Thursday, December 6, 2012

መሓዛይ (አብ ሓቀኛ ታሪክ ዘተመስረተት ልበ ወለድ)




ሽሙ መሰለ ይባሃል፡፡በሓንሳብ ኢና ተወሊድና፤ሓቢርና ከዓ ማይ ተጋፂብና(ተናዚሕና)፣ጭቃ አብኪዕና፣ግጥም አቡዕር ፣ሕብሕብኢተይ ወይ ድማ ሕብእ ሽኩዕ፣ላልሽ፣ዛዕጎሎ፣ነበረያ ነበረ፣እንካ አዝግነኒ፣ ዝግሕ(ርግሕ)፣ቃርሳ፣ግድል(ቅልስ) ዝብሃሉ ናይ ህፃናትን(ዕሸላት)ወጣታትን ጫወታት(ፃወታት) ተጫዊትና(ተፃዊትና)፡፡ብሓፈሻ ካብ ዕሸልንት ጀሚርና ክሳብ ሐዚ ንሓንሳብ እውን ተፈላሊና አይንፈልጥን፡፡ በቃ ተኽ እንትንፋስ አዕሩኽቲ ኢና፡፡ኩሉሻብ ሓቢርና ንበልዕ ሓቢርና ከዓ ንድቅስ፡፡እወ አነን መሓዛይን ፍሉይ ዕርክነት ነይሩና፡፡ ንምርርዳእ ምዝራብ አየድልይናን፤ ዓይኒ ንዓይኒ በምረእኣይ ወይ ከዓ ብምጥምማት ጥራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ንረዳዳእ፡፡ከም ናትና ዝበለ ፍቕርን ምሕዝነትንስ ብፍፁም ተራእዪ ኣይፈልጥን እዪ፡፡ገለ ገለ ዓበይቲ ዓዲ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ሓቢርና ክንጉዓዝ እንትርእዪና“የምሽየልኩም!’ትፍ፣’ትፍ፣ ካብ ዓይኒ ጠባን የድሕንኩም” እናበሉ እንትምርቑና ገለ ገሊኦም ድማ ”ኣየ ግዜ! ኣይ ናይ ሎሚ ዘመን ቆሎዑ፣ሕፍረት የለ እንታይ ክብሉኒ የለ፣ እዚኦም ሐዚ አጥዒሙልና ኢሎም ድዪ?“ ወዘተ እናበሉ ብግዜን በኣናን እናተገረሙ ይሓልፉ፡፡ገለ ገሊኦም ከዓ ”የሕፅርኹም!ወራዳታት፣ ሕንከት ዘይብሎም መፅረፍቲ መዕበይቶም”እናበሉ ኣይማይና ኣይሰማይና ናይ መርገምትታ መዓት የውርዱልና፡፡እወ ገሊኦም ከም ዝበልዎ ከዓ ኣይቀንዐናን፡፡ናይቶም ሰብ ፀለምቲ መልሓስ መርገም በፂሑናስ ሓደ ምዓልቲ ክንፈላለ ግድን ኮይኑ፡፡ ምፍልላይ ብሓቂ ክፉእቲ እያ፡፡እታ ዝተፈላለናላ ምዓልቲ ክትዝከረኒ ከላ ”ፍሽኽ በሊ“ ዝትብል ናይ ኣብርሃም አፈወርቂ ደርፊ ከዓ ሓቢራ ትዝከረኒ፡፡ኣምሪረ ድማ ይሓዝንን ይነብዕን፡፡እት ዉሪ ናይ ትግርኛ ደራፊ በቲ ናይ መላእኽቲ ዘይማ ዝመስል ጥዑም ድምፁ ኣብ ሕልናይ ከስቆንቁን ከሎ ኣነ እውን ሓቢረ ይቑዝም፡፡ከምዝስዕብ እና በልኩ፡-

ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ኣይተሳቕይኒ ሕራይ በሊ
ፍቕሪ ክልተይና ኣይተምክኒ
ሃንደበት መገሻ መን ሓሳብ ሂቡኪ
ኣብ ገፅኪ ኣንቢበዮ ሚዛን ስምዒትኪ
’ቲ ናተይ ዘይፀግቦ ካብ ዓይነይ ዘይ ክወል
ድሙቕ ፍሽኽታኺ
ተሃንጥየ መጺአ ከም ቀደም  መሲሉኒ
ዉዱእ ሓሳብ ኣምጺእኪ ከም  ጓና ገይርከኒ
ካብ ዘፍቀረ ልቢ እንታይ ከም ’ትደልይ ምረዳእ ኣብዪኒ


ዓለም  ዓለም  ጎደሎ ’ያ
ዓለም  ዓለም  ጎደሎ ’ያ
ኣራኺባትና ክትሓሊ
አፋቒራ ድማ ትፈላሊ
ማዕረ ይከዳ ክልተኤን ምልክዓ
ማዕረ ስቓይ ደስታ ሰሪዓ

ሓቁ! ኣብርሃም  ኣይተሳሓሐትን፡፡ዓለም ኩሉ ነገር እያ፤ ዓለም ዓለም  እያ፡፡  ክፉእቲ፣ፅብቕቲ፣መይዳ፣ ገደል፣ ዓቀበት፣ ቁልቁለት…ኩሉ ነገር፡፡ናይ ኣብርሃም ሙዚቃ ስምዒተይ ማራ ተቖፃፂርኒ፣ምሒር ተረቢሸ፡፡ ኣቱም ሰብ! ብጣዕሚ ካብ ዝትፈትዎ  ከም ፍላይ ዝኸፍእ ደሎ? ኣይካኣልኩን፤ሓሳብ ወሪሩኒ፡፡ ቋርጾ ፈቲነ፤ ዋእ ክዓብድ ዶ ደኣ ?ወይለከ ሰሊዕለይ ጓል ያቱ፡፡ ግን ከዓ ኣይካኣልኩን፡፡ አየውርድ እንድዪ ዝብሃል፣ሐዚ ውን ባሓሳብ ምስ ኣብርሃም  አፈወርቂ  ሓቢረ ምስቁንቋን ቀጺለ፡፡

ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ፍሽኽ በልኒ ቁሊሕ በሊ
ኣይተሳቕይኒ ሕራይ በሊ
ፍቕሪ ክልተይና ኣይተምክኒ
ምስንባት መጺኡዪ ናብራ ኮይኑ ኢልክኒ
ኣነ ክቐብጸኪ ዕድለይ ሂቡኒ
ይዝክሮ ቐደም ምስ ንብዓተኪ ክትብልኒ
ፍቕሪ’ዪ ወሳኒ
                                                    ግን ዓለም ጎደሎ’ያ ብህግቲ ከንሳ
                                                    ተፈጥሮኣ ኩሉ ኣለዎ ኣበሳ
                                                    ዕንበባ ፅገሬዳ’ኳ
                                                    እታ ትፈቲያ ዕሾኽ ኣለዋ አብ ነብሳ



 ዓለም  ዓለም  ጎደሎ ’ያ
ዓለም  ዓለም  ጎደሎ ’ያ
ኣራኺባትና ክትሓሊ
አፋቒራ ድማ ትፈላሊ
ማዕረ ይከዳ ክልተኤን ምልክዓ
ማዕረ ሕማቕ  ፅቡቕ  ሰሪዓ

