Wednesday, March 12, 2014

ፃምእ መቐለ ይትኣለ!!!



ኣውሎ ኣውሎ ኣውሎ
እስኪ ኣውሎ ንበል
ንኽኣሎ ኣይንኻኣሎ
ቅያ ወለድና
ዳግም ነላዕሎ፡፡
ለለ ለለ ለለ ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ፈርኦን ትመለሰ
ፀገምኺ ገበለ
ገፅኺ መዲው
ዓይንኺ ሓበለ
ኣብ ባሕሪ ኾይንኽስ
ፀማእኺ መቐለ፡፡
ለለ ለለ ለለ ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ወነይ ከላዕሎ
ኣውሎ ኣውሎ ክብል
ሕሉፍ ክዝክሮ
መን እኳ ከይሰምዕ
መን ከይስቆሮ፡፡
ኣታ እወ እትቐደም
ኣብቲ እዋን ቃልሲ
ኣይተሰዋእናንዶ
ኣየፍሰስናንዶ ደም
 ኣብ ግዘ ፀበባ
ብኲናትን ድርቅን
ትግራይ ተኸቢባ
ኣይበላዕናን ጎጎ
ኣይሰተናን ፀባ፡፡
ለለ ኸዓም ለለ
ዳሕን ይኹን ሕራይ
መእንተ ንዳሕራ
ክንበልዕ ጥሕሎ
 ክንሰትይ ፅራይ
ንኹሉ ንኽኣሎ፡፡
ለለ ኸዓም ለለ
ንኽድ ይድኸመና
ዓቐብ ቁልቁል ንበል
ንጥመ ይፅመአና
ማይ ማይ ትበል ነብሲ
ማይ ማይ እንተይበልኻ
ዓቐብ ውረድ ደይብ
ሂወት ከይከፈልኻ
ኣይርከብን ፈውሲ፡፡
ለለ ለለ ለለ ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ለለ ኸዓም ለለ
ግዘ ፀልማት ቀትሪ
ዋይ ዋይ ሓዘን ጓሂ
ወገሐ ፀብሐ ቀብሪ
ዕምትምት ፅልምልም
ፀልሚቱ ከይቐሪ፡፡
ውፈር!!!
ለለ ኸዓም ለለ
ከምኣቦኻ ግበር
ሰጉም ተመላጠጥ
ብብርከይ ብርክኺ
ውደቕ ተገሻለጥ
ጭርሚ ትኹን ስቃይ
ዓይኒ መርፍእ ኾይና
ትፅበብ መሬት ሰማይ፡፡
ለለ ኸዓም ለለ
ናይ ዘመናት ጥንሲ
ወዲ ክትወልዲ
ሕሱም ቃንዛ ሕርሲ
ኣብ ሞትን ሕየትን
እተዊ ውፅኢ ነብሲ
ዒሕ! ኢልኺ ድፍእዮ
ወሊድኺ ተንፍሲ፡፡
ለለ ኸዓም ለለ
እወ ኹሉ ሓሊፉ
ብርሃፅን ደምን
ታሪኽ ተፃሒፉ
ፀልማት ተቐንጢጡ
ደርሆ ምስነቆየ
ወያ ወዲ ሩባ
ሓውና ወዲ እነና
ለጥ ኢልኻ ደቂስካስ
ማይ ክተፅምአና
ተመላጥጥ ጉየ
ፀገምና ፍትሐልና
ዳሕራይ ከይንብኣስ
ጓና ከይሰምዐና
ጓና ከስሕቕና፡፡
ፃምእ ተምቤን ሽረ
ፃምእ ዓዲ ግራት
ተሎ ይትኣለ
ከይኣኸለ ስዓት፡፡
ፃምእ ህዝቢ ትግራይ
ከተማ መቐለ
ለለ ኸዓም ለለ
ሰዓት ከይኣኸለ
ነገር ከይተልዓለ
ተሎ ይትኣለ፡፡





No comments:

Post a Comment