Sunday, September 8, 2013

ዕቡነይ






ደቂ ሓደ ዓዲ እየን፤ ኣብ ሓደ መረባ ወይ ከዓ ፋቶ ደባጮ፣ብሪም፣ነበረያ ነበረ፣ ሕብእ ሽኩዕ ወዘተ፤ ሓቢረን ክፃወታ ዓብየን፡፡ድሕሪ ግዘ ብሽመን ምፅውዋዕ ገዲፈንኦ፤ ሕንጥልጥሊት ንሕንጥልጥሊት ኣፃብዕተን ብምጥማር‹‹ድሕሪ ሐዚ ዕቡነይ ኢና ክንብሃሃል›› ብምባል ቃል ትኣታቲወን፤ በቃ ተኽ እስትንፋስ አዕሩኽቲ ኮይነን፡፡ ብዕሸልነተን ዝወጠንኦ ፍቕርን ምሕዝነትን ዕድመአን እናወሰኸ ምስ ቐፀለ እውን ምሒር እና ጠንከረን ስሩን ጨናፍሩን እናሰፍሐ፣ እናሰፍሐ፣እናሰፍሐ መፂኡ፡፡ ዕርክነተን ኣብ ከውሒ ከም ዝቦቐለ ኣውሊዕ መሰረቱ ኣብዘይናገዐሉ ደረጃ በፂሑ፡፡
ክሳብ ቓደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብሓባር ተማሂረን፡፡ናብ ካልኣይ ብርኪ ምስ ሓለፋ ግን እን ዕቡነይ ክፈላለያ ግድን ኾይኑ፡፡ናብ ዝተፈላለዩ ቤት ትምህርቲታት ኣምሪሐን፡፡ይኹን እምበር ‹‹ካብ ዓይኒያ ዝራሓቐስ ካብ ልቢ ርሓቐ›› ዝብልዎ ኣባሃህላ ንንዕቡነይ ከምበርክኸን ኣይክኣለን፡፡በቢዘለውኦ ኮይነን በደብዳበ ናፍቖተንን ናይ ሓባር ምሽጥረንን ክለዋወጣ ቐፂለን፤ ምምሃር ግርም፡፡ ግዘ እናነጎደ እዩ፤እንዕቡነይ እውን ብዕድመ እናደፍኣ እየን፡፡ትምህርተን ብሰላም ብምጥንቓቕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሐን፤በቢገፀን ናብራ መስሪተን፡፡ኹሉ ግዘ ንምርኻብ ግን ናብራ ዓለም ዕንቅፋት ኮይናተን፡፡
ንመሃዝቲ ትንቀሳቓሳይ ስልኪ(ሞባይል) ምስጋና ይምብፀሓዮም፤ ሐዚውን ናብራ ዓገብን ርሕቐት ቦታን ንናይ እኒዕቡነይ ልባዊ ፍቕሪ ክበጣጥሶ ኣይከኣለን፡፡ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ ይደዋወላ፤ ምሸት ከባቢ ስዓት ኣርባዕተ፣ ንጉሆ ድማ ከባቢ ስዓት ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣብ ዘሎ ግዘ ውሽጢ፡፡እቲ ዝገርም ነገር ስልኪ ኣልዒለን ‹‹ሃሎ›› ኣይብሃሃላን፤ ዘረባ ዓጦቕ ጦቕ እሱን ዘይሱን ኣይዘራረባን፡፡‹‹ሚስኮል›› ግን ኣይኮነን፡፡እቲ ስልኪ ዝተደወሎ ሓደ ግዜ ጥራሕ እንተኾይኑ ‹‹ኣነ ሰላም ሓዲረ ወይከዓ ሰላም ውዒለ ኣለኹ ንስኽን ኸ?›› ማለት እዩ፡፡እታ ሓንቲ ዕቡነይ እውን ሰላም ሓዲረ ሰላም ምውዓላ ሓደ ግዘ ብምድዋል ተረጋግፀላ፡፡እቲ መልእኽቲ ብኸምዚ ይቕፅል፤ብናይ ባዕለን ምሽጥራዊ ርክብ፡፡‹‹ኣለኹ እየ ዝብልየ›› ማለት እዩ፡፡
ተራኺበን ወይከዓ ብስልኪ ንከውግዓ ተደልየን ግን ካብ ሓደ ግዘ ንላዕሊ ስልኪ ይደዋወላ፡፡ሽዕኡ ስልኪ ክልዓል ግድን እዩ፤ ወይለከ፣ ዕቡነይ ድኣ ንማዓዝ?እንዕቡነይ እንትራኸባ ንዓመታት ዝኣክል ተራኺበን ዘይፈልጣ እየን ዝመስላ፡፡ሰላምታ ልውውጠን ብጣዕሚ የቕንአካን ናይ ዕሸልነት ማሓዙትኻ ክትዝክር ይገብረካን፡፡ምስ መተዓቢትኻ ምንባር ዓብዪ ዕድል እዩ፡፡
መብዛሕትና ግን ንከምዚ ዝበሉ ኣጋጣምታት ኣይታዓደልናን፡፡ብወገነይ ናይ ቁልዕነት ማሓዙተ ንዓመታት ክረኽቦም ኣይካኣልኹን፤ ንንምሽጥረይ፣ ዕሩይ፣ የንጣለም፣ ወድናይ፣ ኣያሓወይ፣ መስትያተይ፣ኻልኣየይ፣የማነይ፣ሓበነይ ወዘተ. እናዘከርኹ ምሒር ይናፍቕ፡፡ክምንዕቡነይ በቲ ዘመን ዘምፀኦ ተንቀሳቓሳይ ስልኪ ምርኻብ ዘይምኽኣልና ከዓ ብጣዕሚ የተሓሳስበኒ፡፡ምኽንያቱ ድማ እቲ ግዘ የመና እናረሓቐ እዩ፡፡እዚ ከዓ ‹‹ካብ ዓይኒያ ዝርሓቐስ ካብ ልቢ ርሓቐ›› ተግባራዊ ከይኸውን ማራ የስግአኒ፡፡
ስለዝኾነ ድማ እየ ንኹሉኹም ደቂ ዓደይን መታዓቢተይን ናይ ሓጎሰ ገብረሂወት ደርፊ ክእንግደኩም ዝደለኹ፡፡
ተኽኢልኩም ናይ ሓጎስ እናዳመፅኹም ነዛፅሕፍቲ ኣንብበዋ፡፡
ለ…ለሊ… ለሊ… ለሊ… ለሊ
ደቂ ዓደይ ሰላም በሓበራ
ቀየሕትን ፀለምትን ከም ሽምብራ
ነወሕተን ሓፀርትን ከም ውጅግራ
ኣይጥዕሙን ንስኹም ዘይብላ፡፡
.
.
.
ለለሎ… ለለሎይ… ለለሎ… ለለሎይ…
ደቂ ዓደይ ሓቢርና ንፃወትየ
እርጋን ሕንዛም ተሎ ከይርከበትየ
ጠላም እያ ሂወት ተሰላቢትየ
ኣብዛ ዓለም ስኒት እያ ሸዊትየ
ሓወይ ሓፍተይ ተባሂልና ንሙትየ፡፡
ዩቲዩብ ንምእታው ንዝትኽእሉ ናይ ሓጎሰ ገብረሂወት ደርፊ ኣብዚኣ ኣላትኩም፡፡


ሰናይ ሓድሽ ዓመት 2006 ዓ.ም







No comments:

Post a Comment