ክቡር ቐዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ በሃነደበታዊ መስዋእቲ ካበዝ ዓለም ካብዝፍለዩና
ዓመት ኮኑና ኣሎ፡፡እቲ ሃንደበታዊ
መስዋእቲ መብረቕ ከም ዝወቕዖ ሰብ እዩ ኣፍዚዙናን ኣደኒዚዙናን፡፡ብፍላይ ንዓና ንተጋሩ እት ሓዘን ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሪር እዩ
ነይሩ፡፡ቕድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣቦና ኣቡነ ጳውሎስ ስለዝዓረፉ ኣብ መሪር ሓዘን ኢና ነይርና፡፡ ናይቲ ውሪ ደራሲ ስብሓት ገብረግዚኣቢሄር
ሓዘን እውን እንተኾነ ገና ሙሉ ብሙሉእ ኣይገደፈናን፡፡ኣብ ልዕሊ እዚ ኢና ዜና ዕረፍቲ ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዝተረዳእና፡፡
ትግራይና ኣብ ሓንቲ ዓመት ሰለስተ ውርያት ደቃ ስኢና፡፡ኣብ ልዕሊ ሓዘን ሓዘን ዝተደራረቦ ትግረዋይ መዓንጣኡ ሕርር
ኢሉ ዝሕዞን ዝጭብጦን እንትስእን ዝተዓዘቡ ትምክሕተኛታት ፀላእቱ ኣብቲ ቑስሉ ግራፅ እንትመልስሉ ክትርኢ ከለኻ ብኢትዮጵያዊነትኻ ክትሓፍር ዝገብር እዩ ነይሩ፡፡ደርጋ ኹሎም መራሕቲ
ሃገራት ዓለም ሓዘኖም እንትገልፁ ምሁራት ኢና በሃልቲ ሽዋ ግን ኸበሮ ሓምሓም እናወቕዑ ከሞ ዒሉ ይሕምብጡ ነይሮም፡፡
ሞት ቐዳማይ ሚኒስተር መለስ ብዙሓት
ነገራት ክንዕዘብ ገይሩና እዩ፡፡ብዙሕ ክዝረብ ሰሚዕና፤ብዙሕ ተፃሒፉ አንቢብና፤ገጠምቲ ብዙሓት ግጥምታት ገጢሞም፤ደረፍቲ እውን ብዙሕ
ደሪፎም፤ኣስቖንቊኖም፡፡ውፅኢት
ስነ ጥበባት ሐዚ እውን ብዘይምቁራፅ እናዋሓዙ እዮም፡፡ታሪኽ ወዲ ኣዳም ዘይዛሪ ውሕጅ እንድዩ፤ ንቕድሚት እውን እቲ ውሕጅ ውፅኢት
ስነ ጥበብ ክቕፅል እዩ፡፡እቶም ብደርፊ፣ብስነ ፅሑፍን ያታን ዝውሕዙ ዘለዉ ዓበይቲ ሩባታት ብምትእኽኻብ መለስ ፋውንዴሽን ዝተባሃለ
ዓርሞሸሽ ዓውደ ፍልጠት ክምስርቱ ድማ ላዕልን ታሕትን እናተባሃለ እዩ፡፡ እዝ ዓውደ ፍልጠት ብፅንዓትን ምርምርን ዝተደገፉ መርተዖታት
ብምቕራብ ፍልፍል ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክኸውን ድማ ንምነ፡፡
ንሓዘን ዝተፈጠረ ዝመስል ትግረዋይ
ንትግረዋይ ደም ዘንብዕ
መሪር ሓዘን፣ዓድኻ ገዲፍካ ክትስደድ ዝገብር ከርፋሕ ድኽነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን፣ደምኻ ክተፍስስ፣ስጋኻ ክኽስከስ፣ኣዕፅምትኻ
