Tuesday, September 10, 2013

ናይ ሂወት መርከብ




ገለገሊኦም ደረፍቲ ቐፃሊ ሂወት ኣርሒቖም ናይ ምጥማት ክእለት ዝተዓደሉ እዮም፡፡ካብዚኦም ሓደ ዝነበረ ነፍሰሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡-
ፍቕረይ ከይደ እየ ከይደ
ናበይ ኣይትሕተትኒ
ናይ ሂወት መርከብ
ሒዛትኒ ነቒላ፡፡
ተወረድኹ ባሕሪ እዩ
ውሽጣ ክቅይር ክፍትን
ክመሳሰል ከገፍሕ ፅላላ፡፡
ክብል ደሪፉ ነይሩ፡፡ከምቲ ዝበሎ እውን ናይ ሂወት መርከብ ሒዛቶ ከይዳ፡፡ዋላ እኳ ‹‹መለይ›› እናበለ ኣብ ዝደርፋ ደርፉ ‹‹ክቕፅል እየ›› ይበል እምበር ኣብርሃም ቃሉ ሓሊው ኣይቓፀለን፡፡‹‹ፍሽኽታ ኣመለይ›› ከምዝበሎ አውን ናብራ ሕሰም ብፍሽኽታ ክሓልፎ ኣይከኣለን፡፡



ዓለም ዓባይ መርከብ እያ፡፡ኹሉሙሉ ኣሳፊራ ንዘልኣለም እናተሓምበበት ዝትነበር፤ ኣንፈት ጉዕዞኣ ካብን ናብን ክብሃል ዘይክእል መወዳእታን ዓቐንን ዘይብሉ ዘልኣለማዊ ጉዕዞ፡፡ኣብ ሕድሕድ ሽርፍራፍ ግዘ እልፊ ኣእላፋት ተሳፈርቲ ትፅዕን፤ ብኡ መጠን ከዓ እልፊ ኣእላፋት ተራግፍ፤ማንም ጣልቃ ክኣትዎ ብዘይኽእል ናይ ግላ ውሳነ፡፡ዘይሓሰብኻዩ፤ ዘየስተንተንካዮ፤ ኣብ ደስ ዝበላ እዋን ተሳፍራካ፡፡ንቡዙሓት ተጓንፎታት ተቃልዐካ፤ከርፋሕ ናብራ ሕሰም ይኹን ምድራዊ ገነት ብዘያገድስ፡፡ከይታዳለውካ ካብ ምድራዊ ገነት ናብ ምድራዊ ሲኦል ወይከዓ ግሃንም ትውርውራካ፤ትጥርዘካ፡፡ካ ምድራዊ ግሃንም ከዓ ናብ ምድራዊ ገነት ተሸጋግረካ፤ናብ ቐቢፀ ተስፋ ኣብ ዝተንቆልቁለሉ ግዘ ዘይተሓሰበ ሃሴት ተውርደልካ፡፡ካብ ሕሱም መእሰርቲ ናብ ፍፁም ነፃነት ካብ ነፃነት ከዓ መሊሳ ናብ መእሰርቲ ተንገላትዐካ፡፡እዚን ወዲ ዚይን ንምግባር ዘኽእል ዓርሰ ምትሃታዊ ሓይሊ ልዑል ፈጣሪ ኣረኪቡዋ፡፡ከም ቃርሳ ክትቅርሰና፤ከም ኩዕሶ ክተንከላልወና፤ከም ቃንጫ መርዓት ክትሽልመና፤ከም ብሌን ዓይና ክትሕብሕበና፤… በቃ ከም ዝሐሻ ንክትፃወተና ‹‹እዚ ጎዲልዎ›› ዘይብሃል ስልጣን ኣለዋ፡፡
ኣብ ገጠር እየ ተወሊደ ዓብየ፤ስለዋ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ዓብዪ ዓዲ፡፡እወ፤ ስለዋ ዓብዪ ዓዲ እዩ ነይሩ፤ህወሓት ንበትረ ስልጣን ቅድሚ ምብቃዓ ርእሱ ዝኻኣለ ወረዳ ነይሩ፡፡ናይ ስለዋ ዋና ከተማ ደላ ትብሃል(ብግዜኣ ምስ እኒ ሳምረ፣ቦራ፣ዓዲ ሽሁ …ዝትወዳደር)፡፡ደላ ምስ ሰማይ ማዕረ ቑመት ብዘለዎም ነወሕቲ ጎቦታት ዝታኸበበት እያ፡፡ቆልዓ እናሃለኹ፣ እዞም ጎቦታት ብደኒ ዝተሸፈኑ እዩም ነይሮም፡፡