አብርሃም ሐዚ እውን ”ፍሽኽ በሊ” ከብ ዝብል መስመር ጀሚሩ ከውርዶ እንትብል ከምቲ ባዕሉ ”ዓለም ጎደሎ’ያ” ዝበሎ ካብዚ ንላዕሊ ”ፍሽኽ በሊ” ክብል ኣይኻኣልኩን፡፡ውሽጠይ  እናነደደ ከመይገይረ ”ፍሽኽ በሊ” ክብል? ይኹን እምበር ካብ ናቱ ደርፊ ኣይወፃእኩን፤ ”መለይ ” ናብ እትብል ዘይማኡ ድማ በሓሳብ ዕዝር በልኩ እሞ ”ክቕፅል’የ” ኣብ ዝብል መስመር ምስ በፃሕኩ ክቕፅል  ኣይካኣልኩን፡፡ ”ኣያሃብካ ትኩስ ገዓት ኣብኢድካ” ዶበሉ፤ ከመይ ኢለ ክቕፅል? ምስ መሰለ ብምፍልላይና ዓለም ብገፊሑ ፀቢቡኒ፤መሬት ፀልሚቱኒ፤ ብሂይወት እናሃለኹ ገሃንም አቲወ፡፡ ምስ መታዓቢተይ ክንፈላለ ኢና ዝብሃ ሓሳብ አይነበረናን፡፡ ወዲ ዓደይ፣ ወዲ ሩባይ አዝየ እየ ዝፈትዎ ነይረ፡፡ ንሱ ’ውን ካብ ባዕሉ አብሊፁ እዩ  ዘፍቕረኒ ነይሩ፡፡ ዓላማና ብንዉር ተመርዒና ሓቢርና ክንነብር  እዩ ነይሩ፡፡ ግን ከዓ ድኽነት ዝብሃል ቐዛፊ ሕማም እናሃለወ ከመይ ገይርካ ይኸውን? አነን መሰለን ደቂ ድኻታት ኢና፡፡ መሰለ ቡዙሓት መናእሰያት ናብ ወፃኢ ሃገር ብፍላይ ድማ ናብ ዓዲ ዓረብ ከይደም ብምሽቃል ቡዙሕ ገንዘብ ሒዞም ይመፀለው ክባሃል ካብ ዝሰምዕ ንነዘ ሰላም ከሊእኒ፡፡ ወግሐ ፀብሐ ወፃኢ ሃገር ኾይኑ ዕላሉ፡፡ ንዓይ ግን እዚ ነገር’ዚ አይተበረሀንን፤ ሃገርና ገዲፍና ክንስደድ ከምዘይብልና ቑርፅ ኣቢለ ነገይረዮ፡፡ ብዚ ምኽንያት ድማ ክቕየመኒ ጀሚሩ፡፡ በቃ ናቱ ለውጢ ዝቃወም ዘለኹ ስለዝመሰሎ

 ፍቕረይ ከይደ እየ ከይደ ናበይ አይት ሕተትኒ
ናይ ሂይወት መርከብ ሒዛትኒ ነቒላ
ተወረድኩ ባሕሪ እዩ ውሽጣ ክቕይር ከፍትን
ከመሳሰል ከግፍሕ ፅላላ