ከም ሕሩጭ ክደቅቕ፣ ኣካልኻ ክጎድልን ዕሸል ዕደመኻ ብሞት ክቕዘፍን ዘገድድ ኲናት ሓዲስ ኣይኮነን፡፡ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ትግረዋይ
ዝሕንዝሕ ዘይነብዐሉ፣ዘይቖሰለሉ፣ዘይተሰወአሉ፣ ዘይፀምአሉን ዘይጠመየሉ እዋን የለን፡፡ብዙሓት ኣዴታት ተጋሩ ብሞት ደቀን መሪር ሓዚነን
ኣዒንተን ዝሰኣናሉ ግዘ ስፍርን ቑፅርን የብሉን፡፡ብስንኪ ኲናት በዓል ገዛአን ስኢነን ደቀን ብዘይ ኣያ ከዕብያ ዝተገደዳ ኣዶታት
ትግራይ ‹‹ገዛ ይቑፀረን›› እዩ ዘብል፡፡
ኣብ ዓውደ ውግኣት
ኩዓቲት፣ሰሓጢ፣ጉንደት፣መተማ፣ዓድዋ፣ሽረ፣ተምቤን፣መቐለ፣ኣላጀን ማይጨውን ዝተሰወኡ ልዕሊ 90 ምኢታዊ ተጋሩ እዮም እንተበልና ምግናን
አይኸውንን፡፡እዞም ዓውደ ውግኣት ደርጊ ናብ ስልጣን ቕደሚ ምምፃኡ ዝተኻየዱ እዮም፡፡ደርጊ ንምውጋድ ከዓ ትግረዋይ ን17 ዓመታት
መሪር ቓልሲ ኣካይዱ እዩ፡፡ኣብዝ እዋንዚ ውልዳ ብመስዋእቲ ዘይስኣነት ትግረወይቲ ኣዶ ኣይነበረትን ክብሃል ይክኣል፡፡ትግራይ መንእሰይ
ዝሓረማ እያ ትመስል ነይራ፡፡
ሻዕብያ ንባድመ ክወርር
ከሎ ትግራይ ቑስላ መሊኡ ኣይሓወየን ነይሩ፡፡ተጋሩ ሐዚ እውን ንንባዕሎ ተዳምዮም፤ተቐታቲሎም፡፡ውሕጅ ንብዓት ኣዶ ትግራይ ካብ ክልቲኡ
ሸነኽ ሩባ መረብ ብምውሓዝ ንሩባ መረብ ኣሐይልዎ፡፡እቲ መዘዘኛን ለማደኛን መሬት ትግራይ ሐዚ እውን ከም ኣመሉ ብደም ደቂ ትግራይ
ተርኪሱ፤ዒግ ክሳብ ዝብሎ ድማ ሰትዩ፡፡ትግራይ ዕሸላትን ኣረጓጉትን ጥራሕ ሓቊፋ ክትተርፍ ግድን ኾይኑ፡፡
ትግራይ ዓደይ ጉዳም
እያ፡ሐዚ እውን ደም ትነብዕ ኣላ፤ሐዚ እውን ደቃ ይስደቱ ኣለዉ፤ ሐዚ እውን ሕርር ኩምትር ትብል ኣላ፡፡ሎሚ እውን ከም ቐደም መስዋእትን
ስደትን ተጋሩ መሐጎሲ ትምክሕተኛታት ምዃኑ ቐፂሉ፡፡ኣዶታት ተጋሩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ደቀን ስኢነን፤ሐዚ እውን ይስእና ኣለዋ፡፡ምኽንያት
መስዋእቶም ግን ኩሉ ግዘ ሕንቅንቅሊተይ እዩ፡፡መስዋእቲ ሙሴ ሕንቅንቅሊተይ፣መስዋእቲ ሓየሎም ሕንቅንቅሊተይ፣መስዋእቲ ክንፈ ሕንቅንቅሊተይ፣ብኣውራኡ
ድማ መስዋእቲ መለስ እውን ሕንቅንቅሊተይ ኾይኑ፡፡
ህወሓት
‹‹እንተሸፈንካያ ዘይትሽፈን ሓቀኛ እያ
እንተሓብአት እውን ተቐላዒቲ እያ›› ዝብሃል ደርፊ ከምዝነበራ ይዝክር፡፡ግን
ንምንታይ እያ ብዙሓት ወድዓዊ ሓቅታት ከም መርዓት ትሽፍን ዘላ?ክሳብ መዓዝ እያ መርትዖታት እናቐበረት ትነበር?
ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ፡መልኣኽ ዶ ሰይጣን?