ኣውሊዕ፣ዒጋም፣ጨጋ፣ቀጨሞ፣ዓፅዓፅ፣ታህሰስ፣መንጎልሓፅ፣ ሞንጎሊል፣ዳዕሮ፣ጠጣዕሎ፣ሐሖት፣ሽሕነት፣ኣባካዶ፣ልሓም፣ሻግላ፣ ስቓንጠ ወዘተ. ካብ ቶም ሩባታትን ጎቦታትን ዓደይ ዘማዕርጉ ዝነበሩ ኣእዋም እቶም ውሑዳት እዮም፡፡ጎቦታት ዓደይ ካብ ጉንበትን ሰነን ጀሚሮም ብዑምቡረ(ግመ) ተሸፊኖም ዝናብ ጭቕ እናበሎም ይኸርሙ፡፡እዞም ጎቦታት ብዑምቡረ ክሽፈኑ ከለው ሕያይ ጋቢ ዝተጎፈኑ ዓበይቲ ዓዲ እዩም ዝመስሉ፡፡ካምዚ ሐዚ መስከረም ምስብሓተ ከዓ ብዝተፈላለዩ ዕምበባታት ማዕሪጎምን ብለምለም ሳዕሪን ቆፅለመፅልን ተሸፊኖም ክትርእዮም ከለኻ ሂወት ዘለዎም ይመስለካ፡፡ካብ ጫፍ እቶም ጎቦታት ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝወርዱ ሻሽ ዝመስሉ ውሓዝቲ ሩባታት ብሽፍጢ ተሓፂቦም ቁልቁል ዝተሰጥሑ ጋቢታት እዩም ዝመስሉ፡፡
እዚ ኣብ ዓመት ደርጋ ሓደ ግዘ ዝርከብ ናይ ገነት ዘውል ዒቕ ክሳብ ዝበለን በሊዐን ዝፀገባ እንስሳት ዘቤትን ዘገዳምን ወዛም ፀጉረን ከም ወርቂ የብረቅርቕ፡፡ኣምራኹት(ኣብታይ) ልግዕ ኣደታትን ምዒፈን ይፀግባ እሞ ካብቲ ናብቲ ይሕምብጣ፡፡ኣላሕም ናብ ገዛ እንተምርሓ ኡምቧሕ ይብላ፤ ኣምራኹት ተቐቢለን የጋውሓ፡፡ሽደናት ኣቡዕር ይኹርትፉ(ይሽድኑ)፡፡ናይ ጠለ በጊዕ፣ ናይ ኣፍራስን ኣብቓልን ከምኡ እውን ኣእዱግ ሕብረ ዘይማታት ካብ ዝተፈላለዩ ሸነኻት ክተዳምፅ ከላኻ ዓመት ሙሉእ ዝደቀሰት ዓለም ካብ ምድቃሳ ዝነቕሐት እዩ ዝመስለካ፡፡ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣዝርእቲ ዋልዳን ጭላዳን ኮይም በፃሕና በፃሕና እንትብሉ ፍሉይ ተፈጥራዊ ክስተት ክተስተውዕል ይገብሩኻ፡፡ጣፍ ሓጋይ ወሊዱ ምንግላጭ ይጅምር፡፡መሽላ ባሕሪ(ዕፉን) ሰልስተ ኣርባዕተ ሓቊፉ ብኹርዓት ጭሕሙ ነስ የብል፡፡
