ኣቦይ ሕጉስን ኣደይ ሓዳስን ገና ብህፃውንቶም እዮም ወለዶም ብሓዳር ዘጣመሩዎም፡፡ኣቦኦም ነቦይ ሕጉስን ኣቦአን ነደይ ሓዳስን ተኽ እስትንፋስ ኣዕርኽቲ ነይሮም፡፡መባልዕቲ መሳቲይቲ፣መሳርሕቲ እሂን ምሂን መባህልቲ፣ መኻፍልቲ ምሽጥር፡፡መስትያተይ እዩ ነይሩ ዕርኾም፡፡
ይኹን እምበር ናይ ስጋ ዝምድና ኣይነበሮምን፡፡እቲ ስጡምን ምትእምማን ዝተመልኦን ዕርክነቶም ግን ኣብኣቶም ክተረፍ ኣይደለዩን፡፡ገና ሓዳር ገይሮም ቅድሚ ምውላዶም ‹‹ውላደይ ንውላድኹም›› ተባሃሂሎም፣ ቃል ተኣታቲዎም፡፡ፈጣሪ ቃሎም ኣስሚሩሎም ድማ ንደቆም ሕጉስን ሓዳስን ዕሸላት እናሃለው ኣማራዒወሞም፡፡
ሓዳር ኣቦይ ሕጉስን ኣደይ ሓዳስን ውዕውዕ እዩ ነይሩ፡፡ዓመት ካብ ዓመት ራሕሲ ተፈልዩዎም ኣይፈልጥን፤ ክፍቶም ገር ኣይኣኽለንን፡፡ደምበ ሙሉእ ጠለበጊዕ ዓሰስ እንትብላ ይትረፍ ንሰብኖት ንሓላፊ መንገዲ እውን ልቢ የርህዋ፡፡ኩለን ፀዓዱን ስልዝኾና ድማ ካብ ርሑቕ ደሚቐ ይርአያ፡፡ኣብቕልቶምን ኣፍራሶምን መይዳ ሞሳኑ ንበይነን ይመልእኦ፡፡ጎተራታት እንዳቦይ ሕጉስ ወትሮ ኣፍ ንኣፍ ቕፅፅ ኢሎም ምስመልኡ እዮም፡፡ኣናሂብ ገዛውቲ መሊኦም ደገ ሰፊሮም፡፡
ይኹን እምበር እቲ ውሬ ኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ‹‹ዓለም ጎደሎ እያ›› ከም ዝበሎ እንዳቦይ ሕጉስ ወሊዶም ንምዓባይ ኣይተዓደሉን፡፡መኻናት ስለዝኾኑ ግን ኣይነበረን፡፡ኣደይ ሓዳስ ሸውዓተ ወሊደን፤ ሹዲሽቲኦም ኣብ ዓመቶም ኣብ ክልተ ዓመቶም ብሞት ተጎኒኦሞን፡፡እቲ ሕሳስን ሻብዓይን ወደን ግን ኣባ ጊሮስ(ኣርባዕተ እንስሳ) ዝገበረ ገይሩ ንከዕብየለን ስለዝተመፃበዐኦ ግድእዩስ ብላንቆኡ ከይተጎንአ ተሪፉ፡፡ጎዲፍ ኢለን ሰይመንኦ፤ሰይጣን ጎዲፍ ብምዃኑ ተፀይፉ ምእንታን ክሓድጎ፡፡
