ሐዚ ኣብ ኣኸባ እየ
ዘለኹ፡፡ሰብሳቢና ኣብ ቢሮኡ ኾይኑ እዩ ነት ኣኸባ ዝመርሖ ዘሎ፤‹‹ብቪድዮ ኮንፈረንስ››፡፡ቪድዮ ኮንፈረንስ ፈጣን ናይ ኢንተርነት
ርክብን ቀፃሊነት ዘለዎ ፍልፍል ሓይሊ መብራህትን ናይ ግድን የድልዮ እዩ፡፡መብራህቲ ብትደጋጋሚ ይጠፍእን ይመፅእን ስለዘሎ ናይቲ ኣኸባ ፍረ ሓሳብ እውን ዝተቖራረፀ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ፡፡ኣብቲ ዘለናዮ ህንፃ ብዙሓት ኣደራሻት ኣለው፤ኩሎም ብኣኸበኛታት መሊኦም፡፡አነ
ኣብ ዘለኹሉ መሰብሰቢ ኣደራሽ ልዕሊ 100 ኣኸበኛታት ንርከብ፡፡
ካብ ቅድሚት ክልተ
ወናብር ናብ ማእኸል እትው ብምባል ኣብ ማእኸል ተቐሚጠ አለኹ፡፡ብፀጋመይ፣ ሓንቲ ናብ ኣርብዓ ዓመት ዝትፅጋዕ ሰበይቲ ገፃ ደበናማ፣ሓውሲ
ደበናማ፣ፅሓያማን ሓውሲ ፅሓያማን እናገበረት ምስ ሞባይላ እናተፃወተት ትርከብ፡፡‹‹ጌም›› ዝትፃወት ዘላ መሲሉኒ ነይሩ፤ተሳሒተ፡፡እታ
ሰበይቲ ኣብ ፌስቡክ ‹‹ኦንላይን›› ምሽ ዘለው አዕሩኽታ እያ ‹‹ቻት…(ተውግዕ)›› ትገብር ዘላ፤ ብእንግሊዘኛ ፊደላት ብዝተፃሓፈ
ኣምሓርኛ፡፡
ኣብ ፌስቡክ ማህደራ
ክልተ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተሰኣለቶም ፎቶታት ስለዝገበረት እት ዘዋግዓ ዘሎ ሰብ‹‹wow! Setamru››ዝብል ፅሑፍ ልኣኸላ
እሞ ገፃ ከም ፀሓይ ደሚቑ ንበይና እናኽመስመሰት ‹‹10q lol›› ዝብል መልሲ ልኣኸትሉ፡፡
‹‹Foto #2
Yenatsh new aydel?tmesaselalachuh›› ኢሉ ምስ ፀሓፈላ ግን ገፃ ሓማሽሮ ኣምሲላ ካብ ፌስቡክ ወፅአት፡፡ደም
ዝጠምዐ ዝመስል ከንፈራ ምንቅጥቃጥ ጀመረ፡፡ወዮ ተኽመስምስ ዝነበረት ሰበይቲ ኣሽዓ ገፂ ኣባሕንጉጉ ከም ዝመሰለት ኣግሪሙለይ፡፡
እቲ ሓደ ፎቶ ትሕቲ
18 ዓመት እናሃለው ዝተሰኣለቶ እዩ ዝመስል፡፡መልከዐኛ ዝትብሃል ኣይተንበር እምበር ቅርፂ ኣካላታ ግን ከምቲ ናይ ሐዚ ንክትርእዮ
ዘፍርሕ ኣይነበረን፡፡ሐዚ ቀጢን መዓንጣ፣ሽምጢ ለይለይ… ዝብሃል ነገር ይብላን፡፡ኣእጋራ፣ኣእዳዋን ክሳዳን ናብ ከብዳ ዝጠለቑ እዮም
ዝመስሉ፡፡ማይ ዝመልአ ሓርቢ(ለቖታ) እያ ትመስል፤ሙሉእ ኣካላ ሓምቦጭቦጭ ዝብል ከሽዐ እዩ፡፡ግን ደማ ሕፍረት ዝፈጠረላ ኣይትመስልን፡፡እቲ
መልሀይሀይ ዝብል ከሽዐኣስ ኣብ ሰውነታ ጥብቕ ኣብ ዝበለ ሹራብ(ታይት) ሸጉሺጓቶ፡፡
ኣብ ድሕሪተይ ዝቐመጠት
ሰበይቲ ኹሉ ነብሳ ብፀሊም ጨርቂ ዘተሸፈነት እያ፡፡ክትንቀሳቀስ ከላ ንፋስ ዘንሳፍፋ ዘሎ እምበር ባእጋራ ዝትጉዓዝ ዘላ ኣይትመስልን፡፡
መራሒ ኣኸባ ካብ ተኣከብቲ
ዝቐረቡሎም ሕቶታት ብስምዒት ተዋሒጦም እናብራህረሁ እዮም፡፡ገለፃኦም ባምሓርኛ ይኹን እምበር ሓሓሊፎም ናይ ትግርኛ ቃላት ፈይ ምባል
ኣይገደፉን፡፡ንኣብነት ‹‹ዝምብሎ ጁባ ሞምላት›› ኢሎም ዝተዛረብዎ እቶም ትግርኛ ዘይፈልጡ ሰባት ‹‹ዝምብሎ ዱባ መብላት›› ዝበሉ
ዝበሉ ስለዝመሰሎም ይፃረፉ ከምዘለው ገይሮም እዮም ተረዲአሞም፡፡ልዩነት ክብሉ ኣፋላላይ ዝብል ቃል ምጥቃሞም እውን ብኣፍ መኽፈቲ
ቋንቋኻ ምዝራብ ዝዕርዮ ከምዘይብሉ ንክርዳእ ኣኽኢልኒ እዩ፡፡
እዚ እናሓሰብኹ ኣብ
የማነይ ናብ ዝተቐመጠ ተሰብሳቢ ጠመትኩ፡፡እቲ ስብኣይ ኣንቃዕሪሩ ይኾርፍ እዩ ዘሎ፡፡ኣፉ ሙሉእ ብሙሉእ ስለዝኸፈቶ ጌሾ ዝተወቐጦ
መጉእ እዩ ዝመስል፡፡ኣስናኑ ብሳዕሪ ዝተወሓጡ ጉንዲ ቃላምጠስ እዮም ዝመስሉ፡፡መልሓሱ ድማ ቖፅሊ ኣደስ ዝተሸለቐሉ መልኢት ይመስል፡፡ከንፈሩ
ዝተጠበሰት ፀላም ከብዲ መሲሉ ኣሎ፡፡ብሓፈሻ፣ እት ስብኣይ በዝተፈላለዩ ወልፍታት ዓርሱ ከምዝረሰዐ ኢኻ እትርዳእ፡፡
ሐዚ ምሳሕ ሰዓት ስለዝኣኸለ
ካብ ኣኸባ ተፈዲስና ተሰሊፍና ናብ እንዳ ብልዒ ኣደራሽ እናምራሕና ኢና፡፡እቶም ኣብ ቕድሚት ዝተሰለፍ ትመገብቲ ዝሓዙወን ብያቲታት
ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምግቢ ተፃዒነን ኣለዋ፡፡ልክዕ ከም ናይ ኣምበሳ ኣውቶብሳትን ሃይገራትን ካብ ኣፍ ናብ ኣፍ ይምልኣ እምበር ዘቆፃፀረን
ትራፊክ ዘሎ ኣይመስልን፡፡ኣልጫ፣ቀይሕ ፀብሒ፣ጥብሲ፣ሽሮ፣ክክዕ፣ዓሳ ለብለብ፣መኮረኒ፣ፓሰታ ፉርኖ፣አትኽልታትን ፍራፈረታትን ክክንዲ ባዴላ ብዝኣኽሉ መንጨለፋት እናተጋሓጡ እዮም፡፡ኣብ ርእሲ እዚ ድማ
ለስላሳ ኣሎ፤መኸለሲ፡፡
ዓይኒ ርእዩዎ ዘይፈልጥ፤መልሓስ
ዘይጠዓሞ ክጥዕም ከብዲ ከም ለቖታ ተሸጉሺጓ ንምሕቓቕ ክምዝትጭነቕ ኣየጠራጠርን፡፡ሽቓቓት እውን ንላዕልን ንታሕትን ብዘፃድፎም ሕሙማት
ከብዲ ንፅባ በሰሮ ምምሳሎም ኣይተርፍን፡፡
እት ኣኸባ ድሕሪ ስዓት
ክቕፅል ከሎ ትዕዝብትና እውን ክቅፅል እዩ፡፡
ይቀፅል፤ ብፍላይ ስለ እታ ማይ ዝመለአ ሎቆታ እትመስል ናይ FaceBook ዉልፍቲ ታኣካቢት ንክሰምዕ ይፅበ ኣለኹ።
ReplyDelete