Sunday, January 19, 2014

ሕቶታት ወርቅታት ደደቢት (2ይ ክፋል)



ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ከም ዝተወለዐ ሽሙየ፣ማሚትን ብርሃነ ጋኖን ከም ሓደ ስድራ ኮይኖም ዘደርፉዋ ‹‹እዛ መሬተይ››  ዘርእስታ ብሸውዓተ ክፋላት ዝቐረበት ናይ ተዋስኦ ደርፊ ተዘንትወልና፡፡
‹‹እዛ መሬተይ›› ቁፅሪ ሓደ፡- ከም ናይ ሽሙየ በዓልቲ ገዛ ኾይና ዝትዋሳእ ተጋዳሊት ማሚት


‹‹ዕንጨይቲ ሃምባሃምቦ ዘይቐለጠ
ዕንጨይቲ ሃምባሃምቦ ዘይቐለጠ
ዘይዘመና ምዃና ታፈሊጠ…››




እናበለት እንትጥሕ ንርኢ፡፡እቲ ዘመን ንሱ ብሓቂ እውን ንህዝቢ ትግራይ ፈታኒ ዘመን እዩ ነይሩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ዶ ‹‹ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምድራቕ›› ብዝብልዎ ሰይጣናዊ ሸርኮም ኣድራሻኡ ንከጥፍእዎ ዝህንደዱ ዕሱባት ደርጊ ብፈጣሪ እውን ተሰፋ ዝቖረፀሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ንሱ ኣብ መላእ ትግራይ ዝናብ ከይኮነስ ካብ ሚጋት ደርጊ ቁምቡላታት እዩ ዝወርዶ ዝነበረ፡፡ኩሉ ነገር ሓዊ እዩ ነይሩ፤ ብላዕሊ ሓዊ ብታሕቲ ሓዊ፡፡መን ከምዝቐትለካ፣ምዓዝ ከምዝትስዋእ ኣይፍለጥን፡፡ንስደት ዝጉዓዝ ህዝቢ ብሕሱም ጥምየትን ማይ ማፅምእን ፈቖዶ በረኻ ይተርፍ፡፡
ክሓልፍ እዩ ኢሉ ኩዕንትን ቆፅላመፅልን እና ተሸማጠጠ ኣብ ገዛኡ ዝፀንሐ በወታደራት ደርጊ ይርሸን፡፡ንሰፈራ ንክኸይድ ይግደድ፡፡ብሓቂ እውን ‹‹ዘይዘመና ምዃናስ እንታይ ፈሊጠ›› ዘብል እዩ ነይሩ፡፡


ወይዛ ዘመን እዚኣየ
ሓዲኡ ተትገብር ምሓሸኒ ድኣየ
ድኻ ድኻ ትደኽደኽ ኣደኻ
ኣፅገብካዮም ሰረኛ ባዕልኻ
ፅራይ ሰትዮም ሓተላ ዝህቡኻ
እቲ እኳ እንተ ፈቲወምካ 


ብምባል ንቲ ሻዓኡ ዝነበረ ደርባዊ ወፅዓ ብመስተንክራዊ ኪነቱ የዘንትወልና፡፡ፍትሒ ዝብሃል ነገር ዘይሕሰብ ከም ዝነበረ ዋዕላ ዳያኑ ኮለል ኣቢሉ የርእየካ፡፡ሐዚኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኢና ዘለና? ኢልኻ ንክትጥይቕ እውን ይደፋፍአካ፤ ተጋዳላይ ሹሙየ፡፡ሐዚኸ ‹‹ከብዶም ብግዕዝም ክቕደድ ዝበለ››ዳያኑ ዶ እነሄቡን ኢልካ ንክትድምድም ይገብረካ፡፡


ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ድርብ ወፅዓ ብረት ኣልዒሉ፣ካልኣይ ወያነ ኣካይዱ ታሪኻዊ ማንነቱ ኣኽቢሩ፡፡ጎልዐም ፀላእቱ ብቐላፅሙ ኣወጊዱ፡፡ይኹን እምበር ሐዚ እውን ንቲ ዝኸፈሎ መሪር መስዋእቲ ዝድብስ ልምዓት፣ፍትሕን ዲሞክራስን ኣይረኸበን፡፡እሞ ኸ እንታይ ይገበር? ሳልሳይ ወያነ የካይድ? ወይስ ንግዚያዊ ጥቕሚ ክብል ምስ ታሪኻዊ ጓዕፀፅቱ ሓቢሩ መቓብሩ ክፍሕር?