ጎዲፍ ሕጉስ ንዓቕሚ ኣዳም በፂሑ፣ሰልዐም መንእሰይ ኮይኑ፡፡ጎዲፍ ግሉዕ ሰውነት ስለዝዓደሎ ካብ ኩሎም መሓዝቱ ቀዲሙ እዩ ሰብኣይ መሊኡ፡፡እንዳቦይ ሓጎስ ዝጎደለ ስለዘይነበረ ጎዲፍ ብሕምባሻ፣ምዓርን ጠስምን እናትሸሸየ ብሕንቃቀ ዓብዩ፡፡ጉብዝና ሂባ ኣይሓደገትን፡፡ስየ ቁመቱ ከም ቀላሚጦስ ዝተመዘዘ እዩ፤ ድልዱል ሰውነት ዝተዓደለ፡፡ቅልፅሙ ኣነ ዝበለ ጎበዝ ሒዙ ኣየቕርዮን፡፡ጎይዩ ዝቕድሞ፣ ተቓሊሱ ዘውድቖ የለን፤ ኣብ መላእ ደጉዓ ስለዋ፡፡ብፀወታ ቃርሳ ዝወዳደሮ ኣይነበረን፡፡ብሓፈሻ ገና ወጣት እናሃለወ እዩ ኣብ መላእ ስለዋ ስሙ ክገንን ዝኸኣለ፡፡
ወርሒ ጥሪ 1974 ዓ.ም ብክፍሊ ህዝቢ ህወሓት ዕሙር ጓይላ ስለዝተዳለወ መናእሰይ ደላ ልቦም ኣጥፊኦም ከም ኣጣዑ እናዘለሉ እዮም፡፡እቲ ጓይላ መናእሰይ ብምልዕዓል ንክጋደሉ ዝዓለመ እዩ ነይሩ፡፡ጎዲፍ ንወለዱ እንኮ ስለዝኾነ ናይ ምግዳል ሓሳብ ፈፂሙ ኣይነበሮን፡፡ ኣዕርኽቲ ጎዲፍ ሓደ ከይተረፉ ናብ ግድል ከቲቶም እዮም፡፡ጎዲፍ ግን ክቖርፅ ኣይኻኣለን፤ ወለዱ ብዘይንሱ ካብ ባሕሪ ከምዝወፀ ዓሳ ምዃኖም ኣፀቢቑ ስለዝፈልጥ፡፡እቲ ደራፋይ ከም ጎዲፍ ዝበሉ መናእሰይ እንታይ ይሓስቡ ከምዘለው ዝፈለጥ እዩ ዝመስል፡፡‹‹ዕሰልየ፣ዕሰልየ ዕሰል፣ ዕሰልየ ናቦኻ ምስል›› ክብል ፀንሐ እሞ ደርፊ ብምቕያር ‹‹ምሓዛኻ ክጋደል ዶ ዓዲ ውዓልየ›› እናበለ ከስቆንቁን ጀመረ፡፡ጎዲፍ ኣይክኣለን፤ተረቲዑ፡፡በቃ! ንወለዱ ዳሕን ኩኑ ከይበለ ብዝኦፈሮ ተጋዲሉ፡፡
ኣብ እዋን ታዕሊም ቅደም ሰዓባት ቀልጠፍካ ናይ ምቕባል ብቅዓቱን ድፍረቱን ልዕሊ ኩሎም ተዓለምቲ እዩ ነይሩ፡፡ኣብ ዓውዲ ውግኣት ቐዲሙ ዝህጅም ንሱ እዩ ነይሩ፡፡ብምዃኑ ድማ ተመኪሕኻ ጥይት ዘይተወቕዓ ኣካል ኣይትረኽበሉን፡፡ብዙሕ ግዜ ተወጊኡ፣ብፆቱ ‹‹ኣይ ሐዝስ ኣይተርፍን እዩ›› ኢሎም ተስፋ እንትቖርፁ ኣያኽናይ ንሞት ‹‹ሃህ በሊ፣ ሃናን››ይብላሞ ጠንጢንዋ መሰስ ይብል፡፡ተጋደልቲ ትግራይ ኣብ መወዳእታ 1981 ዓ.ም ንፋሽሽቲ ደርጊ ካብ መላእ ትግራይ ፀራሪጎም ናብ ማእኽል ሃገር እናቋደዱዎ እዮም፡፡
