ንእሽተይ ቆልዓ እናሃለኹ ‹‹ዕትሮ ዝሕከም… ዕትሮ ዝሕከም… ዕትሮ ዝሕገከም ደሎ?›› እናበሉ ዓዲ
ንዓዲ ዝዘሩ ተጋሩ ነይሮም፡፡ሓንቲ በዓልተት ክሳደን ቅልቅል ኣቢለን ‹‹ክንደይ?›› ኢለን ይጥይቓ እሞ እቶም ሓካሚ ዕትሮ ድማ
‹‹ከም ነቃዕኹን›› ኢሎም መለሱለን ይብሃል፡፡እዛ ቀልዲ እዚኣ ኩሉ ስለዝፈልጣ ብዙሕ ተስሕቕ እያ ኢለ ኣይኮንኹን ሐዚ ዘልዐልኩዋ፡፡ካሊእ
መኽንያት ኣለኒ፡፡
ኣብ አዲስ አበባ ብዙሓት ተጋሩ ከምዘለና ይፍለጥ፡፡አረ ንሕና ተጋሩ ዘይንረከበሉ ክፋል ዓለም ዘሎ ዘይመስሎም ብኹዕ
ርእሶም መረሕቲ እውን ሓሊፎም እዮም፡፡ ሓደ ማዓልቲ እዩ ይብሉዋቶ ሓደምሁር ንሃፀይ ሃይለስላሴ ኣብ ክፍሊ ዓለም ኣንታርቲካ ሰብ
ከም ዘይነበር ይነግሩዎም፡፡ እቶም ሃፀይ ግን ኣይተወሓጠሎምን ‹‹ሌላስ ይቅር ትግሬዎችም አይኖሩበትም?›› ኢሎም ሓተቱ ይብሃል፡፡ብሓፂሩ
‹‹ትግራዋይ ዘይብሉ ክፋል ዓለም የለን›› ንምባል ደልዮም እዮም፡፡እወ፣ ብኣሻሓት (ሐዚማ ብምልዮናት እውን ንኸውን ንኽእል) ዝንቑፀር
ተጋሩ ኣብኩሎም ኩርናዓት ዓለም ናብራ ስደት እናመራሕና ከምእንርከብ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡
ዳሕን፣ እቲ ሕሉፍ ተጓንፎ ስደትስ ብዙሓት መኽንያታት ነይሮሞ እዮም፡፡ሐዚ ኸ ንምንታይ ኢና እንስደት ዘለና? መረሕቲ
ህወሓት ንምንታይ እዮም ዘይምሃሩ? ወይስ ንሳቶም እውን ድሮ ፀጊቦምስ ልቦም ተደፊኑ እሞ ብሕሱም ጥሜት ተሓስዮም ፈቖዶ መንገዱ
ዝወደቑ ሬሳታት ዝረኣየት ጓል ንጉስ ‹‹እዞም ሰባት ንምንታይ እዮም ዝሞቱ ዘለው?›› ኢላ ነቦኣ እንትሓቶም ‹‹ጠምዩዎም›› ኢሎም
ምስ ዝምልሱላ ‹‹ኬኮም ዘይበልዑ›› ከም ዝበሎቶ እዮም ኾይኖም፡፡እቲ ካብ ዓለም ብጣዕሚ ዝመረረ ቃልሲ ኣካያይዱ ናብ ስልጣን ዘብፅሖም
ተባዕ ህዝቢ ንምንታይ እዮም ዝኸድዕዎ ዘለው?
