ስርኝሕዶ ርኢኹም ትፈልጡ? እዛ
ኣብቲ ስእሊ ዘላ ቑቋሕ ኣብ ከባቢና ስርኝሕ ተባሂላ ትፅዋዕ፡፡ ኣብ ከባቢኹም ኸ ታይ ትብልዋ?
ስርኝሕ ከምእትርእይዋ
ብጣዕሚ ቖንጆ እያ፡፡ኣእጋራ ሳስላ ኣቲዋ ዝወፅአት ዕጣን ግባእ(ጡሽ ዝኣተወት) ሓያም ትመስል፡፡ኣፋን(ሞንቆራ) ኣዒንታን እውን
ብቐይሕ ቀለም ዝተኩሓሉ እዮም፡፡ኣብ እዋን ዕሸልነተይ(ቁልዕነተይ) ብሸገና ቡዙሓት ቑቋሓት ይሕዝ ነይረ፡፡መብዛሕቲአን ድማ ስርኝሕ
እየን ነይረን፤ ምኽንያቱ ከዓ ሰራኝሕ ከምቲ መልክዐን የዋሃት እየን፤ ከም ቑቋሕ ቡዙሕ ጎራሓት ኣይኮናን፡፡ስገአንን እንቋቁሖአንን
ንምግቢ ዝውዕል ዓይነታት ደርሆ በረኻ ብወገነይ ኣርባዕተ ይፈልጥ፡፡ ብግዝፈት ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ
እንትስረዓ ከም ዝስዕብ ይኸውን፡፡
- ዛግራ፡- ዛግራ ከም መራሒታ ማለት እንታይ ማለት እዩ?ዛጋሩ ይሕመቕ ይፀብቕ ብዘያገድስ መራሒተን ናብ ዘምረሐቶ እየን ተምበራሕ እናበላ ዝኸዳ፡፡
- ቑቋሕ ፡-ንሓደ ሰብ ‹‹ቑቋሕ›› ተድኣ ኢልናዮ ብጣዕሚ ጎራሕን ፈጣንን
ማለት እዩ፡፡
- ስርኝሕን፡- መልከዐኛ ኣዒንትን ኹሮ ኹሮ እግርን ንዘለወን ጎርዞታት ንምግላፅ ንጥቀመለን፡፡

- ጥሪንጥሩ፡- ብመጠና ብጣዕሚ ዝናኣሰት እንትኸውን ንኸምዚ ኸማይ ዝበሉ ሓፀርትን ቀጠንትን ሰባት ጥሪንጥሩ ኢላና ፅውዖም፡፡
ኽቡር/ኹቡርቲ
ኣንባቢ/ት ፤
ሐዚ ናትኺ/ ናትኻ ዕጫ እዮሞ ዝትፈልጦም ምስላታትን ኣባሃህላትትን ትልዮም ዶ ምነገርካኒ/ ምነገርኽኒ?




No comments:
Post a Comment