ሓሰት እንትደጋገም
ሓቂ ይመስል ዝብልዎ ዕሉል ኣበሃህላ ካብ ሕሉፋት ድኽመታትና ተማሂርና ናብ ቕኑዕ መስመር ከይነምርሕ ማሕለኻ ይኸውን ኣሎ፡፡ሓሰት ኣብ ልዕሊ ሓሰት እናተቖለለ ድማ ኹምሪ ሓሞሽኽቲ ይኸውን ኣሎ፡፡ሓሞሽኽቲ
ሳዕርን ቆፅለመፅልን ዘይቦቕሎ፣ኣድጊ ዘንከላልወሉ፣ኣዛብእ ዝቑሕሙዎን ቀለብ ሰያጡን ከምዝኾነ ድማ ዝእመንን እዩ፡፡እዝ ናይ ሓሰት
ሓሞሽኽቲ ዝቑለል ዘሎ ብዓይኒ ዕሙተይ ብዝቃወሙን ደገፍቲ ቐደማይ ሚኒስተር መለስ ኢና ብዝብሉን እንትኾን ክልቲኦም ብማዕረ ሓሰት
ንሓቂ ጓዕፂፃ ኣብ ልዕሊኣ ክትሕንብጥ ጉጅለ ፈልዮም እናፀዓሩ ይርከቡ፡፡ሓሰት ሓመሽኽቲ እዩ፡፡
ደገፍቲ ኢና በሃልቲ መለስ ከም
ሃይማኖት ክምለኽ ኣለዎ ይብሉ፡፡ኣዳል ኢሳው ዝተባሃለ ሓውና ‹‹ከም ብሓድሽ ዝተወለደኩ ኣማኒ እየ፤ ሃይማኖተይ ድማ መለስ ይብሃል››
ክብል ብእንግሊዘኛ ዝፀሓፎ ኣብ ዓይጋ ፎረም ኣንቢበ፤ተገሪመ ድማ፡፡‹‹መለስ መሃንዲስ ሕዳሰ ኢትዮጵያ እዩ›› ዝብሉ ብዙሓት እዮም፡፡‹‹ፈላጥ፣ጥበበኛ
መራሒ፣ንሃገሩ ክብል ንዓርሱ ዝረሰዐ›› ዝብሉ መግለፅታት ኩሉ ግዘ እንትደጋገሙ ምስማዕ ዝተለመደ እዩ፡፡ገሊኦም ሓቂ እዮም፤ገሊኦም
ግን ብጣዕሚ ተጋኒኖም፡፡ኣነ ዝፈልጣ ሓንቲ መርትዖ ክተቅስ፡- ክቡር ቐደማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ
ናይ ሕክምና ፅንዓቶም ኣጓዚዮም እዮም ናብ ደደቢ ዘምረሑ፡፡
ደሪጊ ተሳዒሩ ሃገራዊ ስልጣን
ምስጨበጡ ግን ‹‹ኣብ ኦፕን ዩኒቨርሲቲ ብቢዝነስ ኣድሚኒስትሬሽንን ኣብ ኢራስመስ ድማ ብኢኮኖሚክስን›› ካልኣይ ድግሪታት ሰሪሖም
እዮም፡፡ንሕሰብ እባ ጎበዝ! ሃገራዊ ስልጣን ሒዝካ ክልተ ማስተርስ ድግሪታት ምስራሕ ማለት ታይ ማለት እዩ?ይትረፍ ዶ ናይ ሓንቲ
ሃገር መራሒ ኮይንኻስ ተራ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ኮይንና እውን ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክንረክብ ኣይከኣልናን፡፡እቶም ስብኣይ ሽሕ
ግዜ ንፉዕ ይኹኑ እምበር ግላዊ ድልየቶም ንምምላእ እውን ንድሕሪት ኣይበሉን ነይሮም፡፡
ኤርትራ እውን እንተኾነ በሃፀይ
ምንሊክ ተሸይጣ፤በሃፀይ ሃይለስላሴ ብሓይሊ ተዓምፂፃ፤ብደርጊ ድማ ልክዕ ከም ትግራይ ግፍዕታት በፂሖማ ምሒር ትትሓሰ እምበር ብፌደሬሽን
ንክትቕፅል ተዝፅዕሩ ነይሮም ዝሐሸ እዩ ነይሩ፡፡ህወሓት ብፍላይ ከዓ ሃፀይ ምንሊክ ዝወጠኑዎ ምክፍፋል ተጋሩ ዕላማኡ ክወቅዕ ዘይተሓለለ
ፃዕሪ ገይሮም እዮም፡፡ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ከም መጠን ወዲ ኣዳም ድኹምን ጥንኩርን ስብእና ዝነበሮም መራሒ እምበር ክምለኹ
