ቑልዕነተይ(ሓቀኛ ታሪኽ)
እዋኑ ሓጋይ ስለዝነበረ ሰማይ ዑንቂ በሕሪ እያ መሲላ
ዝዋዓለት፡፡ምስ ናይ ቑልዕነት ማሓዛይ ኪዳኑ ወንበሮ ኣብ ዝብሃል ቦታ ኢና ኣጣልን ከፍትን ክነጓሲ ዉዒልና፡፡ኣብ ደላ ከተማ ሓሙስ
ማዓልቲ ዕዳጋ እዩ ኔሩ፡፡ፀሓይ ናብ ምዕራብ ገፅ በፍጥነት ትሕምበባላ፤ ብሩሑቕ ሰማይ ነኺሶም አብ ዝራኣዩ ጎቦታት ንምሕባእ ትሽቀዳደም ዘላ ትመስል፡፡ሐዚ ግዘ እቶ እቶ ኮይኑ አሎ፡፡ አነን
ኪዳኑን ኣጣልን ኣባጊዕን እናገናሕና ናብ ገዛ ነምርሕ አለና፡፡ዝተወሰና ኣጣል ተፈልየን ብዝተሰሓሐተ መንገዲ ክጉዓዛ ስለዝራኣኹ
ክምልስ ካብ ዓርከይ ተፈለየ ንእሽተይ ምስ ተጓዓዝኹ ዝኾነ ፅላሉት ነገር ብድሕሪተይ ፅዕንዕን ስለዝበለኒ ንድሕሪት መናዕ ኢለ ተራኣኹ
ከም በሃርዛፍ ነወሕቲ አእጋር ዘለዎ ስብኣይ ተገቲሩ፡፡
ምሒር ሰንቢደ!ግን ከዓ ወስ ኣይበልኹን፡፡መላእ
ኣካላተይ ምንቅጥቃጥ ጀሚሩ፤ ኣእዳወይን ዓንዲ ሑቐይን ረሃፅ ይስመዓኒ አሎ፡፡እትስብኣይ ብጣዕሚ ገዚፍ እዩ፡፡ሸለፉ ጉንዲ ሽሕነት
የመስል፡፡ፃዕዳ ኮንጎ ጫማ ተዓጢቑ፤ሕጥጥ ዝበለት ፀላም ቁምጣ ሰረ ምስ ሰማያዊት ዝሕብራ፣ካብ የማናይ ሽምጡ ጫፍ ናብ ፀጋማይ ማእገሩ
ብፃዕዳ፣ቐይሕን ብጫን ሕብሪ ዝመልከዐት ከናቲራ ተኻዲኑ፤ክሹፍ ድማ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ኣሎ፡፡ፀሊም ሃሪ ዝመስል ጉተናኡ ችምችም
ኣቢሉ ሰንቲርዎ አሎ፡፡ኣብ የማናይ ኢዱ ጎጀሞ(ጎዘሞ)ስለዝሓዘ እምበር ናይ ቐደም ተጋዳላይ ዝመስል ሰልዐም ጎበዝ እዩ፡፡ሃንደበታዊ
ድምፂ ‹‹ኣንታ ቖልዓ!››ኢሉ ፀወዐኒ፤ ‹‹ኣ…ኣ…ቤ…ት›› በልኹዎ ድምፀይ እናተቖራረፀ፡፡‹‹ወዲ መን ኢኻ!››ዝኾነ ሓፂን ነገር
ርእሰይ ዝፈንፀሓኒ እዩ መሲሉ ተሰሚዑኒ፤ከምባሓድሽ ከዓ ደንጊፀ፡፡ኣደ ሕጎይ‹‹ዝኾነ ሰብ ወዲ መን ኢኻ ኢሉ እንተጠየቑካ፣ ወዲ
ቐሺ ብርሃኑ ኢልኻ ኢኻ ዝትምልስ፡፡ከምኡ እንተዘይ ገይርኻ ግን ናይ ኣቦኻ ፀላእቲ ሓኒቖም ክቐትሉኻ እዮም!›› ኢላ ዘጠንቐቐትኒ
ውን በለኒ እሞ ሰውነተይ ሽምቕቕ እናበለኒ‹‹ወዲ ቐሺ ብረሃኑ›› ኢለ መለስኹሉ፡፡ናይ ባጫ ስሓቐ እና ስሓቐ‹‹እሀሀሀ ንኻሊእ ሸውዲዮ››ኢሉ ጎጀሞኡ ካብ ማእገሩ አውሪዱ
አቦራ ከምዘራግፍ አብ ብልሑ ‹‹ኡፍ! ኡፍ!ኡፍ!›› በለሞ ‹‹ሓቂ ተዛረብ! ተዘይኾይኑ ግን ብዚ ጎጆሞዚ እየ ኽሳድኻ ዘብርረካ!››
