Monday, May 12, 2014

‹‹ኣይሃብኻ፣ ትኩስ ግዓት ኣብኢድኻ››



ኣብ መቐለ እዮም ተፋሊጦም፡፡ ንሱ ኣብ መምህራን ኮለጅ ተማሃራይ እንተሎ ንሳ ድማ ናይ ጥዕና ጣብያ ተማሃሪት ነይራ፣ ደቂ ሓደ ወረዳ ስለዝኾኑ ወርሓዊ ፀበል ሓቢሮም ይሰትዩ ነይሮም፡፡ስልጣነኦም ወዲኦም ምስ ተመረቑ ክልቲኦም ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ በቢሞያኦም ስራሕ ተመዲቦም፡፡እቶም ደቂ ዓዶም ዝኾኑ መሓዙቶምን ዓፅመ ስጋ ቤተ ሰቦምን ኣብቶም ክልተ ወራዙት ዝነበረ ንንሕድድኻ ብፍቕሪ ምጥምማትን ምድልላይን ብምዕዛብ ብሓዳር ንክጣመሩ ይደፋፍእዎም ነይሮም፡፡ውሽጦም እናደለየ ብዕንይንይ ተግባራዊ ከይገበሩዎ ፀኒሖም፡፡

መምህር ድያቆን ካሕሳይ ታደለን ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ጣሰውን ይብሃሉ፡፡እቲ በብገፆም ዝሓልምዎ ተማሂሮም ናብራኦምን ናብራ ስድራኦምን ምልዋጥ እዩ ነይሩ፡፡ክልቲኦም ናብራ ንምሽናፍ ዘይወረድዎ ቁልቑለት የዘይደየብዎ ዓቐበት የለን፡፡ንምልዋጥ ዝተሃንጠው ሰባት ኩሉሻዕ ብዛዕባ ፅባሕ እምብር ብዛዕባ ትማልን ሎምን ብዙሕ ኣየስተባህሉን፡፡ብስሩ እውን መብዛሕቲኦም ደቂ ሰባት ‹‹ትማሊ ኣብ ምንታይ ኹነታት ነይረ፣ሎሚ ኸ ከመይ ኣለኹ፣ ካብ ትማልን ሎምን ብምብጋስ ንፅባሕ ክህልወኒ ዘለዎ ስብእና እንታይ ክኸውን ኣለዎ?›› ኢሎም ኣይኮኑን ንባዕሎም ዝሓቱ፡፡ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምውድዳር ድኣ ዓብዪ ፀጋ እንድዩ፡፡ኩሉሻዕ ንርእሶም ምስ ካልኦት ሰባት የነፃፅሩን የወዳድሩን፡፡ምስ ክንደይ ቢልዮናት ተወዳዲርካ ክዝለቕ? እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ውህብቶ ካልኦት ኣይተዓደልዎን፤ ይኹን እምበር ብዙሕ ኣይግደስሉን፡፡እቲ ካልኦት ዝተዓደልዎ ድማ ኣብ ኢዶም የለን፤ ንዙይን ወድ ዙይን ንምርኻብ እዮም እምብኣር ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩን ዝንብሩን፡፡


ኣብዚ ሐዚ እዋን ብናይ መምህር ወርሓዊ ደሞዝ ምንባር ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ዓመት ዓመት ካብ ዝፈትዉዎን ዝሰልጠንሉን ሞያኦም እናለቐቑ ናብ ካልኦት ጨንፈራት ስራሕቲ ዝኣትው መምህራን ምቑፃር እኹል እዩ፡፡መምህርነት ገዲፎም ኣብ ካልኦት ሞያታት ንምስራሕ ካብ ታሕቲ ‹‹ሀ›› ኢሎም ዝጅምሩ ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም፡፡ዝተወሰኑ ጉሒላታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ዕዮታት መንግስቲ ብምልጣፍን ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ብምጉሕጓሕን ሰብ ቐቲሎም ልዕሊ ሰብ ይኾኑ፡፡ገሊኦም እውን ገለ ሸቐጣት(ኮንትሮ ባንድ ሓዊሱ) ካብ ዕዳጋ ናብ ዕዳጋ ብምውቓ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሰብ ሃብቲ ኮይኖም ከፍ ይብሉ፡፡ገሊኦም ድማ ናብ ዓዲ ዓረብን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ብምስዳድ እንተስ ጉልበቶም ወይ ድማ ክእለቶም ሸይጦም ዶላራት ተፃዒኖም ይመፅኡ፡፡እዝ ኹነታት እዚ ካብ ጉሓቱ ዝተዓዘቡ መምህር ካሕሳይ ‹‹መምህር›› እናተባሃሉ ብድኽነት ትኣሲሮም ንዘይምንባር ወሲኖም፡፡

ፈለማ ምስ ሓደ ምሓዛኦም ብምዃን ካራምቡላ ገዚኦም ከፃውቱ ጀሚሮም፡፡ብዙሕ ከስቢ ስለዘይረኸቡላ ዳርጋ ብዓይኒ ዋናኣ መሊሶም ሸይጦማ፡፡ቀፂሎም ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ እናምሀሩ ቀዳምን ሰንበትን ድማ ክሳብ ቀልቀል ዓፋር ብምንቅስቃስ ዘይሕጋዊ ንግዲ(ኮንትሮ ባንድ) ከይተረፈ ክነግዱ ጀሚሮም፡፡ናብ ከባቢ ስዱሽተ ሸውዓቲ ሽሕ ዝፅጋዕ ንብረት ምስ ኣፍረዩ ኣብ መንጎኡ እቲ ንብረቶም ተወሪሱ፡፡በቃ ተስፋ ንግዲ ውሕጅ ወሲድዎ፣ ኣብ ሃገሮም ሰሪሖም ክሓልፈሎም ከም ዘይኽአል ኣረጋጊፆም፡፡ካብ ሃገሮም ንምስዳድ ወሲኖም፡፡በረኻታት ዓፋር ኣቆራሪፂካ ንዓዲ ዓረብ ወይ ድማ ናብ ሃገራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ዕዝር ኢልኻ ምጥፋእ፡፡ሃገረ ኣሜሪካ ዜጋታታ ክሰርሕዎ ዘይትደልዮም ስራሕቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓጥ ዓለም ዓመት ዓመት ብ‹‹ድቪ›› መልክዕ እናሰብሰበት እያ ተስርሕ፡፡መምህር ካሕሳይ ‹‹ድቪ›› መሊኦም፤ ዕፃ ሸረር ኢላ እንሓደገት በፂሓቶም፡፡ሕልሚ ስደት ጋህዲ ኾይኑ፤ ጉዕዞ ንዓዲ ኣሜሪካ፡፡‹‹ሲስተር›› ጊደተ ‹‹ቃል ኪዳን ንእሰር›› ኢላ ሓቲታቶም፡፡‹‹ኣይ ሐዚ ክምቲ እትርእይኒ ዘለኺ ዕረፍቲ የብለይን፤ ካብ መቐለ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ‹ፕሮሰስ›› ንምስላጥ ይፃፋዕ እየ ዘለኹ፡፡እግዚሔር ተፈቒዱ ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ክመፅእየ እሞ ሻዓኡ ክንገብሮ ኢና›› ኢሎማ፡፡

መምህር ካሕሳይ ጉዕዞኦም ዕንቅፋት ኣይገጠሞን፤ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ከቲሞም ዶላራት ክዓትሩ ጀሚሮም፡፡ይኹን እምበር ናብራኦም ከምቲ ዝተፀበይዎ ሙሉእ ክኾነሎም ኣይክኣለን፡፡መፅሓፍ ቅዱስ ‹‹ወዲ ሰብ ንብሒቱ ክነብር ግቡእ ኣይኮንን›› እዩ ዝብል እሞ ንመምህር ካሕሳይ ዶላራት ተተርኢስካ ናብራ ፅምዋ ክድፈኣለም ኣይካኣለን፡፡ብምዃኑ ድማ ብሓሳብ ናብ ድሕሪት ንክጉዓዙ ተገዲዶም… ናብታ እናፈተውዋ ግን ድማ  ፅምዲ ኣዒንቲ ድኽነት ልሕስስ ኣብሎም ኣጥፊኦም ብመስኮት ወርዊሮም ንምዕዛር ንድሕሪት ገዲፎማ ዝርሓቑን መቓብር ዕትብቶም ዝኾነትን…ትግራይ፡፡ናብታ ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ዝገደፍዋ ሃገረ ኢትዮጵያ፡፡ለካ ወዮ ዶላርስ ንሂወት ወዲ ኣዳም ፍፅምቲ ኣይገበራን፡፡ዝሓዙ ሒዞም ብዛዕባ ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ምሕሳብ ጀሚሮም፡፡ እንተስ ብስልኪ እናተደዋወሉ፣ ወይ እውን ብ‹‹ኢ-ሜል›› መልእኽቲ እናተለዋወጡ ርክቦም ኣማዕቢሎሞ፡፡መምህር ካሕሳይ፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ንክመራዓው ወሲኖም፡፡ኩሉ ነገር በቲ ዝተተሓዘሉ ግዜ ተግባራዊ ኾይኑ፤ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ተመራዒዎም፡፡

ይኹን እምበር ነቲ መርዓ ሕምስ ዘብል ከቢድ ኩነታት ስለዘጋጠመ ኣብ ክንዲ ደስታን ታሕጓስን ጭንቀትን ጓሂይን ኣንፀላሊውዎም እዩ ሓሊፉ፡፡ብመሰረት ንቡር ሃይማኖታውን ባህላውን ስርዓታት ኣብ ቤተ ክርስትያን ብተክሊል ቆሪቦም ምስተመለሱ ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ብፅኑዕ ሓሚማ፡፡ኣእጋራ ሓቢጦም ምንቅስቃስ ኸሊኦማ፣ ሕሊናኣ ብምስሓት ዘሎን ዘየሎን ክተሓዋውስ ጀሚራ፡፡‹‹ኣይሃብኻ!›› እንድዩ ዝብሃል፣ ታሕጓስ መርዓ ታሕጓስ ሕንጉሊጣ ኾይና፡፡እዞም ካብ ልቦም ዝፋቐሩ ወራዙት ድሕሪ መርዓ ኣብ ክንዲ ካብ ጫጉላ እንዳ ወዲ ናብ እንዳ ጓል መልሲ ግብእ እናተመላለሱ ክምረቑን ክሕጎሱን፣ ካብ ሆስፒታል ናብ ማይጨሎት(ማይ ፀሎት) ፣ ካብ ማይጨሎት ድማ ናብ ሆስፒታላ ብምምልላስ ግዜኦም ኣጥፊኦሞ፡፡ናይ መምህር ካሕሳይ ናይ ዕረፍቲ መዓልትታት ብኸምዚ ባኺነን ተሪፈን…ናይ እንጀራ ነገር ስለዝኾኖም ኣእጋሮም እናጠወዩ ናብ ኣሜሪካ ተመሊሶም፡፡ ሕልሞም ግን ‹‹ሲስተር›› ጊደተ ካብ ሕማማ ትፍወስ እሞ ናብራ ዓለም ሓቢሮም ኣብ ኣሜሪካ ካሕልፍዎ እዩ ነይሩ፡፡

‹‹ሲስተር›› ጊደተ ጣሰው ካብ ማይጨሎት ይኹን ካብ ሆስፒታል ፈውሲ ኣይረኸበትን፡፡ጎይያ ከይፀገበት፣ ኣብ ዝሓሰበቶ ከይበፅሐት፣ ዝተመነየቶ ከይረኸበት ብዕሸላ ካብዛ ዓለም ክትፍለ ግድን ኾይኑ፡፡መርዓዊት ዕንበባ መሊእና ከይረኣናያ ረጊፋ፡፡ለካስ ከሚዚ ዝዓይነቱ ሞት እውን የጋጥም እዩ? ካብ ሞት ዝተርፍ ሰብ የለን…ንኹላትና ዘይቐሪ ተፈጥራዊ ውህብቶ ስለዝኾነ፡፡ይኹን እምበር ንዓና ይኹን ንቶም ካብ ባዕልና ኣብሊፅና እንፈትዎም ወገናትና ምዓዝ ከም ዝጉብንየና ኣይንፈልጥን፡፡ንቶም ሎሚ ‹‹ዳሓን ኩን፣ ዳሓን ኩኒ…ቻው!›› ተባሃሂልና ዝተፈለናዮም ምሩፃት ስድራና መሊስና ዘይክንረኽቦም ከም እንኽእል ሓሲብና ኣይንፈልጥን፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ግን ብዙሕ ምስ እንርሕሓቕ ንሓዋሩ ተራሓሒቕና ምትራፍና ዘይቐሪ ውደዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ዘይዛሪ ተፈጥራዊ ከይዲ እዩሞ ዝመሰየ ምውጋሑ፣ዝወግሐ እውን ምምሳዩ ኣይተርፍን፡፡ሰብ ይውለድ ይመውት፤ዕንበባታት ይዕንብቡ ይረግፉ፤ወቕትታት ይኸዱ ይምለሱ…ወዮ ኣለኹ እናበልኻስ ከይሓሰብኻዮ ዕርብ!!!

ጉተማ ቡድሃ ከም ዝስዕብ ኣምሂሩ ሓሊፉ ‹‹ ዝተወለደ ኹሉ መዋቲ እዩ፤ዝተኣከበ ኹሉ ምብታኑ ኣይተርፍን፤እቲ ዝተዓቖረ ምህላቑ ኣይቐርይን፤እቲ ዝተሃነፀ ፈራሲ እዩ፤ንላዕሊ ዝተወንጨፈ እውን መሊሱ ንታሕቲ ምውራዱ ግድን እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ናትና ፃንሒ ከም ደመና ሓጋይ በናኒ እዩ፤ ትዕዝብቲ ልደትን ሞትን ሰነ ሂወታውያን ዳርጋ ምንቅስቃስ ስዕስዒት(ትልሂት) እዩ፡፡ዕድመ ደቂ ሰባት ልክዕ ከም ብልጭታ መብረቕ ሰማይ፣ ካብ ጎቦታት ቁልቁል ከም ዝሕንበብ ፀፍዓን ሽሾን እዩ፡፡›› ወይ ግርም እዩ ዘብል፡፡እቲ ወድዓዊ ሓቂ ካብዚ ዝፍለይ ኣይኾነን፤ ግን ድማ ‹‹ኣሜን›› ኢልኻ ንምቕባሉ ኣዝዩ የፀግምልኻ፡፡ኤህ! እዛ ዓለምስ ትቆጨይ(ትቆፀይ) ድኣም!!! መርዓትኻያ ቐቢርኻስ ቢሂወት… እዋይ!!!

 ምስ መምህር ካሕሳይ ብጣዕሚ ቀረባ ኣሕዋት ኢና፡፡ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ድማ ናብራ ቑልዕነት ሓብሪና ዘሕለፍና ጎረባብቲን ኣዕርኽትን፡፡ድሕሪ ኣርባዕተ ወይ ከዓ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሞት መርዓቶም ተነጊሩዎም፡፡ኣብ ሂወተይ ከምዚ ዝዓይነቱ መርድእ ርእየ ሰሚዐ ኣይፈልጥን፡፡መምህር ካሕሳይ ንእዝኖም ክኣምኑ ኣይኻኣሉን፡፡‹‹መቓብር ጊደተይ ከይረኣኹ ኣይኣምንን›› ኢሎም ሕርሞም ንምፍላጥ ትማሊ(3 ጉንበት 2006 ዓ.ም) ካብ ኣሜሪካ ናብ ትግራይ ተመሊሶም፡፡እንታይ ኢለ እየ ከፅናዕንዖም? ዝብሎ ጠፊእኒ፣ምሒር ደንፂውኒ … በቃ! ብሸገና ከም ዝተተሓዘት ቁቋሕ ቁሊሕሊሕ!!! ከምዚ ዝዓይነቱ ዕፀ መሰውሩ ዝጠፍኦ ምፅኣት ንዝወደቖ ሰብ ‹‹ፅንዓት ይሃብኻ›› ምባል ዓገብ ዶ ኣይኾነን? ኣነ ንግዜኡ ሱቕ መሪፀለኹ… ኽቡራት መንበብቲ ዝሐሹ ዝትብሉዎም መፅናዕነዒ ሓሳባት ክትልግሱለይ እናተማሕፀንኹ ፅሑፈይ ኣብዚ ክዛዝም፡፡እንተኽኢልኹም ድማ መምህር ካሕሳይ ብፌስቡክ ኣቢልኹም ምልእኽቲ ብምልኣኽ ተተፅናዕንዑለይ ደስ ይብለኒ፡፡ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ግምፃት ፈጣሪ ይሰውረና!!!

No comments:

Post a Comment