ኣብቲ ሽዓኡ እዋን ናይ ደርጊ ኣውራ መከላኸሊ ኣብ ዝሓለፎ ኹሉ ፈንጂ ምቕባር እዩ ነይሩ፡፡ህወሓት ድማ ኣብቲ እዋን ንሱ ፈንጂ ዳህሲሳ ዝተውፀአሉ መሳረሒ ኣይነበራን፡፡ምብዃኑ ድማ ዝተወሰኑ ውፍያት ተጋደልቲ ነቲ ፈንጂ ባእጋሮም እናረገፁ ብምንታግን ሂወቶም ብምህጋርን ንብፆቶም መንገዲ ክፀርጉሎም ግድን ነይሩ፡፡ጎዲፍ ሰለስተ ግዜ ፈንጂ ንክረግፅ ተወፊዩ፡፡ሰለስተ ግዜ ብሕሱም ቆሲሉ፤ ይኹን እምበር ሂወቱ ኣይሓለፈትን፡፡ኣካሉ አውን ኣይጎደለን፡፡እዝኹነታት እዚ እንትደጋገም ዝተዓዘቡ ብፆቱ ‹‹ሞት ኣበዮ›› ዝብሃል ሳጓ ኣውፂኦምሉ፡፡
ብ1983 ዓ.ም ደርጊ ሙሉእ ብሙሉእ ምስ ተደምሰሰ ጎዲፍ ምስ ሓንቲ ብፂቱ ሓዳር ገይሩ ኣሎ፡፡ብዓመቱ ድማ ቦኽሪ ጓል ወሊዱ፤ ዓይኑ ብዓይኑ ንምርኣይ በቒዑስ ዓወት ኢሉ ሽም ኣውፂኡላ፡፡ጎዲፍ ብ1985 ዓ.ም ‹‹ብኽብሪ›› ካብ ዝተሰናቱ ተጋደልቲ ሓደ ምዃኑ ስለዝተነገሮ ካብ ሽዋ ናብታ ቅድሚ 11 ዓመታት ዝገደፋ ዓዱን እንዳወለዱን ናብ ስለዋ ተመሊሱ፡፡ይኹን እምበር ወለዱ ብሂወት ኣይረኸቦምን፡፡ተጋዳላይ ብምዃኑ ንዓመታት ልቢ ዝሰብር ሓዘን ዘይተፈለዮ ጎዲፍ ሞት ወለዱ እንትሰምዕ እቶም ኣብ ዓውደ ውግኣት ካብ ቕድሚቱ ብመስዋእቲ ዝተፈለዩዎ ብፆቱ እውን እናዘከረ ብሓዘን ነደደት፡፡
እቲ ወትሮ መርዓ ዝነበረ እንዳቦይ ሕጉስ ዖና ኮይኑ እዩ ፀኒሕዎ፡፡ንሱ ምስተጋደለ ሓዘን ስለዝተደራረቦም ጥዕና ክረኽቡ ኣይክኣሉን፡፡ኣቦይ ሕጉስን ኣደይ ሓዳስን መረዳደኢኦም መሪር ንብዓትን ብኽያትን ካብዝኾን ሽዱሽተ ዓመታት ምስኣቐፀሩ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሂወቶም እትሓልፍ ኣብ ስለዋ ጉድ ተባሂሉ እዩ፡፡እታ ሞትስ ከምዛ ተማኺሮም ዝገበሩዋ እዮም ኣምሲሎማ፡፡ገለ ገለ ዓበይቲ ዓዲ ድማ ብኪዳኖም ተገሪሞም እዮም፡፡ሃፍቲ ንብረቶም ግን ወራሲ ስለዘይነበሮም ርሑቕን ቐረባን ቤተሰብ ስለዝተማቐሎ በኒኑ ተሪፉ፡፡ጎዲፍ ብዝይን ወድዝይን መዓንጣኡ ሕርር እንትብል በቲኻሊእ ገፅ ድማ ካብ ሞት ተሪፉ ዘርኢ ንምትካእ ብምብቃዑ ንዓርሱ እናፅናዕነዐ ናብራ ሓረስታይ ከምብሓድሽ ሓደ ኢሉ ክጅምራ ግድን ኾይኑ፡፡
