Monday, September 23, 2013

ካብ ጎዶ ክበልዖስ ሓዊ ይብልዐዮ፤ካብ ሓዊ ክበልዖስባ ማይ ይስተዮ




ሓንቲ ሰበይቲያ ነይራስ ኣብ ዝባን ስብኣያ ውሽማ ለሚዳትልኹም፡፡እቲ ብዓል ገዛኣ ሃርኳት ሰራሕተኛ እዩ፤ ካብ ሕርሻ ስራሕቱ ብተወሳኺ ክሳብ ኣርሆ(በራሕለይ) እናትጉዓዘ ባብቕልትን ኣግማልን ጨው ፅዒኑ እናምፀአ ብምሻጥ እቶቱ ከደንፍዕ ላሕ ኣብ ዝብለሉ እዋን እያ ምስ ውሽማኣ ዝትቐብጥ፡፡
ብዓል ገዛኣ ስንቁ ቋፂሩ ናብ ኣርሆ ክጉዓዝ ጎቦ ምስተዓዘረ ውሽማኣ ደበኽ ይብል፡፡እዚ ነገር እዚ እናተደጋገመ ምስ ከደ ግን ሓበሬታታ ምልሓዂ ጀሚሮም፡፡እዚ ዝሰምዑ ቀረባ ምሓዙትን ቤተሰብን ካብ ተግባራ ንክትዕቀም እንትነግሩዋ ኽሳደይ ንበላሕ ኢላ ስለዘቕበፀት ንብዓልቤታ ክነግሩዎ ግድን ይኸውን፡፡
እቲ ብዓል ገዘኣ ግን ብጣዕሚ የፍቕራን ይኣምናን ስለዝነበረ ብቐሊሉ ክኣምን ኣይክኣለን፡፡ድሓር ግን እቶም ናብ ኣርሆ ሓቢሮሞ ዝጉዓዙ ምሓዙቱ ዝተሰነ ርሕቐት ሰንይዎም ክምለስ ይሕብሩሉ እሞ ከምኡ ይገብር፡፡ምድሪ ምስ መሰየ ከዓ ናብ ገዛኡ የምርሕ እሞ ኣብ ፋቶ(ድሕሪ ገዛ) ይሕባእ፡፡ እቲ ውሽማ እናሃተንደደ ናብ ገዛ ምስ ኣተወ ድማ ተኸቲልዎ ይኣቱ፡፡ ወዮ ውሽማ ሰምቢዱ ዘሊሉ ናብ ጎዶ ይኣቱ፤ ብዓል ገዛ ግን ናብ ጎዶ ምእታው ርእይዎ እዩ፡፡ምንም ዘይርኣየ ብምምሳል ኣብ ገዛኡ አቲው ከፍ ይብል፡፡ብዓልቲ ገዛኡ ንምንታይ ከም ዝትመለሰ እንትሓቶ ድማ ጥዕና ከም ዘይረኸበ ይነግራ፡፡
ሰበይቲ ብድንጋፅን ጓሂን ጥዋዕ ክትብል ነቒላ፡፡ንድራር ምግቢ እንተቕርብ ሕምበሻ እናሃለወ ንብዓል ገዛኣ ንምሃብ ኣይደለየትን፡፡ ብዓል ገዛኣ ግን ሕምበሻ ንክተቕርበሉ ይሓታ፡፡ከም ዘይኸውን ትነግሮ፡፡ባዕሉ ንከምፅእ እንትስእ ግን እናትዳፈአት ኸይዳ ነቲ ሕምበሻ ኣልዒላ ናብቲ ውሽማኣ ዝኣተዎ ጎዶ ተእትዎ፡፡
ብዓልገዛ ብዓብዪ ገልዒ ጓህሪ ይፅሕር እሞ ‹‹እምብኣር ከስ ካብ ጎዶ ክበልዖ እማ ሓዊ ይብልዐዮ››ኢሉ ናብቲ ጎዶ የእትዎ፡፡ውሽማ ብሓዊ ትቓፀለ፤ከይሞተ ግሃንም ኣተወ፡፡እታ ሰበይቲ ከዓ ‹‹ካብ ሓዊ ክበልዖ ስባ ማይ ይስተዮ›› ትብል እሞ ሸንኬሎ ሙሉእ ማይ ትደፍአሉ፡፡እቲ ጓህሪ ስለዘይቅሃመ ግን ውሽማ ኣብኡ ይጥቑጦቕ፡፡
ናይ ሃገርና ተቓወምቲ እውን ከምዚ እዮም፡፡ካብ ቕልጅት ጀሚርኹም ትዓዘቡ፤ካብ ጎዶ ክበልዖስ ሓዊ ይብልዐዮ፤ካብ ሓዊ ክበልዖ እማ ማይ ይስተዮ፤ እና በሉ ብኣጉል ህልኽ ንንባዕሎም ይባለዑ፡፡ገሊኦም ካብ ኢህወደግ ትፈንጪሎም ዝወፅኡ እዮም፡፡እዝ መንግስቲ እዚ ካብ ዝገዝአናስ ሻዕብያ ይሐሸና ኢሎም ናይ ኢሳያስ ምዓኮር እናልሓሱ ይርከቡ፡፡ገሊኦም ድማ ትቓሊስናሉ ኢና ኢሎም ዝጅሃርሉ ውድብ ገዲፎም ምስ ታሪኻዊ ፀለእቶም ሸርሞጥሞጥ እንትብሉ ትርኢ፡፡
እዞም ጎራሓት ታሪኻዊ ፀለእቲ ንግዜኡ ከም መሳረሒ ይጥቀሙሎም ስለዘለው ኣምበሳ ኣምበሳ እናበሉ ከም ጎቦ ከግዝፉዎምን ከም ፈጣሪ ከምልኹዎምን ኢኻ ትዕዘብ፤እታ ትደሲቖም ዝትመንጠልዋ መዝነት ኣብ ኢዶም ክሳብ ትኣትው፡፡ ኣብታ ቑርፂ እዋን ግን ካብ ጎዶ ክበልዖስ ሓዊ ይብልዐዮ፤ካብ ሓዊ ክበልዖስ ማይ ይስተዮ እናበሉ ብሓውን ብዝፈልሐ ማይን ከም ዘቃፅሉዎም ርዱእ እዩ፡፡



No comments:

Post a Comment