Monday, January 13, 2014
‹‹ኣደዋ፤ እዝ ናዓንተዎ ለ እዝ ናኸዚለ ኣነ እየ ልጠረጥኩዎ››
ሓንቲ ሰፍ ዘይብላ ብዓልተት ነይረናልኹም፡፡ናይ ምዓኮረን መሸንቆቕ ላሕሊሑስ ኣብ ቕድሚ ስድራአን ከይተረፈ ጠራዕራዕ እናበለ ኣፀጊሙለን፡፡እተን ሰበይቲ ማዕረገኛ ስለዝኾና እቲ ድድሕሪአን እናተኸተለ ዝንፋሕ ጥሩምባ ናተን እዩ ኢልኻ ንምእማኑ የፀግም፡፡ንዐአን እውን ክወሓጠለን ኣይኻኣለን፡፡ብምዃኑ ድማ ገለ ነገር ክገብራ ነይሩዎን፡፡
‹‹ሓበን ወደይ፤ ድሕሪ ሐዚ እንተድኣ ጠሪጠ ንስኻ ከም ዝጠረጥካዮ ክትዛረብ ኣለካ፤ ኣነ ኣዴኻ እውን ሓዲሽ ጫማ፣ስረ፣ጁባ፣ከረመለ…ዝደለኻዮ ኹሉ ክገዝአልኻ እየ ልወደይ›› ኢለን ንቲ ንእሽተይ ወደን ንክትሓባበረን ኣእሚነንኦ፡፡ድሕሪኡ ንሰን ብዘምለጠን ቑፅሪ ናቱ ምንዛዝ ልሙድ ኾይኑ፡፡‹‹ውላዳ ዘይብርያ ኣድጊ ጥራሕ››ከም ዝብሃል፤እተን ሰበይቲ ብዘይሕንከት ይሰድኦ፤ሓበን ወደን እሱ ከምዝጠረጦ ይናዘዘለን፡፡ናይ ሕልና ዕረፍቲ ረኺበን፡፡
ሓደ እዋን ልኹም ክቡራት ኣጋውሽ ክጥይቑወን ናብ ገዝአን መፂኦም፡፡ወዮ ‹‹ፍሬኑ›› ዝለቐቐ ኣመለኛ መዓኮር ከም ልማዱ ብድሕሪተን ኮይኑ ‹‹በቖቕ…በዓዕ…ጢዝዝዝ…››ክብል ጀሚሩ፤ኣብ ቕድሚ ኣጋውሽ!!! ሓበን ወደዲኡ ኣብ ደገ ይፃወት እናሃለወ ድምፂ ስለዝሰምዐ ሃንደፍ ሃንደፍ እናበለ ይኣትው እሞ፣‹‹ኣደዋ፤ እዝ ናዓንተዎ ለ እዝ ናኸዚለ ኣነ እየ ልጠረጥኩዎ!››
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment