Thursday, December 4, 2014

ኣፈሙዝ ፕሮፓጋንዳ ህወሓት ንምንታይ ናብ ገብሩ ኣነፃፂሩ?



ገብሩ ኣስራት ንውድብ ህወሓት እናመርሑ ካብ በረኻ ደደቢት ናብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ካብ ዘብፀሑዋ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ ቅድሚት ዝስራዕ ተባዕ ወዲ ህዝቢ እዩ፡፡ትብዓቱ ግን ወታደራዊ ጥራይ ኣይነበረን፤ብህዝባዊ ምምሕዳር እውን እንተኾነ ክሳብ ሐዚ መዳርግቲ ኣይተረኸቦን፡፡ኣብ ትግራይ ዝተሰርሓ ዓበይቲ ትካላት ሓወልቲ ህዝባዊነቱን ተባዕነቱን እየን፡፡

መብዛሕቲኦም መቃልስቱ ብስልጣንን ሃፍትን ልቦም ተደፊኑ ሞሳ ህዝቢ ትግራይን ሕድሪ ብፆቶምን ረሲዖም ናብ ውልቀ ረብሓኦም እንተጓይዩ ንሱ ግን ሐዚ እውን ኣብ መትከሉ ይርከብ፡፡ንውልቀ ረብሓኡ ኣይተቓለሰን እሞ ውልቀ ረብሓኡ ራሕሪሑ ንረብሓ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ምቅላስ ይርከብ፡፡ቅደም ነቲ ሽዓኡ ንሃገርና ከዊልዋ ዝነበረ ፀልማት ቀትሪ ከም ሽምዓ ነዲዱ ብርሃን ንኽውልዕ ብረት ኣልዒሉ ተቓሊሱ፡፡ሐዚ ድማ እቲ ብሂወት ደቂ ህዝቢ ዝተወለዐ ብርሃን ብካሕዳማት ከይቅህም ብሰላማዊ መንገዲ እናተቓለሰ ይርከብ፡፡


ሰላማዊ ቃልሲ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ካብ ዝጠልቦም መሰረታዊ መሰላትን ዕላማታትን ሓደ እዩ፡፡ገብሩ ከዓ እቲ ሕገ መንግስቲ ንክምስረት ልዕሊ ፍርቂ ዕድመኦም ካብ ዝተቓለሱ ተባዓት ደቂ ህዝቢ ሓደ እዩ እሞ መሰሉን መሰል ህዝቡን ብተግባር ንክረጋገፅ ምቅላሱ ብዙሕ ከገርም ኣይምተገበኦን፡፡

ይኹን እምበር፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝጠልቦም ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ተጠቒሙ ንክቃለስ ካሊእ ሰላማዊ ውድብ ብምምስራቱን ሕልናኡ ዝኣመነሉ መፅሓፍ ብምፅሓፉን ብኣባላት ፕሮፓጋንዳ ህወሓት ዒላማ ወፍሪ መፀለምታ ኮይኑ’ሎ፡፡በቲ ሓደ ገፅ ኣዝዩ መምሀርን መዘራረብን መፅሓፍ ብምፅሓፉ ምሒር እየ ተሓቢነ፡፡

እቲ መፅሓፍ ካብ ወድዓዊ ታሪኻዊነቱ ብትወሳኺ ኣድላይነት ምስረታ ዓረና ንሉዓላውነትን ዲሞክራስን(ዓረና) እውን ዝሕብር እዩ፡፡ በቲ ካሊእ ግፅ ድማ ገብሩ ኣስራት ብረት ዓጢቑ እንትኳሻሕ ኣበይ ከም ዝነበሩ በዘይፍለጡ ተሓለቕቲ ውድብ ኢና ብሃልቲ ‹‹ርካሽ ኢትዮጵያዊነት ንምግባት›› ኣብ እግሪ ትምክሕቲ ወዲቑ እንትብሃል ብጣዕሚ ሓዚነ፡፡ብገለ ‹‹ህወሓት ታወት ክቅረፀሉ ዝግበኦ ቅዱስ ውድብ እዩ›› ዝብሉ መምሰልቲ ‹‹ሓተላ ታሪኽ›› ተባሂሉ ፀለሎ እንትልከም ኣንቢበስ ደም ነቢዐ፡፡በቃ፣ ስንክ ሳር ህወሓት ሎሚ ዘመንስ ‹‹ካብያ ዓመት ዝፅዓረስ ቀውዒ ሚሐ ዘቐበለ›› ኮይኑ ተሪፉ?

ግን እዞም ካህናተ ደፍተራታት ንምንታይ እዮም ንትሕዝቶ እቲ መፅሓፉ ገዲፎም ንባዕሉ በቢገፆም ዘውግዝዎን ዝኩንኑዎን ዘለው? ብዙሓት ምኽንያታት ምዝርዛር ይክኣል፤ ብሓፂሩ ግን ሓደ እቲ ረሳሕ መንነቶም ቀሊዑ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ጠጠው ስለዘበሎም፡፡ካልኣይ ብትብዓት፣ብልሓትን ህዝባዊነትን ተመጣጢሮም ክበፅሕዎ ዘይኽእሉ ምዃኖም ስለዝፈለጡ፡፡ብዚይ ጥራሕ ከይተሓለለ ብስነ ሓሰብ፣ ብጥበብ ትንበያ፣ብመርትዖን ስነ መጎትን እውን ገለባ ምዃኖም ስለዘርአዮም፡፡እቲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ምኽንያት ግን እተን ንመኽሰብ ፕሮፓጋንዳ ዝፅሓፉወን መፃሕፍቲ ብናይ ገብሩ ኣስራት መፅሓፍ ብመርትዖ ስለዝፈሸልኦም እዩ፡፡

ብዙሓት ፅሓፍቲ ኢና ብሃልቲ ገለባታት ‹‹ሉኡላዊነትን ዲሞክራስን ኣብ ኢትዮጵያ›› ዝተብሃለ መፅሓፉ ካብ ዘሐትም ንነዘ፣ከየንበቡ ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ስኢኖም ሓፍ ከፍ እናበሉ ይርከቡ፤ ብዝሰምዕዎ ወረ ሰምቢዶም ንዘይምንባብ ዝወሰኑ ኣለው፡፡ እቶም ነቲ መፅሓፍ የንብብዎ ከም ዘለው ዝዛረቡ ድማ እቲ ዝቐረበሎም ወለላ ገዲፎም ጋራ እንትሓይኩ ኣስተውዒለ፡፡ካብዚኦም ሓደ ነጋ ዘርኡ እዩ፡፡ሓውና ነጋ ካብ 1982 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕቲ ፕሮፓጋንዳ ተሰሊፉ ኣብ ምንጣፍ ይርከብ፡፡ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት(2006 ዓ.ም) ድማ ናይዚ ስራሑ ውፅኢት ዝኾነት መፅሓፍ ኣሐቲሙ እዩ፤ ‹‹ቅደመ ግንባር››፡፡

ቀንዲ ፍልፍል ትሕዝቶ እዚ መፅሓፍ ንጥፈት ፕሮፓጋንዳን ልእኽቶ ጋዘጠኝነትን(advocacy journalism) ከም ምዃኑ መጠን ሙሉ ብሙሉእ ናብ ሓደ ገፅ ዘዘምበለ ጥራይ ከይኮነስ ክንዲ ፍረ ጣፍ ዘይትኸውን ሓቂ ብሚሊዮናት ራቢሑ ክንዲ ጎቦ ገይሩ እንትቕርባ ትዓዚበ፡፡ሰራዊት ሻዕብያ፣ ወራሪ ሓይሊ ብምዃኑ ከም ኣንፃር(antagonist) ተገይሩ ምስኣሉ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን፡፡ካብቶም ስልትታት መጥቃዕቲ ፕሮፓጋንዳ ንቶም ኣንፃር ኢልካ ዝፈለኻዮም ሓይሊታት ሰይጣን፣ ንባዕላኻ ድማ ከም መልኣኽ ገይርኻ ምስኣል እዩ፡፡ንቱይ ፀለማት፣ ንዝይ ድማ ብርሃን ከምዝኾነ ንምእማን ኢኻ ትፅዕር፡፡ኣብ መንጎ ክለተ ተፃባእቲ ነገራት ዘሎ ኣፈላላይ ፅልማትን ብርሃንን፣ ሓውን ሓሰርን፣ ሰይጣንን መልእኽን፣ ፃዕዳን ፀሊምን ከም ዝኾነ ጥራሕ ትቐርፆ፡፡

ንሱስ ዳሕን፣ ኣብ ምክልኻል ሃገር ዘይሕለል መስዋእቲ ዝኸፈሉ እውን ኣንፃር ስለዝገበሮምን እቲ ጅግንነት ንቶም ሐዚ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ጥራሕ ኣሕሊፉ ምሃቡን ግን ዘሕዝን እዩ፡፡፡፡ከምኡ ብምግባሩ እዩ ድማ ኣብታ መፅሓፉ ባዕለ ዝሃነፆም ሓሳባት መሊሱ ባዕሉ እንተፍርሶም ከየስተውዐሎ ዝተረፈ፡፡ናይ ገብሩ መፅሓፍ ምንባብ ምስ ጀመረ ግን እቶም ንንባዕሎም ዝጋጨው ሓሳባት ዝበርህሉ ይመስለኒ፡፡ነዚ እዩ ድማ ካብቲ መፅሓፍ ደቀቅቲ ነገራት እናኣረየ ንገብሩ ንምፅላም ላዓልን ታሕትን ዝብል ዘሎ፡፡

ርአናዮ እቲ ፈካሪ 
ምስጣዓመ ሓለንጋይ በትሪ
ህድማ ኾነ ከደ ነቐለ
ሓፋሽ ህዝበይ ድማ ዓለለ (ኢሳያስ ኣረፋይነ)

እታ ፍረ ንጥፈት ፕሮፓጋንዳ ዝኾነት መፅሓፍ ‹‹ቅድመ ግንባር›› ሻዕብያ ሓደ ሻዕ ምስተዘበጠ ጭራኡ ደጒሉ እንትሃድም ትዓዚባስ ከም ዝስዕብ መስኪራ፡፡
‹‹ንተኾምብያ ክምልስ እናጨፈረ ዝመፅእ ሰራዊት ፀላኢ ንፅባሒትኡ እንትጭፍለቕ እቲ ዝተረፈ ባረንቱ ሰጊሩ ንኣቑርደት ገፁ እንትሃድም ተራእዩ፡፡ባረንቱ እውን ኣብ ቁፅፅር ሰራዊትና ውዒላ፡፡›› (ገፂ፡ 128)

‹‹ከተማ ሸንበቆ ተመሊስና ካልእ ኣንፈት ሒዝና መሊስና ንጓዓዝ ኣለና፡፡ ሻዕብያ ዳርጋ ሲሶ ኤርትራ ካብ ቁፅፅር ስለዝወፅአ ካብ ገምገም መረብ ማለት ካብ ሸንበቆ ተበጊስካ ክሳብ 100 ኪሎ ሜትሮ ንቕድሚት እንተተጓዒዝካ ፀገም የለን፡፡›› (ገፂ፡137)

‹‹ንቐረፃ ዝጥዕመኒ ቦታ ሒዘ ናይቲ ካሜራ ሲስተም ገና እንተየስተኻኸልኩ ሰበራ ተወዲኡ፡፡›› ኢሉና፡፡ስለዚ ከይዲ እቲ ሰበራ ኣይቀረፆን፡፡ እታ ዝነውሐት ጊዜ 5 ደቒቓ እያ ተባሂሉ፡፡›› (ገፂ፡143)

‹‹ብፅባሒትኡ ንሸመበቆ ዝነበረ ጉዕዞ ከም ዳንጋኻ እዩ፡፡ ኣብ ቅድሜኻ ዝፀንኽ ሰራዊት ፀላኢ የለን፡፡ሸምበቆ ንፅባሒቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዓለት፡፡እዚ ብምዃኑ ኣብ ጎሰማ ድፋዕ ሒዙ ዝነበረ ፀላኢ እንተይተዋገአ ፈረሰ፡፡ ማእኽል ስሕበት የማናይ ክንፊ ግንባር መረብ ፈራሪሱ ፀላኢ እግሪ መትከሊ ስኢኑ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ ክውዳእ ዝተሓሰበ ውግእ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ኣብቂዑ፡፡›› (ገፂ፡145-146)

‹‹ኣብ ይኩኖ ረዳኢ ኮይንና ስግር መረብ ድፋዕ ፎሊና ርኢናዮ ዒፍ እውን ዘወር እትብል የላን፡፡›› ( ገፂ፡147)
‹‹
ኣብ መይዳ ይጋልባ ዝነበራ ታንክታትና ኣብ ቅድሚአን ዝፀንሕ ኣይተረኸበን፡፡ ሓይሊ ኣየርና ብላዕሊ ኣብቲ መይዳ ተበቲኑ ይሃድም ንዝነበረ ፀላኢ ሓዊ ነስኒሱሉ፡፡
ተኸታቲለን ኣብ ዝነበራ መዓልቲታተ ኣብቲ ቦታ ውግእ ምስ ቀነየ ሐዚ እውን ክሃድም ዝኽኣለ ሓይሊ ፀላኢ ጥራሕ ሃዲሙ
ንኣስታት ክልተ መዓልቲ ውግእ ተካይዱ ኣብቶም ጎቦታት ዝነበረ ፀላኢ ምስ ሃደመ ከተማ ማይድማ ዝነበረ ፀላኢ ብለይቲ ጠፊኡ ሃደመ፡፡
ኣብ መንገዲ ደሞቦደራ የማን ፀጋም ብዙኻጽጻደራ መኽዝናት ነይሮም፡፡ዝተረኸቡ ቁንቡላታት ማእለያ የብሎምን፡፡ መብዛሕቲኦም ተመሊሶም ሻዕብያ ንምቕጥቃጥ ዝወዓሉ እንትኾኑ፤ ገና ዘይተካረዩ እውን ኣለው፡፡›› (ገፂ፡ 149-150)

ይኹን እምበር፣ እታ መፅሓፍ እብቲ ዝስዕብ ዛዕባ ተደሪኻ ብዘቕረበቶ ቅንፁል ክትዕ ብክልተ መልሓስ ተላምፅ ከም ዘላ ኣረጋጊፃ እያ፡፡ሻዕብያ ከም ዝፈረሰ ኣረጋጊፆም ንከቃብፅዎ ንዝሃቀኑ ዕቱባት ደቂ ህዝቢ ‹‹ስምዒታውያን›› ኢላቶም፤ ንቶም ንሻዕብያ ንምድሓን ዝተረባረቡን ዳሕራይ ድማ ብውዕሊ ኣልጀርስ ኣቢሎም ባድመ ንሻዕብያ ብፊርማኦም ዘረከቡን ድማ ‹‹ብሓቂ ፖለቲካዊ ብልህነቱ ዘመስክር እዩ›› ክትብል ንኢዳቶም፡፡

‹‹ብዓወት ሰራዊቶም ዝተሓበኑ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፤ ቀፃላይ ምንቅስቃስ ሰራዊትን መፃኢ ዕድል ኤርትራ ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ሓሳባት መደሩ፡፡ ካብ መንጎኦም እተን ሰለስተ ፍርይ ኢለን ዝተራእያ እየን›› ብምባል ንዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥብታት ዘርዚራ፡፡
1.  እቲ ሰሶ ኤርትራ ዝሓዘ ሰራዊት ብኡ እንተሎ ክሳብ ዶብ ዝጥረር ኣብ ዝሓዞ መሬት ክፀንሕ
2.  ሻዕብያ ንሓዋሩ ደምሲሱ  ኣብ ኤርትራ ድማ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ተኺሉ ዝተወሰነ ኣረጋጊዑ ከንሳሕብ፡፡
3.  ሻዕብያ ደምሲስካ ኤርትራ ንምውደብ ሕቡራት መንግስታት ኣረኪብካ ምውፃእ፡፡
ቀፀለት ድማ፤ ‹‹ኩሎም ኣራእያታት ብድምር መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ዝኾነ ይኹን ሻዕብያ ዝብሃል ሕማም ድሓር ክገድፍ የብሉን ዝብሉ እዮም፡፡ዳሓር ኣብ ጭቡጥ ተግባር መፂእኻ ግን ኩሎም ኣራእያታት ፖለቲካዊ የዋህነት ካብ ምኳን ክዘሉ ኣይክኣሉን፡፡ ግምትን ትምኒትን ብዙሓት ፈሺሉ ሓንቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራሕ ተተግቢራ፡፡ እቲ ሲሶ ሃገረ ኤርትራ ሒዙ ዝነበረ ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ መሰስ ኢሉ መፂኡ፡፡›› (ገፂ፡ 157-158)  ኣብዚኣ ሓንቲ ዕሽሽ ኢልካ ዘይትሕለፍ ኣገዳሲት ነጥቢ ኣላ፡፡ንሳ ድማ ‹‹ግምትን ትምኒትን ብዙሓት ፈሺሉ ሓንቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ጥራሕ ተተግቢራ፡፡›› ዝትብል እያ፡፡እቶም ካብ ሻዕብያ ንላዕሊ ፀፀኒሖም ‹‹በይጃ ሻዕብያ ይድፍአኒ›› እናበሉ ዝሓለፉ ኣቶ መለስ ሻዕብያ ንምድሓን ብዘይ ኣግባብ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣዊጆም፤ ድምፅን ድልየትን ብዙሓት ብሓደ ውልቀ መላኺ ተጠምዚዙ፡፡ዳሕራይ ድማ ብፍናኖም ክእውጁ ከምዘይነበሮም ዓርሰ ነቐፈይታኦም ኣውሪዶም እዮም፡፡ 

እዚ ተግባሮም ግን ይብል ኣቶ ነጋ፣ ‹‹መንግስቲ ኢትዮጵያ ሽዑ ናብ ከምኡ ዝበለ ቁርፂ ፖለቲካዊ ውሳነ ምብፅሑ፤  ብሓቂ ፖለቲካዊ ብልህነቱ ዘመስክር እዩ፡፡›› ኣቶ ነጋ፣ ፈቲውኹም ዶ ንጉስ ትምርቑ!
‹‹ብገለ ወገናትና ብስሚዒት ዝወሃብ ዝነበረ ዓብዪ ጉዳይ ድማ፣ መንግስቲ ሻዕብያ ንሓዋሩ ኣውዲቕካ ካሊእ ዴሞክራሲያውያን ሓይልታት ምትካእ ዝብል እዩ፡፡እዚ ኣራእያ እዚ ብመሰረቱ ካብ ስምዒት ዝነቅል እምበር ኣብ ባይታ ዝነጥብ ኣይኮነን፡፡›› ይብል ነጋ ዘርኡ፡፡

እዚ ኣባሃህላ እዚ ግን ታሪኽ ፈሺልዎ እዩ፡፡ኣዚሮም ምሕሳብ ዝተስኣኖም ስምዒታውያንስ እቶም ነቲ ብዘይምንም ዕንቅፋት ንቕድሚት ዝግስግስ ዝነበረ ሰራዊትና ንድሕሪት ንክምለስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣወጁ እዮም፡፡ዳሕራይ ድማ እታ ብደም ወለድናን ኣሕዋትናን ዝመለስናያ ባድመ ብውዕሊ ኣልጀሪስ ፈሪሞም ዘረከቡ እዮም እቶም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ፡፡ ኣምለኽቲ ምንሊክ ምዃኖም ከዓ ብተግባሮም ኣረጋጊፆም እዮም፡፡ ‹‹ቐዳማይ ነገር መፃኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ዝውስኖ እምበር መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ክውስኖ ኣይኽእልን፡፡›› ድማ ይብል ኣቶ ነጋ፣ ህዝቢ ኤርትራ  መፃኢ ዕድሉ ባዕሉ ንምውሳን ዕድል ተዋሂብዎ ከምዝፈልጥ፡፡ዕድል ተዝውሃቦ ነይሩ ዶ ድኣ ቀለብ ዓሳ ነባርን መለዋወጢ ኣቅሓ ነጋዶታት በደዊንን ምኾነ?

‹‹እቲ ካልኣይን መሰረታውን ጉዳይ ድማ፤ ዝኾነ ይኹን ምስሕሓብ ዶብ ወይ ጎንፂ ረብሓታት፤ ብኲናት ፈፂሙ ዘይፍታሕ ምኳኑ እዩ፡፡…ጊዚያዊ ዓቕሚ ስኢኑ መሓውሩ ዝተተርአሰ ተሳዓሪ፤ ጊዜ ረኺቡ ቀላፅሙ እንትስውድ ብድድ ምባሉ ኣይተርፍን፡፡›› (ገፂ፡ 158-159)
ኣየ ነጋ እዚኣስ መኽንያት ረኺቡ ክልኦት ንምእማን ክጥቀመላ ፈቲኑ? ሻዕብያ እኮ ሓይሊ እንተረኺቡ ንማንም ከም ዘይምሕር ንኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ብምውራር ኣመስኪሩ እዩ፡፡ነጋ ሓውና እዚ ኣይፈልጥን ማለት ድዩ? እቲ ሻዕብያ ከምዘይትስእ ገይርና ንድቆሶ ዝተበሃለሉ መኽንያት እውን ካብ ባህርያቱ ዝነቐለ እዩ፡፡ደምሒትን ጉንበት ሽውዓተን ዝተብሃሉ ውድባት እናሰልጠነን እናዕጠቐን ንሃገርና ክሳብ ሐዚ የድምያ እዩ ኮ ዘሎ፡፡ብሶማልያ ዘይሩ ድማ ንኣልሻባብን ካልኦት ኣሸበርቲ ውድባትን ዕጥቅን ስልጠናን እናሃበ ክሳብ ሐዚ ብትዘዋዋሪ እናወግአና እዩ ዝርከብ፡፡እቶም ነብይታት ከም ዝበልዎ ተደምሲሱ ተዝኾን ነይሩ ግን ካብዚ ኹሉ ኪሳራ ምድሓንና፡፡

‹‹ካልእ ቀሊል መርትዖ፤ ኣብቲ ዓዲማቱ ዝኣተወ ሰራዊት ክበፅኽ ዝኽእል ፀገም እዩ፡፡ ከምዝፍለጥ ሓደ ሓይሊ ሰራዊት፤ ሽሕ እንተሓየለ፤ ንመሬት እንዳማቱ ኣዕሚቊ ኣብ ዝአተወሉ ጊዜ ካብ ኣቅርቦትን(ሎጂስቲክ) ካብ ህዝቡን እናረሓቐ ስለዝኸይድ ሓይሉ ክመናመን ይግደድ፡፡›› (ገፂ፡159)
ኣብዚኣ ክልተ መሰረታዊ ነገራት ረሲዖም ኣቶ ነጋ፡፡ ሓደ፣ መሬት ኤርትራ ክሳብ ምዓዝ እዩ ንኢትዮጵያውያን ሓዲሽ ዝኾነ? ኣንስ እዝ ነጋ ዝንግዕ ግዲ ይብሎ እዩ? ኤርትራ እኮ ግዝኣትና እያ ነይራ፡፡መሬት ኤርትራ ንኢትዮጵያውያን ሓዲስ ኣይኮነን ኣፀቢቕና ኢና እንፈልጦ፡፡በተለይ እማ ኣብ ኤርትራ ትነበሩ ዝነበርኩም ኣሕዋትና፡፡እቲ ሐዚ ብሻዕብያ ዝተፃሓፈ ልበወለድ ግዲ ከም ሓቂ ገይሩ ወሲድዎ እምበር ኤርትራ ‹‹ብህዝባዊ ውሰነ›› ነፃነታ ቅድሚ ምእዋጃ ግዝኣት ኢትዮጵያ እያ ነይራ፡፡

እቲ ካሊእ ነጥቢ ግን፣ ካብ ሃገር ምውፃእ ሓደገኛ እንተኾይኑ እውን እቲ ብጣዕሚ ሓደገኛ ክኾን ዝኽእል ሶማልያ እምበር ኤርትራ ኣይኮነን፡፡ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣልሻባብ ንምድምሳስ ኣብ ሶማልያሰፊሩ ከም ዝርከብ ይፍለጥ፡፡ ብ1997/8 ዓ.ም ኣብ ግዝኣት ሶማልያ ኣቲው ንእስላማዊ ቤት ፍርዲ ሕብረት ደምሲሱ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ፡፡ድሕሪኡ ድማ ንኣልሻባብ ንምውቃዕ ብ2004 ናብ ሶማልይ ምስተመለሰ ሐዚ እውን ኣብኡ ይርከብ፡፡ከም ኣባሃህላ ኣቶ ነጋ እንተዝኾን ነይሩ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ክኣትው ኣይምተገበኦን፡፡ስለዚ እቲ ‹‹ቀሊል መርትዖ›› ኣይተ ነጋ ሽቶኡ ከይወቕዐ ቀሊሉ ተሪፉ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

‹‹ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ዝሓዝካዮ ቦታ( ዓዲማትካ) ዘይትንበዩ ኣጋጣምታት ክፍጠሩ ይኽእሉ፡፡ …ስርዓት ኣልበኝነት ክፍጠር ይኽእል…ኲናት ሕድሕድ ዝዓንደረላን ሻሕራም ዝጎበዛን ሃገርን ክትፈጥር ትኽእል፡፡ ›› (ገፂ፡ 159) ሐዚ እውን እኮ ኤርትራ ናብኡ እያ ተምርሕ ዘላ፤ ካብዚ ኣይድሓነትን፡፡ኣብ ኣፋን ዕርበታን ከም እትርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሚንሉ እዩ፡፡






No comments:

Post a Comment