይምሰል ዘረባታት ክዕገሱ ከም ዘይኽእሉ ዝተገንዘቡ ይመስለኒ፡፡ ቆፂርና ዝሃብናካ ቆፂርካ ተረክብ ዝብሃል ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ከምዘየዋፅእ ፈሊጦም ናይ ሓሳብ ብዙሕነት ዘኽብር ኣሰራርሓ ተዘየኣታቲዎም ግን እቲ ዘሎ ኩነታት ክብእስ እምበር ክመሓየሽ ኣይኽእልን፡፡
ይኹን እምበር እቲ ዘሎ ርእዮተ ዓለም(መስመር)፣ ድርጅታዊ መዋቕር ይኹን ፖለቲኮ-ኢኮነሚክ ፕሮግራም ብደቂ ሰባት ስለ ዝተቀየሰ ብደቂ ሰባት ክቕየር ኣይኽእልን ኣይብሃልን፡፡ እቶም ‹‹ሓደሽቲ›› ተመዘዝቲ ነቲ ለውጢ ካብዝይ ተጀሚረሞ ዝሐሸ ነገር ክመፅእ ይኽእል እዩ፡፡
3. ስግኣታት
እቶም ስግኣታት ካብ ክልተ ዓበይቲ መኽንያታት ዝብገሱ ኮይኖም ኣብ ሰለስተ ከፊልኻ ምርኣይ ይክኣል እዩ፡፡ እቲ ቀዳማይ ነገር ናይ ኣተሓሳስባን ኣመለኻኽታን ለውጢ ዶ ክህሉ ይኾን ወይስ ከም ዘሎ እዩ ክቕፅል ዝብል እዩ፡፡ እቲ ካብኡ ነፂልካ ክርኣይ ዝይግበኦ ድማ እቲ ከይዲ ከመይ ነይሩ ዝብል እዩ፡፡
3.1. እቲ ዝተለመደ ዕንክሊል ይቕፅል ዶ ይኾን?
ኣብ ታሪኽ ህወሓት ናይ ስልጣን ንሕንሕ እምበር ኣብ ርእዮተ ዓለም(መስመር)፣ትካላዊ ኣወቃቅራ፣ ፖሲታትን ስትራቴጂታትን ዘድሀበ መሰረታዊ ንሕንሕ ተኻይዱ ኣይፈልጥን፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ናይ ስልጣን ለውጢ እምበር ናይ ኣተሓሳስባ፣ ኣመለኻኽታን ኣሰራርሓን ለውጢ ኣይተርኣየን፡፡
እቲ ዝልዓለ ሕቶ መን እዩ ዝመርሕ ዘሎ እዩ፡፡ ካብኡ ተበጊሱ ብጉጅለታት ተኸፋፊልካ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ይግበር እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ስዒሩ ይወፅእ፡፡ እቲ ዝሰዓረ ነታ ውድብ ንምድሓን ከም ዝተልኣኸ መለኮታዊ ሓይሊ እንትቁፀር እቲ ዝተስዓረ ድማ ፍልፍል ኩሎም ሕመቓትን ውድቀታትን ከም ዝነበረ ተቆፂሩ ግዳይ ፖለቲካዊ ፀለመ ይኸውን፡፡ እዝይ ንምርግጋፅ ውድባዊ ሕንፍሽፍሻትን 1967ን 1969 ክምኡ እውን 1977 ን 1993 ዓ.ም ምርኣይ ይክኣል፡፡ ኩሎም ብሓይሊ መልጢ ዝተፈትሑ እንትኾን እቲ ዝስዓረ ነቲ ዝተስዓረ ብዘይንሕስያ ብምቅፃዕ ወይ ካብታ ውድብ ብምብራር እዮም ተዛዚሞም፡፡
ኣብዝይ ብምድራኽ እቲ ናይ ሎሚ እውን ከምቶም ዝሓለፉ ናይ ስልጣን ለውጢ ኮይኑ ከይተርፍ የስግእ፡፡ እቲ ሐዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ሽግር እቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ካሊእ ካብ ስልጣን ኣልጊሱ በትረ ስልጣን ስለ ዝብሓተ ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኮንን፡፡ ፍልፍል እቶም ፀገማት ኣፅኒዕኻ ዘላቒ ፍታሓ ክእለሸሎም ይግባእ፡፡ ተዘይኾይኑ ግን እቶም ብህዝቢ ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት ልምዓትን ዲሞክራስን ኣይፍታሑን፡፡ ተዘይፈቲሖም ድማ እቲ ካብ መወዳእታ 2007 ዓ.ም ኣትሒዙ እናተቀፃፀለ ዝመፅአ ህዝባዊ ናዕቢ ከበኣእሶን ክምለስ ናብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ከብፅሖን ይኽእል፡፡
3.2. ንምዃኑ ጉጅለ ኣባይ ወልዱ ንምንታይ ተሳዒሩ?