ዝትብል ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ዘይማ ብምቁንጣር መስታወሻ ገዲፍለይ ናበዚ እየ ከይበለኒ ከይዱ፡፡ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝኣክል ድሃዩ አይተሰምዐን፡፡ አብ ስናይ በረኻን ጫካታት ታንዛንያን ቡዙሓት ኤሪትራውንን ኢትዮጵያውያንን ከምዝሞቱ ብማዕኸናት ዜና ሰሚዐስ ብጣዕሚ ክጭነቕ ቀንየ፡፡ ዘይተ ማፃባዕኩዎ ታቦት የለን፤ ጉሓትን ምሸትን ንማርያም ምሕፅንታይ ኣየቋረፅኩን፡፡ ልክዕ ኣብ መበሊ ሓምሻይ ወርሑ ዓሊ ካብ የመን ተጓሒፉ የመፅእ እሞ ዝተፈጠረ ኩሉ ክትርኸለይ ጀመረ፡፡ እወ መሰለ አብ ዝሓሰቦ ከይበፅሐ አብ መን ገዲ ተሪፉ፡፡ ዋይ ምሽኪይ ማሓዛይ!”አብ ዝሓሰብካዮ ኣይትብፃሕ“ ዝብሃል መርገምቲ ዶ በፂሕዎ ትብሉኒ? ድሕሪ ናይዓፋር በረኻታት  ከርተት ምባል ኣብቀይሕ ባሕሪ ጥሒሉ ተሪፉ፡፡ “ልክዕ ኣብ ማኽል ቀይሕ ባሕሪ ምስ በፃሕና ሓያል ማዕበል ተላዒሉ  እታ ዝተሳፈርናላ ጀልባ ምሒር ክትናወፅ ጀሚራ”ይብል ዓሊ፡፡“ከምቲ ዝትፈልጥዮ እዚ ጉዕዞ ነዓይ ሓዲሽ ኣይኮነን፤ ሐዚ ሽብዓየይ እዩ፡፡ ድማ ምሕማስ ስለዝኽእልን ’ላይፍ ጃኬት’ ከይሓዝኩ ስለዘይጉዓዝን ናይ የመን ጀልባታት መፂአን ክሳብ ዘውፅኣና ብሂይወት ክፀንሕ ክኢለ፡፡ መሰለ ግን ኣይካኣለን፤ እቲ መጀምርያ ናብታጀልባ ክንሳፈር ከለና ከምቀልዲ ኣምሲሉ ’ዓሊ አብዚ ጥሒለ ተተሪፈ ከትምለስ ከለኻ እዛ ደብዳቤ ዚኣ ንሰላም ሃባ፤ ሓደራ!’ኢሉ ሂቡኒ፡፡“ ምሰበለ በነዊሑ ተንፈስ እሞ እቲ ከይተፈለጦ ገፁ እናሓፀበ ዝወርድ ዝሎ ውሒጅ ንብዓቱ ብፀጋማይ ኢዱ እናሓበሰ ንሰላምታ ዝጭብጥ ኣምሲሉ እታ ደብዳቤ አብ ኢደይ ከዲፍዋ መናዕ ከይበለ ንበይነ ገዲፉኒ ከደ፡፡ ዓሊ መስከደ ነታ ወረቀት ዘርጊሐ ምንባብይ ቀፀልኩ፡፡
”ሰላም ንዓኺ  ሰላም  ሓፍተይ! እዛ ወረቀት ዚኣ ብሰብ ኣቢላ ተበፂሓትኪ ብሂይወት ከምዘየለኩ ተረደኢ፡፡ሰላመይ፣ ብጄካ ንዓኺ ምንም ዓይነት ምሽጥር ንካልኦት ከም ዘይነግር ትፈልጢ ኢኺ፡፡ናተይ ናይ ሂይወት ምዕራፍ ዝዛዝም ነገር ተጋጢሙኒ ግን ቻው ከይበልኹኪ ንዘይምለስ ክፍለየኪ ኣይደልን፡፡ ብዘይምግናን ኣብ ዛዓለም ዚኣ ከማኺ ዝበለ ስብ አየጋጠምንን፡፡ በቃ እንታይ ክብል ከምዝደለኹ ዝጠፍኣኪ ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ልበይ ዝተተኸለ ናይ ፍቕሪ ሓውልትኺ ኩሉሻብ ምሳይ ኣሎ፡፡ እቶም ውሽጠይ ንምምርማር ዝተፈጠሩ ዝመስሉ ከኮባት አዒንትኺ ከብሕልናይ ኣይተከወሉን፡፡ዋላ’ኳ በኣካል እንተፈላለና ብሓሳብ ኩሉ ግዜ ምሰኺ እየ ዘለኹ፡፡ ኣብ ካሊእ ናይ ፍቕሪ ዓለም  ዳጋማይ ንክራኸብ እናተመነኹ ቻው ንክብለኪ ኩነታት ስለዘገደዱኒ ብጣዕሚ ይሓዝን፡፡  ቻው ሰላም ኹኒ ሰላመይ መዓረይ!“  
”ኖኖ! እዚማ ብፍፁም ኸውን አይክእልን“ በልኩ ንባዕለይ፡፡ድሕሪኡ ግን ኣበይ ከምዘከኹ ኣየፈልጥን ፡፡መብረቕ ከምዝወቕዓኒ ሽዑ ንሽዑ  ዓርሰይ ረሲዐ፡፡ድሕሪ ሰልስተ ማዓልቲ ነብሰይ ኣብ ሆስፒታል አልጋ ሒዛ ምስረኸብኩዋ ኩሉ ነገር ተረዲኡኒ፡፡ አነን መሰለን ደግማይ ንዘይንራኸብ ተፈላሊና፡፡


 






ሕዳር 27 ቀን 2005 ዓ.ም

No comments:

Post a Comment