ህ.ወ.ሓ.ት ንባዕላ ክትሓትት ይግባእ፡፡ንሕና እውን ክንሓታ ኣለና፤ ‹‹ሓዚ ኸ ናበይ እዩ ጉዕዞኻ ኣውገዐናንዶ ሓየትጎሚዳ?›› ኢልና ክንሓቶም

ይግባእ፤ከም ተኽላይ መስፍን(ወዲ መህረይ)፡፡ንብስ ሄር ተጋዳላይ ብርሃነ ጋኖ፤ ‹‹ኣብቲ ማዕዶ መንኢኻ መንኢኻ? ቡኡ ኣይኮነን መንገዲገጊኻ፡፡›› እና በለ ዝደርፋ ሙቅርቲ ደርፊ ሐዚ እውን ክንደርፋ ይግባእ፡፡ነቶም መረሕቲና ‹‹ብኡ ኣይኮንን መገዲ ገጊኹም›› ንበሎም፡፡ንሶም እውን ‹‹ናብዚ ቕረብ መንገዲ ኣርእየና፣ ኣጆኻኒ ተጋደልቲ ኢና›› ኢሎም ሓቀኛ መናንነቶም ክነግሩናን ብጉሓቱ ስሕተቶም ንክንእርሞም ከተባቡዑናን ኣለዎም፡፡


ሕቶታት ወርቅታት ደደቢት ሐዚ እውን መሊስና መላሊስና ክንሓቶምን ዘዕግቡ መልስታት ክንረኽበሎምን ናይ ግድን እዩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ሐዚ አውን ይሓትት እዩ ዘሎ፡፡ደቂ ተጋደልቲ ‹‹ንገርንንዶ ሓለፋይ፤ኣያይ ናበይ ኸይዱ ኣብሻይ›› ብምባል እናሓተቱ ይርከቡ፡፡እወ! እቶም ተባዓት ኣያታትና ናበይ ከይዶም? ኣበይ ተሪፎም? ሩባታት ትግራይ ክንኾሎም ኣለና፤ ጎቦታት ትግራይ ክንኾሎም ኣለና፤ጎላጉል ትግራይ እንታይ ይመስሉ?ንኹለሎም ንሕተቶም፡፡


መሬት ትግራይ ብደም ደቃ ንክተለምዕ እዮም ጀጋኑና ፈቖዶ ሽንጥሮታት ዝተፉ፤ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈሉ፤ዝጠመዩ፣ዝዓረቑ…ዝቖሰሉ፡፡ሕድሮም ክኽበር ኣለዎ፡፡ካሊእ መስዋእቲ ኣየድልየናን፤ካሊእ መቑሰልቲ ኣንፅበን፤ ጥምየት ዕርቃን፣ፃምእ ሰናይ መምሕዳር፣ፃምእ ፍትሒ ይኣኽሎ፡፡ኣዕፅምቲ ስውኣት ፀሓይ ከይወቕዐን ትግራይ ብኣግራብ ክትሽፈን ኣለዋ፡፡ስለዚ ሐዚ እውን ‹‹ኲናት ዝሓሰያ ዓደይ ዓይነይ፣ ዳሕን ዶ ኣላ ትግራይ?›› እናበልና ክንሓትት ግድን እዩ፡፡


እቲ ፀልማት ቀትሪ ‹‹ወጊሑዶ ገና›› ኢልና ክነጠያይቕ ኣለና፤ተባዓት ተጋድልቲ ኢትዮጵያን ጠርጣራውን ደርጊ ምስተደምሰሰ ከምዝሓተትዎን እቲ ኹነታት ኣዝዮም ከም ዝገለፅዎን፡፡ትግራይና ሐዚ እውን ሰቲ ኣይኾነትን ዘላ፡፡‹‹ጋድም ቁራፅ ተመን፣ ተፀጊዑ ኣብ ኳና፣ ፅሩይ ማይ ክንሰቲ ዓለቕቲ ኣሎ ገና›› ሎሚ እውን ሓቂነቱ ዘይሃሰሰ ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡


ሕቶታት ወርቂታት ደደቢት ኩሉሻዕ እናልዐልና ክንሓቶም ዝግበኡ ሑቶታት ህዝቢ ትግራይ እዮም፡፡ሎሚ እውን ከም ቀደም ሕቶ ምሕታት ክንፈቱ ኣለና፡፡ንሕና እንታዎት ኢና? ኣበይ ነይርና?ኣበይ ኣለና?ብኸመይ ኢና ኣብዚ በፂሕና? ኣበይ ክንበፅሕ ንደሊ? ብኸመይ? ዝብሉ ሕቶታት ብደርፊታቶም ኣልዒሎሞም እዮም፤ ወርቂታት ደደቢት፡፡ዝኾነ ይኹን ሳይንሳዊ ምህዞ ካብ እዞም ሕቶታት እዚኦም ይብገስ፡፡


ወርቂታት ደደቢት ተባዓት ተጋደልቲ ጥራሕ ኣይነበሩን፤ዕቱባት ከየንቲ እዮም ነይሮም፡፡ተበላሓቲ፣ተመራመርቲ፣ ምሃዝቲ እዮም ነይሮም፡፡ንሕናኸ ሕቶታቶም ንምልዓል ድልዋት ዲና? ድቃስ ለይቲ ዘስእኑ ሕቶታት ምስ ዘጋጥሙና ‹‹ህዝቢ እዩ ሓይልና፣ መስመር እዩ ሓይልና›› ኢልና ንምቅላስ ዘለና ቆራፅነት እንታ ይመስል?


ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!!
ፍትሒ፣ልምዓትን ሰላምን ንህዝቢ ትግራይ!!!







No comments:

Post a Comment