ይኹን እምበር ናብራ ሓረስታይነት ኣልጋ ብኣልጋ ክትኾነሉ ኣይከኣለትን፡፡ዓወት ጓሉ ክልተ ዓመት ምስኮና ብዓልቲ ገዛኡ ብሞት ስለዝተፈለየቶ ዓቐን ብዘይብሎም ተደራረብቲ ሓዘናት እናተሃሰየ ከም ኣቦን ኣዶን ኮይኑ ውላዱ ከዕቢ ተገዲዱ፡፡ዓወት ናብ ኣደይ ውሰደኒ ኢላ አምርራ እንትበኪ ዝሕዞን ዝጭብጦን ይስእን፡፡ባዕሉ ንባዕሉ ከየጥፍእ ጓሉ ንመን ገዲፉ፣ ዝሃቦ ኽኢሉ ከይነብር መሪር ሓዘን ምስ ሕሱም ድኽነት ተደራሪቦም ብደው ከምሽምዓ ይቕልጥዎ ኣለው፡፡ነገር ዓለሙ እትጠፍኦ ‹‹ንዝይ ክኾን ድየ ሓዊ ዝበልዖ ጉንዲ ክሳብ ዝመስል ቖሲለ ካብ ሞት ዝተረፍኹ ኣቲ ደለይቲ ማርያም?›› እናበለ ኣምሪሩ ይሓዝን፡፡
ኹነታት ጎዲፍ ዝተዓዘቡ ጎረባብቲን ዓበይቲ ዓድን ካሊእቲ ሰበይቲ ከእትው ከምዘለዎ ብግልፂ ነጊሮሞ፡፡ወዮ ንሱ ብደው ካብ ዝሞት ፀኒሑ እዩ፤ ይኹን እምበር ካብ ቃል ዓበይቲ ዓዲ ከምልጥ ኣይኽኣለን፡፡ከይፈተው ብግዱ፣ ከም ዕረ እናመረሮ ሓዳር ንክገብር ተስማዕሚዑ፤ ንዓወት ጓሉ ክብል፡፡ኣብ መንጎ እዚ፣ ሻዕብያ ብሸነኽ ባድመን ሸራሮን ወራር ምፍፃማ ጋህዲ ኾነ፡፡እብቲ እዋን ንሱ ድማ ይትረፍ ከምን ጎዲፍ ዝበሉ ነባራት ተጋደልቲ ይትረፍ እሞ ትሕቲ 18 ዓመት ሰገናት እውን ተገዲዶም ይውሰዱ ነይሮም እዮም፡፡ጎዲፍ እውን ነቲ ዝነበረ ኹነታት ኣፀቢቑ ይፈልጦ እዩ ነይሩ፡፡በቃ፣ ይትረፍ ተቓለስ ተባሂሉስ ከይተብሃለእውን እንተኾነ ሻዕብያ ንምቕፃዕ ንብሒቱ ከምዝዘምት ካብዝውስን ፀኒሑ እዩ፡፡ህወሓት እቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ ዓዲ ዓደም በቲና ሃገር ብዘይሓፁር ከምዘትረፈታ ይፈልጥ እዩ፡፡ሃገር እንተጠፊኣ ዓወት ጓሉ እውን ውዒላ ሓዲራ ምጥፋኣ ከምዘይተርፍ ግልፂ ኾይንሉ ኣሎ፡፡