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ኣቦይ ስብሓት፣ ሃለቃ ፀጋይ በርሀ፣ ስዩም መስፍን፣ ኣባይ ፀሃየ ዝሓዝዎም እቶም ነባራት ተጋደልቲ ናብ መላእ ትግራይ ተንቀሳቂሶም ህዝቢ ብምዝርራብ ኣብ ትግራይ ይርኣዩ ዝነበሩ ኩለመዳያዊ ፀገማት ዘመላኽት ፀብፃብ ንምምሕዳር ክልል ታግራይ ኣቕሪቦም ነይሮም፡፡
እቲ ፀብፃብ ሰናይ ምምሕዳር ከም ዝጠፍአ፣ ፍትሕን ልዕልነት ሕግን ከም ዝጥሓሱ፣ ሙስና ስለ ዘሳፈሐ ዘይምዕሩይ ተረባሒነት ከም ዝነገሰ እዝይ ድማ ቅቡልነት ህወሓት ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቆ ከም ዝሕብር ይንገር፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣቦመንበር ህወሓትን ኣይተ ኣባይ ወልዱን ጉጅለኦምን ነቲ ፀብፃብ ኣይተቀበሉዎን፡፡ በዝይ መኽንያት እቶም ነባራት ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ አባይ ወልዱ ቂም ስለ ዘሕደረ ካብ ስልጣን ንክእለይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ካብ ዝገብር ፀኒሑ እዩ፡፡
ጉጅለ አባይ ወልዱ ነዝይ እናፈለጠ እዩ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ ሙሉእ ተሳተፍቲ እቲ ገምጋም ንክኾኑ ዝፈቐደ፡፡ እቶም ነባራት ተጋደልቲ ኣብ ኣባልነት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ይኹን ፌደራል፣ ካብ ኣባልነት ፈፃሚት ስራሕ ይኹን ማእኸላይ ኮምቴ ካብ ዝእለዩ ፀኒሖም እዮም፡፡ ይኹን እምበር፣ ከም ማንም ኣባል ማእኸላይ ኮምቴ ኮይኖም እዮም ኣብቲ ነቐፈይታን ዓረሰ ነቐፈይታን ተሳቲፎም፡፡ ከምኡ ዝኾነሉ መኽንያት መመሓዳደሪ ደምቢ ህወሓት ስለ ዝፈቅድ ከይኮነስ ከምቲ ኣብ 1993 ዓ.ም ዝተኸሰተ ‹‹ውድብ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ እናሃለወት ሕገ ደምቢ ዝብሃል ነገር የለን›› ብዝብል እዩ ተገይሩ፡፡ እሞ ድማ እቶም ነባራት ተጋደልቲ ንጉጅለ ኣባይ ወልዱ ከም ዘይምሕርዎ እናተፈለጠ፡፡ እዝይ ውድቀት ስትራቴጂ እዩ፡፡ ጉጅለ ኣባይ ወልዱ ንምንታይ ተሳዒሩ? ንዝብል ሕቶ መልሱ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ (ሽማግለታት) ምስ ሙሉእ ስልጣኖም ኣካል እቲ ዋዕላ ንክኾኑ ስለ ዝፈቐደ ዝብል ይኸውን። ንሳቶም እዮም ነቲ ሓዝ ክትሕዝ ዝነበረ ሚዛን ኣዛቢዖም ንስዕረት ዝዳረጉዎ።
እዚ ከይዲ እዝይ ‹‹The end justifies the means›› ይብሃል፤ ዝመፅአ ይምፃእ ረጋጊፅካ/ጠሓሒስካ ውፃእ፡፡ እዝይ እዩ ካብቲ ዕንክሊል ንከይንወፅእ ዝገብር ሕማም፡፡
3.3. ፍፃሜ ዘይብሉ ፀገም ኣፈፃፅማ
