ወለድና እንትምስሉ ‹‹ዓቐብኻያ ክሳብ ትወፅእስ ተይዶኾንኻ ትሞርኮስ›› ይብሉ፡፡እንዳ ህወሓት ኣብ መይዳ ትግራይ
እናሃለው መዓራት እዮም ነይሮም፡፡ብመሪር ጭቆናን ሕሱም ድኽነት ህዝቢ ትግራይ ሓሪኖም ዝተላዓሉ እዮም ዝመስሉ ነይሮም፡፡ብፍላይ
እቶም ኣብ መላእ ትግራይ ዝተዘርኡ ተጋደልቲ ትግራይ በይዛ ህዝቢ ንምብጃው ድልዋት ነይሮም፡፡ብተግባር እውን ኣመስኪሮም፡፡ኣዕፅምቶምን
ስጋኦምን ኣብ መላእ ትግራይ ተዘሪኡ እዩ፡፡
ማሕላ ተጋደልቲ ‹‹ስጋ ብፆት›› ነይሩ፡፡ብምዃኑ ድማ ብዘይካ እቶም ንግዜኡ መልክዖምን ተግባሮምን ዝቐየሩ ነፋሒቶታት
መብዛሕቲኦም ኽቡር ሂወቶም ከፊሎም እዮም፡፡ብሓቂ እውን ስጋ ብፆቶም ረጊፆም ብምሕላፍ ስጋ ህዝቢ ከይበልዑ እዮም በረኻ ተሪፎም፡፡የግዳስ
ንህዝቦም ክብሉ ስጋኦም ንኣሞራ ኣረኪቦም እዮም፡፡ብቃ፣ እቶም በይዛ ህዝቢ ንምዃን ቖሪፆም ዝወፈሩ ደቂ ህዝቢ ብዝወፈርዎ እዮም
ተሪፎም፡፡ስጋ ብፆት ኢሎም ምሒሎም፤ ክስወኡ ከለው ድማ ‹‹ዓወት ንሓፋሽ!›› ኢሎም ብምጭራሕ ንዘይምለሱ ኣርሒቖም ገይሾም፡፡
ገለ ካብዚኦም ግን ማንነቶም ሓቢኦም ትርግታ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ዘዳምፁ ተኹላታት ነይሮም እዮም፡፡‹‹ዃርያ ፃድቕ
ትመስል ዝዋውዕ ትኣስር›› ከም ዝብሃል እውን ህዝቢ ኣሚኑ ዝተሰለፈ ውድብ ንዓወት ምብቃዑ ከምዘይተርፍ ስለዝፈልጡ ንህዝቢ ትግራይ
ትበሊፆምሉ እዮም፡፡ናታቶም ዓላማ ፖለቲካውን ኢኮነሚያውን ስልጣን ምዕታር እዩ ነይሩ፡፡እዝ ሕልሞም ግሃድ ክኾነሎም ዝኽእል ግን
ናይ ህዝቢ ስምዒት ብምፅናዕ እቲ ህዝቢ መስዋእቲ ኸፊሉ ዕላመኦም ከሳኽዐሎም ምግባር ግድን ነይሩ፡፡ገይሮሞ ድማ፡፡
ሓይሊ ህወሓት ህዝቢ ነይሩ፤ ‹‹…ህዝቢ እዩ ሓይልና መስመር እዩ ሓይልና…›› ሞዝሙሮም፡፡ብሓቂ ድማ ህዝቢ ትግራይ
ሓይሊ ኮይኑዎምስ ንዓወት በቒዖም እዮም፡፡ናብ ዝሓሰብዎ ክሳብ ዝበፅሑ ‹‹ዓወት ንሓፋሽ›› ኢሎም ጨሪሖም፡፡እቲ ህዝቢ ትግራይ ሂወት
ደቁ ኸፊሉ ዝረኸቦ ዓወት ግን ከም ዘየጫንውዎ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ ነይሮም፡፡ዓወት ንባዕሎም፣ንደቆም፣ ደቂ ደቆምን ቤተሰቦምን እንትኸውን
ህዝቢ ትግራይ ግን ዕንወት እዩ ኣትሪፉ፡፡ዕንወት መተካእታ ዘይብሉ ሂወት ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ደቁን ንብረቱን፡፡
መረበት ህዝቢ ትግራይ ዓኒው፡፡መረበት ጉሒላታት ግን ወርቂ ብወርቂ ኾይኑ፡፡ወዮ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝጭርሑ ዝነበሩ
ነፋሒቶታት ዓወት ምስዓተሩ ኣፍንጫኹም ልሓሱ ኢሎምና፡፡ዝዛረብ ኣፍ እምበር ዝሰምዕ እዝኒ፣ኣርሒቑ ዝጥምት ዓይኒ፣ ኣዕሚቑ ዝሓስብን
ዘስተንትንን ሕልና ከምዘይብሎም ደጋጊሞም ነጊሮምና፡፡ን23ን ዓመታት ናይ ሕልሚ እንጀራ መጊቦምና፡፡በብዓመቱ ‹‹ዳሕን ቐሲንኩም
ደቅሱ፣ትግራይ ዓይኒ ዓራት ክንገብራ ኢና፡፡ብወርቂ ክንልቕልቓ ኢና፡፡ዓለቕቲ ዘይብሉ ማይት ክነስትየኩም ኢና፡፡ብሓፈሻ ትግራይ ምድራዊት
ገነት ክንገብራ ኢና፡፡›› እናበሉ ቃል እንትኣትውልና ኣይሕንስሶምን ነይሩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ኣሚኑዎም፡፡
እቲ ዝኣተውሉ ቃል ድሕሪ 20ን 30 ዓመታት እውን ተግባራዊ ኣይኾንን፡፡እቲ ዝኣተውዎ ቃል ከይፈፀሙ ካሊእ ቃል ምእታው
ቐፂሎምሉ፡፡ህዝቢ ካብ ድቃሱ ነቒሑ፡፡እቲ ሕልሚ ዓጀውጀው ምዃኑ ተረዲኡ፡፡ዝስተ ማይ ተበለ ወይከ፤ መብራህቲ እንተበለ ‹‹ከምቲ
ናይ ቐደምኹም ሽምዓ ወይ ቕራሮት ተጠቐሙ›› ኢሎም መሊሶምሉ፡፡ፍትሕን ርትዕን ሓቲቱዎም፤ ‹‹እንቋቅስ ናብ ጥራጥ›› ኢሎም ኣባጭዎምሉ፡፡ሐዚ
ህዝቢ ትግራይ ሰጥ ለጥ ኢሉ ንክግዛእ ምፍርራሕ ጀሚሮም፡፡ንሕና ዝበልናካ ጥራይ ስማዕ ኢሎሞ፡፡
ህዝቢ ለሚንዎም፡፡ደጋጊሙ ተማሕፂንዎም፡፡ትዝሩብ ውዒሎም ትዝሩብ ይሓድሩ እሞ፣ ‹‹ካባና ንላዕሊ ሓቀኛ የለን፤እቲ
ንዓኻ ዝግባእ መሰል እዚ ጥራሕ እዩ፤ ተዘይኾይኑ ግን ዒም ዝበለ ይትሓጎም›› ኢሎሞ፡፡ሐዚ ኣብ መላእ ትግራይ ዒም ዝብል የለን፡፡ብዘይካ
ንዓረና ዝኣመኑ ውሕዳት፡፡
No comments:
Post a Comment