ጎዲፍ ንዓወት ጓሉ ምስ ሰበይቲ ኣቦኣ ገዲፉ ናብ ግንባር ባድመ ዘሚቱ፡፡ኣብ ዘመቻ ፀሓይ ዓራርቦ ኣእማን ከም በረድ እንትመኩ፣ጎቦታት እንትፈርሱ፣ወታደራት ሻዕብያ ኣብ ድፋዖም ተቐቢሮም እንትተርፉ፣ እቶም ብሂወት ዝተረፉ ድማ ንባድመ ለቒቖ ኣብራኮም ጨቢጦም እንትገልቡ ብዓይኑ ርእዩ፡፡ጎዲፍን ብፆቱን ንሰራዊት ሻዕብያ ድድሕሪኡ እንሳዓቡ ብርክ ብርኩ እንትጥርሽምዎ እናሃለው ኣጋጣሚ ነታጒ ስለዝገፀ ፍርቂ ኣካሉ ቑርፅርፅ ኢሉ ወዲቑ፡፡ይኹን እምበር እቶም ዝተረፉ ብፆቱ ንሰራዊት ሻዕብያ እናማላጠጡ ከረን ክሳብ ዝዕዘሩ ሂወቱ ኣይሓለፈትን ነይራ፡፡ሰራዊት ሻዕብያ ካብ ዓይኑ እናራሓቐ…እናራሓቐ…እናራሓቐ ከይዱ ኣብቲ ንየናይ ማዕዶ ዕዝር ምስ በለ ክቡርቲ ሂወት ተባዕ ተጋዳላይ ጎዲፍ እውን ዕዝር ኢላ፤ ዓ…ወ…ት ምስ በለ ዓሪፉ፡፡ሞት ኣበዮ ብኽብሪ ሞይቱ፡፡
ዓወት ንጭካነ ሰበይቲ ኣቦኣ ክትፃወሮ ኣይኽኣለትን፡፡ዋላ እኳ ንምምሃር ዘለዋ ድልየት ብጣዕሚ ዝላዓለ ይኹን እምበር እታ ሰበይቲ ዝተፈላለዩ ተንኮላት እናኣነበት ካብቲ ዝትፈትዎ ትምህርታ ኣትሪፋታ፡፡ሻምናይ ክፍሊ ተፈቲና ናብ ተሽዓይ ምስሓለፈት ትምህርታ ንክተቋርፅ ተገዲዳ፡፡ድሕሪኡ ናብ ከተማ ማይጨው ብምኻድ ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ኾይና እናሰርሐት ምሽት ምሸት ትምህርታ ክትከታተል ወሲና፡፡ኣጋጣሚ ኾይኑ ድማ እንዳ ሓላፊት ትምህርቲ ቢሮ ዞባ ደቡብ ትግራይ እያ ተቖፂራ፤ ናይ ምምሃር ዕድላ መሊሱ እንትጥጥዕ ተራእይዋ፡፡ንሱ እውን እንተኾነ ጠባያ እንተፀቢቓ ዋላ ናይ ቐትሪ ከይተረፈ ከምዘምህራ ምሒሉ ጥሒሉ ቃል ኣቲውላ እዩ፡፡
እዚ ክገብረላ ዝኻእል ግን ሓደ ነገር እንተገይራትሉ ጥራሕ ምዃኑ ነገሩ ግላፂ ከይገበረ ኣዒንቱ ኣብ ከናፍራን ንቲ ዝተኸደነቶ ባግዳድ ቀሚሽ ቀዲዶም ንምውፃ ዝቃለሱ ዘለው ዝመስሉ ኣጥቧታን ተኺሉ ኣፉ ማይ ምልእ ምልእ እናበለ ስለዘፀገሞ ፀፀኒሑ እንትፍታፉ እናዋሓጠ ድልየቱ ንክተማልአሉ ሓቲትዋ፡፡ዓወት ኩነታት እቲ ስብኣይ ኣይጥዓማን ብቐስታ ንድሕሪት ክተድሐርሕር ፈቲና፡፡ንሱ ድማ ናብኣ ይቐርብ፡፡ሓሳባ ማዕፆ ኻፊታ ንምውፃእ እዩ፡፡ኣዒንታ ናብቲ ስብኣይ እናጠመተት ናብ ድሕሪት ንምምላጥ እናስተንተነት እያ፡፡እቲ ስብኣይ ድማ እቲ ከምዝበሰለ ወይኒ ክነትዕ ዝበለ ዝመስል ፅባቐ ዕሸልነታ ኣብቲ ማይ መሊኡ ዘርበበብ ዝብል ዘሎ ኣፉ ኣእቲው ክሟጭቓ ተሃንጢው እዩ ዘሎ፡፡
ኣብ ኣፍ ደገ ምብፅሓ ምስ ኣረጋገፀት ናብ ድሕሪት መናዕ ኢላ ማዕፆ ኸፊታ ክትወፅ ትብል ከላ እቲ ህንፉፍ ስብኣይ ኩርናዓ ግጥም ኣቢሉ ሒዙዋ፡፡እታ ገዛ ኣውያት ብኣውያት ትግብራ ኣፋ ክፍት ተብል እንትብል ድማ ኣፋዓቢስዋ፡፡ፋሕጨርጨር ተበለት፣ ኣእጋራ ተሳሓለት ክሰዳ ኣይከኣለን፡፡በቃ! ኣገዲዱ ደፊሩዋ፡፡ኣውያታ ትዓፊኑ ተሪፉ፤ ድኻማን ትምኒታን ከም ኣውሊ ንጉሆ ሃፊፉ፡፡ፅዓርዓር ኢላ ንቑም ነገር ክትበቅዕ ሃቂና ኣብ ማእኸል መንገዲ ተሪፋ፡፡ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ እቲ ኣብ ኻብዳ ዝሓደረ ድቂ እናደፍአ ስለዝመፅአ እቲ ስብኣይ ጉዱ ምንእንታን ከይወፅእ ንክትሰዶ ነጊሩዋ፡፡ናብ ማይጨው ሃሰፒታላ ከይዳ ፀገማ ንሒኪም ነጊራቶ፡፡እቲ ጥንሲ ብዙሓት ኣዋርሕ ስለዝቑፀረ ክትሰዶ እንተድኣ ፈቲና ንሂወታ ኣስጋኢ ስለዝኾነ ከምዘይክኣል ይነገራ፡፡
ነቲ ስብኣይ እቲ ዝተብሃለቶ ነጊራቶ፡፡ኣይተቐበላን፡፡ወይ ካብ ገዛይ ውፅእለይ፤ ወይ ድማ ስደድዮ ኢሉ ክር ምስ በላ ብባህላዊ መድሓኒት ንክትሰዶ ወሲና፡፡እቲ ስብኣይ ኣብ ከባቢ ዜሮ ሓደ ናብ ዝርከባ ሓንቲ ኣረጊት ሰበይቲ ጠንሲ ዘውርድ መድሓኒት ከምዘለወን ስለዝፈልጥ ናብአን ንክትኸይድ ነጊሩዋ፡፡ኸይዳ ድማ፡፡እተን ሰበይቲ ዝኾነ ኣብ ጨርቂ ዝተጠቕለለ ነገረ ፈቲሐን ኣብ ጣሳ በፅቢፀን ‹‹ብሓደ ግዘ ጅው ኣብልኺ ስተይዮ›› ኢለን ሂበንኣ፡፡ከምቲ ዝተብሃለቶ ገይራ፡፡
ሓንቲ ደቒቓ ኣፀንሐትን፤መዓንጣኣ ቕፅል ኢሉ ነዲዱ፡፡‹‹ኣታ ነደድኩ፣ ኣታ ነደድኩ…ኣታ ነድድኩ…ኣታ ሰብዶ የለን? ኣታ ማይዶ…ኣታ ነዲደ እኮ…››
No comments:
Post a Comment