Monday, March 3, 2014

ነገረ ህወሓት፡‹‹ላሕሚ ሓዊ ወሊዳ፤ ከይትልሕሶኸ እናንደዳ፣ከይትገድፎኸ ወሊዳ››




ጋዜጠኛን ደራስን ግርማይ ገብሩ ብዛዕባ ብርሃኑ ሃይለስላሰ(የማይጨው ኮርማ) ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ፈይ ኣቢልልና፡፡ግርማይ ገብሩ ግርም ገይሩ፤ንዓርሰ ተበግሶኡ ካብ ልቢ ዝነቐለ ናእዳይ ከቕርበሉ ይደሊ፡፡

ኣብ ልዕሊ ኣካያዲ ስራሕ ነበር ሆስፒታል ማይጨው ዝተወሰዱ ስጉምትታት ፎስ ግስም እዮም ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ሐዚ እውን እንተኾነ በዙሓት ዘጠራጥሩ ነገራት ኣለው፡፡እቶም ዝተወሰዱ ስጉምትታት እውን ነንባዕሎም ዝጋጨውን ህዝቢ ንምዝንጋዕ ዝዓለሙን እዮም፡፡ህወሓት ብብርሃኑ ሃይለስላሰ ክትጭክን ኣይካኣለትን፡፡

እስቲ እተን ዝተወሰዳ ስጉምትታት ሓደ ብሓደ ንርአየን፡፡


ግርማይ ሓውና፣
እቲ ሰብ በቲ ዝተጠርጠረሉ ገበን ብዕሊ ተታሒዙ ኣብ ማይጨው ኣብ ቤት ፍርዲ ተኸሲሱ’ሎ፤ ቤት ፍርዲ ናይ ወሓስ መሰል ኣኽቢሩሉ ድማ ፍርዲ ይፅበ’ሎ፡፡ ገበነኛ ድዩ ዋላስ ኣይኮነን ድሕሪ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኢና ኣረጋጊፅና ንዛረብ፡፡
ዝብል ሓበሬታ ከምዝረኸበ ነጊሩና ኣሎ፡፡


ግርም፣ እቲ ስብኣይ ተጠርጢሩ እምበር ገበነኛ ይኹን ኣይኹን ዝተፈለጠ ነገር የለን፡፡ሓደ ወድዓዊ ሓቂ ግን እኒሄ፣እቲ ሰብ ብገበን ተጠርጢሩ ተኸሲሱ ኣሎ፡፡ናይ ወሓስ መብቱ ግን ኣይተከልከለን፡፡ብኻሊእ አበሃህላ እቲ ስብኣይ ኣይተኣሰረን ዘሎ፡፡እዚ ማለት ድማ እቲ ዝተኸሰሰሉ ገበን ከቢድ ኣይኮንን ማለት እዩ፡፡ይገርም! ኣብ ዝኸዶ ኹሉ ደቂ ኣንስትዮ እናዓመፀ ዝንበር ስብስ ወሓስ ይግበኦ? ዝኾነ ኾይኑ እስኪ ንቐፅል፡፡

ዋላ እኳ ኣይትኣሰር እምበር፣‹‹ እቲ ውልቀ ሰብ ኣባል ህወሓት ስለዝነበረ እቲ ውድብ ካብ ኣባልነቱ ኣባሪሩዎ’ሎ፡፡›› ህወሓት ንምታይ እያ ዝባረረቶ?እቲ ሰብ ተጠርጣሪ እምበር ገበነኛ ኣይኮነን እንድዩ ዝብሃል ዘሎ? ግን ድማ ካብ ኣባልነት ተባሪሩ፡፡እቲ ካብ ኣባልነት ዘባረሮ ምኽንያት እንታይ እዩ?
ብናይ ህወሓት ናይ ኣባልነት መመሓዳደሪ ደምቢ መሰረት ካብ ኣባልነት ምብራር እቲ ዝዓበየን ናይ መወዳእታን ቅፅዓት እዩ፡፡እቲ ዝልዓለ ገበን ዝፈፀመ ኣባል ህወሓት ብቀጥታ ካብ ኣባልነቱ ይባረር፡፡ኣይተ ብርሃኑ ብሕገ ደምቢ ህወሐት ገበነኛ እዩ፡፡ብሕገ ደምቢ ኢፌድሪ ግን ተጠርጣሪ እምበር ገበነኛ ኣይኮነን፤ ብኣተረጓጉማ ቤት ፍርዲ ማይጨው፡፡እቲ ትኽክለኛ ሕጊ ኣየናይ እዩ? እቲ ትኽክለኛ ስጉምቲ ኸ?

ዳሕን ንቐፅል፡፡እቲ ስባኣይ ካብ ኣባልነት ህወሓት ጥራይ ኣይኮነን ዝተባረረ፣‹‹ንሆስፒታል ማይጨው ብላዕላዋይነት ዝመርሕ ቦርድ›› እውን ነቲ ‹‹ውልቀ ሰብ ካብቲ ዝነበሮ ስልጣን (ካብ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል) ኣባሪሩዎ’ሎ፡፡›› ኣቱም ሰብ ካብ ውድባዊ ኣባልነትን ካብ ዝልዓለ ስልጣንን ዘባርር ግን ድማ ወሓስ ዘይኽልክል ገበን እንታይ ዓይነት እዩ? አረ ካብዚ ዝበኣሰ መደንፀዊ ስጉምቲ እውን ቐፂሉ ይርከብ፡፡

