Tuesday, September 3, 2013

ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ! ተዓዚብናዮ!




ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ፣ ለሚንናዮም፤ተላቢውናዮም፤ደጋጊምና ተማሕፂናዮም፤ወይከ! ክሰምዑና ኣይክኣሉን፡፡መሪሩና፤ኣማሪርናዮም፤ዝባኣሰ ክንማረር ይገበሩና አለው፡፡ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ መብራህቲ ይሰዱልና ነይሮም፤ ሐዚ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራሕ ሓይሊ መብራህቲ ክንረክብ ግድን ኾይኑ ኣሎ፡፡ካብ መረረ ሓሊፍና፤ ምሒር ኣንፀርፂርና፤ሓዚ እውን ምቕንጭሪትኹም ኢሎምና፡፡ ኤህ! ኢልና፤ ፀጉሪ ነፂና ረጊምናዮም፤ ፈጣሪ መርገምና ሰሚዑስ መከፋፈልቲ ሓይሊ መብራህቲ(ትራነስፎርመራት) ነጎዳ ኾርምይዎም፡‹‹ስብኣያ ይወቕዓ እሞ ድርኩኺታ ይደግማ!›› እኮ ኾይኑና፡፡
ሃም ለመንና... ወይከ ሰማዒ!
ሃም ኣማረርና… ‹‹ኣይተዕገርግሩንዶ›› ኢሎምና፡፡
ሃም ተናደድና፤ምሒር ሃም ኣንፀርፀርና… ‹‹ሃር ሃር በሉ፤ ሓዊ ሓዙ!›› ኢሎምና፡፡
ኤህ! ኢልና ሃምረገምናዮምኖጎዳ ኾርሚይዎም፡፡
ዋእ!‹‹ንኢስኒ እንተበልኩስ ተቖሪስኒ››
መብራህቲ ብምጥፋኡ፡- ስልኪ ጠፊኡ፤ንግዲ ባንክ ‹‹ሲስተም የለን›› ኢሉና፤ማይ ዓቐብ ምውፃእ ተሳኢንዎ ደሪቑ፤ምሸታዊ ትምህርቲ ክንምሃር ኸፊልና ክንምሃር ከይድና ወዮ መምህር ‹‹መብራት የለም›› ኢሉ ሓዲጉና ዕዝር፡፡
ድሕሪ ሐዚ ንሓይሊ መብራህቲ ዝረገመ ወይ ከዓ ዝተፃረፈ ወይ ከዓ ዘማረረ ሰብ ክቕፃዕ ኣለዎ፡፡
ክቕፃዕ ኣለዎ፡፡እንታይ ዓይነት ቅፅዓት እንተኢልኹም፤ ቅፅዓቱ ክብድ ዝበለ እዩ ክኸውን፤…ተቐፃዓይ ን24 ሰዓታትን 7 መዓልቲታትን መብራህቲ፣ስልኪ፣ማይ ወዘተ፤…ናብ ዘይጠፍአሉ ከባቢ ብቐዋሚነት ክዘዋወር ኣለዎ
ናብ  ቤተ መንግስቲ፡፡ዘየዳግም መሪር ስጉምቲ፡፡  ሓይሊ መብራህቲ ‹‹ቖልዓ ኣባኪሮስ›› ስለዝኾነ ክነቖጥዖ የብልናን፡፡የግዳስ እና ደረፍና ከነፃውቶ እዩ ዝግባእ፡፡‹‹ተገልቢጥኒ በለ ሃንዛ!››

እዚ ቦኽ ኢልካ ዕዝር
እዚ ቦኻ ኢልካ ዕዝር
መናፈቒ ኮይኑየ፡፡
ዓይኒ ምኾዶ
ምኻድስ ኺዲዋ
ምቕናይኺዶ፡፡
መብራህቲ ዓደይ
ንዓኺ ለሚደስ
ኣብዩኒ ኸደይ፡፡
ሓይሊ መብራህቲዋይ
ምኻደስ ትኽድዋ
ቻው በሉዋይ፡፡
ከምዒፍ መስቀል ቅልቅል ኢሉ ድርግም እናበለ ዘሸገረና ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ ናይ ናፍቖት ደርፍን ፀበልን እምበር መረረን መርገምትን የደንፅዎ እዮ ዘሎ፡፡
ሓይሊ መብራህቲ፣ቴሌ፣ግልጋሎት ፈሳሲ ማይን ግልጋሎት መጎዓዝያን እንትንዕዘብ ‹‹ዕዝብደኣ ጓልያቱ›› ዘኪርና፡፡

