Tuesday, May 28, 2013

ጉንበት 20 ንህዝቢ ትግራይ




ትግራይ ካብቶም ብጣዕሚ ዝተጨቆኑ ዝብታት ዓለም ብቐዳምነት ዝስራዕ እዩ እንተበልና ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ኣባሃህላ ኣይኸውንን፡፡ይኹን እምበር፣ ካብ ማንም ንላዕሊ ህልኸኛን ‹‹እምቢ ንግፍዐኛታት! እምቢ ንዕሉላት ጨቆንቲ! እምቢ ንባዕዳውያን ገዛእቲ!›› ብምባል ብታዘላቶ መሳርያ እንትምክት ድማ ይፍለጥ፡፡ካብ ባዕዳውያን ወረርቲ ንጣልያን፣ገብፂ፣ሱዳንን ኤርትራን ከከም ኣማፃፅኣኦም ሓመድ ደፈጭኦም ኣውፂኡ እግርእግሮም ብምስባር መሊስዎም እዩ፡፡ብተደጋጋሚ ብግፍዒ ረጊፆም ክገዝእዎ ተሃድዶም መፂኦም ብተደጋጋሚ ድማ ከይፈተው ብግዶም ቅልፅሙን ትብዓቱን ንክምስክርሉ ገይርዎም እዩ፡፡

እቶም ጥራሓ ምዓኮሮም ብኹርዓትን ኣጉል ትምክሕትን ፍንፅሕ ዝብሉ ፎሽኳላት ወገናቱ እውን እንተኾነ ባዕሎም ብኮርፋሕ ድኽነትን ድንቁርናን ንክሳቀ ከምዝገበሩዎ እናፈለጡ ብማንነቱ ከይተኣማመን ዓርሰ እምነቱ ንክግፈፍን ብምሕሳብ ብሽሙን ዘይሽሙን ይፅውዕዎ ነይሮም፡፡ንዚኦም እውን እንተኾነ ክክንዲ ዝኣኽሎም ኣጭሒሙዎምን ደኲዑዎምን እዩ፡፡ ሐዚ እውን እንተኾነ ግን እቲ ግስሩጥ መልሓሶም ኣይአርነቡን፤ ከምቲ ቀደም ካልኣይ ዜጋ ከምዝኾነ ገይሮም ይሓስቡ አለው፡፡

ህዝቢ ትግራይ ግን እዝኹሉ ግፍዓዊ ወራራት እንትምክት ሓደ ግዜ እኳ ናይ እንዳማቱ ድምበር ጥሒሱ ኣይፈልጥን፡፡እዚ ድማ ናይ ኩናት ድልየት ከምዘይብሉ እዩ ዘረድአና፡፡ንባዕሉ ብግፍዓውያን ጭቆንቲ ክግዛእን ወሰኑ ክድፈርን ከምዘይደሊ ኹሉ ናይካልኦት ዶብ ሰጊሩ ክወርርን ኩናት ክኸፍትን ተራኢዩን ተሰሚዑን አይፈልጥን፡፡‹‹ንባዕልኻ ዘይት ደልዮ ነገር ንኻልኦት ኣይትግበር›› ዝብሃል ምስላ ዝሰርሕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝሰርሕን ከም መምረሒ ዝውሰድን ይመስል፡፡

ህዝቢ ትግራይ ቡዙሓት መረርቲ ቃልስታት ኣካይዱን አብ ቡዙሓት ዓውደ ውግኣት ድማ በኣማኢቲ ዝቑፀሩ ዓወታት ዓቲሩ እዩ፡፡ገሊኦም ምስካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ መብዛሕቲኦም ከዓ ንበሒቱ፡፡ካብዞም ቃልሲታ እቲ ዝላዓለን ብውሕሉል ኣመራርሓ ዕላማኡ ዝወቕዐን ድማ አንፃር ግፍዓዊ መግዛእቲ ደርጊ ዝተገበረ ቃልሲ እዩ፡፡እወ! እቲ በላዒ ሰብ ወታደራዊ ጨቋኒ ደርጊ ብጀጋኑ ተጋደልቲ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተደሲቑ ካብ ሃገር ተባሪሩ፡፡እዚ ቃልሲ እዚ ግን ብዘይካ መሪሕ ህዝቢ ትግራይ ክሳኻዕ ኣይምኻኣለን፡፡ንዚ እዩ ድማ ተረፍ መረፍ መራሕቲ ደርጊ ሐዚውን ንህዝቢ ትግራይ ዘሹሙ ብምሃብ ከዋርድዎ ዝሙኩሩ ዘለው፡፡

