ወድሰብን ለቖታን፡ ናይባህሪ ምምስሳል
ወድሰብ ተወሊዱ ዓብዩ ካብዛ ዓለም ዚኣ እስካብ ዝሰናበት
ደረስ ዘንፀባርቖም ባህርያት ምስ ናይ ለቖታ ባህርያት ብጣዕሚ እዩ ዝመሳሰል፡፡ናይ ጠሊ(ጤል)ቆርበት ብዕንጉለን ሽንቲ ከፍትን ንሰለስተ
መዓልትታ ምሰአጀለ አውፂእካ ይንፋሕ እሞ እቲ ፀግሪ ይምለጥ፡፡ቀፂሉ ድማ ብፅሓይ ንክደርቕ ይግበር፡፡እቲ
ብፅሓይ ዝደረቐ ቆርበት አንጋረ ይብሃል፡፡አንጋረ ብጣዕሚ ደረቕ እዩ፤ዋላኳ ባዶ እንተኾን ብጣዕሚ ተወጢሩ ክሳብ ዝቕደድ ዝመልአ
ይመስል፤እንተነኺእኻዮ ድማ ኮርርፋዕ ፋዕ ዝብል ድምፂ የስምዕ፡፡
አንጋረ ጠሊ ንዝተወሰነ ግዜ ጉድኣት አብ ዘይበፅሖ ቦታ ይቕመጥ (ዓናፁን
ካልኦት ባልዓትን ከይቀድኦ ምእንታን)እሞ እንጣጢዕ ተወቒጡ ምስላሓመ ይብፅበፅ፡፡ስዒቡ እት ኣንጋረ ናብቲ ዝተበፅበፀ እንጣጢዕ ዝሓዘ
ኣቅሓ ኣእቲውኻ ንሓደ ሰሙን ተዘኽዚኹ ንክቕኒ ይግበር፡፡በኻሊእ ኣባሃህላ መጥለል ኣቲውሎ ማለት እዩ፡፡ድሕሪኡ ድማ ናብ ፅሓይ ኣውፂእኻ
ንኻልኣይ ግዜ ንክደርቕ ይግበር፡፡ካብ መጥለል ዝወፀአ ቆርበት ብጣዕሚ ጠምባው እዩ፤ ኣፍንጫ ዝቖርፅ ጨና ኣለዎ፡፡ምስ ደረቐ እቲ
እንጣጢዕ ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ዝረግፍን እቲ ቆርበት ድማ ብጣዕሚ ክሳብ ዝልስለስ ብእግሪ ይርገፅ፤ ብኢድ ከዓ ይሕሰ፡፡እት ተሓስዩ
ተሓስዩ ብጣዕሚ ዝለስለሰ ቆርበት ለፊዑ ይብሃል፡፡ዝለፍዐ ቆርበት እዩ እምብኣር ለቖታ ተባሂሉ ዝፅዋዕ፡፡
ሓዲስ ዝለፍዐ ለቖታ ጨናኡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይገድፍን…መጥለል መጥለል እዩ
ዝሸትት፤ብዙሕ ጥራይ(እኽሊ) እውን ኣይሕዝን… ቅሩብ ምሰ ኣተዎ ዝመልአ ይመስል፡፡ኮርርፋዕ ፋዕ ዝብል ድምፂ እውን የስምዕ እዩ፡፡ሙሉእ
ብሙሉእ ዝለፍዐ ለቖታ ግን አይጨንውን፣ድምፂ ኣየስምዕን ብዙሕ ጥራይ ድማ ይሕዝ፡፡ብዙሕ ጥራይ ኣእቲኻሉስ ዝመልአ ኣይመስልን፡፡ሕቑን
ሕቑን እናበልካን እናሓሰኻን ተወሳኺ ጥራይ ይእቱ፡፡
ወድሰብ እውን ከመዚ ዓይነት ብህሪ እዩ ዘለዎ፡፡ኢከለ እኮ ኣታሓሳስባኡ ከም
ህፃን እዩ፤ አይበሰለን፣ልቢ ኣይ ገበረን ወዘተ ዝብሉ መግለፂታት ነዘይለፍዐ ሰብ ዘመልክቱ እዮም፡፡ዘይበሰለ ሰብ ልክዕ ከም ዘይለፍዐ