ዕዝብ ዳኣ ጓልያቱ
ሓንቲ የዋህ ጎርዞ ነይራትልኹምስ ውዕሎኣ ከም ዝስዕብ ነጊራትና፡፡ሓደ ጎብለል መንእሰይ ኣብ መንገዲ ይረኽባ እሞ ቃሕ ግዲ ኢላቶስ ዓንቋል ዓይኑ ፀቒጡ ይለኽፋ፡፡
ንሳ ድማ ብኸብዳ ‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ›› ትብል እሞ ገፃ ግን ብፍሽኽታ ፀሓይ ተምስሎ፡፡ወዮ ጎብለል መንእሰይ ብኸብዱ ‹‹ዘይኸምዚኣ ታይ ደልየ ዘይኸምዚኣየ›› እናበለ፤‹‹ሽሃይ ቡና እንተበልና እንታይ ይመስለኪ ሽኮሪና?›› ኢሉ ሕቶ ግብዣ የቕርበላ፡፡
ንሳ፤ ሐዚ እውን ብኸብዳ(ኻብዳ ይንታዕዋ)‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ›› እናበለት ክልተ ማእገራ ልዕል ትሕት እናበለት ብምንቕናቕ ምስምዕማዓ ትገልፀሉ እሞ ሓቢሮም ናብ እንዳ ሻሂ የምርሑ፡፡
ሻሂ ቡና እናበሉ ድማ ወግዒ ቓሎ ጡቕጥቖ ይጅመር፡፡  
ንሱ፤ ቐሊልሰብ ኣይኮንን፤ ብገርሁ እናምሰለ ኣእዳዋ ምንኽኻእ ይጅምር፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ንሱ፤ኢዳ ሒዙ እናጎተተ ናብ እንዳ መደቀሲ ይወስዳ፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ንሱ፤ናብ እንዳ መደቀሲ ምስ ኣተው ብውሽጢ ይቑልፎ እሞ ብላዕ ዝደረበቶ ሹራባ ኣውፂኡ ይድርብዮ፤ኣብ ጥቓ ዓራት ናብ ዘሎ ወንበር፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ንሱ፤ከናቲራኣ ኣውፂኡ ናበቲ ይድርብይ፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ንሱ፤ ናይ ጅኑስ ስረኣ ሸርነላ ከፊቱ ንታሕቲ ብምጉታት ጥራሕ ፓንቲ ይትርፋ፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ንሱ፤ እሳተጎመራዊ ነዳድ ከቃፅሎ ጀሚሩ፡፡ምንዝራብ ኣይከኣለን፤ ብፓንትን መትሐዚ ኣጥቧትን ጥራሕ ኣብ ቕድሚቱ ጠጠው ዝበለት ዕፀ በለስ ንምብላዕ ምሒር ቸኪሉ እዩ ዘሎ፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ››
ከባኹብቲ ለይቲ ዝመስሉ ኣዒንታ እናቕባሕበሐት፡፡
ንሱ፤ በሓይሊ ሓይሊ ኣቦኡ ተሸኪሙ ናብ ዓራት፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ›› እስትንፋሳ እናተቖራረፀ፡፡
ንሱ፤መትሐዚ ኣጥቧታ ኣውፂኡ ናብቲ ብምድርባይ ክትኮሱ ዝተዳለው ናይ ሰሜን ኮርያ ሚሳኤል ዝመስሉ ኣጥቧታ ብኽልት ኣእዳው እናጨበጠ፤ከናፍሩ ምስ ከናፍራ ይለግቦም፡፡
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ›› ኣዒንታ እናስለምለመት፡፡
ንሱ፤ፓንታ ኣውፂኡንላዕሊንታሕቲንላዕሊ
ንሳ፤‹‹ዕዝብ ደኣ ጓልያቱ›› እንቅዓ፣እንቅዓ፤ ፅዕነት፣ፅዕነት እናተንፈሰት፡፡‹‹ዋይ፤ኣታዮ ሃምዚ ዲኻ?››






No comments:

Post a Comment