ንምኹዋኑ ተጋድልቲ ትግራይ እቲ ካብ ኣፍሪካ ብበዝሒ ወታደርን ዘመናዊ ኣፅዋርን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ደርጊ ብኽመይ እዮም ስዒሮሞ? እወ! ማሕላኦም ‹‹ስጋ ብፆት!›› እያ ነይራ፤ ‹‹ሕድሪ ብፆት›› ኣይነዕብርን ዝብልዎ ከም ከውሒ ዝጠንከረን ኣብ ሞትን ሂወትን ዘይክዳዕ ቃል ድማ ስንቆም ነይሩ፡፡ንተጋደልቲ ትግራይ ኩላ ትግራወይቲ ኣዶኦም፣ ኩሉ ትግራዋይ ኣቦኦም(ኣያኦም)፣ኩሎም ዕሸላት ትግራይ ድማ መናጁስ ኣሕዋቶምን ደቆምን እዮም ነይሮም፡፡ ኣብ ዝዓረፉሉ ገዛ ኹሉ እታዘላቶም ምስ ሰብገዛ ተኻፊሎም ይበልዑን ይሰትዩን፣ ሓዘኖምን ርሓቦምን ብምሕባእ ድማ የፃውቱኻ፡፡‹‹ ማንጁስ ንዓሞ! ቁርስኻ ሕንበሻ ብሻሂ ብላዕ፤ እዚ ቃልሲ እዚ እኮ ንስኹም ኢኹም ዒላማኡ ንክወቅዕ ዝትገብሩዎ!‹ ስጋ ብፆት!› ›› ይብሉኻ ክረኽቡኻ ከለው፡፡ስጋ ብፆት! ዒም ዝበለ ይታሓጎም!፡፡

ዓወት ንበል22ን በዓል ጉንበት 20! ክብርን ሞጎስን ድማ ንጀጋኑ ስውኣትና እናበልኹ ብዛ እትስዕብ ናይ ግዛቸው ግርማይ ግጥሚ ክፍለየኩም፤ ሰላም!፡፡




ስጋ - ብፆት!


ከም ጭሩ - ርጋፍ በሊዑ ጠጢሙ
ከም ፅጉብ ስሒቑ …. መዓንጥኡ ኣስጢሙ
ቦጅቦጅ በሊዑ'ዶ ፡ ሰትዩ? …. ኣብ ኩርኳሕ ሓዲሩ
ኣስሓይታ ፀሓይ ነዳድ …. ማይ በረድ ፀይሩ
ፅንዓት ስንቂ ኮይንዎ …. ፈኪሩ ነዲሩ፡፡
እጋል ሰትዩ …. ከውሒ ዝቋፀሮ
ፍሒሩ በሊዑ ምርቋሕ፡ ሓርኢ - ሓርኦ፣ ሓማሽሮ፡
ከብዱ ብዕፅፍታ ‹‹ስጋ-ብፆት›› ኢሉ ምሒሉ
ንሱ ተሓሊጉ …. እንጀራ ኳደረ፡ ፈውሲ ግስም ኣማቒሉ፡፡
ኣፃድፍ እንትሰግር፡ ጎቦታ እንትሓኩር ኣብቲ ከውታ ለይቲ
ለይትን ቀትርን ጉዕዞ ምስታ ጅግና፡ ኮርዒዳ ንእስቲ፣
ኣብ ዛዕታዕታ …. መልሓስካ ዝልቁም ኣሳሓይታ
ኣብታ ቃዕ ዝበለ ፀሓይ …. ዝበስዕ መንበስበስታ፡
እታ ናይ ሓዋር መግነዝ …. ቁራፅ ተኸዲኑ
ቁንጭን ቁማልን ኣብ እንግድዑ ኣሻዲኑ
ምስ ጋዕ ገልጠም ገጢሙ …. ብፅንዓት ኣሰኲይኑ፡
ደንጎላ ተተርኢሱ …. ኣብ ቋቑራ ሓዲሩ
ፈውሲ ሞት ማይ ስኢኑ …. ‹‹ስጋ ብፆት›› …. ኮይና ዘይትዓብር ቃሉ
….. ደም ስጋ ከኽብር …. ፀኒዑ ምሒሉ፡፡
ንኹሉ ሰጊሩዎ …. ከይተሓንኮኸ ዓቕሉ
ራህዋ ፀይሩ …. መቐረት ጣዕመ ገድሉ፡፡
ንሱ! ‹‹እቲ ስጋ ብፆት›› ባሃሊ
ኣያ ፅንዓት ትእምርተ ዓቕሊ፡፡
ነይሩ ናቱ ተስፋ …. ፀበባ ከብቅዕ
ኣብዘይነበሮ ንዘማቐሎ ገባር ከቕንዕ፡፡
ነይሩ አሰሓይታ ምቕባሉ …. ብጥምየት ምሕምታሉ
ፀፈፍ ምባሉ ….. ኣካሉ ምኽፋሉ፡፡
እቲ ምቁር ህይወት …. ናብራ ገድሊ
እቲ ቅርሲ ዝንተኣለም … ተዘክሮ ትማሊ
ውኻዕኻዕ ፀወታ …. ሙቁር ዘይበሊ
ፅንዓት ዘሳገረ …. ልዕሊ ኩሉ ሓይሊ፡፡
‹‹ስጋ ብፆት›› ንሓልዬት ….
‹‹ስጋ ብፆት›› ንፅንዓት፣
ናፋቒ ሓቲቱ - ዳግም ዝዳሃዮ
ዳግም ወሊዱ ዘፅበዮ
ዳግም ዘሳልዮ
   ‹‹ስጋ ብፆት!!››

ምንጭ፡  ግርዛቸው ግርማይ፡፡ ጋዜጣ ወይን፤ለካቲት  1999 ዓ. ም፡፡





No comments:

Post a Comment