መግለፂ ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓት እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ‹‹ ናይ መፍተሒ ኣካል ከይኮነስ ናይ ፀገማት ፍልፍል ካብ ዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ›› ክብል ገምጊሙ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ‹‹ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዝነበራ ተኣማንነት ካብ ምሽርሻር ሓሊፉ›› ስራሕቲ ልምዓታት ገጠርን ከተማን ‹‹ ንሓደጋ ዘቃለዐ ከም ዝነበረ ገምጊሙ›› ይብል፡፡ ይኹን እምበር፣ ሐዚ እውን እቲ መሰረታዊ ፀገም ናይ ኣይድኦሎጂ፣ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ከይኮነስ ናይ ኣፈፃፅማ እዩ እቲ መግለፂ፡፡ እቲ መግለፂ ኣብ ገፂ ሰለስተ( ህዳር 21 ቀን 2010 ዓ.ም) ‹‹ ዋላኳ ብገጠር ይኹን ብከተማ ዝቐረፅናዮም ፖሊሲታትን ዝቐየስናዮም ስትራቴጂታትን ትኽክል ምዃኖም ዘጠራጥር ነገር ተዘይሃለወ ኣፈፃፅማና ዝበፅሖ ደረጃ ብዝኣቀድናዮ ልክዕ ዘተኣማምን መዋቅራዊ ለውጢ ከምፅእ ስለ ዘይኽኣለ ህዝቢ ግቡእ ዝኾነ ጥርጣረ ንከሕድር ምግባሩ ብትኽክል መምዩ›› ይብል፡፡
እዝይ እዩ እቲ ዝልዓለ ስግኣት፤ ፍልፍል ኩሎም ፀገማት ናብ ውልቀ ሰባትን ኣፈፃፅማኦምን ዘውርድ ልሙድ ቀይዒ፡፡ ፀገምና ናይ ኣፈፃፅማ እምበር ናይ ፖሊሲን ስትራቴጅን ኣይኮነን ካብ ዝብሃል ከንደይ ዘመን ገበርና? ፖሊሲታት እንትቅረፁ፣ ስትራቴጂታት እንትቅየሱ ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ወሳኒ ጉዳይ ኣሎ፤ ዓውዲ ዝብሃል፡፡ እቶም ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ናይ ሓንቲ ሃገር ፀገማት ንምፍታሕ ተባሂሎም እንትቅረፁ ታሪኻውን ህልውን ኩነታት ኣብ ግምት ክኣትው ናይ ግድን እዩ፡፡ እዝይ ድማ፣ እታ ሃገር ዘለዋ ሓይሊ ሰብ፣ ገንዘብን፣ መዳርግቲ ኣካላት ኣተሓባቢርኻ ኣብ ዝተኣቀደሉ ግዘ ክፍፀም ይኽእልዶ ዝብል ክምለስ ኣለዎ፡፡ ተዘይኮይኑ እቲ ፖሊሲ ካብ ወረቀት ዝሓለፍ ረብሓ ኣይህልዎን፡፡
ናይ ኣሜሪካ ወይ ናይ ቻይና ፖሊሲ ከም ዘሎ ቀዲሕኻ ኣምፂእኻ ኣብ ኢትዮጵያ ከተግብሮ እየ ዝብል ተሃልዩ ኣእምሮኡ ክምርመር ኣለዎ፡፡ እቶም ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያን ከገልግሉ ዝተቀረፁ ኮይኖም ብኢትዮጵያውያን ክፍፀሙ ከም ዝኽእሉ ርግፀኛ ተዘይኮይንና ዋጋ የብሎምን፡፡
እቶም ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን በቲ ዘሎ ፈፃሚ ስራሕ ክፍፀሙ ተዘይክኢሎም ሰለስተ መኽንያታት ኣለው ማለት ይክኣል፡- ሓደ እቲ ፈፃሚ ኣካል ንከፈፅሞም ዝኽእሎ ብቅዓት የብሉን፡፡ ካልኣይ፣ ንከፈፅሞም ዘኽእሎ ድሌትን ቆራፅነትን የብሉን፡፡ ህወሓት ግን እዞም ሰባት ብቅዓትን ቆራፅነትን ኣለዎም ኢላ እያ መዚዛቶም፡፡ ስለዝይ፣ እታ ውድብ ትሓታቲት እያ፤ እቲ መሰረታዊ ፀገም ካብታ ውድብ ዝፍልፍል እዩ፡፡ እዝይ ድማ፣ እታ ውድብ እትጥቀመሉ መዐቀኒ ብቅዓትን ቆራፅነትን ዝተዛብዐ እዩ ናብ ዝብል ይወስደና፡፡ እዝይ ድማ፣ እቲ ዕንክሊል ከም ዘሎ ንክቅፅል ይገብሮ፡፡ ብሳልሳይ ደረጃ ድማ፣ ዋላ ኳ ብትኽክል ይፍፅሞም እንተሃለወ ተወሰኽቲ ፀገማት የስዕቡ እምበር ፀገማት ኣይፈትሑን ማለት እዩ፡፡ እዝይኣ እቲ ኣመራርሓ(ፈፃሚ ኣካል) ‹‹ ናይ መፍተሒ ኣካል ከይኮነስ ናይ ፀገማት ፍልፍል ካብ ዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ኣሎ›› ምስ ዝብል ገምጋም ብቀጥታ ዝተተሓሐዘት እያ፡፡ ስለዝይ፣ እቲ ፖሊሲ ክሳብ ዘይተቐየረ እቶም ‹‹ሓደሽቲ›› ተመዘዝቲ እውን ነቲ ዘሎ ፀገም ክብእስ ይገብሩ እምበር ክፈትሑዎ ኣይኽእሉን ማለት እዩ፡፡
