ኣበባ ኣረጋዊ ብ28
ሰነ 1982 ዓ.ም እያ ኣብ ዓዲ ግራት ተወሊዳ፡፡ካብ 2001 ዓ.ም ጀሚራ ነባሪነታ ኣብ ስዊድን ዝገበረት ኣበባ በዓል ገዛኣ ናይ
ስዊድን ዜግነት ዘለዎ ተወላዲ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ኣበባ ክሳብ ሰነ 2004 ዓ.ም ንትውልዲ ሃገራ ኢትዮጵያ ወኪላ እያ ብ800ን ብ1500ን
ሜትሮ ርሕቐት ትጎዪ ፀኒሓ፡፡ብ2001 ዓ.ም
ብ800 ሜትሮ ርሕቐት
ጉያ ናይ ኢትዮጵያ ክብሪ ወሰን ዘሸኒፋ
ኣብ ናይ ኣፍሪካ ወጣት
ኣትሌቲክስ ሻምፔንሽፕ ድማ ካልኣይ ብምውፃእ ብሪ ትሸሊማን እያ፡፡
ብ2002 ዓ.ም
ብ1500 ሜትሮ ርሕቕት
እያ ክተወዳደር ጀሚራ፡፡
ኣብ ናይ ውሽጢ ገዛ
ውድድራት ኣርባዕተ ግዜ ብተኸታታሊ ዘሸኒፋ
1. ዱዘለዶርፍ፣ጀርመን
2. ገንት፣ ቤልጂየም
3. በርሚንጋሃም፣ኢንግሊዝ
4. ስቶኮህልም፣ስዊድን
2004 ዓ.ም
ኣብ ሻንጋይ ግራንድ
ጎልደን ፕሪክስ ንገንዘቤ ዲባባ ተኸቲላ ካልኣይቲ ብምውፃእ ኣሸኒፋ
ኣብ ጣልያንን ኖርወይን
ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ድማ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ኣሸናፊት ክትኾን ክኢላ እያ፡፡
ኣብ ወርሒ ሰነ
2004 ዓ.ም ግን ናይ ስዊድን ዜግነት ስለዝረኸበት ንስዊድን ወኪላ ኣብ ዓለም ለኸ መድርኻት ንሕንሓ ቐፂላ፡፡ኣብዝ ሐዚ እዋን
ኣብ ሞስኮ ዝካይድ ዘሎ ዓለም ለኸ ናይ ኣትሌቲክስ ውድድር ድማ ብ1500 ሜትሮ ርሕቐት ትቐዳዲማ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ወርቂ ትሸላሚት
ኮይና ኣላ፡፡ንናይ ሐዚ ሃገራ ስዊድን ባንዴራ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መድርኽ ክትንብርልበል ገይራ፡፡
ኣበባ ኣረጋዊ ንሃገራ ከዲዓዶ ወይስ ኣይከድዐትን?
ሓደ ሰብ ብናይ ሃገሩ
መራሕቲ ተስካሕኪሑ ዜግነቱ ንምቕያር ዝግደድ ዝኽእል ኩሎም ናይ ዕቤት ዕዱላት ዕፅዋት እንተኾይኖ ጥራሕ እዩ፡፡ኣበባ ኢትዮጵያዊት
እናሃለወት እያ ዓለም ለኸ ተፈላጥነት ዝረኸበት፡፡ኣብ ዝሃቀነቶ ንከይትበፅሕ ዝዓገታ ነገር ኣይነበረን፡፡ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅኩዎ
ካብ ዓወት ናብ ዓወት እናትሓምበበት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እያ ዜግነታ ፡፡ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝብልዎ ናይ ኢትዮጵያ ኣትሌቲክስ
ፌደረሽን መረሕቲ ቅንዕና ስለዘይብሎም ኣይኮነትን ዜግነታ ዝቐየረት፡፡
ዜግነታን ሃይማኖታን ቀይራ ንባማህሬን ወኪላ ብምጉያይ ከም
ዝትፍለጥ ኣበበች ቶላ(ማርያም የሱፍ ጀማል) ከዳዕ ስለዝኾነት እምበር፡፡እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ናይ ገንዘብ ስሰዐን ናይ በዓል
ገዛኣ ፅዕንቶን እዮም ክኾኑ ዝኽእሉ፡፡በዚኦምን ወዲዚኦምን እያ እምብኣር ኣበባ ሓፍትና ካሊእቲ ማርያም የሱፍ ጀማል ኮይና ዘላ፡፡
‹‹ክፉእ ያ ዘመንስ
መተዓዛዘቢ›› እንድዩ ዝብሃል፤ ኣበባ ኣረጋዊ ድኽነትናን ድሕረትናን ትፀይፋ ከዲዓትና ኣላ፡፡ብዙሓት በለዕቲ መንፀፎም እንታይነቶም
ከም ፅሓይ ፆመ ኣርብዓ ደሚቑ ዝርአ ኣብ ግዜ ፀበባ እዩ፡፡
donot write on guesing you donot have any information about her simply guesing???????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????????
ReplyDelete