በለኒ፡፡በሃንደበት ጎረረይ ደረቐ፤ መልሓሰይ ናብ ተሕናገይ ልሕድድ በለት፡፡መብረቕ ከም ዝወቐዐኒ ብደወይ ደሪቐ ዓይኑ ዓይኑ ኣትኲረ
ይጥምቶ ኣለኹ፡፡
‹‹ንዓማ ኣንታ ቖልዓ›› ኢሉ ስለዝፀወዖ አማዓዲዩ ይጥምተና ዝነበረ ማሓዛይ
‹‹ሒሕ ሒሕ›› እናበለ ብጉያ ደበኽ ምስ በለ ወዮ ስብአይ ‹‹ስማዕ!ኣንታ ነዳፍ እዝ ቖልዓ ዚ ወዲ መን እዩ?››ኢሉ ሓተቶ፡፡መሓዛይ ድማ ጋእ ጋእ እናበለ‹‹እ…እ…እ ወዲ ቐሺ ብርሃኑ›› ኢሉ መለሰሉ፡፡‹‹ፈስ
ፋስ መላኸዒ!ክትሽውደኒ አይትሞክር፣ እንተዘይ ኾይኑ… እህእ››በለ ጎጀሞኡ እናወዛወዘ፡፡ኣነን መሓዛይን ዓይኒ ንዓይኒ ተረኣአና፡፡እቲ
አባጁጁ ዝመስል ስብአይ ንምሓዛይ‹‹አይትዛረብን!›› ኢሉ ኣፋጠጠሉ፡፡ምሓዛይ ርእሱ እናሓኾኸ‹‹ኣነኳ ርግፀኛ ኣይኾንኩን፣ ገለ ሰባት
ግን ወዲ ገዳሙ እዩ እዮም ዝብሉ፡፡››ምስበሎ ውቀዒት ልበይ ደረተይ ክፍንፅሐኒ በለ፡፡ ኣዕንተይ ማንታ ማንታ ንብዓት የራግፍዎ
ኣለው፡፡ ሽንተይ ኽልተ ኣእጋረይ ከም ሓዊ እናቃፀለኒ እንትወርድ ተሰመዐኒ፡፡ኽሳደይ ተቖሪፀ፣ ርእሰይ ንበይና፣ዝተረፈ ኣካለይ ከዓ
ንበይኑ ተረኣየኒ፡፡በቃ!ድሕሪ ዝተወሰና ደቓይቕ ኣካለይ ብጎጀሞ ተቖራሪፁ ካብዛ ዓለም ከምዝሰናበት ርግፀኛ ኾንኩ፡፡
ዘይተሓሰበ ነገር!ወዮ ስብኣይ ተንበርኪኹ ከማይ ምንባዕ ጀመረ፡፡ኢደይ ሒዙ
ናብ ባዕሉ ጉስስ አበለኒ እሞ ገንባረይን ኢደይን ሰዓመኒ፡፡ናብ ደረቱ ድማ እጥብቕ ኣቢሉ ሓቖፈኒ፡፡እቲ ዝኸውን ዘሎ ትኣምር ሕልሚ
ይኹን ግሃድ ክፈልጦ ኣይካኣልኹን፡፡ንብዓቱን ንብዓተይን ብኽሹፉ እናፀረገ ንመሓዘይ‹‹ስማዕ! ኣታ ነዳፍ! ምሓዛኻ ንፀላኢ ኣሕሊፍኻ
ትህብ!በል ድሕሪ ሐዚ ከይትለምድ፡፡›› በሎ፡፡‹‹ይስፋው! ኣነኮ ክንድዚ ዝኣክል ብፍርሒ ዝትጭነቕ ዘለኻ ኣይ መሰለንን፡፡ድሕሪ
ሐዚ ግን ፍለጠኒ እያሱ እብሃል፡፡ ሓው ኣቦኻ እየ፡፡››በለኒ እሞ
ኣስዒቡ ድማ‹‹ኣነ እናሃለኹ ማንም ኣይነኸአካን፡፡ ኣጆኻ!ድሕሪ ሐዚ ክትፈርሕ ይብልኻን፡፡›› ኢሉ ግንበረይ ስዒሙኒ ኸደ፡፡
ዕሸል እናሃለኹ ብዙሕ ፍርሓት፣ሓዘን፣ድንጋፀን ታሕጓስን ተፈራሪቑኒ እዩ፤ከምዛ
መዓልቲ ቲኣ ግን መሪር ፍርሓት ተሰሚዑኒ አይፈልጥን፡፡ እያሱ ነጋሽ ንእሽተይ ሓዋ ንብዓልቲ ገዛኡ ናቦይ(ወላዲየይ) እንትኾን ከመይ
ከምዝነብር ንክዕዘበኒ ኢሉ ዝፈፀሞ ካብ ግርህነት ዝተላዓለ ስሕተት ንዓይ ካብ ዝሽከሞ ንላዕሊ እዩ ነይሩ፡፡ክሳብ ዕለተ ሞተይ እውን
ኣይርስዖን፡፡
No comments:
Post a Comment