ለቖታ ጠራዕራዕ እዩ ዘብዝሕ፤ውሽጡ ባዶ እናሃለወ ይዕስ የዕስ ንክብሃል ጥራሕ ጉራ የብዝሕ፡፡ፈላጥ ንክብሃል ዝፈልጦን ዘይፈልጦን
ይዘባርቕ፡፡ ዝዝረብን ዘይዝረብን ፍልዩ ኣይፈልጥን፤በቃ ከምዝመፅአሉ እዩ ዝቕደድ፡፡በፍልጠትን ክእለትን ዝብልፅዎ ሰባት እንተጋጢመሞ
ከምፀለእቱ ገይሩ ይቖፅሮም፤ ከርሕቖም ከዓ ይምኩር፡፡ምኽንያቱ ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ክሕወስ ከሎ ባዶነት ይስመዖ፤ ዓርሰ እምነት
ይስእን፡፡ምዓንጣኡ ብቅንኣት ሕርር ኹምትር ይብል፡፡ከምዚ ዓይነት ሰብ ሽግራት ናይ ምፅዋር ብቕዓቱ በጣዕሚ ዘታሓተ እዩ፡፡እዚ ባህሪኡ
እንተዘየማሓይሹ ድማ ናይ ጥዕናኡ እናተቃወሰ ይኸይድ፡፡
ዝበሰለ ሰብ ግን ከም ዝለፍዕ ለቖታ ፀባዩን ኣታሓሳስባኡን ልስልስ ዝበለ
እዩ፡፡ብዙሕ እናፈለጠ እንትኸይድ ምንም ከይመዘይ ፈልጥ ይርዳእ፤ ሰቁራጠስ ከምዝበሎ ‹‹ኣነ ዝፈልጦ ዘይምፍላጠይ ጥራሕ እዩ››ይብል፡፡ብዝበለፀ
ከዓ ንምፍላጥን ክእለቱ ንምምዕባልን ላዕልን ታሕትን ይብል፡፡ካብ ምዝራብ ምድማፅ የቕድም፤ምስ ብዙሓት ምትሕውዋስ ብዙሕ ፍልጠትን
ክእለትን ከምዘዕጥቕ ይፈልጥን ዘፈለጦ ነገር ከዓ ኣብ ተግባር ንምውዓል ይፅዕር፡፡ዝፍልጦን ዝኽእሎን ንኻልኦ ካብምክፋል ንድሕሪት
ኣይብልን፡፡ዓለም ፅላሎት ምኻና ስለዝርዳእ ንዝሓልፍ ግዜ ዘይሓልፍ በሰላ ከይገድፍ ይጥንቀቕ፡፡ትምክሕትን ዘርኣውነትን ኣጥቢቑ የወግዝ፤ንደቂ
ሰባት በእምነት፣ብኣከባቢ፣ብመልክዕ፣ብሃፍቲ፣ብዘርኢ ወዘተ ብምክፍፋል ኣየዳልውን፡፡ልዕሊ ኹሉ ድማ ብጣዕሚ ፅንፈኛ ዝኾኑ ኣታሓሳስባታት
ይፀልእን ንምውጋድ ከዓ ይፅዕር፡፡
ከም ዓይነት ሰባት ድማ እዮም ሊቓውንቲ ዝብሃሉ፡፡ሊቓውንቲ ፍልጠቶም ተግባራዊ
ንምግባር ብዙሕ ኣይሽገሩን፡፡ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ማሕበራዊ ሽግራት ንምቕራፍ ዝጠቕሙ መሳረሕታት እዮም፡፡ንኣድናቖትን ዘብለጭለጩ
ነገራትን አይግደሹን፡፡ምስ ከምዚኦ ዝባሉ ሰባት ምውዓል ብዓለም ምሩፃት አብ ዝኾኑ ዩኒቨርሲትታ ኣቲኻ ካብ ምምሃር ኣይድሕርን፡፡
No comments:
Post a Comment