ህዝቢ ትግራይ ብዙሓት ፀልማት ቀትሪ ዝኾኑ እዋናት ኣሕሊፉ እዩ፡፡ ዘበን በጠቖ ተባሂሉ ዝፍለጥ በ1951 ዓ.ም ዝተኸሰተ
ዘምን ኣካሒዳ ትግራይና ናይ ወዲሰብን ጥሪትን ምደረ በዳ ገይሩዋ ሓሊፉ እዩ፡፡ብዙሓት መንደራት ሰፈርተን ናብ ስደት ገዲፎምን ስለዝኸዱ
ተዓፂወን ተሪፈን እየን፡፡ድርቂ 1977 ዓ.ም ድማ እቲ ካሊእ ብጣዕሚ ዘስካሕክሕ ናይ ፀበባ ግዜ እዩ ነይሩ፡፡ትግራይ ዓዲና ብመሬት
በደርጊ ወታደራት ብላዕሊ ድማ ብነፈርትን ካብ ወትሩ ብዝብኣሰ ኩሉነገራ ቐሊዓ ናብ መሬት ብዝቐረበት ፀሓይን ከምቖሎ ተቐሊውን ከምጠጥቖ
ተጠጢቑን እዩ፡፡ሐዚ ኸ እንታይ ክሳብ ዝኸውን ኢና ሱቕ ኢላ እንርኢ ዘለና? ብጭርሖን ፈኸራን ዝማዕበለት ሃገር ዶ ኣላ እያ? ንምንታይ
እዮም እቶም ብጣዕሚ ግዕዙያትን ድኹማት መረሕትን ብኻልኦት ክኢላታት ዘይቕየሩ? ንምንታይ እዮም እቶም ድርዕቶታት ተኣልዮም ከም
እኒ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዝበሉ ምስቲ ግዜ ተስማዕሚዖም ብዝጉዓዙ ንፉዓት መራሕቲ ዘይትከኡ?
እዚ ካብ በልኩ ናብቲ ኣገዳሲ ዛዕባይ ክምለስ እሞ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስለዘለው ተጋሩ ክነግረኩም፡፡ከምቶም ቅደም ‹‹ዕትሮ ዝሕከም… ዕትሮ ዝሕከም…
ዕትሮ ዝሕገከም ደሎ?›› እናበሉ ኻብዶም ንምዕንጋል ኣእጋሮም ክሳብ ዝሓልቁ ፈቖዶኡ ዝዘሩ ዝነበሩ ተጋሩ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ
መላእ ኣዲስ ኣበባ እናዘሩ ዝውዕሉ ተጋሩ እዮም፡፡
ካብ ስሌን(ሽለን) ዝተሰርሐት ንእሽተይ ዘምቢል ኣንጠልጢሎም ‹‹ብቁልቲ…ብቁልቲ…ብቁልቲ…ብቁለቲ አለ ብቁልቲ…›› እናበሉ
ዝዘሩ ሰውነቶም ምሒር ዝተጎሳቆሉ ሰባት እንተሪኢኹም ተጋሩ ምዃኖም ኣስተውዕሉ፡፡ተደሊኹም ብትግርኛ ኣዛርቡዎም፡፡ ትግራዋይ ብምርኻቦም
ጥራሕ ኩሉ ነብሶም ብታሕጓስ ስኒኾይኑ ‹‹ብነፃ እንተይጋብዝኩኻ›› ኢሎም እንትከራኸሩኒ ብዙሕ ግዜ ተዓዚበስ በኽየ እየ፡፡እዞም
ህርኩታት ሰራሕተኛታት እዚኦም መብዛሕቲኡ ዓዳጋኦም እንዳመሸታ ስለዝኾነ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዓታት ከምዘሕለፉ እንተውጉዑኒ ምፍጣረይ
ክሳብ ዝፀለእ ይሓዝን፡፡ንባዕለይ ክኢለ ንዓቶም ዝኸውን ስራሕ ብዘይምፍጣረይ ንነብሰይ ይንዕቃ፡፡
እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መወልወሊን መፅረጊን ተሸኪሞም ‹‹መወልወያ መጥረግያ…መወልወያ መጥረግያ…›› እናበሉ ውሽጣ
ውሸጢ ኣዲስ ኣበባ እናባፀሑ ዝውዕሉ ብኣካዳድነኦም ብጣዕሚ ዕሩቓት፣ ብንእስነቶም ብጨው ከምዝተሓፀቡ ውቃቦኦም ዝፋሕሸው መናእሰያት
