Thursday, September 11, 2014

‹‹ኣለኻ ዶ? ኣለኹ እወ! ጥራይ ምቕናይ››



እዛ ደርፊ እዚኣ ዳምፅ ከለኹ ክልሻዕ ከብደይ ሕምብጭ ብጭ ይብል፡፡ ናይ ዛ ዓለም እዚኣ ነባሪ ምዃነይ ካብ ዝፈልጥ ጀሚሩ ዝተላለኹዎም መናእስተይ፣ መታዓብይተይ፣ መማህርተይ ሓዳ ብሓደ ኮለል ኢሎም ይራኣዩኒ፡፡ናፍቖቶም ድማ ምሒር ይብርትዐኒ፡፡ ገሊኦም ብሂወት የለውን…ኣለኻ ዶ? ምስ ዝብሎ ‹‹ኣለኹ እወ›› ኣይብሉንን እዮም፡፡ ምስ ገሊኦም ናብራ ዓለም ኣራሓሒቓትናስ ዓይኒ ንዓይኒ ካብንርኣአ ዓሰርተታት ዓማውቲ ሓሊፎም፡፡ ስልኮም ኣታኣላሊሸ እንትድውለሎም ዘይዝክሩኒ ብዙሓት እዮም፡፡ ንምንታይ? ‹‹ካብ ዓይኒያ ዝራሓቐስ ካብ ልቢ ርሓቐ›› ሐቂ ስለዝኾነ? ንምንታይ ዳኣ ካብ ልበይ ዘርይርሕቑ?

ብዝኾነ ከምዚ ዝዓይነቶም ደርፊታት ቐደም ንድሕሪት ምልስ ኢለ ብዙሕ ከስተንትንን ክዝክርን ስለዝገብሩኒ ኣብዚሐ ዘዳምፆም ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዝበሉ ኣገደስቲ ምዓልቲታት ጥራሕ እዩ፡፡ሎሚ መዓልቲ ክዝክሮም ግድን እዩ፡፡ይትረፍ ምስቶም ብዙሕ ሕማቕን ፅቡቕን ሐቢርና ዘሕለፍናስ እቶም ጎቦታት፣ ሽንጥሮታት፣ ጎላጉልን ሜዳታትን እውን ማዕሪጎምን ፀቢቖምን ይርኣዩኒ፡፡ውሓዝቲ ሩባታት ኩሕሊ መሲሎም ዝፀርዩሉ፣ጎቦታት ሰንጢቖም ቁልቁል እንትወርዱ ኣማዕድዩ ንዝምልከቶም ተሓፂቡ ዝተሰጥሐ ኣዝዩ ነዊሕ ጋቢ ዝመስሉሉ፣ ዕምበባታት ዝዕብብሉ፣ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዝርእቲ ዋልዳን ጭላዳን ዝኾኑሉ…በፃሕና በፃሕና ዝብሉሉ፡፡ተፈጥራዊ ዑደት ብተግባር ዝትርእየሉ መስታወት ዓለም ዝዓበኹሉ ገጠር ትግራይ…
ናይዛ ዓለም ጓጓ ዝትዕዘበሉ…ተፈጥራዊ ምዓርጋን እስትንፋሳን ዝትሙዕገሉ…ሙዒግካ እትረውየሉ፡፡‹‹ግዜ ሲ ሓሊፉ ትዝታታት ገዲፉ…›› ዶ በለ ኣብራሃም ኣፈወርቂ? ክንደይ ትዝታ እዩ ሓሊፉ!
ዘኪረ ዝሓለፈ…
ተዓዚሩ ግዜ ምስ ኣርከበ ዕብየት
ሓዳር ተመስሪቱ ዘር ምስበለ ስቤት  
ዓርከይ ኣዘኪረ ግዜ ናይ ንእስነት
ዓርኽተይ ጥራሕ ኣይኾንኩን ዘኪረ… እቲ ዝዓበናሉ ከባቢ እውን ከም ሰብ እዩ ዝናፍቐኒ ዘሎ፡፡ ‹‹ወይ አዲስ አበባ ወይ አራዳ ሆይ…ሃገርም እደሰው ይናፍቃል ወይ…›› ድዮም ዝብሉ ደረፍቲ? አዲስ አባባ እኳ ተናፊቓ ደማ ገጠራት ትግራይ? ኣዲስ ኣበባ ህንፃኡ መስታወት…ሰቡ መስታወት…ብልጭልጭ…ዓመት ሙሉእ ብልጭልጭ…እስመ ኣልቦ ለውጢ!
ኣዕርኽተይ መናእስተይ ክዝክሮም ክዝክሮም
ኣዕርኽተይ መፃውተይ ኣበለኹም ኣበለኹም
ኣዕርኽተይ መፃውተይ ኣለኹም ዶ ኣለኹም ዶ
ደቂ ዓደይ መዓረይ! ኣብዘሉኹም ሃሊኹም ኣለኹ በሉኒ፡፡የለኹን ፅቡቕ ኣይኾንን፡፡ ይሕመቕ ይፀብቕ ምህላው ዋና! ኪሮስ ‹‹ምቕናይ ፅቡቕ እዩ ዋላ ሓደ ሰሙኔ›› እንትብል ዝተዓሸው ከይመስለና፡፡ምሽጥር ምንባርን ዘይምንባርን ስለዝተበረሆ እዩ፡፡ኣነ አለኹ ‹‹ኣለኹ እየ ዝብል…›› ደቂ ዓደይ እውን ሃልውለይ!
ርሑስ ሓድሽ ዓመት!


No comments:

Post a Comment