ኣብዝ እዋን እዚ ዝንተ ኣለም ዘይርሰዑ ናይ ቆለዑ ፀወታታት ይዝውተሩ እዮም፡፡ክዳንኻ ኣውፂእኻ ማይ ምግፃብ፤ብሪም ምፅዋት፣ቅልስ፣ላልሸ፣ዛዕጎሎ… ኮታስ ዝተፈላለዩ ዓይነት ፃወታታት ምፅዋት ልሙዳት እዮም፡፡እዚ ናይ ቕደም ታሪክ እዩ፡፡ሎሚ እቲ ናይ ቕደም ፀዋታ ዘሎ ኣይመስለንን፡፡ናይ ሎሚ ወግዒ ኣብ ትምህርቲ ዘጠንጥን እዩ፤ መን ሓለፈ? መን ወደቐ?መን ክንደይ ኣምፀአ? ወዘተ፡፡ዓለም ኣብ ቀዋሚ ለውጢ እንድያ ዘላ፣ትማሊ ልሙድ ዝነበረ ሎሚ ታሪኽ ይኸውን ኣሎ፤ዘይነበረ ሓዲስ ክስተት ከዓ ይመፅእ፡፡ትማሊ ምንም ዘየጨንቐኒ ዕሽል ነይረ፤ሎሚ ንቡዙሓት ናይ ሂወት ስንክሳራት ብትኹረት ኣብ ምቅላስ ይርከብ፡፡እዚ ማለት ግን ህፃን እናሃለኹ ላዕልን ታሕትን ናይ ሂወት ገልታዕታዕ ኣይሕለፍኹን ማለት ኣይኮነን፡፡ዕሸል እናሃለኹ ማንም ከምዝደለዩ ዝረግፀኒ በዓል ናይ ዘይብሉ ማእሲ እየ ነይረ፡፡ሎሚ ግን ንኸምዚኦም ዝበሉ ግፍዕታት ዝፃወር እንግድዓ የብለይን፡፡ናይ ዓበይቲ ውልቀ መላኺነት ፈሪሐ በረኻ ዝሓድርሉ እዋን ኣብቂዑ ኣሎ፡፡ናይ ሂወት መርከብ ብሓርገፅን ዓሳ ነባርን ናብ ዝተመልአ ናይ ሞት ባሕሪ ኣይደርበየትንን፡፡ክሳብ ሐዚ ናይ ሂወት መርከብ ተሳፋሪ እየ፡፡
2005 ዓ.ም ዳግም ንዘይምምላስ ከይዳ ኣላ፤ዝትካእ ተኪኣ፣ ዝቕነስ ቐኒሳ ርሒቓ ተዓዚራ፡፡ኣነ ግን ሐዚ እውን ኣለኹ፡፡‹‹ኣለኹ እየ ዝብልየ፤ ምቕናይ ዋና እዩ ዋላ ሓደ ሰሙኔ›› እንድዩ ዝበለ እቲ ስሙይ ደራፊ ነፍስሄር ኪሮስ ኣለማዮህ፣ ምቕናይ ግርም፡፡ሙሉእ ጥዕና ሂቡካስ ኽፍሊት ዘይብሉ ንፁህ ኣየር ምትንፋስ፣ ፀሚእካ ማይ ሰቲኻ ምርዋይ፣ጠሚይካ በሊዕኻ ምፅጋብ፣ቆሪርካ ትኻዲንኻ ሙሟቕ፣ደኺምካ ዕረፍቲ ምርካብ፣ ደቂስካ ብሓዲስ መንፈስ ምትሳእ ዝሃብካ ሂብካ ዘይርከብ ዕዱል እዩ፡፡ምስ ሙሉእ ጥዕና ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሰላም ምሽግጋር ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክቡር ውህብቶ እዩ፡፡ንዚ ኹሉ ዘይተዓደሉ ወገናት ቡዙሓት እዮም እሞ ዝሓዝካ ሒዝካ ተመስገን ምባል ብልህነት ይመስለኒ፡፡
ቡዙሓት ወገናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ፤ገሊኦም ብስምዒት ተላዓዒሎም ብዝፈፀሙዎ ገበን፣ ገሊኦም ከዓ ዘይማዮም ዘይሰማዮም፡፡ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ኣቦታትን