ብሓፈሻ እንትርአይ ግን፣ እቲ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ‹‹ፀረ ዴሞክራሲ ኣብ ዝኾነ ተግባርን ኣታሓሳስባን ብስፍሓት ንክጣንይ›› ዝገበሩዎ መክኒያታት ልዕልነት ሕጊ ስለዘይኽበር እዩ፡፡ልዕልነት ሕጊ ዘይኽበር ተኾይኑ ተሓታትነትን ግልፅነትን ኣይህልውን፡፡ እዝይ ዝኾነሉ መኽንያት ድማ፣ እቲ ውድብ ሕገ መንግስቲ ተይኮነስ ‹‹ሊበራል ዴሞክራሲ ክበፅሖ ዝኽእል ጫፋ›› ንክትበፅሕ ዘኽእል እዩ ብዝብሎ ወያናይ ዴሞክራሲ ስለ ዝምራሕ እዩ፡፡ እዝይ፣ መነፅሩ እንትኾነ ኣወቃቅራኡ ዴሞክራሲያዊ ጥርናፈ፣ ፖለቲኮ-ኢኮኖሚክ ፕሮግራሙ ድማ ልምዓታዊ መንግስቲ እዮም፡፡ እዞም መነፅራት ብማርክሰ ሌኒን ዝተቀነዩ ስለ ዝኾኑ ምስ ግልፅነትን ትሓታቲነትን ኣይቃደውን፡፡ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣይቅበሉን፤ ንዜጋታት ፀላእን ፈታውን ኢሎም ይፍርጁ፡፡ ብስሩ እውን እቲ ርእሲ ኣብ ላዕሊ ስለ ዘሎ(ፖሊት ቢሮን ማእኽላይ ኮምቴን) ካብ ላዕሊ ተቆፂራ ከም ማይ ቁልቁል ዝወረደት ትእዛዝ ከም ዘላታ ትፍፀም ኣለዋ፡፡ ንላዕሊ ክድይብ ዝኽእል ፀብፃብ ጥራሕ እዩ፡፡ ስለዝይ፣ ‹‹ቆፂርኻ ተቐበል፣ ቆፂርኻ ኣረክብ›› ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ተዘይተቐይሩ መሰረታዊ ዝኾነ ለውጢ ንምምፃእ ኣፀጋሚ እዩ፡፡
4. መጠቃለሊ
ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ፈታኒ ኩነታት ትርከብ፤ ኣብ ቀራን መንገዲ ኢና ዘለና፡፡ ናብ ልምዓት ነምርሕ ወይስ ናብ ጥፍኣት ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ክፍለጥ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ፣ ኢኮነሚዊን ማሕበራዊን ቅልውላዋት ክንዲ ብዘላቒነት ዝፍተሑ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናብኣሱን ምሒር እናቆልቁሉን ይርከቡ፡፡ ስለዝይ፣ ነቲ ዘሎ ኩነታት ብእርይ ቁፅር ተረዲኡ ዘላቒ መፍተሒ ዘምፅኡ ኣተሓሳስባታትን ኣሰራርሓታትን ዘተኣታትው ወሳኒ ኣመራርሓ የድልየና፡፡ በቃ፣ ካብ ህንቀተልቡ ሰሰሪሑ ከስርሕ ዝኽእል፣ ብኣመለካክታን ብኣሰራርሓን ኣብነት ክኾን ዝኽእል መሪሕ ኣካል የድልይ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ልዕልነት ሕጊ ዘኽብር፣ ንትሓታትነት ድልው ኮይኑ ብግልፅነት ክሰርሕን ከስርሕን ኣለዎ፡፡ እዝይ ማለት፣ ጎብለላት መራሕቲ ንምፍራይ ብዝብል መኽንያት ዘላግፅ ከይኮነስ ጎብለል ዝኾነ ትካላዊ ኣሰራርሓ ንምህናፅ ብሓፂሩ ተዓጢቁ ዝሰርሕ እዩ ዘለዎ፡፡ ተዘይኾይኑ ግን መፅኢ ዕድል ሃገርናን ህዝብናን ፅቡቕ ኣይኸውንን፡፡
28 ሕዳር 2010 ዓ.ም
No comments:
Post a Comment