ተጋሩ እዮም እሞ ኣስተውዕሉዎም፡፡ቐሪብኹም ሕተትዎም፤ፅልግልግ ዝበለ ኣንፈት ጉዕዞም ብግልፂ እዩ ኣብ ገፆም ዝንበብ፡፡ግን ድማ
ሓንቲ መወልወሊት ገዚእኹም ንቑርብ ብትግርኛ ተተውግዑዎም ከምይ ክምዝሕጎሱ ብቀሊሉ ትዕዘቡ፡፡እዞም ሕፁባት መዓናጡ ዝኾኑ ተጋሩ
ሰነፋት ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ፈቖዶኡ ሃርኮት እናበሉ ዝነብሩ ዘለው፡፡ሰሪሖም ንባዕሎም ዝእንግድሉ ዕድል ስለዝስኣኑ እዮም፡፡እቶም
ብዓሌት ተመዚዞም ኣብዘይቦታኦም ዝተቐመጡ ግሓሑ ግን ብዛዕባ እዚኦም ኣይግደሱን፡፡
ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ንገሊኦም ሓዚለን ንገሊኦም ድማ ኣእዳዎም ሒዘን ሕርካም፣ተዓሪፋ…ወዘተ ክልምና ቀፈንዘው
ዝብላ ዘለዋ ኣዴታት እውን ተጋሩ እየን፡፡እተን ኣዴታት ተጋሩ ካብ ከሚሴን ካልኦት ከባቢታትን ካብዝመፅኣ ስደተኛታት ናይ ገፀን
ወዝ ርኢኹም ብዘይምንም ፀገም ተለለይዎን፡፡ኣዴታት ተጋሩ ግን ክሳብ መዓዝ እየን ከምዚ ዝዓይነቱ መስካሕከሒ ናብራ ክመርሓ? እዘን
ዋዕሮታት ትግራይ ምስደቀን ኮይነን በቢእዋኑ ንክዕምፅፁና ዝመፅኡ ወረርቲ ድርቡሽ፣ ግብፂ፣ጣልያን፣ ኃይለስላሴ፣ ድሓር ድማ ንደርጊ
ደኲዐን ኣባሪረን እየን፡፡ ንድኽነት ግን የሻል ከብልኣ ኣይኽኣላን፡፡ምኽንያቱ ድማ እቶም ኣብ ስልጣን ዝተቐመጡ ኣህባይ ‹‹መሬት
ትግራይ ተተግልበጥስ ኩዕንቲ ምፀገብና›› ኢሎም ካብ ምምናይ ንላዕሊ ክሓስቡ ስለዘይኻኣሉ እዩ፡፡ኣቱም ኣህባይ! መሬት ትግራይ እንተድኣ
ተገልቢጣስ እቲ ኩዕንቲ ኣበይዳነኹም ኾይንኹም ኢኹም ክትበልዕዎ? ሕሰቡ!!!
ብሓፈሻ ክምቲ ሴቭ ዓድና ዝበሎ ጎደናታትን አስፋልቲታትን ኢትዮጵያ ተዛረብቲ ትግርኛ እየን እሞ ሃየ ድኣ ኩርፋን
ኣይነብዝሕ፡፡ደርጊ ተሳዒሩ እዩ፤ ስርዓት ደርጊ ግን መሊኡ ኣይተምበርከኸን፡፡ደርጊ ማለት ድማ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ወታደር ከምዘይኾነ
ክነስተውዕል ይግባእ፡፡ትግርኛ ዝዛረቡ መምሰልቲ ጉሒላታት ነታ ህዝቢ ትግራይ ሂወቱን ንብሩቱን ከፊሉ ከምህፃን ቆልዓ እሩሩ እናበለ
ሓብሒቡ ናቢዚ ዝብፅሓ ውድብ ህወሓት ሞጭሊፎማ እዮም፡፡ንሕበር ንቃለሶም…ካብ ጓጓና ነልግሶም፡፡ነቶም ካብ ባዕሎም ንላዕሊ ንህዝቢ
ትግራይ ዝተቓለሱ ሓቀኛን ተባዓትን ስውኣትና ብልምዓትን ዲሞክራስን ንሓብሶም፡፡
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ነቲ ሃርኳት ህዝቢ ትግራይን ንዓወት 20 ጉንበት ዝብፀሑና ስውኣትን!!!
No comments:
Post a Comment