ኣዴታትን፣ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕክምናታት ብሕሱም ሕማም እናተሳቐዩ ይርከቡ፡፡ሕክምና ናይ ምርኻ ዕድል ዘይብሎም እውን በየዓዱን በየስፍራኡን ይርከቡ፡፡ምንም ከይኣበሱን ከየጉደሉን መንበሪ ስኢኖም ናይ ጎደና ሂወት ክመርሑ ዝተገደዱ ህፃናትን ኣረግቶትን ቡዙሓት እዮም፡፡ኣብ ልዕሊ ጥምየቶም ብፀሓይን ቑርን እናትለብለቡ ዝነብሩ ዓለም ባዕላ ትቑፀሮም፡፡እዞም ወገናት እዚኦም ዓለም ናብ ባሕሪ ወርዊራቶም፤ ግን ከዓ ንምንባር ገልታዕታዕ ኣብ ምባል ዝርከቡ እዮም፡፡
እወ፤ዓለም ንገሊና ሓፍ ኘቕ ተብዝሐልና፤ከም ኩዕሱ ትቕብቕበና፡፡ንየን ናዝን ትሓቑነና፤ ብሓያል ንፋስ ከም ዝትምብልበል ባንዴራ፡፡ንዚኦም ንምብዳህ ሓያል ቃልሲ ምክያድ ግድን እዩ፡፡ምውዳቕ፤ምንክልላው፤ወዲቕኻ ምግህሃፅ፤ምልሕሓፅ፤ዝተለሓፀ ኣካልኻ እናሓሰኻ ምትሳእ፤ኣብ ውሱን እዋን ንዝተወሰነ ግዘ ምስጓም፤ከዓ መሊስካ ምውዳቕ፤ንዘልኣለም ምስንባት፡፡ዓለም ከምዚ እያ፡፡
ሐዚ 2005 ዓ.ም ሓሊፍና ንዝተወሰነ ግዘ ኣብ ምስጓም ንርከብ፤ቀፂሉ እንታይ ከም ዝስዕብ ኣይፍለጥን፡፡ስለዚ፣ ብብሰከንዱ ዝግበር ዘይተዓፈነ ምትንፋስ፣ኣብ ሕድ ሕድ ደቒቓ ዘላ ሂወት ምስትምቓር ርእሱ ዝኻኣለ ጥበብ እዩ፡፡2006 ዓ.ም ሰሰናዩ ኹሉ ሒዛትልና ንክትመፅእ እናተመነና ክሳብ ሐዚ ዕድመን ጥዕናን ሂባ ናይ ሂወት መርከብ ተሳፈርቲ ንክንኸውን ዝፈቐደትልና ዓለም(ፈጣሪ) ነመስግን፡፡
ክቡር ኣንባቢ፤ ንዛ ፅሑፍቲ እዚኣ ኣብ ምንባብ ምህላውኻ ብደምቢ ምንባብንን ኢንተርነት ምጥቓምን ከም ዝትኽእል ይሕብረለይ፡፡ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ሰባት እት ሓደ ንምንባብን ምፅሓፍን ኣይተዓደለን፡፡ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰለስተ ሰባት ከዓ እቲ ሓደ ዓውደ መርበብ ሓበሬታ(ኢንተርነት) ምርካብ ኣይኽእልን፡፡እሞ እዚ ዕድል እዚ ምርካብና ተመስገን ዘብል ኣይኮንን?
ኣብ መወዳእታ ናይ ነብሰሔር ኪሮስ ‹‹ኣለኹ እየ ዝብልየ›› ዝትብል ደርፊ ንክጋብዝ ይፈቐደለይ፡፡

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት 2006!!!

No comments:

Post a Comment