ዝግበኦም ሃይማኖት ወይከዓ ፍፁም ዘይሰሓሐቱ መልኣኽ ኣይነበሩን፡፡
ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ እውን
ናይ ብዕራይ ወለደ መርገምቶምን ጠቐነኦምን ይጉርፉ እምበር ነቲ ረመፅ ሓቂ ከጥፍእዎ ኣይኽእሉን፡፡ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር
መለስ ከምቲ ተቓወምቲ ዝጅሕጃሕዎ ዘለው ‹‹ውጉዝ ከመኣርዮስ›› ዝብሃሉ ሰይጣን ኣይነበሩን፡፡ወዲ ኣዳም ብተፈጥሮኡ ፍፁም ኣይኮነን፡፡ኣቦና
ኣዳም ካብ ኤደን ተባሪሩ፤‹‹ብደመ ርሃፅካ ንበር›› ተባሂሉ ካብ ዝርገም ንነዘ ካብ ዕለታዊ ስሕተታቱ እናተመሃረ እዩ ኣብዚ ሐዚ
ዘለዎ ደረጃ ክበፅሕ ዝኸኣለ፡፡ካብ ሕሉፍ ድኽመታቱ እንተዘይምሃር ነይሩ ድኣ ከም ዳይኖሰር እንዶ ካብ ዓለም ምትደምሰሰን፡፡
ባህ ንዘይበሎም ‹‹ፀባ ፀሊም
እዩ››፤ደስንዝበሎም ድማ ‹‹ተመን ልሕፂ እዩ›› እናበሉ ሓቅን ሓሶትን ዝሓዋውሱ ዳንቄራታት ተቓወምቲ ኢና ብሃልቲ እውን ወድዓዊ
ሓቂ እናጨፍለቑ ድኽመታት ብምግናን ንክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ሰይጣን ክገብሩዎም ኣይኽእሉን፡፡ኣለውንዶ እቶም ዓይኖም
ዘፍጠጡ ሃገራዊ ሓቅታት፡፡ሕዳሰ ግድብ መሪቖም ዝኸፈትዎ ንግሎም ከይኮነስ ካብ ውልድ ናብ ውልድ ዝመሓላለፍ ናይ ሃገር ሃፍቲ እዩ፡፡ናይ
ሃገርናን ናይ ኣፍሪካን ድኽነት ንክቕንስ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባሮም እውን ማንም ዘይክሕዶ መርትዖ እዩ፡፡ሓቂ ዝተደጎለ ረመፅ እዩ፡፡
ክልተ ጫፋት ዝሓዙ ዕሙታት ተቓወምትን
ዕሙታት ደገፍትን እቶም ዘለውን ዝነብሩን ወድዓዊ ሓቅታት ብምቕባር ዘየነበረ ስብእና ንምፍጣር ገልታዕታዕ እናበሉ ይርከቡ፡፡በቲ
ሓደ ጫፍ ‹‹መለስ በላዒ ነብሲ እዩ፤ሰይጣን እዩ፤ኣምባገነን እዩ፤ ወዘተ›› ይብሉ፡፡በቲ ካሊእ ጫፍ ድማ ‹‹ መለስ በመሪሕነት
ህወሓት ንደርጊ ዝደመሰሰ፤ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዘሃንደሰ፤ሃገር ናብ ገነት ዝቐየረ ፈጣሪ እዩ፤ ሰብ እንትጋገ ዘይጋገ ፍፁም መልኣኽ
እዩ፤ ወዘተ›› ይብሉ፡፡ሓደ ሰብ ብሓደ ግዜ መልኣኽን ሳይጣንን ክኾን ኣይኽእልን፡፡ስለዚ ክቡር ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ ዜናዊ
ከም ወዲ ሰብ ምስ ድኽመቶምን ትንካረኦምን ነይሮም ብኽብሪ ዝሓለፉ እምበር ብሆይ ሆይታ ማንነቶም ትክክለኛ ማንነቶም ዘንፈጉ ሰይጣን
ወይከዓ መልኣኽ ኣይኾኑን፡፡
ክብርን መጎስን ንሓቂ ንዝወደቑ
ጀጋኑና
No comments:
Post a Comment