እቲ ቦርዲ ብተወሳኺ እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ካልእ ቦታን ደረጃን ክምደብ ናብ ቢሩኡ ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሰዲዱዎ’ሎ፡፡ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ድማ እቲ ውልቀ ሰብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ቤት ፍርዲ ክሳብ ዝረክብ ከም መጠን ሰራሕተኛ መንግስቲ ካብቲ ዝነበሮ ሓደ ደረጃ ኣውሪዱ ኣብ ቢሮ ጥዕና መዲብዎ’ሎ፡፡

ርአዩላተይ! እታ ትኽክለኛ ጫወታ እዚኣ እያ፡፡እቲ ስብኣይ ኣብ ማይጨው እዩ ተኸሲሱ ዘሎ፡፡ይኹን እምበር፣ካብ ማይጨው ኣልዒሎም ናብ መቐለ ኣዛዊሮም ስራሕ ሂቦሞ ኣለው፡፡ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ካብዚ ሰብዚ እንታይ እዩ ክረክብ? ናይ ብሓቂ ተኸሲሱ እንተድኣኾይኑ እኮ ኣብ ፍርድ ቤት እዩ ግዜኡ ከጥፍኦ፡፡እሞ ድማ ካብ መቐለ ናብ ማይጨው፣ ካብ ማይጨው ድማ ናብ መቐለ እናተመላለሰ፡፡


እቲ ‹‹ካብቲ ዝነበሮ ሓደ ደረጃ ኣውሪዱ ቢሮ ጥዕና መዲብዎ ኣሎ›› ዝብሃል ወግዒ ዘመናዊ ቀልዲ እዩ፡፡ካብቲ ዝነበሮ ሓደ ደረጃ ወሪዱ ከይኮነስ ሓደ ደረጃ ደይቡ እዩ ተሸይሙ ዘሎ፡፡ካብ ዞባ ናብ ክልል፣ ካብ ክልል ድማ ናብ ፌደራል ምዝዋር ካብ መዓዝ ንነዘ እዩ ምውራድ ዝኾነ? ሓቀኛታት እንተኾይኖም ንምታይ እዮም ናብ ካሊእ ዞባ ኣዛዊሮም ካብቲ ዝነበሮ ሓደ ደረጃ ኣውሪዶም ዘይመደብዎ? ብሓቂ ክቐፅዕዎ እንተደልዮም ካብ ዞባ ናብ ወረዳ ዘየውርድዎ? እቲ ቆሽትኻ ዝበልዕ ትዕቢት ዝተመልኦ ለግፂ ህወሓት እዚ እዩ፡፡

ንዝ ተግባር እዚ ኣፀቢቓ ዝትገልፃ ሓንቲ ፅው ፅዋይ ክነግረኩም፡፡ሓደ ተጓዓዛይ ነይሩስ ፀሓይ ኣብ መንገዲ ስለዝዓረበቶ ‹‹ጎይታይ መሕደሪ›› እናበለ ዓዲ ንዓዲ ዝውር ምስ ኣምሸየ ሓንቲ ንነብሳ ዝሓደረት ሰበይቲ ኣብ ገዛኣ ንክሓድር ትፈቕደሉ፡፡ሰበይቲ ኣብ መደባ ስብኣይ ድማ ኣብ ምድሪ ቤት ደቂሶም፡፡ኣጋ ውድቕቲ ለይቲ ግን ወዮ ስብኣይ ናብ መደብ ይድይብ እሞ ንታ ሰበይቲ ሃሰሰስ ክብላ ይጅምር፡፡ጓል እያቱ ድማ ‹‹ኣታ ጉድ መፂኡኒ፣ታይ ኾይንኹም ኣቱም ስብኣይ?›› ኢላ ትሓቶ፡፡ወዮ ስብኣይ ምንም ከም ዘይገበረ ‹‹ዲቐ›› ኢሉ መለሰላ ይብሃል፡፡ካብ ምድሪ ቤት ዶያ ናብ መደብ ይውደቕ?

ፍርዲ ህወሓት ከምዚ እዩ፡፡‹‹ህወሓት ትሙት›› እናበሉ ንዝምሕሉ ግዕዙያት ኣባላታ ብኸምዚ እያ ትቐፅዖም፡፡ብርሃኑ ሃይለስላሰ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ስለዝጋዕዘየ ናብ ዞባ ኣደይቦም መካየዲ ስራሕ ሆስፒታል ማይጨው ገይሮሞ፡፡እቲ ኣብ ወረዳ ዝጀመሮ ምብስባስን ኣገዲድኻ ምግሳስን ደቂ ኣንእስትዮ ናብ ዞባ ምስ ዓበየ ብሓይሊ ሓይሊ ኣቦኡ ቐፂልሉ፡፡ብምዃኑ ድማ እዩ ካብ ዞባ ናብ ክልል ክዓቢ ዝተገበረ፡፡በዝ ተግባሩ ኣብ ክልል ቢሮ ፅብለልታ እንተርእዩ እውን ብዘይጥርጥር ናብ ፌደራል መንግስቲ ከዕብይዎ እዮም፡፡

እንግሊዛውያን ንኸምዚ ዝበሉ ዕሉላት መቃየሕቲ ‹‹Cheat me once, shame on you, cheat me twice shame on me››(ሓደሻዕ ተሸዊድካኒ ውርደታም ኢኻ፣ክልተሻዕ እንተድኣሸዊድኻኒ ግን ባዕለይ እየ ውርደታም)፡፡ንሕና እውን ንውዲት ህወሓት ‹‹ንኻሊእ በልዮ ጣብያ›› ኢልና ክንሓልፎ ይግባእ፡፡








No comments:

Post a Comment