Sunday, May 12, 2013

እምባ ኣላጀ






ጎቦ እምባ ኣላጀ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ከተማ ዓዲ ሽሁ ዝርከብ ታሪካዊ ጎቦ እዩ፡፡ንውሓቱ 2,979 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ  ይኑ ካብ ትግራይ ብንውሓቱ ካብ ፅበት(ክሳድ ጉዶ  ንውሓቱ 3,935 ሜትር ልዕሊ ፀፍሒ ባሕሪ እዩ) ቐፂሉ 2ይ እንትኸውን ብኢትዮጵያ ደረጃ ድማ ኣብ መበል 122 ደረጃ ይርከብ፡፡ኣብ እምባ ኣላጀ ብርክት ዝበሉ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ዓውደ ውግኣት ተኻይዶም እዮም፡፡

እወ! እምባ ኣላጀ መቓብር በኣማኢቲ ኣሻሕት ዝቑፀሩ ኣያታትና እያ፡፡ሰራዊት ፋሽሽቲ ጣልያን፣ ሰራዊት እንግሊዝ፣ ናይ ሃይለስላሴን ናይድርግን ወታደራት ኣብ እምባ ኣላጀ ተደቒሶም እዮም፡፡ብዙሓት ተማሪኾምን ተቐቲሎምን እዮም፡፡እቲ ተባዕ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ግብዐኛታት ወረርቲ ኣብ እምባ ኣላጀ ካብ ዘካየዶም ውግኣት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ዝኣክል፡-


1. 28 ሕዳር 1888 ዓ.ም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ዝተኻየደ ውግእ እንትኸውን ብዓወት ኢትዮጵያ ተዛዚሙ፡፡

2. 10 ጉንበት 1933 ዓ.ም ኢትዮጵያን እንግሊዝን በሓባር ብምኽዋን ንጣልያን ዘወግእሉ ዓውደ ውግእ ኾይኑ ኣብ እት እዋን ንሱ እውን ጣልያን ንኻልኣይ ግዘ ተሳዒራ፡፡

3. መስከረም 1935 ዓ.ም 1ይ ወያነ ትግራይ ፀረ ዘውዳዊ መላኺ ግዝኣት ሃፀይ ሃይለስለሴ ከቢድ ውግእ፡፡ሃይለስላሴ ብነፈርቲ መንግስቲ እንግሊዝ ተሓጊዙ ኣብ ልዕሊ ወየንቲ ትግራይ ከቢድ ጥቅዓት ፈፂሙ፡፡ ወየንቲ ትግራይ ተዳኺሞም፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ ሙሉ ብሙሉ ተሳዒሮም፡፡

4. ብ1981 ዓ.ም ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ፀረ ግፍዓዊ ደርጊ ውግእ ብኽፋት ኣብ ልዕሊ ደርጊ ከቢድ መጥቃዕቲ ፈፂሞም፡፡ደርጊ ተሳዒሩ፡፡ኣብዝ እዋን ንሱ እዩ ነይሩ እምብኣር እዛ ዝትስዕብ ደርፊ ዝትደረፈት፡፡



ድንቅ ሕራይ ኣለኹ ትግራይ

እዝኹሉ ኣነ ብደወይ

ረአኹዋ ኣለጀ ዓደይ!

ግጥሙ እንተበላሺወዮ ይቕርታ ግበሩላተይ፡፡ ተኽኢልኩም ከዓ ሓደራ ኣርሙኒታ፡

No comments:

Post a Comment